ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦም ምብጻሕ

ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦም ምብጻሕ

ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦም ምብጻሕ

ኣብ ሓንቲ ፍቕሪ ዘይብላ ዓለም ንነብር ከም ዘሎና ንምርዳእ ኣይጽግመናን ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዝህልዉ ዓይነት ሰባት ክገልጽ ከሎ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- ‘ክፉእ ዘመን ክመጽእ ኢዩ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም: ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዘይብሎም ክዀኑ ኢዮም።’ (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-3) እዚ ቓላት እዚ ብልክዕ ይፍጸም ኣሎ!

 እዚ ኣብ ግዜና ዘሎ ስነ⁠-​ምግባራዊ ሃዋሁ ንድንጋጸ ኻብ ኣልባብ ብዙሓት ሰባት ከም ዝጠፍእ ገይርዎ ኢዩ። ሰባት ንናይ ካልኦት ድሕንነት ዘለዎም ሓልዮት እናጐደለ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ: አረ ገሊኦምስ ንስድርኦም እውን ኣይሓልዩን ኢዮም።

እዚ ድማ ብሰንኪ እተፈላለየ ጸገማት ኣብ ድኽነት ንዝወደቑ ብዙሓት ሰባት ብኣሉታዊ መዳይ ጸልይዎም ኢዩ። ብሰንኪ ውግእ: ባህርያዊ ዕንወት: ከምኡውን ዋሕዚ ስደተኛታት ቍጽሪ መበለታትን ዘኽታማትን ብቐጻሊ እናወሰኽ ይኸይድ ኣሎ። (መክብብ 3:⁠19) ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሕጻናት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ “ብሰንኪ ውግእ ልዕሊ 1 ሚልዮን ዝዀኑ [ሕጻናት] ዘኽቲሞም ወይ ካብ ወለዶም ተፈልዮም ኣለዉ” ብምባል ይገልጽ። ብተወሳኺውን ብዙሓት ኣብ መነባብሮአንን ደቀን ኣብ ምዕባይን ከቢድ ጸገማት ዘሕልፋ ንጽል ኣንስቲ: ሰብኡተን ሓዲጎምወን ዝኸዱ ወይ እተፈትሓ ኣዴታት ትፈልጥ ትኸውን ኢኻ። ብዙሓት ሃገራት ንዜጋታተን ኣብ ክቱር ድኽነት ከም ዝወድቁ ዝገብሮም ከቢድ ቍጠባዊ ቕልውላው የጋጥመን ስለ ዘሎ እቲ ዅነታት መመሊሱ ኢዩ ዝገድድ ዘሎ።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ነቶም መከራ ዘጋጥሞም ዘሎ ገለ ተስፋ ኣለዎምዶ ኢዩ፧ መበለታትን ዘኽታማትን ካብ ዘጋጥሞም ጸበባ ብኸመይ መስተርሆ ኽረኽቡ ይኽእሉ፧ ንምዃኑ እዚ ሽግር እዚ ኽውገድዶ ኢዩ፧

ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ሓልዮት

ንስጋውን መንፈሳውን ድሌት መበለታትን ዘኽታማትን ምሕላይ ካብ ቀደም ኣትሒዙ ኽፍሊ ሓቀኛ ኣምልኾ ኢዩ ነይሩ። እስራኤላውያን ክዓጽዱ ኸለዉ ነቲ ኣብ ግራቶም ዝተረፈ ቐሪም ተመሊሶም ኣይቐርሙዎን ኢዮም ነይሮም። “ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን” ኢዩ ዝግደፍ ነይሩ። (ዘዳግም 24:⁠19-21) ሕጊ ሙሴ “ንመበለታትን ንዘኽታማትን ዘበሉ ኣይትግፍዕዎም” ዝብል ንጹር ትእዛዝ ነበሮ። (ዘጸኣት 22:⁠22, 23) እቶም መጽሓፍ ቅዱስ መበለታትን ዘኽታማትን ኢሉ ዝዛረበሎም ንድኻታት ክፍሊ ማሕበረሰብ ዘመልክቱ ኢዮም፣ ከመይሲ በዓል እንዳን ኣቦን ወይ ክልቲኦም ወለዲ ምስ ዝሞቱ ኣባላት እታ ስድራ​ቤት ብዘይ ኣላዪ ይተርፉ: ይደኽዩ እውን ኢዮም። ሓደ ኻብቶም ርእሲ ኣቦታት ዝነበረ እዮብ “ነቲ ዚጠርዕ ጥቑዕ: ነቲ ረዳኢ ዜብሉ ዘኽታምውን ኤናግፎ ነበርኩ” በለ።​—⁠እዮብ 29:⁠12

ኣብቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ክርስትና ብሞት ወለዶም ወይ ብሞት ሰብኡተን ኣብ ድኽነት ንዝወደቑ መሳኪን ሓልዮት ምርኣይ መለለዪ ሓቀኛ ኣምልኾ ኢዩ ነይሩ። እቲ ወደ መዝሙር ዝነበረ ያእቆብ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ይሓልየሎም ብምንባሩ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ: ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻ: ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ።”​—⁠ያእቆብ 1:⁠27

ያእቆብ ንዘኽታማትን መበለታትን ጥራይ ዘይኰነስ ንድኻታትን ሽጉራትን እውን ኣጸቢቑ ከም ዝሓልየሎም ኣርእዩ ኢዩ። (ያእቆብ 2:⁠5, 6, 15, 16) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ተመሳሳሊ ሓልዮት ኢዩ ኣርእዩ። ንሱን በርናባስን ክሰብኩ ክለኣኹ ኸለዉ ካብ እተዋህቦም መምርሒታት ሓደ ‘ነቶም ድኻታት ክዝክርዎም’ ኢዩ ነይሩ። ጳውሎስ ድማ ብጽሩይ ሕልና “እዚውን ክገብሮ ኢለ ባዕለይ እጋደል ነይረ” ኽብል ክኢሉ ኢዩ። (ገላትያ 2:⁠9, 10) ክርስትያናዊት ጉባኤ ድሕሪ ምምስራታ ነዊሕ ከይጸንሐ ኸምዚ ዝብል ጸብጻብ ንረክብ:- “ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ከከም ዜድልዮ ይመቕልዎ ነበሩ: ስለዚ ሓደ ሽጉር እኳ ኣይነበሮምን።” (ግብሪ ሃዋርያት 4:⁠34, 35) እወ: እቲ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ንዘኽታማትን መበለታትን ድኻታትን ዝግበር ዝነበረ ሓልዮት ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን ቀጺሉ ኢዩ።

ልክዕ ኢዩ: እቲ ዝወሃብ ዝነበረ ሓገዝ ከም ዓቕሚ ናይታ ጉባኤ ስለ ዝዀነ ውሱን ኢዩ ነይሩ። ገንዘብ ስቕ ኢልካ ኣይወጽእን ኢዩ ነይሩ: እቶም ብሓቂ ሽጉራት ጥራይ ድማ ኢዮም ዝሕገዙ ነይሮም። ዋላ ሓደ ክርስትያን ካብዚ ምድላው እዚ ኽብለጽ ኣይነበሮን: በዚ ኸምዚ እታ ጉባኤ ዘየድሊ ጾር ኣይትጸውርን ነበረት። እዚ ኣብቲ ጳውሎስ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 5:⁠3-16 ዝሃቦ ሓሳብ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ነቲ ዝደኸየ ሰብ ክሕግዝዎ ዝኽእሉ ኣዝማድ እንተልዮሞ: ነቲ ሓላፍነት ንሳቶም ክስከምዎ ከም ዝግባእ ካብቲ ጥቕሲ ኽንርእዮ ንኽእል ኢና። ድኻታት መበለታት ሓገዝ ንኽወሃበን ገለ ብቕዓታት ከማልኣ ነይርወን። እዚ ዅሉ የሆዋ ንድኻታት ንምሕጋዝ ዝገበሮ ጥበባዊ ምድላው ኢዩ ዘርኢ። እንተ​ዀነ ግን: ዋላ ሓደ ሰብ ካብቲ ዝግበር ሓልዮት ምእንቲ ኸይብለጽ ሚዛናዊ ምዃን የድሊ ነበረ።​—⁠2 ተሰሎንቄ 3:⁠10-12

ሎሚ ንዘኽታማትን መበለታትን ምሕላይ

ነቶም መከራ ዘለዎም ምሕላይን ምሕጋዝን ብዝመጸ እቲ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝስዕብዎ ዝነበሩ መሰረታዊ ስርዓታት ሕጂውን ኣብ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይዕየየሉ ኣሎ። ከምቲ የሱስ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ዝበሎ ሕውነታዊት ፍቕሪ ቐንዲ መለለዪት ባህርይ ኢያ። (ዮሃንስ 13:⁠35) ንገሊኣቶም ስእነት: ባህርያዊ ዕንወት: ውግእ: ወይ ናዕቢ እንተ ኣጋጢምዎም እቶም ዝተረፉ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣሕዋት ብመንፈሳዊ ይኹን ብስጋዊ ንኽድግፍዎም ይጽዕሩ ኢዮም። ኣብዚ መዳይ እዚ እንታይ ከም እተገብረ ዝገልጽ ዘመናዊ ተመክሮታት እስከ ንርአ።

ፔድሮ ኣዲኡ ወዲ ዓመትን መንፈቕን ከሎ ስለ ዝሞተት ብዙሕ ኣይዝክራን ኢዩ። ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ምስ ኰነ ኣቦኡ እውን ሞተ። ስለዚ ፔድሮ ምስ ኣሕዋቱ ተረፈ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣቦኡ ይበጽሕዎ ስለ ዝነበሩ: ፔድሮን ምዕባዩ ኣሕዋቱን ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረሎም ፍቓደኛታት ኰኑ።

ፔድሮ ኸምዚ ብምባል የዘንቱ:- “ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ሰሙን ኣኼባታት ክንከይድ ጀመርና። ምስ ኣሕዋት ክንሓብር ምስ ጀመርና ፍቕሪ ንረክብ ምህላውና ኽስምዓና ጀመረ። ኣሕዋትን ኣሓትን ፍቕሪ የርእዩኒ ስለ ዝነበሩ እታ ጉባኤ ልክዕ ከም ወለደይ ዕቝባ ኢያ ዀይናትኒ።” ፔድሮ ሓደ ኻብቶም ክርስትያን ሽማግለታት ናብ ቤቱ ይዕድሞ ኸም ዝነበረ ትዝ ይብሎ ኢዩ። ናብ ቤት እቲ ሽማግለ ምስ ከደ: ምስቶም ስድራ​ቤት የዕልልን ይዘናጋዕን ነበረ። ፔድሮ “እዚ ባህ ዘብል ተዘክሮታተይ ኢዩ” በለ፣ ወዲ 11 ዓመት ከሎ ብዛዕባ እምነቱ ኽሰብኽ ጀመረ: ወዲ 15 ዓመት ምስ ኰነ ድማ ተጠምቀ። ዓበይቲ ኣሕዋቱ እውን በቶም ኣባላት እታ ጉባኤ ሓገዝ ስለ እተገብረሎም ብመንፈሳዊ መዳይ ተመሳሳሊ ዕቤት ገበሩ።

ዴቪድ እውን ተመሳሳሊ ዅነታት ኢዩ ነይርዎ። ወለዱ ምስ ተፈላለዩ ንሱን ማንትኡ ሓብቱን በይኖም ተረፉ። ኣባሓጎኦምን ዓባዮምን ሓትኖኦምን ድማ ኣዕበይዎም። ዴቪድ ቀጺሉ ኸምዚ በለ:- “ምስ ዓበናን ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ከም ዘሎና ምስ ኣስተውዓልናን ብናይ ምሽቝራርን ሓዘንን ስምዒት ተወሓጥና። ጸግዒ ክዀነና ዝኽእል ሰብ ደለና። ድሕርዚ ሓትነይ ናይ የሆዋ ምስክር ኰነት: ስለዚ ድማ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተማሃርና። ኣሕዋት ከኣ ፍቕሮም ኣርኣዩና: ፈተውትና እውን ኰኑ። ኣጸቢቖም ይፈትውና ነበሩ: ሸቶታትና ንኽንበጽሖን ንየሆዋ ምግልጋል ንኽንቅጽልን ከኣ ኣተባብዑና። ወዲ ዓሰርተ ዓመት ከለኹ: ሓደ ኣገልጋሊ ጉባኤ ናብ ግራት ኣገልግሎት ይወስደኒ ነበረ። ካልእ ሓው ድማ ናብ ዓበይቲ ኣኼባታት ክኸይድ ከለኹ ወጻኢታተይ ይሽፍነለይ ነበረ። አረ ሓደ ሓው ከኣ እሞ ኣብቲ ኣደራሽ መንግስትና ወፈያ ምእንቲ ኽገብር ይሕግዘኒ ነበረ።”

ዴቪድ ወዲ 17 ዓመት ምስ ኰነ ተጠምቀ: ጸኒሑ ድማ ኣብቲ ኣብ ሜክሲኮ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከገልግል ጀመረ። ሕጂውን እንተ​ዀነ ከምዚ ብምባል ኣፍልጦ ይህብ:- “ነዚ ዘሎኒ ፍልጠት ንኽረክብ ዝሓገዙንን ጠቓሚ ምኽሪ ዝህቡንን ገለ ሽማግለታት ኣለዉ። በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ዝነበረኒ ናይ ምሽቝራርን ጽምዋን ስምዒት ክዋጽኣሉ ኽኢለ ኢየ።”

ኣብ ሓንቲ ሓገዝ ዘድልየን መበለታት ዘለዋኣ ኣብ ሜክሲኮ እትርከብ ጉባኤ ሽማግለ ዀይኑ ዘገልግል ኣቤል ከምዚ ይብል:- “ንመበለታት ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዘድልየን ነገር ስምዒታዊ ደገፍ ምዃኑ እኣምነሉ ኢየ። ሓድሓደ ግዜ ብጭንቀት ይወሓጣ ከምኡውን ብጽምዋ ይብልዓ ኢየን። ስለዚ: ክዛረባ ኸለዋ ጽን ኢልካ ብምስማዕ ክንሕግዘን ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። [ሽማግለታት እታ ጉባኤ] ብተደጋጋሚ ኢና ንበጽሐን። ግዜ ወሲድካ ሽግራተን ጽን ኢልካ ምስማዕ ኣድላዪ ኢዩ። እዚ ድማ ብመንፈሳዊ ንኽጸናንዓ ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ።” እንተ​ዀነ ግን: ሓድሓደ ግዜ ቍጠባዊ ሓገዝ እውን የድልየን ኢዩ። ኣቤል ቅድሚ እተወሰነ እዋን “ሕጂ ንሓንቲ መበለት ሓብቲ ቤት ንሃንጸላ ኣሎና” በለ። ወሲኹ ድማ “ሓድሓደ ግዜ ቀዳም: ሓድሓደ ግዜ ድማ ኣብ መንጎ ሰሙን ድሕሪ ቐትሪ ነቲ ቤት ንሃንጾ ኣሎና” በለ።

ካልእ ናይ ጉባኤ ሽማግለ ንዘኽታማትን መበለታትን ሓገዝ ብምሃብ ዝመጸ ዘጋጠሞ ተመክሮ ከምዚ ኢሉ ገለጸ:- “ዘኽታማት ካብ መበለታት ንላዕሊ ክርስትያናዊ ፍቕሪ የድልዮም ኢዩ ኢለ ኢየ ዝኣምን። ከምቶም ክልቲኦም ወለዶም ዘለዉዎም ቈልዑን ኣባጽሕን ዘይኰኑስ እተጸልኡ ዀይኑ ከም ዝስምዖም ተገንዚበ ኢየ። ሕውነታዊ ፍቕርና ብብዙሕ መገድታት ክንገልጸሎም የድልዮም ኢዩ። ኣኼባ ምስ ተወድአ: ከመይ ከም ዝቐነዩ ምሕታቶም ሰናይ ኢዩ። ኣብ ጉባኤና ሓደ ብቝልዕነቱ ዝዘኽተመ በዓል ሓዳር ኣሎ። ኣብ ኣኼባና ወትሩ ጽቡቕ ገይረ ኢየ ሰላም ዝብሎ: ንሱ እውን ክረኽበኒ ኸሎ ሓቒፉ ኢዩ ዝስዕመኒ። እዚ ነቲ ኣብ ናይ ሓቂ ሕውነታዊ ፍቕሪ ዘሎ ማእሰር የደልድሎ ኢዩ።”

የሆዋ ‘ነቲ ድኻ ከናግፎ ኢዩ’

መበለታትን ዘኽታማትን ንዘጋጥሞም ሽግራት ክዋጽኡሉ ምእንቲ ክኽእሉ ኣብ የሆዋ ዘለዎም ትውክልቲ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። ብዛዕባ የሆዋ “እግዚኣብሄር ንስደተኛታት የዕቍቦም: እግዚኣብሄር ንዘኽታምን መበለትን ይአልዮም” ተባሂሉ ኢዩ። (መዝሙር 146:⁠9) ምሉእ ፍታሕ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ሽግራት በታ የሱስ ክርስቶስ ዘመሓድራ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ ኽርከብ ዝኽእል። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ነቲ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር እቲ መሲሕ ዝህሉ ዅነታት ክንበ ኸሎ ኸምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ እዩ። ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎም: ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ።”​—⁠መዝሙር 72:⁠12, 13

መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ እናቐረበ ብዝኸደ መጠን: እቲ ንክርስትያናት ዘጋጥሞም ጸቕጥታት እናወሰኸ ከም ዝኸይድ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠9-13) ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ክርስትያናት ንሓድሕዶም ክተሓላለዩን ‘ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ኽትህልዎምን’ የድሊ። (1 ጴጥሮስ 4:⁠7-10) ክርስትያናት ሰብኡት: ብፍላይ ድማ ሽማግለታት: ነቶም ዝዘኽተሙ ሓልዮትን ድንጋጽን ከርእይዎም ኣለዎም። ኣብ ጉባኤ ዘለዋ ብሱላት ኣንስቲ ድማ ነተን መበለታት ብዙሕ ክሕግዝአንን ምንጪ ምጽንናዕ ክዀንአንን ይኽእላ ኢየን። (ቲቶስ 2:⁠3-5) ነፍሲ ወከፍና ነቶም መከራ ዘሕልፉ ዘለዉ ሰባት ሓልዮት ብምርኣይ ኣበርክቶ ኽንገብር ንኽእል ኢና።

ሓቀኛታት ክርስትያናት ‘ሓዎም ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣዩ ድንጋጾም ኣይዓጽዉሉን’ ኢዮም። ነቲ ሃዋርያ ዮሃንስ “ኣቱም ደቀየ: ብግብርን ብሓቅን እምበር: ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ተጠንቂቖም ይስዕብዎ ኢዮም። (1 ዮሃንስ 3:⁠17, 18) ስለዚ ‘ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦም ንብጽሓዮም።’​—⁠ያእቆብ 1:⁠27

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

“ብግብርን ብሓቅን እምበር: ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር።” 1 ዮሃንስ 3:⁠18

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ሓቀኛታት ክርስትያናት ንዘኽታማትን መበለታትን ብስጋዊ ብመንፈሳዊ ከምኡውን ብስምዒታዊ መዳይ ይሓልይሎም ኢዮም