ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብቲ ናይ መወዳእታ ዓወት ምስጓም!

ናብቲ ናይ መወዳእታ ዓወት ምስጓም!

ናብቲ ናይ መወዳእታ ዓወት ምስጓም!

“እንሆ: ኣምበላይ ፈረስ: እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ድማ ቀስቲ አለዎ ኣኽሊልውን ተዋህቦ: እናሰዐረ ኪስዕር ከኣ ወጸ።”​—⁠ራእይ 6:2

1. ዮሃንስ ኣብ ራእይ ከመይ ዝበለ ኣብ መጻኢ ዝኸውን ፍጻመታት ኢዩ ዝረኣየ፧

 ሃዋርያ ዮሃንስ ብመንፈስ ተደሪኹ ነቲ ድሕሪ 1,800 ዓመታት ክኸውን ዝነበሮ ነገራት ኣርሒቑ ብምጥማት ብዛዕባ እቲ የሱስ ከም ንጉስ ኰይኑ ዝገዝኣሉ ኵነታት ገለጸ። ዮሃንስ ነቲ ዝረኣዮ ራእይ ንኽቕበሎ እምነት የድልዮ ነበረ። ሎሚ እዚ ኣቐዲሙ እተነግረ ምንጋስ ብ1914 ከም እተፈጸመ ዝሕብር ንጹር መርትዖ ኣሎና። የሱስ ክርስቶስ “እናሰዓረ ኪስዕር” ከም ዝወጸ ብናይ እምነት ኣዒንትና ንርኢ ኣሎና።

2. ድያብሎስ ንምላድ እታ መንግስቲ እንታይ ምላሽ ኢዩ ዝሃበ: እዚኸ ናይ ምንታይ መረጋገጺ ኢዩ፧

2 ደድሕሪ ምላድ እታ መንግስቲ: ሰይጣን ካብ ሰማይ ብምስጓጉ ብብርቱዕ ቍጥዓ ጽዑቕ ውግእ እኳ እንተ ኣካየደ ፈጺሙ ኣይክዕወትን ኢዩ። (ራእይ 12:⁠7-12) ቍጥዓኡ ዅነታት ዓለም ዝያዳ እናኸፍአ ኸም ዝኸይድ ገይርዎ ኢዩ። ሰብኣዊ ሕብረተሰብ እናፈራረሰ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። እዚ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጉሶም “ኪስዕር” ንቕድሚት ይስጕም ከም ዘሎ መረጋገጺ ኢዩ።

ዝምስረት ዘሎ ናይ ሓዳስ ዓለም ሕብረተሰብ

3, 4. (ሀ) እታ መንግስቲ ኻብ እትውለድ ንነጀው ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እንታይ ምምሕዳራዊ ለውጢ ኢዩ እተራእየ: ኣድላዪ ዝነበረኸ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ከምቲ ብኢሳይያስ እተነግረ: እዚ ለውጥታት እዚ እንታይ ጥቕሚ ነበሮ፧

3 እታ መንግስቲ ምስ ተወልደት: ነታ እንደገና እተሃንጸት ክርስትያናዊት ጉባኤ​—⁠ኣብዚ እዋን እዚ ተወሳኺ ሓላፍነታት መንግስቲ ኣምላኽ ተሰኪማ ዘላ​—⁠ምስ ኣገባብ ናይታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ተሰማሚዓ ከም እትኸይድ ዝግበረሉ ግዜ በጽሐ። ስለዚ ድማ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኣብቲ ናይ 1 ከምኡውን 15 ሰነ 1938 ሕታማ (እንግሊዝኛ) እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብኸመይ ክትዓዪ ኸም ዘለዋ ብዝርዝር ገለጸት። ጸኒሓ ድማ ናይ 15 ታሕሳስ 1971 ሕታም (እንግሊዝኛ) “ኣመሓዳሪ ኣካል ካብ ሕጋዊ ትካል ተፈልዩ ክርአ ኸሎ” ኣብ ዝብል ዓንቀጻ ብዛዕባ ዘመናዊ ኣመሓዳሪ ኣካል ተወሳኺ መግለጺ ሃበት። ብ1972 ንጉባኤታት ሓገዝን መምርሕን ንምሃብ ኣካል ሽማግለታት ተመዘዙ።

4 እንደገና ውጉን ኣሰራርሓ ክግበር ምጅማሩ ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣጸቢቑ ዘደልድል ኢዩ ነይሩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ኣመሓዳሪ ኣካል ንሽማግለታት ኣብ ናይ ፍርዲ ጕዳያት ንምልምማዶም እውን ሓዊስካ ኣብ ዕዮታቶም መምርሒ ንምሃብ ዝገበሮ ምድላዋት: ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንምድልዳል ግደ ነይርዎ ኢዩ። እቲ ኣብ ምድራዊት ማሕበር ኣምላኽ በብቝሩብ እተራእየ ዕቤትን ኣወንታዊ ውጽኢቱን ኣብ ኢሳይያስ 60:⁠17 ኣቐዲሙ ተነጊሩ ነይሩ ኢዩ። ከምዚ ኸኣ ይብል:- “ኣብ ክንዲ ነሃሲ ወርቂ ኸምጽእ: ኣብ ክንዲ ሓጺን ብሩር: ኣብ ክንዲ ዕጨይቲ ኸኣ ነሃሲ: ኣብ ክንዲ እምኒውን ሓጺን ከምጽእ እየ። ኣሕሉቝኪ ሰላም: ሹማምትኺ ድማ ጽድቂ ኽገብር እየ።” እዚ ኣወንታዊ ለውጥታት እዚ: ነቶም ንመንግስቱ ብቕንኢ ንምድጋፍ ዝመጹ ሰባት በረኸት ኣምላኽን ስምረቱን ከም ዝረኸቡ ዘረጋግጽ ኢዩ ነይሩ።

5. (ሀ) የሆዋ ኣብ ህዝቡ በረኸት ምስ ኣፍሰሰ: ሰይጣን ዘርኣዮ መልሰ⁠-​ግብሪ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ብመሰረት ፊልጲ 1:⁠7 ህዝቢ የሆዋ ንቝጥዐ ሰይጣን ብኸመይ ኢዮም ክምልስሉ ጸኒሖም፧

5 ደድሕሪ ምላድ እታ መንግስቲ: ኣምላኽ ንህዝቡ ፍቕራዊ ተገዳስነት ብምርኣይ መምርሒ ምሃቡ ሰይጣን ከየቕለበሉ ኣይተረፈን። ነዚ ቐጺሉ ዘሎ ኣብነታት ንርአ። ብ1931 እዞም ሒደት ጕጅለ ክርስትያናት: ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ዘይኰኑስ ካብኡ ንላዕሊ ምዃኖም ብግልጺ ኣወጁ። ብመሰረት ኢሳይያስ 43:⁠10 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባህሉ። ድያብሎስ እንተ ብወዝቢ እንተ ዀነ ኢሉ: ኣብ መላእ ዓለም መወዳድርቲ ዘይብሉ መስጐጕቲ ከውርድ ጀመረ። ኣብተን ሃይማኖታዊ ናጽነት ከም ዘለወን ዝፍለጣ ከም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: ካናዳ: ጀርመን ዝኣመሰላ ሃገራት እውን ከይተረፈ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበሮም ናይ ኣምልኾ ናጽነት ንምዕቃብ ብተደጋጋሚ ሕጋዊ ምጕት ክገብሩ ተገዲዶም ኢዮም። ብ1988 እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝምልከት 71 ጕዳያት ተመያየጠሉ። ካብዚ ክልተ ሲሶ ዝኸውን ንረብሓኦም ተበየነ። ሎሚውን ልክዕ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ “ብናይ ወንጌል ምምጽራይን ምጽናዕን” ምእንቲ ኽህሉ: ኣብ ብዘላ ዓለም ሕጋዊ ምጕት ይቕጽል ኢዩ ዘሎ።​—⁠ፊልጲ 1:7

6. እገዳታትን ቀይድታትን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ንቕድሚት ንኸይስጕሙ ዓጊትዎምዶ ኢዩ፧ ብኣብነት ግለጽ።

6 ኣብ 1930ታት: ኣብተን ቀቅድሚ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝነበራ ዓመታት: ውልቀ⁠-​መለኽቲ መንግስታት ኣብ ልዕሊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እገዳ ወይ ቀይዲ ገይሮም ኢዮም። ካብተን እገዳ እተገብረለን ሃገራት ድማ ጀርመንን ስጳኛን ጃፓንን ይርከብአን። ኣብ ዓመት 2000 ግን ኣብዘን ሰለስተ ሃገራት እዚኣተን ጥራይ ብድምር ዳርጋ 500,000 ዝዀኑ ንጡፋት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነበሩ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 1936 ዝነበረ ዓለምለኻዊ ቍጽሪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዳርጋ ዓሰርተ ዕጽፊ ኢዩ! ስለዚ እምበኣር: እገዳ ይኹን ማእሰርቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ እቲ ዕዉት መራሒኦም የሱስ ክርስቶስ ኰይኖም ንቕድሚት ንኸይስጕሙ ክዓግቶም ከም ዘይክእል ንጹር ኢዩ።

7. ብ1958 ከመይ ዝበለ ጕሉሕ ፍጻመ ኢዩ እተራእየ: ካብ ሽዑ ጀሚሩኸ ከመይ ዝበለ ዓቢ ለውጢ ኢዩ እተራእየ፧

7 ሓደ መርኣያ ናይዚ ምስጓም እዚ ኸኣ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ዝገበርዎ ኣኼባታት ዝዓበየ ቍጽሪ ተኣከብቲ ዝነበሮ ብ1958 ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ እተኻየደ ኣኼባ ኢዩ። ኣርእስቲ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ “መለኮታዊ ፍቓድ ኣህጉራዊ ኣሰምብሊ” ዝብል ክኸውን ከሎ ዝለዓለ ቍጽሪ ተኣከብቲ 253,922 ኢዩ ነይሩ። ብ1970 ኣብተን ኣቐዲመን እተጠቕሳ ሰለስተ ሃገራት: ነታ ሽዑ ምብራቕ ጀርመን ተባሂላ እትፍለጥ ዝነበረት ሃገር ገዲፍካ: ዕዮኦም ድሮ ተኸፊቱ ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ኣብታ ሽዑ ዓባይ ዝነበረት ሕብረት ሶቭየት ከምኡውን ኣብተን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽራ ዝነበራ ኣባላት ውዕል “ዋርሶው ፓክት” ዝዀና ሃገራት ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ እገዳ ኢዮም ነይሮም። ሎሚ ግን ኣብዘን ቅድም ኮሚኒስት ዝነበራ ሃገራት: ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዝዀኑ ንጡፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ።

8. እቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዘፍሰሶ በረኸት ፍሪኡ እንታይ ኰነ: ግምቢ ዘብዐኛ ብ1950 ብዛዕባ እዚ እንታይ ኢዩ ዝበለ፧

8 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኵሉ ግዜ ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ስለ ዝደልዩ’ ብወሰኽ ተባሪኾም ኢዮም። (ማቴዎስ 6:⁠33) ትንቢት ኢሳይያስ ቃል ብቓሉ ተፈጺሙ ኢዩ:- “እቲ ንእሽቶስ ሽሕ: እቲ ኣዝዩ ውሑድ ከኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኪኸውን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ነዚ ብጊዜኡ ቐልጢፈ ኽገብሮ እየ።” (ኢሳይያስ 60:22) እቲ ወሰኽ ገና ኣየብቅዐን! ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ጥራይ እኳ ቍጽሪ ናይቶም ንጡፋት ተጣበቕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ብልዕሊ 1,750,000 ሰባት ወሲኹ ኢዩ። እዚኣቶም ብፍታው ክፍሊ ናይቲ ብ1950 ግምቢ ዘብዐኛ ከምዚ ብምባል እተዛረበሎም ጕጅለ ኢዮም ኰይኖም:- “ኣምላኽ ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ሓዳስ ዓለም ሕብረተሰብ የዳሉ ኢዩ ዘሎ። . . . እዞም ሕምብርቲ ናይ ሓዳስ ዓለም ዝዀኑ ኣርማጌዶን ክሰግሩ ኢዮም . . . ኣብታ ‘ሓዳስ ምድሪ’ ቀዳሞት ዝረኣዩ . . . ማሕበር ብኸመይ ከም እትሰርሕ ተመክሮ ዘለዎም: ብቲኦክራሲያዊ መገዲ እተመሓደሩ [ንሳቶም ኢዮም።]” እታ ዓንቀጽ ከምዚ ብምባል ትድምድም:- “ሃየ እምበኣር ኵላትና ሓቢርና ከም ናይ ሓዳስ ዓለም ሕብረተሰብ ኴንና የማነ ጸጋም ከይበልና ንቕድሚት ንሰጕም!”

9. እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እተማሃርዎ ነገራት ጠቓሚ ዀይኑ እተረኽበ ብኸመይ ኢዩ፧

9 እዚ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ሓዳስ ዓለም ሕብረተሰብ ሎሚ ንነገራት ብኸመይ ኣሳልጦ ብዘለዎ መገዲ ኽዓሞ ከም ዝኽእል ድሮ ተመክሮ ረኺቡ ኢዩ: እዚ ተመክሮ እዚ ምናልባት ኣብቲ ድሕሪ ኣርማጌዶን ዝህሉ ናይ ዳግመ⁠-​ህንጻ ዕዮ እውን ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓበይቲ ኣኼባታት ምምሕዳር: ህጹጽ ረድኤት ምሃብ: ብቕልጡፍ ህንጻታት ምህናጽ ተማሂሮም ኢዮም። እዚ ዕዮታት እዚ ኸኣ ብዙሓት ሰባት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኣድናቖትን ብኽብርን ከም ዝርእይዎም ገይርዎም ኢዩ።

ነቲ ዝወሃብ ግጉይ ግምት ምእራሙ

10, 11. ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝወሃብ ግጉይ ግምት ብኸመይ ከም እተኣረመ ብኣብነት ግለጽ።

10 ይኹን እምበር: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ኣይሰማምዑን ኢዮም ኢሎም ዝወቕሱ ሰባት ኣለዉ። ከምዚ ዝብልሉ ምኽንያት መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ምትሕልላፍ ደም: ገለልትነት: ሽጋራ ምትካኽ: ከምኡውን ብስነ⁠-​ምግባር ዝመጸ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ኣቕዋም ስለ ዘለዎም ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣመለኻኽታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተቐባልነት ዘለዎ ምዃኑ ኣፍልጦ ዝህቡ ሰባት ቍጽሮም ይውስኽ ኣሎ። ንኣብነት: ሓንቲ ኣብ ፖላንድ እትነብር ዶክተር ናብ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሌፎን ደዊላ ንሳን ኣብቲ ሆስፒታል ዘለዉ መሳርሕታን ብዛዕባ ምትሕልላፍ ደም ንሓያለይ ሰዓታት ከም እተኻትዑ ገለጸት። እቲ ኽትዕ ክለዓል ዝኸኣለ ብምኽንያት እቲ ኣብ ሓንቲ ጃኒክ ዛሆድኒ እተባህለት መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣ ፖላንድ ዝወጸት ዓንቀጽ ኢዩ። እታ ዶክተር “ደም ኣብ ሕክምና ካብ መጠን ንላዕሊ ምዝውታሩ ብብሕተይ የጕህየኒ ኢዩ” ኢላ ምስ ተኣመነት ቀጺላ “እዚ ኣሰራርሓ እዚ ኽልወጥ ኣለዎ: ነዚ ኣርእስቲ እዚ ዘልዕሎ ብምርካቡ ኸኣ ሕጕስቲ ኢየ: ዝያዳ ሓበሬታ ክረክብ ምፈተኹ” በለት።

11 ካብ ካናዳ: ኣውሮጳ: እስራኤል: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተወከሉ ሰብ ሞያ ሕክምና ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ: ሓካይም ብዘይ​ደም ንኽሕክሙ ክሕግዞም ዝኽእል ኣገዳሲ ሓሳባት ተመያየጡ። ኣብዚ ኣብ ስዊዘርላንድ እተኻየደ ኣኼባ: ቍጽሪ ናይቶም ደም ወሲዶም ዝሞቱ ሕሙማት ካብቶም ደም ከይወሰዱ ዝሞቱ ሕሙማት ኣዝዩ ከም ዝበዝሕ ዝገልጽ ብዙሓት ሰባት ዘይጽበይዎ ሓሳብ ተዋህበ። ብሓፈሻ ኽርአ ኸሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ሕሙማት ነቶም ብደም ሕክምና እተገብረሎም ሰባት ቀዲሞምዎም ካብቲ ሆስፒታል ይወጹ ኢዮም። እዚ ነቲ ንሕክምና እትገብሮ ወጻኢታት ዝቕንሶ ኢዩ።

12. ብፖለቲካዊ ገለልትነት ዝመጸ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝወሰድዎ ኣቕዋም ገለ ምርኡያት ሰባት ብኸመይ ከም ዝነኣድዎ ኣብነት ሃብ።

12 ብዛዕባ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለምን ቅድሚኡን ንመጥቃዕቲ ናዚ ይጻወርሉ ኣብ ዝነበሩ ግዜ ዝወሰድዎ ናይ ገለልትነት ኣቕዋም እውን ብዙሕ ኣወንታዊ ርእይቶ ተዋሂቡ ኢዩ። እታ ፈለማ ብ6 ሕዳር 1996 ኣብቲ ኣብ ጀርመን ዝርከብ ራቨንስብራክ ዝበሃል መዳጐኒ ደምበ እተራእየት ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወት ጂሆቫስ ዊትነስስ ስታንድ ፈርም አጌንስት ናዚ ኣሶልት እትበሃል ቪድዮ እውን ብዙሕ ኣወንታዊ ሓሳባት ንኽወሃብ ምኽንያት ኰይና ኢያ። ብተመሳሳሊ እዛ ቪድዮ እዚኣ ኣብቲ ኣብ በርጋን-​በልዘን ዝርከብ ፍሉጥ መዳጐኒ ደምበ ብ18 ሚያዝያ 1998 ክትረአ ኸላ ኣብቲ መኽፈቲ ዶክተር ዎልፍጋንግ ሼል እተባህለ ዳይረክተር ናይቲ ኣብ ሎወር ሳክዘን ዝርከብ “ማእከል ፖለቲካዊ ትምህርቲ” ከምዚ ብምባል ተኣመነ:- “ሓደ ካብቲ ኣብ ታሪኽ እተራእየ ኣዝዩ ዘሕፍር ጭብጥታት: ነቲ ስርዓት ሃገራዊ ሶሻሊዝም ካብ ኣብያተ⁠-​ክርስትያናት ንላዕሊ ኣትሪሮም ክቃወምዎ ዝኸኣሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኖም ኢዩ። . . . ብዛዕባ ትምህርትታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰነ ሃይማኖታዊ ቕንኣቶም ዘሎና ስምዒት እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ: ኣብ እዋን ግዝኣት ናዚ ዘርኣይዎ ጽንዓት ክብሪ ኸውህቦም ዝግባእ ኢዩ።”

13, 14. (ሀ) ኣብ ክንዲ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ካብ ሓደ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ኣካል እንታይ ፍትሓዊ ርእይቶ ኢዩ እተዋህበ፧ (ለ) ሎሚ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኣምላኽ እተዋህበ ኣወንታዊ ርእይቶታት ዝገልጽ ኣብነታት ጥቐስ።

13 ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣካታዒ ጕዳይ ኣብ ዝለዓለሉ እዋን ብምርኡያት ሰባት ወይ ብናይ ቤት ፍርዲ ውሳነታት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝድግፍ ርእይቶ ምስ ዝወሃብ: ነቲ ከይመርመርካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህሪ ከዳኽሞ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ብጽቡቕ ከም ዝርኣዩ ክገብሮም ይኽእል ኢዩ። እዚ ድማ ዝበዝሕ ግዜ ምስቶም ቅድም ፈጺሞም ክሰምዑ ዘይደልዩ ዝነበሩ ሰባት ንኽዘራረቡ መገዲ ዝኸፍተሎም ኰይኑ ኢዩ ተረኺቡ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ክንዲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝውሰድ ስጕምቲ ዘሐጕስ ኢዩ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ብሓቂ የማስውሉ ኢዮም። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ የሩሳሌም እተወስደ ስጕምቲ ዘዘኻኽረና ኢዩ። እቲ ሳንሄድሪን ዝበሃል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ንክርስትያናት ብምኽንያት እቲ ቕንኢ ዝመልኦ ስብከቶም ከጽንቶም ምስ ሃቀነ: ገማልኤል ዝስሙ “ኣብቲ ዅሉ ህዝቢ ዝኸበረ መምህር ሕጊ” ዝነበረ ፈሪሳዊ ኸምዚ ብምባል ኣጠንቀቐ:- “ኣቱም ሰብ እስራኤል: ኣብዞም ሰባት እዚኣቶም ክትገብርዎ እትሐስብዎ ዘሎኹም ተጠንቀቑሉ። . . . እዚ ምኽሪ እዝን እዚ ግብሪ እዝን ካብ ሰብ እንተ ዀይኑ: ኪፈርስ እዩ። ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ ግና: ግብሮም ከተፍርሱ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ: ምስ ኣምላኽ ክትብአሱ ኸይትርከቡስ: ነዞም ሰባት እዚኣቶም ሕደግዎም: ገለ ኣይትበልዎም።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 5:⁠33-39

14 ከም ገማልኤል ዝኣመሰሉ ምርኡያት ሰባት ኣብዚ ቐረባ ግዜ ንሃይማኖታዊ ናጽነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝድግፍ ርእይቶ ሂቦም ኢዮም። ንኣብነት: ናይቲ “ንናጽነት ሃይማኖትን እምነትን ዝኸውን ኣህጕራዊ ትምህርቲ” ቅድም ኣቦ መንበር ዝነበረ ከምዚ ዝብል ሓሳብ ሃበ:- “እምነታት ናይ ሓንቲ ሃይማኖት በቲ ሕብረተሰብ ዘይቅቡል ወይ ከም ዘይንቡር ገይርካ ስለ እተራእየ ጥራይ ሃይማኖታዊ መሰላታ ክሕደግ ፈጺሙ ኣይግባእን ኢዩ።” ሓደ ኣብ ናይ ለይዝቢክ ዩኒቨርሲቲ ብዛዕባ ሃይማኖት ስነ⁠-​ፍልጠታዊ መጽናዕቲ ዘካይድ ፕሮፌሰር: ብዛዕባ እቲ ነተን ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ዝበሃላ ንኽምርምር ዝቘመ ወኪል መንግስቲ ጀርመን ከምዚ ዝብል ብቑዕ ሕቶ ሓተተ:- “ነተን ክልተ ዓበይቲ ኣብያተ⁠-​ክርስትያናት [ናይ ሮማ ካቶሊክ ቤተ⁠-​ክርስትያንን ሉተራዊት ቤተ⁠-​ክርስትያንን] ገዲፍካ ነተን ንኡሳን ሃይማኖታት ጥራይ መርመራ ዝግበር ስለምንታይ ኢዩ፧” መልሲ ናይዚ ንምርካብ ካብቲ ናይ ጀርመን በዓል ስልጣን ነበር እተዛረቦ ቓላት ሓሊፍና ናብ ካልእ ምኻድ ኣየድልየናን ኢዩ። ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ብድሕሪ መጋረጃ ዀይኖም ነቲ ወኪል መንግስቲ ዝወስዶ ፖለቲካዊ ስጕምቲ ዝቈጻጸርዎ እቶም ቅንኢ ዝመልኦም ኣባላት ቤተ⁠-​ክርስትያን ምዃኖም ኣየጠራጥርን ኢዩ።”

ራህዋ ንምርካብ ናብ መን ኢና ቍሊሕ እንብል፧

15, 16. (ሀ) ገማልኤል ብዝወሰዶ ስጕምቲ እተረኽበ ውጽኢት ድሩት ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቶም ሰለስተ ዓብላልነት ዝነበሮም ውልቀ⁠-​ሰባት ኣብ ክንዲ የሱስ ኰይኖም ስጕምቲ ንምውሳድ ዝነበሮም ክእለት ድሩት ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ፧

15 እቲ ገማልኤል እተዛረቦ ቃላት መለኮታዊ ደገፍ ዘለዎ ዕዮ ክፈሽል ኣይክእልን ኢዩ ንዝብል ሓቂ ዘጕልሕ ኢዩ። እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ካብቲ ገማልኤል ንሳንሄድሪን እተዛረቦም ቃላት ከም እተጠቕሙ ዘየጠራጥር እኳ እንተ​ዀነ: እቲ የሱስ ሰዓብቱ ክስጐጉ ምዃኖም እተዛረቦ ቓላት ሓቂ ምዃኑ ግን ኣይረስዕዎን። እቲ ገማልኤል ዝወሰዶ ስጕምቲ ነቲ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ንክርስትያናት ንምጽናት ኣውጺኦምዎ ዝነበሩ ውጥን እኳ እንተ ኣፍረሶ ነቲ መስጐጕቲ ግን ምሉእ ብምሉእ ደው ከብሎ ኣይከኣለን። እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ሕራይ ከኣ ኣበሎም። ንሃዋርያት ጸዊዖም ገረፍዎም: ብስም የሱስ ከይዛረቡ አዚዞም ከኣ ሐደግዎም።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 5:40

16 የሱስ ኣብ ፍርዲ ምስ ቀረበ: ጶንጥዮስ ጲላጦስ ምንም ጕድለት ስለ ዘይረኸበሉ ንየሱስ ክፈትሖ ፈተነ። ይኹን እምበር ኣይተዓወተን። (ዮሃንስ 18:⁠38, 39፣ 19:⁠4, 6, 12-16) እቶም ንየሱስ ዝድግፉ ዝነበሩ ክልተ ኣባላት ሳንሄድሪን: ኒቆዲሞስን ዮሴፍ በዓል ኣርማትያስን: ከይተረፉ እኳ ነቲ ቤት ፍርዲ ኣንጻር የሱስ ስጕምቲ ኸም ዘይወስድ ንኽገብርዎ ዝነበሮም ዓቕሚ ድሩት ኢዩ ነይሩ። (ሉቃስ 23:⁠50-52፣ ዮሃንስ 7:⁠45-52፣ 19:⁠38-40) ሰባት ድራኼኦም ብዘየገድስ ንህዝቢ የሆዋ ንምክልኻል ብዝወስድዎ ስጕምቲ ዝመጽእ ራህዋ ድሩት ኢዩ። ዓለም ከምቲ ንክርስቶስ ዝጸልኣቶ ነቶም ሓቀኛታት ሰዓብቲ ክርስቶስውን ምጽላእ ኣይተቋርጽን ኢያ። ፍጹም ራህዋ ካብ የሆዋ ጥራይ ኢዩ ክመጽእ ዝኽእል።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠24

17. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከመይ ዝበለ ኣብ ክውንነት እተመርኰሰ ኣመለኻኽታ ኢዩ ዘለዎም: ይኹን እምበር: ነቲ ብስራት ምስባኽ ምእንቲ ኽቕጽሉ ንዝወሰድዎ ቈራጽነት ዘየዳኽሞ ስለምንታይ ኢዩ፧

17 ኣብ ክውንነት ብምምርኳስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መስጐጕቲ ከም ዝቕጽል ይፈልጡ ኢዮም። ምጽራር: ኣገባብ ሰይጣን ኣብ መወዳእታ ምስ ተደምሰሰ ጥራይ ኢዩ ዘቋርጽ። ይኹን እምበር: እዚ ምጽራር እዚ ዘየሐጕስ እኳ እንተ​ዀነ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ እታ መንግስቲ ንምስባኽ እተዋህቦም መዝነት ካብ ምፍጻም ኣይዓግቶምን ኢዩ። ምኽንያቱ መለኮታዊ ደገፍ ኢዩ ዘለዎም። ነቲ ተባዕ መራሒኦም የሱስ ክርስቶስ ከም ኣብነቶም ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 5:⁠17-21, 27-32

18. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከመይ ዝበለ ጸገም ኢዩ ገና ዝጽበዮም ዘሎ: ይኹን እምበር ውጽኢቱ እንታይ ከም ዝኸውን ኢዮም ዝኣምኑ፧

18 ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ: ንሓቀኛ ሃይማኖት ብርቱዕ ምጽራር ከጋጥማ ጸኒሑ ኢዩ። ድሕሪ ቑሩብ ግዜ ኸኣ ጎግ: እቲ ካብ ሰማይ ካብ ዝድርበ ጀሚሩ ኣብ እተዋረደ ዅነታት ዝርከብ ሰይጣን: ዘለዎ ሓይሊ ተጠቒሙ መጥቃዕቱ ኽፍንወላ ኢዩ። ሓቀኛ ሃይማኖት ግን ኣይትጠፍእን ኢያ። (ህዝቅኤል 38:⁠14-16) ‘ነገስታት ኵላ ዓለም’ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሰይጣን ብምዃን “ምስቲ ገንሸል ኪዋግኡ እዮም: እቲ ገንሸል ግና: ጐይታ ጐይተትን ንጉሰ ነገስትን እዩ እሞ ኪስዕሮም እዩ።” (ራእይ 16:⁠14፣ 17:⁠14) እወ: ንጉስና ናብቲ ናይ መወዳእታ ዓወት ገጹ ይስጕም ኢዩ ዘሎ: ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ኸኣ “ኪስዕር” ኢዩ። እቶም ንየሆዋ ዘምልኹ ሰባት ‘ኣምላኽ ምሳና ኢዩ’ ኽብሉ ኸለዉ ዝጻረሮም ዘይህልወሉ ግዜ ኽመጽእ ቀሪቡ ምዃኑ ብምፍላጥ ምስኡ ሓቢርና ንቕድሚት ክንስጕምሲ ኣየ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ!​—⁠ሮሜ 8:⁠31፣ ፊልጲ 1:⁠27, 28

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• የሆዋ ኣምላኽ እታ መንግስቲ ኻብ እትውለድ ጀሚሩ ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንምድልዳል እንታይ ኢዩ ዝገበረ፧

• ክርስቶስ ስዕረቱ ንኸይፍጽም ኢሉ ሰይጣን እንታይ ኢዩ ዝገበረ: ፍሪኡኸ እንታይ ነበረ፧

• ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት ንምድጋፍና ኣብ ዝወስድዎ ስጕምቲ ኸመይ ዝበለ ሚዛናዊ ኣመለኻኽታ ኢዩ ክህልወና ዘለዎ፧

• ሰይጣን ድሕሪ ቐረባ ግዜ እንታይ ኢዩ ኽገብር: ምስ ከመይ ዝበለ ፍረኸ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ዓበይቲ ኣኼባታት ህዝቢ የሆዋ ንቕድሚት ይስጕሙ ከም ዘለዉ ዝሕብር ኢዩ

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ግዜ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ዝወሰድዎ ናይ ገለልትነት ኣቕዋም ሕጂውን ንየሆዋ ውዳሰ የምጽኣሉ ኣሎ