ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

 ቢል መንእሰይ: ንጡፍ: ምሁር: ከምኡውን እኹል መነባብሮ ዝነበሮ ኢዩ ነይሩ። እንተ​ዀነ ግን ዕግበት ኣይነበሮን። ህይወቱ ዕላማ ኣይነበራን: እዚ ድማ ብዙሕ የጨንቖ ነበረ። ዕላማ ህይወት ንኽረክብ ኢሉ እተፈላለየ ሃይማኖታት መርመረ: ነቲ ዝደለዮ ግን ክረክብ ኣይከኣለን። ብ1991 ምስ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ተራኸበ: ንሱውን መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ትርጕም ህይወት እንታይ ከም ዝብል እትገልጽ መጽሓፍ ሃቦ። ቢል ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዝን ካልእ ነገራትን እኹል ፍልጠት ምእንቲ ኽረክብ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ሓገዝ ንኽግበረሉ ምድላው ተገብረ።

ቢል ከምዚ ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ:- “ናይ ፈለማ መጽናዕቲ ኣብ ዝገበርኩላ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ንውከስ ስለ ዝነበርና ነዚ የናዲ ምንባረይ ፈለጥኩ። እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸብክዎ መልስታት ኣዝዩ ዘሐጕስ ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ እቲ መጽናዕቲ: ብማኪናይ ናብቲ ኣኽራናት ከድኩ እሞ ሓጐሰይ ወሰን ስለ ዘይነበሮ ጨደርኩ። ኣብ መወዳእታ መልሲ ናይ ሕቶታተይ እረክብ ብምንባረይ ብሓጐስ ተፈንጫሕኩ።”

ልክዕ ኢዩ: ኵሉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝረኸበ ሰብ ቃል ብቓሉ ብሓጐስ ይጭድር ኢዩ ማለት ኣይኰነን። እንተ​ዀነ ግን: መልሲ ናይቲ ንህይወትና ኣገዳሲ ዝዀነ ሕቶታት ምርካብ: ንብዙሓት ኣጸቢቑ የሐጕሶም ኢዩ። ከምቲ የሱስ ኣብ ምስላኡ ዝገለጾ ኣብ ግራት እተሓብአ መዝገብ ዝረኸበ ሰብኣይ እተሰምዖ ዓይነት ስምዒት ይስምዖም ኢዩ። የሱስ “ብታሕጓስ ከይዱስ: ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ ነታ ግራት እቲኣ ዐደጋ” በለ።​—⁠ማቴዎስ 13:⁠44

ትርጕም ዘለዎ ህይወት ንምርካብ ዘድሊ ቐንዲ ረቛሒ

ኣብ ኣእምሮ ቢል ሓደ መሰረታዊ ሕቶ ኢዩ ዝመላለስ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ‘ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ፧’ ዝብል ነበረ። ፈላስፋታት: ናይ ሃይማኖት ምሁራት: ከምኡውን ሊቃውንቲ መልሲ ናይዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ ንኣሽሓት ዓመታት ጽዒሮም ኢዮም። ሰባት ነዛ ሕቶ እዚኣ መልሲ ይኸውን ኢዩ ዝበልዎ ማእለያ ዘይብሉ መጻሕፍቲ ጽሒፎም ኢዮም። ጻዕርታቶም ግን ከንቱ ዀነ: ስለዚ ኸኣ ብዙሓት ሰባት መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኽርከብ ኣይክእልን ኢዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ በጺሖም ኣለዉ። ይኹን እምበር: መልሲ ኣለዋ። ዕምቝ ዝበለ እኳ እንተ​ዀነ: እተሓላለኸ ግን ኣይኰነን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ ኸኣ ተገሊጹ ዝርከብ። ዘሐጕስን ትርጕም ዘለዎን ህይወት ንምርካብ እቲ ቐንዲ ረቛሒ እዚ ዝስዕብ ኢዩ:- ምስ ፈጣሪናን ሰማያዊ ኣቦናን የሆዋ ተቐባልነት ዘለዎ ርክብ ክህልወና ኣለዎ። ነዚ ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧

ናብ ኣምላኽ ንምቕራብ ዘድልያና ኽልተ ንሓድሕደን ዝጋጨዋ ዝመስላ ባህርያት ኣለዋ። እቶም ናብ ኣምላኽ ክቐርቡ ዝደልዩ ኽፈርህዎን ከፍቅርዎን ኣለዎም። ነዚ ሓሳብ እዚ ዝድግፍ ክልተ ጥቕስታት እስከ ንርአ። ቅድሚ ነዊሕ እዋን እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን ኣብ ደቅሰብ ደቂቕ መጽናዕቲ ገበረ እሞ ነቲ ዝረኸቦ ነገራት ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ መክብብ ጸሓፎ። ንብምሉኡ ትዕዝብታቱ ከጠቓልሎ ኸሎ “መፈጸምታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ: እዚ ናይ ሰብ ኵለንትና እዩ እሞ: ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱውን ሐልዎ” ብምባል ጸሓፈ። (መክብብ 12:⁠13 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ዘመናት ጸኒሑ የሱስ ካብቲ ንሙሴ እተዋህበ ሕግታት እታ ዝዓበየት ትእዛዝ ኣየነይቲ ምዃና ምስ ተሓተተ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ ” ኢሉ መለሰ። (ማቴዎስ 22:⁠37 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ንኣምላኽ ክንፈርሆን ከነፍቅሮን ኣሎና ምባልስ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ዀይኑዶ ተሰሚዑካ፧ ኣድላይነት ናይ ፍርሃትን ፍቕርን ከምኡውን ክልቲኡ ብሓባር ብኸመይ ምስ ኣምላኽ ባህ ዝብል ርክብ ንኽህልወና ከም ዝሕግዘና እስከ ንመርምር።

ፍርሃት ኣምላኽ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ

ንኣምላኽ ተቐባልነት ብዘለዎ መገዲ ኸነምልኾ እንተ​ድኣ ዄንና ኣኽብሮታዊ ፍርሃት የግዲ ኣድላዪ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ፍርሃት እግዚኣብሄር መጀመርያ ጥበብ እዩ” ይብል። (መዝሙር 111:⁠10) ሃዋርያ ጳውሎስ “ንኣምላኽ ብዜሐጕሶ ቅዱስ ምኽባርን ብፍርሃትን እናኣገልገልና ነመስግን” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 12:⁠28) ብተመሳሳሊ እውን እቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ ዝረኣዮ ራእይ ኣብ ማእከል ሰማይ ዝዝምቢ ዝነበረ መልኣኽ ነቲ ብስራት ክእውጅ ከሎ “ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ” በለ።​—⁠ራእይ 14:⁠6, 7

እዚ ትርጕም ህይወት ንምርካብ የግዲ ኣድላዪ ዝዀነ ፍርሃት ኣምላኽ ምስ ራዕዲ ሓደ ኣይኰነን። ሓደ ጨካንን ሓደገኛን ዓማጺ እንተ​ድኣ ኣፈራሪሁና ንርዕድ ኢና። ፍርሃት ኣምላኽ ወይ ኣምላኻዊ ፍርሃት ግን ንፈጣሪ እተርእዮ ዓሚቝ ኣኽብሮት ኢዩ። ኣምላኽ ነቶም ዘይእዘዝዎ ንምቕጻዕ ሓይልን ስልጣንን ዘለዎ ዝለዓለ ፈራድን ኵሉ ዝኽእልን ስለ ዝዀነ ንኸይተጕህዮ ግቡእ ፍርሃት ምህላው ዘጠቓልል ኢዩ።

ፍርሃትን ፍቕርን ኣይፈላለያን ኢየን

ይኹን እምበር የሆዋ: ደቅሰብ ፍርሃት ሓዲርዎም ጥራይ ከምልኽዎ ኣይደልን ኢዩ። የሆዋ ሓለፍ ዝበለ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ኢሉ ንኽጽሕፍ ተደሪኹ ኢዩ። (1 ዮሃንስ 4:⁠8) የሆዋ ኣምላኽ ንደቅ​ሰብ ብፍቕራዊ መገዲ ኢዩ ዝሕዞም: ሰባትውን ብፍቕሪ ክቐርብዎ ኢዩ ዝደሊ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ ምስ ኣምላኻዊ ፍርሃት ተሳንያ እትኸይድ ድኣ እሞ ብኸመይ ኢያ፧ ክልቲአን እተኣሳሰራ ኢየን። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ምስጢር [“ምፍታው:” NW ] እግዚኣብሄርሲ ነቶም ዚፈርህዎ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠መዝሙር 25:⁠14

ብዛዕባ እቲ ሓደ ቘልዓ ኣብ ድልዱልን ጥበበኛን ኣቦኡ ዘለዎ ኣኽብሮትን ፍርሃትን እሞ ሕስብ ኣብል። እዚ ቘልዓ እዚ ንኣቦኡ የፍቅሮ እውን ኢዩ። ይኣምኖ ከምኡውን እቲ ዝወሃቦ መምርሒ ረብሓታት ከም ዘምጽኣሉ ብምትእምማን ይቕበሎ። ብተመሳሳሊ ንየሆዋ ነፍቅሮን ንፈርሆን እንተ​ድኣ ዄንና: ንመምርሒታቱ ነኽብሮ ኢና: እዚ ድማ ንረብሓና ይኸውን። የሆዋ ብዛዕባ እስራኤላውያን እንታይ ከም ዝበለ እሞ ርአ:- “ንኣታቶምን ንደቆምን ንዘለኣለም ምእንቲ ኺጽብቐሎም: ኪፈርሁንን ኵሉ ትእዛዛተይ ኪሕልዉን: ንሓዋሩ እዚ ልቢ እዚ እንተ ዚህልዎም መን ምሀበ።”​—⁠ዘዳግም 5:⁠29

እወ: ኣምላኻዊ ፍርሃት ናብ ባርነት ዘይኰነስ ናብ ሓርነት: ናብ ጓሂ ዘይኰነስ ናብ ሓጐስ ኢዩ ዝመርሕ። ኢሳይያስ ብዛዕባ የሱስ “ታሕጓሱ ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር እዩ” ብምባል ተነብዩ ኢዩ። (ኢሳይያስ 11:⁠3) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ድማ “እቲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርሆ: ብትእዛዛቱ ኣዝዩ ባህ ዚብሎ ሰብ ብጹእ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠መዝሙር 112:⁠1

ንኣምላኽ እንተ ዘይፈሊጥናዮ ክንፈርሆ ዀነ ከነፍቅሮ ከም ዘይንኽእል ፍሉጥ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ። እዚ መጽናዕቲ እዚ ንባህርያት ኣምላኽ ንኽንርድኦን ንመምርሒታቱ ምስዓብ ጥበብ ምዃኑ ንኽንግዘቦን ይሕግዘና ኢዩ። ናብ ኣምላኽ ብዝቐረብና መጠን: ፍቓዱ ንምግባር ባህጊ ይሓድረና: ትእዛዛቱ ንጥቕምና ምዃኑ ስለ እንፈልጥ ድማ ንምሕላዉ ክንድረኽ ኢና።​—⁠1 ዮሃንስ 5:⁠3

ኣብ ቅኑዕ መገዲ ህይወት ከም ዘሎኻ ምፍላጥ ሓጐስ የምጽእ ኢዩ። እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ቢል እዚ ኢዩ ኣጋጢምዎ። ኣብዚ ቐረባ እዋን ከምዚ በለ:- “ካብታ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ዝጀመርኩላ መዓልቲ ኣትሒዙ ኣብዘን ዝሓለፋ ትሽዓተ ዓመታት ምስ የሆዋ ዘሎኒ ርክብ ዓብዩ ኢዩ። እቲ ኣብ መጀመርታ እተሰማዓኒ ዓቢ ሓጐስ እናዓዘዘ ብምኻድ ናብ ናይ ሓቂ ዘሐጕስ ህይወት ተቐዪሩ ኢዩ። ብዛዕባ ህይወት ዘይሃስስ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኢዩ ዘሎኒ። ግዜይ ዕላማ ዘይብሉ ደስታ ኣብ ምንዳይ ዘይኰነስ ትርጕም ዘለዎ ንጥፈታት ኣብ ምፍጻም ኢየ ዘሕልፎ። ንየሆዋ ናይ ሓቂ ኣካል ገይረ ኢየ ዝርእዮ: ንድሕንነተይ ከም ዝሓልየለይ ድማ እፈልጥ ኢየ።”

ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ንየሆዋ ምፍላጥ ብኸመይ ሓጐስን ረብሓታትን ከም ዘምጽእ ተወሳኺ ሓሳባት ክንርኢ ኢና።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ክበሃል ከሎ ምፍቃሩን ምፍራሁን ማለት ኢዩ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ሓጐስ የሱስ ኣብ ፍርሃት የሆዋ ነበረ