ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዝርስዑ ሰማዕቲ ኣይትኹኑ

ዝርስዑ ሰማዕቲ ኣይትኹኑ

ዝርስዑ ሰማዕቲ ኣይትኹኑ

“ገበርቲ ቓል ኩኑ: ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ።”—⁠ያእቆብ 1:22

1. ጥንታዎት ህዝቢ እስራኤል ከመይ ዝኣመሰለ ተኣምራት ናይ ምርኣይ መሰል ኢዮም ዝረኸቡ፧

 “ዘይርሳዕ” እትብል ቃል ነቲ የሆዋ ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ዝገበሮ ተኣምራት ጽቡቕ ገይራ ትገልጾ ኢያ። እተን ዓሰርተ መዓት ነፍሲ ወከፈን ዘፍርሃ ምንባረን ርግጽ ኢዩ። ደድሕሪ እዚ መዓት እዚ እስራኤላውያን በቲ ኣብ ክልተ እተኸፍለ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ኣቢሎም ብምሕላፍ ደሓኑ። (ዘዳግም 34:⁠10-12) ነዚ ፍጻመታት እዚ ብዓይንኻ ርኢኻዮ ነይርካ እንተ ትኸውን: ነዚ ዝገበረ መን ምዃኑ ፈጺምካ ከም ዘይትርስዖ እተረጋገጸ ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ግን ከምዚ ኢሉ ዘመረ:- “[እስራኤላውያን ነቲ] ኣብ ግብጺ ዓብዪ ተግባር: ኣብ ሃገር ካም ተኣምራት: ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ዜፍርህ ነገር ዝገበረ ኣምላኽ: መድሓኒኦም: ረስዕዎ።”​—⁠መዝሙር 106:21, 22

2. እቲ እስራኤላውያን ነቲ የሆዋ ዝገበሮ ዓበይቲ ተግባራት ዝነበሮም ሞሳ ነዊሕ ግዜ ከም ዘይጸንሐ ዘርኢ እንታይ ኢዩ፧

2 እስራኤላውያን ቀይሕ ባሕሪ ምስ ተሳገሩ ‘ብእግዚኣብሄር ፈርሁ: ኣመኑ ድማ።’ (ዘጸኣት 14:⁠31) እስራኤላውያን ሰብኡት ምስ ሙሴ ሓቢሮም ንየሆዋ ናይ ዓወት መዝሙር ዘመሩሉ: ሚርያምን ካልኦት ኣንስትን ድማ ከበሮ ሒዘን ሳዕስዓ። (ዘጸኣት 15:⁠1, 20) እወ: ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ዓበይቲ ተግባራት የሆዋ ምስ ረኣዩ ተመሲጦም ኢዮም። ነቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ዝገበረ ኣምላኽ ዝነበሮም ሞሳ ግን ነዊሕ ኣይጸንሐን። መብዛሕትኦም ነዊሕ ከይጸንሑ ኵሉ ተዘክሮታቶም ተደምሲሱ ኢዩ። ኣንጻር የሆዋ ኣጕረምረሙን ኣዕዘምዘሙን። ገሊኦም ድማ ኣብ ኣምልኾ ጣኦትን ጾታዊ ርኽሰትን ወደቑ።​—⁠ዘሁልቍ 14:27፣ 25:​1-9

ከረስዓና ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧

3. ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና እንታይ ኢና ክንርስዕ እንኽእል፧

3 እስራኤላውያን ዝነበሮም ሞሳ ምጥፍኦም ብሓቂ ዘደንጹ ኢዩ ነይሩ። እንተ​ዀነ ግን: ሕጂ እውን ንዓና ከምኡ ኸጋጥመና ይኽእል ኢዩ። ከም ናቶም መለኮታዊ ትእምርቲ ከም ዘይረኣና ሓቂ ኢዩ። ካብቲ ምስ ኣምላኽ ርክብ ዝመስረትናሉ ግዜ ኣትሒዝና ግን ዘይርሳዕ ፍጻመታት ዘሕለፍናሉ እዋናት ከም ዘሎ ርግጽ ኢዩ። ገሌና መጀመርታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ክንቅበል ከሎና ንዝክሮ ንኸውን። ንየሆዋ ብጸሎት ወፈያና ክንገልጸሉ ኸሎና ከምኡውን ከም ሓቀኛታት ክርስትያናት መጠን ብማይ ክንጥመቕ ከሎና እተሰመዓና ሓጐስ እውን ንዝክሮ ንኸውን። ንብዙሓት ካባና ድማ ኢድ የሆዋ ኣብ እተፈላለየ እዋን ደጊፋትና ኢያ። (መዝሙር 118:⁠15) ልዕሊ ዅሉ ድማ በቲ መስዋእታዊ ሞት ወዲ ኣምላኽ: የሱስ ክርስቶስ: ተስፋ ምድሓን ረኺብና ኢና። (ዮሃንስ 3:⁠16) እንተ​ዀነ ግን: ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና: ሕማቕ ባህግታት ምስ እነሕድር ከምኡውን ናይ ናብራ ጭንቀት ከጋጥመና ኸሎ ነቲ የሆዋ ዝገበረልና ዅሉ ሰናይ ነገራት ብቐሊሉ ንርስዖ ንኸውን።

4, 5. (ሀ) ሰሚዕካ ምርሳዕ ከም ዘሎ ያእቆብ እንታይ መጠንቀቕታ ኢዩ ዝሃበ፧ (ለ) ነቲ ያእቆብ ብዛዕባ ሓደ ሰብኣይን መስትያትን ዝሃቦ መብርሂ ብኸመይ ኢና ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ እንኽእል፧

4 ያእቆብ: እቲ ንየሱስ ብኣደ ሓዉ: ናብቶም ክርስትያናት ብጾቱ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ ሰሚዕካ ምርሳዕ ከም ዘሎ መጠንቀቕታ ሂቡ ኣሎ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ገበርቲ ቓል ኩኑ: ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ። ሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ ገባሪ እንተ ዘይኰነ: ንሱ ነቲ ንገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዚርኢ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ነፍሱ ይርኢ እሞ: ይኸይድ ብኡብኡውን ከመይ ምዃኑ ይርስዕ።” (ያእቆብ 1:22-24) ያእቆብ ከምዚ ኽብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧

5 ኵሉ ግዜ ንግሆ ካብ ዓራትና ምስ ተንሳእና: ኣብ መስትያት ቀሪብና ኣብ ትርኢትና እቲ ዘድሊ ምትዕርራይ ንገብር ኢና። ኣብ እተፈላለየ ንጥፈታት ምስ ተጸመድና: ኣእምሮና ድማ ናብ ካልእ ከተኵር ምስ ጀመረ ግን ብዛዕባ እቲ ንግሆ ኣብ መስትያት ዝረኣናዮ ትርኢትና ምሕሳብ ነቋርጽ። ብመንፈሳዊ መገዲ እውን ከምዚ ኸጋጥም ይኽእል ኢዩ። ቃል ኣምላኽ ከነንብብ ከሎና ንገዛእ ርእስና ምስቲ የሆዋ ክንኰኖ ዝጽበየና ነወዳድራ ኢና። ስለዚ ድማ ድኻምና ብግልጺ ይረኣየና። እዚ ድማ ኣብ ባህርያትና ምትዕርራያት ንኽንገብር ክድርኸና ኣለዎ። እንተ​ዀነ ግን: ኣብቲ ልሙድ መዓልታዊ ንጥፈታትና ምስ ተጸመድና: ምስ ግድላትና ድማ ክንቃለስ ምስ ጀመርና ብቐሊሉ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ምሕሳብ ከነቋርጽ ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 5:⁠3 NW፣ ሉቃስ 21:⁠34) እዚ ነቲ የሆዋ ዝገበረልና ፍቕራዊ ነገራት ከም ዝረሳዕናዮ ኢዩ ዝሕሰብ። ከምዚ እንተ​ድኣ ኣጋጢሙና ኸኣ ንሓጥእ ዝንባለታት እተቓላዕና ንኸውን።

6. ቃል የሆዋ ንኸይንርስዕ ነየናይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ምምርማር ኢዩ ኽሕግዝ ዝኽእል፧

6 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝጸሓፋ መንፈስ ዝነፈሳ ናይ መጀመርታ መልእኽቱ: ነቶም ኣብ በረኻ ዝነበሩ ረሳዕቲ እስራኤላውያን ጠቒስዎም ኣሎ። ልክዕ ከምቲ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ካብ ቃላት ጳውሎስ ረብሓ ዝረኸቡ: ንሕና እውን ነቲ ዝጸሓፎ ምምርማሩ ንቓል የሆዋ እንርስዕ ንኸይንኸውን ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ን⁠1 ቈረንቶስ 10:⁠1-12 እስከ ንመርምራ።

ንዓለማዊ ባህግታት ምጥንጣኑ

7. እስራኤላውያን ኣየናይ ሓበል ዘይበሃል መርትዖ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢዩ ዝነበሮም፧

7 እቲ ጳውሎስ ብዛዕባ እስራኤላውያን ጠቒስዎ ዘሎ ንክርስትያናት መጠንቀቕታ ክዀኖም ይኽእል ኢዩ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣሕዋተየ: ኵላቶም ኣቦታትና ትሕቲ ደበና ኸም ዝነበሩ: ኵላቶምውን ባሕሪ ኸም እተሳገሩ: ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ ኣይፈቱን እየ። ኵላቶም ድማ ብደበናን ብባሕርን ናብ ሙሴ ተጠምቁ።” (1 ቈረንቶስ 10:1-4) ኣብ ግዜ ሙሴ ዝነበሩ እስራኤላውያን ነቲ ብመዓልቲ ዝመርሖም ዝነበረ ከምኡውን ብቐይሕ ባሕሪ ንኸምልጡ ዝሓገዞም ተኣምራታዊ ዓንዲ ደበና ሓዊስካ ሓይሊ የሆዋ እተገልጸሉ ዓበይቲ ነገራት ርእዮም ኢዮም። (ዘጸኣት 13:⁠21፣ 14:⁠21, 22) እወ: እስራኤላውያን የሆዋ ከም ዘፍቅሮም ሓበል ዘይበሃል መርትዖ ነይርዎም ኢዩ።

8. ሳዕቤን ናይቲ እስራኤላውያን ዘርኣይዎ መንፈሳዊ ምርሳዕ እንታይ ነበረ፧

8 ጳውሎስ ቀጺሉ “ካባታቶም እቶም ዚበዝሑ ግና ንኣምላኽ ባህ ኣየበልዎን: ስለዚ ኣብ በረኻ ተወድኡ” በለ። (1 ቈረንቶስ 10:5) ክንደይ ዘሕዝን ኰን ኢዩ! ዝበዝሑ ካብቶም ካብ ግብጺ ዝወጹ እስራኤላውያን ንገዛእ ርእሶም ኣብ ምድሪ ተስፋ ንኽትኣቱ ከም ዘይትበቅዕ ገበርዋ። ብምኽንያት ጕድለት እምነቶም ኣምላኽ ስለ ዝነጸጎም: ኣብ በረኻ ሞቱ። (እብራውያን 3:⁠16-19) ካብዚ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧ ጳውሎስ ከምዚ በለ:- “እዚ ኸኣ: ከምቲ ንሳቶም እተመነይዎ ንሕና ነቲ እከይ ምእንቲ ኸይንምነ: መለበሚ ዀነልና።”​—⁠1 ቈረንቶስ 10:6

9. የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ ኢዩ ዝናበዮም: እስራኤላውያንከ ብኸመይ መለስሉ፧

9 እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ኸለዉ ናብ መንፈሳዊ ነገራት ከም ዘተኵሩ ክገብሮም ዝኽእል ብዙሕ ነገራት ነይሩ ኢዩ። ምስ የሆዋ ቃል ኪዳን ዝኣተዉ ንዕኡ እተወፈዩ ህዝቢ ኢዮም ነይሮም። ኣብ ርእሲ እዚ ካህናት: ከም ማእከል ኣምልኾ ዀይኑ ዘገልግል ማሕደር: ንየሆዋ መስዋእቲ ከቕርብሉ ዝኽእሉ ምድላዋት ነይርዎም ኢዩ። ንሳቶም ግን በዚ መንፈሳዊ ህያባት እዚ ኣብ ክንዲ ባህ ዝብሎም: በቲ ኣምላኽ ዝገብረሎም ዝነበረ ስጋዊ ነገራት ዘይዕጉባት ኰኑ።​—⁠ዘሁልቍ 11:⁠4-6

10. ንኣምላኽ ኵሉ ግዜ ኣብ ሓሳብና ክንገብሮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

10 ሕጂ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ ከምቶም ኣብ በረኻ ዝነበሩ እስራኤላውያን ዘይኰነስ ስምረት ኣምላኽ ኣለዎም። እንተ​ዀነ ግን: ከም ውልቀ⁠-​ሰባት መጠን ንኣምላኽ ኵሉ ግዜ ኣብ ሓሳብና ክንገብሮ ኣገዳሲ ኢዩ። ከምዚ ምግባር ንመንፈሳዊ ትርኢትና ኽጋርዶ ዝኽእል ስስዐ ዝመልኦ ባህግታት ንኽንነጽግ ክሕግዘና ኢዩ። “ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና: ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር” ክንውስን ኣሎና። (ቲቶስ 2:12) እቶም ካብ ቍልዕነትና ኣትሒዝና ምስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምሕባር ዝጀመርና ድማ ካብ ጽቡቕ ነገራት እተጠለና ዀይኑ ክስመዓና የብሉን። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳብ ናብ ኣእምሮና ቅልቅል ምስ ዝብል እውን ንየሆዋን ነቲ ኣዳልዩልና ዘሎ ድንቂ በረኸታቱን ክንዝክር ሰናይ ኢዩ።​—⁠እብራውያን 12:⁠2, 3

ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ምእዛዝ

11, 12. ሓደ ሰብ ንምስሊ ኸይሰገደ ንጣኦት ከምልኽ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

11 ጳውሎስ “እምብኣርከ፤ እቲ ህዝቢ ኺበልዕን ኪሰትን ተቐመጠ ኺሰሐቕውን ተንስኤ: ዚብል ከም እተጻሕፈ: ከምቶም ገሊኣቶም መምለኽቲ ጣኦት ኣይትኹኑ” ክብል ከሎ ካልእ ክንጥንቀቐሉ ዘሎና ነገር እውን ጠቒሱ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 10:7) ኣብዚ ጳውሎስ ነቲ እስራኤላውያን ንኣሮን ወርቃዊ ምራኽ ንኽሰርሓሎም ዘገደድሉ ፍጻመ ኢዩ ዝጠቅስ ዘሎ። (ዘጸኣት 32:⁠1-4) ቃል ብቓሉ ናብ ኣምልኾ ጣኦት ክንምለስ ዘይመስል እኳ እንተ​ዀነ: ስስዐ ዝመልኦ ባህግታትና ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስና ንኸይነምልኾ ዕንቅፋት ምስ ዝዀነና ኣምለኽቲ ጣኦት ክንከውን ንኽእል ኢና።​—⁠ቈሎሴ 3:⁠5

12 ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ብመንፈሳዊ ነገራት ዘይኰነስ ብስጋዊ ነገራት ኣዝዮም ዝጭነቑ ጽሒፉ ኣሎ። ብዛዕባ እቶም ‘ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኰይኖም ዝመላለሱ’ ሰባት “መወዳእታኦም ጥፍኣት እዩ: ኣምላኾም ከብዶም እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ፊልጲ 3:⁠18, 19) ንምስሊ ኣይኰኑን ኣምሊኾም። ነቲ ንስጋዊ ነገራት ዝነበሮም ባህጊ ኢዮም ዘምልኹ ነይሮም። ልክዕ ኢዩ: ኵሉ ባህግታት ሕማቕ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። የሆዋ ክፈጥረና ኸሎ ሰብኣዊ ድሌት ዘሎናን ብእተፈላለየ ነገራት ክንሕጐስ ከም እንኽእልን ገይሩ ኢዩ ፈጢሩና። እቶም ካብቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ርክብ ንላዕሊ ደድሕሪ ናይ ገዛእ ርእሶም ሓጐስ ዝጐዩ ግን ኣምለኽቲ ጣኦት ኢዮም ዝዀኑ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-5

13. ካብቲ ብዛዕባ ወርቃዊ ምራኽ ዝገልጽ ጸብጻብ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧

13 እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ምስ ወጹ ዘምልኽዎ ወርቃዊ ምራኽ ገበሩ። ካብዚ ጸብጻብ እዚ ካብ ኣምልኾ ጣኦት ምጥንቃቕ ከም ዘድሊ ጥራይ ዘይኰነስ ካልእ ኣገዳሲ ትምህርቲ እውን ንረክብ ኢና። እስራኤላውያን የሆዋ ዝሃቦም ንጹር መምርሒ ኢዮም ጥሒሶም። (ዘጸኣት 20:⁠4-6) እንተ​ዀነ ግን: ንየሆዋ ከም ኣምላኾም ንኽኽሕድዎ ኢሎም ኣይኰኑን ገይሮምዎ። ነቲ ወርቃዊ ምራኽ መስዋእቲ ብምቕራብ ነቲ ኣጋጣሚ “ንእግዚኣብሄር በዓል እዩ” ኢሎም ጸውዕዎ። ኣምላኽ ነቲ ዘርኣይዎ ዘይምእዛዝ ሸለል ኢሉ ከም ዝሓልፎ ገይሮም ብምውሳድ ንርእሶም ኣታለሉ። እዚ ድማ ንየሆዋ ምውራድ ኢዩ ነይሩ: ኣዝዩ ድማ ኣቘጠዖ።​—⁠ዘጸኣት 32:​5, 7-​10፣ መዝሙር 106:19, 20

14, 15. (ሀ) እስራኤላውያን ዝርስዑ ሰማዕቲ ንኽዀኑ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ዘይነበሮም ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ዝርስዑ ሰማዕቲ ንኸይንኸውን ቈራጽነት ምስ እንገብር: ንትእዛዛት የሆዋ ብኸመይ ኢና ኽንርእዮ፧

14 ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ክጽመድ ፈጺሙ ዘይመስል ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ገሊኦም ገና ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸለዉ ንመምርሒታት የሆዋ ብኻልእ መገዲ ኽነጽግዎ ይኽእሉ ኢዮም። ህዝቢ እስራኤል ዝርስዑ ሰማዕቲ ዝዀንሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ኣይነበሮምን። ነቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ሰሚዖምዎ ኢዮም: ሙሴ “ምሳይ . . . ኣማልኽቲ ብሩርን ኣማልኽቲ ወርቅን ንኣኻትኩም ኣይትግበሩ” ዝብል ትእዛዝ ኣምላኽ ክነግሮም ከሎ እውን ነይሮም ኢዮም። (ዘጸኣት 20:18, 19, 22, 23) እስራኤላውያን ግን ነቲ ወርቃዊ ምራኽ ሰገድሉ።

15 ንሕና እውን ዝርስዑ ሰማዕቲ ምስ እንኸውን ከነቕርቦ እንኽእል ቅቡል ምኽንያት የብልናን። ንእተፈላለየ መዳያት ህይወት ዝምልከት መምርሒ ኣምላኽ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣሎና። ንኣብነት: ተለቂሕካ ናይ ዘይምምላስ ልምዲ ቃል የሆዋ ፈልዩ ይዅንኖ ኢዩ። (መዝሙር 37:⁠21) ውሉዳት ንወለዶም እዙዛት ክዀኑ ተነጊሮም: ወለዲ ድማ ንውሉዳቶም ‘ብናይ ጐይታ ምዕዶ’ ከዕብይዎም ትጽቢት ይግበረሎም ኢዩ። (ኤፌሶን 6:1-4) ዘይተመርዓዉ ክርስትያናት ‘ብእግዚኣብሄር ጥራይ’ ክምርዓዉ መምርሒ ተዋሂብዎም ኣሎ: ምርዑዋት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ድማ “ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ: መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር: እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኸሰ ይኹን” ተባሂሎም ኣለዉ። (1 ቈረንቶስ 7:⁠39፣ እብራውያን 13:4) ዝርስዑ ሰማዕቲ ንኸይንኸውን ቈራጽነት እንተ​ድኣ ገይርና ነዚ መምርሒታት ኣምላኽ እዝን ካልእን ኣርዚንና ክንርእዮ ኢና: ምስኡ ድማ ክንሰማማዕ ኢና።

16. ወርቃዊ ምራኽ ምምላኽ እንታይ ሳዕቤን ኣምጽአ፧

16 የሆዋ እስራኤላውያን በቲ ዝደልይዎ መገዲ ገይሮም ከምልኽዎ ምድላዮም ኣይተቐበሎን። ኣብ ክንድኡ እኳ ድኣስ 3,000 ዝኣኽሉ ተቐትሉ: እዚኣቶም ምናልባት ኣብቲ ወርቃዊ ምራኽ ብምስራሕ እተገብረ ዕልወት መራሕቲ ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ካልኦት ገበነኛታት እውን ካብ ኣምላኽ መቕዘፍቲ ወሪድዎም ኢዩ። (ዘጸኣት 32:⁠28, 35) እዚ ንዝዀነ ይኹን ቃል ኣምላኽ ዘንብብ እንተ​ዀነ ግን ዝእዘዞ ባዕሉ ክመርጽ ዝደሊ ሰብ ከመይ ዝበለ መጠንቀቕታ ዀን ኢዩ!

“ካብ ምንዝርና ህደሙ”

17. 1 ቈረንቶስ 10:⁠8 ብዛዕባ ኣየናይ ፍጻመ ኢያ እትዛረብ፧

17 ጳውሎስ “ከምቲ ገሊኣቶም ዝመንዘሩ እሞ ብሓንቲ መዓልቲ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ዝወደቑ: ኣይንመንዝር” ኢሉ ክጽሕፍ ከሎ መንፈሳዊ ምርሳዕ ከምጽእ ዝኽእል ካልእ ስጋዊ ባህግታት ኢዩ ጠቒሱ። (1 ቈረንቶስ 10:8) ጳውሎስ ከምዚ ኽብል ከሎ ነቲ ኣብ መወዳእታ ናይተን እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ኰለል ዝበሉለን 40 ዓመታት ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ዝዀነ ፍጻመ ኢዩ ዝጠቅስ ዘሎ። እስራኤላውያን ነቲ ብምብራቕ ዮርዳኖስ ዝነበረ ቦታ ንምሓዝ ሓገዝ የሆዋ ካብ ዝረኽቡ ነዊሕ እኳ እንተ ዘይገበሩ: መብዛሕትኦም ግን ረሳዕትን ዘየማስዉን ምዃኖም ኣርኣዩ። ኣብ ዶብ ምድሪ ተስፋ ኸለዉ ኣብ ጾታዊ ርኽሰትን ዘይጽፉፍ ኣምልኾ በዓል ጴዖርን ንኽካፈሉ ሰድዑ። ስለዚ ኸኣ 1,000 ሓላቑ ዝርከብዎም 24,000 ሰባት ተቐትሉ።​—⁠ዘሁልቍ 25:⁠9

18. እንታይ ዓይነት ኣካይዳ ኢዩ ናብ ጾታዊ ርኽሰት ክመርሕ ዝኽእል፧

18 ኣብዚ እዋን እዚ ህዝቢ የሆዋ በቲ ዘለዎም ልዑል ስነ⁠-​ምግባራዊ መለክዒታት ኣዝዮም ፍሉጣት ኢዮም። ገለ ክርስትያናት ግን ጾታዊ ርኽሰት ክፍጽሙ ምስ ተፈተኑ ብዛዕባ ኣምላኽን ስርዓታቱን ምሕሳብ ደው ኣቢሎም ኢዮም። ዝርስዑ ሰማዕቲ ዀይኖም። ኣብ መጀመርታ እቲ ፈተና ናብ ምንዝር ዝመርሕ ከይከውን ይኽእል ኢዩ። ስእለ⁠-​ጽዩፍ ምርኣይ: ዘይግቡእ ምትንኻፍ ወይ ምኵሻም: ወይ ብስነ⁠-​ምግባር ድኹማት ምስ ዝዀኑ ሰባት ጥብቂ ሕብረት ምግባር ዝኣመሰለ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዚ ዅሉ ንክርስትያናት ናብ ሓጢኣት መሪሕዎም ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 15:⁠33፣ ያእቆብ 4:⁠4

19. ኣየናይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኢዩ ‘ካብ ምንዝርና ክንሃድም’ ዝሕግዘና፧

19 ኣብ ርኹስ ነገራት ክንካፈል ምስ እንፍተን ብዛዕባ ኣምላኽ ምሕሳብ ከነቋርጽ የብልናን። ኣብ ክንድኡስ ነቲ ኣብ ቃሉ ዘሎ መዘኻኸሪታቱ ክንሕልዎ ኣሎና። (መዝሙር 119:⁠1, 2) ከም ክርስትያናት መጠን መብዛሕትና ብስነ⁠-​ምግባር ንጹሃት ክንከውን ዝከኣለና ዅሉ ንገብር እኳ እንተዀንና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ዘበለ ነገራት ንምግባር ግን ቀጻሊ ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 9:⁠27) ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት “ምእዛዝኩም ኣብ ኵሉ ተሰሚዑ እዩ: ስለዚ ብኣኻትኩም እሕጐስ አሎኹ። ንሰናይ ብልህታት: ንእኩይ ግና ገርህታት ክትኰኑ: እደሊ አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (ሮሜ 16:19) ልክዕ ከምቲ እቶም 24,000 እስራኤላውያን ብሓጢኣቶም እተቐትሉ: ኣመንዝራታትን ካልኦት ዓመጸኛታትን እውን ድሕሪ ቐረባ ግዜ ዘስካሕክሕ ፍርዲ ኣምላኽ ክወርዶም ኢዩ። (ኤፌሶን 5:⁠3-6) ስለዚ እምበኣር: ብቐጻሊ ‘ካብ ምንዝርና ብምህዳም’ ዘይርስዑ ሰማዕቲ ንኹን።​—⁠1 ቈረንቶስ 6:⁠18

ንምድላዋት ኣምላኽ ኵሉ ግዜ ኣማስውሉ

20. እስራኤላውያን ንየሆዋ ዝፈተንዎ ብኸመይ ኢዮም: እቲ ሳዕቤንከ እንታይ ነበረ፧

20 ዝበዝሑ ክርስትያናት ኣብ ጾታዊ ርኽሰት ኣይወድቁን ኢዮም። እንተ​ዀነ ግን: ናብቲ መለኮታዊ ስምረት ከም ዘይንረክብ ክገብር ዝኽእል ምጕርምራም ክመርሕ ዝኽእል ኣካይዳ ከይህልወና ክንጥንቀቕ የድሊ። ጳውሎስ “ከምቲ ገሊኣቶም ዝፈተንዎ እሞ በትማን ዝጠፍኡ: ንክርስቶስ ኣይንፈትኖ። ከምቲ ገሊኣቶም ዘዕዘምዘሙ እሞ እቲ መጥፍኢ ዘጥፍኦም: ኣይነዕዘምዝም” ብምባል ምዒዱና ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 10:9, 10) እስራኤላውያን ብዛዕባ እቲ ብትእምርቲ እተዋህቦም ማና ኣንጻር ሙሴን ኣሮንን​—⁠ኣንጻር ኣምላኽ እውን ከይተረፈ⁠—​ኣጕረምሪሞም ኢዮም። (ዘሁልቍ 16:⁠41፣ 21:⁠5) የሆዋ እዚ ደሓን ኢዩ ካብ ምንዝር ይሓይሽ ኢሉ ሸለል ኢልዎዶ ኢዩ፧ እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ብዙሓት መጕረምረምቲ በትማን ከም እተቐትሉ ኢዩ ዝገልጽ። (ዘሁልቍ 21:⁠6) ኣብቲ ቐዳማይ ፍጻመ ልዕሊ 14,700 ዝዀኑ ዓለወኛታት መጕረምረምቲ ጠፊኦም ኢዮም። (ዘሁልቍ 16:⁠49) ስለዚ እምበኣር ነቲ ንሱ ዝገበሮ ምድላዋት ንዕቐት ብምርኣይ ንትዕግስቲ የሆዋ ኣይንፈትኖ።

21. (ሀ) ጳውሎስ እንታይ ምሕጽንታ ንኽጽሕፍ ኢዩ ብመንፈስ እተደረኸ፧ (ለ) ብመሰረት ያእቆብ 1:⁠25 ብኸመይ ኢና ናይ ሓቂ ሓጐስ ክንረክብ እንኽእል፧

21 ጳውሎስ ንኽርስትያናት ብጾቱ ክጽሕፈሎም ከሎ ነቲ ዝርዝር መጠንቀቕታታት በዚ ዝስዕብ ምሕጽንታ ከተዮ:- “እዚ ዅሉ መለበሚ ኪኸውን እዩ ዝበጽሖም: ንኣና እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን ንተግሳጽ ኪዀነና እዩ እተጻሕፈ። ስለዚ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ: ከይወድቕ ይጠንቀቕ።” (1 ቈረንቶስ 10:11, 12) ልክዕ ከም እስራኤላውያን ካብ የሆዋ ብዙሕ በረኸታት ረኺብና ኢና። እንተ​ዀነ ግን: ከምኦም ዘይኰነስ ነቲ ኣምላኽ ዝገበረልና ሰናይ ነገራት ፈጺምና ኣይንረስዓዮ: ካብ ምምሳው ከኣ ዓዲ ኣይንውዓል። ናይ ናብራ ሃለኽለኽ ክጸቕጠና ኸሎ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃሉ ዘሎ ድንቂ መብጽዓታቱ ነስተንትን። ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ክቡር ርክብ ንዘክሮ: ነቲ ሕድሪ እተዋህበና ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ንፈጽሞ። (ማቴዎስ 24:⁠14፣ 28:⁠19, 20) ከምዚ ዝኣመሰለ ኣካይዳ ናይ ሓቂ ሓጐስ ከም ዘምጽኣልና ርግጽ ኢዩ: ከመይሲ ቅዱሳት ጽሑፋት ከምዚ ኢሉ ኢዩ ዝመባጻዕ:- “እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ: ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት: ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን: ግብሪ ዚገብር እምበር: ዘይርስዕ ሰማዒ ግና: እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ።”​—⁠ያእቆብ 1:25

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ዝርስዑ ሰማዕቲ ኽገብረና ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧

• ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ምእዛዝ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

• ብኸመይ ኢና ‘ካብ ምንዝር ክንሃድም’ እንኽእል፧

• ብዛዕባ ምድላዋት የሆዋ ዘሎና ኣረኣእያ ከመይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

እስራኤላውያን ነቲ የሆዋ ዝገበረሎም ዓበይቲ ተግባራት ረስዕዎ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ህዝቢ የሆዋ ልዑል ስነ⁠-​ምግባራዊ መለክዒታት ንኽዕቅቡ ቈራጽነት ገይሮም ኢዮም