ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“የሆዋ ብዙሕ ጽቡቕ ገይሩለይ ኢዩ!”

“የሆዋ ብዙሕ ጽቡቕ ገይሩለይ ኢዩ!”

“የሆዋ ብዙሕ ጽቡቕ ገይሩለይ ኢዩ!”

 ኣብ መጋቢት 1985 ኣብ ሓደ ባህ ዘብል ምሸት እቶም ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ: ሕ.መ.ኣ.: ዘሎ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝርከብ “ክፍሊ ጽሕፈት” ዘገልግሉ ሰብኡትን ኣንስትን ሓደ ኣገዳሲ ፍጻመ ኣስተብሃሉ። ኣብቲ ግዜ እቲ ካርል ኤፍ. ክለይን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት 60 ዓመታት መልአ። ሓው ክለይን ብውዕዉዕ ስምዒት “የሆዋ ብዙሕ ጽቡቕ ገይሩለይ ኢዩ!” በለ። መዝሙር 37:⁠4 ድማ ዝፈትዋ ጥቕሲ ምዃና ገለጸ። ድሕርዚ ቸሎ ዝበሃል መሳርሒ ሙዚቃ እናወቕዐ ንዅሎም ኣሐጐሶም።

ቀጺሉ ኣብ ዝነበረ 15 ዓመታት ሓው ክለይን ኣባል ክፍሊ ጽሕፈትን ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ኰይኑ ኣገልጊሉ ኢዩ። ብ3 ጥሪ 2001 ድማ ኣብ መበል 95 ዓመት ዕድሚኡ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ብተኣማንነት ፈጸመ።

ካርል ኣብ ጀርመን ኢዩ ተወሊዱ። ድሕርዚ ወለዱ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብምግዓዞም ካርል ኣብ ከባቢ ኸተማ ቺካጎ: ኢልዮንስ: ኢዩ ዓብዩ። ካርልን ምንኣሱ ሓዉ ቴድን ገና መንእሰያት ከለዉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዓሚቝ ተገዳስነት ኣሕደሩ። ካርል ብ1918 ተጠምቀ: ኣብቲ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብ1922 ዝገበርዎ ዓቢ ኣኼባ ዝሰምዖ መሳጢ ትምህርቲ ድማ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ንግራት ኣገልግሎት ፍቕሪ ንኸሕድር ኣለዓዓሎ። ኣብ ዕዮ ስብከት ከይተኻፈለ ሰሙን እውን ትኹን ክትሓልፍ ኣይደልን ነበረ: ክሳዕ እታ ብህይወት ዝጸንሓላ ናይ መወዳእታ ሰሙን እውን ከምኡ ገይሩ ኢዩ።

ካርል ብ1925 ኣብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ክዓዪ ጀመረ: ፈለማ ድማ ኣብ ክፍሊ ሕትመት የገልግል ነበረ። ኣብ ሙዚቃ ሓያል ፍቕሪ ነበሮ: ስለዚ ኸኣ ንገለ ዓመታት ኣባል ናይቲ ብክርስትያናዊ መደበር ረድዮ ዝፍኖ ሙዚቃ ዘዳሉ ዝነበረ ኦርኬስትራ ዀይኑ ቸሎ ዝበሃል ዓይነት መሳርሒ ሙዚቃ ይወቅዕ ነበረ። ድሕርዚ ኣብ “ክፍሊ ኣገልግሎት” ይሰርሕ ነበረ: ብፍላይ ምስቲ ተዓዛቢ ናይቲ ኽፍሊ ዝነበረ ቲ. ጀይ. ሱሊቫን ይቀራረብ ነበረ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ቴድ: ዶሪስ ንእትበሃል ሰበይቲ ተመርዓወ እሞ ክልቲኦም ብሓባር ሚስዮናውያን ኰይኖም ናብ ፖርቶ ሪኮ ኸዱ።

ካርል ክለይን ንፍርቂ ዘመን ኣብ “ክፍሊ ጽሕፈት” ኰይኑ ኣገልጊሉ ኢዩ። ምርምር ምግባር ይፈቱ ስለ ዝነበረን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዓሚቝ ፍልጠት ስለ ዝነበሮን ብዙሕ ኣበርክቶ ገይሩ ኢዩ። ብ1963 ማርጋሬታ ንእትበሃል ኣብ ቦሊቭያ ሚስዮናዊት ኰይና ተገልግል ዝነበረት ጀርመናዊት ተመርዓወ። ናይ ጥዕና ጸገማት የጓንፎ እኳ እንተ ነበረ: ፍቕራዊ ደገፍ ትገብረሉ ስለ ዝነበረት ነቲ ብዙሓት ጥሮታ ዝወጽሉ ዕድመ ምስ ሓለፎ እውን ከይተረፈ ኣፍራዪ ዀይኑ ኣገልጊሉ ኢዩ። ብባህርዩ ብግልጺ ዝዛረብን ሙዚቃ ዘፍቅርን ብምንባሩ ኣብ ጉባኤኡ ይኹን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ዘይርሳዕ ዝርርባት ንኽህብ ኣበርክቶ ገይሩሉ ኢዩ። ቀቅድሚ ሞቱ ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከብ ዓቢ ስድራ ቤትኤል ናይ ዕለት ጥቕሲ ምይይጥ መሪሑ ነይሩ: በዚ ድማ ብምሉኦም ኣባላት ስድራ ቤትኤል ባህ ኢልዎምን ካብኡ ተጠቒሞምን ኢዮም።

ብዙሓት ንመጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ብተኸታተሊ ዘንብቡ ሰባት ነቲ ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 1984 ዝወጸ ሓው ክለይን ኣብ ታሪኽ ህይወቱ ዘሕለፎ ባህ ዘብል ተመክሮ ይዝክርዎ ኢዮም። ነቲ ተመክሮ እቲ ዝጸሓፎ ሓው ብድሕሪኡ ን16 ዝኸውን ዓመታት እሙንን ውፉይን ክርስትያን ኰይኑ ኸም ዝቐጸለ ኣብ ኣእምሮኻ ሒዝካ ከተንብቦ ወይ ክትደግሞ ትኽእል ኢኻ።

ሓው ክለይን ሓደ ካብቶም ቅቡኣት ከም ምዃኑ መጠን ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ምንጋስ ካብ ልቡ ዝብህጎ ነገር ኢዩ ነይሩ። ሕጂ የሆዋ ባህጉ ከም ዝፈጸመሉ ርግጸኛታት ክንኰነሉ እንኽእል እኹል ምኽንያት ኣሎና።​—⁠ሉቃስ 22:⁠28-30

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ካርል ብ1943 ምስ ቲ. ጀይ. ሱሊቫን: ቴድ ከምኡውን ዶሪስ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ካርልን ማርጋሬታን ኣብ ጥቅምቲ 2000