ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ስቓይ ክህሉ ዘፍቀደሉ እዋን ክውዳእ ቀሪቡ ኢዩ

ኣምላኽ ስቓይ ክህሉ ዘፍቀደሉ እዋን ክውዳእ ቀሪቡ ኢዩ

ኣምላኽ ስቓይ ክህሉ ዘፍቀደሉ እዋን ክውዳእ ቀሪቡ ኢዩ

 ኣብ ዝኸድናዮ ዘበለ ሰባት ብእተፈላለየ ነገራት ክሳቐዩ ኢና እንርኢ። ገሊኣቶም ኣብ ገዛእ ርእሶም ስቓይ የምጽኡ። ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማት ይተሓዙ ወይ ድማ ሓሽሽ ምውሳድ: ኣልኮላዊ መስተ ብብዝሒ ምስታይ: ወይ ሽጋራ ምትካኽ ዘምጽኣሎም ሳዕቤናት ይጾሩ። ወይ እውን ሕማቕ ናይ ኣመጋግባ ልምዲ ስለ ዘለዎም ይሓሙ ይዀኑ። ይኹን እምበር: መብዛሕትኡ ስቓይ ዝመጽእ ተራ ሰባት ክቈጻጸርዎ ብዘይ​ክእሉ ነገራት ኢዩ፣ እዚ ድማ ኸም እኒ ውግእ: ቀቢላዊ ናዕቢ: ዓመጽ: ድኽነት: ጥሜት: ሕማም ዝኣመሰለ ኢዩ። እርጋንን ሞትን እውን ደቅሰብ ክቈጻጸርዎ ኣይክእሉን ኢዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ብምባል የረጋግጸልና ኢዩ። (1 ዮሃንስ 4:⁠8) ፈቃር ኣምላኽ ደኣ እሞ ንምንታይ ኢዩ ስቓይ ንኣዝዩ ብዙሕ ዘመናት ክቕጽል ዘፍቀደ፧ ነዚ ዅነታት እዚ መዓስ ፍታሕ ክገብረሉ ኢዩ፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ንምምላስ ኣምላኽ ብዛዕባ ደቅሰብ ዘለዎ ዕላማ ኽንምርምር ኣሎና። እዚ ድማ ኣምላኽ ስቓይ ዘፍቀደሉ ምኽንያትን እንታይ ክገብር ምዃኑን ንኽንርዳእ ክሕግዘና ኢዩ።

ውህበት ናጻ ድሌት

ኣምላኽ ንቐዳሞት ሰባት ክፈጥሮም ከሎ ኣካልን ኣእምሮን ጥራይ ኣይኰነን ሂቡዎም። ንኣዳምን ሄዋንን ክፈጥሮም ከሎ ዘየስተውዕሉ ሮቦት ገይሩ ኣይኰነን ፈጢርዎም። ናጻ ድሌት እውን ሂብዎም ኢዩ። “ኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየ: እንሆ: ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ:” ስለዚ ብሉጽ ውህበት ኢዩ ሂብዎም ነይሩ። (ዘፍጥረት 1:⁠31) እወ “ግብሩ ፍጹም እዩ።” (ዘዳግም 32:​4) ኵላትና ናይ ምምራጽ ድሌትና ተዓምጺጹ እንሓስቦን እንገብሮን ዘበለ ዅሉ ብኻልእ ኣካል ክውሰነልና ስለ ዘይንደሊ ነዚ ውህበት ናጻ ድሌት ነማስወሉ ኢና።

እንተ​ዀነ ግን: እዚ ብሉጽ ውህበት ናጻ ድሌት ብዘይ​ገደብ ንኽንጥቀመሉ ድዩ ተዋሂቡና፧ ቃል ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት መምርሒ ኽህቦም ከሎ ከምዚ በለ:- “ከም ውጹኣት ሓራ: ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እምበር: ከምቶም ነቲ ሓርነትሲ መጐልበቢ ኽፍኣት ዝገብርዎ ኣይትኹኑ።” (1 ጴጥሮስ 2:⁠16) ንጥቕሚ ዅላትና ተባሂሉ ቀይድታት ክግበር ኣለዎ። ስለዚ ናጻ ድሌት ብሕግታት ቀይዲ ኽግበረሉ ነበሮ። ከምዚ እንተ ዘይግበር ነይሩ ስርዓት⁠-​ኣልቦነት ምሰፈነ።

ናይ መን ሕጊ፧

ንሓርነት ግቡእ ገደብ ዝግበረሉ ብናይ መን ሕጊ ኢዩ ነይሩ፧ ናይዛ ሕቶ እዚኣ መልሲ ምስቲ ኣምላኽ ስቓይ ዘፍቀደሉ ቐንዲ ምኽንያት ዝተኣሳሰር ኢዩ። ኣምላኽ ንደቅ​ሰብ ስለ ዝፈጠሮም: ኣብ ግብሪ እንተ​ድኣ ኣውዒሎምዎ ንገዛእ ርእሶምን ንኻልኦትን ዝጠቅም ዝሓሸ ሕግታት ኣየናይ ምዃኑ ይፈልጥ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን: በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ” ብምባል ነዚ ሓሳብ እዚ ገሊጽዎ ኣሎ።​—⁠ኢሳይያስ 48:⁠17

ስለዚ ደቅሰብ ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ብገዛእ ርእሶም ክነብሩ ኸም ዘይተፈጥሩ ንጹር ኢዩ። ኣሳልጦን ሓጐስን ንምርካብ ነቲ ጽድቃዊ ሕግታቱ ክእዘዙ ኸም ዘለዎም ገይሩ ኢዩ ፈጢርዎም። እቲ ናይ ኣምላኽ ነብዪ ዝነበረ ኤርምያስ “ጐይታየ: መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ: እፈልጥ አሎኹ” በለ።​—⁠ኤርምያስ 10:⁠23

ኣምላኽ ንደቅ​ሰብ ብኸም ናይ ስሕበት ሕጊ ዝኣመሰለ ባህርያዊ ሕግታት ከም ዝቕየዱ ገይሩ ኢዩ ፈጢርዎም። ብተመሳሳሊ እውን ደቅሰብ ስኒት ምእንቲ ኽህልዎም ምስ ስነ⁠-​ምግባራዊ ሕግታት ተሰማሚዖም ክኸዱ ኣለዎም። እምበኣር ቃል ኣምላኽ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ” እንተ በለና ሓቁ ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 3:⁠5

ስለዚ: ደቅሰብ ካብ ኣመራርሓ ኣምላኽ ተፈልዮም ዕዉታት ክዀኑ ኣይክእሉን ኢዮም። ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ንምንባር ኣብ ዝገበርዎ ጻዕሪ ንሓድሕዱ ዘይቃዶ ማሕበራዊ: ቍጠባዊ: ፖለቲካዊ: ከምኡውን ሃይማኖታዊ ስርዓት ኣቚሞም ኢዮም: እንተ​ዀነ ግን ‘ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ሰልጢኑ ኢዩ።’​—⁠መክብብ 8:⁠9

እንታይ ሕማቕ ደኣ ተረኽበ፧

ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ወለድና ማለት ንኣዳምን ሄዋንን ክፈጥሮም ከሎ ዅሉ ነገር ፍጹም ነበረ። ፍጹም ኣካላትን ኣእምሮን ነበሮም: ኣብ ገነት ድማ ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም። ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም መምርሒ እንተ ዝስዕቡ: ፍጹማትን ሕጉሳትን ኰይኖም ምቐጸሉ ነይሮም። ጸኒሖም እውን ወለዲ ናይቶም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዝነብሩ ፍጹማትን ሕጉሳትን ሰብኣዊ ስድራ​ቤት ምዀኑ ነይሮም። ኣምላኽ ብዛዕባ ደቅሰብ ዝነበሮ ዕላማ እዚ ኢዩ ነይሩ።​—⁠ዘፍጥረት 1:⁠27-29፣ 2:⁠15

ይኹን እምበር: እቶም ቀዳሞት ወለድና ነቲ እተዋህቦም ናጻ ድሌት ብዘይ​ግቡእ ተጠቕሙሉ። ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ዕዉታት ክዀኑ ዝኽእሉ መሰሎም። ብናጻ ድሌቶም ንደረት ናይቲ ሕግታት ጠሓሱ። (ዘፍጥረት ምዕራፍ 3) መምርሒ ኣምላኽ ስለ ዝነጸጉ: ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው ፍጹማት ኰይኖም ንኽቕጽሉ ክድግፎም ግዴታ ኣይነበሮን። ‘ንሳቶም ተበላሸዉዎ: ደቁ ዀይኖም ኣይቀጸሉን: ነውራማት ኢዮም።’​—⁠ዘዳግም 32:⁠5

ኣዳምን ሄዋንን ካብቲ ትእዛዝ ኣምላኽ ዝጠሓሱሉ ግዜ ኣትሒዙ ኣካሎምን ኣእምሮኦምን እናኣንቈልቈለ ኸደ። ናይ ህይወት ፈልፋሊ ኣብ የሆዋ ኢዩ ዘሎ። (መዝሙር 36:⁠9) ስለዚ እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ካብ የሆዋ ስለ እተፈልዩ ዘይፍጹማት ኰኑ: ኣብ መወዳእታ ድማ ሞቱ። (ዘፍጥረት 3:⁠19) ብመሰረት ናይ ውርሻ ሕጊ ድማ ውሉዳት ካብ ወለዲ ኢዮም ዝወርሱ። እቶም ቀዳሞት ወለዲኸ እንታይ ውርሻ ኢዮም ዘመሓላለፉልና፧ ዘይፍጽምናን ሞትን ኢዮም ኣውሪሶምና። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ [ኣዳም] ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ: ብሓጢኣትውን ሞት: ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ: ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓለፈ’ ዝበለ።​—⁠ሮሜ 5:⁠12

ሉዓላውነት​—⁠እቲ ቐንዲ ጕዳይ

ኣዳምን ሄዋንን ካብ ኣምላኽ ምስ ዓለዉ ንሉዓላውነቱ ማለት ነቲ ንኽገዝእ ዘለዎ መሰል በዲሆምዎ ኢዮም። የሆዋ ንዕኦም ኣጥፊኡ ካልኦት ሰብኣይን ሰበይትን ክፈጥር ይኽእል ነይሩ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ነቲ ንደቅ​ሰብ ዝጠቕሞም ዝበለጸ ምምሕዳር ናይ መን ኢዩ ዝብል ሕቶ መልሲ ኣይኰኖን ኢዩ። ደቅሰብ ከም ድላዮም ንኽነብሩ ግዜ ምስ ዝወሃቦም ግን: ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ዕዉታት ክዀኑ ዝኽእሉ እንተ ዀይኖም ወይ እንተ ዘይኰይኖም ብንጹር ይርአ።

ዝሓለፈ ኣሽሓት ዓመታት ንታሪኽ ወድሰብ ምልስ ኢልና ኽንሪኦ ኸሎና እንታይ ኢዩ ዝሕብረና፧ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ደቅሰብ እተፈላለየ ዓይነት ማሕበራዊ: ቍጠባዊ: ፖለቲካዊ: ከምኡውን ሃይማኖታዊ ስርዓታት ካብ ምፍታን ዓዲ ኣይወዓሉን። እከይን ስቓይን ግን ኣየቋረጸን። አረ ሕሉፍ ሓሊፉስ ብፍላይ ኣብዚ ግዜና ‘እቶም እኩያት ሰባት ናብ ዝገደደ ኢዮም ዝበጽሑ ዘለዉ።’​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠13

ኣብ መበል 20 ዘመን ደቅሰብ ኣብ ዝለዓለ ስነ⁠-​ፍልጠታውን ኢንዱስትርያውን ጽፍሒ በጺሖም ኢዮም። እንተ​ዀነ ግን ኣብዚ ዘመን እዚ እውን ኢዩ ካብ ብምሉኡ ታሪኽ ደቅሰብ ዝኸፍአ ስቓይ ዘጋጠመ። ሰባት ኣብ ሕክምናዊ መዳይ ሽሕ ሳዕ ብስልጣነ እኳ እንተ ተወንጨፉ: ካብቲ ምንጪ ህይወት ዝዀነ ኣምላኽ ተፈልዮም ስለ ዘለዉ ይሓሙ: ይኣርጉ: ከምኡውን ይሞቱ ኢዮም። ሰብ ‘ስጓሜኡ ከቕንዕ’ ከም ዘይክእል ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ንጹር ዝዀነ!

ሉዓላውነት ኣምላኽ ተረጋጊጹ

ሰባት ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ኣሳልጦ ኸም ዘይረኽቡ በቲ ዘምጽኣሎም ዘሰቅቕ ሳዕቤን ሓንሳእን ንሓዋሩን ተረጋጊጹ ኢዩ። ኣምላኻዊ ምምሕዳር ጥራይ ኢዩ ሓጐስ: ሓድነት: ጥዕና: ከምኡውን ህይወት ከምጽእ ዝኽእል። ኣብ ርእሲ እዚውን እቲ ፍጹም ዝዀነ ቓል የሆዋ ኣምላኽ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ: ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ናይቲ ደቅሰብ ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ዝገዝኡሉ እዋን ንነብር ከም ዘሎና ኢዩ ዝገልጸልና። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-5) የሆዋ እቲ ደቅሰብ ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ዝገዝእሉ ዅነታት ንኽቕጽል ከምኡውን እከይን ስቓይን ንኽህሉ ዝፈቐዶ ግዜ ክውዳእ ቀሪቡ ኢዩ።

ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብ ጕዳያት ደቅሰብ ጣልቃ ኽኣቱ ኢዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ከምዚ ይብለና:- “ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም [ሕጂ ዘሎ ሰብኣዊ ምምሕዳር] ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን: ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን [ደቅሰብ ደጊም ንምድሪ ኣይከመሓድርዋን ኢዮም] መንግስቲ [ኣብ ሰማይ] ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን [ሕጂ ንዘሎ ምምሕዳራት] ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።”​—⁠ዳንኤል 2:⁠44

እቲ ብሰማያዊት መንግስቲ ኣቢሉ ዝፍጸም ምርግጋጽ ሉዓላውነት የሆዋ ኣምላኽ ቀንዲ መልእኽቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። የሱስ ዝህቦ ዝነበረ ትምህርትታት ብቐዳምነት ኣብዚ ዘተኰረ ኢዩ ነይሩ። ከምዚ በለ:- “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።”​—⁠ማቴዎስ 24:⁠14

ኣምላኻዊ ምምሕዳር ንሰብኣዊ ምምሕዳር ክትክኦ ኸሎ መን ኢዩ ብህይወት ክተርፍ: መንከ ኢዩ ኽጠፍእ፧ ኣብ ምሳሌ 2:⁠21, 22 ከምዚ ዝብል መረጋገጺ ተዋሂቡና ኣሎ:- “እቶም ቅኑዓት [እቶም ንኣምላኻዊ ምምሕዳር ዝቕበሉ] ኣብ ምድሪ እዮም ዚነብሩ: እቶም ፍጹማት ከኣ ኣብኣ እዮም ዚተርፉ: . . . ረሲኣን [እቶም ንኣምላኻዊ ምምሕዳር ዘይቅበሉ] ግና ካብ ምድሪ ኺጸንቱ . . . እዮም።” እቲ መለኮታዊ ድራኸ ዝነበሮ ጸሓፍ መዝሙር እውን ከምዚ ኢሉ ዘመረ:- “ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን: . . . ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ። ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።”​—⁠መዝሙር 37:⁠10, 11, 29

እተደንቕ ሓዳስ ዓለም

እቶም እዚ ኣገባብ እዚ ኽጠፍእ ከሎ ዝድሕኑ ሰባት ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር መንግስቲ ኣምላኽ ናብ እከይን ስቓይን ዘይብላ ምድሪ ኽኣትዉ ኢዮም። ደቅሰብ ካብ ኣምላኽ መምርሒ ኽወሃቦም ኢዩ: ድሕሪ ግዜ ድማ “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ: ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ።” (ኢሳይያስ 11:⁠9) እዚ ሃናጽን ጠቓምን ትምህርቲ ንሰብኣዊ ሕብረተሰብ ናይ ሓቂ ሰላማውያንን ስኒት ዘለዎምን ክገብሮም ኢዩ። ስለዚ ውግእ: ቅትለት: ዓመጽ: ምግሳስ: ስርቂ: ወይ ዝዀነ ይኹን ካልእ ገበን ኣይክህሉን ኢዩ።

እቶም ኣምላኽ ኣብ ዘመሓድራ ሓዳስ ዓለም ዝነብሩ እዙዛት ደቅሰብ ብስጋዊ መዳይ ክጥቀሙ ኢዮም። ካብ ኣምላኽ ምዕላው ዘስዓቦ ዅሉ ሕማቕ ሳዕቤናት ክውገድ ኢዩ። ዘይፍጽምና: ሕማም: እርጋን: ከምኡውን ሞት ነበረ ዀይኑ ኽተርፍ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ካብቶም ኣብኣ ዚነብሩስ ሓደ እኳ: ሕማቕ እየ: ኣይብልን” ብምባል የረጋግጸልና ኢዩ። ብተወሳኺውን ቅዱሳት ጽሑፋት “ሽዑ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ: ኣእዛን ጸማማት ጋህ ኪብላ እየን። ሽዑ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርር: ልሳን እቲ ዓባስ ከኣ እልል ኪብል” ምዃኑ ይመባጻዕ ኢዩ። (ኢሳይያስ 33:⁠24፣ 35:⁠5, 6) ንዘለኣለም ምሉእ ጥዕና ምርካብስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ክኸውን ኢዩ!

እቶም ኣብ ሓዳስ ዓለም ዝነብሩ ሰባት ኣብ ትሕቲ ፍቕራዊ መሪሕነት ኣምላኽ ኰይኖም ንጉልበቶምን ክእለቶምን ንምልእታ ምድሪ ገነት ንምግባር ክጥቀሙሉ ኢዮም። ትንቢት ኢሳይያስ “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም: ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ: ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም። . . . ካልኦት ዚነብሩሉ ኣባይቲ ኣይኪሰርሑን: ካልኦት ፍሬኡ ዚበልዕዎ ኸኣ ኣይኪተኽሉን እዮም” ስለ ዝብል ድኽነት: ጥሜት: ከምኡውን ብዘይ​መዕቈቢ ምትራፍ ንሓዋሩ ክጠፍእ ኢዩ። (ኢሳይያስ 65:⁠21, 22) እወ: “ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ: ዜፍርሆም ከኣ የልቦን።”​—⁠ሚክያስ 4:⁠4

ምድሪ እውን ኣምላኽን እዙዛት ደቅ​ሰብን ክንክን ስለ ዝገብሩላ ኽትቅየር ኢያ። ቅዱሳት ጽሑፋት ከምዚ ዝስዕብ ብምባል መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ:- “በረኻን ምድሪ ኣጻምእን ኪሕጐሱ: ምድረ በዳ ኸኣ እልል ኪብል: ከም ጽጌረዳ ድማ ኪዕምብብ ኢዩ። . . . ማያት ኣብ በረኻ: ወሓይዝ ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኺፍልፍል እዩ።” (ኢሳይያስ 35:⁠1, 6) “ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር: ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን [ኢዩ]።”​—⁠መዝሙር 72:⁠16

እቶም ሞይቶም ዘለዉ ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ሰባትከ እንታይ ተስፋ ኣለዎም፧ ‘ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ስለ ዝህሉ’ እቶም ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ዘለዉ እንደገና ህያዋን ክዀኑ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 24:⁠15) እወ: ምዉታት እንደገና ህያዋን ክዀኑ ኢዮም። ብዛዕባ ምምሕዳር ኣምላኽ ዘደንቕ ሓቅታት ክማሃሩ ኢዮም: ኣብ ገነት ንዘለኣለም ክነብሩ ድማ ኣጋጣሚ ክኽፈተሎም ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 5:⁠28, 29

በዚ ኸምዚ የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ንኣሽሓት ዓመታት ንደቅ​ሰብ ባርያ ዝገበሮም ስቓይ: ሕማም: ከምኡውን ሞት ከወግዶ ኢዩ። ሕማም ዝበሃል ኣይክህሉን ኢዩ! ስንክልና ዝበሃል ኣይክህሉን ኢዩ! ሞት እውን ኣይክህሉን ኢዩ! “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ [ክሓልፍ] እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።”​—⁠ራእይ 21:⁠3, 4

ኣምላኽ በዚ ኸምዚ ንስቓይ ከወግዶ ኢዩ። ነዛ ብልሽውቲ ዓለም ክድምስሳ: “ጽድቂ ዚነብረሉ” ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ ኣገባብ እውን ከምጽእ ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:⁠13) ኣየ ከመይ ዝበለ ብስራት ኰን ኢዩ! እታ ሓዳስ ዓለም ብህጹጽ ክትመጸልና ኢና እንደሊ። ነዊሕ ድማ ኣይክንጽበን ኢና። ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ፍጻሜኡ ኽረክብ ንርኢ ስለ ዘሎና ሓዳስ ዓለም ኣብ ድርኵኺት በጺሓ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና: ኣምላኽ ስቓይ ንኽህሉ ዘፍቀደሉ እዋን ድማ ክውዳእ ቀሪቡ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠3-14

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሳጹን]

ኣብ ምምሕዳር ደቅሰብ እተራእየ ፍሽለት

ቻንስለር ጀርመን ዝነበረ ሄልሙት ሽሚት ብዛዕባ ምምሕዳር ደቅሰብ ከምዚ በለ:- “ንሕና ሰባት . . . ወትሩ ንዓለም ምሉእ ብምሉእ ኣይንገዝኣን ኢና: መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣገዛዝኣና ኣዝዩ ኽፉእ ኢዩ። . . . ምሉእ ብምሉእ ብሰላም ዝመራሕናሉ እዋን የለን።” ሂዩማን ደቨሎፕመንት ሪፖርት 1999 (እንግሊዝኛ) ከምዚ ትብል:- “ኵለን ሃገራት ማሕበራዊ ዘይምርግጋእ: እናበዝሐ ዝኸይድ ገበን: ከምኡውን ኣብ ቤት ዘጋጥም እናወሰኸ ዝኸይድ ዓመጽ ንማሕበራዊ ስርዓት የዕንዎ ኸም ዘሎ ኢየን ጸብጻብ ዝህባ። . . . ዓለምለኻዊ ሽግራት እናገደደ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ፣ ሃገራት ንዕኡ ንምዕጋት ዓቕሚ ይውሕደን ኣሎ ከመይሲ ዓለምለኻዊ ስጕምቲ ገና ኸይተወስደ ኸሎ ኢዩ እዚ ሽግራት ዘስፋሕፍሕ ዘሎ።”

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Third from top, mother and child: FAO photo/B. Imevbore; bottom, explosion: U.S. National Archives photo

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

“ብብዝሒ ሰላም . . . ደስ ኪብሎም እዩ።”​—⁠መዝሙር 37:⁠11