ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሃይማኖታዊ ናጽነት ንኸስፋሕፍሕ ብምሕጋዞም ኣመስግንዎም’

‘ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሃይማኖታዊ ናጽነት ንኸስፋሕፍሕ ብምሕጋዞም ኣመስግንዎም’

‘ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሃይማኖታዊ ናጽነት ንኸስፋሕፍሕ ብምሕጋዞም ኣመስግንዎም’

 ጋዜጣ ዩኤስኤ ቱደይ (እንግሊዝኛ) ኣብ ሓደ ዓንቀጻ ከምዚ ትብል:- “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ቤትኩም ክመጹ ኸለዉ ማዕጾኹም ቅድሚ ምዕጻውኩም ብዛዕባ እቲ ገለ ዓመታት ይገብር ዘሕለፍዎ ኽትዛረበሉ ዘሕፍር መስጐጕቲ ከምኡውን ዅልና ኣብቲ ናይ መጀመርታ ቅዋማዊ ምምሕያሽ እተመርኰሰ ናጽነት ንኽንረክብ ዝገበርዎ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ሕስብ ኣብሉ።” ብ1940ታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንባንዴራ ሰላምታ ብዘይ​ምሃቦም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መስጐጕቲ ወሪድዎም ኢዩ።​—⁠ዘጸኣት 20:⁠4, 5

ካብ 1938 ክሳዕ 1943 ኣብ ዝነበረ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ላዕለዋይ ቤት⁠-​ፍርዲ ኣመሪካ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝምልከት ገለ 30 ዝኸውን ጕዳያት ቀሪቡ ነይሩ። እታ ዓንቀጽ ከምዚ ትብል:- “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ናይ መጀመርታ ቅዋማዊ ምምሕያሽ ብምምርኳስ ብዙሕ ግዜ መሰረታዊ ሕቶታት የቕርቡ ስለ ዝነበሩ ናይ ላዕለዋይ ቤት⁠-​ፍርዲ ዳኛ ዝነበረ ሃርሌይን ፊስክ ስቶን ‘ንሓርነት ዜጋታት ዝምልከት ሕጋዊ ግድላት ንምፍታሕ ብዝገበርዎ ሓገዝ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክከሓሱ ይግብኦም’ ኢሉ ጽሒፉ ኢዩ።”

ኣብ መደምደምታ እታ ዓንቀጽ “[ሃይማኖታዊ] ናጽነት ንኸስፋሕፍሕ ስለ ዝሓገዙ ኵለን ሃይማኖታት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ከመስግንኦም ኣለወን” ትብል።

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Background, building: Photo by Josh Mathes, Collection of the Supreme Court of the United States; lower left, justices: Collection of the Supreme Court of the United States