ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስለቲ ዓበይቲ ግብርታቱ ንየሆዋ ወድስዎ!

ስለቲ ዓበይቲ ግብርታቱ ንየሆዋ ወድስዎ!

ስለቲ ዓበይቲ ግብርታቱ ንየሆዋ ወድስዎ!

‘እቲ ሓያል ዓብዪ ነገር ገይሩለይ ኢዩ እሞ ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ተዕብዮ። ’​—⁠ሉቃስ 1:⁠46-49

1. እንታይ ዓበይቲ ግብርታት ስለ ዝገበረ ኢና ንየሆዋ እንውድሶ፧

 የሆዋ ስለቲ ዓበይቲ ግብርታቱ ክውደስ ይግብኦ ኢዩ። ነብዪ ሙሴ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኸመይ ኢሎም ከም ዝደሓኑ ከዘንቱ ኸሎ “እቲ እግዚኣብሄር ዝገበሮ ዅሉ ዓበይቲ ግብርታት በዒንትኹም ርኢኹም” በለ። (ዘዳግም 11:⁠1-7) ብተመሳሳሊ ገብ​ርኤል መልኣኽ ነታ ድንግል ዝነበረት ማርያም ብዛዕባ ምውላድ የሱስ ምስ ነገራ ‘እቲ ሓያል ዓብዪ ነገር ገይሩለይ ኢዩ እሞ ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ተዕብዮ’ በለት። (ሉቃስ 1:⁠46-49) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ምዃንና መጠን እቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ምውጽኡ: ንወዱ ብትእምርቲ ኸም ዝጥነስ ምግባሩ ዝኣመሰለ ዓበይቲ ግብርታት ከኣ ብምፍጻሙ ነመጕሶ ኢና።

2. (ሀ) ናይ ኣምላኽ ‘ዘለኣለማዊ ምኽሪ’ ንእዙዛት ደቅሰብ እንታይ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ፧ (ለ) ዮሃንስ ኣብ ደሴት ጳጥሞስ ከሎ እንታይ ተመክሮ ኢዩ ዘጋጠሞ፧

2 ዝበዝሕ ካብቲ ዓበይቲ ግብርታት የሆዋ ምስቲ ንእዙዛት ደቅሰብ በቲ መሲሕን መንግስቱን ኣቢሉ ንኽባርኾም ዘለዎ ‘ዘለኣለማዊ ምኽሪ’ ወይ ዕላማ እተተሓሓዘ ኢዩ። (ኤፌሶን 3:⁠8-13) እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ሃዋርያ ዮሃንስ ብራእይ ኣብ ሰማይ ክፉት ደገ ናይ ምርኣይ መሰል ኣብ ዝረኸበሉ ግዜ እውን እንተ​ዀነ እዚ ዕላማ እዚ ሸቶኡ ንኽሃርም ኣብ መስርሕ ኢዩ ነይሩ። ከም መለኸት ዝጥዕም ድምጺ “ድሕሪ ሕጂ ዚኸውን ነገር ከርእየካስ ነጀው ደይብ” ክብል ከሎ ሰምዐ። (ራእይ 4:⁠1) ዮሃንስ “ምእንቲ ቓል ኣምላኽን ምእንቲ ምስክር የሱስን” ብመንግስቲ ሮሜ ኣብ ደሴት ጳጥሞስ ተሓይሩ ኸሎ “ናይ የሱስ ክርስቶስ ራእይ” ተቐበለ። እቲ ሃዋርያ ዝረኣዮን ዝሰምዖን ብዛዕባ ዘለኣለማዊ ዕላማ ኣምላኽ ብዙሕ ዝገልጽ ኢዩ: ስለዚ ኸኣ ንዅሎም ሓቀኛታት ክርስትያናት መንፈሳዊ ብርሃንን እዋናዊ ምትብባዕን ዝህብ ኢዩ።​—⁠ራእይ 1:⁠1, 9, 10

3. እቶም ዮሃንስ ብራእይ ዝረኣዮም 24 ሽማግለታት ንምንታይ ኢዮም ዘመልክቱ፧

3 ዮሃንስ በቲ ኣብ ሰማይ ዝነበረ ክፉት ደገ ምስ ጠመተ ከም ነገስታት ኣብ ዝፋን እተቐመጡን ኣኽሊል ዝደፍኡን 24 ሽማግለታት ረኣየ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍግም ኢሎም ድማ “ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን: ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ: ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ: ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ” በሉ። (ራእይ 4:⁠11) እዞም ሽማግለታት እዚኣቶም ንዅሎም እቶም ካብ ሞት ተንሲኦም ነቲ የሆዋ እተመባጽዓሎም ክብ ዝበለ ቦታ ዝረኸቡ ቅቡኣት ክርስትያናት ዘመልክቱ ኢዮም። ንየሆዋ ስለ እቲ ኣብ ፍጥረታቱ ዝገበሮ ዓበይቲ ግብርታት ክውድስዎ ተለዓዓሉ። ንሕና እውን ነቲ ናይ የሆዋ “ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን” ዘረጋግጽ መርትዖ ብምርኣይ ንድነቕ ኢና። (ሮሜ 1:⁠20) ብዛዕባ የሆዋ ዝያዳ እናፈለጥና ክንከይድ ከሎና ስለቲ ዓበይቲ ግብርታቱ ንኽንውድሶ ዝያዳ ምኽንያታት ንረክብ።

ብዛዕባ እቲ ውዳሰ ዝግብኦ ግብርታት የሆዋ ኣውጁ!

4, 5. ዳዊት ንየሆዋ ብኸመይ ከም ዝወደሶ ዘርኢ ኣብነታት ሃብ።

4 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝነበረ ዳዊት: ንኣምላኽ ስለቲ ዓበይቲ ግብርታቱ ወዲስዎ ኢዩ። ንኣብነት: ከምዚ ኢሉ ዘመረ:- “ነቲ ኣብ ጽዮን ዚነብር እግዚኣብሄር ዘምሩሉ: ኣብ ማእከል ኣህዛብ ግብርታቱ ንገሩ። ኣብ ደጌታት ጓል ጽዮን . . . ምስጋናኻ ምእንቲ ኽነግርሲ: ዎ እግዚኣብሄር: ነቲ ብጸላእተይ ዝረኽቦ መከራ ርአዮ እሞ: ኣታ ኻብ ደጌታት ሞት እትስሕበኒ: ደንግጸለይ።” (መዝሙር 9:⁠11, 13, 14) ዳዊት ነቲ ናይ ቤት መቕደስ ውጥን ንወዱ ሰሎሞን ምስ ሃቦ: ንኣምላኽ ከምዚ ኢሉ ባረኾን ወደሶን:- “ጐይታየ: . . . ዕቤትን ስልጣንን ክብርን ዓወትን ግርማን ናትካ እዩ። . . . እታ መንግስትስ ናትካ እያ: ኣብ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ከም ርእሲ ልዕል በልካ። . . . ሕጂ ኸኣ: ዎ ኣምላኽና: ንሕና ነመስግነካ ንኽቡር ስምካውን ንውድሶ አሎና።”​—⁠1 ዜና መዋእል 29:⁠10-13

5 ቅዱሳት ጽሑፋት ብተደጋጋሚ ኸምቲ ናይ ዳዊት ገይርና ንኣምላኽ ክንውድሶ ይዕድመና: አረ ይምሕጸነና እውን ኢዩ። መጽሓፍ መዝሙር ንኣምላኽ ንምውዳስ ክንጥቀመሉ እንኽእል ብዙሕ መግለጺታት ሒዛ ኣላ: ዳርጋ ፍርቂ ካብዚ ድማ ዳዊት ዝጸሓፎ ኢዩ። ብዘይ​ ምቍራጽ ንየሆዋ ይውድሶን የመስግኖን ነበረ። (መዝሙር 69:⁠30) ኣብ ርእሲ እዚ: እቲ ዳዊትን ካልኦትን ዝጸሓፍዎ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ጽሑፋት ካብ ግዜ ጥንቲ ኣትሒዙ ንየሆዋ ንምውዳስ ክቐርብ ጸኒሑ ኢዩ።

6. እቲ መንፈስ ዝነፈሶ መዝሙር ንዓና ጠቓሚ ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧

6 እዚ መዝሙራት እዚ ንኣምለኽቲ የሆዋ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ረብሓ ዘለዎ ኰን ኢዩ! ንየሆዋ ስለቲ ንረብሓና ኢሉ ዝገብሮ ዅሉ ዓበይቲ ግብርታት ከነመስግኖ ክንደሊ ኸሎና ነቲ ውቁብ ብዝዀነ መገዲ እተቐነባበረ ኣብ መዝሙራት ዝርከብ መግለጺታት ውዳሰ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ኣብ ነፍሲ ወከፍ እንበራበረላ ሓዳስ መዓልቲ: ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ መግለጺ ውዳሰ ክንጥቀም ንለዓዓል ንኸውን:- “ኣታ ልዑል: ንግሆ ሳህልኻ: ለይቲውን እምነትካ ምውራይ . . . ንእግዚኣብሄር ምምስጋን: ንስምካ ምዝማር ሰናይ እዩ። ዎ እግዚኣብሄር: ብግብርታትካ ኣሐጒስካኒ ኢኻ እሞ: ብዛዕባ ተግባር ኣእዳውካ እልል ክብል እየ።” (መዝሙር 92:⁠1-4) መንፈሳዊ ዕቤት ንኸይንገብር ዕንቅፋት ክዀነና ዝኽእል ነገር ብዓወት ምስ እንዋጽኣሉ ነዚ ዝስዕብ ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር ኣብነት ብምቕዳሕ ሓጐስናን ምስጋናናን ክንገልጽ ንኽእል ኢና:- “ንዑ: ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ንዘምር: ንኸውሒ ምድሓንና እልል ንበለሉ: ብምስጋና ኣብ ቅድሚኡ ንብጻሕ: ብመዝሙር እልል ንበለሉ።”​—⁠መዝሙር 95:⁠1, 2

7. (ሀ) እቲ ክርስትያናት ዝዝምርዎ ብዙሕ መዝሙራት ፍሉይ ዝገብሮ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብ ኣኼባታት ብኣግኡ ክንርከብን ክሳዕ መወዳእታ ክንጸንሕን ካብ ዝድርኸና ሓደ ምኽንያት እንታይ ኢዩ፧

7 ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት: ኣሰምብሊታት: ዓበይቲ ኣኼባታት ሓቢርና ብምዝማር ንየሆዋ ብዙሕ ግዜ ንውድሶ ኢና። ዝበዝሕ ካብዚ መዝሙራት እዚ ካብታ መንፈስ ዝነፈሳ መጽሓፍ መዝሙር እተወስደ ሓሳብ ምዃኑ ምስትብሃል ዝግባእ ኢዩ። ምስ ግዜና ዝኸይድ ባህ ዘብል ንየሆዋ እንውድሰሉ መዝሙር ስለ ዘሎናስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ሕጕሳት ኰን ኢና! ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ብኣግኡ ኽንርከብን ክሳዕ መዕጸዊ ጸሎት ክንጸንሕን ኣድላዪ ዝዀነሉ ሓደ ምኽንያት እምበኣር ምስ ኣመንቲ ብጾትና ሓቢርና ንየሆዋ ብመዝሙርን ጸሎትን ንኽንውድሶ ኢዩ።

“ሃሌሉያ”

8. ኣብታ “ሃሌሉያ” እትብል ቃል እንታይ ሓሳብ ኢዩ ተጠቓሊሉ ዘሎ: ብዙሕ ግዜኸ እንታይ ተባሂላ ኢያ እትትርጐም፧

8 ንየሆዋ ምውዳስ ከም ዝግባእ ዝገልጽ ሓሳብ: ኣብታ “ሃሌሉያ” እትብል ናይ እብራይስጢ ስግረ⁠-​ፊደል ተጠቓሊሉ ኣሎ። እዛ ቓል እዚኣ ዳርጋ ዅሉ ግዜ “ንያህ ወድስዎ” ተባሂላ ኢያ እትትርጐም። ንኣብነት: ኣብ መዝሙር 135:⁠1-3 ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ምዉቕን ሓያልን ዕድመ ተቕርብ:- “ሃሌሉያ። ኣቱም ባሮት እግዚኣብሄር: ስም እግዚኣብሄር አመስግኑ: ኣቱም ቤት እግዚኣብሄር: ኣብ ኣጸድ ኣምላኽና እትቘሙ: አመስግንዎ። እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ: አመስግንዎ። ግሩም እዩ እሞ: ንስሙ ምስጋና ዘምሩሉ።”

9. ንየሆዋ ንኽንውድሶ እንታይ ኢዩ ዝድርኸና፧

9 ብዛዕባ እቲ ተኣምራት ዝዀነ ፍጥረታቱን ምእንታና ኢሉ ዝገብሮ ዅሉ ግብርታቱን ከነስተንትን ከሎና እቲ ዘሎና ልባዊ ሞሳ ንኽንውድሶ ይድርኸና ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ንህዝቡ ዝገበረሎም ነገራት ከነስተንትን ከሎና: ክብ ንኸነብሎ ልብና ይድርኸና ኢዩ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ገና ኽገብሮ ዘለዎ ዓበይቲ ግብርታት ከነስተንትን ከሎና ድማ ኽንውድሶን ከነመስግኖን ኣጋጣሚ ንደሊ ኢና።

10, 11. ህላወና ንኣምላኽ ንኽንውድስ ምኽንያት ዝዀነና ብኸመይ ኢዩ፧

10 ህላወና ንገዛእ ርእሱ ንያህ ንኸነመስግኖ እኹል ምኽንያት ኢዩ። ዳዊት “መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ: ከማስወካ እየ: ግብርታትካ መስተንክር እዩ: ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ” ኢሉ ንየሆዋ ዘሚሩ ኢዩ። (መዝሙር 139:⁠14) እወ: ‘ኣፈጣጥራና ድንቂ ኢዩ:’ ከም ናይ ምርኣይ: ምስማዕ: ከምኡውን ናይ ምሕሳብ ክእለት ዝኣመሰለ ክቡር ህያባት እውን ኣሎና። ስለዚ እምበኣር: ንህይወትና ንፈጣሪና ብዘኽብር መገዲ ገይርና ክንጥቀመላዶ ኣይግብኣናን ኢዩ፧ ጳውሎስ “እንተ በላዕኩም: ወይስ እንተ ሰቴኹም: ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም: ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ” ኢሉ ክጽሕፍ ከሎ ተመሳሳሊ ሓሳብ ኢዩ ዝገልጽ ነይሩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 10:⁠31

11 ንየሆዋ ብሓቂ ነፍቅሮ እንተ​ድኣ ዄንና ዝዀነ ይኹን ነገር ንኽብሩ ኢልና ኽንገብሮ ኢና። የሱስ እታ ቐዳመይቲ ትእዛዝ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቅሮ” እትብል ምዃና ተዛሪቡ ኣሎ። (ማርቆስ 12:⁠30፣ ዘዳግም 6:⁠5) የሆዋ ፈጣሪና ከምኡውን ምንጪ “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን” ብምዃኑ ከነፍቅሮን ክንውድሶን ከም ዘሎና ርግጽ ኢዩ። (ያእቆብ 1:⁠17፣ ኢሳይያስ 51:⁠13፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠28) ልዕሊ ዅሉ ድማ ናይ ምሕሳብ ክእለትና: መንፈሳውነትና: ከምኡውን ኣካላዊ ብርታዐና: ኰታ ብሓፈሻ ዅሉ ባህርያትናን ክእለትናን ካብ የሆዋ ብምዃኑ ክንውድሶ ግቡእ ኢዩ። ከም ፈጣሪና መጠን ከነፍቅሮን ክንውድሶን ዝግባእ ኢዩ።

12. ብዛዕባ ዓበይቲ ግብርታት የሆዋን ኣብ መዝሙር 40:⁠5 ዘሎ ቃላትን ከመይ ይስመዓካ፧

12 እቲ ዓበይቲ ግብርታት የሆዋ ንኸነፍቅሮን ክንውድሶን እዚ ዘይበሃል ምኽንያት ኢዩ ዝዀነና! ዳዊት ከምዚ ኢሉ ዘመረ:- “ጐይታይ: ኣምላኸየ: ተኣምራትካን ንኣና ዝሐሰብካዮ ሓሳባትካን ብዙሕ እዩ: ንኣኻ ዚመስል ከቶ የልቦን። ክነግረሉን ክዛረበሉን እንተ ደሌኹስ: ምቝጻሩ ዘይከአል ብዙሕ እዩ።” (መዝሙር 40:⁠5) ዳዊት ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበሮ ተኣምራት ክጽብጽቦ ኣይከኣለን: ንሕና እውን ኣይንኽእልን ኢና። እንተ​ዀነ ግን: ዝዀነ ይኹን ካብ ዓበይቲ ተግባራቱ ምስ እነስተብህል ክንውድሶ ይግባእ።

ምስ ዘለኣለማዊ ዕላማ ኣምላኽ እተተሓሓዘ ግብርታት

13. ተስፋና ምስ ዓበይቲ ግብርታት ኣምላኽ እተተሓሓዘት ብኸመይ ኢያ፧

13 መጻኢ ተስፋና ምስቲ ኣምላኽ ዘለኣለማዊ ዕላማኡ ንምፍጻም ዝገብሮ ዓብይን ውዳሰ ዝግብኦን ግብርታት እተተሓሓዘ ኢዩ። ድሕሪ እቲ ኣብ ኤደን እተፈጸመ ዕልወት: የሆዋ ነቲ ተስፋ ዝሓዘ ናይ መጀመርታ ትንቢት ሃበ። ኣብ ልዕሊ እቲ ተመን ፍርዲ ብምብያን ከምዚ በለ:- “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን: ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ: ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ።” (ዘፍጥረት 3:⁠15) የሆዋ ንኖህን ስድራ​ቤቱን ካብቲ ነታ እክይቲ ዓለም ዘጥፍአ ዓለምለኻዊ ማይ ኣይሂ ብምድሓን ዓቢ ተግባር ካብ ዝፍጽም ንነጀው እሙናት ሰባት ኣብ ዘርኢ እታ ሰበይቲ ተስፋ ኽገብሩ ጸኒሖም ኢዮም። (2 ጴጥሮስ 2:⁠5) ንኸም በዓል ኣብርሃም: ዳዊት ዝኣመሰሉ ናይ እምነት ሰባት እተዋህበ ትንቢታዊ መብጽዓታት እውን የሆዋ በቲ ዘርኢ ኣቢሉ እንታይ ከም ዝዓምም ንጹር ሓበሬታ ከም ዝርከብ ገይሩ ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 22:⁠15-18፣ 2 ሳሙኤል 7:⁠12

14. የሆዋ ምእንቲ ደቅሰብ ዝገበሮ ዓበይቲ ግብርታት ዘርኢ እንታይ ሓለፍ ዝበለ ኣብነት ኢዩ፧

14 የሆዋ ምእንቲ ደቅሰብ ዓበይቲ ግብርታት ከም ዝፍጽም እተራእየሉ ዝበለጸ ፍጻመ ነቲ ሓደ ወዱ​—⁠መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ: የሱስ ክርስቶስ​—⁠በጅነታዊ መስዋእቲ ክኸውን ምስ ሃበ ኢዩ። (ዮሃንስ 3:⁠16፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠29-36) በጅነት ምስ ኣምላኽ ንምትዕራቕ መሰረት ኣንቢሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 20:⁠28፣ ሮሜ 5:⁠11) የሆዋ ነቶም ናይ መጀመርታ ምስኡ እተዓርቁ: ኣብታ ብጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ዝቘመት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣከቦም። ሞትን ትንሳኤን የሱስ ንእዙዛት ደቅሰብ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖም ብኸመይ ዘለኣለማዊ በረኸት ክረኽቡ ኸም ዝኽእሉ እናሓበሩ ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ብስራት ኣብ ርሑቕን ቀረባን ኣብጽሕዎ።

15. የሆዋ ኣብ ግዜና ተኣምራታዊ ዝዀነ ነገራት ዝገበረ ብኸመይ ኢዩ፧

15 ኣብዚ ግዜና የሆዋ ነቶም ናይ መወዳእታ ቅቡኣት ክርስትያናት ንምእካብ ድንቂ ዝዀነ ነገራት ገይሩ ኢዩ። ነቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ዝገዝኡ ተረፍ ናይቶም 144,000 ንምሕታም እቲ ናይ ጥፍኣት ንፋሳት ተታሒዙ ኣሎ። (ራእይ 7:⁠1-4፣ 20:⁠6) ኣምላኽ ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ካብ ናይ “ዓባይ ባቢሎን”​—⁠ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት​—⁠መንፈሳዊ ባርነት ከም ዝወጹ ገይርዎም ኢዩ። (ራእይ 17:⁠1-5) እቲ የሆዋ ብ1919 ዝገበሮ ምድሓንን ክሳዕ ሕጂ ዝገበረሎም መለኮታዊ ዕቑባን: ነቶም ቅቡኣት ተረፍ እንታይ ንኽገብሩ ኢዩ ዘኽኣሎም፧ የሆዋ ነዚ ናይ ሰይጣን እኩይ ኣገባብ እዚ ኣብቲ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ዝህሉ “ዓቢ ጸበባ” ከየጥፍኦ ኸሎ: ናይ መወዳእታ ምስክርነት ንምሃብ ብርሃኖም ከብርሁ ኣኽኢልዎም ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠21 NW ፣ ዳንኤል 12:⁠3፣ ራእይ 7:⁠14 NW

16. እቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ፍረ ኢዩ ዝርከቦ ዘሎ፧

16 ናይ የሆዋ ቅቡኣት መሰኻኽር ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ግንባር ቀደም ኰይኖም ብቕንኣት መሪሖምዎ ኢዮም። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ኣምለኽቲ የሆዋ ይዀኑ ኣለዉ። (ዮሃንስ 10:⁠16) ኣብ ምድሪ ዝርከቡ ትሑታት ንኣምላኽ ኣብ ምውዳስ ምእንቲ ኽሓብሩና እቲ ኣጋጣሚ ገና ኽፉት ምህላዉ ንሕጐስ ኢና። እቶም ነቲ “ንዓ” ዝብል ዕድመ ዝምልስሉ ሰባት ካብቲ ዓቢ ጸበባ ክድሕኑ ኢዮም: ንየሆዋ ንዘለኣለም ንኽውድስዎ ድማ ኣጋጣሚ ኽህልዎም ኢዩ።​—⁠ራእይ 22:⁠17

ናብቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ኣሽሓት ይውሕዙ ኣለዉ

17. (ሀ) የሆዋ ምስ ዕዮ ስብከትና እተተሓሓዘ ዓበይቲ ግብርታት ዝፍጽም ዘሎ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ዘካርያስ 8:⁠23 ብኸመይ ትፍጸም ኣላ፧

17 ኣብዚ እዋን እዚ: የሆዋ ኣብቲ ዕዮ ስብከት ዓብን ውዳሰ ዝግብኦን ተግባር ኢዩ ዝፍጽም ዘሎ። (ማርቆስ 13:⁠10) ኣብዚ ቐረባ እዋን ‘ዓብይን ብርቱዕን ደገ ኸፊቱ’ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 16:⁠9) እዚ ድማ እቲ ብስራት ኣብ ሰፊሕ ቦታታት: ኣብቲ ቕድም ጸላእቲ ሓቂ በርቲዖምሉ ዝነበሩ ቦታታት እውን ከይተረፈ ንኽእወጅ ኣኽኢሉ ኢዩ። ቅድም ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት: ሕጂ ነቲ ንየሆዋ ንኸምልኹ ዝግበረሎም ዘሎ ዕድመ ኣወንታዊ ምላሽ ይህብሉ ኣለዉ። ነቲ ኸምዚ ዝስዕብ ዝብል ትንቢታዊ ቓል ይፍጽምዎ ኣለዉ:- “በተን መዓልትታት እቲኣተን ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝዀኑ ዓሰርተ ሰብ ንሓደ ኣይሁዳዊ ዘፈር ክዳኑ ሒዞም: እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝዀነ ሰሚዕና ኢና እሞ: ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና: ኪብሉ እዮም: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።” (ዘካርያስ 8:⁠23) እዞም “ምሳኻትኩም” ተባሂልሎም ዘሎ መንፈሳውያን ኣይሁድ: ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ተረፍ ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ኢዮም። ዓሰርተ ምድራዊ ምልኣት ከመልክት ስለ ዝኽእል እቶም “ዓሰርተ ሰብ” ተባሂሎም ዘለዉ ነቶም ምስ ‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል’ ብምሕባር “ሓደ መጓሰ” ዝዀኑ “ዓቢ ጭፍራ” ዘመልክቱ ኢዮም። (ገላትያ 6:⁠16፣ ራእይ 7:⁠9, 10) ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ሰብ ሓቢሮም ኣምለኽቲ የሆዋ ኣምላኽ ብምዃን ቅዱስ ኣገልግሎት ከቕርቡ ምርኣይሲ ኽሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ!

18, 19. የሆዋ ነቲ ዕዮ ስብከት ይባርኾ ከም ዘሎ ዘርኢ እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

18 ኣብተን ብናይ ሓሶት ሃይማኖት ስለ እተዓብለላ ህዝበን ነቲ ብስራት ኣወንታዊ ምላሽ ክህበሉ ኢዩ ኢልካ ትጽቢት ዘይግበረን ዝነበራ ሃገራት እውን ከይተረፈ ሕጂ ብዓሰርተታት: አረ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ሓቀኛ ኣምልኾ ክሕዙ ኸለዉ ምርኣይ ኣዝዩ ዘሐጕስ ኢዩ። ናይዚ ዓመት እዚ ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር (እንግሊዝኛ) ርአ እሞ: ካብ 100,000 ክሳዕ ዳርጋ 1,000,000 ዝዀኑ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለወን ሃገራት ቍጸር። እዚ የሆዋ ነቲ ዕዮ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይባርኾ ከም ዘሎ ዘርኢ ድልዱል መርትዖ ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 10:⁠22

19 ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ናይ ሓቂ ዕላማ ህይወት: ኣብ ኣገልግሎቱ ዓስቢ ዘለዎ ዕዮ: ከምኡውን ብሩህ መጻኢ ኸም ዝህልወና ስለ ዝገበረ ከም ህዝቡ መጠን ንውድሶ ኢና። ኵሉ መለኮታዊ መብጽዓታቱ ተፈጺሙ ክንርኢ ብሃንቀውታ ኢና እንጽበ: ‘ነቲ ናብ ህይወት ዘለኣለም ዘብጽሕ ፍቕሪ ኣምላኽ ንምሕላው’ ድማ ቈሪጽና ኢና። (ይሁዳ 20, 21) ሕጂ እቶም ንኣምላኽ ዝውድስዎ ዘለዉ ዓቢ ጭፍራ ዳርጋ 6,000,000 በጺሖም ክንርእዮምሲ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኢና እንሕጐስ! ብበረኸት የሆዋ: እቶም ቅቡኣት ተረፍ ምስቶም ካልኦት ኣባጊዕ ብጾቶም ሓቢሮም ኣብ 235 ሃገራት ኣብ ዝርከባ 91,000 ዝዀና ጉባኤታት ተጠርኒፎም ኣለዉ። ዅላትና በቲ ዘይሕለል ጻዕሪ ናይቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ጽቡቕ መንፈሳዊ መግቢ ንረክብ ኣሎና። (ማቴዎስ 24:⁠45) እዛ እናዓበየት እትኸይድ ቲኦክራሲያዊት ማሕበር ፍቕራዊ ዝዀነ ምዕዛብ እናገበረት በተን 110 ዝዀና ጨንፈር ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣቢላ ነቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ንጥፈታት ተመሓድሮ ኣላ። የሆዋ ህዝቡ ‘ብዅሉ ጥሪቶም ከኽብርዎ’ ልቦም ስለ ዘለዓዓለ ኣመስገንቲ ኢና። (ምሳሌ 3:⁠9, 10) ስለዚ ኸኣ ናይ ሕትመት መሳለጥያታት: ናይ ቤትኤልን ሚስዮናውያንን ኣባይቲ: ኣደራሻት መንግስቲ: ከምኡውን ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሻት ከከም ኣድላይነቱ እናተሃንጸ እቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከትና ይቕጽል ኣሎ።

20. ብዛዕባ እቲ ናይ የሆዋ ዓብይን ውዳሰ ዝግብኦን ግብርታት ምስትንታን እንታይ ጽልዋ ኢዩ ከሕድረልና ዘለዎ፧

20 ንዅሉ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝገበሮ ዓብይን ውዳሰ ዝግብኦን ግብርታት ዘርዚርና ኣይንውድኦን ኢና። ነዚ ዅሉ ዓበይቲ ግብርታት ኣምላኽ እናረኣየ ምስቶም ንየሆዋ ዝውድሱ ጭፍራ ካብ ምሕባር ዘድሓርሕር ቅኑዕ ሰብ ኣሎዶ ምበልካ፧ ብርግጽ የለን! ስለዚ እምበኣር: ዅላቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ ሰባት ብሓጐስ ከምዚ ኢሎም ይጨድሩ:- “ሃሌሉያ። ንእግዚኣብሄር ካብ ሰማያት አመስግንዎ: ኣብ ኣርያም አመስግንዎ። ኵሉኹም መላእኽቱ: አመስግንዎ . . . ኣጕባዝን ጐራዙትን: ዓበይቲ ምስ ናእሽቱ። ስሙ በይኑ ልዑል እዩ: ግርማኡ ኣብ ልዕሊ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ: ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎ።” (መዝሙር 148:⁠1, 2, 12, 13) እወ: ሕጅን ንዘለኣለምን ንየሆዋ ስለ እቲ ዓበይቲ ግብርታቱ ብዘይ​​ምቍራጽ ንወድሶ!

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ገለ ካብቲ ናይ የሆዋ ውዳሰ ዝግብኦ ግብ​ርታት እንታይ ኢዩ፧

• ንየሆዋ ንኽትውድሶ እትድረኽ ስለምን​ታይ ኢኻ፧

• ተስፋና ምስ ዓበይቲ ግብርታት ኣምላኽ ብኸመይ ኢዩ ዝተሓሓዝ፧

• የሆዋ ምስ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ እተተሓሓዘ ነገራት ውዳሰ ዝግብኦ ግብ​ርታት ዝገብር ዘሎ ብኸመይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ንየሆዋ ብመዝሙር ኣብ ምውዳስ ብምሉእ ልብኹምዶ ትሓብሩ ኢኹም፧

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ትሑታት ሰባት ንየሆዋ ኣብ ምውዳስ ምእንቲ ኽሓብሩና እቲ ኣጋጣሚ ገና ክፉት ምህላዉ ንሕጐስ ኢና