ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ብኸመይ ክትሕዝ ትኽእል፧

ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ብኸመይ ክትሕዝ ትኽእል፧

ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ብኸመይ ክትሕዝ ትኽእል፧

ፍቕሪ ገንዘብን ህርፋን ጥሪትን ሓድሽ ባህጊ ዘይኰነስ: ጥንቲ ዝነበረ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ተዛሪቡሉ ኣሎ። ኣብ ሕጊ ሙሴ: ኣምላኽ ንእስራኤላውያን “ቤት ብጻይካ ኣይትተምነ። . . . ገንዘብ ብጻይካ ዘበለ ዅሉ ድማ ኣይትተምነ” በሎም።​—⁠ዘጸኣት 20:⁠17

 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ፍቕሪ ገንዘብን ጥሪትን ኣስፋሕፊሑ ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት: የሱስ ምስ ሓደ “ኣዝዩ ሃብታም” መንእሰይ ዝገበሮ ዝርርብ እስከ ንርአ። “የሱስ ድማ . . .፤ ገና ኸኣ ሓንቲ ተሪፋትካ አላ፤ ዘሎካ ዅሉ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ: ኣብ ሰማያት ከኣ መዝገብ ኪጸንሓካ እዩ: ንዓውን ስዐበኒ: በሎ። ንሱ ኸኣ እዚ ምስ ሰምዔ: ኣዝዩ ሃብታም ነበረ እሞ: ብዙሕ ጐሀየ።”​—⁠ሉቃስ 18:⁠18-23

ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምሓዝ

መጽሓፍ ቅዱስ ንገንዘብ ወይ ገንዘብ ዝህቦ ጥቕሚ ይዅንን ኢዩ ዝብልዎ መደምደምታ ግን ግጉይ ኢዩ። ገንዘብ መሰረታዊ ነገራት ንምርካብ ስለ ዘኽእል ካብ ድኽነትን ሽግርን ከም ዘውጽእ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ ኢዩ። ንጉስ ሰሎሞን “ጽላል ጥበብ ከም ጽላል ገንዘብ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። ወሲኹ ድማ “ድግስ ንሳሕቂ ይሳናዶ: ወይኒ ኸኣ ንህይወት የሐጕሳ: ኵሉውን ብቕርሺ እዩ ዚዕደግ” በለ።​—⁠መክብብ 7:⁠12፣ 10:⁠19

ገንዘብ ኣብ ግቡእ መዓላ ምውዓል ኣምላኽ ዝድግፎ ነገር ኢዩ። ንኣብነት: የሱስ “ብገንዘብ ዓመጻ ንርእስኹም ኣዕሩኽ ግበሩ” በለ። (ሉቃስ 16:⁠9) እዚ ድማ ሓቀኛ ኣምልኾ ንምድንፋዕ ዝግበር ወፈያ እውን ዘጠቓልል ኢዩ፣ ከመይሲ ኣምላኽ ዓርክና ንኽኸውን ባህጊ ኽህልወና ኣለዎ። ሰሎሞን እውን ባዕሉ ኣብነት ናይ ኣቦኡ ዳዊት ብምስዓብ ቤት መቕደስ የሆዋ ንምህናጽ ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብን ክቡር ነገራትን ወፍዩ ኢዩ። ካልእ ንክርስትያናት እተዋህበ ትእዛዝ: ነቶም ሽጉራት ስጋዊ ደገፍ ምሃብ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ብዜድልዮም ንቕዱሳን ኣማቕሉ” በለ። ወሲኹ ድማ “ንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 12:⁠13) እዚ ገንዘብ ምውጻእ ዝሓትት ኢዩ። ይኹን እምበር: ብዛዕባ ፍቕሪ ገንዘብ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧

“ንብሩር ምፍታው”

ጳውሎስ ነቲ መንእሰይ ዝነበረ መገላግልቱ ጢሞቴዎስ ክጽሕፈሉ ኸሎ ብዛዕባ ‘ፍቕሪ ገንዘብ’ ወይ ቃል ብቓሉ ብዛዕባ “ንብሩር ምፍታው” ዝርዝር መግለጺ ሂብዎ ኢዩ። እቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ማዕዳ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 6:⁠6-19 ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። ብዛዕባ ስጋዊ ጥሪት ክገልጽ ከሎ ብዛዕባ ‘ፍቕሪ ገንዘብ’ እውን ጠቒሱ ነበረ። እዚ ሎሚ ዘሎ ሕብረተሰብ ንገንዘብ ዘለዎ ኣረኣእያ ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ ዝጸሓፎ ሓሳባት ተጠንቂቕካ ምምርማር ሰናይ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምርምር ምግባር ‘ናይ ሓቂ ህይወት ንኽንረክብ’ ስለ ዘኽእለና ብርግጽ ጠቓሚ ኢዩ።

ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ኣጠንቀቐ:- “እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ: ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ: ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ።” (1 ጢሞቴዎስ 6:⁠10) እዛ ጥቕሲ እዚኣ ገንዘብ ሕማቕ ኢዩ ኣይበለትን: ከምዚ ዝብል ካልእ ጥቕሲ እውን የለን። ወይ እውን ጳውሎስ ገንዘብ ቀንዲ መበቈል “ኽፍኣት” ወይ ሱር ዅሉ ሽግር ኢዩ ኣይበለን። የግዳስ: ዋላኳ ኽፍኣት ካብ ካልእ ነገራት እውን ዝምንጭ እንተ​ዀነ: ፍቕሪ ገንዘብ ግን ሱር “ኵሉ ኽፍኣት” ኢዩ።

ካብ ስስዐ ርሓቕ

ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ገንዘብ ስለ ዘይተዀነነ ነቲ ጳውሎስ ዝጸሓፎ መጠንቀቕታ ኣትሒትና ኽንሪኦ የብልናን። ፍቕሪ ገንዘብ ክሓድሮም ዝጀመረ ክርስትያናት ንእተፈላለየ ዓይነት ጸገማት እተቓልዑ ኢዮም፣ ካብ ኵሉ ዝገደደ ኸኣ ኻብ እምነት ክዝምብሉ ይኽእሉ ኢዮም። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ዝጸሓፈሎም መልእኽቲ እዚ ሓቂ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኢዩ:- “ስለዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፤ . . . ክፉእ ትምኒት: ስስዔ: እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ።” (ቈሎሴ 3:⁠5) ስስዐ ወይ “ፍቕሪ ገንዘብ” ኣምልኾ ጣኦት ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧ ገፊሕ ገዛ: ሓዳስ ማኪና: ዝያዳ ኣታዊ ዘለዎ ስራሕ ምብሃግ ጌጋ ኢዩ ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን: እዚ ነገራት እዚ ጌጋ ኣይኰነን። እቲ ኣብዚ ዝለዓል ሕቶ ግን ‘ሓደ ሰብ ነዚ ነገራት እዚ ባህጊ ኸም ዘሕድር ዝገብሮ ድራኸ እንታይ ኢዩ: ብሓቂኸ የድልዮ ድዩ፧’ ዝብል ኢዩ።

ኣብ መንጎ እቲ ንቡር ባህግን ስስዐን ዘሎ ፍልልይ ምስቲ ኣብ መንጎ ንዙረት ናብ በረኻ ኼድካ ምግቢ ንምብሳል እተንድዶ ሓውን ንዱር ዘብርስ ባርዕን ዘሎ ፍልልይ ክመሳሰል ይኽእል ኢዩ። ጥዑይን መጠኑ ዝሓለወን ባህጊ ጠቓሚ ኢዩ። ንኽንዓዪን ኣፍረይቲ ንኽንከውንን የለዓዕለና ኢዩ። ምሳሌ 16:⁠26 “ኣፉ ይድርኾ እዩ እሞ: ጥሜት እቲ ዓያዪ ስሌኡ ኢሉ ይዐዪ” ትብል ኢያ። ስስዐ ግን ሓደገኛን ጐዳእን ኢዩ። ከመይሲ ቐይዲ በተኽ ዝዀነ ባህጊ ኢዩ።

ኣብዚ ጕዳይ እዚ ኣጸጋሚ ዝኸውን ነገር ነቲ ባህጊ ምቍጽጻር ኢዩ። እቲ ዘዋህለልናዮ ገንዘብ ወይ ዝኣከብናዮ ጥሪት ድዩ ኸገልግለና ወይስ ንሕና ኢና ባሮቱ ኽንከውን፧ ስለዚ ኸኣ ኢዩ ጳውሎስ “ስሱዕ: ንሱ ድማ መምለኽ ጣኦት [ኢዩ]” ዝበለ። (ኤፌሶን 5:⁠5) ንሓደ ነገር ስስዐ እንተልዩና ንምብርከኸሉ: ወይ ብኻልእ ኣዘራርባ ጐይታና ወይ ኣምላኽና ንገብሮ ኣሎና ማለት ኢዩ። ኣምላኽ ግን “ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ” ኢሉና ኢዩ።​—⁠ዘጸኣት 20:⁠3

ስሱዓት እንተ​ድኣ ዄንና ኣምላኽ ዘድልየና ነገራት ንኸማልኣልና ዝኣተዎ መብጽዓ ዝፍጽም ምዃኑ ከም ዘይንተኣማመን ዝሕብር ኢዩ። (ማቴዎስ 6:⁠33) ስለዚ ሓደ ሰብ ስሱዕ ምስ ዝኸውን ካብ ኣምላኽ ርሒቑ ኣሎ ማለት ኢዩ። በዚ መዳይ እዚ እውን “ኣምልኾ ጣኦት” ኢዩ። ስለዚ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ኣነጺሩ መጠንቀቕታ ምሃቡ ኣየገርምን ኢዩ!

የሱስ እውን ካብ ስስዐ ክንርሕቕ ብቐጥታ መጠንቀቕታ ሂቡ ኣሎ። ዘይብልና ነገራት ንኸይንምነ ኸምዚ ብምባል ኣዚዙና ኢዩ:- “ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን እሞ: ተጠንቀቑ: ካብ ኵሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሐልዉ።” (ሉቃስ 12:⁠15) ከምቲ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣን ኣብቲ የሱስ ቀጺሉ ዝሃቦ መብርህን ተገሊጹ ዘሎ: ስስዐ ኣብቲ ‘ኣብ ህይወት እቲ ኣገዳሲ ነገር ብዝሒ ጥሪት ኢዩ’ ዝብል ናይ ዓያሱ እምነት እተመርኰሰ ኢዩ። ገንዘብ: መዓርግ: ስልጣን: ወይ ካልእ ምስዚ እተተሓሓዘ ነገራት ስስዐ ከሕድረልካ ይኽእል ኢዩ። ንዝዀነ ይኹን ክትረኽቦ እትኽእል ነገራት ክትስስዕ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ነገር እቲ ምርካብ ዕግበት የምጽእ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ኢዩ ዘሕድረልና። ንመጽሓፍ ቅዱስን ሰብኣዊ ታሪኽን ምልስ ኢልና ምስ እንርኢ ግን ከምቲ የሱስ ንሰዓብቱ ዝገለጸሎም ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ ናይ ሓቂ ድሌትና ኸማልኣልና ዝኽእል: ከማልኣልና እውን ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 12:⁠22-31

ሎሚ ዘሎ ብምዕዳግን ምሻጥን ኣቓልቦኡ እተዋሕጠ ሕብረተሰብ ንናይ ስስዐ ባህርይ ዘለዓዕል ኢዩ። እዚ ንብዙሓት ረቂቕ ግን ከኣ ሓያል ብዝዀነ መገዲ ስለ ዝጸለዎም ዘጥረዩ እኳ እንተ ኣጥረዩ ይኣኽለና ኣይብሉን ኢዮም። ዝበለጸን ዝዓበየን ዝሓሸን ነገራት ኢዮም ዝደልዩ። ንዓለም ክንቅይራ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና: ብውልቅና ነዚ ዝንባለ እዚ ብኸመይ ክንከላኸሎ ንኽእል፧

ዕግበት ምስ ስስዐ ክነጻጸር ከሎ

ጳውሎስ ኣብ ክንዲ ስስዐ: ዕግበት ክህልወና ከም ዘለዎ ሓሳብ ኣቕሪቡ ኢዩ። “ቀለብናን ክዳንናን እንተ አሎናስ: ንሱ ይእከለና” በለ። (1 ጢሞቴዎስ 6:⁠8) ብሓቂ ዘድልየና ነገራት “ቀለብናን ክዳንናን” ከም ዝዀነ ምግላጹ ነቲ ጕዳይ ኣርዚንካ ዘይምርኣይ ወይ ግርህነት ክመስል ይኽእል ኢዩ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ፕሮግራማት ተሌቪዥን ውሩያት ሰባት ኣብ ኣዝዩ ብሉጽ ኣባይቲ ከም ዝነብሩ ይርእዩ ኢዮም። በዚ ኸምዚ ግን ዕግበት ኣይርከብን ኢዩ።

ልክዕ ኢዩ: ኣገልገልቲ ኣምላኽ የግዲ ድኻታት ኰይኖም ክነብሩ ኣለዎም ማለት ኣይኰነን። (ምሳሌ 30:⁠8, 9) ይኹን እምበር: ጳውሎስ ናይ ሓቂ ድኽነት እንታይ ምዃኑ ኣዘኻኺሩና ኢዩ፣ እዚ ድማ ምስቲ እትነብረሉ ኸባቢ ዝመጣጠን እኹል መግቢ: ክዳን: ከምኡውን መንበሪ ዘይምርካብ ኢዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን እዚ ነገራት እዚ እንተ​ሎና ንኽንዓግብ ምኽንያት ኣሎና።

ጳውሎስ ከምዚ ኽብል ከሎ ካብ ልቡ ድዩ ዝዛረብ ነይሩ፧ መሰረታዊ ነገራት ማለት መግብን ክዳንን መንበርን ጥራይ ብምርካብ ዕግበት ክንረክብ ንኽእልዶ ኢና፧ ጳውሎስ ብዛዕባዚ ንኽፈልጥ ኣጋጣሚ ነይርዎ ኢዩ። ኣብ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ክብ ዝበለ ቦታን ሮማዊ ዜግነትን ስለ ዝነበሮ ሃብትን ፍሉይ መሰላትን ነይርዎ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 22:⁠28፣ 23:⁠6፣ ፊልጲ 3:⁠5) ኣብ ሚስዮናዊ ዕዮኡ እውን ብዙሕ ከቢድ ጸገማት ኣሕሊፉ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 11:⁠23-28) እዚ ዅሉ ስለ ዘሕለፈ ዕግበት ንምርካብ ቀንዲ መፍትሕ እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። እቲ መፍትሕኸ እንታይ ኢዩ፧

“ልሙድ እየ”

ጳውሎስ ኣብ ሓንቲ ኻብተን መልእኽትታቱ ከምዚ ኢሉ ገለጸ:- “ትሕት ምባል እፈልጥ: ሕልፍን ትርፍን እፈልጥ እየ። ጽጋብን ጥሜትን ምስ ትርፉ ምህላውን ስእነትን: ኣብ ኵሉን ብዅሉን ልሙድ እየ።” (ፊልጲ 4:⁠12) ጳውሎስ ካብዚ ኣዘራርብኡ ልዑል ምትእምማንን ኣወንታዊ ኣረኣእያን ከም ዝነበሮ ኢዩ ዝንጸባረቕ! ነዚ ቓላት እዚ ኽጽሕፍ ከሎ ምቹእ ናብራ ይነብር ኢዩ ነይሩ ኢልካ ትግምት ትኸውን: እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ኣይኰነን። ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኢዩ ነይሩ!​—⁠ፊልጲ 1:⁠12-14

ነዚ ኣብ ግምት ምስ እነእቱ: ዕግበት ምስ ጥሪት ጥራይ ዘይኰነስ ምስ ኵነታት እውን ምትሕሓዝ ከም ዘለዎ ሓያል መልእኽቲ የመሓላልፍ ኢዩ። ሕሉፍ ሃብቲ ወይ ሽግር ነየናይ ቀዳምነት ክንህብ ከም ዘሎና ኽፈታተነና ይኽእል ኢዩ። ጳውሎስ ዘጋጠሞ ኵነታት ብዘየገድስ በቲ ዝነበሮ መንፈሳዊ ሃብቲ ዕጉብ ንኽኸውን ዘኽኣሎ እንታይ ምዃኑ ኽገልጾ ከሎ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ [ኣምላኽ] ንዅሉ እኽእሎ እየ” በለ። (ፊልጲ 4:⁠13) ይውሓድ ይብዛሕ ኣብ ጥሪቱ ኣብ ክንዲ ዝጽጋዕ ወይ ይጸብቕ ይሕመቕ ኣብ ኵነታቱ ኣብ ክንዲ ዝምርኰስ: መሰረታዊ ድሌቱ ንኸማልኣሉ ናብ ኣምላኽ ኢዩ ተወኪሉ። እዚ ድማ ዕግበት ንኽረክብ ኣኽኣሎ።

ጳውሎስ ዝገደፎ ኣብነት ብፍላይ ንጢሞቴዎስ ኣገዳሲ ኢዩ ነይሩ። እቲ ሃዋርያ ነቲ መንእሰይ ኣብ ናብራ ህይወቱ ኻብ ስጋዊ ሃብቲ ንላዕሊ ንኣምላኻዊ ተወፋይነትን ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ምግባርን ክብ ኣቢሉ ኽርኢ መዓዶ። ከምዚ ኸኣ በሎ:- “ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ: ንስኻ ግና ካብዚ ህደም እሞ ደድሕሪ ጽድቂ: ኣምልኾ: እምነት: ፍቕሪ: ትዕግስቲ: ህድኣት ስዐብ።” (1 ጢሞቴዎስ 6:⁠11) እዘን ቃላት እዚኣተን ንጢሞቴዎስ ኢየን ተጻሒፈናሉ: እንተ​ዀነ ግን ንኣምላኽ ክብሪ ኽህብን ናይ ሓቂ ሓጐስ ዝመልኦ ህይወት ክነብርን ኣብ ዝደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ ክውዕላ ይኽእላ ኢየን።

ጢሞቴዎስ ከም ካልኦት ክርስትያናት ካብ ስስዐ ክጥንቀቕ ነበሮ። ኣብታ ጳውሎስ ክጽሕፈሉ ኸሎ ዝነበረላ ጉባኤ ኤፌሶን: ሃብታማት ኣመንቲ ከም ዝነበሩ ፍሉጥ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:⁠3) ጳውሎስ ነቲ ብስራት ናብታ ማእከል ዕሙር ንግዲ ዝነበረት ከተማ ኣብጽሖ: ብዙሓት ድማ ኣመኑ። ከምዚ ሎሚ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሃብታማት ዘለዉ: ሽዑ እውን ብዙሓት ሃብታማት ከም ዝነበሩ እተረጋገጸ ኢዩ።

ብፍላይ ምስቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 6:⁠6-10 ዘሎ ትምህርቲ ብምስምማዕ ከምዚ ዝብል ሕቶ ይለዓል ኢዩ:- ርኹባት ሰባት ንኣምላኽ ክብሪ ኽህቡ እንተ ደልዮም እንታይ ክገብሩ ኢዩ ዘለዎም፧ ጳውሎስ ኣረኣእያኦም ክምርምሩ ከም ዘለዎም ገሊጹ ኣሎ። ገንዘብ ትዕቢት ከምጽእ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ኸምዚ በሎም:- “ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ: በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚህበና ኣምላኽ እምበር: በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ አዝዞም።” (1 ጢሞቴዎስ 6:⁠17) ሃብታማት ሰባት ኣዒንቶም ብገንዘብ ክሽፈን የብሉን፣ ኣብቲ ምንጪ ናይ ኵሉ ሃብቲ ዝዀነ ኣምላኽ ክውከሉ የድልዮም ኢዩ።

ኣብ ኣረኣእያ ለውጢ ምግባር ግን ክፋል ናይቲ ክውሰድ ዘለዎ ስጕምቲ ጥራይ ኢዩ። ሃብታማት ክርስትያናት ንጥሪቶም ብግቡእ ክጥቀሙሉ ኣለዎም። ጳውሎስ ‘ገበርቲ ሰናይ ኩኑ: ብሰናይ ግብሪ ሃብትሙ: ለጋሳትን መማቐልትን ኩኑ’ ብምባል መዓዶም።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 6:⁠18

“ናይ ሓቂ ህይወት”

ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ማዕዳ: ስጋዊ ጥሪት ክገብሮ ዝኽእል ነገራት እተወሰነ ምዃኑ ንኸይንርስዕ ኢዩ። ቃል ኣምላኽ “ንሃብታም እቲ ጥሪቱ ጽኑዕ ከተማኡ እዩ: ብሓሳቡ ኸኣ ከም ክብ ዝበለ ቀጽሪ እዩ” ይብል። (ምሳሌ 18:⁠11) እወ: እቲ ሃብቲ ኸምጽኣልና ዝኽእል ድሕንነት ኣብ መወዳእታ ሓሳብ ጥራይ ኰይኑ ስለ ዝተርፍ መዐሸዊ ኢዩ። ስምረት ኣምላኽ ንምርካብ ጻዕሪ ምግባር ሓዲግካ ደድሕሪ ሃብቲ ምጕያይ ጌጋ ኢዩ።

ስጋዊ ጥሪት ክንተኣማመነሉ ስለ ዘይንኽእል ተስፋና ኣብኡ ኽንገብር ኣይግባእን ኢዩ። ናይ ሓቂ ተስፋ ኣብ ጽኑዕን ትርጕም ዘለዎን ነባርን ነገር እተመስረተ ክኸውን ኣለዎ። ናይ ክርስትያን ተስፋ ኣብቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽን ኣብቲ ብዛዕባ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝኣተወልና መብጽዓን እተመስረተት ኢያ። ገንዘብ ሓጐስ ከምጽእ ከም ዘይክእል እተረጋገጸ ኻብ ኰነ: ብገንዘብ ድሕነት ምርካብ እሞ ዘይሕሰብ ኢዩ። ኣብ ኣምላኽ ዘሎና እምነት ጥራይ ኢዩ ከምዚ ዝኣመሰለ ተስፋ ኽህበና ዝኽእል።

ስለዚ ሃብታማት ንኹን ድኻታት: “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም” ኽገብረና ዝኽእል መገዲ ንስዓብ። (ሉቃስ 12:​21) ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ ስምረት ዘለዎ ኣቕዋም ካብ ምህላው ዝዓቢ ነገር የለን። ነዚ ንምዕቃብ እንገብሮ ጻዕርታት ብምሉኡ ‘ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ: ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ግዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእስና ንምእካብ’ ኣበርክቶ ይገብረልና ኢዩ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 6:⁠19

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ጳውሎስ ብኸመይ ዕግበት ከም ዝርከብ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

በቲ ዘሎና ሕጉሳትን ዕጉባትን ክንከውን ንኽእል ኢና