ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ መን መዐቀኒታት ኢኻ ኽትተኣማመነሉ እትኽእል፧

ናይ መን መዐቀኒታት ኢኻ ኽትተኣማመነሉ እትኽእል፧

ናይ መን መዐቀኒታት ኢኻ ኽትተኣማመነሉ እትኽእል፧

ሓደ ንመጀመርታ ግዜኡ ናብ ኣፍሪቃ ዝመጸ በጻሓይ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ወሰን መገዲ ሰጥ ኢሉ ቘይሙ ምስ ረኣየ ተገረመ። ሒደት ደቓይቕ ጸጸኒሑ ብደዉ እግሩ ሸፈፍ እናበለ ናብ ሓደ ወገን ይንቀሳቐስ ምህላዉ እውን ኣስተውዓለ። እቲ ሰብኣይ ስለምንታይ ከምኡ ይገብር ምንባሩ እቲ በጻሓይ ቀልጢፉ ኣይተረድኦን። ለካ እቲ ናይ ቴለፎን ዓንዲ ብዝፈጠሮ ጽላል ከጽልል ኢዩ ዝጽዕር ነይሩ። ከመይሲ እታ ጸሓይ ናብ ምዕራብ ገጻ ኽትከይድ ከላ እቲ ጽላሎት በብቝሩብ ይንቀሳቐስ ነበረ።

 ልክዕ ከምቲ ጽላሎት: ተግባራት ደቅ​ሰብን መዐቀኒታቶምን እውን ወትሩ ምስ ተቐያየረን ተለዋወጠን ኢዩ። ብኣንጻሩ ግን: እቲ “ኣቦ ብርሃናት” ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ኣይልወጥን ኢዩ። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ብዛዕባ የሆዋ ኽገልጽ ከሎ “ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ” ኢልዎ ኣሎ። (ያእቆብ 1:⁠17) እቲ እብራዊ ነብዪ ሚልክያስ: ኣምላኽ “ኣነ እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እየ” ኢሉ ኸም እተዛረበ ጽሒፉ ኣሎ። (ሚልክያስ 3:⁠6) ኣምላኽ ነቶም ኣብ ግዜ ኢሳይያስ ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል “ክሳዕ እርግናኹም ኣነ እየ: ክሳዕ ትሽይቡ ድማ ክጾረኩም [ኢየ]: ኣነ ገበርኩ” በሎም። (ኢሳይያስ 46:⁠4) ስለዚ ኣብ መብጽዓታት እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ዘሎና ምትእምማን ግዜ ኣይልውጦን ኢዩ።

ካብ ሕጊ ሙሴ እንረኽቦ ትምህርቲ

ከምቲ መብጽዓታት የሆዋ ትውክልቲ ዝግበሮን ዘይቀያየርን ዝዀነ: እቲ ቕኑዕን ጌጋን ንምውሳን ዝሕግዝ መዐቀኒታቱ እውን ኣይለዋወጥን ኢዩ። ክልተ ዓይነት ሚዛን ማለት ሓደ ቕኑዕ ሓደ ዘይቅኑዕ ሚዛን ዝጥቀም ሸቃጣይ ምኣመንካዮዶ፧ ፈጺምካ ኣይትኣምኖን ኢኻ። “ሓሳዊ ሚዛን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር [እውን] ፍንፉን እዩ: ቅኑዕ ሚዛን ግና ባህ የብሎ።” (ምሳሌ 11:⁠1፣ 20:⁠10) የሆዋ ኣብቲ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ ከምዚ ኢሉ ኣዚዙ ኢዩ:- “ብፍርዲ ዀነ: ብመለክዒ እመት ኰነ: ብሚዛን ኰነ: ብምሰ ዀነ: ኣይትዐምጹ። ቅኑዕ ሚዛን: ቅኑዕ መምዘኒ: ቅኑዕ ኤፋ: ቅኑዕ ሂን ድማ ይሀሉኹም። ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።”​—⁠ዘሌዋውያን 19:⁠35, 36

እስራኤላውያን ነዚ ትእዛዝ እዚ ምኽባሮም ስምረት ኣምላኽን ስጋዊ በረኸትን ንኽረኽቡ የኽእሎም ነበረ። ሎሚ እውን እቶም ኣብ የሆዋ እምንቶ ዘሕድሩ ኣምለኽቲ ኣብ ሚዛንን መለክዒታትን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ኵሉ መዳያት ናብርኦም ነቲ ዘይለዋወጥ መዐቀኒታቱ ጠቢቖም ምስ ዝስዕቡ በረኸት የምጽኣሎም ኢዩ። ኣምላኽ ከምዚ ኢሉ ኢዩ:- “ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን: በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።”​—⁠ኢሳይያስ 48:⁠17

መዐቀኒታት ዘንቈልቍል ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧

ሎሚ: መዐቀኒታት ዘንቈልቍለሉ ዘሎ ምኽንያታት መጽሓፍ ቅዱስ ገሊጽዎ ኣሎ። እታ ናይ መወዳእታ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ራእይ ኣብ ሰማይ ብዛዕባ እተገብረ ውግእ ትገልጽ ኢያ: እዚ ውግእ ዘስዓቦ ሳዕቤን ከኣ ኽሳዕ እዚ ግዜና ንዅሎም ሰባት ጸልዩ ኣሎ። ሃዋርያ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፤ ሚካኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም። ኣይሰዐርዎምን ከአ: ድሕርዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን። እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀል ዓብዪ ገበል: እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ: ናብ ምድሪ ተደርበየ: መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ።”​—⁠ራእይ 12:⁠7-9

እዚ ውግእ እዚ ብኡንብኡ እንታይ ኣስዓበ፧ ዮሃንስ ቀጺሉ ኸምዚ በለ:- “ስለዚ: ኣቱም ሰማያት: ኣባታቶም እትነብሩውን ተሐጐሱ። ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና: ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ: ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ: ወይለኹም።”​—⁠ራእይ 12:⁠12

ብ1914 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ምስ ተባርዐ እሞ ነቲ ኻብዚ ሎሚ ዘሎ ኣጸቢቑ እተፈልየ ቕድሚኡ ዝነበረ መዐቀኒታት መዛዘሚ ምስ ገበረሉ እቲ ‘ንምድሪ ወይለኺ’ እተባህለላ ነገር ተፈጸመ። ጸሓፊት ታሪኽ ባርባራ ታክማን “እቲ ካብ 1914-18 እተገብረ ‘ዓቢ ውግእ’ ልክዕ ከም ሓደ ኣብ መንጎ እቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ግዜን ሕጂ ዘላ መከራ ዝመልኣ ዓለምን እተሓንጸጸ መፈላለዪ ሕንጻጽ ኢዩ” በለት። ቀጺላ ድማ ኸምዚ በለት:- “ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዓመታት ኣፍረይቲ ክዀኑ ዝኽእሉ ዝነበሩ ሰባት ብሙማቶም: ዝነበረ እምነት ብምጥፍኡ: ኣተሓሳስባ ብምቕያሩ: ከምኡውን እቲ ሽዑ እተፈጥረ ቅብጸት ዘይሓዊ በሰላ ብምግዳፉ ኣብ መንጎ እቲ ቕድሚኡን ድሕሪኡን ዝነበረ መዋእላት ርኡይን ስነ⁠-​ኣእምሮኣውን ጋግ ተፈጢሩ ኢዩ።” ኤሪክ ሆብስባም ዝበሃል ካልእ ጸሓፍ ታሪኽ እውን ምስዚ ሓሳባት ብምስምማዕ ከምዚ በለ:- “ካብ 1914 ኣትሒዙ እቲ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ከም ንቡር ዝርአ ዝነበረ መዐቀኒታት ብርኡይ ኣንቈልቊሉ ኢዩ። . . . ነዚ ዝርአ ዘሎ ቕልጡፍ ለውጢ ናብቲ ኣብ መበል ዓሰርተ ትሽዓተ ዘመን ብግዜ ኣባሓጎታትና ዝነበረ ዘይስልጡን ተባሂሉ ዝጽዋዕ መዐቀኒታት ክትመልሶ ዘይሕሰብ ኢዩ።”

ጆናታን ግሎቨር ዝበሃል ደራሲ ኣብታ ሂዩማኒቲ​—⁠ኤ ሞራል ሂስትሪ ኦቭ ዘ ትዌንቲዝ ሰንቸሪ ዘርእስታ መጽሓፉ (እንግሊዝኛ) “ምጥፋእ ስነ⁠-​ምግባራዊ ሕግታት መለለዪ ናይዚ ግዜና ዀይኑ ኣሎ” ኢሉ ጸሓፈ። ስነ⁠-​ምግባራዊ ሕግታት ካብ ሰብ ዘይኰነስ ካልእ ኣካል ዘመነጮ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ብሰንኪ እቲ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዘለዋ ሃይማኖታት ዘርኣይኦ ድኽመት ዘይኣምነሉ እኳ እንተ​ዀነ “እቶም ኣብ ናይ ሃይማኖት ስነ⁠-​ምግባራዊ ሕግታት ዘይንኣምን ዘበልና እዚ ሕግታት እዚ ይጠፍእ ምህላዉ ኸተሓሳስበና ኣለዎ” ብምባል ኣጠንቀቐ።

እዚ ሕጂ ኣብ ንግዲ: ፖለቲካ: ሃይማኖት: ወይ ኣብ መንጎ ሰባት ይኹን ኣብ መንጎ ኣባላት ስድራ​ቤት ኣብ ዝግበር ርክባት እውን ከይተረፈ ዝርአ ዘሎ ምጕዳል ተኣማንነትን ዘስካሕክሕ ሳዕቤኑን ክፍሊ ናይቲ ድያብሎስ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ሰባት ወዮ ንምምጻእ ዝኣለሞ ውዲት ኢዩ። ሰይጣን ንዅሎም እቶም ኣምላኽ ብዘውጽኦ መዐቀኒታት ክመላለሱ ዝጽዕሩ ሰባት ለኪምዎም ንኽጠፍእ ኢሉ ኽዋጋእ ቈሪጹ ኣሎ።​—⁠ራእይ 12:⁠17

ካብዚ ዝኸፍአ ጥልመት ከነምልጠሉ እንኽእል መገዲ ኣሎዶ ኢዩ፧ ሃዋርያ ጴጥሮስ “ንሕና ግና: ከምቲ ተስፋኡ: [ተስፋ ኣምላኽ] ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና” ብምባል መልሲ ናይዚ ጽሒፉልና ኣሎ። (2 ጴጥሮስ 3:⁠13) ኣምላኽ ዕላምኡ ንምፍጻም ሓይሊ ስለ ዘለዎን መብጽዓኡ ከም ዝፍጽም ውሕስነት ስለ ዝኣተወልናን ነዚ መብጽዓ እዚ ክንተኣማመነሉ ንኽእል ኢና። የሆዋ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ‘ኻብ ኣፉ ዝወጽእ ቃል’ ክገልጽ ከሎ “ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ: ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር: ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ” ብምባል ተዛሪቡ ኢዩ። እወ: ብርግጽ ክንተኣማመነሉ እንኽእል መብጽዓ ኣለና!​—⁠ኢሳይያስ 55:⁠11፣ ራእይ 21:⁠4, 5

ብመዐቀኒታት ኣምላኽ ምምልላስ

ኣብዛ ዝለዋወጥን ዘንቈልቍልን መዐቀኒታት ዘለዋ ዓለም: ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መዐቀኒታት ኢዮም ክነብሩ ዝደልዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ካብ ብዙሓት ሰባት እተፈልዩ ኢዮም፣ እዚ ኸኣ ኣቓልቦ ኻልኦት ይስሕብ: ንባጫ ከም ዝቃልዑ ድማ ይገብሮም።

ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ለንደን ዝገበርዎ ዓቢ ኣኼባ ሓደ ናይ ቲቪ ሪፖርተር ንሓደ ኣፈኛ: ‘ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ሓቂ ክርስትያናት ድዮም፧’ ዝብል ሕቶ ምስ ኣቕረበሉ ከምዚ ኢሉ መለሰ:- “እወ: ንየሱስ ስለ እንስዕብ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኢና። እዛ ዓለም እዚኣ ብስስዐ ዝመልአት ኢያ: ስለዚ የሱስ መገድን ሓቅን ህይወትን ከም ምዃኑ መጠን ኣብኡ ኢና እነተኵር። ክፍሊ ስላሴ ዘይኰነስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ኢና እንኣምን: ስለዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ምርዳእ ከምቲ ናይ ዓበይቲ ሃይማኖታት ዘይኰነስ: እተፈልየ ኢዩ።”

እቲ ቓለ⁠-​መጠይቕ ብተለቪዥን ቢ.ቢ.ሲ. እናተፈነወ ኸሎ እቲ ሪፖርተር ከምዚ ብምባል ነቲ ፕሮግራም ዛዘሞ:- “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ኣባይትና መጺኦም ዝዅሕኵሕሉ ምኽንያት ብዝያዳ ኽርድኣኒ ኽኢሉ። ቍጽሮም 25,000 ዝኸውን ብግቡእ እተኸድኑን እዱባትን ሰባት ኣብ ሓደ ቦታ ክእከቡ ክሳዕ ሕጂ ዝረኣኹ ኣይመስለንን።” እዝስ በቲ ኣምላኽ ዘውጽኦ ዘይለዋወጥ መዐቀኒታት ምምልላስ ጥበባዊ ምዃኑ ዘረጋግጽ ከመይ ዝበለ ካብ ሓደ ኣብ ወጻኢ ዀይኑ ዝዕዘብ ሰብ እተረኽበ ምስክርነት ኰን ኢዩ!

ገሊኣቶም በቲ ባዕሎም ዘየውጽእዎ መዐቀኒታት ክመላለሱ ዘይደልዩ እኳ እንተዀኑ: መጽሓፍ ቅዱስካ ገንጺልካ ኣምላኽ ዘውጽኦ መዐቀኒታት እንታይ ምዃኑ ንኽትፈልጥ ነተባብዓካ ኣሎና። ላዕሊ ላዕሉ ምንባብ ጥራይ ግን እኹል ኰይኑ ኣይሰማዕካ። ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃቦ ማዕዳ ስዓብ:- “እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ: ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር: ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።” (ሮሜ 12:⁠2) ኣብ ከባቢኻ ናብ ዘሎ ኣደራሽ መንግስቲ ኼድካ ምስቶም ኣብኡ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተፋለጥ። ኣብ መብጽዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝኣምኑ ከምኡውን ኣብ ኣምላኽ ዘለዎም እምንቶ በቲ ንሱ ዘውጽኦ መዐቀኒታቱ ብምምልላስ ዘርእዩ ተራ ሰባት ምዃኖም ከተረጋግጽ ትኽእል ኢኻ።

ምስቲ ዘይለዋወጥን ክትተኣማመነሉ እትኽእልን ኣምላኽ ዘውጽኦ መዐቀኒታት ጠቢቕካ ምምልላስ በረኸት ከም ዘምጽእ እተረጋገጸ ኢዩ። ነቲ ኣምላኽ ዘቕርበልካ ዘሎ ጻውዒት ኣቕልበሉ:- “ኣየ: ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ: ሰላምካ ኸም ወሓዚ: ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምዀነ ነይሩ።”​—⁠ኢሳይያስ 48:⁠18

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ሎሚ ኣብ ንግዲ: ፖለቲካ: ሃይማኖት: ከምኡውን ኣብ ርክባት ኣባላት ስድራ​ቤት ምትእምማን ይጐድል ኣሎ