ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንፈሳዊ ጽምኡ ረወየ

መንፈሳዊ ጽምኡ ረወየ

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ

መንፈሳዊ ጽምኡ ረወየ

 ቆጵሮስ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ጫፍ ባሕሪ ሜዲተራንያን እትርከብ ደሴት ኢያ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተጻሕፈሉ እዋን ቆጵሮስ ብኣስራዝን ብሉጽ ኣእዋምን ፍልጥቲ ነበረት። ጳውሎስን በርናባስን ኣብ ቀዳማይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኦም ኣብታ ደሴት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ሰቢኾም ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 13:⁠4-12) ሎሚ እውን እንተ​ዀነ እቲ ብስራት ኣብ ናብራ ቆጵሮሳውያን ኣወንታዊ ጽልዋ የሕድር ኣሎ። ነቲ ኣብ 40ታት ዓመት ዕድሜኡ ዝርከብ ዘሎ ሉካስ ብሓቂ እዚ ኢዩ ኣጋጢምዎ። ከምዚ ብምባል ድማ ታሪኹ የዘንቱ:-

“ብመፍረ ኸብቲ ኣብ እትናበር ሸውዓተ ውሉዳት ዝርከብዋ ስድራ​ቤት ኢየ ተወሊደ። ካብ ሕጻንነተይ ኣትሒዘ ናይ ምንባብ ፍቕሪ ነበረኒ። ነታ ንእሽቶ ሕታም ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ከኣ ካብ ካልእ መጻሕፍቲ ኣብሊጸ እፈትዋ ነበርኩ። ወዲ ዓሰርተ ዓመት ከለኹ: ኣነን ኣዕሩኽተይን ተኣኻኺብና ንእሽቶ ጕጅለ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መስረትና። ይኹን እምበር: ገለ ካብቶም ኣብ ቝሸትና ዝነበሩ ዓበይቲ ሰባት ከም መናፍቓን ስለ ዝቘጸሩና እታ ጕጅለና ነዊሕ ኣይጸንሐትን።

“ድሕሪ ግዜ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እናተማሃርኩ ኸለኹ: እተፈላለየ ሃይማኖት ምስ ዝነበሮም ሰባት ተራኸብኩ። እዚ ነቲ ንመንፈሳዊ ነገራት ዝነበረኒ ባህጊ ኣጐሃሂርዎ ኢዩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዝርከብ ቤተ⁠-​መጻሕፍቲ ዀይነ እተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብ ምምርማር ሓያለይ መዓልትታት ኣሕሊፈ ኢየ። ናብ ብዙሓት ኣብያተ⁠-​ክርስትያናት እውን ከይደ ኢየ: እንተ​ዀነ ግን እዚ ዅሉ ጻዕሪ እኳ እንተ ገበርኩ ንመንፈሳዊ ነገራት ዝነበረኒ ጽምኢ ኣይረወየን።

“ትምህርተይ ምስ ወዳእኩ ናብ ቆጵሮስ ተመለስኩ እሞ ዳይረክተር ናይ ሕክምና ቤተ⁠-​ምርምር ኰይነ ኽሰርሕ ጀመርኩ። ኣንቶኒስ ዝበሃል ብዕድመ ዝደፍአ ናይ የሆዋ ምስክር ናብ ስርሐይ እናመጸ ኽበጽሓኒ ጀመረ። እንተ​ዀነ ግን: ምሳይ ርክብ ከም ዘለዎ ካብ ኣዒንቲ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን ኣይተሰወረን።

“ነዊሕ ከይጸንሐ ሓደ ናይ ሃይማኖት ምሁር ክበጽሓኒ መጸ እሞ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብሮ ዝነበርኩ ዝርርብ ከቋርጽ ሓተተኒ። ካብ ቍልዕነተይ ኣትሒዘ ሓቂ ኣብ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን ከም ዝርከብ ስለ እተማሃርኩ: ንዘረብኡ ብምስማዕ ምስ ኣንቶኒስ ዝገብሮ ዝነበርኩ ዝርርብ ኣቋሪጸ ምስቲ ናይ ሃይማኖት ምሁር ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክመያየጥ ጀመርኩ። ኣብ ቆጵሮስ ዝርከብ ሓያሎ ገዳማት እውን በጻሕኩ። ናብቲ ኣብ ናይ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ዓለም ካብ ካልእ ኣኽራናት ንላዕሊ ቕዱስ ገይርካ ዝርአ ኣብ ሰሜናዊ ግሪኽ ዝርከብ ከረን ኣቶስ እውን ከይተረፈ ከይደ ኢየ። ገና ግን መልሲ ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረኒ ሕቶታት ክረክብ ኣይከኣልኩን።

“ድሕርዚ ሓቂ ንምርካብ ምእንቲ ኽሕግዘኒ ናብ ኣምላኽ ጸለኹ። ነዊሕ ከይጸንሐ ኣንቶኒስ ኣብቲ ዝሰርሓሉ ቦታ እንደገና ኽበጽሓኒ መጸ: እዚ ድማ መልሲ ናይ ጸሎተይ ኰይኑ ተሰምዓኒ። ስለዚ ምስቲ ናይ ሃይማኖት ምሁር ዝነበረኒ ርክብ ኣቋሪጸ ምስ ኣንቶኒስ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመርኩ። ብቐጻሊ ዕቤት ድሕሪ ምግባር ኣብ ጥቅምቲ 1997 ንየሆዋ ህይወተይ ከም ዝወፈኹ ብማይ ጥምቀት ኣርኣኹ።

“በዓልቲ ቤተይን እተን ኣብቲ ግዜ እቲ ደቂ 14ን 10ን ዝነበራ ክልተ ዓበይቲ ደቀይን ኣብ መጀመርታ ተጻረራኒ። እንተ​ዀነ ግን በዓልቲ ቤተይ ንሰናይ ባህርየይ ብምርኣይ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ መጺኣ ኣኼባ ክትካፈል ወሰነት። ኣብኡ ኸኣ በቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘርኣይዋ ሕያውነትን ሓልዮትን ኣዝያ ተመሰጠት። ብፍላይ ድማ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዝጥቀሙሉ ምስ ረኣየት ብዙሕ ተገሪማ ኢያ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ በዓልቲ ቤተይን ክልተ ዓበይቲ ደቀይን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት ክግበረለን ፍቓደኛታት ኰና። ሰለስቲአን ኣብቲ “ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል” ዘርእስቱ ናይ 1999 ኣውራጃዊ ኣኼባ ክጥመቓ ኸለዋ ብምርኣየይ ኽንደይ ከም እተሓጐስኩ እሞ ገምትዎ!

“እወ: ሓቂ ንምርካብ ዝገበርክዎ ጻዕሪ ዕግበት ዝርከቦ ፍረ ረኺበሉ ኢየ። ሕጂ ምልእቲ ስድራ​ቤትና ማለት በዓልቲ ቤተይን ኣርባዕተ ደቅናን ኣብ ጽሩይ ኣምልኾ የሆዋ ሓቢርና ነገልግል ኣሎና።”