መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባር ክጠቕመካ ይኽእልዶ ኢዩ፧
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባር ክጠቕመካ ይኽእልዶ ኢዩ፧
“ካህን ኣብ ዘይህልወሉ እዋን ከይንበብ።” እዚ መጠንቀቕታ እዚ ኣብ መጀመርታ ገጻት ናይቲ ብሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ዝውነን ገለ መጽሓፍ ቅዱሳት ዝርከብ ኢዩ። እታ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ኣብ ዝርከብ ናይ ካቶሊክ ትካል መጽሓፍ ቅዱስ እትሰርሕ ከይ መርዲ “ንሕና ካቶሊካውያን መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ ኣጋጣሚ ኣይረኸብናን: ሕጂ ግን እዚ ዅነታት እዚ ይቕየር ኢዩ ዘሎ” በለት። ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ህይወቶም ጽልዋ ኽገብር ከም ዝኽእል ምስ ፈለጡ: “መጽሓፍ ቅዱስ ንምፍላጥ ባህጊ ኸሕድሩ ጀሚሮም ኢዮም” በለት።
እታ ዩ.ኤስ. ካቶሊክ እትበሃል መጽሔት (እንግሊዝኛ) ብዛዕባ እዚ እተራእየ ለውጢ ኽትገልጽ ከላ: ሓደ ኣወሃሃዲ ትምህርቲ ሃይማኖት ብዛዕባ እቶም ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተኸታተሉ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ሓሳብ ከም ዝሃበ ሓበረት:- “ካቶሊካውያን ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ኽቡር መዝገብ ተኸልኪሎም ጸኒሖም ኢዮም። ካብዚ ተኸልኪሎምሉ ዝነበሩ ክቡር መዝገብ ድማ ክጥቀሙ ይደልዩ ኣለዉ።”
እቲ ጕዳይ ብዘየገድስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ “ክቡር መዝገብ” ኢዩ ዘሎ፧ ነዚ ዝስዕብ እስከ ሕስብ ኣብለሉ:- ነቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ዘጋጥመካ ጭንቀት ክትዋጽኣሉ ትደሊዶ ኢኻ፧ ምስ ስድራቤትካ ብኸመይ ብሰላም ክትነብር ትኽእል፧ ዘይእሩምን ንሕብረተሰብ ዝጐድእን ባህርያት በዚሑ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧ ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት ዓመጽቲ ዝዀኑ ዘለዉ ስለምንታይ ኢዮም፧ ነዝን ንኻልእ ከበድቲ ሕቶታትን ዝኸውን ርጡብ መልሲ ካብቲ “ኽቡር መዝገብ” ዝሓዘ ቓል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ክርከብ ይከኣል ኢዩ። እወ: ንሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ወይ ፕሮቴስታንት ጥራይ ዘይኰነስ ንሰዓብቲ እምነት ቡድሂዝም: ሂንዱዝም: ምስልምና: ሺንቶ: አረ ንኢዘሃራውያንን ኣግኖስቲክን እውን ከይተረፈ ኽቡር መዝገብ ክዀነሎም ይኽእል ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ‘ቃል ኣምላኽ ንእግሩ መብራህቲ: ንመገዱ ብርሃን’ ምዃኑ ገሊጹ ኢዩ። ንዓኻውን ከምኡ ክዀነልካ ይኽእል ኢዩ።—መዝሙር 119:105