ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ዘይርአ ከም እትርእይዎ ዄንኩም ጽንዑ!

ነቲ ዘይርአ ከም እትርእይዎ ዄንኩም ጽንዑ!

ነቲ ዘይርአ ከም እትርእይዎ ዄንኩም ጽንዑ!

“[ሙሴ] ነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ተዐጊሱ ጸንዔ።”​—⁠እብራውያን 11:27

1. የሱስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ኣቓልቦ ዝግብኦ ሓሳብ ኢዩ ዝሃበ፧

 የሆዋ ዘይርአ ኣምላኽ ኢዩ። ሙሴ ክብሪ ኣምላኽ ክርኢ ምስ ሓተተ የሆዋ “ሰብ ርእዩኒ ብህይወት ኣይነብርን እዩ እሞ: ገጸይ ክትርኢ ኣይትኽእልን ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። (ዘጸኣት 33:20) ሃዋርያ ዮሃንስ ድማ “ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረአዮ የልቦን” ኢሉ ጸሓፈ። (ዮሃንስ 1:18) የሱስ ክርስቶስ ከም ሰብ ኣብ ምድሪ ኸሎ እውን ከይተረፈ ንኣምላኽ ክርእዮ ኣይከኣለን። ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ ግን “ጽሩያት ልቢ: ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ: ብጹኣን እዮም” በለ። (ማቴዎስ 5:8) የሱስ ከምዚ ኽብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧

2. ንኣምላኽ ቃል ብቓሉ ብዓይንና ክንርእዮ ዘይንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

2 ቅዱሳት ጽሑፋት ንየሆዋ ዘይርአ መንፈስ ምዃኑ ኢዩ ዝገልጾ። (ዮሃንስ 4:​24፣ ቈሎሴ 1:​15፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:​17) ስለዚ ኸኣ የሱስ ንሕና ሰባት ንየሆዋ ብዓይንና ክንርእዮ ከም እንኽእል ኣይኰነን ዝገልጽ ነይሩ። እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት መንፈሳውያን ፍጡራት ኰይኖም ምስ ተንስኡ ንየሆዋ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ቃል ብቓሉ ክርእይዎ ምዃኖም ርግጽ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: እቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎም “ጽሩያት ልቢ” እውን ንኣምላኽ “ኪርእይዎ” ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ኸመይ ኢሉ ይከኣል፧

3. ሰባት ንገለ ካብ ባህርያት ኣምላኽ ክርእይዎ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

3 ነቲ ዝፈጠሮ ነገራት ተጠንቂቕና ብምምርማር ብዛዕባ የሆዋ ክንማሃር ንኽእል ኢና። ስለዚ ድማ በቲ እንርእዮ ሓይሉ ክንምሰጥ: ከም ፈጣሪ መጠን ድማ ኣፍልጦ ክንህበሉ ክንድረኽ ኢና። (እብራውያን 11:⁠3፣ ራእይ 4:⁠11) ብዛዕባ እዚ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ [ኣምላኽ]: እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ።” (ሮሜ 1:20) ስለዚ እቲ የሱስ ብዛዕባ ንኣምላኽ ምርኣይ እተዛረቦ ቓላት ንገለ ባህርያት ኣምላኽ ምርዳእ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምርኣይ ኣብ ርጡብ ፍልጠት እተመርኰሰ ከምኡውን ‘በዒንቲ ልቢ’ ዝርአ መንፈሳዊ ኢዩ። (ኤፌሶን 1:⁠18) ቃላትን ተግባራትን የሱስ እውን ብዛዕባ ኣምላኽ ብዙሕ ነገራት ክገልጽ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ድማ ኢዩ የሱስ “እቲ ንኣይ ዝረአየ ነቦ ረአዮ” ዝበለ። (ዮሃንስ 14:9) የሱስ ንባህርያት ኣምላኽ ብልክዕ ኣንጸባሪቕዎ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ብዛዕባ ህይወትን ትምህርትን የሱስ ምፍላጥ ንገለ ባህርያት ኣምላኽ ክንርእዮ ወይ ክንርድኦ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።

መንፈሳውነት ኣገዳሲ ኢዩ

4. ሎሚ ኣብ ብዙሓት ሰባት ጕድለት መንፈሳውነት ዝንጸባረቕ ዘሎ ብኸመይ ኢዩ፧

4 ኣብዚ እዋን እዚ እምነትን ናይ ሓቂ መንፈሳውነትን ሳሕቲ ዝርአ ነገር ኢዩ። ጳውሎስ “እምነት ናይ ኵሉ ሰብ ኣይኰነትን” ኢሉ ኣሎ። (2 ተሰሎንቄ 3:2) ብዙሓት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ጕዳያት ዝጠሓሉ ኢዮም: ኣብ ኣምላኽ ድማ እምነት የብሎምን። እቲ ሓጥእ ኣካይድኦምን መንፈሳውያን ዘይምዃኖምን በቲ ናይ ምርዳእ ኣዒንቶም ንኸይርእዩ ይጋርዶም: ከመይሲ ሃዋርያ ዮሃንስ “እቲ እኩይ ዚገብር ንኣምላኽ ኣይረአዮን” ኢሉ ኣሎ። (3 ዮሃንስ 11) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ንኣምላኽ ቃል ብቓሉ ብዓይኖም ስለ ዘይርእይዎ: ንሱ እውን ንዝገብርዎ ነገራት ከም ዘይርእዮ ገይሮም ኢዮም ዝሓስቡ። (ህዝቅኤል 9:⁠9) ንመንፈሳዊ ነገራት ስለ ዝንዕቕዎ “ንምፍላጥ ኣምላኽ” ክረኽብዎ ኣይክእሉን ኢዮም። (ምሳሌ 2:⁠5) ስለዚ እምበኣር እተን “እቲ ስጋዊ ሰብ ነቲ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ዘሎ ኣይቅበሎን: ብመንፈስ ዚምርመር ስለ ዝዀነ: ንእኡ ዕሽነት እዩ እሞ: ኬስተውዕሎ ኣይከአሎን እዩ” ዝብላ ቃላት ጳውሎስ ብሓቂ ንዕኦም ዝሰማማዓ ኢየን።​—⁠1 ቈረንቶስ 2:14

5. መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ብዛዕባ እንታይ ኢዮም ንቑሓት ዝዀኑ፧

5 መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት እንተ​ድኣ ዄንና ግን ዋላ እኳ ኣምላኽ ጌጋ ሰባት ክኣሪ ዝውዕል እንተ ዘይኰነ: ሕማቕ ሓሳብን ባህግታትን ከነሕድር ከሎና ይፈልጥ ምዃኑ ክንግንዘብ ኢና። እወ: “መገዲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር እዩ: ነኻይዳኡውን ንሱ ይምልከቶ” ኢዩ። (ምሳሌ 5:21) ሓጢኣት ምስ እንፍጽም ተናሲሕና የሆዋ ይቕረ ክብለልና ኢና እንደሊ: ከመይሲ ነፍቅሮ ስለ ዝዀንና ከነጕህዮ ኣይንደልን ኢና።​—⁠መዝሙር 78:⁠41፣ 130:⁠3

ጽኑዓት ክገብረና ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧

6. ጽኑዕ ምዃን እንታይ ማለት ኢዩ፧

6 ንየሆዋ በዒንትና ክንርእዮ እኳ እንተ ዘይከኣልና: ንሱ ክርእየና ከም ዝኽእል ግን ፈጺምና ኣይንረስዕ። ከም ዘሎን ንዝጽውዕዎ ድማ ቀረባኦም ምዃኑን ድልዱል እምነት ምስ ዝህልወና ንኽንጸንዕ ማለት ንዕኡ ዘሎና ተኣማንነት ዘይነቓነቕ ንምግባሩ ክሕግዘና ኢዩ። (መዝሙር 145:18) ከምቲ ጳውሎስ “ነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ተዐጊሱ ጸንዔ እሞ: ነቲ ዅራ ንጉስ ከይፈርሄ: ብእምነት ንግብጺ ሐደጋ” ኢሉ እተዛረበሉ ሙሴ ክንከውን ንኽእል ኢና።​—⁠እብራውያን 11:27

7, 8. ሙሴ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ትብዓት ክረክብ ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ፧

7 ሙሴ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ንኸውጽኦም ኣምላኽ ዝሃቦ መዝነት ክፍጽም ከሎ ኣብ ቅድሚ እቲ ሃይማኖታውያንን ወተሃደራውያንን ሰበ⁠-​ስልጣን ኣብ ዝመልእዎ ቤተ⁠-​መንግስቲ ዝነብር ዝነበረ ጨቋኒ ፈርኦን ብተደጋጋሚ ይቐርብ ነበረ። ናይቲ ቤተ⁠-​መንግስቲ መናድቕ ብጣኦት ዝመልአ ምንባሩ ርግጽ ኢዩ። የሆዋ ዋላ እኳ ዘይርአ እንተ​ዀነ: ኣብ ቅድሚ ሙሴ ግን ከምቶም ህይወት ዘይነበሮም ኣማልኽቲ ግብጺ ዘይኰነስ ህያው ኢዩ ነይሩ። ስለዚ እምበኣር ሙሴ ብፈርኦን ዘይምጅጃዉ ዘገርም ኣይኰነን!

8 ሙሴ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ብተደጋጋሚ ንኽቐርብ ብኸመይ ክደፍር ከኣለ፧ ቅዱሳት ጽሑፋት “እቲ ሰብኣይ: ሙሴ ግና ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ዓቃል ነበረ” ኢዩ ዝብለና። (ዘሁልቍ 12:3) እቲ ሙሴ ዝነበሮ ድልዱል መንፈሳውነትን ኣምላኽ ምስኡ ምዃኑ ዝነበሮ ጽኑዕ እምንቶን ነቲ ‘ዘይርአ’ ኣምላኽ ወኪሉ ኣብ ቅድሚ እቲ ጨካን ንጉስ ግብጺ ንኽቐርብ ሓይሊ ሂብዎ ኢዩ። ሎሚ እቶም ነቲ ዘይርአ ኣምላኽ ‘ዝርእይዎ’ ነቲ ኣብኡ ዘለዎም እምነት ከንጸባርቕሉ ዝኽእሉ ገለ መገድታት እንታይ ኢዩ፧

9. ሓደ ኻብቲ ጽኑዓት ኴንና ክንቅጽለሉ እንኽእል መገዲ እንታይ ኢዩ፧

9 ሓደ ኻብቲ ነቲ ዘይርአ ኣምላኽ ከም እንርእዮ ዄንና እምነትና እነንጸባርቐሉን ጽኑዓት እንዀነሉን መገዲ መስጐጕቲ እናሃለወ እውን ብትብዓት ብምስባኽ ኢዩ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ስለ ስመይ ከኣ ኵሉ ኺጸልኣኩም እዩ” ብምባል ኣጠንቂቕዎም ነይሩ ኢዩ። (ሉቃስ 21:17) “ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዐብን እዩ . . . ንኣይ ሰጕጎምኒ እንተ ዀይኖም: ንኣኻትኩምውን ኪሰጉኹም እዮም” ኢልዎም እውን ነይሩ ኢዩ። (ዮሃንስ 15:20) ልክዕ ከምቲ የሱስ ዝበሎ: ምስ ሞተ ሰዓብቱ ምፍርራህ: ማእሰርቲ: ምቕጥቃጥን መስጐጕትን ክወርዶም ጀመረ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:1-3, 18-21፣ 5:17, 18, 40) ብርቱዕ መስጐጕቲ እኳ እንተ ነበረ ሃዋርያት የሱስን ካልኦት ደቀ መዛሙርትን ግን ነቲ ብስራት ብትብዓት ምስባኽ ቀጺሎም ኢዮም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 4:⁠29-31

10. ዕቝባ ኣምላኽ ከም ዘሎና እምንቶ ምሕዳር ኣብ ኣገልግሎት ዝሕግዘና ብኸመይ ኢዩ፧

10 ልክዕ ከም ሙሴ እቶም ናይ መጀመርታ ሰዓብቲ የሱስ እውን በቶም ዝረኣዩ ብዙሓት ጸላእቶም ኣይጃጀዉን። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብ ኣምላኽ እምነት ነይርዎም ኢዩ: ስለዚ ኸኣ ነቲ ዘጋጥሞም ዝነበረ ጽንኩር መስጐጕቲ ክጻወርዎ ክኢሎም ኢዮም። እወ: ነቲ ዘይርአ ከም ዝርእይዎ ዀይኖም ጸኒዖም ኢዮም። ሎሚ እውን የሆዋ ብቐጻሊ ከዕቑበና ይቋመት ምዃኑ ምፍላጥ የበርትዓና ኢዩ: ኣብ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ትብዓትን ድፍረትን ይህበና ኢዩ። ቃል ኣምላኽ “ንሰብ ምፍራህ ኣብ መፈንጠራ የእቱ: ብእግዚኣብሄር ዚእመን ግና ኣብ ደሓን ይነብር” ይብለና። (ምሳሌ 29:⁠25) ስለዚ ድማ መስጐጕቲ ፈሪህና ንድሕሪት ኣይንምለስን ኢና፣ ብኣገልግሎትና እውን ኣይንሓንኽን ኢና። እምነት ንጐረባብትና: መሳርሕትና: መማህርትና: ከምኡውን ካልኦት ሰባት ብትብዓት ንኽንምስክረሎም ትድርኸና ኢያ።​—⁠ሮሜ 1:⁠14-16

እቲ ዘይርአ ንህዝቡ ይመርሖም

11. ብመሰረት እቲ ጴጥሮስን ይሁዳን ዝበልዎ: ገለ ካብቶም ምስታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝሓብሩ ዝነበሩ መንፈሳውነት ዝጐደሎም ምዃኖም ዘርኣዩ ብኸመይ ኢዮም፧

11 እምነት የሆዋ ንምድራዊት ማሕበሩ ይመርሓ ኸም ዘሎ ንኽንርዳእ ትሕግዘና ኢያ። በዚ ድማ ነቶም ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ዝስከሙ ሰባት ንኸይንነቅፍ ትሕግዘና ኢያ። ሃዋርያ ጴጥሮስን እቲ ንየሱስ ብኣደ ሓዉ ዝዀነ ይሁዳን ብዛዕባ እቶም መንፈሳውነት ዘይነበሮም: ነቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓላፍነት ዝነበሮም ሰባት ዝነቕፉ ኣጠንቂቖምዎም ነበሩ። (2 ጴጥሮስ 2:9-12፣ ይሁዳ 8) የሆዋ ብኣካል ዝረኣዮም ነይሩ እንተ ዝኸውን እዞም ኣረይቲ ጌጋ ዝዀኑ ሰባት እዚኣቶም ሕማቕዶ ምተዛረቡ ነይሮም፧ ፈጺሞም ኣይምተዛረቡን! እንተ​ዀነ ግን: እዞም ስጋውያን እዚኣቶም ኣምላኽ ዘይርኣዮም ስለ ዝዀነ ኣብ ቅድሚኡ ተሓተቲ ምዃኖም ረሲዖሞ ኢዮም።

12. ብዛዕባ እቶም ኣብ ጉባኤ መሪሕነት ዝወስዱ እንታይ ኣረኣእያ ኢዩ ክህልወና ዘለዎ፧

12 እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብዘይ​ፍጹማት ሰባት ዝቘመት ምዃና ሓቂ ኢዩ። እቶም ከም ሽማግለታት ኰይኖም ዘገልግሉ ሓድሓደ ግዜ ብብሕትና ዝትንክፈና ጌጋ ይገብሩ ኢዮም። ይኹን እምበኣር: የሆዋ መጓሲኡ ንምጕሳይ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ኢዩ ዝጥቀም ዘሎ። (1 ጴጥሮስ 5:1, 2) እቶም መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰብኡትን ኣንስትን ሓደ ካብቲ የሆዋ ንህዝቡ ዝመርሓሉ መገዲ በዞም ሰባት እዚኣቶም ኣቢሉ ምዃኑ ይግንዘብዎ ኢዮም። ስለዚ ድማ: ከም ክርስትያናት መጠን ናይ ነቐፌታን ምጕርምራምን መንፈስ ነልግስ: ነቲ ናይ ኣምላኽ ቲኦክራሲያዊ ስርዓት ድማ ነኽብሮ ኢና። ነቶም ኣብ መንጎና መሪሕነት ዝወስዱ ብምእዛዝ ነቲ ዘይርአ ኣምላኽ ከም እንርእዮ ንኹን።​—⁠እብራውያን 13:⁠17

ንኣምላኽ ከም ዓቢ መምህርና ምርኣዩ

13, 14. ንየሆዋ ከም ዓቢ መምህር ገይርካ ምርኣይ ማለት ንዓኻ እንታይ ማለት ኢዩ፧

13 መንፈሳዊ ምርዳእ ዘድልዮ ኻልእ መዳይ እውን ኣሎ። ኢሳይያስ “ኣዒንትኻ ግና መምህራንካ ኺርእያ እየን” ኢሉ ተነበየ። (ኢሳይያስ 30:20) ብምድራዊት ማሕበሩ ኣቢሉ ዝምህረና ዘሎ የሆዋ ምዃኑ ንምግንዛብ እምነት የድሊ። (ማቴዎስ 24:45-47) ንኣምላኽ ከም ዓቢ መምህርካ ገይርካ ምርኣይ ማለት ጽቡቕ ልምዲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምህላውን ክርስትያናዊ ኣኼባታት ስርዓታዊ ዄንካ ካብ ምክፋልን ንላዕሊ ኢዩ። ነቲ መንፈሳዊ ምድላዋት ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ምጥቃም ማለት ኢዩ። ንኣብነት: ነቲ ብመንፈሳዊ ናብ ካልእ ኸይንእለ ኢሉ የሆዋ ብየሱስ ኣቢሉ ዝህበና ዘሎ መምርሒ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ከነቕልበሉ ኣሎና።​—⁠እብራውያን 2:1

14 ሓድሓደ ግዜ ካብ መንፈሳዊ መግቢ ምሉእ ረብሓ ምእንቲ ኽንረክብ ፍሉይ ጻዕሪ ምግባር የድሊ ኢዩ። ንኣብነት: ገለ ክፋል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንምርድኡ ዝኸብደና ምስ ዝኸውን ሕልፍ ሕልፍ ኢልካ ናይ ምንባብ ዝንባለ ይህልወና ይኸውን። ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ዝወጽእ ገለ ንዓና ዘየገድሰና ዝመስል ዓንቀጻት ፈጺምና ኣይነንብቦን ንኸውን። ወይ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣእምሮና ክዅብልል ንሓድጎ ንኸውን። ይኹን እምበር: ነቲ ምይይጥ ዝግበረሉ ዘሎ ኣርእስቲ ተጠንቂቕና ምስ እንከታተሎ ንቑሓት ክንከውን ንኽእል ኢና። ነቲ ዝወሃብ መንፈሳዊ ትምህርቲ ዓሚቝ ሞሳ ምስ ዝህልወና ንየሆዋ ከም ዓቢ መምህርና ገይርና ከም እተቐበልናዮ ዘርኢ ኢዩ።

ጸብጻብ ክንህብ ኢና

15. ገሊኦም ልክዕ ካብ ኣምላኽ እተሓብኡ ዀይኖም ዝመላለሱ ብኸመይ ኢዮም፧

15 ብፍላይ ኣብዚ “ዘመን መወዳእታ” እከይ ኣዝዩ ገኒኑ ስለ ዘሎ: ኣብቲ ዘይርአ ኣምላኽ እምነት ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። (ዳንኤል 12:4) ምድልሃቕን ጾታዊ ርኽሰትን ኣስፋሕፊሑ ኢዩ ዘሎ። ሰባት እንተ ዘይረኣዩና እውን የሆዋ ንዅሉ ተግባራትና ይዕዘቦ ከም ዘሎ ምዝካር መገዲ ጥበብ ኢዩ። ገሊኦም ነዚ ኣይተገንዘብዎን። ካብ ካልኦት ክውል ክብሉ ኸለዉ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብ ዘይኰነ ተግባራት ይጽመዱ ኢዮም። ንኣብነት: ገሊኦም ጐዳኢ ብዝዀነ መዘናግዒ ኽዘናግዑ ከምኡውን ብኢንተርነት: ተሌቭዥንን ካልእ ዓይነት ዘመናዊ ቴክኖሎጅን ኣቢሎም ስእለ⁠-​ጽዩፍ ክርእዩ ንዘጋጥሞም ፈተና ክዋጽእሉ ኣይከኣሉን። ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ብብሕቲ ዝግበር ብምዃኑ ገሊኦም የሆዋ ዝርእዮም ኣይመስሎምን ኢዩ።

16. ምስቲ ልዑል ስርዓታት ኣምላኽ ንኽንሰማማዕ ዝሕግዘና እንታይ ኢዩ፧

16 ነቲ “ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ” ዝብል ቃላት ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣእምሮና እንተ ሓዝናዮ ሰናይ ኢዩ። (ሮሜ 14:12) ነፍሲ ወከፍ እንገብሮ ሓጢኣት ኣንጻር ኣምላኽ ምሕጣእ ምዃኑ ክንግንዘብ ይግብኣና። እዚ ምፍላጥና ምስቲ ልዑል ስርዓታቱ ኽንሰማማዕን ዘይጽፉፍ ኣካይዳ ከነልግስን ክሕግዘና ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ጸብጻብ እንህቦ ኸኣ: ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዅሉ ጋህ ዝበለን ቅሉዕን እዩ እምበር: ኣብ ቅድሚኡ ዚሕባእ ፍጡር የልቦን” ኢሉ የዘኻኽረና። (እብራውያን 4:13) ንኣምላኽ ጸብጻብ ክንህብ ምዃንና ሓቂ እኳ እንተ​ዀነ: ፍቓዱ እንገብርን ንጽድቃዊ መለክዒታቱ እንእዘዘሉን ቀንዲ ምኽንያት ግን ንዕኡ ዓሚቝ ፍቕሪ ስለ ዘሎና ምዃኑ ርግጽ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ኣብ ከም እንመርጾ መዘናግዒታትን ምስ ኣንጻር ጾታ ዘሎና ርክብን ዝኣመሰለ ነገራት ምስትውዓል ነርኢ።

17. የሆዋ ከመይ ዝበለ ተገዳስነት ብምግባር ኢዩ ዝዕዘበና፧

17 የሆዋ ኣባና ዓሚቝ ተገዳስነት ኢዩ ዘለዎ። እዚ ግን ምእንቲ ክቐጽዓና ክንጋገ ኢዩ ዝጽበየና ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ: ልክዕ ከምቲ ሓደ ኣቦ ንእዙዛት ደቁ ዓስቦም ክህቦም ዝደሊ ከምኡ ፍቕራዊ ሓልዮት ብዘለዎ መገዲ ኢዩ ዝዕዘበና። ሰማያዊ ኣቦና ብእምነትና ባህ ከም ዝብሎ ከምኡውን ‘ነቶም ዝደልይዎ ዓስቢ ኸም ዝህቦም’ ምፍላጥሲ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን ኢዩ! (እብራውያን 11:6) ኣብ የሆዋ ጐደሎ ዘይብላ እምነት እናንጸባረቕና ‘ብፍጹም ልብና ነገልግሎ።’​—⁠1 ዜና መዋእል 28:9

18. የሆዋ ይዕዘበናን ተኣማንነትና ይርእን ምዃኑ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ መረጋገጺ ኢና እንረክብ፧

18 ምሳሌ 15:⁠3 “ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ስፍራ እየን: ንእኩያትን ንሰናያትን ከኣ ይቋመታኦም” ትብል። እወ: ኣምላኽ ንእኩያት ሰባት ይዕዘቦም: ከምቲ ኣካይድኦም እውን ይፈድዮም ኢዩ። ኣብ መንጎ እቶም ‘ሰናይ’ ዝገብሩ እንተ​ድኣ ዄንና ግን የሆዋ ነቲ ናይ ተኣማንነት ተግባራትና ከም ዘስተብህለሉ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ‘ጻዕርና ብጐይታ ኸንቱ ከም ዘይኰነ’ ከምኡውን እቲ ዘይርአ ኣምላኽ ‘ንግብርናን ንስሙ ዝገበርናዮ ፍቕርን ዘይርስዕ’ ምዃኑ ምፍላጥ ኣየ ክንደይ ንእምነትና ዘደልድል ኰን ኢዩ!​—⁠1 ቈረንቶስ 15:⁠58፣ እብራውያን 6:⁠10

ንየሆዋ ክምርምረና ምሕታቱ

19. ኣብ የሆዋ ድልድልቲ እምነት ምስ እትህልወና ገለ ካብቲ እንረኽቦ ረብሓታት እንታይ ኢዩ፧

19 እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ከም ምዃንና መጠን ኣብ ቅድሚኡ ክቡራት ኢና። (ማቴዎስ 10:29-31) ዘይርአ እኳ እንተ​ዀነ ንዓና ግን ህያው ክዀነና ይኽእል ኢዩ: ነቲ ምስኡ ዘሎና ክቡር ርክብ ከኣ ክንሕብሕቦ ንኽእል ኢና። ብዛዕባ ሰማያዊ ኣቦና ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ምሓዝ ብዙሕ ረብሓታት የምጽኣልና ኢዩ። እታ ድልድልቲ እምነትና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹህ ልብን ሰናይ ሕልናን ክህልወና ትሕግዘና ኢያ። ግብዝና ዘይብላ እምነት ክልተ ገጽ ዘለዎ ናብራ ካብ ምንባር እውን ትሕልወና ኢያ። (1 ጢሞቴዎስ 1:⁠5, 18, 19) ኣብ ኣምላኽ ዘላትና ዘይትነቓነቕ እምነት ነቶም ምሳና ዘለዉ ጽቡቕ ኣብነት ትዀኖም: ኣወንታዊ ጽልዋ ድማ ክንገብረሎም ንኽእል። (1 ጢሞቴዎስ 4:⁠12) ኣብ ርእሲ እዚ ከምዚኣ ዝኣመሰለት እምነት ንልቢ የሆዋ ዘሐጕስ ኣምላኻዊ ኣካይዳ ከም ዝህልወና ትገብር።​—⁠ምሳሌ 27:⁠11

20, 21. (ሀ) ኣዒንቲ የሆዋ ዝቋመታና ምዃነን ዘሐጕሰና ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) መዝሙር 139:23, 24 ኣብ ገዛእ ርእስና ብኸመይ ኢና ኸነውዕላ እንኽእል፧

20 ብሓቂ ጥበበኛታት እንተ​ድኣ ዄንና የሆዋ ይቋመተና ምህላዉ ብምፍላጥና ኽንሕጐስ ኢና። ክርእየና ጥራይ ዘይኰነስ ንሓሳብናን ተግባራትናን ኣጸቢቑ ክምርምሮ ኢና እንብህግ። ብጸሎት ገይርና ክምርምረና ከምኡውን ሕማቕ ዝንባለ ኣሎና ድዩ የብልናን ንኽንግንዘብ ክሕግዘና ክንሓቶ ግቡእ ኢዩ። ንግድላትና ንኽንዋጽኣሉን ዘድሊ ምትዕርራያት ንኽንገብርን ብርግጽ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዳዊት “ዎ ኣምላኽ: መርምረኒ: ልበይ ከኣ ፍለጥ: ፈትነኒ: ሓሳበይውን ፍለጥ። መገዲ ዓመጻ እንተ አልዩኒ: ርኤ: ኣብቲ ናይ ዘለኣለም መገዲ ምርሓኒ” ኢሉ ምዝማሩ እምበኣር ግቡእ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 139:23, 24

21 ዳዊት ኣብ ውሽጡ “መገዲ ዓመጻ” ከይህልዎ ክምርምሮ ንየሆዋ ለሚንዎ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ጸሓፍ መዝሙር ኣምላኽ ልብና መርሚሩ ዘይግቡእ ድራኸታት ኣሎና ድዩ የብልናን ክርኢ ኣይንብህግንዶ ኢና፧ እምበኣር ብእምነት: የሆዋ ኽምርምረና ንሕተቶ። እንተ​ዀነ ግን: ብዝገበርናዮ ገለ በደል ወይ ኣብ ውሽጥና ብዝስምዓና ገለ ዘሳቒ ነገር ምስ እንጭነቕከ፧ ነቲ ፈቃር ኣምላኽና የሆዋ ብቐጻሊ ኣበርቲዕና ብጸሎት ንለምኖ: ከምኡውን ነቲ መንፈስ ቅዱሱ ዝህበና መምርሕን ካብ ቃሉ እንረኽቦ ምኽርን ብትሕትና ንቀበሎ። ከም ዝድግፈና ከምኡውን ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ መገዲ ክንስዕብ ከም ዝሕግዘና እምንቶ ከነሕድር ንኽእል ኢና።​—⁠መዝሙር 40:⁠11-13

22. ብዛዕባ እቲ ዘይርአ ኣካል እንታይ ንምግባር ኢና ቈራጽነት ክንገብር ዘሎና፧

22 እወ: ነቲ ዘውጽኦ ብቕዓታት እንተ​ድኣ ኣማሊእናዮ የሆዋ ዘለኣለማዊ ህይወት ብምሃብ ክባርኸና ኢዩ። ልክዕ ኢዩ ንሓይሉን ስልጣኑን ኣፍልጦ ኽንህበሉ ኣሎና: በዚ ድማ ንሃዋርያ ጳውሎስ ንመስሎ። ንሱ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ: ዘይሐልፍ: ዘይርኤ ሓደ ኣምላኽ ንዘለኣለም ኣለም ክብርን ስብሓትን ይኹኖ። ኣሜን።” (1 ጢሞቴዎስ 1:17) ኵሉ ግዜ ንየሆዋ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኽብሮት እተሓወሶ ልባዊ ኽብሪ ነርእዮ። ነቲ ዘይርአ ከም እንርእዮ ዄንና ጸኒዕና ንምቕጻል ካብ ዝገበርናዮ ቈራጽነት ዝመጸ ይምጻእ ፈጺምና ምንቕ ኣይንበል።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ሰባት ንኣምላኽ ክርእይዎ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

• ንየሆዋ ከም ህያው ገይርና ንርእዮ እንተ​ድኣ ዄንና ኣብ ግዜ መስጐጕቲ ብኸመይ ኢና እንመላለስ፧

• ንየሆዋ ከም ዓቢ መምህርና ገይርና ምርኣይ እንታይ ማለት ኢዩ፧

• የሆዋ ክምርምረና ክንደሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ሙሴ ብፈርኦን ከይጃጀወ: ነቲ ዘይርአ የሆዋ ኣምላኽ ከም ዝርእዮ ዀይኑ ተመላለሰ

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

እንገብሮ ነገራት የሆዋ ከም ዘይርእዮ ገይርና ብምሕሳብ ኣይንመላለስ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ንኣምላኽ ከም ዓቢ መምህርና ገይርና ስለ እንርእዮ ተጊህና ፍልጠቱ ንደሊ ኢና