ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምብልውና ንኽልተ ኣንስቲ ብኸመይ ከም ዝተንከፈን

ምብልውና ንኽልተ ኣንስቲ ብኸመይ ከም ዝተንከፈን

ምብልውና ንኽልተ ኣንስቲ ብኸመይ ከም ዝተንከፈን

 ሳንድራ ኣብ ኣውስትራልያ እትነብር መበለት ኢያ። ቅድሚ ገለ ዓመታት በዓል ቤታ ምስ ሞተ ኣዝያ ሰምበደት። ከምዚ ድማ በለት:- “እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዝፈትዎ ናይ መርዓ ብጻየይን ፈታውየይን ሃንደበት ምስ ሞተ ኣዝየ ሰምቢደ ኢየ። ካብ ሆስፒታል ናብ ቤት ብኸመይ ከም ዝመጻእኩን በታ መዓልቲ እቲኣ እንታይ ከም ዝገበርኩን ምንም ኣይዝከረንን ኢዩ። ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ሒደት ሰሙናት ዝስምዓኒ ዝነበረ ፍርሂ ናብ ዘየቋርጽ ቃንዛ ተቐይሩ ነበረ።”

ሳንድራ ንሽዱሽተ ዓመታት መበለት ዝዀነት ኢለይን እትበሃል ብዕድመ እትዓብያ መሓዛ ኣላታ። ኢለይን: ዴቪድ በዓል ቤታ ብሕማም መንሽሮ ቕድሚ ሙማቱ ሓሚሙ ደቂሱ ኣብ ዝነበረለን ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣልያቶ ኢያ። እቲ ሓዘን ኣዝዩ ኸቢድዋ ስለ ዝነበረ በዓል ቤታ ምስ ሞተ ድሕሪ ሓጺር እዋን ግዝያዊ ዑረት ኣጋጠማ። ድሕሪ ኽልተ ዓመት እኩባት ሰባት ኣብ ዝነበሩሉ ቦታ ውኖኣ ኣጥፊኣ ወደቐት። እቲ ምርመራ ዝገበረላ ሓኪም ኣካላዊ ሕማም ክረኽበላ ኣይከኣለን። እንተ​ዀነ ግን: ኢለይን ንሓዘና ኽትዓብጦ ኸም ዝጸንሐት ኣስተውዓለ: ስለዚ ናብ ቤታ ኸይዳ ንምብካይ ጻዕሪ ኽትገብር ነገራ። ኢለይን “ካብ ሓዘነይ ንኽድበስ ነዊሕ ግዜ ኢዩ ወሲዱለይ” ብምባል ትእመን፣ ወሲኻ ድማ “ናብ መደቀሲ ኸይደ ንርእሰይ ብናይ ዴቪድ ክዳውንቲ ዝሽፍነሉ ግዜ እውን ነይሩ ኢዩ” በለት።

እወ: ምብልውና ብዘይ​ሰብኣይ ምንባር ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ንላዕሊ ዘጠቓልል ስለ ዝዀነ: እተፍቅርዮ ናይ መርዓ ብጻይኪ ምስ ዝሞተኪ እተፈላለየ ስምዒታት ኽመጸኪ ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ሳንድራ ንእተወሰነ ግዜ እታ ናይ ቀደም ሳንድራ ዘይኰነትስ ካልእ ሰብ ዝዀነት ኰይኑ ተሰምዓ። ልክዕ ከምቲ ነተን ኣብዚ ቐረባ እዋን ሰብኡተን ዝሞትወን መበለታት ዝስምዐን ንዓኣውን ሰብ ዘይብላን ድሕንነት ዝጐደላን ኰይኑ ተሰምዓ። ሳንድራ ከምዚ ብምባል ተዘክሮኣ ትገልጽ:- “በዓል ቤተይ ናይ መወዳእታ ውሳነታት ይገብር ስለ ዝነበረ: ብሃንደበት መበለት ምስ ኰንኩ ነቲ ውሳነታት እቲ ንምግባር ፈራህኩ። ድቃስ ሰኣንኩ። ድኻም ተሰምዓኒ: ሓይለይ እውን ተጸንቀቐ። እንታይ ክገብር ከም ዘለኒ ኣይፈልጥን ኢየ ነይረ።”

መዓልቲ መዓልቲ ኸም ናይ ሳንድራን ኢለይንን ዝኣመሰለ ተመክሮታት ኣብ ዓለም የጋጥም ኢዩ። ሕማም: ሓደጋ: ውግእ: ዓሌታዊ ምጽራይ: ከምኡውን ዓመጽ ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቝጽሪ መበለታት ኣበርክቶ ይገብር ኣሎ። a መብዛሕትአን ካብዘን መበለታት እዚኣተን እንታይ ከም ዝገብራ ስለ ዝሕርብተን ሓዘነን ዓቢጠን ኢየን ዝነብራ። ፈተውትን ኣዝማድን ንመበለታት ንምሕጋዝ እንታይ ኽገብሩ ይኽእሉ፧ እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ሓጋዚ ክኸውን ዝኽእል ሓሳባት ሒዛ ኣላ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ሰብኡተን ገዲፎምወን ዝኸዱ ገሊኣተን ኣንስቲ ምስ ናይ መበለታት ዝመሳሰል ኵነታት ኢዩ ዘለወን። ምፍልላይን ፍትሕን ርእሱ ዝኸኣለ ጸገማት እኳ እንተለዎ: ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ተገሊጹ ዘሎ መብዛሕትኡ መሰረታዊ ሓሳባት ሰብኡተን ገዲፎምወን ንዝኸዱ ኣንስቲ እውን ክጠቕመን ይኽእል ኢዩ።