ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እትረኽቦ ሓጐስ ዓቅቦ

ነቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እትረኽቦ ሓጐስ ዓቅቦ

ነቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እትረኽቦ ሓጐስ ዓቅቦ

“ብጐይታ ዅሉ ሳዕ ተሐጐሱ: ደጊመ፤ ተሐጐሱ: እብል አሎኹ።”​—⁠ፊልጲ 4:⁠4

1, 2. ሓደ ሓውን ስድራ​ቤቱን ንብረቶም ኵሉ ጠፊኡ ኽነሱ ሓጐሶም ክዕቅቡ ዝኸኣሉ ብኸመይ ኢዮም፧

 ኣብ ሴራልዮን ዝነብር ጀምስ እተባህለ ወዲ 70 ዓመት ክርስትያን ምሉእ ህይወቱ ብጻዕሪ ኢዩ ኣሕሊፍዎ። ኣብ መወዳእታ ብዝኣከቦ ገንዘብ ኣርባዕተ ኽፍሊ ዘለዎ ምጥን ዝበለ ገዛ ክዕድግ ብምኽኣሉ እተሰምዖ ሓጐስ እሞ ገምቶ! ጀምስን ስድራ​ቤቱን ናብቲ ሓድሽ ገዝኦም ምስ ገዓዙ ድሕሪ ገለ ግዜ ኣብታ ሃገር ውግእ ሓድሕድ ተላዕለ እሞ ቤቶም ናብ ሓሙዅሽቲ ተቐየረ። ቤቶም እኳ እንተ ጠፍአ ሓጐሶም ግን ኣይጠፍአን። ስለምንታይ፧

2 ጀምስን ስድራ​ቤቱን ኣብቲ ዝጠፍኦም ነገር ዘይኰነስ ኣብቲ ክረኽብዎ ዝኽእሉ ኢዮም ኣተኲሮም። ጀምስ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ኣብ ግዜ ራዕዲ እውን ከይተረፈ: ኣኼባታት ነካይድ: መጽሓፍ ቅዱስ ነንብብ: ሓቢርና ንጽሊ: ነቲ ክንረኽቦ እንኽእል ሒደት ነገር እኳ ምስ ካልኦት ንካፈሎ ነበርና። ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ዘደንቕ ርክብ ስለ ዘተኰርና ሓጐስና ኽንዕቅብ ክኢልና ኢና።” እዞም እሙናት ክርስትያናት እዚኣቶም በቲ ዝረኸብዎ ሰናይ ነገራት: ብዓቢኡ ድማ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ክገብሩ ብምኽኣሎም: ‘ክሕጐሱ’ ኽኢሎም ኢዮም። (2 ቈረንቶስ 13:⁠11) ልክዕ ኢዩ እቲ ኣጋጢምዎም ዝነበረ ተስፋ ዘቝርጽ ኵነታት ንኽትጽመሞ ቀሊል ኣይነበረን። ይኹን እምበር: ብየሆዋ ምሕጓሶም ኣየቋረጹን።

3. ገለ ኻብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ሓጐሶም ክዕቅቡ ዝኸኣሉ ብኸመይ ኢዮም፧

3 እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ከምቲ ንጀምስን ስድራ​ቤቱን ዘጋጠሞም ዓይነት ፈተናታት ኣጋጢምዎም ኢዩ። ይኹን እምበር: ሃዋርያ ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈሎም:- “ምግባት ገንዘብኩም ድማ እንተ ዀነ: ብሓጐስ ተዐገስኩም።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ጳውሎስ ምንጪ ናይ ሓጐሶም እንታይ ምዃኑ ኽገልጽ ከሎ “ዚሐይሽን ዚነብርን ገንዘብ ኣብ ሰማይ ከም ዘሎኩም ፈሊጥኩም” በለ። (እብራውያን 10:⁠34) እወ: እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ድልዱል ተስፋ ኢዩ ነይርዎም። ክግበት ዘይክእል እዚ ኸኣ ኣብ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዝርከብ ዘይጽምሉ “ኣኽሊል ህይወት” ንኽቕበሉ ተኣማሚኖም ይጽበዩ ነበሩ። (ራእይ 2:⁠10) ሎሚ እውን ክርስትያናዊ ተስፋና ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ ብዘየገድስ ጸገማት ከጋጥመና ኸሎውን ከይተረፈ ሓጐስና ንኽንዕቅብ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።

“ብተስፋ ተሐጐሱ”

4, 5. (ሀ) እቲ ጳውሎስ “ብተስፋ ተሐጐሱ” ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ንሰብ ሮሜ እዋናዊ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ንሓደ ክርስትያን ተስፋኡ ኸም ዘጥፍእ ክገብሮ ዝኽእል ነገራት እንታይ ኢዩ፧

4 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ኣመንቲ “ብተስፋ” ናይ ዘለኣለም ህይወት ‘ክሕጐሱ’ ኣተባብዖም። (ሮሜ 12:⁠12) እዚ ንሰብ ሮሜ እዋናዊ ምኽሪ ኢዩ ነይሩ። ጳውሎስ ካብ ዝጽሕፈሎም ዓሰርተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ከቢድ ስደት ወረዶም: ገሊኣቶም ከኣ ብትእዛዝ ንጉስ ኔሮ ተሳቕዮም ተቐቲሎም ኢዮም። ኣምላኽ ነቲ ብተስፋ ዝጽበይዎ ኣኽሊል ህይወት ክህቦም ምዃኑ ዘሕደርዎ እምነት ኣብ ግዜ ስቓዮም ንኽጽመሙ ኸም ዝሓገዞም ኣየጠራጥርን ኢዩ። ሎሚኸ ኵነታትና ኸመይ ኢዩ፧

5 ንሕናውን ከም ክርስትያናት መጠን መስጐጕቲ ኽወርደና ንጽበ ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠12) ብተወሳኺ ንዅላትና “ጊዜን ኣጋጣምን” ዘምጽኦ ነገራት ከም ዝበጽሓና ንግንዘቦ ኢና። (መክብብ 9:⁠11) ሓደ እነፍቅሮ ሰብ ብድንገት ክመውት ይኽእል። ወላዲና ወይ ናይ ማሕርሮ ዓርክና ብሕማም ክመውት ይኽእል። ኣብ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ተስፋና ኣተኲርና እንተ ዘይጠሚትና: ከምዚ ዝኣመሰለ ፈተናታት ክወርደና ኸሎ መንፈሳዊ ዅነታትና ኣብ ሓደጋ ኽወድቕ ይኽእል ኢዩ። በዚ መሰረት እዚ እምበኣር ንገዛእ ርእስና ከምዚ ዝስዕብ ኢልና ክንሓትት ሰናይ ኢዩ:- ‘ብተስፋ እሕጐስዶ ኣሎኹ ኢየ፧ ብዛዕብኡ ንምስትንታን ክንደይ ዝኣክል ግዜ ኢየ ዝምድብ፧ ነታ እትመጽእ ዘላ ገነት ናይ ሓቂ ገይረ ድየ ዝርእያ፧ ንገዛእ ርእሰይከ ኣብኡ ኸም ዘሎኹ ገይረ እርእያ ድየ፧ መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ ንኽመጽእ ልክዕ ከምቲ መጀመርታ ሓቂ ክቕበል ከሎኹ ዝነበረኒ ሃረርታ ድዩ ዘሎኒ፧’ ብፍላይ ነዛ ናይ መወዳእታ ሕቶ እዚኣ ኣርዚንና ኽንሓስበላ ኣሎና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሕጂ ምሉእ ጥዕናን ምቾት ዘለዎ ናብራን ሃልዩና ብውግእ: ጥሜት ወይ ከኣ ብባህርያዊ ሓደጋ ብዙሕ ኣብ ዘይተተንከፈት ሃገር ንነብር እንተ​ድኣ ኣሊና ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ክትመጽእ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣድላዪ እናዀነ ይኸይድ ምህላዉ እንተ ወሓደ ንግዚኡ ከይረኣየና ይኽእል ኢዩ።

6. (ሀ) ጳውሎስን ሲላስን ስደት ከጋጥሞም ከሎ: ብዅሉ ሓሳቦም ኣብ ምንታይ ኢዮም ኣተኲሮም፧ (ለ) እቲ ናይ ጳውሎስን ሲላስን ኣብነት ሎሚ ብኸመይ ኢዩ ከተባብዓና ዝኽእል፧

6 ጳውሎስ ወሲኹ ንሰብ ሮሜ “ብጸበባ ተዐገሱ” ብምባል መኺርዎም ኢዩ። (ሮሜ 12:⁠12) ጸበባ ንጳውሎስ ሓድሽ ነገር ኣይነበረን። ሓደ ግዜ ነቶም ኣብ መቄዶንያ ዝነብሩ ዝነበሩ ብዛዕባ የሆዋ ንኽማሃሩ ምእንቲ ኽሕግዞም ሓደ ሰብኣይ “ናብ መቄዶንያ ሕለፍ” ኢሉ ብራእይ ዕድመ ከቕርበሉ ኸሎ ሰሚዑ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:⁠9) ሽዑ ጳውሎስ ምስ ሉቃስ: ሲላስ: ጢሞቴዎስ ኰይኑ ብመርከብ ንኣውሮጳ ኸደ። ነቶም ቀናኣት ሚስዮናውያን እንታይ ኢዩ ዝጽበዮም ነይሩ፧ ጸበባዶ ኸይኰነ! ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ከተማ ፊልጲ ናይ መቄዶንያ ድሕሪ ምስባኾም ተገሪፎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጐኑ። ገለ ኻብቶም ዜጋታት ፊልጲ ኣብቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተገዳስነት ኣይነበሮምን ጥራይ ዘይኰነስ ከቢድ ተቓውሞ ዘርእዩ ሰባት ከም ዝነበሩ ንጹር ኢዩ። ነዞም ቀናኣት ሚስዮናውያን እዚኣቶም እቲ ስደት ሓጐሶም ከም ዘጥፍኡዶ ገይርዎም ኢዩ፧ ኣይፋሉን። ተገሪፎም ቤት ማእሰርቲ ኣተዉ እሞ ‘ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ: ጳውሎስን ሲላስን ንኣምላኽ እናለመኑ ብዜማ የመስግኑ ነበሩ።’ (ግብሪ ሃዋርያት 16:⁠25, 26) ጳውሎስን ሲላስን በቲ ብሰንኪ ማህረምቲ ዝስምዖም ዝነበረ ስቓይ ከም ዘይተሓጐሱ ፍሉጥ ኢዩ፤ እዞም ክልተ ሚስዮናውያን እዚኣቶም ግን ኣብኡ ኣይኰኑን ዘተኵሩ ነይሮም። ብዅሉ ሓሳቦም ኣብ የሆዋን ኣብቲ ንኽባርኾም ዝጥቀመሉ ዝነበረ መገድታትን ኢዮም ዘተኵሩ ነይሮም። ጳውሎስን ሲላስን ሕጉሳት ኰይኖም ‘ብጸበባ ብምዕጋስ’ ነቶም ኣብ ፊልጲን ኣብ ካልእ ቦታታትን ዝነበሩ ኣሕዋቶም ሰናይ ኣብነት ኰይኖምዎም ነበሩ።

7. ኣብ ጸሎትና ምስጋና እውን ከነጠቓልል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

7 ጳውሎስ “ጸሎት ኣዘውትሩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 12:⁠12) ዘጨንቕ ዅነታት ከጋጥመካ ኸሎ ትጽሊዶ፧ ብዛዕባ እንታይ ኢኻ እትጽሊ፧ ኣነጺርካ ጸገማትካ ብምጥቃስ ሓገዙ ኽህበካ ንየሆዋ ትልምኖ ትኸውን። ይኹን እምበር: ስለቲ እትረኽቦ በረኸታት እውን ብጸሎት ከተመስግን ትኽእል ኢኻ። ግድላት ክለዓል ከሎ በቲ የሆዋ ዝገበረልና ሰናይ ነገራት ምስትንታን ‘ብተስፋ ንኽንሕጐስ’ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። እቲ ህይወቱ ብግድላት መሊኣ ዝነበረ ዳዊት ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ጐይታይ: ኣምላኸየ: ተኣምራትካን ንኣና ዝሐሰብካዮ ሓሳባትካን ብዙሕ እዩ: ንኣኻ ዚመስል ከቶ የልቦን። ክነግረሉን ክዛረበሉን እንተ ደሌኹስ: ምቝጻሩ ዘይከአል ብዙሕ እዩ።” (መዝሙር 40:⁠5) ንሕናውን ልክዕ ከም ዳዊት ብዛዕባ እቲ ካብ የሆዋ ዝረኸብናዮ በረኸታት ስርዓታውያን ኴንና ነስተንትን እንተ​ድኣ ዄንና ብርግጽ ክንሕጐስ ኢና።

ኣወንታዊ መንፈስ ኣማዕብል

8. ሓደ ክርስትያን ስደት ከጋጥሞ ኸሎ ሕጉስ ንኽኸውን ዝሕግዞ እንታይ ኢዩ፧

8 የሱስ ንሰዓብቱ እተፈላለየ ፈተናታት ከጋጥሞም ከሎ ኣወንታዊ መንፈስ ንኸማዕብሉ ኣተባቢዕዎም ኢዩ። “እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን: ብጹኣን ኢኹም” በለ። (ማቴዎስ 5:⁠11) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኣብ እንህልወሉ ግዜ ከም እንሕጐስ ዝገብረና እንታይ ምኽንያት ኣሎና፧ ስደት ምጽዋርና መንፈስ የሆዋ ምሳና ምዃኑ ዘረጋግጽ ኢዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብ ግዜኡ ንዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ ብምባል ነገሮም:- “ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተጸረፍኩም: እቲ ናይ ክብርን ናይ ኣምላኽን መንፈስ ኣባኻትኩም ይሐድር እዩ እሞ: ብጹኣን ኢኹም።” (1 ጴጥሮስ 4:⁠13, 14) የሆዋ ብመንፈሱ ገይሩ ንኽንጽመምን ሓጐስና ኽንዕቅብን እውን ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።

9. ገለ ኣሕዋት ብእምነቶም ምኽንያት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተዳጐኑ ዝሕጐስሉ ምኽንያት ንኽረኽቡ ዝሓገዞም እንታይ ኢዩ፧

9 ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዅነታት ኣብ እንርከበሉ ግዜ እውን ከይተረፈ: ክንሕጐሰሉ እንኽእል ምኽንያት ኣሎና። ኣዶልፍ እተባህለ ክርስትያን ዝከኣል ኰይኑ ኢዩ ረኺብዎ። ኣብ ሓንቲ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንብዙሕ ዓመታት ተኣጊዱላ ዝነበረት ሃገር ኢዩ ዝነብር። ኣዶልፍን ብዙሓት ካልኦት ብጾቱን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነቶም ምግዳፍ ስለ ዝኣበዩ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ብምእታው ናይ ነዊሕ እዋን ማእሰርቲ ተፈርዱ። ናብራ ማእሰርቲ ኸቢድ እኳ እንተ ነበረ ኣዶልፍን ብጾቱን ግን ልክዕ ከም ጳውሎስን ሲላስን ንኣምላኽ ዘመስግንሉ እተፈላለየ ምኽንያት ነይርዎም ኢዩ። እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፍዎ ተመክሮ እምነቶም ከደልድሉ ከምኡውን ልግሲ: ድንጋጽ: ሕውነታዊ ፍቕሪ ዝኣመሰለ ክቡር ክርስትያናዊ ባህርያት ከማዕብሉ ሓጊዝዎም ኢዩ። ንኣብነት ሓደ እሱር ካብ ስድርኡ ሓደ ነገር ክመጾ ኸሎ ንኣመንቲ ብጾቱ የካፍሎም ነበረ። ንሳቶም ድማ ነዚ ተወሳኺ ምድላው እዚ ኻብቲ ዝለዓለ ወሃብ “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን” ዝዀነ የሆዋ ከም ዝመጾም ገይሮም ይቘጽርዎ ነበሩ። እዚ ሕያውነት እዚ ነቶም ወሃብትን ነቶም ተቐበልትን ሓጐስ ኣምጺኡሎም ኢዩ። እቲ እምነቶም ንምድኻም ተባሂሉ እተገብረ ቀይዲ ብኣንጻሩስ ብመንፈስ ዝያዳ ድልዱላት ከም ዝዀኑ ድኣ ገበሮም!​—⁠ያእቆብ 1:⁠17፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠35

10, 11. ሓንቲ ሓብቲ ነቲ እተሕልፎ ዝነበረት ከቢድ መርመራን ናይ ነዊሕ እዋን ማእሰርትን ብኸመይ ተዋጽኣትሉ፧

10 ኣብ ሓንቲ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ንነዊሕ ዓመታት ተኣጊዱላ ዝነበረት ሃገር እትነብር ኤላ እተባህለት ሓብቲ እውን ክርስትያናዊ ተስፍኣ ንኻልኦት ብምክፋላ ተኣስረት። ንሸሞንተ ኣዋርሕ ዝኣክል ሕሱም መርመራ ኣሕለፈት። ኣብ መወዳእታ ናብ ፍርዲ ምስ ቀረበት ከኣ ኣብ ሓደ ንየሆዋ ዘምልኹ ሰባት ዘይብሉ ቤት ማእሰርቲ ንዓሰርተ ዓመት ክትእሰር ተፈርደት። ኣብቲ ግዜ እቲ ኤላ ጓል 24 ዓመት ነበረት።

11 ርግጽ ኢዩ: ኤላ ንዝበዝሕ ግዜ ንእስነታ ኣብ ሸላ ቤት ማእሰርቲ ኸተሕልፎ ኣይትምነን ኢያ ነይራ። ይኹን እምበር ንዅነታታ ክትልውጦ ስለ ዘይትኽእል ኣመለኻኽታኣ ክትቅይር ወሰነት። ስለዚ ድማ ነቲ ቤት ማእሰርቲ ምስክርነት እትህበሉ ናይ ብሕታ ዞባ ገይራ ክትርእዮ ጀመረት። “ብዙሕ ዕዮ ስብከት ስለ ዝነበረ እተን ዓመታት ከይተፈለጠኒ ኢየን ሓሊፈን” በለት። ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት ድሕሪ ምጽናሓ: ኤላ እንደገና ተመርመረት። ማእሰርቲ ንእምነታ ኸጥፍኦ ኸም ዘይከኣለ ስለ እተገንዘቡ: እቶም መርመርቲ “ስለ ዘይተቐየርኪ ክንፈትሓኪ ኣይንኽእልን ኢና” በልዋ። ንሳ ግን “ተቐይረ ኢየ! ሕጂ ኻብቲ መጀመርታ ቤት ማእሰርቲ ኽኣቱ ኸሎኹ ዝነበረኒ ዝሓሸ ኣረኣእያ ኣሎኒ: እምነተይ ከኣ ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝያዳ ሎሚ ትድልድል!” ብምባል ጽኑዕ መልሲ ሃበት። ወሲኻ ድማ “ክትፈትሑኒ ዘይትደልዩ እንተ​ድኣ ዄንኩም የሆዋ ክሳዕ ዘውጽኣኒ ክጸንሕ ኢየ” በለቶም። እቲ ኤላ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፈቶ ሓሙሽተ ዓመትን መንፈቕን ንሓጐሳ ኣየጥፍኦን! ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ትሃሉ ክትዓግብ ከም እትኽእል ተማህረት። ካብ ኣብነታ ገለ ነገር ክትማሃር ትኽእልዶ፧​—⁠እብራውያን 13:⁠5

12. ንሓደ ኣብ ከቢድ ኵነታት ዝርከብ ክርስትያን ናይ ኣእምሮ ሰላም ከምጽኣሉ ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧

12 ኤላ ነዚ ብድሆታት እዚ ንኽትጋጠሞ ዝሓገዛ ገለ ፍሉይ ነገር ከም እተዋህባ ገይርካ ኣይትደምድም። ነቲ ፍርዳ ቕድሚ ምቕባላ ንኣዋርሕ ዝኣክል ዘሕለፈቶ መርመራ ብምጥቃስ ከምዚ ትብል:- “ካብ ፍርሒ እተላዕለ ኣስናነይ ሓርቀምቀም ክብል ይዝከረኒ: ልክዕ ከም ሓንቲ ዝበርገገት ዑፍ ኢየ ዀይነ ነይረ።” ይኹን እምበር: ኣብ የሆዋ ጽኑዕ እምነት ኢዩ ነይርዋ። ትውክልታ ኣብኡ ክትገብር ከም ዘለዋ ተማህረት። (ምሳሌ 3:⁠5-7) በዚ ድማ ኣምላኽ ንዓኣ ዝያዳ ህያው ኢዩ ነይሩ። ከምዚ ብምባል ከኣ ትገልጽ:- “ኵሉ ግዜ ኣብቲ ናይ ምርመራ ኽፍሊ ኽኣቱ ኸሎኹ ሰላም ይዓስለኒ ነበረ። . . . እቲ ዅነታት ዝያዳ ብዘጨነቐኒ መጠን ዝያዳ ሰላም ይዓስለኒ ነበረ።” ናይቲ ሰላም እቲ ምንጪ የሆዋ ኢዩ ነይሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር: ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።”​—⁠ፊልጲ 4:⁠6, 7

13. ገለ ጸገማት ምስ ዘጋጥመና ንኽንጽመም ሓይሊ ኸም ዝወሃበና ዝሕብር እንታይ መረጋገጺ ኣሎና፧

13 እታ ሕጂ ተፈቲሓ ዘላ ኤላ ጸገም እኳ እንተ ኣጓነፋ ሓጐሳ ዓቂባ ኢያ። ነዚ ኽትገብሮ ዝኸኣለት ከኣ ብሓይላ ዘይኰነስ በቲ የሆዋ ዝሃባ ሓይሊ ኢዩ። እዚ ኣብ ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ሓቂ ዀይኑ ተረኺቡ ኢዩ። ከምዚ ብምባል እውን ጸሓፈ:- “ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር: ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ። እምብኣርከ ምስ ዝደክም: ሽዑ እየ ዝብርትዕ።”​—2 ቈረንቶስ 12:⁠9, 10

14. ሓደ ክርስትያን ፈታኒ ዅነታት ከጋጥሞ ኸሎ ብኸመይ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ኽሕዝ ከም ዝኽእል ኣብነት ሃብ።

14 እቲ ሎሚ ብብሕትኻ ዘጋጥመካ ዘሎ ፈተናታት ከም ናይቶም ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ዝረኣናዮም ሰባት ከይከውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር ዝዀነ ይኹን ፈተና: ንኽትዋጽኣሉ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ። ንኣብነት: ወሃብ ስራሕካ ንስራሕ ናይቶም ካልእ ሃይማኖታዊ እምነት ዘለዎም መሳርሕትኻ ሸለል እናበለ ብዛዕባ ስራሕካ ግን ነቐፋ ዘብዝሕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ካልእ ስራሕ ከተናዲ የጸግመካ ይኸውን። ብኸመይ ኢኻ ሓጐስካ ኽትዕቅብ እትኽእል፧ ንኣብነት: ነቶም እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፍዎ ተመክሮ ኣድላዪ ባህርያት ንኸማዕብሉ ዝሓገዞም ኣዶልፍን ኣዕሩኽቱን ዘክሮም። ንወሃብ ስራሕካ: “ንኸተሐጕሶ ዘጸግም” ይኹን እውን ከይተረፈ ንኸተዕግቦ ልባዊ ጻዕሪ እንተ​ድኣ ገይርካ: ከም ምጽማምን ነዊሕ ተጻዋርነትን ዝኣመሰለ ክርስትያናዊ ባህርያት ከተማዕብል ኢኻ። (1 ጴጥሮስ 2:⁠18 NW  ) ኣብ ርእሲ እዚውን ከም ሰራሕተኛ መጠን ዝያዳ ተፈታዊ ትኸውን እሞ እዚ ድማ ዝያዳ ዘዕግብ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ኣጋጣሚ ኽውስኸልካ ይኽእል ኢዩ። ቀጺልና እምበኣር ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሎና ሓጐስ ክንዕቅበሉ እንኽእል ካልእ መገድታት ንርአ።

ናብራኻ ምቕላል ናብ ሓጐስ ይመርሕ

15-17. ሓደ ሰብኣይ ምስ በዓልቲ ቤቱ ጠንቂ ናይቲ ኣጋጢምዎም ዝነበረ ውጥረት ከልግስዎ እኳ እንተ ዘይከኣሉ ነቲ ውጥረት ከፍኵስዎ ከም ዝኽእሉ ግን እንታይ ኢዮም ተማሂሮም፧

15 እንታይ ዓይነት ስራሕ ከም እትሰርሕ ወይ ከኣ ኣበይ ከም እትሰርሕ ኣማራጺ ዘይብልካ ክትከውን እትኽእል እኳ እንተዀንካ ገለ ምቍጽጻር ክትገብረሉ ዘድልየካ ካልእ መዳያት ናይ ህይወትካ ግን ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ነዚ ዝስዕብ ተመክሮ ኣቕልበሉ።

16 ክርስትያን ሰብኣይን ሰበይትን ንሓደ ሽማግለ ኣብ ቤቶም ድራር ዓደምዎ። ኣብ ቀረባ እዋን ብናይ ናብራ ጸቕጢ እተዋሕጡ ዀይኑ ከም ዝስምዖም ሽዑ ምሸት ገለጽሉ። ክልቲኦም ኣድካሚ ናይ ምሉእ መዓልቲ ስራሕ ክሰርሑ ዘድልዮም እኳ እንተ ነበረ: ካልእ ዓይነት ስራሕ ከናድይሉ ኣብ ዝኽእልሉ ኵነታት ግን ኣይነበሩን። ክሳዕ መዓስ ከምዚ ኢሎም ከም ዝቕጽሉ ኣተሓሳሰቦም።

17 ነቲ ሽማግለ ምኽሪ ኽህቦም ምስ ሓተትዎ “ንናብራኹም ኣቕልልዎ” ኢሉ መለሰሎም። ብኸመይ ኢዮም ነዚ ኽገብርዎ ዝኽእሉ፧ ክልቲኦም ሰብኣይን ሰበይትን ናብ ስራሕ ክኸዱን ክምለሱን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ሰለስተ ሰዓት ዝኣክል ይወስደሎም ነበረ። እቲ ነቶም ሰብኣይን ሰበይትን ኣጸቢቑ ዝፈልጦም ዝነበረ ሽማግለ: ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናብ ስራሕ ክኸዱን ክምለሱን ዘጥፍእዎ ግዜ ምእንቲ ክቝጥቡ ጥቓ ስርሖም ገዛ ክቕይሩ ዝኽእሉ እንተ ዀይኖም ክሓስብሉ ርእይቶ ኣቕረበሎም። እቲ ብኸምዚ ዝቝጠብ ግዜ ድማ ንኻልእ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጕዳይ ወይ ከኣ ገለ ዕረፍቲ ንምውሳድ ክጥቀምሉ ዘኽእሎም ኢዩ ነይሩ። ኣብ ናብራ ዘጋጥመካ ጸቕጥታት ንሓጐስካ ዝዝርፎ እንተ​ድኣ ዀይኑ ገለ ለውጥታት ብምግባር ዕረፍቲ ኽትረክብ ትኽእል እንተ ዄንካ ኵነታትካ ዘይትምርምር፧

18. ውሳነታት ቅድሚ ምግባርና ተጠንቂቕና ክንሓስበሉ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

18 ጸቕጥታት ክትንክየሉ እትኽእል ካልእ መገዲ ኸኣ ውሳነታት ቅድሚ ምግባርካ ተጠንቂቕካ ምሕሳብ ኢዩ። ንኣብነት ሓደ ክርስትያን ቤት ክሰርሕ ይውስን። ቅድሚኡ ፈጺሙ ገዛ ሰሪሑ ዘይፈልጥ ክነሱ: ኣዝዩ እተሓላለኸ ውጥን ገዛ ይመርጽ። ሕጂ ግን እቲ ውጥን እቲ ቅድሚ ምምራጹ ‘ንስጕምቱ ተጠንቂቑለን’ ነይሩ እንተ ዝኸውን ዘየድሊ ግድላት ከወግድ ይኽእል ምንባሩ ይግንዘብ። (ምሳሌ 14:⁠15) ካልእ ክርስትያን ድማ ንሓደ ሓው ገንዘብ ክልቃሕ ከሎ ይወሓሶ። ብመሰረት እቲ ውዕል እቲ ተለቃሒ ነቲ ልቓሕ ክኸፍሎ እንተ​ድኣ ዘይክኢሉ እቲ ዋሕስ ክኸፍሎ ግዴታ ኣለዎ። ኣብ መጀመርታ ጸገም ኣይነበረን: ድሕሪ ገለ ግዜ ግን እቲ ተለቃሒ ኣብቲ ውዕል ኣይጸንዐን። እቲ ኣለቃሒ ስግኣት ሓደሮ እሞ ብምሉኡ እቲ ገንዘብ ክኽፈሎ ነቲ ዋሕስ ሓተቶ። እዚ ነቲ ዋሕስ ዓቢ ጾር ኢዩ ዀይንዎ። ነቲ ዕዳ እቲ ሓላፍነት ክወስድ ቅድሚ ምስምምዑ ንዅሉ ዅርናዓት ኣጸቢቑ ሓሲቡሉ ነይሩ እንተ ዝኸውን ካብዚ ጸገም እዚ ክድሕን ኣይምኸኣለንዶ፧​—⁠ምሳሌ 17:⁠18

19. ኣብ ናብራና ንዘጋጥመና ወጥርታት ምንካይ እንኽእለሉ መገድታት እንታይ ኢዩ፧

19 ክንደክም ከሎና ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ግራት ኣገልግሎት: ከምኡውን ኣኼባታት ብምቕናስ ነቲ ዝወረደና ጸቕጢ ኸነፍኵሶ ኸም እንኽእል ገይርና ኣይንሕሰብ። ከመይሲ እዚ ንጥፈታት እዚ ነቲ ሓጐስ ዘፍሪ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ክንረኽበሉ ዘኽእለና ኣድላዪ መገድታት ኢዩ። (ገላትያ 5:⁠22) ክርስትያናዊ ንጥፈታት ኵሉ ግዜ ዘሐድስ ኢዩ: መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣዝዩ ዘድክም ኣይኰነን። (ማቴዎስ 11:⁠28-30) ድኻም ዘምጽኣልና ዓለማዊ ስራሕ ወይ ከኣ ኣብ መዘናግዒ እነሕልፎ ንጥፈታት ድኣ እምበር መንፈሳዊ ንጥፈታት ኣይኰነን። ብእዋኑ ምድቃስ እውን ንሓይልና ከሐድሰልና ይኽእል ኢዩ። እኹል ድቃስ ኣዝዩ ጠቓሚ ኢዩ። እቲ ኽሳዕ ግዜ ሞቱ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ ዘገልገለ ኤን. ኤች. ኖር: ንሚስዮናውያን ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይመኽሮም ነበረ:- “ተስፋ ኽትቈርጹ ኸሎኹም: ብመጀመርታ ክትገብርዎ ዘሎኩም ነገር ገለ ዕረፍቲ ምውሳድ ኢዩ። ጽቡቕ ድቃስ ለይቲ ድሕሪ ምድቃስኩም ዝዀነ ይኹን ጸገም ንምፍትሑ ክሳዕ ክንደይ ዝቐለለ ኰይኑ ከም እትረኽብዎ ሽዑ ክትርእይዎ ኢኹም!”

20. (ሀ) ገለ ካብቲ ሓጐስና ክንዕቅበሉ እንኽእል መገድታት ጸሚቝካ ኣቕርቦ። (ለ) ሕጉስ ከም እትኸውን ክገብረካ ዝኽእል እንታይ ምኽንያታት ኣሎ፧ (ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ሳጹን ርአ።)

20 ክርስትያናት ነቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ናይ ምግልጋል መሰል ረኺቦም ኢዮም። (1 ጢሞቴዎስ 1:⁠11 NW  ) ከም ዝረኣናዮ: ከቢድ ጸገማት ከጋጥመና ኸሎ እውን ከይተረፈ ሓጐስና ኽንዕቅብ ንኽእል ኢና። ንተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኣእምሮና ንሓዞ: ከድሊ ኸሎ ድማ ኣረኣእያና ነዐሪ: ንናብራና ኸኣ ነቕልሎ። ሽዑ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ንሃሉ ብዘየገድስ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ብጐይታ ዅሉ ሳዕ ተሐጐሱ: ደጊመ፤ ተሐጐሱ: እብል አሎኹ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ምላሽ ክንህበሉ ኢና።​—⁠ፊልጲ 4:⁠4

ነዚ ሕቶታት እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰበሉ:-

• ክርስትያናት ንተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ከተኵርሉ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዮም፧

• ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን ከይተረፈ ሓጐስና ዓቂብና ክንመላለስ ክሕግዘና ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧

• ንናብራና ከነቕልሎ ኢልና ክንፍትን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ገሊኣቶም በየናይ መዳይ ኢዮም ንናብርኦም ከቕልልዎ ዝኸኣሉ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ሕጉሳት ክንኰነሉ እንኽእል ተወሳኺ ምኽንያታት:-

ከም ክርስትያናት መጠን: ክንሕጐሰሉ እንኽእል ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና። እስከ ነዚ ዝስዕብ ሕሰበሉ:-

1. ንየሆዋ ንፈልጦ ኢና።

2. ብዛዕባ እቲ ቓል ኣምላኽ ሒዝዎ ዘሎ ሓቂ ተማሂርና ኢና።

3. ብመሰረት እቲ ኣብ መስዋእቲ የሱስ ዘሎና እምነት ሓጢኣትና ክሕደገልና ይኽእል ኢዩ።

4. መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ​—⁠ድሕሪ ቐረባ ግዜ ሓዳስ ዓለም ክትመጽእ ኢያ!

5. የሆዋ ናብ መንፈሳዊ ገነት መሪሑና ኢዩ።

6. ጥዑይ ክርስትያናዊ ሕብረት ነስተማቕር ኣሎና።

7. ኣብ ዕዮ ስብከት ናይ ምክፋል መሰል ረኺብና ኢና።

8. ብህይወት ንነብር ኣሎና: ብመጠኑ እውን ሓይሊ ኣሎና።

ንሓጐስ ምኽንያት ዝኸውን ክንደይ ካልእ ምኽንያታት ክትጠቅስ ምኸኣልካ፧

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸለዉ እውን ከይተረፉ ሕጉሳት ኢዮም ነይሮም

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኣዒንትኻ ኣብቲ ዘሐጕስ መጻኢ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ዘተኰራ ድየን፧