ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ የሆዋ ዘሎካ እምንቶ ኣደልድል

ኣብ የሆዋ ዘሎካ እምንቶ ኣደልድል

ኣብ የሆዋ ዘሎካ እምንቶ ኣደልድል

ሰብ ንምቕታል ዝሓለነ ውዲት ይእለም ኢዩ ዘሎ። ኵሎም ላዕለዎት ሰበ⁠-​ስልጣን እታ ሃገር ተማኺሮም ሓደ ሓድሽ ሕጊ ኽወጽእ ሕቶ ኣቕሪቦም ኣለዉ። ብመንግስቲ ኣብ ዘይተፈቕደ ዝዀነ ይኹን ኣምልኾ እተረኽበ ሰብ ንኽቕተል ሕጊ ኽወጽእ ኢዩ ድሌቶም።

 እዝስ እትፈልጦ ታሪኽ ኰይኑዶ ይስምዓካ ኣሎ፧ ከም ሕጊ ኢና እናበሉ ዝዕምጹ ሰባት ኣብ ታሪኽ ብተደጋጋሚ ተራእዮም ኢዮም። እዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ታሪኽ ብግዜ ነብዪ ዳንኤል ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ ኢዩ ኣጋጢሙ። ንጉስ ዳርዮስ ዘውጽኦ ሕጊ “[ንንጉስ] እንተ ዘይኰይኑ: ንዝዀነ ይኹን ኣምላኽ ወይስ ንሰብ ዝለመነ ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ከም ዚድርበ” ዝገልጽ ነበረ።​—⁠ዳንኤል 6:⁠7-9

ዳንኤልከ ኣብዚ ንህይወቱ ዘስግእ ኵነታት እንታይ ገበረ፧ ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ድዩ ተወኪሉ ወይስ ከምቲ እቲ ንጉስ ዝኣዘዞ ብምግባር ተለማሚጡ ኢዩ፧ እቲ ጸብጻብ ከምዚ ብምባል ይነግረና:- “ዳንኤል ድማ እዚ ሕጊ እዚ ኸም እተጻሕፈ ምስ ፈለጠ: ናብ ቤቱ ኸደ። እተን መሳዅቲ እታ ኣብ ደርቢ ዝነበረት ቤቱ ናብ የሩሳሌም ኣቢለን ተኸፊተን ነበራ እሞ ከምቲ ቐደም ዚገብሮ ዝነበረ ሰለስተ ሳዕ ኣብ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ብብርኩ እናተምበርከኸ: ጸለየን አመስገነን።” (ዳንኤል 6:⁠10) እቲ ቐጺሉ ዝሰዓበ ነገራት ፍሉጥ ታሪኽ ኢዩ። ዳንኤል ብሰንኪ እምነቱ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ተደርበየ: የሆዋ ግን ‘ኣፍ ኣናብስ ብምዕጻው’ ነቲ እሙን ኣገልጋሊኡ ኣድሓኖ።​—⁠እብራውያን 11:⁠33፣ ዳንኤል 6:⁠16-22

ገዛእ ርእስና እንምርምረሉ እዋን

ሎሚ ኣገልገልቲ የሆዋ ንስጋውን መንፈሳውን ድሕንነቶም ዘስግእ ነገራት ኣብ ዝመልኣ ዓለም ኢዮም ዝነብሩ ዘለዉ። ንኣብነት ኣብ ገሊአን ሃገራት ዓሌታዊ ጽልኢ ስለ ዝገንፈለ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሰንኩ ተቐቲሎም ኢዮም። ኣብ ካልኦት ቦታታት ከኣ ንኣገልገልቲ የሆዋ ሕጽረት መግቢ: ቍጠባዊ ጸገማት: ባህርያዊ ዕንወት: ከቢድ ሕማም: ከምኡውን ካልእ ንህይወት ዘስግእ ነገራት የጋጥሞም ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ነቲ ዝወርዶም ስደት ክጽመሙን ግጉይ ተግባራት ንኽገብሩ ዝመጾም ፈተናታት ክዋጽኡሉን ኣለዎም፣ እዚ ዅሉ ድማ ንመንፈሳውነቶም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኢዩ። ብርግጽ እቲ ቐንዲ መጻርርትና ሰይጣን ክሰልጦ ብዝኽእል ዝዀነ ይኹን መገዲ ተጠቒሙ ንኣገልገልቲ የሆዋ ከጥፍኦም ይጽዕር ኣሎ።​—⁠1 ጴጥሮስ 5:⁠8

ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ከጋጥመና ኸሎ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧ ንህይወት ዘስግእ ነገራት ከጋጥመካ ኸሎ ምፍራህ ባህርያዊ እኳ እንተ​ዀነ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ እተዛረቦ ዘጸናንዕ ቃላት ክንዝክሮ ንኽእል ኢና:- “[የሆዋ] ባዕሉ፤ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ: ኢሉ እዩ . . . ስለዚ ተቢዕና፤ እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ: ኣይክፈርህን እየ: ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧ ንበል።” (እብራውያን 13:⁠5, 6) የሆዋ ብዛዕባ እቶም ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቱ ተመሳሳሊ ስምዒት ከም ዘለዎ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር: ንመብጽዓታት የሆዋ ምፍላጥን ንጥቕምና ኢሉ ስጕምቲ ከም ዝወስድ ምእማንን እተፈላለየ ነገር ኢዩ። ስለዚ እቲ ኣብ የሆዋ ክንገብሮ ዝግባእ እምንቶ ኣብ ምንታይ ክስረት ከም ዘለዎ ክንምርምር ከምኡውን ነቲ እምንቶ ንምድልዳልን ንምዕቃብን ዝከኣለና ዅሉ ኽንገብር ኣሎና። ከምዚ እንተ​ድኣ ገይርና ‘እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዝበልጽ ሰላም ኣምላኽ ንልብናን ሓሳብናን ብክርስቶስ የሱስ ክሕልዎ ኢዩ።’ (ፊልጲ 4:⁠7) ሽዑ ፈተናታት ምስ ዝመጽእ ብንጹር ክንሓስብን ብጥበብ ክንዋጽኣሉን ንኽእል።

ኣብ የሆዋ እምንቶ ንኸነሕድር መሰረት ዝዀነና ነገራት

ኣብ ፈጣሪና የሆዋ እምንቶ ከነሕድር ዘኽእለና ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና። ብቐዳምነት የሆዋ ንኣገልገልቱ ብሓቂ ዝሓሊ ፈቃር ኣምላኽ ምዃኑ ኢዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋ ንኣገልገልቱ ብዛዕባ ዘርኣዮም ፍቕራዊ ሓልዮት ዝገልጽ ኣዝዩ ብዙሕ ኣብነታት ተመዝጊቡልና ኣሎ። የሆዋ ነቶም ሕሩያት ህዝቡ ዝነበሩ እስራኤላውያን እንታይ ግብርታት ከም ዝገበረሎም ሙሴ ኽገልጽ ከሎ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣብ ጽምዊ ባድማ በረኻ: ኣራዊት ዜድህዩሉ: ኣብ ምድሪ በረኻ ረኸቦ። ከበቦን ተኸናኸኖን: ከም መርዓት ዓይኑ ሐለዎ።” (ዘዳግም 32:⁠10) ኣብዚ ግዜና እውን የሆዋ ንኣገልገልቱ ብጕጅለ ዀነ ብውልቀ⁠-​ሰብ ደረጃ ይከናኸኖም ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ቦዝንያ ውግእ ሓድሕድ ከሎ ገለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዋሕዲ መግቢ ኣጋጢምዎም ነበረ። የሆዋ በቶም ንኣሕዋቶም ረዲኤት ንምብጻሕ ህይወቶም ቀቢጾም ካብ ክሮኤሽያን ኣውስትርያን ናብቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ቦታ እተጓዕዙ ተባዓት ኣሕዋቶም ኣቢሉ ዘድሊ ነገራት ከም ዝረኽቡ ገበረ። a

የሆዋ ኣምላኽ ኵሉ ዝኽእል ስለ ዝዀነ: ንኣገልገልቱ ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ጸገም ከዕቍቦም ይኽእል ኢዩ። (ኢሳይያስ 33:⁠22፣ ራእይ 4:⁠8) ገሊኦም ኣገልገልቱ ኽሳዕ ሞት ተኣማንነቶም ከረጋግጹ ዝፈቅድ እኳ እንተ​ዀነ: ክሳዕ መወዳእታ ጽኑዓትን ሕጉሳትን ንኽዀኑ ከምኡውን ንኸይርበሹ ብምሕጋዝ ንጽህናኦም ንኽሕልዉ የጽንዖም ኢዩ። ስለዚ ከምቲ ኸምዚ ዝስዕብ ዝበለ ጸሓፍ መዝሙር ዝነበሮ ዓይነት እምንቶ ክህልወና ይኽእል ኢዩ:- “ኣምላኽ ንኣና መዕቈብን ሓይልን: ብጸበባ ፍጡን ረድኤትን እዩ። ስለዚ ምድሪ እንተ ተገልበጠት: ኣኽራን ኣብ መዓሙቝ ባሕሪ እንተ ተናወጹ: . . . ንሕናስ ኣይንፈርህን ኢና።”​—⁠መዝሙር 46:⁠1, 2

ብተወሳኺውን የሆዋ: ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ ኢዩ። ከምዚ ኽበሃል ከሎ ዅሉ ሳዕ መብጽዓታቱ ይፍጽም ማለት ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ዘይሕሱ ኣምላኽ” ብምባል እውን ገሊጽዎ ኣሎ። (ቲቶስ 1:⁠2) የሆዋ ንኣገልገልቱ ንምዕቋብን ንምድሓንን ዘለዎ ባህጊ ደጋጊሙ ስለ ዝገለጸ: መብጽዓታቱ ንምፍጻም ክእለት ጥራይ ዘይኰነስ ድሉው ምዃኑ እውን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።​—⁠እዮብ 42:⁠2

እምንቶና ከነደልድለሉ እንኽእል መገድታት

ኣብ የሆዋ እምንቶ ንኸነሕድር እኹል ምኽንያታት እኳ እንተ​ሎና: እዚ እምንቶ እዚ ግን ክጐድል ዘይክእል ኰይኑ ኽስምዓና የብሉን። ከመይሲ ዓለም ብሓፈሻ ኽንሪኣ ኸሎና ኣብ ኣምላኽ እምነት ዳርጋ የብላን: ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ኸኣ ነቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ብቐሊሉ ከዳኽሞ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ንዘሎና እምንቶ ንምድልዳልን ንምዕቃብን ኣበርቲዕና ኽንጽዕር ኣሎና። የሆዋ ነዚ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ኢዩ: ክንዋጽኣሉ ዘኽእለና መገድታት ድማ ኣዳልዩልና ኣሎ።

ብቐዳምነት ነቲ ምእንቲ ኣገልገልቱ ዝገበሮ ኣዝዩ ብዙሕ ሓያል ግብርታት እተመዝገቦ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉ መጽሓፍ ቅዱስ ሂቡና ኣሎ። ሕስብ እሞ ኣብል: ንሓደ ሰብ ስሙ ጥራይ ትፈልጦ እንተ ዄንካ: ኣብኡ ክሳዕ ክንደይ ኢኻ እምንቶ ኸተሕድር እትኽእል፧ ምናልባት ‘እተኣማመነሉ ኢየ’ እውን እንተ በልካ: ብዙሕ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ኣብኡ እምንቶ ንኸተሕድር ተግባራቱ ኽትፈልጥ የድልየካ ኢዩ: ከምኡ ደይኰነን፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸብጻባት ከነንብብን ከነስተንትነሉን ከሎና ብዛዕባ የሆዋን እቲ ዘደንቕ መገድታቱን ዘሎና ፍልጠት ይዓምቝ: ክሳዕ ክንደይ ትውክልቲ ኽግበረሉ ዝግባእ ምዃኑ ድማ ብዝያዳ ይርድኣና። ስለዚ ኣብኡ ዘሎና እምንቶ ይድልድል። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ናብ ኣምላኽ ልባዊ ጸሎት ከቕርብ ከሎ ከምዚ ብምባል ሰናይ ኣብነት ገዲፉ ኢዩ:- “ናይ ቀደም ተኣምራትካ ኽሐስብ እየ እሞ: ንግብርታት እግዚኣብሄር ክዝክሮ እየ: ንብዘሎ ግብርታትካ ድማ ከስተንትኖ: ንዕዮኻውን ክምርምሮ እየ።”​—⁠መዝሙር 77:⁠11, 12

ኣብ ርእሲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን በቲ ማሕበር የሆዋ እተዳልዎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ኣቢልና ኣኽል⁠-​ታርፍ መንፈሳዊ መግቢ ንረክብ ኢና። ኣብዚ ጽሑፋት እዚ የሆዋ ንኣገልገልቱ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ብኸመይ ከም ዝሓገዞምን ዝረድኦምን ዝገልጽ ናይዚ ግዜና ዘነቓቕሕ ጸብጻባት ንረክብ ኢና። ንኣብነት: እቲ ደሓር ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀነ ሓው ማርቲን ፖይትሲንገር ኣብ ኣውሮጳ ካብ ዓዱ ወጻኢ ፓይነር ኰይኑ እናገልገለ ኸሎ ከቢድ ሕማም ሓመመ። ገንዘብ ኣይነበሮን: ምርመራ ኽገብረሉ ፍቓደኛ ዝኸውን ሓኪም እውን ኣይተረኽበን። የሆዋ ግን ኣይሓደጎን። ኣብ መወዳእታ ሓደ ተመክሮ ዘለዎ ኣብቲ ኸባቢ ናይ እትርከብ ሆስፒታል ኣማኻሪ ብዛዕባ እዚ ኸም ዝፈልጥ ተገብረ። እዚ ሕያዋይ ሰብኣይ እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ድልዱል እምነት ስለ ዝነበሮ ንሓው ፖይትሲንገር ከም ወዱ ገይሩ ተኸናኸኖ: ብናጻ ድማ ሓከሞ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮ ምንባብ ነቲ ኣብቲ ሰማያዊ ኣቦና ዘሎና እምንቶ ብርግጽ ከደልድሎ ይኽእል ኢዩ።

የሆዋ ኣብኡ ዘሎና እምንቶ ንምድልዳል ዘዳለወልና ኻልእ መገዲ እቲ ኽቡር ናይ ጸሎት መሰል ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብፍቕራዊ መገዲ “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር: ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ” ኢሉና ኢዩ። (ፊልጲ 4:⁠6) እታ ‘ዘበለ’ እትብል ቃል ንስምዒትና: ድሌትና: ፍርህና: ከምኡውን ንጭንቀትና ከተጠቓልል ትኽእል ኢያ። ጸሎትና ዘየቋርጽን ልባውን ብዝዀነ መጠን: ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ እናደልደለ ኢዩ ዝኸይድ።

የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሓድሓደ ግዜ ኽጽሊ ኸሎ ምእንቲ ኸይርበሽ ናብ ጽምዊ ቦታ ንበይኑ ይኸይድ ነበረ። (ማቴዎስ 14:⁠23፣ ማርቆስ 1:⁠35) ከቢድ ውሳነታት ቅድሚ ምግባሩ: ምሉእ ለይቲ ናብ ኣቦኡ ብምጽላይ የሕልፎ ነበረ። (ሉቃስ 6:⁠12, 13) የሱስ ኣብ የሆዋ ዝነበሮ እምንቶ ኣዝዩ ድልዱል ስለ ዝነበረ ነቲ ኣዝዩ ዝኸበደ ፈተና ኽጻወር ምኽኣሉ ኣየገርምን ኢዩ። ኣብቲ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ኸሎ ንመወዳእታ ግዜ ዘውስአን ቃላት “ኣቦይ: ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኤማዕቍባ አሎኹ” ዝብላ ነበራ። የሆዋ ንኸድሕኖ ኢሉ ጣልቃ እውን እንተ ዘይኣተወ: እዘን ቃላት እዚኣተን ግን ክሳዕ መወዳእታ ኣብ ኣቦኡ ዝነበሮ እምንቶ ከም ዘይጐደለ ዘርእያ ኢየን።​—⁠ሉቃስ 23:⁠46

ካልእ ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ንኸነደልድል ዝሕግዘና ነገር ምስቶም ብምሉእ ልቦም ኣብኡ ዝውከሉ ሰባት ወትሩ ሕብረት ምግባር ኢዩ። የሆዋ ንህዝቡ ብዛዕብኡ ዝያዳ ንኽማሃሩን ንሓድሕዶም ንኽበራትዑን ስሩዕ ኣኼባ ንኽገብሩ ኣዚዝዎም ኢዩ። (ዘዳግም 31:⁠12፣ እብራውያን 10:⁠24, 25) ከምዚ ዝኣመሰለ ሕብረት ነቲ ኣብ የሆዋ ዘለዎም እምንቶ ስለ ዘደልድሎ: ነቲ ኣብ እምነቶም ዘጋጥሞም ከቢድ ፈተና ንኽጻወርዎ ዘኽእሎም ኢዩ። ኣብ ሓንቲ ዕዮ ስብከት እተኣገደላ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ፖሊስ ዝህቦ ኣገልግሎት: ናይ ጕዕዞ ወረቐት: ናይ መርዓ ወረቐት ምስክር: ሕክምና: ከምኡውን ስራሕ ከይረኽቡ ተኸልኪሎም ኢዮም። ውግእ ሓድሕድ ኣብ ሓደ ኸባቢ ምስ ተባርዐ: ቈልዑ ዝርከብዎም 39 ኣባላት ሓንቲ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ጉባኤ ካብቲ ንኸተማኦም ዝወርዳ ዝነበረ ደብዳብ ንምምላጥ ንኣርባዕተ ወርሒ ዝኸውን ኣብ ምድረ⁠-​በዳ ኣብ ትሕቲ ቢንቶ ተሓቢኦም ኢዮም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ጽንኩር እዋን እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብርዎ ዝነበሩ መዓልታዊ ምይይጥን ካልእ ኣኼባታትን ብዙሕ ኣበራቲዕዎም ኢዩ። በዚ ኸምዚ ድማ መንፈሳውነቶም ከይተተንከፈ ነቲ ጽንኩር እዋን ክሓልፍዎ ኸኣሉ። እዚ ተመክሮ እዚ ምስ ህዝቢ የሆዋ ስሩዕ ኣኼባ ምግባር ክሳዕ ክንደይ ጠቓሚ ምዃኑ ብንጹር ዘርኢ ኢዩ።

ኣብ መወዳእታ ኸኣ: ነቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ከነደልድል ንደሊ እንተ​ድኣ ዄንና ነቲ ብስራት ንሰባት ንምክፋል ወትሩ ድሉዋት ብምዃን ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ንጡፋት ክንከውን ኣሎና። እዚ ድሉውነት እዚ ኣብታ ኣብ ካናዳ እትነብር ቀናእ መንእሰይ ኣስፋሒት ተራእዩ ኢዩ፣ ንሳ ሉኪሚያ ዝበሃል ዘይሰድድ ናይ ደም መንሽሮ ሓሚማ ነበረት። ይኹን እምበር: እዚ ኸቢድ ሕማም እዚ እኳ እንተ ነበራ: ስርዓታዊት ፓይነር ማለት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ኰይና ኸተገልግል ትደሊ ነበረት። ኣብቲ ኻብ ሕማማ ሒሹዋ ዝነበረ ሓጺር እዋን: ንሓደ ወርሒ ሓጋዚት ፓይነር ኰይና ኣገልጊላ ኢያ። ድሕርዚ እቲ ሕማም ከበዳ: ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ድማ ሞተት። እንተ​ዀነ ግን: ክሳዕ መወዳእታ ብመንፈስ ጽንዕቲ ኢያ ነይራ: ኣብ የሆዋ ዝነበራ እምንቶ እውን ኣየጕደለትን። ኣዲኣ ከምዚ ብምባል ተዘክሮኣ ትገልጽ:- “ክሳዕ መወዳእታ ኻብ ንገዛእ ርእሳ ንላዕሊ ንኻልኦት ኢያ ትሓሊ ነይራ። መጽሓፍ ቅዱስ ንኸንብቡ ተተባብዖም: ‘ኣብ ገነት ክንራኸብ ኢና’ ኸኣ ትብሎም ነበረት።”

ኣብ የሆዋ እምንቶ ከም ዘሎና ምርኣይ

“ስጋ ብዘይ​ መንፈስ ምዉት ከም ዝዀነ: ከምኡውን እምነት ብዘይ​ ግብሪ ምውትቲ እያ።” (ያእቆብ 2:⁠26) እቲ ያእቆብ ብዛዕባ ኣብ ኣምላኽ ክህልወና ዘለዎ እምነት እተዛረቦ ነገር: ኣብ እምንቶ እውን ክዓዪ ይኽእል ኢዩ። ሽሕ ሳዕ ብኣፍና ኣብ ኣምላኽ እምንቶ ነሕድር ኢና እኳ እንተ በልና: ብግብርና ነዚ እንተ ዘየንጸባሪቕናዮ ትርጕም የብሉን። ኣብርሃም ኣብ የሆዋ ምሉእ እምንቶ ነበሮ፣ ነዚ ኸኣ ነቲ ዝወሃቦ ዝነበረ ትእዛዝ​—⁠ንወዱ ይስሃቅ መስዋእቲ ንምግባር እውን ከይተረፈ​—⁠ሰጋእ መጋእ ከይበለ ብምእዛዙ ኣርኣየ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓለፍ ዝበለ እምንቶን ተኣዛዝነትን ስለ ዝነበሮ ፍቑር ኣምላኽ ተባህለ።​—⁠እብራውያን 11:⁠8-10, 17-19፣ ያእቆብ 2:⁠23

ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ንምርኣይ ግድን ከቢድ ፈተና ክወርደና ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ: እቲ ብሒደት ዚዕምጽ ድማ ብብዙሕውን ዓማጺ እዩ” በሎም። (ሉቃስ 16:⁠10) ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትና: ንኣሽቱ ኣብ ዝመስል ነገራት እውን ከይተረፈ: የሆዋ ዝሃበና ትእዛዝ ብምኽባር ኣብኡ እምንቶ ከነሕድር ንኽእል ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣዛዝነት ዘምጽኦ ረብሓታት ክንርኢ ኸሎና: ኣብ ሰማያዊ ኣቦና ዘሎና እምንቶ እናደልደለ ይኸይድ: ዝዓበየ ወይ ዝኸበደ ፈተና ከጋጥመና ኸሎ ድማ ብዓወት ክንሰግሮ ንኽእል።

ዓለም ናብ ጥፍኣት ገጻ ኸተምርሕ ከላ: ህዝቢ የሆዋ ዝያዳ ፈተናታትን ሓደጋታትን ንኸጋጥሞም ይጽበዩ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 14:⁠22፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:⁠12) ኣብ የሆዋ ድልዱልን ምሉእ ዘይጕዱልን እምንቶ ምስ እንሃንጽ እንተ ኻብቲ ዓቢ ጸበባ ብህይወት ብምስጋር ወይ ትንሳኤ ብምርካብ ናብታ እተመባጽዓልና ሓዳስ ዓለም ክንኣቱ ኢና። (2 ጴጥሮስ 3:⁠13) እምንቶ ብምጕዳል ምስ የሆዋ ዘሎና ክቡር ርክብ እንተ​ድኣ ዘየበላሺና: ኸምቲ ዳንኤል ካብ ጕድጓድ ኣናብስ ምስ ወጸ “ኣብ ኣምላኹ ተወኪሉ ስለ ዝነበረውን: ገለ ጕድኣት ኣይተረኽቦን” እተባህለሉ ንዓና ድማ ኸምኡ ኽበሃለልና ኢዩ።​—⁠ዳንኤል 6:⁠23

[እግረ-ጽሑፍ]

a ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ናይ 1 ሕዳር 1994 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 23-7 (እንግሊዝኛ) ርአ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ከም ናይ ማርቲን ፖይትሲንገር ዝኣመሰለ ናይ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ጸብጻብ ምንባብ ንእምነትና ዘደልድል ኢዩ