“ናይ ፈታዊ ምቝሳል”
“ናይ ፈታዊ ምቝሳል”
ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ገላትያ ዝነበሩ ክርስትያናት ገለ ማዕዳ ኸም ዘድልዮም ኣስተውዓለ። ስለዚ: ቅር ከይብሎም ኢሉ ኢዩ ዝኸውን “እሞኸ ሓቂ ስለ ዝነገርኩኹምዶ ጸላኢ ዀይነኩም እየ፧” ኢሉ ሓተቶም።—ገላትያ 4:16
ጳውሎስ ‘ሓቂ ብምንጋሩ’ ጸላኢኦም ኣይኰነን። እኳ ድኣስ ምስቲ “ናይ ፈታዊ ምቝሳል እሙን እዩ” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓት ኢዩ ተሰማሚዑ። (ምሳሌ 27:6) ነቶም እተጋገዩ ሰባት ክብሮም ክትንክፎም ከም ዝኽእል ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ነቲ በዳሊ ዘድልዮ ተግሳጽ ዘይምሃብ: ፍቕሪ የሆዋ ኣምላኽ ኣየድልዮን ካብ ምባል ተፈልዩ ከም ዘይረአ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (እብራውያን 12:5-7) ስለዚ: ልዕሊ ዅሉ ብዛዕባ ነባሪ ጥቕሚ ናይታ ጉባኤ ብምሕሳብ እሙን ፈታዊ ዀይኑ ምዕዶ ኻብ ምሃብ ድሕር ኣይበለን።
ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ የሱስ ክርስቶስ ‘ንዅሎም ኣህዛብ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኽሕልዉ እናመሃርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም’ ብምባል ዝሃቦም መዝነት ይፍጽሙ ኣለዉ። እዞም ቅኑዓት ክርስትያናት እዚኣቶም ነዚ መዝነት እዚ ኽፍጽሙ ኸለዉ: ነቲ ግጉይ ሰረተ-እምነትን ዘይክርስትያናዊ ባህርያትን ዘቃልዕን ዝዅንንን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ኣይዓባብጥዎን ኢዮም። (ማቴዎስ 15:9፣ 23:9፣ 28:19, 20፣ 1 ቈረንቶስ 6:9, 10) ክርሓቑ ዝግብኦም ጸላእቲ ዘይኰኑስ: ሓቀኛታት ፈተውቲ ዘንጸባርቕዎ ተገዳስነት ኢዮም ዘርእዩ ዘለዉ።
እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብመንፈስ ተደሪኹ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ጻድቕ ይውቅዓኒ: ለውሃት እዩ: ይዝለፈኒ: ዘይቲ ርእሲ እዩ: ርእሰይ ኣይእበዮ።”—መዝሙር 141:5