ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብመንፈስ ድልድልቲ ስድራቤት ምህናጽ

ብመንፈስ ድልድልቲ ስድራቤት ምህናጽ

ብመንፈስ ድልድልቲ ስድራ​ቤት ምህናጽ

“ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም።”​—⁠ኤፌሶን 6:⁠4

1. ኣምላኽ ንስድራ​ቤታት እንታይ ዕላማ ኢዩ ነይርዎ: እንተ​ዀነ ግን እንታይ ኢዩ ዘጋጠመ፧

 “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን።” (ዘፍጥረት 1:⁠28) የሆዋ ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን እዚ መም​ርሒ እዚ ምስ ሃቦም ናይ ስድራ​ቤት ስርዓት ኣቘመ። (ኤፌሶን 3:​14, 15) እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ኣማዕድዮም ብምጥማት ምድሪ ገነት ኰይና ከምኡውን ብሕብረት ነቲ ዓቢ ፈጣሪኦም ብዘምልኹ ፍጹማትን ሕጉሳትን ዘርኦም ዝቘመ ዓቢ ስድራ​ቤት መሊኣ ክርእዩ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። ኣዳምን ሄዋንን ግን ሓጥኡ: ስለዚ ድማ ምድሪ ንኣምላኽ ብዝፈርሁ ጻድቃን ሰባት ኣይመልአትን። (ሮሜ 5:⁠12) ኣብ ክንድኡስ: ናብራ ስድራ​ቤት ክፈራርስ ጀመረ: ጽልእን ዓመጽን ሰፈነ: ‘ፍቕሪ ስድራ​ቤት’ ድማ ጠፍአ። እዚ ኸኣ ብፍላይ ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ገደደ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-5፣ ዘፍጥረት 4:⁠8, 23፣ 6:⁠5, 11, 12

2. ዘርኢ ኣዳም እንታይ ንምግባር ኢዩ ተኽእሎ ዝነበሮም: ሓንቲ ብመንፈስ ድልድልቲ ስድራ​ቤት ንምህናጽ ግን እንታይ ኢዩ ዘድሊ ዝነበረ፧

2 ኣዳምን ሄዋንን ብመልክዕ ኣምላኽ ኢዮም ተፈጢሮም። ኣዳም ሓጢኡ እኳ እንተ​ዀነ: የሆዋ ቈልዑ ኽወልድ ፈቒዱሉ ኢዩ። (ዘፍጥረት 1:⁠27፣ 5:⁠1-4) ውሉዳት ኣዳም ልክዕ ከም ኣቦኦም ስነ⁠-​ምግባራዊ ግንዛበ ዘለዎም ከምኡውን ንቕኑዕ ካብ ጌጋ ንምፍላይ ክማሃሩ ዝኽእሉ ኢዮም ነይሮም። ንፈጣሪኦም ብኸመይ ከምልኽዎ ከም ዘለዎም ከምኡውን ብምሉእ ልቦም: ነፍሶም: ሓሳቦም: ከምኡውን ሓይሎም ከፍቅርዎ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ክማሃሩ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። (ማርቆስ 12:⁠30፣ ዮሃንስ 4:⁠24፣ ያእቆብ 1:⁠27) ኣብ ርእሲ እዚ ‘ቅንዕና ኽገብሩ: ምሕረት ክፈትዉ: ምስ ኣምላኽውን ብትሕትና ኽመላለሱ’ ክማሃሩ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። (ሚክያስ 6:⁠8) ይኹን እምበር: ሓጥኣን ብምንባሮም ሓንቲ ብመንፈስ ድልድልቲ ዝዀነት ስድራ​ቤት ንምህናጽ ግቡእ ዝዀነ ኣቓልቦ ክገብሩ የድልዮም ነይሩ ኢዩ።

ግዜ ዓድጉ

3. ወለዲ ክርስትያናት ቈልዑ ንምዕባይ ብኸመይ ኢዮም ‘ግዜ ክዕድጉ’ ዝኽእሉ፧

3 ኣብዚ ኣዝዩ ጽንኩር ዝዀነ ግዜ ቈልዑ ‘እከይ ጸሊኦም ንእግዚኣብሄር ከፍቅሩ’ ብርቱዕ ጻዕሪ የድሊ። (መዝሙር 97:⁠10) ጥበበኛታት ወለዲ ነዚ ብድሆ እዚ ንምስዓር ‘ግዜ ይዕድጉ’ ኢዮም። (ኤፌሶን 5:⁠15-17) ወላዲ እንተ​ድኣ ዄንካ ነዚ ብኸመይ ክትገብሮ ትኽእል፧ መጀመርታ ‘ዝሓይሽ ብምምርማር’ ንደቅኻ ምምሃርን ምልምማድን እውን ሓዊስካ ቀዳምነት ክትህቦ ዘሎካ ነገራት ስራዕ። (ፊልጲ 1:⁠10, 11) ካልኣይ ድማ ኣነባብራኻ ቀሊል ግበሮ። ብዙሕ ኣድላዪ ዘይኰነ ነገራት ክትገድፍ የድልየካ ይኸውን። ወይ ንኽትከናኸኖ ግዜ ዝወስድ ዘየድሊ ነገራት እውን ከተልግስ የድልየካ ይኸውን። ክርስትያን ወላዲ ከም ምዃንካ መጠን ንኣምላኽ ዝፈርሁ ውሉዳት ከተዕቢ ንእትገብሮ ጻዕሪ ፈጺምካ ኣይክትጠዓሰሉን ኢኻ።​—⁠ምሳሌ 29:⁠15, 17

4. ሓንቲ ስድራ​ቤት ሕብርቲ ዀይና ኽትቅጽል እትኽእል ብኸመይ ኢያ፧

4 ምስ ውሉዳትካ ግዜ ምሕላፍ: ብፍላይ ድማ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ዘተኰረ ምስ ዝኸውን ቍም ነገር ዘለዎ ኢዩ: ከምኡውን ነታ ስድራ​ቤት ሕብርቲ ገይርካ ንምሓዝ ሓደ ካብቲ ዝበለጸ መገድታት ኢዩ። እዚ ግን ብኣጋጣሚ ንኽኸውን ክግደፍ የብሉን። ሓቢርኩም እተሕልፍሉ ግዜ መድቡ። ሓቢርኩም ክበሃል ከሎ ኣብ ሓደ ገዛ ዄንካ ዅሉ ሰስርሑ ይገብር ማለት ኣይኰነን። ውሉዳት ኵለንትንኣዊ ዕብየት ከርእዩ ዝኽእሉ መዓልታዊ ብሕታዊ ኣቓልቦ ምስ ዝረኽቡ ኢዮም። ብዘይ​ምንፋግ ፍቕርን ሓልዮትን ከተርእዮም የድሊ። ምርዑዋት ሰብ ሓዳር: ንኽወልዱ ቅድሚ ምውሳኖም እውን ከይተረፈ ነዚ ኣገዳሲ ሓላፍነት እዚ ኣርዚኖም ክሓስብሉ ኣለዎም። (ሉቃስ 14:⁠28) ከምዚ ምስ ዝገብሩ ምዕባይ ቈልዑ ከም ጾር ገይሮም ኣይክርእይዎን ኢዮም። ኣብ ክንድኡስ ከም በረኸት ዘለዎ መሰል ገይሮም ክርእይዎ ኢዮም።​—⁠ዘፍጥረት 33:⁠5፣ መዝሙር 127:⁠3

ብቓልን ኣብነትን ምሃርዎም

5. (ሀ) ወሉዳት ንየሆዋ ከፍቅሩ ምምሃሮም ብምንታይ ኢዩ ዝጅመር፧ (ለ) ኣብ ዘዳግም 6:⁠5-7 ንወለዲ እንታይ ምኽሪ ኢዩ ተዋሂቡ ዘሎ፧

5 ውሉዳትካ ንየሆዋ ከፍቅርዎ ምምሃር በቲ ንስኻ ንዕኡ ዘሎካ ፍቕሪ ኢዩ ዝጅምር። ንኣምላኽ ዓሚቝ ፍቕሪ ምስ ዝህልወካ ንዅሉ መምርሒታቱ ብተኣማንነት ክትሕልዎ ክትድረኽ ኢኻ። እዚ ድማ “ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም” ንዝብል ስርዓት እውን ዘጠቓልል ኢዩ። (ኤፌሶን 6:⁠4) ኣምላኽ ንወለዲ ንደቆም ኣብነት ክዀንዎም: ምስኦም ሓሳብ ንሓሳብ ክለዋወጡ: ከምኡውን ክምህርዎም ኢዩ ዝመኽሮም። ዘዳግም 6:⁠5-7 ከምዚ ኢላ ትገልጽ:- “ንስኻ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ። እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ንደቅኻ ምሀሮም: ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ።” ኵሉ ግዜ ብምምዓድን ብምድግጋምን ንደቅኻ ትእዛዛት ኣምላኽ ክትሰርጸሎም ትኽእል ኢኻ። በዚ ድማ ደቅኻ እቲ ንየሆዋ ዘሎካ ፍቕሪ ክርድኦም ኢዩ: ንሳቶም ድማ ብግዴኦም ምስኡ ጥብቂ ርክብ ንምግባር ክድረኹ ኢዮም።​—⁠ምሳሌ 20:⁠7

6. ወለዲ ነቲ ውሉዳት ብኣብነት ንኽማሃሩ ዘለዎም ተኽእሎ ክጥቀምሉ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

6 ቈልዑ ንኽማሃሩ ህንጡያት ኢዮም። ትኩራት ሰማዕትን ተዓዘብትን ኢዮም: ነቲ እተርእዮም ኣብነት ንምቕዳሕ ድማ ቅልጡፋት ኢዮም። ፍቕረ⁠-​ንዋይ ከም ዘይብልካ ምስ ዝዕዘቡ: ነቲ ናይ የሱስ ምኽሪ ምስዓብ ክማሃሩ ክሕግዞም ይኽእል ኢዩ። ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ክደልዩ’ ድኣምበር ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ንኸይጭነቑ ትምህሮም። (ማቴዎስ 6:⁠25⁠-​33) ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ: ማሕበር ኣምላኽ: ከምኡውን ብዛዕባ እቶም ኣብ ጉባኤ እተሸሙ ሽማግለታት ጥዑይን ሃናጽን ዕላላት ምዕላል: ንየሆዋ ከኽብርዎ ከምኡውን ነቲ ዝገበሮ መንፈሳዊ ምድላዋት ከማስውሉ ትምህርዎም ኣለኹም ማለት ኢዩ። ቈልዑ ዘይጽኑዕ ነገራት ኣየናይ ምዃኑ ኣብ ምዕዛብ ትኩራት ስለ ዝዀኑ: እቲ ብቓል እትምህርዎም በቲ ኣብ ጠባይኩምን ኣረኣእያኹምን እተንጸባርቕዎ ንመንፈሳዊ ነገራት ዘለኩም ዓሚቝ ሞሳ ክድገፍ ኣለዎ። ወለዲ እቲ ዘርእይዎ ጽቡቕ ኣብነት ንውሉዳቶም ንየሆዋ ልባዊ ፍቕሪ ኸም ዘሕድሩ ገይሩ ኽድርኾም ክርእዩስ ኣየ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢዩ!​—⁠ምሳሌ 23:⁠24, 25

7, 8. ንውሉዳት ካብ ቍልዕነቶም ምልምማድ ጽቡቕ ምዃኑ ዘርኢ እንታይ ኣብነት ኣሎ: ምስ እትዕወትከ ምስጋና ንመን ኢዩ ዝግብኦ፧

7 ንቘልዑ ካብ ብንእሽትኦም ምልምማድ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ በዛ ካብ ቬንዝዌላ እተረኽበት ተመክሮ ክርአ ይከኣል ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠15) ብዛዕባ ፈሊክስን ማይርሊንን እተባህሉ መንእሰያት ሰብ ሓዳር እተዘንቱ ኢያ። ክልቲኦም ፓይነራት ኢዮም። ፈሊቶ ወዶም ምስ ተወልደ: ንየሆዋ ዘምልኽ ገይሮም ንኸዕብይዎ ተሃንጥዮም ነበሩ። ማይርሊን ንፈሊቶ ካብታ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ዓው ኢላ ከተንብበሉ ጀመረት። ፈሊቶ ገና ንእሽቶ ኸሎ ንኸም ሙሴን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ኣብታ መጽሓፍ ዘለዉ ሰባት ከለልዮም ጀመረ።

8 ፈሊቶ ገና ንእሽቶ ኸሎ ንበይኑ ንኻልኦት ክምስክረሎም ጀመረ። ነቲ ኣስፋሒ ንምዃን ዝነበሮ ባህጊ ክበጽሖ ኸኣለ: ጸኒሑ ድማ ተጠምቀ። ድሕሪ ገለ ግዜ ኸኣ ስርዓታዊ ፓይነር ኰነ። ወለዱ ከምዚ ኢሎም ሓሳብ ሃቡ:- “ወድና ከምዚ ኢሉ ኽዓቢ ኽንርእዮ ኸሎና ሳላ የሆዋን ትምህርትታቱን ምዃኑ ኢና እንግንዘብ።”

ውሉዳት ብመንፈስ ክዓብዩ ሓግዝዎም

9. በቲ ኽፍሊ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኣቢልና መንፈሳዊ ትምህርቲ ብምርካብና ከነመስግን ዝግባእ ስለምንታይ ኢዩ፧

9 ቘልዑ ብኸመይ ከም እተዕቢ ዝገልጽ ብዙሕ መጽሔታት: ብኣማእታት ዝቝጸር መጻሕፍቲ: ከምኡውን ብኣሽሓት ዝቝጸር ናይ ኢንተርነት ዓምድታት ኣሎ። ሓደ ኣብ ኒውስዊክ (እንግሊዝኛ) ዝወጸ ብዛዕባ ቈልዑ ዝገልጽ ፍሉይ ሕታም ዝበዝሕ ግዜ “እቲ ሓበሬታ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ኢዩ” ይብል። ቀጺሉ ድማ “ትውክልቲ ትገብረሉ ዝነበርካ ሓበሬታ ጌጋ ዀይኑ ክትረኽቦ ኸሎኻ ዝገደደ ተስፋ ዘቝርጽ ኢዩ” ይብል። የሆዋ ስድራ​ቤታት መምርሒ ክረኽባን ብመንፈስ ክዓብያን ኢሉ ኣኽል⁠-​ታርፍ ትምህርቲ ስለ ዘዳለወልናስ ኣየ ክንደይ ኰን ኢና እነመስግን! ንዅሉ በቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኣቢሉ ዝዳሎ መግቢ ምሉእ ብምሉእ ትጥቀሙሉዶ ኢኹም፧​—⁠ማቴዎስ 24:⁠45-47

10. ኣስላጢ ዝዀነ ናይ ስድራ​ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንወለድን ውሉዳትን ረብሓ ዘለዎ ብኸመይ ኢዩ፧

10 ኣብ ትሕቲ ባህ ዘብል ሃዋህው ዝግበር ስርዓታውን ዘየቋርጽን ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕቲ ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገራት ኢዩ። ነቲ መጽናዕቲ መሃሪ: ባህ ዘብል: ዘተባብዕ ንምግባሩ ግቡእ ምድላው ዝሓትት ኢዩ። ወለዲ ንደቆም ሓሳቦም ከም ዝገልጹ ብምግባር ኣብ ልቦምን ሓሳቦምን ዘሎ ነገራት ክፈልጡ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕቲ ኣስላጢ ድዩ ኣይኰነን ክንፈልጠሉ እንኽእል ሓደ መገዲ እቶም ኣባላት ስድራ​ቤት ተሃንጥዮም ይጽበይዎ ድዮም ኣይጽበይዎን ብምምርማር ኢዩ።

11. (ሀ) ወለዲ ንውሉዳቶም እንታይ ሸቶታት ክገብሩ ኢዮም ክሕግዝዎም ዝኽእሉ፧ (ለ) ሓንቲ ጃፓናዊት ጓል ሸቶኣ ኽትወቅዕ ምስ ጸዓረት እንታይ ኣፍረየት፧

11 መንፈሳዊ ሸቶ ምግባር እውን ብተመሳሳሊ ብመንፈስ ድልድልቲ ስድራ​ቤት ንምህናጽ ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል ኢዩ: ወለዲ ድማ ንደቆም መንፈሳዊ ሸቶ ንኽገብሩ ክሕግዝዎም ኣለዎም። መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ: ስርዓታዊ ኣስፋሒ ምዃን: ህይወትካ ናብ ምውፋይን ጥምቀትን ምብጻሕ ዝኣመሰለ ነገራት ገለ ካብቲ ክግበር ዝከኣል ሸቶታት ኢዩ። ፓይነር: ቤትኤላዊ: ወይ ሚስዮናዊ ዄንካ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ምዃን እውን ክግበር ዝከኣል ካልእ ሸቶታት ኢዩ። ሓንቲ ኣዩሚ እትበሃል ጃፓናዊት ጓል ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ኸላ ንዅሎም ደቂ ኽፍላ ክትምስክረሎም ሸቶ ገበረት። ናይ መምህራን ናይቶም ደቂ ኽፍላን ተገዳስነት ንኸተለዓዕል ኣብቲ ቤተ⁠-​ንባብ ገለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ከተቐምጥ ፍቓድ ሓቲታ ተፈቕደላ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ኣብቲ ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ዝነበረትሉ ሽዱሽተ ዓመታት 13 ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ረኸበት። ካብዚኣቶም ሓንቲ ተማሃሪትን ካልኦት ሰለስተ ኣባላት ስድራ​ቤታን ጥሙቓት ክርስትያናት ኰኑ።

12. ቈልዑ ካብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣጸቢቖም ክጥቀሙ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

12 ብመንፈሳዊ ጥዑይ ንምዃን ዘድሊ ኻልእ ድማ ስርዓታዊ ዄንካ ኣብ ኣኼባታት ምክፋል ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣመንቲ ብጾቱ ‘ገሊኣቶም ልማድ ከም ዝገብርዎ: ኣኼባኹም ኣይትሕደጉ’ ብምባል ምዒድዎም ኣሎ። ንሕና እውን ካብ ኣኼባታት ምትራፍ ልምዲ ኣይንግበሮ፣ ከመይሲ ንኣሽቱ ይኹኑ ዓበይቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ስርዓታውያን ኰይኖም ምስ ዝካፈሉ ብዙሕ ክጥቀሙ ይኽእሉ ኢዮም። (እብራውያን 10:⁠24, 25፣ ዘዳግም 31:⁠12) ቈልዑ ጽን ኢልካ ምስማዕ ክማሃሩ ኣለዎም። ንኣኼባታት ምድላው እውን ኣገዳሲ ኢዩ: ከመይሲ ሓሳብ ብምሃብ ንጡፍ ተሳትፎ ብምግባር ኢዩ ብዙሕ ረብሓ ዝርከብ። ሓደ ቘልዓ ገለ ቓላት ብምውሳእ ወይ ካብቲ ሕጡብ⁠-​ጽሑፍ ገለ ኽፋል ብምንባብ ሓሳብ ምሃብ ይጅምር እኳ እንተ​ዀነ: ቈልዑ ነቲ መልሲ ባዕሎም ክደልይዎ: ብናቶም ቃላት ገይሮም ክገልጽዎ ከተለማምድዎም ኣዝዩ ጠቓሚ ኢዩ። ወለዲ ዅሉ ግዜ ትርጕም ዘለዎ ሓሳብ ብምሃብ ኣብነት ትዀንዎም ዲኹም፧ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ​ቤት መጽሓፍ ቅዱስ: ናይ መዝሙር መጽሓፍ: ከምኡውን ናይቲ ዝግበር ቅዱስ ጽሑፋዊ ምይይጥ መሰረት ኰይኑ ዘሎ ጽሑፍ ቅዳሕ ክህልዎ ጽቡቕ ኢዩ።

13, 14. (ሀ) ወለዲ ምስ ውሉዳቶም ሓቢሮም ግራት ኣገልግሎት ክወፍሩ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዮም፧ (ለ) ግራት ኣገልግሎት ንውሉዳት ጠቓምን ዘሐጕስን ከም ዝኸውን ዝገብሮ እንታይ ኢዩ፧

13 ጥበበኛታት ወለዲ ንደቆም ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ቀንዲ ኽፍሊ ህይወቶም ንኽገብርዎ ብምሕጋዝ: ግዜ ንእስነቶም ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ከም ዘውዕልዎ ገይሮም ኢዮም ዝመርሕዎም። (እብራውያን 13:⁠15) ውሉዳቶም ‘ነቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዘማቕሉ ዘሕፍር ዘይብሎም ዓየይቲ’ ንምዃን ይለማመዱ ኸም ዘለዉ ክፈልጡ ዝኽእሉ ኣብ ኣገልግሎት ምስኦም ምስ ዝካፈሉ ጥራይ ኢዮም። (2 ጢሞቴዎስ 2:⁠15) ንስኻኸ ከመይ ኢኻ፧ ወላዲ እንተ​ድኣ ዄንካ ደቅኻ ንግራት ኣገልግሎት ክዳለዉ ትሕግዞምዶ ኢኻ፧ ከምዚ ምግባር እቲ ኣገልግሎት ዘሐጕስ: ትርጕም ዘለዎ: ከምኡውን ውጽኢታዊ ንኽኸውን ክሕግዞም ይኽእል ኢዩ።

14 ወለድን ውሉዳትን ሓቢሮም ከገልግሉ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ እቶም ውሉዳት ነቲ ጽቡቕ ኣብነት ናይ ወለዶም ኽርእይዎን ክቐድሕዎን ምእንቲ ክኽእሉ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: እቶም ወለዲ ናይ ውሉዳቶም ኣረኣእያ: ባህርይ: ከምኡውን ክእለት ክዕዘቡ ይኽእሉ ኢዮም። ንውሉዳትኩም ኣብ እተፈላለየ መዳያት ኣገልግሎት ምሳኻትኩም ተማልእዎም። ዝከኣል እንተ​ድኣ ዀይኑ ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ኣገልግሎት ቦርሳ ከም ዝህልዎ ግበሩ: ጽፉፍን ጽቡቕን ገይሩ ክሕዞ ከም ዘለዎ ድማ ምሃርዎ። ብዘይ​ምቍራጽ ብምልምማድን ብምትብባዕን ንኣገልግሎት ናይ ሓቂ ሞሳ ከማዕብሉ ኢዮም: ንኣምላኽን ብጻዮምን ዘለዎም ፍቕሪ ዝገልጽሉ መገዲ ገይሮም ድማ ክርእይዎ ኢዮም።​—ማቴዎስ 22:⁠37-​39፣ 28:⁠19, 20

ነቲ ዘሎ መንፈሳውነት ዓቅብዎ

15. መንፈሳውነት ናይ ሓንቲ ስድራ​ቤት ምዕቃብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ: ገለ ኻብቲ ኽትዕቅበሉ እትኽእል መገድታት እንታይ ኢዩ፧

15 መንፈሳውነት ናይታ ስድራ​ቤት ምዕቃብ ኣድላዪ ኢዩ። (መዝሙር 119:⁠93) ሓደ ኻብቲ መንፈሳውነት ናይታ ስድራ​ቤት ክዕቀበሉ ዝከኣል መገዲ ድማ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚ ምስ ስድራ​ቤትካ መንፈሳዊ ነገራት ምዕላል ኢዩ። ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝውሰድ ዕለት ጥቕሲ ሓቢርኩምዶ ትመያየጥሉ ኢኹም፧ ኣብ መገዲ ‘ኽትከይድ ከሎኻ’ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዘጋጠመካ ተመክሮ ወይ ካብ ሓድሽ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ዝረኸብካዮ ነጥብታት ናይ ምክፋል ልምዲ ኣሎካዶ ኢዩ፧ የሆዋ ብህይወት ስለ ዝሕልወካን ስለቲ ድንቂ ዝዀነ ህያባቱን ከይረሳዕካ “ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን” ብጸሎት ተመስግኖዶ ኢኻ፧ (ዘዳግም 6:⁠6⁠-​9) እቶም ቈልዑ ኣብ እትገብሮ ዅሉ ፍቕሪ ኣምላኽ ከም እተንጸባርቕ ምስ ዝዕዘቡ: ንሓቂ ናይ ገዛእ ርእሶም ንኽገብርዋ ክሕግዞም ኢዩ።

16. ንቘልዑ ባዕሎም ምርምር ክገብሩ ምትብባዖም እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧

16 ሓድሓደ ግዜ ውሉዳት ንግድላት ወይ ንዘጋጥሞም ኵነታት ብዓወት ክዋጽእሉ መምርሒ የድልዮም ኢዩ። እንታይ ክገብሩ ኸም ዘለዎም ኵሉ ግዜ ኣብ ክንዲ እትነግሮም: ባዕሎም ምርምር ብምግባር ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ኣረኣእያ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ክርድኡ ዘይተተባብዖም፧ ንዅሉ እቲ ‘እሙን ባርያ’ ዘዳለዎ መሳርሒታትን ጽሑፋትን ብግቡእ ምጥቃም ምስ እትምህሮም ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ንኸማዕብሉ ክሕግዞም ኢዩ። (1 ሳሙኤል 2:⁠21ለ) እቲ ዝገበርዎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምርምር ምስ ካልኦት ኣባላት እታ ስድራ​ቤት ምስ ዝመያየጥሉ ድማ መንፈሳውነት እታ ስድራ​ቤት ዝያዳ ይዓቢ።

ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ተወከሉ

17. ንጽል ወለዲ ንውሉዳቶም ክርስትያን ገይሮም ንኸዕብይዎም ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ተስፋ ክቘርጹ ዘይብሎም ስለምንታይ ኢዮም፧

17 ንጽል ወላዲ ዘለወን ስድራ​ቤታትከ፧ ቘልዑ ብምዕባይ ዝመጸ ንጽል ወላዲ ዘለወን ስድራ​ቤታት ተወሳኺ ግድላት ኢዩ ዘለወን። እንተ​ዀነ ግን: ንጽል ወለዲ ተስፋ ክቘርጹ የብሎምን! ካብቶም ትውክልቶም ኣብ ኣምላኽ ዝገበሩ: ምኽሩ ኣብ ግብሪ ዘውዓሉ: ከምኡውን ብመንፈስ ንፉዓትን ብርቱዓትን ውሉዳት ዘዕበዩ ንጽል ወለዲ ኽንርእዮ ከም እንኽእል ክዕወቱ ይኽእሉ ኢዮም። (ምሳሌ 22:⁠6) ንጽል ወለዲ ዝዀኑ ክርስ​ትያናት ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ክውከሉ ከም ዘድልዮም ርግጽ ኢዩ። ንሱ ከም ዝሓልየሎም እምነት ክህልዎም ኣለዎ።​—⁠መዝሙር 121:⁠1-3

18. ወለዲ ንኸመይ ዝበለ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ድሌት ውሉዳቶም ኢዮም ኣቓልቦ ክገብርሉ ዘለዎም: እቲ ዝያዳ ኽጐልሕ ዘለዎ ግን እንታይ ኢዩ፧

18 ጥበበኛታት ወለዲ ‘ንሰሓቕ ግዜ ኸም ዘለዎ: ንጓይላ ኸኣ ግዜ ኸም ዘለዎ’ ይግንዘቡ ኢዮም። (መክብብ 3:⁠1, 4) ኣእምሮን ኣካላትን ናይ ሓደ ሕጻን ንምህናጽ ሚዛናውን ጥዑይን ዝዀነ መዘናግዒ የድሊ። ሃናጺ ዝዀነ ሙዚቃ ብፍላይ ድማ ንኣምላኽ ናይ ውዳሰ መዝሙር ምዝማር ንሓደ ቘልዓ ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ከደልድለሉ ዝኽእል ጥዑይ ኣረኣእያ ንኸማዕብል ኣገዳሲ ተራ ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። (ቈሎሴ 3:⁠16) ግዜ ንእስነት ንኣምላኽ እትፈርህ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ንምዃን እትሰጋገረሉ እዋን ኢዩ: በዚ ኸኣ እቲ ካብ ህይወት እትረኽቦ ሓጐስ ኣብ ገነታዊት ምድሪ እውን ንዘለኣለም ይቕጽል።​—⁠ገላትያ 6:⁠8

19. ወለዲ ኣብቲ ቘልዑ ናይ ምዕባይ ጻዕሮም በረኸት የሆዋ ከም ዝረኽቡ እምንቶ ከሕድሩ ዝኽእሉ ስለምንታይ ኢዮም፧

19 የሆዋ ዅለን ክርስትያን ስድራ​ቤታት ብመንፈስ ድልዱላትን ሕቡራትን ኰይነን ክዕወታ ኢዩ ዝደሊ። ንኣምላኽ ብሓቂ ነፍቅሮ እንተ​ድኣ ዄንና ከምኡውን ንቓሉ ንምእዛዝ ዝከኣለና ዅሉ ምስ እንገብር: ነቲ እንገብሮ ጻዕሪ ኽባርኾ ኢዩ: ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ መምርሒኡ ንኽንስዕቦ ዝሕግዘና ሓይሊ ድማ ክህበና ኢዩ። (ኢሳይያስ 48:⁠17፣ ፊልጲ 4:⁠13) እቲ ንደቅኹም ክትምህርዎምን ከተለማምድዎምን ዘለኩም ኣጋጣሚ ድሩት ከምኡውን ዘይድገም ምዃኑ ኣይትረስዑ። ቃል ኣምላኽ ንዝህቦ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝከኣለኩም ኵሉ ግበሩ: የሆዋ ድማ ነቲ ብመንፈስ ድልድልቲ ስድራ​ቤት ንምህናጽ እትገብርዎ ጻዕሪ ክባርኾ ኢዩ።

እንታይ ተማሂርና፧

• ቈልዑ ንምልምማድ ግዜ ምዕዳግ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

• ጽቡቕ ናይ ወለዲ ኣብነት ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

• ውሉዳት ብመንፈስ ንኽዓብዩ ክንሕግዘሉ እንኽእል ገለ ኣገደስቲ መገድታት እንታይ ኢዩ፧

• ናይ ሓንቲ ስድራ​ቤት መንፈሳውነት ብኸመይ ኢዩ ክዕቀብ ዝከኣል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ብመንፈስ ድልዱላት ስድራ​ቤታት ኵሉ ግዜ ቃል ኣምላኽ የጽንዓ: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ግራት ኣገልግሎትን ድማ ሓቢረን ይካፈላ