ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከቢድ ሓዘን እኳ እንተ ኣጋጠመኒ ሕጉስትን መማሰዊትን ኢየ

ከቢድ ሓዘን እኳ እንተ ኣጋጠመኒ ሕጉስትን መማሰዊትን ኢየ

ታሪኽ ህይወት

ከቢድ ሓዘን እኳ እንተ ኣጋጠመኒ ሕጉስትን መማሰዊትን ኢየ

ናንሲ ኢ. ፖርተር ዘዘንተወቶ

እዋኑ 5 ሰነ 1947 ናይ ድሕሪ ቐትሪ ኢዩ ነይሩ: ኣብ ሓንቲ ኻብተን ብወገን ደቡባዊ ምብራቕ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከባ ደሴታት ባሃማስ ድማ ነበርና። ሓደ ናይ ኢሚግሬሽን በዓል ስልጣን ሃንደበት ንዓይን ንጆርጅ በዓል ቤተይን ደልዩ መጸ። ኣብተን ደሴታት ክንነብር ስለ ዘይተደልየ “ካብቲ ግዝኣት ብህጹጽ ክንወጽእ” ከም ዘሎና እትገልጽ ደብዳበ ሃበና።

 ኣነን ጆርጅን ናብታ ናሶ እትበሃል ዝዓበየት ከተማ ባሃማስ ካብ ዝኣተዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሚስዮናውያን ፈለምቲ ኢና። ካብ ሻምናይ ክፍሊ ናይቲ ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ ኒው ዮርክ ዝርከብ ዝነበረ ናይ ሚስዮናውያን ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ምስ ተመረቕና ባሃማስ ተመደብና። ንሰለስተ ወርሒ ጥራይ ምስ ጸናሕና እዚ ሓያል ስጕምቲ እተወስደልና ድኣ እሞ እንታይ ገይርና ኢና፧ ካብ 50 ንዝበዝሕ ዓመታት ኣብዚ ኽጸንሕ ዝኸኣልኩኸ ብኸመይ ኢየ፧

ንኣገልግሎት ዝኸውን ስልጠና ምርካብ

እቲ ሃሪ ኪልነር ዝበሃል ኣቦይ ኣብ ህይወተይ ዓቢ ጽልዋ ኣሕዲሩለይ ኢዩ። ኣቦይ ናይ የሆዋ ምስክር ንኽኸውን ኢሉ ብዙሕ መስዋእትታት ስለ ዝኸፈለ ሰናይ ኣብነት ገዲፉለይ ኢዩ። ጥዕና ይስእን እኳ እንተ ነበረ: ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቀዳመ⁠-​ሰናብቲ ኣብ ዕዮ ስብከት ብምክፋል ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ይህብ ነበረ። (ማቴዎስ 6:⁠33) ርኹባት እኳ እንተ ዘይነበርና: ብ1930ታት እታ ኣቦይ ዝሰርሓላ እንዳ ጫማ ኣብ ላትብሪጅ: ኣልበርታ: ካናዳ: ማእከል መንፈሳዊ ንጥፈታት ኰይና ነበረት። ቈልዓ ኸለኹ እቶም ፓይነራት ተባሂሎም ዝጽውዑ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክበጽሑና ናብ ገዛና ኽመጹን ተመክሮታት ክነግሩናን ትዝ ይብለኒ።

ብ1943 ኣብ ጥቓ እተን ኣብ ኣውራጃ ኣልበርታ ዝርከባ ፎርት ሚክላውድ ከምኡውን ክላርዝሆም ዝበሃላ ንኣሽቱ ኸተማታት ፓይነር ኰይነ ኸገልግል ጀመርኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ማለት ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ተጻረርትና ብዛዕባና ናይ ሓሶት ወረ ስለ ዝነዝሑ ናይ ስብከት ዕዮና ኣብ ካናዳ ተኣጊዱ ነበረ። ዞባና ካብ ጫፍ ንጫፍ 100 ኪሎ ሜትር ኣቢሉ ዝኸውን ነበረ: እንተ​ዀነ ግን ናይ ንእስነት ሓይሊ ስለ ዝነበረና ኣብቲ ቦታ ፋሕ ኢሎም ዝርከቡ ንኣሽቱ ማሕበረሰባትን ኣብ ሕርሻታት ዝነብሩ ሰባትን ንምብጻሕ ብብሽክለታ ወይ ብእግርና ምኻድ ኣይዓጅበናን ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኻብ ጊልዓድ ተመሪቖም ምስ ዝመጹ ሚስዮናውያን ክራኸብ ከኣልኩ: ተመክሮታቶም ምስ ኣዘንተዉለይ ከኣ ሚስዮናዊት ንምዃን ባህጊ ሓደረኒ።

ብ1945 ነቲ ኣብ ሳስካችዋን: ካናዳ: ዝዓዱ ጆርጅ ፖርተር ተመርዓኹዎ። ወለዱ ካብ 1916 ኣትሒዞም ቀናኣት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበሩ: ንሱ እውን ምሉእ ህይወቱ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክጽመድ ወሲኑ ነበረ። ፈለማ ኣብ ከባቢ ኸተማ ኖርዝ ቫንኮቨር: ካናዳ: ኣብ ዝርከብ ሊን ቫሊ ዝበሃል ባህ ዘብል ቦታ ኸነገልግል ተመደብና። ነዊሕ ከይጸናሕና ናብ ጊልዓድ ተጸዋዕና።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሓያለይ ዓመታት ምስ ብዙሓት ኣብ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ ተማሂሮም እተመረቑ ሰባት ናይ ምዝራብ ኣጋጣሚ ረኺበ ኢየ: እቲ ዝወሃቦም ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ነቲ ኣብ ኣምላኽን ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስን ዝነበሮም እምነት ክሳዕ ክንደይ ከም ዘዳኽሞ እውን ተዓዚበ ኢየ። ብኣንጻሩ ግን እቲ ኣብ ጊልዓድ ዝረኸብናዮ ትምህርቲ ንኣተሓሳስባና ስሒልዎ: ልዕሊ ዅሉ ድማ ነቲ ኣብ የሆዋ ኣምላኽን ኣብ ቃሉን ዝነበረና እምነት ኣደልዲልዎ ኢዩ። ደቂ ኽፍልና ናብ ቻይና: ሲንጋፖር: ህንዲ: ሃገራት ኣፍሪቃ: ደቡብ ኣመሪካ: ከምኡውን ኣብ ካልእ ቦታታት ተመደቡ። ንሕና እውን ኣብተን ኣብ ትሮፒክ ዝርከባ ደሴታት ባሃማስ ከም እተመደብና ምስ ፈለጥና እተሰማዓና ሓጐስ ክሳዕ ሕጂ ኢዩ ዝዝከረኒ።

ብኸመይ ኣብተን ደሴታት ክንጸንሕ ከም ዝኸኣልና

ምስቲ ደቂ ኽፍልና ናብ እተመደቡሉ ሃገር ንኽኸዱ ዝገበርዎ ጕዕዞ ኽነጻጸር ከሎ: እቲ ናብ ባሃማስ ዝገበርናዮ ጕዕዞ ሓጺር ኢዩ ነይሩ። እታ ዓዲ ምዉቕ ኵነታት ኣየር: ብሩህ ሰማይ: ህስስ ዝበለ ቐጠልያ ዝሕብሩ ማያት: እተፈላለየ ብሩህ ሕብሪ ዘለዎ ህንጻታት: ከምኡውን ማእለያ ዘይብለን ብሽክለታታት ስለ ዘለዋ ባህ እተብል ኢያ። ልዕሊ ዅሉ ልበይ ዝተንከፈኒ ግን እታ ዝነበርናያ ጃልባ ናብቲ ዓዲ ኽትበጽሕ ከላ ሓሙሽተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክጽበዩና ምጽንሖም ኢዩ። ነዊሕ ከይጸናሕና ባህሊ ናይዚ ዓዲ ካብ ባህልና ኣጸቢቑ እተፈልየ ምዃኑ ኣስተውዓልና። ንኣብነት በዓል ቤተይ ኣብ ቅድሚ ሰባት ፍትውተይ ኢሉ ኸይጽውዓኒ ተነግሮ: ከመይሲ እዚ ቓል እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽምነት ዝዝውተር ኢዩ።

ነዊሕ ከይጸናሕና እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ብናጻ ክንንቀሳቐስ ምኽኣልና ስለ ዘስግኦም ኢዩ ዝኸውን ብሓሶት ኮሚኒስት ኢዮም ኢሎም ከሰሱና። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ኻብታ ዓዲ ኽንወጽእ ደብዳበ መጸና። እቶም ኣብተን ደሴታት ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ካብ 20 ዝውሕዱ እኳ እንተ ነበሩ: ኣብቲ ዓዲ ንኽንጸንሕ ዝገልጽ ምሕጽንታ ዝሓዘ ብኣሽሓት ዝቝጸር ክታም ብኡንብኡ ኣከቡ። በዚ ኸምዚ ድማ ኣብተን ደሴታት ክንጸንሕ ተፈቕደልና።

ሓድሽ ዞባ

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኣብ ኣልባብ እቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ ሰባት ብቕልጡፍ እናዓበየ ኸደ: በዚ ምኽንያት እዚ ተወሰኽቲ ሚስዮናውያን ካብ ጊልዓድ ናብ ባሃማስ ተላእኩ። ብ1950 ከኣ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ተኸፍተ። ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት እቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ: ኣብ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዘገልግል ሚልተን ሄንሸል ክበጽሓና ናብ ባሃማስ መጸ: ካብቶም ኣብኡ ዝነበርና ሚስዮናውያን ድማ ናብ ሓንቲ ኻልእ ካብተን ኣብ ባሃማስ ዝርከባ ደሴታት ከይዱ ዕዮ ስብከት ንምጅማር ፍቓደኛ ዝኸውን እንተሎ ሓተተ። ኣነን ጆርጅን ነዚ ጻውዒት እዚ ተቐበልናዮ: በዚ ኸምዚ ድማ ኣብታ ሎንግ ኣይላንድ እትበሃል ደሴት ን11 ዓመት ጸናሕና።

እዛ ደሴት እዚኣ ሓንቲ ኻብተን ንባሃማስ ዘቝማ ብዙሓት ደሴታት ኢያ፣ ንውሓታ 140 ኪሎ ሜትር ግፍሓ ኸኣ 6 ኪሎ ሜትር ኰይና ኣብቲ ግዜ እቲ ኸተማ ዝበሃል ኣይነበራን። እታ ክላረንስ እትበሃል ከም ርእሲ ኸተማ ናይታ ደሴት ኰይና እተገልግል 50 ዝኸውን ኣባይቲ ጥራይ ነበራ። ኣብታ ደሴት ናይ ኤለክትሪክን ማይን መስመራት ስለ ዘይነበረ ከምኡውን ኣብ ደገ ዄንና መግብና ነዳሉ ስለ ዝነበርና: ናብራና ዘይስልጡን ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ኣነባብራና ምስቲ ናይታ ምሕድግ ዝበለት ደሴት ከነመሳስሎ ነበረና። ኣብታ ደሴት ዝነብሩ ሰባት ብዛዕባ ጥዕና ምዝርራብ ይፈትዉ ኢዮም። በዚ ድማ ሰላምታ ኽንህቦም ከሎና “ከመይ ውዒልካ፧” ዝብል ሕቶ ኸይንሓቶም ተማሂርና ኢና: ከመይሲ ከምኡ ኢልካ እንተ ሓቲትካ እቲ ውልቀ⁠-​ሰብ ብዛዕባ ኣብ ጥዕንኡ ዘጋጠሞ ነገራት ዘርዚሩ ኢዩ ዝነግረካ።

ተቐማጦ እታ ደሴት መብዛሕትኡ ግዜኦም ኣብቲ እቶኖም ዝርከበሉ ኻብ ገዝኦም ወጻኢ ዝስራሕ ኣጕዶ ዝመስል ክሽነ ስለ ዘሕልፍዎ: ዝበዝሕ ዕዮ ምስክርነትና ካብ ክሽነ ናብ ክሽነ እናኸድና ኢና ንፍጽሞ ነይርና። መብዛሕትኦም ተቐማጦ ድኻታት ግን ከኣ ሕያዎት ሓረስቶት ወይ ገፈፍቲ ዓሳ ኢዮም ነይሮም። ዝበዝሑ ሃይማኖታውያን ጥራይ ዘይኰኑስ ኣብ ማሪት ዝኣምኑ ነበሩ። ዘይልሙድ ፍጻመ ኸጋጥም ከሎ ወትሩ ኸም ፋል ገይርካ ኢዩ ዝውሰድ።

እቶም ኣቕሽሽቲ ብዘይስክ​ፍታ ናብ ኣባይቲ ናይ ሰባት ህሩግ ኢሎም ብምእታው ነቲ ዝሃብናዮም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ይቐዱሎም ነበሩ። በዚ ኸምዚ ነቶም ብቐሊሉ ዝፈርሁ የጃጅዉዎም ነበሩ: እንተ​ዀነ ግን ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ዝፈርሆም ዝነበረ። ንኣብነት: ሓንቲ ጓል 70 ዓመት ሓቦኛ ሰበይቲ: ዋላ እኳ እንተ ኣጕባዕብዑላ ዕጅብ ኣይበላን። መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝብል ክትርዳእ ትደሊ ነበረት: ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ንሳን ካልኦት ብዙሓት ሰባትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ። ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት እናበዝሑ ምስ ከዱ: ጆርጅ ኣብ ገሊኡ ሰናብቲ ናብ ኣኼባ ንምምጻእ ምእንቲ ኽሕግዞም ዳርጋ 300 ኪሎ ሜትር ዝኸውን ብማኪናኡ ይጐዓዝ ነበረ።

ኣብተን ካልእ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይነበረለን ቀዳሞት ኣዋርሕ: ኣነን ጆርጅን ነቲ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ስርዓታውያን ኴንና ብምክያድ መንፈሳውነትና ዓቂብና ኢና። ብተወሳኺውን: ኵሉ ግዜ ሰኑይ ምሸት ነቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጽእ ዝነበረ ትምህርትታት ነጽንዕ: መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ነንብብ ነበርና። ኣብ ርእሲ እዚ ዅሉ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ምስ በጽሓና ነንብቦ ነበርና።

ኣብ ሎንግ ኣይላንድ ከሎና ኣቦይ ሞተ። ንሓጋዩ ብ1963 ኣደይ ናብታ ደሴት መጺኣ ኣብ ጥቓና ኽትቅመጥ ምድላዋት ገበርናላ። ብዕድመ ደፊኣ እኳ እንተ ነበረት: ክሳዕ ብ1971 እትመውት ምትዕርራያት ገይራ ኣብ ሎንግ ኣይላንድ ትቕመጥ ነበረት። ሎሚ ኣብዛ ደሴት እዚኣ ሓድሽ ኣደራሽ መንግስቲ ዘለዋ ጉባኤ ኣላ።

ከቢድ ሓዘን

ብ1980 ጆርጅ ጥዕና ኽስእን ጀመረ። በዚ ኸምዚ እቲ ዘፍቅሮ በዓል ቤተይ: መተዓይይተይ: ከምኡውን ብጻየይ ኦልዘይመርስ ብዝበሃል ናይ ምርሳዕ ሕማም ክሳቐ ምርኣይ: ኣብ ህይወተይ እቲ ዝኸበደ እዋን ኢዩ ነይሩ። ኵሉ ባህርያቱ ተቐየረ። ብ1987 ቅድሚ ሙማቱ ኣብ ዝነበረ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብቲ ናይ መወዳእታን ዝኸፍአን ደረጃ ናይቲ ሕማም በጽሐ። ዓቕሙ ብዝፈቕደሉ መጠን ናብ ኣገልግሎትን ኣኼባታትን ክኸይድ ከለኹ የሰንየኒ ነበረ: መብዛሕትኡ እዋን ግን ነዚ ጻዕርታቱ ኽርኢ ኸለኹ ንብዓት ይስዕረኒ ነበረ። እቲ ክርስትያናት ኣሕዋተይ ዘርኣዩኒ ሓለፍ ዝበለ ፍቕሪ ብሓቂ ኣጸናኒዑኒ ኢዩ: እንተ​ዀነ ግን ሕጂውን በዓል ቤተይ ካባይ ምፍላዩ እሓዝን ኢየ።

ምስ ጆርጅ ዝነበረና ቀጻልን ዘሐጕስን ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ልምዲ: ሓደ ኻብቲ ኣብ ሓዳረይ ዝረኸብክዎ በረኸት ኢዩ። ሕጂ ጆርጅ ኣብ ጐድነይ የለን። የሆዋ ንኣገልገልቱ ‘ኸየባተኹ ኽጽልዩ:’ ‘ጸሎት ከዘውትሩ:’ ከምኡውን ‘ብዅሉ ክጽልዩ’ ስለ ዘተባብዖም ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ኢየ ዘማስወሉ። (1 ተሰሎንቄ 5:⁠17፣ ሮሜ 12:⁠12፣ ኤፌሶን 6:⁠18) የሆዋ ብዛዕባና ኸም ዝሓሊ ምፍላጥና የጸናንዓና ኢዩ። ከምቲ “እግዚኣብሄር ይባረኽ: ነንመዓልቲ ጾርና ይጸውር አሎ” ኢሉ ዝዘመረ ጸሓፍ መዝሙር ዝነበሮ ዓይነት ስምዒት ኢዩ ዘሎኒ። (መዝሙር 68:⁠19) ከምቲ የሱስ ዝበሎ ንጽባሕ ኢልካ ዘይምጭናቕ: ዘሎካ ድሩትነት ኣሚንካ ምቕባል: ከምኡውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንእንረኽቦ በረኸት ምምሳው ብሓቂ ዝበለጸ ኣነባብራ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 6:⁠34

ዘሐጕስ ዓስቢ ኣገልግሎት

ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ትሕዝቲ ስለ ዝዀንኩ ዝሓለፈ እዋናት እናዘከርኩ ንኸየስቈርቍር ሓጊዙኒ ኢዩ። በዚ ኸምዚ ነቲ ናብ ጭንቀት ከምርሕ ዝኽእል ስምዒታት ክዋጽኣሉ ኽኢለ ኢየ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኻልኦት ምምሃር ፍሉይ ሓጐስ የምጽኣለይ ኢዩ። እዚ መንፈሳዊ ልምዲ እዚ ድማ ንህይወተይ ትርጕም ንኽህልዋን ረጊአ ንኽነብርን ኣኽኢሉኒ ኢዩ።​—⁠ፊልጲ 3:⁠16

ሓደ እዋን ሓንቲ ቕድሚ 47 ዓመታት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘካፈልኩዋ ሰበይቲ ቴለፎን ደወለትለይ። ጓል ሓደ ኻብቶም ብ1947 ናብ ባሃማስ ምስ መጻእና ዝረኸብናዮም ናይ መጀመርታ ጽንዓታትና ኢያ። ኣዲኣ: ኣቦኣ: ኵሎም ኣሕዋታን ኣሓታን: ከምኡውን መብዛሕትኦም ደቆምን ደቂ ደቆምን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ኢዮም። አረ ልዕሊ 60 ኣባላት ስድራ​ቤት እዛ ሰበይቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም። ንሳ ግን ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኣይተቐበለቶን። እንተ​ዀነ ግን ክትድውለለይ ከላ ኣገልጋሊት የሆዋ ኣምላኽ ንምዃን ተዳልያ ነበረት። ኣነን ጆርጅን ናብ ባሃማስ ክንመጽእ ኸሎና በጻብዕ ዝቝጸሩ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕጂ ልዕሊ 1,400 ኰይኖም ክርኢ ኸለኹስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ባህ ዝበለኒ!

ሓድሓደ ግዜ ገሊኦም ሰባት ውሉዳት ብዘይ​ምውላደይ ዝጠዓስ እንተ ዀይነ ይሓቱኒ ኢዮም። ውሉዳት በረኸት ምዃኖም ዘይከሓድ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ካብቶም መንፈሳውያን ደቀይ: ደቂ ደቀይ: ከምኡውን ካብ ደቆም ንደቂ ደቀይ ዝረኽቦ ዘየቋርጽ ፍቕሪ: ምናልባት ኵሎም ባህርያዊ ወለዲ ኣይኰኑን ዝረኽብዎ። እቶም ‘ገበርቲ ሰናይን ብሰናይ ግብሪ ዝሃብተሙን’ ብሓቂ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ሕጉሳት ሰባት ኢዮም። (1 ጢሞቴዎስ 6:⁠18) ስለዚ ኸኣ ኢየ ጥዕናይ ብዝፈቕደለይ መጠን ኣብ ዕዮ ኣገልግሎት ትሕዝቲ ዝኸውን።

ሓደ መዓልቲ ኣብ እንዳ ሓኪም ስኒ ኸለኹ ሓንቲ ሰበይቲ “ንስኺ ኣይትፈልጥንን ኢኺ: ኣነ ግን እፈልጠኪ ኢየ: እፈትወኪውን ኢየ” በለትኒ። ቀጺላ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ብኸመይ ከም ዝፈለጠት ኣዘንተወትለይ: ሚስዮናውያን ናብ ባሃማስ ብምምጻእና ድማ ኽሳዕ ክንደይ ከም እተማሱወሉ ገለጸትለይ።

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ ኻብ ዕረፍተይ ናብቲ ዝነብረሉ ዘለኹ ኣብ ናሶ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ መጻእኩ ኣብ ኣፍደገ ኽፍለይ “ናብ ቤትኪ እንቋዕ ብደሓን መጻእኪ” ዝብል ጽሑፍን ሓንቲ ጽገሬዳን ረኸብኩ። ልበይ ብሓጐስ መልአ፣ ቃል የሆዋ: ማሕበሩ: ከምኡውን መንፈሱ ዘፍረዮም ዓይነት ሰባት ክርኢ ኸለኹ ንየሆዋ ብዝያዳ ኸም ዘፍቅሮ ኢዩ ዝገብረኒ! እታ እተጸናንዓና ኢድ የሆዋ መብዛሕትኡ ግዜ በቶም ምሳና ዘለዉ ሰባት ኣቢላ ኢያ እትዓዪ።

ልበይ ብምስጋና መልአ

ኣብ ህይወተይ ሓያሎ ጸገማት ኣጓኒፍኒ ኢዩ: ሕጂውን ጸገማት የጋጥመኒ ኣሎ። እንተ​ዀነ ግን ኣመስጋኒት ክዀነሉ ዝኽእል ብዙሕ ነገራት ኣሎኒ፣ እዚ ድማ እቲ ኻብ ኣገልግሎት ዝረኽቦ ሓጐስ: ካብ ብዙሓት ክርስትያናት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ዝረኽቦ ፍቕሪ: ማሕበር የሆዋ እትገብረለይ ፍቕራዊ ሓልዮት: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ዘደንቕ ሓቂ: እነፍቅሮም ሰባት ብትንሳኤ ንምርካብ ዘሎና ተስፋ: ከምኡውን እቲ ን42 ዓመታት ምስ እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ዘሕለፍክዎ ተዘክሮታት ሓዳር ኢዩ። ቅድሚ ምምርዓውና በዓል ቤተይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣጸቢቑ ይፈቱ ስለ ዝነበረ ዕድመይ ምሉእ ደጋፊቱ ንኽኸውን ጸልየ ኢየ። የሆዋ ነዚ ጸሎተይ መሊሱለይ ኢዩ። ስለዚ ወትሩ ንየሆዋ እምንቲ ብምዃን ምስጋናይ ክገልጸሉ እደሊ ኢየ።

ባሃማስ ኣቓልቦ ናይ ብዙሓት በጻሕቲ እትስሕብ ኢያ: ነቲ ትሮፒካዊ ክሊማ ስለ ዝፈትዉዎ ናብዚ ንምምጻእ ብኣሽሓት ዝቝጸር ዶላር ኢዮም ዘውጽኡ። ማሕበሩ ኣብ ዝበለትኒ ኸይደ ንየሆዋ ኸገልግሎ ስለ ዝወሰንኩ: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምእዋጅ ካብ ጫፍ ኽሳዕ ጫፍ እዘን ደሴታት እዚኣተን ተጓዒዘ ኢየ: ካብዚ ኸኣ ዘሐጕስ ተመክሮታት ክረክብ ክኢለ ኢየ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ነቲ እቶም ምቕሉላት ደቂ ባሃማስ ዘለዎም ፍቕሪ ኽፈልጦን ኽግንዘቦን ክኢለ ኢየ።

ነቶም ንወለደይ ሓቂ ዝነገርዎም ሰባት ከምኡውን ነቶም ንእሽቶ ከለኹ ቕድም መንግስቲ ኣምላኽ ክደሊ ኣብ ኣእምሮይን ልበይን ዘስረጹለይ ወለደይ ኣዝየ ኢየ ዘመስግኖም። ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት ኣገልገልቲ የሆዋ: በቲ ኣብ ዝዓበየ ኣገልግሎት ንምክፋል ኣጋጣሚታት ዝኸፍት ‘ዓብይ ደገ’ እንተ ኣትዮም ተመሳሳሊ በረኸታት ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 16:⁠9) ንስኻ እውን ህይወትካ ነቲ “ኣምላኽ ኣማልኽቲ” ዝዀነ የሆዋ ክብሪ ንምሃብ እንተ​ድኣ ተጠቒምካላ ልብኻ ብምስጋና ኽመልእ ኢዩ።​—⁠ዘዳግም 10:⁠17፣ ዳንኤል 2:⁠47

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ብ1944 ኣብ ቪክቶርያ: ቢ.ሲ. ኣብ መገዲ እናገልገልኩ ኸለኹ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ብ1946 ኣነን ጆርጅን ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ስልጠና ተዋህበና

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ብ1955 ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ናሶ: ባሃማስ: ዝነበረ ናይ ሚስዮናውያን መንበሪ ምስ ጆርጅ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኣብታ ካብ 1961-72 ዘገልገልናላ ኣብ ዴድማንስ ከይ: ዝርከብ ናይ ሚስዮናውያን መንበሪ