ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብመገዲ የሆዋ ምምልላስ የበርትዓናን የሐጕሰናን ኢዩ

ብመገዲ የሆዋ ምምልላስ የበርትዓናን የሐጕሰናን ኢዩ

ታሪኽ ህይወት

ብመገዲ የሆዋ ምምልላስ የበርትዓናን የሐጕሰናን ኢዩ

ሉዊጂ ዲ. ቫለንቲኖ ዘዘንተዎ

የሆዋ “እዚኣ እያ እታ መገዲ: ብእኣ ተመላለሱ” ኢሉ ይምዕደና ኢዩ። (ኢሳይያስ 30:⁠21) ቅድሚ 60 ዓመታት ካብ ዝጥመቕ ኣትሒዘ ነዚ ምኽሪ እዚ ምስዓብ ሸቶይ ገይረዮ ኢየ። እቶም ብ1921 ካብ ኢጣልያ ተሰዲዶም ኣብ ክሊቭላንድ: ኦሃዮ: ሕ.መ.ኣ.: ዝቕመጡ ዝነበሩ ወለደይ ነዚ ሸቶኦም ብምግባር ኣብነት ኰይኖምኒ ኢዮም። ኣነ: እቲ ዓቢ ሓወይ ማይክ ከምኡውን እታ ንእሽቶ ሓብተይ ሊድያ ኣብኡ ኢና ዓቢና።

 ወለደይ እተፈላለየ ሃይማኖታት ይምርምሩ ነበሩ: እንተ​ዀነ ግን ኵለን ባህ ስለ ዘየበልኦም ገደፍወን። ሓደ መዓልቲ ብ1932 ግን ኣቦይ ብጣልያንኛ ዝፍኖ ናይ ረድዮ ፕሮግራም ይሰምዕ ነበረ። እቲ ናይ ረድዮ ፕሮግራም ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝፍኖ ነበረ: ኣቦይ እውን በቲ ዝሰምዖ ተሓጐሰ። ዝያዳ ሓበሬታ ንኽወሃቦ ደብዳበ ጽሒፉ ሓተተ: ሓደ ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ: ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዓዪ ኢጣልያዊ ናይ የሆዋ ምስክር ድማ ኽበጽሓና መጸ። ወለደይ ክሳዕ ዝወግሕ ምስዚ ሰብኣይ እዚ ድሕሪ ምምይያጦም ሓቀኛ ሃይማኖት ከም ዝረኸቡ ርግጸኛታት ኰኑ።

ኣቦይን ኣደይን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክካፈሉ ጀመሩ: ንገየሽቲ ተዓዘብቲ ድማ ኣብ ገዛና ብሓጐስ ይቕበልዎም ነበሩ። ዋላ እኳ ቘልዓ እንተ ነበርኩ: እቶም ገየሽቲ ተዓዘብቲ ኽሰብኩ ኸለዉ ሒዞምኒ ይኸዱ ነበሩ: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዄንካ ንየሆዋ ብዛዕባ ምግልጋል ክሓስበሉ እውን ሓጊዞምኒ ኢዮም። ሓደ ኻብዚኣቶም ሕጂ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘሎ ካሪ ዳብሊው. ባርበር ኢዩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ለካቲት 1941 ወዲ 14 ዓመት ከለኹ ተጠመቕኩ: ብ1944 ድማ ኣብ ክሊቭላንድ ፓይነር ኰይነ ኸገልግል ጀመርኩ። ማይክን ሊድያን እውን ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኽስዕቡ ጀመሩ። ማይክ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ንየሆዋ ኣገልጊሉ ኢዩ: ሊድያ እውን ነቲ ሃሮልድ ዋይንደር ዝበሃል በዓል ቤታ ን28 ዓመታት ገያሺ ተዓዛቢ ዀይኑ ኸገልግል ከሎ ኣሰንያቶ ኢያ። ሎሚ ኽልቲኦም ፍሉያት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኢዮም።

ቤት ማእሰርቲ ጸኒዐ ክቕጽል ንዝገበርክዎ ውሳነ ኣደልደለለይ

ኣብ መጀመርታ 1945 እቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናይ ምስቲ ኣስያፍ ናብ ማሕረሻታት ብዛዕባ ምቕያር ዝገልጽ ኣብ ኢሳይያስ 2:⁠4 ዘሎ ሓሳባት ተሰማሚዐ ንኽነብር ስለ ዝደረኸኒ ኣብ ናይ ኦሃዮ ቺለካዚ ፌደራላዊ ቤት ማእሰርቲ ተዳጐንኩ። ኣቐድም ኣቢሉ እቶም ኣዘዝቲ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ነቶም ኣብኡ እተኣስሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ውሱን ቍጽሪ ዘለዎ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ጥራይ ክረኽቡ ኢዮም ዝፈቕዱሎም ዝነበሩ። እንተ​ዀነ ግን: ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝነበረት ጉባኤ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽሑፋት ንኽንረኽቡ ሓጊዞሞም ኢዮም። ሓድሓደ ግዜ ገለ ጽሑፋት ኣብ ከባቢ እቲ ቤት ማእሰርቲ ደርብዮም ይኸዱ ነበሩ። ንጽባሒቱ እቶም እሱራት ናብቲ ዝሽቅልሉ ቦታ ኽውሰዱ ኸለዉ ነቲ ጽሑፋት ኣናድዮም ይረኽብዎ እሞ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ሓቢኦም የእትዉዎ ነበሩ። ኣነ ኣብ እተኣሰርኩሉ እዋን ግን ዝያዳ ጽሑፋት ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ኸነእቱ ተፈቒዱ ነበረ። ይኹን እምበር ነቲ የሆዋ ዘዳልዎ መንፈሳዊ መግቢ ኣኽቢረ ንኽርኢ ተማሂረ ኢየ፣ ሕጂውን ከይተረፈ ሓድሽ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ክቕበል ከሎኹ ነዚ ወትሩ ኢየ ዝዝክሮ።

ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ኽንገብር እኳ እንተ ተፈቕደልና: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ውልቀ-ሰባት ግን ክካፈሉ ኣይፍቀደሎምን ነበረ። ይኹን እምበር: ገለ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ኣዘዝትን እሱራትን ብሕቡእ ኣብ ኣኼባና ይካፈሉ ነበሩ: አረ ሒደት ካባታቶም እውን ሓቂ ተቐቢሎም ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 16:⁠30-34) ሓው ኤ. ኤች. ማክሚላን ብተደጋጋሚ ብምብጻሕ ብዙሕ ኣጸናኒዑና ኢዩ። እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እነሕልፎ ግዜ ንኸንቱ ኸም ዘይኰነ: የግዳስ ኣብ መጻኢ ንዝወሃበና መዝነት ከም ዘሰልጥነና ወትሩ ይገልጸልና ነበረ። እቲ ፍቑር ሓው እቲ ንልበይ ተንኪፍዎ: ነቲ ብመገዲ የሆዋ ንኽመላለስ ዝገበርክዎ ውሳነ ንኸደልድል ድማ ሓጊዙኒ ኢዩ።

ብጸይቲ ረኸብኩ

ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ተወድአ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈታሕና: ኣነ ድማ እንደገና ፓይነር ብምዃን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተጸመድኩ። ኣቦይ ብ1947 ስለ ዝሞተ ግን ንስድራይ ንምሕጋዝ ዓለማዊ ስራሕ ጀመርኩ: ንሰባት ናይ ምድራዝ ክእለት ድማ ኣጥረኹ፣ እዚ ኽእለት እዚ ኣነን በዓልቲ ቤተይን ድሕሪ 30 ዓመት ንዘጋጠመና ጽንኩር እዋን ንኽዋጽኣሉ ሓጊዙኒ ኢዩ። ዘሊለዶ ኸዘንትወልኩም ጀሚረ፧ እስከ መጀመርታ ብዛዕባ በዓልቲ ቤተይ ኽነግረኩም።

ብ1949 ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ኣደራሽ መንግስትና ኸለኹ ቴለፎን ተደወለ። ነታ ቴለፎን ምስ ተቐበልክዋ ባህ ዘብል ድምጺ ሰማዕኩ:- “ክርስቲን ገንቸር እበሃል። ናይ የሆዋ ምስክር ኢየ። ስራሕ ምእንቲ ኽረክብ ኢየ ናብ ክሊቭላንድ ግዒዘ: ጉባኤ ኸኣ ኢየ ዝደሊ ዘለኹ።” ኣደራሽ መንግስትና ኻብቲ ትነብረሉ ዝነበረት ቦታ ርሑቕ እኳ እንተ ነበረ ድምጻ ባህ ስለ ዝበለኒ ብኸመይ ከም እትመጽእ ሓበርክዋ: ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ሰንበት ንኽትመጽእ ድማ ኣተባባዕክዋ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ህዝባዊ ዝርርብ ዘቕርብ ኣነ ነበርኩ። ሰንበት ምስ ኰነ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ኣብቲ ኣደራሽ መንግስቲ በጻሕኩ: እንተ​ዀነ ግን ናብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ቕድሚኡ ዘይፈልጣ ሓብቲ ኣይመጸትን። ነቲ ዝርርብ ጀሚረ ኽሳዕ ዝውድእ ናብቲ መእተዊ ገጸይ ቍሊሕ እብል ነበርኩ: ዝመጸ ግን ኣይነበረን። ንጽብሒቱ ምስ ደወልኩላ መስመር ኣውቶቡሳት ከም ዘይትፈልጦ ገለጸትለይ። ስለዚ ብዝግባእ ምእንቲ ኽገልጸላ ኣብ ሓደ ቦታ ኽንራኸብ ተቛጸርና።

ወለዳ ካብ ቼኮዝሎቫክያ ተሰዲዶም ከም ዝመጹ: ነታ ዌር ኣር ዘ ደድ፧ ዘርእስታ ንእሽቶ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ምስ ኣንበቡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሓብሩ ኸም ዝጀመሩ ከምኡውን ብ1935 ከም እተጠምቁ ፈለጥኩ። ብ1938 ኣቦ ክርስቲን ኣገልጋሊ ጕጅለ (በዚ ናይ ሕጂ ኣጸዋውዓ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ) ናይታ ኣብ ክሊመር: ፐንሲልቫንያ: ሕ.መ.ኣ.: እትርከብ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰነ። ብ1947 ድማ ክርስቲን ጓል 16 ዓመት ከላ ተጠምቀት። ነዛ ምጭውትን መንፈሳዊትን ሓብቲ ንኸፍቅራ ነዊሕ ግዜ ኣይወሰደለይን። ብ24 ሰነ 1950 ድማ ተመርዓና። ክርስቲን ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዛ እምንቲ ብጸይቲ ዀይናትኒ ኢያ፣ ወትሩ ኸኣ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ንምሃብ ድሕር ኣይትብልን ነበረት። እዛ ደገኛ ብጸይቲ ምሳይ ሓቢራ ንኽትነብር ፍቓደኛ ብምዃና ንየሆዋ አመስግኖ ኢየ።​—⁠ምሳሌ 31:⁠10

ዘይተጸበናዮ ኣጋጣሚ

ብ1 ሕዳር 1951 ፓይነር ኴንና ኸነገልግል ጀመርና። ድሕሪ ኽልተ ዓመት ኣብቲ ኣብ ቶሊዶ: ኦሃዮ: እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ሓው ሁጎ ሪመርን ሓው ኣልበርት ሽሮደርን ኣብ ናይ ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ክጽመዱ ንዝደልዩ ፓይነራት ኣዘራረብዎም። ንሕና ካብ መንጎ እቶም ፓይነራት ነበርና። ኣብ ክሊቭላንድ ፓይነር ኴንና ንኽንቕጽል ምትብባዕ ተዋህበና: ኣብታ እትቕጽል ወርሒ ግን ዘይተጸበናዮ ነገር ኣጋጠመ፣ ኣብቲ ኣብ ለካቲት 1954 ዝጅምር መበል 23 ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክንካፈል ተጸዋዕና!

ክርስቲን ኣዝያ ፈሪሃ ስለ ዝነበረት ናብቲ ኣብ ላንሲንግ: ኒው ዮርክ: ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ብማኪና ኽንከይድ ከሎና ዓሰርተ ሳዕ “ቀስ በል!” ትብለኒ ነበረት። ኣነ ድማ “ክርስቲን ካብዚ ንላዕሊ ቐስ እንተ ኢለ እሞ ደው ክንብል ኢና” በልክዋ። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ምስ በጻሕና ግን ዝነበረና ፍርሒ ተወገደ። ሓው ናታን ኖር ተቐበለና እሞ ነቶም ተማሃሮ ብሓባር ነቲ ቤት ትምህርቲ ኣርኣየና። ማይን ኤለክትሪክን ብኸመይ ከም እንቝጥብ ገለጸልና: ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ እንዓየሉ እዋን ቈጣቢ ምዃን ውርዝና ምዃኑ ድማ ኣጕልሓልና። እቲ ምኽሪ እቲ ኽሳዕ ሕጂ ኻብ ኣእምሮና ኣይተሓከን። ሕጂውን ንዓየሉ ኢና።

ጕዕዞ ናብ ሪዮ

ነዊሕ ከይጸንሐ ብ10 ታሕሳስ 1954 ምስ ተመረቕና ብነፋሪት ካብታ ቝሪ ዝነበራ ከተማ ኒው ዮርክ ናብታ ብርትዕቲ ጸሓይ ዘላታ ሪዮ ዲ ጃኔሮ: ብራዚል: በረራ ኽንጅምር ከሎና ተሃንጢና ነበርና። ፒተር ካርበሎን ቢሊ ካርበሎን እተባህሉ ሰብኣይን ሰበይትን ሚስዮናውያን ብጾትና ምሳና ሓቢሮም ተጓዕዙ። ኣብ ፖርቶ ሪኮ: ኣብ ቬንዝዌላ: ከምኡውን ኣብ ቤለም ሰሜናዊ ብራዚል እናዕረፍና ኽንጓዓዝ ስለ ዝነበረና እቲ በረራ 24 ሰዓታት ዝወስድ ነበረ። እንተ​ዀነ ግን: ኣብ ሞተር እታ ነፋሪት ገለ ጸገም ስለ ዘጋጠመ ሪዮ ዲ ጃኔሮ ንኽንኣቱ 36 ሰዓታት ወሰደልና። ከመይ ዝበለ መሳጢ ትርኢት ኢና ግን ዝረኣና! እቲ ናይታ ኸተማ መብራህትታት ከም ኣብ ጸሊም ምንጻፍ እተዘርወ ድሙቕ ኣልማዝ ከብለጭልጭ: ብርሃን ናይታ ቘሎ እትመስል ወርሒ ድማ ኣብ ማያት ወሽመጥ ጓንባራ ኸንጸባርቕ ከሎ ርኢናዮ ኢና።

ገለ ኣባላት ስድራ ቤትኤል ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ይጽበዩና ነበሩ። መርሓባ ኢሎም ድሕሪ ምቕባል: ብማኪና ናብቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ወሰዱና። ሰዓት ሰለስተ ናይ ለይቲ ኣቢሉ ድማ ደቀስና። ድሕሪ ሒደት ሰዓታት እታ እተበራብረና ደወል ተደወለት እሞ ኣብ ሚስዮናዊ ዕዮና እታ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ኸም ዝጀመረት ኣዘኻኸረትና!

ነዊሕ ከይጸናሕና ዝረኸብናዮ ትምህርቲ

ነዊሕ ከይጸናሕና ኣገዳሲ ትምህርቲ ረኺብና ኢና። ሓደ ምሸት ምስ ሓንቲ ስድራ​ቤት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣምሰና። ናብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ክንምለስ ምስ ተበገስና: እቲ በዓል ቤት “ማይ ይወቅዕ ኢዩ ዘሎ: ኽትከዱ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ብምባል ክንሓደር ወጠጥ በለና። ኣነ ግን ንዘረባኡ ግዲ ኸይገበርኩ እናሰሓቕኩ “ኣብ ዓድና እውን እኮ ማይ ይወቅዕ ኢዩ” በልክዎ። ካብኡ ድማ ናብ ቤትና ኽንከይድ ነቐልና።

ከተማ ሪዮ ብኣኽራናት እተኸበት ስለ ዝዀነት: ማይ እንተ ወቒዑ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ናብታ ኸተማ ብምውሓዝ የጥለቕልቓ ኢዩ። ነዊሕ ከይጸንሐ እቲ ማይ ክሳብ ብርክና በጽሐ። ኣብ ከባቢ ጨንፈር ቤት ጽሕፈትና እቲ ጐደናታት ብብርቱዕ ውሕጅ መሊኡ: እቲ ማይ ድማ ክሳዕ ኣፍልብና በጺሑ ነበረ። ቤትኤል ክንበጽሕ ከሎና ምሉእ ብምሉእ ጠልቂና ነበርና። ንጽብሒቱ ክርስቲን ተጸልኣ: ሕማም ፌራ እውን ሓመመት። እዚ ድማ ንነዊሕ እዋን ኣድኪምዋ ኢዩ። ሓደስቲ ሚስዮናውያን ከም ምዃንና መጠን ንምኽሪ ናይቶም ደቂ እታ ዓዲ ዝዀኑ ኣሕዋት ክንሰምዕ ነይሩና ኢዩ።

ዕዮ ሚስዮናውነትን መገሻን ዝጀመርናሉ እዋን

ድሕሪ እዚ ኣብ መጀመርታ ዘጋጠመና ዘሰምብድ ተመክሮ: ብውዕዉዕ ስምዒት ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክንሳተፍ ጀመርና። ንእንረኽቦም ሰባት ብቛንቋ ፖርቱጋል እተዳለወ መእተዊ ነንብበሎም ነበርና: ክልቴና እውን ብማዕረ ምምሕያሽ ንገብር ዝነበርና ይመስለኒ። ገሊኦም ንክርስቲን “ንስኺ ትብልዮ ዘሎኺ ተረዲኡኒ ኣሎ: ናቱ ግን ክርድኣኒ ኣይከኣለን” ክብሉ ኸለዉ: ካልኦት ድማ ንዓይ “ንስኻ እትብሎ ዘሎኻ ይርድኣኒ ኣሎ: ንሳ እንታይ ከም እትብል ዘላ ግን ኣይተረድኣንን” ይብሉኒ ነበሩ። ይኹን እምበር: ኣብተን ናይ መጀመርታ ሒደት ሰሙናት ልዕሊ 100 ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ኵንትራት ዝኣትዉ ሰባት ብምርካብና ባህ ኢሉና ኢዩ። ገሊኦም ካብቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሃሮና እውን ኣብታ ዓመት እቲኣ ብምጥማቖም: ዕዮ ሚስዮናውነት ክሳዕ ክንደይ ፍርያም ምዃኑ መርኣዪ ዀይኑና ኢዩ።

ኣብ መፋርቕ 1950ታት ሕጽረት ብቕዓት ዘለዎም ኣሕዋት ስለ ዝነበረ: ኣብ ብራዚል ዝርከባ ብዙሓት ጉባኤታት ብናይ ወረዳ ተዓዛቢ ስሩዕ ምብጻሕ ኣይግበረለንን ነበረ። ስለዚ: ሽሕኳ ገና ነቲ ቛንቋ ዘይመለኽክዎን ብቛንቋ ፖርቱጋል ዝርርብ ሂበ ዘይፈልጥን እንተ ነበርኩ: ብ1956 ኣብ ዞባዊ መንግስቲ ሳኦ ፓውሎ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይነ ኸገልግል ተመደብኩ።

እታ ንመጀመርታ ግዜ ዝበጻሕናያ ጉባኤ ንኽልተ ዓመት ዝኸውን ብናይ ወረዳ ተዓዛቢ ምብጻሕ ስለ ዘይተገብረላ: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነቲ ሽዑ ዝቐርብ ህዝባዊ ዝርርብ ተሃንጥዩ ይጽበ ነበረ። ነቲ ዝርርብ ንምድላው ካብ ብቛንቋ ፖርቱጋል እተዳለወ ግምቢ ዘብዐኛ እተፈላለየ ሕጡብ ጽሑፍ ቈራሪጸ ኣብ ወረቐት ለጠፍክዎ። በታ ሰንበት እቲኣ እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ብሰባት መልአ። አረ ገሊኣቶምስ ኣብቲ መድረኽ እውን ኮፍ ኢሎም ነበሩ: ዅሎም ድማ ነዚ ዓቢ ኣጋጣሚ ብሃንቀውታ ይጽበይዎ ነበሩ። ዝርርብ: ወይስ ንባብዶ ኽብሎ: ከቕርብ ጀመርኩ። ጸጸኒሐ ቝሊሕ ኢለ እንተ ረኣኽዎም ዓበይቶምን ንኣሽቶምን ፍሕትሕት ከይበሉ ይሰምዑኒ ነበሩ። ኵላቶም ኣተኲሮም ይጥምቱኒ ስለ ዝነበሩ ንገዛእ ርእሰይ ‘ቫለንቲኖ ቛንቋ ፖርቱጋል ደኣ ግርም ገይርካ እንዲኻ መሊኽካዮ! ጽን ኢሎም ኢዮም ዝሰምዑኻ ዘለዉ’ በልኩ። ድሕሪ ገለ ዓመታት እንደገና ነታ ጉባኤ ኽበጽሓ ኸለኹ: ሓደ ኣብቲ ናይ ፈለማ ምብጻሕ ዝነበረ ሓው “እቲ ዘቕረብካልና ህዝባዊ ዝርርብዶ ይዝከረካ፧ ዋላ ሓንቲ እኮ ኣይተረድኣናን” በለኒ። እነ እውን ንገዛእ ርእሰይ መብዛሕትኡ እቲ ዝርርብ ከም ዘይተረድኣኒ ተኣመንኩ።

እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይነ ዘገልገልኩሉ ናይ ፈለማ ዓመት ንዘካርያስ 4:⁠6 ብተደጋጋሚ አንብባ ነበርኩ። እተን ‘ብመንፈሰይ እምበር ብሓይሊ ኣይኰነን’ ዝብላ ቓላት: ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ክስጕም ዝኸኣለሉ ቐንዲ ምኽንያት ብመንፈስ የሆዋ ምዃኑ የዘኻኽራኒ ነበራ። ዝጐድለና ነገራት ከም ዝነበረ ንጹር እኳ እንተ​ዀነ: እቲ ዕዮ ብሓቂ ንቕድሚት ሰጒሙ ኢዩ።

ዘጋጠመና ብድሆታትን ዝረኸብናዮ በረኸትን

ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዄንካ ምግልጋል ናይ ጽሕፈት ማኪና: ጽሑፋት ዝመልአ ካርቶናት: ሳናጡ: ከምኡውን ቦርሳታት ሒዝካ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኽትጐዓዝ ዝሓትት ኢዩ። ካብ ሓንቲ ኣውቶቡስ ወሪድና ናብ ካልእ ክንስቀል ከሎና ኣቕሓ ምእንቲ ኸይንርስዕ ክርስቲን ትቘጽሮ ነበረት። ኣብ ዶራን መገዲ ን15 ሰዓታት ምጕዓዝ ንዓና ሓድሽ ነገር ኣይነበረን። ሓድሓደ ግዜ ብፍላይ ክልተ ኣውቶቡሳት ኣብ ኣረጊት ድንድል ፊት ንፊት ተራኺበን ኣዝየን ተጸጋጊዐን ክሓልፋ ኸለዋ ኣዝዩ ዘፍርህ ኢዩ ነይሩ። ብተወሳኺውን ብባቡር: ብመርከብ: ከምኡውን ኣብ ፈረስ ተወጢሕና ተጓዒዝና ኢና።

ብ1961 ኣብ ክንዲ ኻብ ጉባኤ ናብ ጉባኤ ካብ ወረዳ ናብ ወረዳ እናተጓዓዝኩ ናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ ዀይነ ኸገልግል ጀመርኩ። ኣብ ሰሙን ንእተወሰነ መዓልትታት ምሸት ምሸት ነቲ ብማሕበር የሆዋ እተዳለወ ፊልምታት ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ነርኢ ነበርና። መብዛሕትኡ እዋን እቶም ኣብቲ ዓዲ ዝርከቡ ኣቕሽሽቲ ምርኢት ንኸይነቕርብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ጻዕሪ ምእንቲ ኸይዓናቕፈና ስሉጣት ክንከውን ነበረና። ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ኸተማ ሓደ ቐሺ ንሓደ ወናኒ ናይ ሓደ ኣደራሽ ስለ ዘፈራርሆ: እቲ ወናኒ እቲ ኣደራሽ ነቲ ምሳና ዝገበሮ ውዕል ሰረዞ። ንገለ መዓልትታት ድሕሪ ምንዳይ ካልእ ቦታ ረኸብና: እንተ​ዀነ ግን እዚ ቦታ እዚ ንዋላ ሓደ ኸይነገርና ናብቲ ናይ ቅድም ቦታ ምዕዳም ቀጸልና። እቲ ፕሮግራም ንኽጅመር ሒደት ሰዓታት ክተርፎ ኸሎ ክርስቲን ናብቲ ናይ ቅድም ቦታ ኸደት እሞ ነቶም ነታ ፊልም ክርእዩ ዝደልዩ ሰባት ኣበይ ከም እትርአ ሓበረቶም። በታ ምሸት እቲኣ 150 ሰባት ነታ እቲ ናይ ሓዳስ ዓለም ሕብረተሰብ ንቕድሚት ይግስግስ ኣሎ (እንግሊዝኛ) ዝብል ምስቲ ናይ ሽዑ ተግባራትና ዝሰማማዕ ኣርእስቲ ዘለዋ ፊልም ረኣዩ።

ሓድሓደ ግዜ ንእተገለለ ቦታታት ምብጻሕ ኣድካሚ እኳ እንተ ነበረ: እቶም ኣብኡ ዝነብሩ ትሑታት ኣሕዋት ነቲ ምብጻሕና ኣዝዮም የማስዉሉን ናብቲ ጸበብቲ ኣባይቶም ሓንጐፋይ ኢሎም ይቕበሉናን ስለ ዝነበሩ: ክንበጽሖም ብምኽኣልና ወትሩ ንየሆዋ ነመስግኖ ነበርና። ነዞም ኣሕዋት ፈተውትና ብምግባርና ባህ ዘብል በረኸታት ዓጺድና ኢና። (ምሳሌ 19:⁠17፣ ሃጌ 2:⁠7) ይኹን እምበር ንልዕሊ 21 ዓመታት ኣብ ብራዚል ድሕሪ ምጽናሕና ነቲ ሚስዮናዊ ኣገልግሎትና ኸነቋርጽ ከሎና ከቢድ ሓዘን ተሰሚዑና ኢዩ።

ኣብ ግዜ ጸገምና የሆዋ መዋጽኦ ፈጢሩልና ኢዩ

ብ1975 ክርስቲን መጥባሕቲ ገበረት። ድሕሪኡ እንደገና ገያሺ ተዓዛቢ ዀይነ ኸገልግል እኳ እንተ ጀመርኩ: ክርስቲን ግን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ጥዕና እናሰኣነት ከደት። ግቡእ ሕክምና ምእንቲ ኽትረክብ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኽንከይድ ዝሓሸ ዀይኑ ተራእየና። ኣብ ሚያዝያ 1976 ናብ ሎንግ ቢች: ካሊፎርንያ: ከድና እሞ ምስ ኣደይ ተቐመጥና። ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ወጻኢ ስለ ዝነበርና ነቲ ዘጋጠመና ሽግር ንምፍታሕ ናበይ ከም እንኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና ነይርና። ኣነ ናይ ምድራዝ ዕዮ ጀመርኩ: ኣታውየይ ድማ ንመነባብሮና ዀነ። ዞባዊ መንግስቲ ካሊፎርንያ ንክርስቲና ኣብ ሆስፒታል ብናጻ ዓራት ከም እትረክብ ገበረ: እንተ​ዀነ ግን እቶም ሓካይም ብዘይ​ደም ክሕክምዋ ስለ ዘይደለዩ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናደኸመት ከደት። ዓቕልና ጸቢቡና ስለ ዝነበረ የሆዋ መምርሒ ኽህበና ለመንናዮ።

ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ኣገልግሎት ከለኹ: ናይ ሓደ ሓኪም ቤት ጽሕፈት ረኣኹ። ብሃንደበት ድማ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ክኣቱ ወሰንኩ። እቲ ሓኪም ናብ ገዝኡ ክኸይድ ተበጊሱ እኳ እንተ ነበረ: ሓሳቡ ብምቕያር ተቐበለኒ እሞ ንኽልተ ሰዓታት ዝኸውን ተዘራረብና። ኣብ መወዳእታ “ሚስዮናውያን ኴንኩም እትፍጽምዎ ዕዮ አማስወሉ ኢየ: ንበዓልቲ ቤትካ ድማ ብዘይ​ ገለ ክፍሊትን ብዘይ​ደምን ክሕክማ ኢየ” በለኒ። ከምዚ ምስ በለኒ ፍጹም ደንጸወኒ።

እዚ ሕያዋይ ሓኪም እዚ ዓቢ ኽብሪ ዝወሃቦ ስፔሽያሊስት ኢዩ ነይሩ: ንክርስቲን ድማ ናብቲ ዝዓየሉ ሆስፒታል ከም እትቕየር ገበረ፣ ኣብኡ ብዝገበረላ ውሕሉል ክንክን ከኣ ነዊሕ ከይጸንሐ ክሕሻ ጀመረ። የሆዋ ኣብቲ ጽንኩር እዋን መዋጽኦ ስለ ዝፈጠረልናስ ክንደይ ኰን ኢና ዘማሰናዮ!

ሓድሽ መዝነት

ክርስቲን ምስ ደልደለት ፓይነር ኴንና ኸነገልግል ጀመርና: ኣብ ሎንግ ቢች ከኣ ንሓያሎ ሰባት ኣምለኽቲ የሆዋ ንኽዀኑ ሓጊዝናዮም ኢና። ብ1982 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይነ ክዓዪ ጻውዒት ቀረበለይ። ንዕዮ መገሻ ኣዚና ንፈትዎ ስለ ዝነበርና የሆዋ እንደገና ኣብዚ ዕዮ እዚ ንኽጥቀመልና ምፍቃዱ ወትሩ ነመስግኖ ነበርና። መጀመርታ ኣብ ካሊፎርንያ ደሓር ድማ ኣብቲ ብተዛረብቲ ቛንቋ ፖርቱጋል ዝቘማ ጉባኤታት ዝርከብኦ ኣብ ኒው ኢንግላንድ ዝርከብ ወረዳ ኣገልጊልና ኢና። ጸኒሑ እዚ ወረዳ እዚ ንቤርሙዳ እውን ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ።

ንኣርባዕተ ዓመታት ባህ ኢሉና ምስ ኣገልገልና: ካልእ መዝነት ተዋህበና። ኣብ ቃሕ ዝብለና ቦታ ፍሉያት ፓይነራት ኴንና ኸነገልግል ጻውዒት ቀረበልና። ምንም እኳ ንዕዮ መገሻ ምቍራጽና እንተ ኣሕዘነና: ኣብቲ ሓድሽ እተዋህበና መዝነት ጸኒዕና ኽንቅጽል ወሰንና። ኣበይ እንተ ኣገልገልና ግን ይሓይሽ፧ ገያሺ ተዓዛቢ ኸለኹ እታ ኣብ ኒው በድፎርድ: ማሳቹሰትስ: እትርከብ ጉባኤ ቛንቋ ፖርቱጋል ሓገዝ ከም ዘድልያ ኣስተውዒለ ነይረ: ስለዚ ናብ ኒው በድፎርድ ከድና።

ኣብታ ኸተማ ምስ በጻሕና እታ ጉባኤ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዓቢ ድግስ ገበረትልና። እቲ እተገብረልና ነገራት ተደለይቲ ምዃንና ንኽስምዓና ሓጊዙና ኢዩ። ነዚ ምስ ረኣና ድማ ነባዕና። ናይ ገዛእ ርእስና መንበሪ ክሳዕ እንረክብ: ክልተ ሕጻናት ዘለውኦም መንእሰያት ሰብ ሓዳር ኣብ ቤቶም ተቐበሉና። የሆዋ ብሓቂ ነዚ ፍሉያት ፓይነራት ኴንና ዝፈጸምናዮ ኣገልግሎት ካብ እተጸበናዮ ንላዕሊ ባሪኽዎ ኢዩ። ካብ 1986 ንነጀው ኣብዛ ኸተማ ንዝነብሩ 40 ዝዀኑ ሰባት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽዀኑ ሓጊዝናዮም ኢና። እዚኣቶም መንፈሳውያን ስድራና ኢዮም። ብተወሳኺውን: ኣብ ጉባኤና ዝርከቡ ሓሙሽተ ኣሕዋት ነተን መጓሰ ዝሓልዩ ጓሶት ክዀኑ ኸለዉ ርእየ ኢየ። ልክዕ ከምቲ ብዙሕ ፍረ ዝርከበሉ ናይ ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ኢዩ ዀይኑልና።

ንድሕሪት ምልስ ኢልና ኽንርኢ ኸሎና ንየሆዋ ኻብ ንእስነትና ብምግልጋልናን ንሓቂ ኽፍሊ ናብራ ህይወትና ብምግባርናን የሐጕሰና ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: ሕጂ እርጋንን ሕማምን የጥቅዓና ኢዩ: እንተ​ዀነ ግን ብመገዲ የሆዋ ምምልላስ የበርትዓናን የሐጕሰናን ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ሪዮ ዲ ጃኔሮ ዝኣተናሉ እዋን

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኒው በድፎርድ: ማሳቹሰትስ: ዝርከቡ መንፈሳውያን ስድራና