ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትኽተርዶ ትምተር፧

ትኽተርዶ ትምተር፧

ትኽተርዶ ትምተር፧

ብዛዕባ እቶም ብረቶም ኣዐሚሮም ንግዳዮም “ትኽተርዶ ትምተር!” ዝብሉ ሸፋቱ ሰሚዕካ ትኸውን ኢኻ። ሎሚ እዚ ፍሉጥ ሕቶ እዚ ኣብቲ ኣብ ናብራና ዘጋጥመና ዘሎ መዋጥር ይንጸባረቕ ኣሎ፣ ብፍላይ ኣብቶም ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዝነብሩ እዚ ጐሊሑ ኢዩ ዝርአ። ሎሚ “ትኽተርዶ ትምተር” ዝብሉ ዘለዉ ግን ሸፋቱ ኣይኰኑን። ኣብ ክንድኡስ ሕጂ ዘሎ ሕብረተሰብ ንገንዘብን ስጋዊ ኣሳልጦን ዝህቦ ዘሎ ልዑል ግምት ኢዩ በዚ ሕቶ እዚ ገይሩ ዘዋጥረካ።

 ከምዚ ዝኣመሰለ ልዑል ግምት ምሃብ ሓድሽ መዘራረቢ ኣርእስትታትን ኣተሓሳስባን ኣበጊሱ ኣሎ። ገንዘብን ስጋዊ ነገራትን ክሳዕ ክንደይ ኢዩ መስዋእቲ ክኽፈሎ ዘለዎ፧ ብሒደት ስጋዊ ነገራት ዕግበት ክንረክብ ንኽእልዶ ኢና፧ ሰባት ስጋዊ ረብሓ ኽረኽቡ ኽብሉ “ናይ ሓቂ ህይወት” ድዮም ዝስውኡ ዘለዉ፧ ገንዘብ መፍትሕ ናይቲ ካብ ህይወት እትረኽቦ ሓጐስዶ ኢዩ፧

ህርፋን ገንዘብ

ፍቕሪ ገንዘብ ካብቲ ሰባት ዝብህግዎ ግቡእ ዀነ ዘይግቡእ ነገራት ብቐዳምነት ዝጥቀስ ኢዩ። ህርፋን ገንዘብ ከም ባህጊ ጾታዊ ርክብን መግብን ዘይኰነስ ቀጻልን ዘየቋርጽን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ዕድመ ምድፋእ ንህርፋን ገንዘብ ደው ኣየብሎን ኢዩ። መብዛሕትኡ እዋን ሓደ ሰብ ዕድመ እናደፍአ ብዝኸደ መጠን ንገንዘብን ገንዘብ ከምጽኦ ንዝኽእል ጥሪትን ዘለዎ ፍቕሪ እናወሰኸ ክኸይድ ይኽእል ኢዩ።

ህርፋን ገንዘብ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኢዩ ዝመስል። ኣብ ሓንቲ ህብብቲ ፊልም ቀንዲ ገጸ⁠-​ባህርይ ኰይኑ ዝዓየየ ተዋሳኢ “ስስዐ የዐውት ኢዩ፣ ስስዐ ጽቡቕ ኢዩ” በለ። ብዙሓት ሰባት ን1980ታት ‘መዋእል ስስዐ’ እኳ ዝብልዎ እንተዀኑ: ቅድሚኡን ድሕሪኡን ዝነበረ ዓመታት ምስ እንርኢ ግን ሰባት ኣብ ገንዘብ ዘለዎም ኣረኣእያ ብዙሕ ከም ዘይተቐየረ ኢና ኽንግንዘብ እንኽእል።

ፍልይ ዝበለ ነገር እንተልዩ: ሎሚ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ዝያዳ ስጋዊ ሃብቲ ናይ ምድላብ ባህጎም ንምዕጋብ ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ብዙሕ ኣጋጣሚታት ክርእዩ ምኽኣሎም ኢዩ። ዝበዝሕ ህዝቢ ዓለም መብዛሕትኡ ግዜኡን ጕልበቱን ዝያዳ ንብረት ኣብ ምፍራይን ኣብ ምጥራይን ዘጥፍኦ ዘሎ ኢዩ ዝመስል። ኣብዚ ዘመናዊ ናብራ ገንዘብ ከም ልብኻ ኸተእቱን ከተውጽእን ምእንቲ ኽትክእል ብዙሕ ጻዕሪ ከም ዝግበርን ሕሉፍ ተበላሓትነት ከም ዝርአን ትሰማምዓሉ ትኸውን ኢኻ።

ይኹን እምበር ሰባት ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ሕጉሳት ድዮም፧ እቲ ጥበበኛን ኣዝዩ ሃብታምን ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን ቅድሚ 3,000 ዓመታት ነዚ ሕቶ እዚ ኽምልስ ከሎ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ነበረ:- “ብሩር ዚፈቱ ብብሩር ኣይጸግብን። ሃብቲ ዚፈቱ ኸኣ ኣይረብሕን: እዚውን ከንቱነት እዩ።” (መክብብ 5:⁠10) ብዛዕባ እዚ ግዜና እተገብረ ማሕበራዊ መጽናዕቲ እውን ተመሳሳሊ መደምደምታ ኢዩ ዝህብ።

ገንዘብን ሓጐስን

ሓደ ኻብቲ ብዛዕባ ባህርያት ደቅሰብ እተረኽበ ዘደንቕ ነገራት: ብዙሕ ገንዘብን ንብረትን ምጥራይ ክንድኡ ዝኸውን ዕግበትን ሓጐስን ከም ዘየምጽእ ኢዩ። ሓደ ሰብ ኣብ እተወሰነ ደረጃ ሃብቲ ድሕሪ ምብጽሑ ብድሕሪኡ ዝድልቦ ሃብቲ ዋላ ሓንቲ ዕግበትን ሓጐስን ከም ዘይውስኸሉ ብዙሓት ተመራመርቲ ኣስተውዒሎም ኢዮም።

ስለዚ እዚ ቐይዲ ዘይብሉ ደድሕሪ ጥሪትን ገንዘብን ዝግበር ጕያ ንብዙሓት ሰባት ከምዚ ዝብል ሕቶ ኸም ዝሓቱ ገይርዎም ኢዩ:- ‘ሓድሽ ነገር ክንዕድግ ከሎና ሓጐስ ዝረኸብና ዀይኑ ኢዩ ዝስምዓና፣ እንተ​ዀነ ግን: እቲ እንረኽቦ ሓጐስ ነቲ ዘሎና ዕግበት ክብ ዘየብሎ ስለምንታይ ኢዩ፧’

ጆናታን ፈረድማን ዝበሃል ደራሲ ኣብታ ሃፒ ፒፕል ዘርእስታ መጽሓፉ (እንግሊዝኛ) ኸምዚ በለ:- “ካብቲ መሰረታዊ ኣታዊ ንላዕሊ ዝርከብ ገንዘብ ተወሳኺ ሓጐስ ኣየምጽእን ኢዩ። ሓደ ሰብ ካብ ድኽነት እንተ ወጺኡ: ኣታዊኡ ንሓጐሱ ዳርጋ ኣይጸልዎን ኢዩ።” መንፈሳዊ ሃብቲ: ትርጕም ዘለዎ ህይወት: ከምኡውን ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት ኣብ ሓጐስ ወድሰብ ብዙሕ ኣበርክቶ ከም ዝገብር ብዙሓት ይግንዘብዎ ኢዮም። ምስ ሰባት ጽቡቕ ርክብ ዘሎካን ዘይትጋጮን እንተ ዄንካ ወይ ዘሸማቕቐካ ነገር እንተ ዘይብልካ: ዝያዳ ሓጐስ ንኽትረክብ ብዙሕ ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ።

ሱር መብዛሕትኡ ማሕበራዊ ጸገማት ንውሽጣዊ ጭንቀት ብስጋዊ ሃብቲ ገይርካ ናይ ምፍታሕ ዝንባለ ምዃኑ ብዙሓት የስተውዕልዎ ኢዮም። ገሊኣቶም ብዛዕባ ማሕበራዊ ጕዳያት ርእይቶ ዝህቡ ሰባት ተስፋ ምቝራጽን ዕግበት ምስኣንን ዓብሊሉ ኸም ዘሎ ይዛረቡ ኢዮም። ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዘለዉ ሰባት ናብ ኣማኸርቲ ከም ዝኸዱ ወይ ትርጕም ህይወትን ናይ ኣእምሮ ሰላምን ንምርካብ ናብ ጉሩ ዝበሃሉ ናይ ሂንዱዝም መማህራን: ናብ እተፈላለያ ኣንቈራታት: ከምኡውን ንፍውስ ኢና ናብ ዝብሉ ጕጅለታት ይኸዱ ምህላዎም እዞም ወሃብቲ ርእይቶ ገሊጾም ኢዮም። እዚ ድማ ጥሪት ኣብ ህይወት ሰባት ናይ ሓቂ ትርጕም ከም ዘይውስኽ ዘረጋግጽ ኢዩ።

ገንዘብ ዘለዎ ሓይልን ትርጕም ዘይብሉ ዝዀነሉ መዳያትን

ልክዕ ኢዩ: ገንዘብ ሓይሊ ኣለዎ። ብገንዘብ ገይርካ ዓቢ ገዛ: ዝበለጸ ዓይነት ኣርማድዮ: ከምኡውን ምዕሩግ ኣቝሑ ገዛ ኽትዕድግ ትኽእል ኢኻ። ምናልባት እውን ገንዘብ ስለ ዘሎካ ብዙሓት ይንእዱኻ: ይጐናብሑልካ: ወይ ይሽሕሩኻ ይዀኑ፣ አረ ንግዚኡ ገለ ናይ ሓሶት ኣዕሩኽ እውን ከፍርየልካ ይኽእል ኢዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኽገብሮ ዝኽእል ነገር ግን የለን። እቲ ብቐዳምነት ዘድልየና ነገራት ማለት ከም ካብ ሓቀኛ ፈታዊ ዝርከብ ፍቕሪ: ናይ ኣእምሮ ሰላም: ናብ ሞትካ ኽትቃረብ ከሎኻ ዘድልየካ ሒደት ልባዊ ምጽንናዕ ዝኣመሰለ ነገራት ገንዘብ ከምጽኦ ኣይክእልን ኢዩ። ነቶም ምስ ፈጣሪ ዘለዎም ርክብ ክብ ኣቢሎም ክሕዝዎ ዝደልዩ ሰባት እውን እንተ​ዀነ ገንዘብ ስምረት ኣምላኽ ከም ዝረኽቡ ክገብሮም ኣይክእልን ኢዩ።

እቲ ብግዜኡ ገንዘብ ክዕድጎ ዝኽእል ዘበለ ዘሐጕስ ነገራት ዝነበሮ ንጉስ ሰሎሞን: ኣብ ስጋዊ ጥሪት ምውካል ነባሪ ሓጐስ ከም ዘየምጽእ ኣስተውዒሉ ኢዩ። (መክብብ 5:⁠12-15) ባንክ ምስ ዝጥፍሽ ወይ ዝቕባበ ምስ ዘጋጥም ጥራይ ገንዘብ ብሓንሳእ ህልም ክብል ይኽእል ኢዩ። ዘይንቀሳቐስ ንብረት ብብርቱዕ ህቦብላ ክዓኑ ይኽእል ኢዩ። መድሕን ምእታው ነቲ ዝጠፍአ ጥሪት ብኸፊል ዝትክኦ እኳ እንተ​ዀነ ንስምዒታዊ ቝስሊ ግን ኣየሕውዮን ኢዩ። ኣክስዮንን ቦንድን ድማ ቍጠባዊ ውድቀት እንተ ኣጋጢሙ ብሓንሳእ ባይታ ኽዘብጥ ይኽእል ኢዩ። ሎሚ ጽቡቕ ደሞዝ ዝርከቦ ስራሕ እውን ከይተረፈ ጽባሕ ከይህሉ ይኽእል ኢዩ።

ስለዚ ኸመይ ገይርና ኢና ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ እንኽእል፧ ገንዘብ ይኹን ጥሪት ኣብ ህይወትና እንታይ ግደ ኢዩ ኽህልዎ ዘለዎ፧ ብሓቂ ኽቡር ነገር ማለት “ናይ ሓቂ ህይወት” ከመይ ገይርካ ኸም እተጥሪ ኽትፈልጥ ነዚ ዝቕጽል ኣርእስትታት መርምሮ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ስጋዊ ጥሪት ነባሪ ሓጐስ ኣየምጽእን ኢዩ