ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኣምላኽ ምሳና ኻብ ኰነኸ: መን እዩ ዚቃወመና፧”

“ኣምላኽ ምሳና ኻብ ኰነኸ: መን እዩ ዚቃወመና፧”

“ኣምላኽ ምሳና ኻብ ኰነኸ: መን እዩ ዚቃወመና፧”

“እምብኣርሲ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ እንታይ ክንብል ኢና፧ ኣምላኽ ምሳና ኻብ ኰነኸ: መን እዩ ዚቃወመና፧”​—⁠ሮሜ 8:31

1. ምስ እስራኤላውያን ሓቢሮም ካብ ግብጺ ዝወጹ መን ኢዮም: ከምኡ ንኽገብሩ ዝደረኾምከ እንታይ ኢዩ፧

 እስራኤላውያን ኣብ ግብጺ 215 ዓመታት ምስ ጸንሑ​—⁠መብዛሕትኡ ኻብዚ ዓመታት እዚ ብባርነት ኢዮም ኣሕሊፎምዎ​—⁠ካብታ ሃገር ሓራ ኽወጹ ኸለዉ ‘ምስኦም ብዙሕ ሕውስዋስ ህዝቢ ደየበ።’ (ዘጸኣት 12:38) እዞም እስራኤላውያን ዘይኰኑ ሰባት እዚኣቶም ነቲ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ሰፊሕ ዕንወት ዘስዓበ ዘፍርህ ዓሰርተ መዓትን ኣብ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ግብጺ ዘስዓቦ ውርደትን ርእዮም ኢዮም። ኣብ ርእሲ እዚ: ብፍላይ ካብታ ራብዐይቲ መዓት ንንየው የሆዋ ንህዝቡ ንምድሓን ዘለዎ ኽእለት ተዓዚቦም ኢዮም። (ዘጸኣት 8:⁠23, 24) ብዛዕባ ዕላማታት የሆዋ ዝነበሮም ፍልጠት ውሱን እኳ እንተ ነበረ: ብዛዕባ ሓደ ነገር ግን ርግጸኛታት ኢዮም ነይሮም። እዚ ድማ ኣማልኽቲ ግብጺ ንግብጻውያን ምዕቋብ ክስእኑ ኸለዉ የሆዋ ግን ኣብ ክንዲ እስራኤላውያን ክዋጋእ ዝኽእል ሓያል ኣምላኽ ምዃኑ ከም ዘርኣየ ርግጸኛታት ኢዮም ነይሮም።

2. ረሃብ ነቶም እስራኤላውያን ሰለይቲ ዝደገፈቶም ስለምንታይ ኢያ: እቲ ኣብ ኣምላኾም ዝገበረቶ እምንቶ ንኸንቱ ዘይነበረኸ ስለምንታይ ኢዩ፧

2 ድሕሪ 40 ዓመት እስራኤላውያን ምድሪ ተስፋ ቀቅድሚ ምእታዎም: እቲ ንሙሴ ዝተክኦ እያሱ ነታ ምድሪ ዝስልዩ ክልተ ሰብኡት ለኣኸ። ኣብኡ ድማ ሓንቲ ኣብ ያሪኮ እትቕመጥ ረሃብ እትበሃል ሰበይቲ ረኸቡ። ብዛዕባ እቲ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ካብ ዝወጹ ጀሚሮም ኣብ ዘሕለፍወን 40 ዓመታት የሆዋ ንኸዕቝቦም ኢሉ ዝገበሮ ዓበይቲ ተግባራት ሰሚዓ ስለ ዝነበረት: በረኸት የሆዋ ክትረክብ እንተ​ድኣ ዀይና ንህዝቡ ክትድግፎም ከም ዘለዋ ትፈልጥ ነይራ ኢያ። ሳላ እቲ ዝገበረቶ ጥበብ ዝመልኦ ውሳነ ገለ ግዜያት ጸኒሖም እስራኤላውያን ነታ ኸተማ ክድምስስዋ ኸለዉ ንሳን ቤታን ክትድሕን ክኢላ ኢያ። እቲ ዝደሓንሉ ተኣምራታዊ መገዲ ንባዕሉ ኣምላኽ ምስኦም ከም ዝነበረ ዘረጋግጽ ድልዱል መርትዖ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ እምበኣር እቲ ረሃብ ኣብ ኣምላኽ እስራኤላውያን ዘሕደረቶ እምንቶ ንኸንቱ ኣይነበረን።​—⁠እያሱ 2:⁠1, 9-13፣ 6:⁠15-17, 25

3. (ሀ) የሱስ ኣብ ጥቓ እታ እንደገና እተሃንጸት ከተማ ያሪኮ እንታይ ትእምርቲ ኢዩ ዝገበረ: እቶም ናይ ኣይሁድ ካህናትከ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧ (ለ) ገለ ኣይሁድ: ጸኒሖም ከኣ ካብ ኣይሁድ ዘይነበሩ ብዙሓት ሰባት እንታይ ኢዮም ክግንዘቡ ዝጀመሩ፧

3 ድሕሪ 15 ዘመን የሱስ ክርስቶስ: ኣብ ጥቓ እታ እንደገና እተሃንጸት ከተማ ያሪኮ ንሓደ ዓይነ⁠-​ስዉር ለማኒ ኣሕውይዎ ኢዩ። (ማርቆስ 10:⁠46-52፣ ሉቃስ 18:⁠35-43) እዚ ሰብኣይ እዚ ንየሱስ መሓረኒ ኢሉ ለመኖ: በዚ ድማ የሱስ ደገፍ ኣምላኽ ከም ዝነበሮ ምግንዛቡ ኢዩ ዝሕብር ነይሩ። ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ሃይማኖትን ሰዓብቶምን ግን ነቲ የሱስ ዝገብሮ ዝነበረ ተኣምራት ዕዮ ኣምላኽ ይፍጽም ምንባሩ ዘረጋግጽ መርትዖ ገይሮም ክቕበልዎ ኣይደለዩን። ብኣንጻሩ ይነቕፍዎ ኢዮም ነይሮም። (ማርቆስ 2:⁠15, 16፣ 3:⁠1-6፣ ሉቃስ 7:⁠31-35) ንየሱስ ምስ ቀተልዎ ገለ መዓልትታት ጸኒሑ ከም ዝተንስአ ምስ ፈለጡ: እዚ ግብሪ ኣምላኽ ምዃኑ ኣፍልጦ ክህብሉ ኣይደለዩን። ኣብ ክንድኡ ነቲ ‘ወንጌል ጐይታና የሱስ ናይ ምስባኽ’ ዕዮኦም ምእንቲ ኸተዓናቕጽዎ ግምባር ቀደም ኰይኖም ንሰዓብቲ የሱስ መስጐጕቲ ኣውረዱሎም። ገለ ኣይሁድ ጸኒሖም ድማ ካብ ኣይሁድ ዘይኰኑ ብዙሓት ሰባት ግን ነዚ ፍጻመታት እዚ ብምቕላብ ቅኑዕ ገምጋም ሂቦምሉ ኢዮም። ኣምላኽ ነቶም ርእሶም ዘጽድቑ ዝነበሩ መራሕቲ ኣይሁድ ከም ዝነጸጎም: ነቶም ትሑታት ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ግን ይድግፎም ምንባሩ ብንጹር ተረዲኦምዎ ነበሩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 11:⁠19-21

ሎሚ ደገፍ ኣምላኽ ዘለዎም መን ኢዮም፧

4, 5. (ሀ) ገለ ሰባት ሃይማኖት ብምምራጽ ዝመጸ ከመይ ኢዩ ዝስምዖም፧ (ለ) ሓቀኛ ሃይማኖት ንምልላይ ከመይ ዝበለ ወሳኒ ሕቶ ምሕታት ኢዩ ዘድሊ፧

4 ሓቀኛ ሃይማኖት ኣየነይቲ ምዃና ሕቶ ምስ ተላዕለ ሓደ ካህን ኣብ ሓደ ኣብ ቀረባ ግዜ እተገብረ ናይ ተለቪዥን ቃለ⁠-​መጠይቕ ከምዚ በለ:- “ሓንቲ ሃይማኖት ንሓደ ብእኣ ዝመላለስ ሰብ ዝሓሸ ከም ዝኸውን ትገብሮ እንተ​ድኣ ዀይና ሓቀኛ ሃይማኖት ኢያ እብል።” ሓቀኛ ሃይማኖት ንሰባት ዝሓሹ ትገብሮም ምዃና ዘይከሓድ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ሓንቲ ሃይማኖት ዝሓሹ ሰባት ከተፍሪ ብምኽኣላ ጥራይ ደገፍ ኣምላኽ ከም ዘለዋ ዘረጋግጽ መርትዖ ድዩ፧ ሓንቲ ሃይማኖት ሓቀኛ ምዃናን ዘይምዃናን ንምልላይ ዝሕግዝ መምዘኒ እዚ ጥራይ ድዩ፧

5 ኵሉ ሰብ ነየነይቲ ሃይማኖት ክስዕብ ከም ዘለዎ እውን ከይተረፈ ናይ ገዛእ ርእሱ ምርጫ ኽገብር ምኽኣሉ የማስወሉ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ናይ ምምራጽ ናጽነት ምህላዉ ጥራይ ንሓደ ሰብ ቅኑዕ ንኽመርጽ ውሕስነት ኣይኰኖን ኢዩ። ንኣብነት: ገለ ሰባት ንሓንቲ ሃይማኖት ዝመርጽዋ ብብዝሒ ኣባላታ: ብዘለዋ ሃብቲ: ብእትገብሮ ዓበይቲ ጽንብላት: ወይ ከኣ እቲ ኣብ ስድራ​ቤት ዘሎ ምቅርራብ ኣብ ግምት ብምእታው ኢዮም። ይኹን እምበር: ካብዚ ነገራት እዚ ዋላ ሓደ እውን ይኹን ሓንቲ ሃይማኖት ሓቀኛ ድያ ኣይኰነትን ንምውሳን ብቑዕ ምኽንያት ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ወሳኒ ሕቶ ክኸውን ዝኽእል እዚ ዝስዕብ ኢዩ:- ሰዓብታ ተኣማሚኖም ‘ኣምላኽ ምሳና ኢዩ’ ክብሉ እንተ​ድኣ ዀይኖም ፍቓድ ኣምላኽ ንኽገብሩ እተተባብዕ: መለኮታዊ ደገፍ ከም ዘለዋ ድማ ርጡብ መርትዖ እተቕርብ ሃይማኖት ኣየነይቲ ኢያ፧

6. ኣየናይ የሱስ እተዛረቦ ቓላት ኢዩ ሓቀኛ ሃይማኖት ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንምፍላይ ዝሕግዝ፧

6 የሱስ “ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ: ብውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ: ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጽኹም። ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም ” ክብል ከሎ ሓቀኛ ሃይማኖት ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንምፍላይ ዝሕግዝ መገዲ ኢዩ ሰሪዑ። (ማቴዎስ 7:⁠15, 16 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና፣ ሚልክያስ 3:⁠18) ሎሚ መለኮታዊ ደገፍ ዘለዎ መን ምዃኑ ብቕንዕና ምውሳን ምእንቲ ኽንክእል ገለ ኻብቲ ‘ፍረ’ ወይ መለለዪ ንርአ።

መለለዪ ናይቶም ደገፍ ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት

7. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ትምህርቲ ጥራይ ምምሃር ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧

7 ትምህርትታቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ኢዩ። የሱስ ከምዚ በለ:- “ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለአኸኒ እዩ እምበር: ናተይ ኣይኰነን። ፍቓዱ ኺገብር ዚደሊ እንተሎ: ንሱ ብዛዕባ ትምህርተይ ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ: ወይስ ካብ ርእሰይ እንተ ዀይነ ዝዛረቦ ዘሎኹ: ኪፈልጥ እዩ።” ቀጺሉ እውን “እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ ንቓል ኣምላኽ ይሰምዕ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 7:16, 17፣ 8:47) ሓደ ሰብ ደገፍ ኣምላኽ ክረክብ እንተ​ድኣ ዀይኑ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣብ ቃሉ ዝገለጾ ጥራይ ኢዩ ክምህር ዘለዎ: ኣብ ሰብኣዊ ጥበብ ወይ ልምዲ እተመርኰሰ ትምህርትታት ከኣ ክነጽጎ ኣለዎ።​—⁠ኢሳይያስ 29:⁠13፣ ማቴዎስ 15:⁠3-9፣ ቈሎሴ 2:⁠8

8. ኣብ ኣምልኾ ስም ኣምላኽ ምጥቃም ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

8 ነቲ የሆዋ ዝብል ስም ኣምላኽ ይጥቀሙን የፍልጡን። ኢሳይያስ ኣቐዲሙ ከምዚ ብምባል ተዛረበ:- “በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ክትብሉ ኢኹም: ንእግዚኣብሄር ኣመስግኑ: ንስሙ ጸውዑ: ግብሩ ኣብ ኣህዛብ ኣፍልጡ: ስሙ ልዑል ከም ዝዀነ ንገሩ። ግሩም ነገር ገይሩ እዩ እሞ: ንእግዚኣብሄር ዘምሩ: እዚ ኣብ ኵላ ምድሪ ይፈለጥ።” (ኢሳይያስ 12:4, 5) የሱስ ንሰዓብቱ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ” ኢሎም ክጽልዩ ማሃሮም። (ማቴዎስ 6:⁠9) ስለዚ እምበኣር: ካብ ኣይሁድ ይኹኑ ኣይኹኑ ብዘየገድስ ክርስትያናት ‘ንስም ኣምላኽ ዝዀኑ ህዝቢ’ ዀይኖም ከገልግሉ ነበሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠14) ኣምላኽ ነቶም ‘ንስሙ ዝዀኑ ህዝቢ’ ብምዃኖም ሓበን ዝስምዖም ሰባት ክድግፎም ባህ ከም ዝብሎ ግሁድ ኢዩ።

9. (ሀ) ሓጐስ ንኣባላት ናይ ሓንቲ ሓቀኛ ሃይማኖት መለለዪ ክኸውን ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኢሳይያስ ንሓቀኛ ሃይማኖት ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣነጻጺርዎ ዘሎ ብኸመይ ኢዩ፧

9 ከም ኣምላኽ ሓጐስ ኢዮም ዘንጸባርቑ። የሆዋ ምንጪ ናይቲ “ብስራት” ብምዃኑ “ሕጉስ ኣምላኽ” ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:⁠11 NW ) ስለዚ ኣምለኽቱ ድኣ እሞ ከመይ ገይሮም ኢዮም ዘይሕጉሳት ክዀኑ ወይ ዅሉ ግዜ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ክህልዎም ዝኽእል፧ ሓቀኛታት ክርስትያናት ሽሕኳ ዓለማዊ ጸቕጥን ብሕታዊ ግድላትን እንተለዎም: ስርዓታውያን ኰይኖም ስቡሕ መንፈሳዊ መግቢ ስለ ዝምገቡ ኵሉ ግዜ ሕጉሳት ኢዮም። ኢሳይያስ ምስቶም ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዘዘውትሩ ሰባት ኣነጻጺርዎም ኣሎ። ከምዚ በለ:- “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፤ እንሆ: ባሮተይ ኪበልዑ: ንስኻትኩም ግና ክትጠምዩ ኢኹም: እንሆ: ባሮተይ ኪሰትዩ: ንስኻትኩም ግና ክትጸምኡ ኢኹም: እንሆ: ባሮተይ ኪሕጐሱ: ንስኻትኩም ግና ክትሐፍሩ ኢኹም። እንሆ: ባሮተይ ብሓጐስ ልቢ እልል ኪብሉ: ንስኻትኩም ግና ብጓሂ ልቢ ኽትግዕሩ: መንፈስኩም ስለ እተሰባበረ ኸኣ: ዋይዋይ ክትብሉ ኢኹም።”​—⁠ኢሳይያስ 65:13, 14

10. እቶም ሓቀኛ ሃይማኖት ዘለዎም ሰባት ብሃሰሰ ለባም ክማሃሩ ዘይደልዩ ስለምንታይ ኢዮም፧

10 ኣካይዳኦምን ውሳነታቶምን ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም ዘሰማምዕዎ። እቲ ንመጽሓፍ ምሳሌ ዝጸሓፈ ኸምዚ ብምባል ይመኽረና:- “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።” (ምሳሌ 3:5, 6) ኣምላኽ ነቶም ኣምላኻዊ ጥበብ ዝነጽጉ ሰባት ንዘቘምዎ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ክልሰ⁠-​ሓሳባት ዘይኰነስ መምርሒ ክህቦም ናብኡ ቍሊሕ ዝብሉ ሰባት ይድግፎም ኢዩ። ሓደ ሰብ ናብርኡ ምስቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ስርዓታት ኣሰማሚዑ ክኸይድ ፍቓደኛ እንተ​ድኣ ዀይኑ ብሃሰሰ ለባም ክማሃር ኣይደልን ኢዩ።​—⁠መዝሙር 119:⁠33፣ 1 ቈረንቶስ 1:⁠19-21

11. (ሀ) ኣባላት ናይ ሓንቲ ሓቀኛ ሃይማኖት ቤተ⁠-​ክህነትን ምእመናን ተባሂሎም ዘይፈላለዩ ስለምንታይ ኢዮም፧ (ለ) እቶም ኣብ ማእከል ህዝቢ ኣምላኽ ናይ መሪሕነት ቦታ ዘለዎም ነቲ መጓሰ ከመይ ዝበለ ኣብነት ኢዮም ዝዀንዎ፧

11 ኣገባብ ናይታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ብምስዓብ እተመሓደሩ ኢዮም። የሱስ “መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ: መምህራን ኣይትብሀሉ: ንስኻትኩምሲ ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም። ኣቦኹም: እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ: ሓደ እዩ እሞ: ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦይ ኣይትበሉ። መራሒኹም ሓደ እዩ: ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እሞ: ንስኻትኩምሲ መራሕቲ ኣይትብሀሉ። እቲ ኻባኻትኩም ዚበልጽሲ ግዙእኩም ይኹን” ዝብል መሰረታዊ ስርዓት ኣውጺኡ ኢዩ። (ማቴዎስ 23:8-11) ሓንቲ ብኣሕዋት ዝቘመት ጉባኤ ንገዛእ ርእሱ እተፈላለየ መዓርጋት ክብሪ እናሃበ ልዕሊ ምእመናን ምዃኑ ዘርኢ ዕቡይ ስርዓት ቤተ⁠-​ክህነት ክህሉ ኣይትፈቅድን ኢያ። (እዮብ 32:⁠21, 22) ነቶም ንመጓሰ ኣምላኽ ዝጓስዩ “ብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር: ብግዲ ኣይኹን: ብታሕጓስ እምበር: ምእንቲ ኸንቱ ረብሓውን ኣይኹን: ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር: ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይተት ኣይትኹኑ” ዝብል ማዕዳ ኢዩ ተዋሂብዎም ዘሎ። (1 ጴጥሮስ 5:2, 3) ሓቀኛታት ክርስትያን ጓሶት ኣብ ልዕሊ እምነት ካልኦት ከይጕይተቱ ይጥንቀቑ ኢዮም። ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ መተዓይይቲ ኸም ምዃኖም መጠን ሰናይ ኣብነት ንምዃን ኢዮም ዝጽዕሩ።​—⁠2 ቈረንቶስ 1:⁠24

12. ኣምላኽ ነቶም ደገፉ ክረኽቡ ዝብህጉ ሰባት ብዛዕባ ሰብኣውያን መንግስታት ከመይ ዝበለ ሚዛናዊ ኣቕዋም ክሕዙ ኢዩ ዝጽበዮም፧

12 ንሰብኣውያን መንግስታት ዝግዝኡ እኳ እንተዀኑ ገለልተኛታት ኢዮም። ‘ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ዘይግዛእ’ ሰብ ደገፍ ኣምላኽ ክረክብ ዘይሕሰብ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ‘እቶም ዘለዉ ስልጣናት ብኣምላኽ እተሰርዑ ኢዮም። ስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዝቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ ኢዩ ዝቃወሞ።’ (ሮሜ 13:1, 2) ይኹን እምበር የሱስ “ናይ ቄሳር ንቄሳር: እቲ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ” ክብል ከሎ ናይ ክልቲኦም ድሌት ክጋጮ ከም ዝኽእል ኢዩ ኣፍልጦ ዝህበሉ ነይሩ። (ማርቆስ 12:17) እቶም ደገፍ ኣምላኽ ክረኽቡ ዝብህጉ ሰባት ምስቲ ድሌት ኣምላኽ ንምፍጻም ዘለዎም ዝለዓለ ሓላፍነት ዝሰማማዕ ሕግታት ናይታ ዝነብሩላ ሃገር እናተኣዘዙ ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ክደልዩ’ ይግብኦም። (ማቴዎስ 6:33፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:⁠29) የሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ “ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ: ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን” ክብል ከሎ ገለልትነት ኢዩ ዘጕልሕ ነይሩ። ጸኒሑ ኸኣ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” በለ።​—⁠ዮሃንስ 17:16፣ 18:36

13. ንህዝቢ ኣምላኽ ንምልላይ ፍቕሪ ከመይ ዝበለ ግደ ኢዩ ዘለዋ፧

13 ‘ንዅሉ ሰብ ሰናይ ስለ ዝገብሩ ’ ኣየዳልዉን ኢዮም። (ገላትያ 6:10) ሕብሪ ቘርበቶም: ቍጠባዊ ወይ ትምህርታዊ ደረጅኦም: ዜግነቶም ወይ ቋንቋኦም ብዘየገድስ ንዅሎም ዓይነት ሰባት ስለ እትቕበሎም ኣብ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ኣድልዎ የለን። ንዅሉ ሰብ ብፍላይ ድማ ነቶም ኣመንቲ ስድራ​ቤት ዝግበር ሰናይ ግብሪ: ደገፍ ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት መን ምዃኖም ንምልላይ ዝሕግዝ ኢዩ። የሱስ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ።​—⁠ዮሃንስ 13:⁠35፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:⁠34, 35

14. እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ግድን ሓፈሻዊ ተቐባልነት ይረኽቡዶ ኢዮም፧ ግለጽ።

14 ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባሮም ንዝወርዶም መስጐጕቲ ክቕበልዎ ፍቓደኛታት ኢዮም። የሱስ ንሰዓብቱ “ንኣይ ሰጕጎምኒ እንተ ዀይኖም: ንኣኻትኩምውን ኪሰጉኹም እዮም። ቃለይ ሐልዮም እንተ ዀይኖም ከኣ: ቃልኩምውን ኪሕልዉ እዮም” ብምባል ኣጠንቀቖም። (ዮሃንስ 15:20፣ ማቴዎስ 5:⁠11, 12፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:⁠12) እቶም ደገፍ ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ኵሉ ግዜ ብብዙሓት ተቐባልነት ኣይረኽቡን ኢዮም። ንኣብነት: እቲ ንዓለም ብእምነቱ ዝዀነና ኖህ ክጥቀስ ይከኣል ኢዩ። (እብራውያን 11:⁠7) ሎሚ እቶም ደገፍ ኣምላኽ ክረኽቡ ዝብህጉ ሰባት ካብ መስጐጕቲ ንኸምልጡ ኢሎም ንቓል ኣምላኽ ከሕስሩ ወይ ንኣምላኻዊ ስርዓታት ክለማመጥሉ ኣይደልዩን ኢዮም። ንኣምላኽ ብተኣማንነት ከገልግለዎ ኸለዉ ሰባት ‘እናተጻረፉ ብእኦም ከም ዝግረሙ’ ይፈልጡ ኢዮም።​—⁠1 ጴጥሮስ 2:⁠12፣ 3:⁠16፣ 4:⁠4

ነቲ ጭብጥታት እተመዛዝነሉ ግዜ ሕጂ ኢዩ

15, 16. (ሀ) ደገፍ ኣምላኽ ዘለዎም ሃይማኖታውያን ጕጅለ ኣየኖት ምዃኖም ንምልላይ ክሕግዘና ዝኽእል ከመይ ዝበለ ሕቶታት ኢዩ፧ (ለ) ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ከመይ ዝበለ መደምደምታ ኢዮም በጺሖም: ስለምንታይከ፧

15 ንገዛእ ርእስኻ ከምዚ ዝስዕብ ኢልካ ሕተት:- ‘እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ትምህርትታት ካብቲ መብዛሕትኦም ሰባት ዘለዎም እምነት እተፈልየ እኳ እንተ​ዀነ ምሉእ ብምሉእ ንቓል ኣምላኽ ዝስዕቡ ሃይማኖታውያን ጕጅለ መን ኢዮም፧ ንኣገዳስነት ስም ኣምላኽ ዘጕልሑ: ካብኡ ሓሊፎም ድማ ከም መለለዪኦም ገይሮም ዝጥቀምሉ መን ኢዮም፧ ንዅሉ ሰብኣዊ ግድላት እትፈትሕ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ምዃና ብምሕባር ብሩህ ተስፋ ዘለዎም መን ኢዮም፧ ድሑራት ተባሂሎም ከይጽውዑ ብዘይ​ምፍራህ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝምርሑ መን ኢዮም፧ ዝኽፈሉ ኻህናት ዘይብሎም ኵሎም ኣባላቶም ሰበኽቲ ዝዀኑ ጕጅለ ኣየኖት ኢዮም፧ ኢዶም ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ዘየእትዉ እኳ እንተዀኑ ሕጊ ዘኽብሩ ዜጋታት ብምዃኖም ዝምስገኑ መን ኢዮም፧ ንኻልኦት ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማታቱን ክማሃሩ ንምሕጋዝ ግዜኦምን ጕልበቶምን ብፍቕሪ ዝውፍዩ መን ኢዮም፧ በዚ ዅሉ ዝነኣድ ጠባይ እናተመላለሱ ክነሶም ዝነዓቑን ዝጽረፉን ዝስጐጉን መን ኢዮም፧’

16 ኣብ መላእ ዓለም ዝነብሩ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ነዚ ጭብጥታት እዚ ብምምዝዛን ሓቀኛ ሃይማኖት ሒዞም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ከም ዝዀኑ ኣሚኖም ኢዮም። ኣብዚ መደምደምታ እዚ ኽበጽሑ ዝኸኣሉ ኸኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዝምህርዎ ትምህርትታትን ዘለዎም ኣካይዳን ከምኡውን ሃይማኖቶም ዘምጽኣሎም ረብሓታት ብምርኣይ ኢዩ። (ኢሳይያስ 48:⁠17) ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ከምቲ ኣብ ዘካርያስ 8:⁠23 ብትንቢት እተነግረ “እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝዀነ: ሰሚዕና ኢና እሞ: ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና” ኢዮም ዝብሉ ዘለዉ።

17. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቀኛ ሃይማኖት ኣሎና ኢሎም ምዝራቦም ድርቅና ዘይከውን ስለምንታይ ኢዩ፧

17 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደገፍ ኣምላኽ ዘለዎም ንሳቶም ጥራይ ምዃኖም እንተ ተዛረቡ ድርቅና ድዩ፧ ልክዕ ከምቲ ኣብ ግብጺ ዝነበሩ እስራኤላውያን ምስቲ ናይ ግብጻውያን እምነት ብምንጽጻር ደገፍ ኣምላኽ ዝነበሮም ንሳቶም ጥራይ ምዃኖም ዝገለጹ: ወይ ልክዕ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ደገፍ ኣምላኽ ዝነበሮም እቶም ሃይማኖታውያን ኣይሁድ ዘይኰነስ ንሳቶም ጥራይ ምዃኖም ዝዛረቡ ዝነበሩ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ከምኡ እንተበሉ ሓድሽ ነገር ኣይኰነን። እዚ ብመርትዖ ተረጋጊጹ ኢዩ። ኣብ 235 ሃገራት ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ የሱስ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ብምባል ሓቀኛታት ሰዓብቱ ኣብ ግዜ መወዳእታ ክፍጽምዎ ምዃኖም እተዛረበሉ ዕዮ ይፍጽምዎ ኢዮም ዘለዉ።​—⁠ማቴዎስ 24:14

18, 19. (ሀ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምጽራር ከጋጥሞም ከሎ እውን ከይተረፈ ዕዮ ስብከቶም ዘቋርጽሉ ምኽንያት ዘይብሎም ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) መዝሙር 41:⁠11 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደገፍ ኣምላኽ ከም ዘለዎም እትገልጸልና ብኸመይ ኢያ፧

18 ናይ የሆዋ መሰኻኽር መስጐጕቲ ይኹን ምጽራር ንዕዮኦም ክዓናቕጾ ብዘይ​ምፍቃድ ነዚ መዝነት እዚ ምፍጻም ክቕጽሉ ኢዮም። ዕዮ የሆዋ ክፍጸም ይግብኦ: ክፍጸም ድማ ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት: ተጻረርቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕዮ ኣምላኽ ንኸይፍጽሙ ኢሎም ክዓናቕጽዎም ዝገበርዎ ጻዕሪ መወዳእትኡ ፈሺሉ ኢዩ: ከመይሲ የሆዋ ከምዚ ኢሉ ተማባጺዑ ነይሩ ኢዩ:- “ንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር ኵሉ ኣይኪጠቅምን እዩ: ነቲ ንፍርዲ ዚትንስኣኪ ዅሉ ልሳን ድማ ክትርስዕዮ ኢኺ። እዚ እዩ ርስቲ ባሮት እግዚኣብሄር: ጽድቆምውን ካባይ እዩ: ይብል እግዚኣብሄር።”​—⁠ኢሳይያስ 54:17

19 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓለምለኻዊ ምጽራር እናኣጋጠሞም ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ድልዱላትን ንጡፋትን ኰይኖም ክዓዩ ምኽኣሎም የሆዋ ንዕዮኦም ከም ዝሰመሮ ዘረጋግጽ መርትዖ ኢዩ። ንጉስ ዳዊት “ጸላእየይ እንተ ዘይተዐወተለይ: በዚ ንስኻ ኸም ዝበሀግካኒ እፈልጥ አሎኹ” በለ። (መዝሙር 41:11፣ 56:9, 11) እቲ መራሒ ህዝቢ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ናብቲ ናይ መወዳእታ ዓወት ገጹ ይስጕም ስለ ዘሎ ጸላእቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ናይ ዓወት ጭድርታ ፈጺሞም ኣይከስምዑን ኢዮም!

ክትምልሶዶ ምኸኣልካ፧

• ደገፍ ኣምላኽ ዝነበሮም ኣየኖት ናይ ጥንቲ ኣብነታት ክንጠቅስ ንኽእል፧

• ገለ መለለዪ ሓቀኛ ሃይማኖት እንታይ ኢዩ፧

• ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደገፍ ኣምላኽ ኣለዎም ኢልካ ብብሕትኻ እትኣምን ስለምንታይ ኢኻ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ደገፍ ኣምላኽ ክረኽቡ ዝብህጉ ሰባት ትምህርትታቶም ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመርኰሰ ክኸውን ኣለዎ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያን ሽማግለታት ነቲ መጓሰ ኣብነት ብምዃን ኢዮም ዘገልግሉ