ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ዕለታትና ብጥበብ ክበዝሓ ኢየን’

‘ዕለታትና ብጥበብ ክበዝሓ ኢየን’

‘ዕለታትና ብጥበብ ክበዝሓ ኢየን’

 ኣብ ግዜ ጸገማ ጥበብ ኣድላዪ ምዃኑ መን ኢዩ ክኽሕዶ ዝኽእል፧ ናይ ሓቂ ጥበብ ንፍልጠትን እኹል ምርዳእን ብግቡእ ኣብ ጥቕሚ ናይ ምውዓል ክእለት ኢዩ። ዓሻ: ደንቆሮ ዘይምዃን ማለት ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ቅዱሳት ጽሑፋት ጥበብ ከነጥሪ ዝምዕደና። (ምሳሌ 4:⁠7) አረ እቲ ቐንዲ ዕላማ ናይታ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ምሳሌስ ጥበብን ተግሳጽን ንምሃብ ኢዩ። እተን ናይ መኽፈቲ ቓላት ከምዚ ዝስዕብ ይብላ:- “ምስላታት ሰሎሞን: ወዲ ዳዊት ንጉስ እስራኤል: ጥበብን ተግሳጽን ንምፍላጥ።”​—⁠ምሳሌ 1:⁠1, 2

እስከ ንገለ ኻብቲ ጠቓሚ ትምህርትታት ናይተን ቀዳሞት ሒደት ምዕራፋት መጽሓፍ ምሳሌ ንዳህስስ። ሰሎሞን ከም ሓደ ንውሉዱ ዝላበዎ ፈቃር ኣቦ ንኣንበብቱ ተግሳጽ ክቕበሉን ናብ ጥበብ ከቕልቡን ይምሕጸኖም። (ምዕራፍ 1 ከምኡውን 2) ምስ የሆዋ ብኸመይ ጥብቂ ርክብ ከም እነማዕብልን ንልብና ብኸመይ ከም እንሕልዎን ይሕብረና። (ምዕራፍ 3 ከምኡውን 4) ስነ-​ምግባራዊ ንጽህናና ክንሕሉ ተማዒድና ኣሎና። (ምዕራፍ 5 ከምኡውን 6) እወ: ምስ ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ሰብ እንተ​ድኣ ተጸጋጊዕና ምንም ረብሓ ኸም ዘይንረክብ ተገሊጹ ኣሎ። (ምዕራፍ 7) እቲ ጥበብ ብመሰሌታ ኣካል ኰይና ዝገበረቶ ጻውዒት ንዅሉ ሰብ ከገድሶ ዘለዎ ኸመይ ዝበለ መልእኽቲ ዀን ኢዩ! (ምዕራፍ 8) ንጉስ ሰሎሞን ቀጺሉ ናብተን ሕጽር ሕጽር ዝበለ ምሳሌታት ዝሓዛ ምዕራፋት ቀቅድሚ ምሕላፉ: ናይቲ ድሮ ኣቕሪብዎ ዘሎ ሓሳባት ድግማ ይህብ።​—⁠ምዕራፍ 9

‘ንዑ: እንጌራይ ብልዑ: ወይነይ ስተዩ’

እዛ መዛዘሚት ናይቲ ቐዳማይ ክፍሊ መጽሓፍ ምሳሌ ዝዀነት ምዕራፍ ነቲ ድሮ ዝቐረበ ምኽሪ ንምድጋም ተባሂሉ እተዳለወ ዘሰልኪ ትሕዝቶ ዘለዋ ኣይኰነትን። ኣብ ክንድኡስ ኣንባባይ ጥበብ ንኽስዕብ ብዝድረኸሉ ዘሐጕስን ዝምስጥን መገዲ ኢያ ተዳልያ ዘላ።

እታ ታሽዓይቲ ምዕራፍ ናይታ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ምሳሌ በተን “ጥበብ ቤታ ሀነጸት: ሾብዓተ ኣዕኑዳ ጸረበት ” ዝብላ ቓላት ኢያ እትጅምር። (ምሳሌ 9:⁠1) ሓደ ምሁር ብዝሃቦ ርእይቶ መሰረት እቲ ‘ሾብዓተ ኣዕኑድ’ ዝብል ስያመ “ንሓደ ኣብ ውሽጢ ኣጸድ እተሃንጸ ኣደራሽ ዝሕብር ኢዩ: እቲ ህንጻ በቲ ብኽልቲኡ ወገኑ ዝቘመ ሰሰለስተ ኣዕኑድ ከምኡውን በቲ ኣብቲ ፊት ንፊት እቲ መእተዊ ዝርከብ ወገን ዝቘመ ዓንዲ እተደገፈ ኢዩ።” እቲ ይኹን እቲ ብዘየገድስ ግን ናይ ሓቂ ጥበብ ብዙሓት ኣጋይሽ ንምእንጋድ ጽኑዕ ቤት ሃኒጻ ትርከብ።

ኵሉ ነገር ንድግስ ተዳልዩ ኢዩ ዘሎ። ስጋን ወይንን ኣሎ። ጥበብ ውራየይ ኢላ ኢያ መግቢ ንምስንዳእን መኣዲ ንምስራዕን ተተሓሒዛቶ። “ሰባብሕታ ሐረደት: ወይና ዘለለት: መኣዳውን ኣሰናደወት። ” (ምሳሌ 9:⁠2) ኣብዚ ምሳልያዊ መኣዲ እዚ ነእምሮና ዘስንቕ ፍልጠት እተቐረበ ኢዩ ዝመስል።​—⁠ኢሳይያስ 55:⁠1, 2

ናብቲ ብናይ ሓቂ ጥበብ ተዳልዩ ዘሎ ድግስ ዝዕደሙ መን ኢዮም፧ “ኣግራዳ ለአኸት: ኣብቲ ኣዝዩ ዝበረኸ ስፍራ ኸተማ ዀይና ትጽውዕ አላ: ዘይለበመ እንተሎ: ናብዚ ይምጻእ። ነቶም ኣእምሮ ዜብሎምውን ከምዚ ትብሎም አላ፤ ንዑ: እንጌራይ ብልዑ: ዝዘለልክዎ ወይነይ ስተዩ። ብህይወት ክትነብሩስ ዕሽነት ሕደጉ: ብመገዲ ምስትውዓል ከኣ ተመላለሱ። ”​—⁠ምሳሌ 9:⁠3-6

ጥበብ ጻውዒት ንኽገብራ ኢያ ነግራዳ እትልእኸን ዘላ። ንሳተን ድማ ናብቲ ብዙሓት ሰባት ክረኽባሉ ዝኽእላ ኣደባባያት ኢየን ከይደን። ኵሎም እቶም ‘ኣእምሮ ዘይብሎም’ ወይ ከኣ ምስትውዓል ዝጐደሎም ከምኡውን ዘይለበሙ ተዓዲሞም ኢዮም። (ምሳሌ 9:⁠4) ህይወት ናይ ምርካብ መብጽዓ ድማ ኣለዎም። እቲ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ብሓፈሽኡ ኸኣ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ጥበብ ብርግጽ ዳርጋ ዝዀነ ይኹን ሰብ ክረኽቦ ይኽእል ኢዩ። ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ልኡኻት ናይ ሓቂ ጥበብ መጠን ሰባት ኣብ ዘለውሉ ዅሉ እናኸዱ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽማሃሩ ኣብ ምዕዳም ትሑዛት ኢዮም ዘለዉ። ከምዚ ዝበለ ፍልጠት ምስናቕ ድማ ብርግጽ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ክመርሕ ይኽእል ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 17:⁠3

ክርስትያናት ነቲ ኻብ ጥበብ ዝወሃቦም ተግሳጽ ብትሕትና ክቕበልዎ ይግባእ። ብፍላይ መንእሰያት ከምኡውን እቶም ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ የሆዋ ክማሃሩ ዝጀመሩ ሰባት ነዚ ከቕልብሉ ኣለዎም፣ ከመይሲ ብመገድታት ኣምላኽ ምምልላስ ዝመጸ ዘለዎም ተመክሮ ውሱን ስለ ዝዀነ ‘ዘይለበሙ’ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ከምዚ ኽንብል ከሎና ግን ኵሉ ድራኸታቶም ሕማቕ ኢዩ ማለትና ኣይኰነን: ኣብ ክንድኡስ ኣልባቦም ንየሆዋ ኣምላኽ ባህ ዘብል ንምግባሩ ግዜን ጻዕርን ዝሓትት ኢዩ። እዚ ኸኣ ንሓሳባትካ: ድሌታትካ: ባህግታትካ: ዊንታኻ: ከምኡውን ሸቶታትካ ምስቲ ኣምላኽ ዝሰምሮ ምስምምዑ ማለት ኢዩ። እዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ነቲ ‘ሕዋስ ዘይብሉ መንፈሳዊ ጸባ ክብህግዎ’ ክንደይ ኰን ኣድላዪ ኢዩ!​—⁠1 ጴጥሮስ 2:⁠2

ከም ሓቁ ክንርእዮ እንተ​ድኣ ዄንና ግን ክንዮ እቲ “ናይ መጀመርታ ትምህርቲ” ክንቅጽል ዘሎናስ ኵላትናዶ ኸይኰንና፧ እወ: ኣብ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ተገዳስነት ከነሕድር ከምኡውን ካብቲ ብጹሓት ሰባት ዝምገብዎ ዕጹም መግቢ ኽንዕንገል የድልየና ኢዩ። (እብራውያን 5:⁠12–​6:⁠1፣ 1 ቈረንቶስ 2:⁠10) እቲ ብቐጥታ ኣብ ትሕቲ የሱስ ክርስቶስ ኰይኑ ዝዓዪ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ንዅሉ ሰብ ዝኸውን እዋናዊ መንፈሳዊ መግቢ ንምቕራብ ብዙሕ ኢዩ ዝጽዕት። (ማቴዎስ 24:⁠45-​47) ቃል ኣምላኽን ብኽፍሊ እቲ ባርያ ዝዳሎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ህርኵታት ኴንና ብምጽናዕ ነቲ ኣብ መኣዲ ጥበብ ዝድገሰልና ስቡሕ መግቢ ነስተማቕር።

“ንመላገጺ ኣይትገስጾ

እቲ ኻብ ጥበብ ዝርከብ ትምህርቲ ተግሳጽን መግናሕትን ዘጠቓልል ኢዩ። ነዚ ናይ ጥበብ መዳይ እዚ ዅሉ ሰብ ኣይኰነን ኣሜን ኢሉ ዝቕበሎ። ስለዚ ኸኣ ኢያ እታ መዛዘሚት ቀዳማይ ክፋል መጽሓፍ ምሳሌ ከምዚ ዝስዕብ መጠንቀቕታ እትህብ:- “ንመላገጺ ዚምዕድ ንርእሱ ጸርፊ ይቕበል: ንረሲእ ዚግስጽ ከኣ ነውሪ ይመጾ። ምእንቲ ኸይጸልኣካስ: ንመላገጺ ኣይትገስጾ። ”​—⁠ምሳሌ 9:⁠7, 8ሀ

ሓደ መላገጺ ሰብ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣካይድኡ ንኸቕንዕ ክሕግዞ ዝፍትን ሰብ ቂምን ጽልእን ኢዩ ዘሕድር። ቄናን ሰብ ነቲ መግናሕቲ ዘለዎ ረብሓ ኣይግንዘቦን ኢዩ። ንሓደ መገዲ ሓቂ ዝጸልእ ወይ ድማ ከላግጸሉ ጥራይ ዝደሊ ሰብ ነቲ ኽቡር ናይ ቃል ኣምላኽ ሓቂ ኽትምህሮ ምህቃንስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዘይጥበባዊ ስጕምቲ ዀን ኢዩ! ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣንጾክያ ክሰብኽ ከሎ: ፍቕሪ ሓቂ ዘይነበሮም ጕጅለ ኣይሁዳውያን ኣጓኒፎምዎ ነበሩ። ኣብ ጸርፊ ዝመልኦ ክትዕ ከእትውዎ ምስ ሃቀኑ ኸኣ “[ንቓል ኣምላኽ] ካብ ደፋእኩምዎን: ንናይ ዘለኣለም ህይወት ብቑዓት ከም ዘይኰንኩምን ከኣ: ብርእስኹም ካብ ፈረድኩምንከ: . . . ገጽና ናብ ኣህዛብ ንመልስ አሎና” በሎም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 13:⁠45, 46

ንቕኑዓት ሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኸነብጽሓሎም ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ: ምስ መላገጽቲ ኣብ ክትዕን ክርክርን ንኸይንጽመድ ክንጥንቀቕ የድልየና። የሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዚ ዝስዕብ ዝብል መምርሒ ሃቦም:- “ናብ ቤት ምስ አቶኹም: ሰላም በሉ። እታ ቤት ነዚ እትበቅዕ እንተ ዀይና: ሰላምኩም ይሕደራ። ዘይትበቅዕ እንተ ዀነት ግና: ሰላምኩም ናባኻትኩም ይመለስ። እንተ ዘይተቐበሉኹም ድማ: ወይስ ቃልኩም እንተ ዘይሰምዑ: ካብታ ቤት እቲኣ ወይ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወጺእኩም: ተጐጓ ኣእጋርኩም ንገፉ።”​—⁠ማቴዎስ 10:⁠12-​14

ጥበበኛ ሰብ ግን ካብቲ ናይ መላገጺ ሰብ ብእተፈልየ መገዲ ኢዩ ንመግናሕቲ ዝቕበሎ። ሰሎሞን ከምዚ ዝስዕብ ይብል:- “ንጠቢብ ገስጾ እሞ ኬፍቅረካ እዩ። ንጠቢብ ትምህርቲ ሀቦ እሞ ወሲኹ ኺጠብብ። ” (ምሳሌ 9:⁠8ለ, 9ሀ) ጥበበኛ ሰብ ‘ቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜኡ ንጓሂ እምበር: ንሓጐስ ከም ዝኸውን ዘይመስል ምዃኑ: ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ ኸም ዝፈሪ’ ይፈልጥ ኢዩ። (እብራውያን 12:⁠11) ምንም እኳ እቲ ዝወሃብ ማዕዳ ጐዳኢ ዝመስል እንተ​ዀነ: እቲ ምኽሪ ዝያዳ ጥበበኛታት ከም እንኸውን ዝገብረና እንተ​ድኣ ዀይኑ ንኸይንቕበሎ ዓጸፌታኡ እንምልሰሉ ወይ ከኣ ምስምስ እነቕርበሉ ምኽንያት ድኣ እንታይ ኢዩ፧

እቲ ጥበበኛ ንጉስ “ንጻድቕ ምሀሮ እሞ ፍልጠት ኪውስኽ እዩ ” ብምባል ይቕጽል (ምሳሌ 9:9ለ) ትምህርቲ ንኸይወስድ እኹል ጥበብ ኣለዎ ወይ ከኣ ዕድሚኡ ሓሊፍዎ ኢዩ ዝበሃለሉ ሰብ ከቶ የልቦን። እቶም ኣብ እርግናኦም ዝርከቡ ሰባትውን ሓቂ ተቐቢሎም ህይወቶም ንየሆዋ ክውፍዩ ኸለዉ ምርኣይስ ክንደይ ኰን ዘሐጕስ ኢዩ! ንሕናውን ነቲ ንኽንማሃር ይኹን ኣእምሮና ከነንቅሕ ዘሎና ድሌት ንምዕቃብ ንጽዓር።

“ዓመታት ዕድሜኻውን ኪውሰኻልካ እየን

ሰሎሞን ነዚ መዛረቢ ዀይኑ ዘሎ ቐንዲ ነጥቢ ብምጕላሕ ብዛዕባ እቲ ጥበብ ንምጥራይ ኣድላዪ ዝዀነ ጕዳይ ኸምዚ ዝስዕብ ብምባል ጽሒፉ ኣሎ:- “መጀመርታ ጥበብ ንእግዚኣብሄር ምፍራህ እዩ: ነቲ ቅዱስ ምፍላጥ ከኣ ምስትውዓል እዩ። ” (ምሳሌ 9:⁠10) ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ዓሚቝ ኣኽብሮታዊ ፍርሂ ከየርኣኻ ኣምላኻዊ ጥበብ ምጥራይ ኣይከኣልን ኢዩ። ሓደ ሰብ እኹል ፍልጠት ሃልይዎ ኸብቅዕ ፍርሃት የሆዋ ዘይብሉ እንተ​ድኣ ዀይኑ ግን: ነቲ ፍልጠቱ ንፈጣሪ ብዘኽብር መገዲ ከይተጠቕመሉ ኽተርፍ ኢዩ። ብዕሽነትውን ካብቲ ፍልጠቱ ግጉይ ዝዀነ ውሳነታት ክገብር ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ነቲ ቐንዲ መለለዪ ጥበብ ዝዀነ ናይ ምርዳእ ክእለት ንምጥራይ ብዛዕባ እቲ ኣዝዩ ዝለዓለ ቕድስና ዘለዎ የሆዋ ፍልጠት ምቕሳም ኣድላዪ ኢዩ።

ጥበብ እንታይ ኢዩ ዘፍሪ፧ (ምሳሌ 8:⁠12-​21, 35) እቲ ንጉስ እስራኤል “ዕለታትካ ብአይ እየን ዚበዝሓ: ዓመታት ዕድሜኻውን ኪውሰኻልካ እየን ” ብምባል ይገልጽ። (ምሳሌ 9:⁠11) ምንዋሕ መዓልትታትን ዓመታት ህይወትን ምስ ጥበብ ዝተሓሓዝ ጕዳይ ኢዩ። እወ: “ጥበብ ንመጥረዪኣ ብህይወት ምንባር እዩ።”​—⁠መክብብ 7:​12

ጥበብ ንምጥራይ ጻዕሪ ምግባር ብሕታዊ ሓላፍነትና ኢዩ። ሰሎሞን ነዚ ሓቂ እዚ ንምጕላሕ “ጥበበኛ እንተ ዀንካ: ንርእስኻ ትጠብብ: መላገጺ እንተ ዀንካ: በይንኻ ኢኻ እትስከሞ ” ዝብል ሓሳብ ሂቡ ኣሎ። (ምሳሌ 9:⁠12) ሓደ ሰብ ጥበበኛ ዝኸውን ንረብሕኡ ኢዩ: እቲ መላገጺ ግን ኣብ ገዛእ ርእሱ መከራ የምጽእ። ብርግጽ ነቲ ንዘርኦ ኢና ንዓጽዶ። ሃየ እምበኣር ‘ናብ ጥበብ ነቕልብ።’​—⁠ምሳሌ 2:⁠2

“ዓሻ ሰበይቲ ህውከተኛ እያ”

ሰሎሞን ቀጺሉ እናነጻጸረ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ዓሻ ሰበይቲ ህውከተኛ እያ። ዘይለባም ገለ እኳ ዘይትፈልጥ እያ። ነቶም ኣቕኒዖም ዚኸዱ ሓለፍቲ መገዲ፣ ዘይለባም እንተሎ ናብዚ የግልስ: ኢላ ኽትጽውዖምሲ: ኣብ ደገ ቤታን ኣብ በሪኽ ስፍራ ኸተማን ኣብ መንበር ትቕመጥ። ”​—⁠ምሳሌ 9:⁠13-​16ሀ

ዕሽነት ብሓንቲ ለፍላፊትን ሕፍረት ዘይብላን ኣብድን ጓል ኣንስተይቲ ኢያ ተገሊጻ ዘላ። ንሳውን ቤት ሃኒጻ ኢያ። ኣብ ርእሲኡ ኸኣ ነቶም ዓያሱ ዘበሉ ጻውዒት ምግባር ስርሐይ ኢላ ተተሓሒዛቶ ኢያ። ስለዚ እቶም ሓለፍቲ መገዲ ምርጫ ኣለዎም። ነቲ ጥበብ እትገብረሎም ዕድመ ድዮም ክቕበሉ ወይስ ነቲ ናይ ዕሽነት፧

“ናይ ስርቂ ማይ ጥዑም እዩ”

ጥበብን ዕሽነትን ንሰማዕተን ‘ናብአን ከላግሱ’ ኢየን ዝዕድማኦም። እቲ ጻውዒት ግን እተፈላለየ ኢዩ። ጥበብ ንሰባት ናብቲ ወይንን ስጋን እንጌራን ዘለዎ ድግስ ኢያ እትዕድሞም። እቲ ዕሽነት ንሰባት ክትማርኽ ኢላ እተቕርቦ ዕድመ ነቲ ሓንቲ ብዕልግቲ ጓል ኣንስተይቲ እትጥቀመሉ ሜላታት ኢዩ ዘዘኻኽረና። ሰሎሞን ከምዚ ዝስዕብ ይብል:- “ነቲ ኣእምሮ ዜብሉ ኸኣ፤ ናይ ስርቂ ማይ ጥዑም እዩ: ብሕቡእ ዚብላዕ እንጌራ ኸኣ ባህ የብል እዩ: ትብሎ። ”​—⁠ምሳሌ 9:⁠16ለ, 17

“ዓሻ ሰበይቲ” ኣብ ክንዲ እተዘለለ ወይኒ: ማይ ስርቂ ኢያ እትቕርብ። (ምሳሌ 9:⁠13) ቅዱሳት ጽሑፋት ምስ ፍቕርቲ በዓልቲ ቤትካ ብጾታዊ ርክብ ምሕጓስ ምስ ዝሑል ማይ ሰቲኻ ምርዋይ ኢዩ ዘመሳስሎ። (ምሳሌ 5:⁠15-​17) ስለዚ ማይ ስርቂ ነቲ ብሕቡእ ዝፍጸም ብዕሉግ ጾታዊ ርክብ ዘመልክት ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ማይ ካብ ወይኒ ንላዕሊ ዝምቅር መሲሉ ብዝርኣየሉ መገዲ ኢዩ ዝቐርብ: ከመይሲ ናይ ስርቂ ስለ ዝዀነ ዝኽሻሕ ኣይመስልን ኢዩ። እቲ ናይ ሕቡእ እንጌራ ብዘይ​ቅኑዕ መገዲ ስለ እተረኽበ: ካብቲ ብጥበብ ዝቕረብ እንጌራን ስጋን ዝያዳ ምቁር መሲሉ ኸም ዝርአ ገይርካ ኢዩ ዝዳሎ። ንኽልኩልን ብሕቡእ ንዝግበርን ነገር ማራኺ ገይርካ ምርኣዩ ምልክት ዕሽነት ኢዩ።

እቲ ጥበብ እተቕርቦ ዕድመ መብጽዓ ህይወት ዘጠቓልል ክኸውን ከሎ: እቲ ናይታ ዓሻ ሰበይቲ ዕድመ ግን ነቲ ብመገዳ ብምምልላስ ክመጽእ ዝኽእል ሳዕቤን ኣይጠቅስን ኢዩ። ይኹን እምበር ሰሎሞን “ንሱ . . . ምዉታት አብኡ ኸም ዘለዉ ዕዱማታውን ኣብ መዓሙቝ ሲኦል ከም ዘለዉ: ኣይፈልጥን እዩ ” ብምባል መጠንቀቕታ ይህብ። (ምሳሌ 9:⁠18) ሓደ ምሁር “እቲ ቤት [ናይታ ዓሻ ሰበይቲ] ሰብ ዝቕመጠሉ ገዛ ዘይኰነስ መካነ መቓብር ኢዩ” ብምባል ኣብ ጽሑፉ ይገልጽ። “እንተ​ድኣ ኣቲኻ ብህይወት ኣይትምለስን ኢኻ።” ብዘይ​ስነ-ምግባራዊ ናብራ ምምልላስ ጥበባዊ ኣይኰነን፣ መገዲ ሞት ኢዩ።

የሱስ ክርስቶስ ከምዚ በለ:- “እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ: መገዳውን ገፋሕ እያ: እቶም ብእኣ ዚአትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ: መገዳውን ቀጣን እያ: እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም እሞ: በታ ጸባብ ደገ እተዉ።” (ማቴዎስ 7:⁠13, 14) ወትሩ ኣብ መኣዲ ጥበብ እናተመገብና ኣብ መንጎ እቶም ብመገዲ ህይወት ዝጐዓዙ ዘለዉ ንኹን።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ጥበበኛ ሰብ ምኽሪ ይቕበል

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ጥበብ ምጥራይ ብሕታዊ ሓላፍነት ኢዩ