ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምጥርጣር ንእምነትካ ከማስና ስቕ ኢልካ ኣይትግደፎ

ምጥርጣር ንእምነትካ ከማስና ስቕ ኢልካ ኣይትግደፎ

ምጥርጣር ንእምነትካ ከማስና ስቕ ኢልካ ኣይትግደፎ

ሎሚ ጽቡቕ ጥዕና ዘሎካ ዀይኑ ይስመዓካ ይኸውን። ንጽባሒቱ ግን ትሓምም። ሃንደበት ሓይሊ ወይ ሓቦ ትስእን። ርእስኻ ትሓምም: ኣካላትካ ድማ የቐንዝወካ። እንታይ ኢኻ ዄንካ፧ ሓደገኛታት ተህዋስያን ነቲ ዓቕሚ ምክልኻልካ ብምድኻም ነቲ ቐንዲ ክፍልታት ኣካላትካ ኣጥቂዖምዎ ኣለዉ። ከይተሓከምካዮ ስቕ ምስ እትብል: እዞም ተህዋስያን እዚኣቶም ንሓዋሩ ጥዕና ከም ዘይትረክብ ክገብሩኻ አረ ክቐትሉኻ እውን ይኽእሉ ኢዮም።

 ጥዕና እንተ​ድኣ ዘይብልካ ብፍላይ ሕማም ምስ ጀመረ ዝያዳ ተነቃፊ ኢኻ እትኸውን። ንኣብነት: ኣካላትካ ብዋሕዲ መግቢ ምስ ዝዳኸም ዘሎካ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ “ድኹም ይኸውን እሞ እቲ ቐሊል ሕማም እውን ክቐትለካ” ከም ዝኽእል ሓደ ፒተር ዊንጌት እተባህለ ሕክምናዊ ጽሑፋት ዘዳሉ ደራሲ ገሊጽዎ ኣሎ።

ነዚ ዅነታት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው መን ኢዩ እሞ ኽጠሚ ዝደሊ፧ ብግቡእ እናተመገብካ ጥዑይ ኴንካ ንምቕጻል ዝከኣለካ ዅሉ ከም እትገብር ርግጽ ኢዩ። ንገዛእ ርእስኻ ካብ ዝዀነ ይኹን ብቫይረስ ወይ ብባክተርያ ዝመጽእ ረኽሲ ንምክልኻል ትጽዕር ኢኻ። እንተ​ዀነ ግን: “ብእምነት . . . ጥዑያት” ንምዃንከ ተመሳሳሊ ጥንቃቐ ንገብርዶ ኢና፧ (ቲቶስ 2:⁠2) ንኣብነት: ነቲ ብሰንኪ ሰላሕታዊ ምጥርጣር ዝመጽእ ሓደጋ ነቕልበሉዶ ኢና፧ እዚ ብቐሊሉ ንሓሳብካን ልብኻን ብምውራር ንእምነትካ ኣማሲኑ ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበረካ ርክብ ከጥፍኣልካ ይኽእል ኢዩ። ገሊኦም ሰባት ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋ ዘቕለብሉ ኣይመስሉን ኢዮም። ብመንፈስ ብምጥማይ ንገዛእ ርእሶም ንመጥቃዕቲ ምጥርጣር ከም እትቃላዕ ይገብርዋ። ምናልባት ንስኻኸ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ትህሉዶ ትኸውን፧

ምጥርጣር ኵሉ ግዜ ሕማቕ ድዩ፧

ልክዕ ኢዩ ዅሉ ምጥርጣር ሕማቕ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ሓድሓደ ግዜ ኣድላዪ ጭብጥታት ክሳዕ እትረክብ ንሓደ ነገር ሕራይ ኢልካ ከይትቕበሎ ትኽእል ኢኻ። ከይተጠራጠርካ ስቕ ኢልካ ንዅሉ ክትኣምኖ ኣሎካ ዝብል ሃይማኖታዊ ምሕጽንታ ሓደገኛን መታለልን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ፍቕሪ “ኵሉ ትአምን” ከም ዝብል ሓቂ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 13:⁠7) ሓደ ፈቃር ክርስትያን ነቶም እሙናት ብምዃኖም ዝፍለጡ ንኽኣምኖም ድሉው ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን ቃል ኣምላኽ ‘ንዅሉ ቓል [ንኸይንኣምን]’ የጠንቅቐና ኢዩ። (ምሳሌ 14:⁠15) ሓድሓደ ግዜ ናይ ሓደ ሰብ ሕሉፍ ታሪኽ ንኸይትኣምኖ ቅቡል ምኽንያት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ‘[መታለሊ] ድምጹ ኣልዚቡ ኸም ዝዛረብ’ ምስ ነገረ ቀጺሉ “ኣይትእመኖ” ብምባል የጠንቅቕ።​—⁠ምሳሌ 26:⁠24, 25

ሃዋርያ ዮሃንስ እውን ንክርስትያናት ብድፍኑ ዝኣምኑ ንኸይኰኑ ኣጠንቂቕዎም ኣሎ። “እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር: ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ” ብምባል ጽሒፉ ኣሎ። (1 ዮሃንስ 4:⁠1) ኣብ ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ወይ ኣረኣእያ ዘሎ “መንፈስ” ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ክመስል ይኽእል ኢዩ። ብሓቂ ኻብኡ ዝመጸ ድዩ ግን፧ ሃዋርያ ዮሃንስ “ብዙሓት መስሓትቲ ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ” ኢሉ ስለ ዘሎ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ምጥርጣር ብሓቂ ዕቑባ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።​—⁠2 ዮሃንስ 7

መሰረት ዘይብሉ ምጥርጣር

እወ: ነቲ ንሓቂ ክድግፍ ተባሂሉ ዝቐርብ ጭብጥታት ብቕንዕናን ብትሕትናን ምምርማሩ ኣድላዪ ኢዩ። ይኹን እምበር: ነቲ ኣጽኒዕና ሰሪትናዮ ዝነበርና እምነታትን ርክብን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ: ንሓሳብናን ልብናን ዘማስን መሰረት ዘይብሉ ምጥርጣር ምስ ዝኸውን ሓደገኛ ኢዩ። እዚ ዓይነት ምጥርጣር እዚ “ኣብቲ እትገብሮ ውሳነታት ዕንቅፋት ክኸውን ዝኽእል ብዛዕባ ሓደ እምነት ወይ ኣረኣእያ ርግጽ ዘይምዃን” ተባሂሉ ኢዩ ዝግለጽ። ሰይጣን ነቲ ሄዋን ብዛዕባ የሆዋ ዝነበራ ኣረኣእያ ብኸመይ ከም ዘበላሸዎ ትዝክሮዶ፧ “ኣምላኽሲ፤ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ: ኢሉዶ አዚዙ እዩ፧” ኢሉ ሓተታ። (ዘፍጥረት 3:⁠1) እዚ ቕንዕና ብእተሓወሶ ዝመስል ሕቶ እተበገሰ ምጥርጣር ኣብቲ እትገብሮ ውሳነታት እውን ጣልቃ ክኣቱ ኢዩ። እዚ ኣብነት ናይቲ ሰይጣን ዝጥቀመሉ ቀንዲ ሜላ ኢዩ። ልክዕ ከም ሓደ መካፍኢ ነገራት ዝጽሕፍ ሰብ ሰላሕታዊ: ፍርቂ ሓቂ: ከምኡውን ሓሶት ኣብ ምጥቃም ክኢላ ኢዩ። ሰይጣን በዚ መገዲ እዚ ብዝሰረጾ መስድዒ ምጥርጣር ተጠቒሙ እዚ ዘይበሃል: ጥዑይ ትውክልቲ ዝግበሮ ዝነበረ ርክባት ኣበላሽዩ ኢዩ።​—⁠ገላትያ 5:⁠7-9

እቲ ወደ መዝሙር ዝነበረ ያእቆብ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ምጥርጣር ዘለዎ ኣዕናዊ ሳዕቤን ብንጹር ተረዲእዎ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ግዜ ፈተና ንኣምላኽ ናጻ ዄንና ንኽንቀርቦ ድንቂ ዝዀነ መሰል ከም ዘሎና ጽሒፉ ኣሎ። ብዛዕባ እቲ ናብ ኣምላኽ እነቕርቦ ጸሎት ግን “ከይተጣራጠረ ደኣ ብእምነት ይለምን” ብምባል ኣጠንቂቑና ኣሎ። ኣብቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ምጥርጣር ምስ ዝህልወና “ኸምቲ ንፋስ ዚደፍኦን ዚመልሶን ማዕበል ባሕሪ” ከም እንኸውን ክገብረና ይኽእል ኢዩ። ልክዕ ከምቲ “ክልተ ዝልቡ ሰብኣይ ብዅሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኰነን” እተባህለሉ ድማ ንኸውን። (ያእቆብ 1:⁠6, 8) ተወላወልቲ ዝገብረና ጕድለት እምነት ከነሕድር ንኽእል። ድሕርዚ ከምቲ ንሄዋን ዘጋጠማ ንዅሉ ዓይነት ጋኔናዊ ትምህርትታትን ፍልስፍናታትን እተቓላዕና ንኸውን።

ጽቡቕ መንፈሳዊ ጥዕና ምዕቃብ

እሞ ንገዛእ ርእስና ካብ ሓደገኛ ምጥርጣር ብኸመይ ኢና ከነዕቝባ እንኽእል፧ እቲ መልሲ ኣዝዩ ቀሊል ኢዩ:- ነቲ ናይ ሰይጣን ፕሮፓጋንዳ ኣትሪርና ብምቅዋም ካብቲ ኣብ ‘እምነት ጽኑዓት’ ክገብረና ዝኽእል ምድላዋት ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀም ኣሎና።​—⁠1 ጴጥሮስ 5:⁠8-10

ጽቡቕ ብሕታዊ መጽናዕቲ ብምግባር መንፈሳዊ መግቢ እንረኽበሉ ፕሮግራም ክህልወና ኣገዳሲ ኢዩ። እቲ ኣቐድም ኣቢልና ዝጠቐስናዮ ፒተር ዊንጌት እተባህለ ደራሲ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ኣካላትና የዕሪፉ ኸሎ እውን ከይተረፈ ስነ⁠-​ቀመማዊ መስርሕ ንኽቕጽልን ኣድለይቲ ክፍሊ ኣካላትና ንኽዓዩን ብቐጻሊ ሓይሊ ኽረክብ የድልዮ ኢዩ፣ እቶም ብዙሓት ዋህዮታትና እውን እንተ​ዀነ ብቐጻሊ ክትክኡ ኸድልዮም ኢዩ።” መንፈሳዊ ጥዕናና እውን ከምኡ ኢዩ። ቀጻሊ መንፈሳዊ መግቢ እንተ​ድኣ ዘይረኺብና ልክዕ ከምቲ መግቢ እተሓረሞ ኣካላት ቀስ ብቐስ ክንማስን: ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ክንመውት ንኽእል ኢና። የሱስ ክርስቶስ “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ዅሉ ቓል እምበር: ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን: ጽሑፍ እዩ” ክብል ከሎ ነዚ ኣጕሊሕዎ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 4:⁠4

ብዛዕባ እዚ እሞ ሕስብ ኣብል። ብኸመይ ኢና ድልድልቲ እምነት ክንሃንጽ እንኽእል፧ ሃዋርያ ጳውሎስ “እምነት ካብ ምስማዕ እያ” ኢሉ ኣሎ። (ሮሜ 10:⁠17) እዚ ድማ እምነትና ንምህናጽ: ነቲ ኣብ የሆዋ: መብጽዓታቱ: ከምኡውን ማሕበሩ ዘሎና እምንቶ ንምድልዳል ቅድም ቀዳድም ካብ ቃል ኣምላኽ ክንምገብ ከም ዘሎና ዝሕብር ኢዩ። ዝሰማዕናዮ ዅሉ ብድፍኑ ንኣምኖ ማለት ኣይኰነን። ከምቶም ኣብ ቤርያ ዝነበሩ ሰባት ዝገበርዎ ኢና እንገብር። ‘እዚ ነገርዚ እስከ ኸምኡ እንተ ዀይኑ ንምርኣይ ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት ንመርምሮ።’ (ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠11) ‘ሰናይን ባህ ዘብልን ምሉእ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ክንምርምር’ ከምኡውን ዝሰማዕናዮ ሓቂ ምዃኑ ከነረጋግጽ ከድልየና ኢዩ። (ሮሜ 12:⁠2፣ 1 ተሰሎንቄ 5:⁠21) ካብቲ ግዜ እቲ ጀሚርና ቃል ኣምላኽን መብጽዓታቱን ከም ዘይፈሽል ተወሳኺ መረጋገጺ ስለ ዝረኸብና ንእምነትና ዝያዳ ኣደልዲልናያ ኢና።​—⁠እያሱ 23:⁠14፣ ኢሳይያስ 55:⁠10, 11

መንፈሳዊ ዓጸቦ ኣወግድ

ሕጂ እቲ ብድሆ ዝኸውን ንእምነትና ምዕቃብ ከምኡውን ነቲ ኣብ የሆዋን ማሕበሩን ዘሎና እምንቶ ዘዳኽም ምጥርጣር ምውጋድ ኢዩ። ነዚ ንምግባር ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር ክንቅጽል ኣሎና። ሃዋርያ ጳውሎስ “በቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም [ኣብ መጀመርታ ድልድልቲ እምነት ዘላቶም ዝመስሉ ዝነበሩ] እምነቶም ክሒዶም: ንመናፍስቲ ስሕተትን ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ” ኣጠንቂቑ ነይሩ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:⁠1) እዚ ዘስድዕ ሓሳባትን ትምህርትን ኣብ ኣእምሮ ናይ ገሊኦም ምጥርጣር ክዘርእን ካብ ኣምላኽ ከርሕቖምን ይኽእል ኢዩ። መዕቘቢና እንታይ ኢዩ፧ በቲ ‘ቃል እምነትን ተኣሚንና ዝሰዓብናዮ ጽቡቕ ምህሮን ምምጋብ’ ምቕጻል ኢዩ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 4:⁠6

እቲ ዘሕዝን ግን ገሊኦም መግቢ ብቐሊሉ ዝርከብ ክነሱ እውን ከይተረፈ ‘ቃል እምነት ኣይምገቡን’ ኢዮም ዘለዉ። ሓደ ካብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ምሳሌ ሓቢርዎ ኸም ዘሎ ኣብ ከባቢኻ መንፈሳዊ መግቢ: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ መንፈሳዊ ድግስ ከሎ ዘይትበልዕን ነቲ መግቢ ዘይተሕቕቖን ክትከውን ትኽእል ኢኻ።​—⁠ምሳሌ 19:⁠24፣ 26:⁠15

እዚ ኣዝዩ ሓደገኛ ኢዩ። ደራሲ ዊንጌት “ኣካላትና ካብቲ ኸዚንዎ ዝነበረ ፕሮቲን ክጥቀም ምስ ጀመረ ብኡንብኡ ጥዕናና ክጕዳእ ይጅምር” በለ። ዓጸቦ ምስ ዘጋጥመካ ኣካላትካ ካብቲ ተቐሚጡ ዝነበረ ሓይሊ ክጥቀም ይጅምር። እዚ ምስ ተወድአ ኣካላትና ካብቲ ንዕቤትን ንጽገና ዋህዮታትን ዘድሊ ፕሮቲን ክወስድ ይጅምር። ብሰንኩ ድማ ኣድለይቲ ኽፍሊ ኣካላት ይህሰዩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ጥዕናኻ እናሓመቐ ይኸይድ።

ንገለ ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ ዝነበሩ ክርስትያናት ብመንፈሳዊ መገዲ ከምዚ ኣጋጢምዎም ኢዩ። ካብቲ ዝነበሮም መንፈሳዊ መኽዘን ምጥቃም ኣቋረጹ። ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ከም ዝገደፍዎ በዚ ድማ ብመንፈስ ከም ዝደኸሙ ርግጽ ኢዩ። (እብራውያን 5:⁠12) ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ እብራውያን ክጽሕፈሎም ከሎ እዚ ዘምጽኦ ሓደጋ ገሊጹ ኣሎ። ከምዚ በለ:- “ስለዚ ምእንቲ ኸይንጠፍእ: ናብቲ ዝሰማዕናዮ ኣዚና ኸነቕልብ ይግብኣና እዩ።” ነቲ ዘሎና ‘ክንድዚ ዝኣክል ምድሓን ዕሽሽ ምስ እንብል’ ብቐሊሉ ካብ መገድና ክንወጽእ ከም እንኽእል ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ።​—⁠እብራውያን 2:⁠1, 3

እቲ ዝገርም: ሓደ ብዋሕዲ መግቢ ዝሳቐ ሰብ ግድን ሕሙም ይመስል ኢዩ ወይ ቀጢን ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ብተመሳሳሊ: ሓደ ሰብ ኣብ መንፈሳዊ ዓጸቦ ድዩ ዘሎ ኣይኰነን ብኡንብኡ ከይፍለጥ ይኽእል ኢዩ። ብግቡእ ዘይትምገብ ከሎኻ እውን ከይተረፈ ብደጌኻ ብመንፈስ ጽቡቕ ዘሎኻ ኴንካ ክትርአ ትኽእል ኢኻ: እዚ ግን ንሓጺር እዋን ጥራይ ኢዩ! ውዒሉ ሓዲሩ ብመንፈስ ድኹም: መሰረት ንዘይብሉ ምጥርጣር እተቓላዕካ: ከምኡውን ንእምነትካ ክትጣበቐላ ዘይትኽእል ከም እትኸውን ርግጽ ኢዩ። (ይሁዳ 3) ካልእ ሰብ ዘይፈልጦ እኳ እንተ​ዀነ: ንስኻ ግን መንፈሳዊ ኣመጋግባኻ ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ ብልክዕ ትፈልጦ ኢኻ።

ስለዚ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ኣይተቋርጽ። ንምጥርጣር ኣበርቲዕካ ተቓለሶ። ንኣሽቱ ዝመስል ግን ከኣ ዝርብሸካ ምጥርጣር ስቕ ኢልካ ምርኣዩ ሓደገኛ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 11:⁠3) ‘ብሓቂ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ዲና እንነብር ዘሎና፧ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ዅሉ ክትኣምኖ ዝከኣልዶ ኢዩ፧ ማሕበር የሆዋ ብሓቂ እዚኣዶ ኢያ፧’ ሰይጣን ኣብ ኣእምሮና ከምዚ ዝኣመሰለ ምጥርጣር ክተክል ኢዩ ዝደሊ። ንመንፈሳዊ ኣመጋግባኻ ዕሽሽ ብምባልካ ግዳይ መታለሊ ትምህርትታት ሰይጣን ኣይትኹን። (ቈሎሴ 2:⁠4-7) ነቲ ንጢሞቴዎስ እተዋህቦ ምኽሪ ሰዓብ። ‘በቲ እተማሃርካዮን እተረዳእካዮን ክትጸንዕ’ ምእንቲ ኽትክእል ንፉዕ ተማሃራይ “ቅዱሳት ጽሑፋት” ኩን።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠13-15

ከምዚ ንምግባር ሓገዝ የድልየካ ይኸውን ኢዩ። እቲ ኣቐድም ኣቢሉ ተጠቒሱ ዝነበረ ጸሓፊ ቐጺሉ ኸምዚ ይብል:- “ሓደ ሰብ ከቢድ ዓጸቦ ምስ ዘጋጥሞ ብሰንኪ ሕጽረት ቪታሚንን ካልእ ኣድለይቲ ነገራትን ኣዝዩ ስለ ዝህሰ እቲ ዝቐለለ መግቢ እውን ከይተረፈ ከሕቅቕ ዘይክእል ኢዩ ዝኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ዝወደቑ ሰባት ንግዜኡ ብቐሊሉ ዝሓቅቕ መግቢ ኢዩ ዝወሃቦም።” ዓጸቦ ኣብ ኣካላት ዘስዕቦ ማህሰይቲ ፍሉይ ሕክምና ኢዩ ዘድልዮ። ብተመሳሳሊ: ሓደ ፈጺሙ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቋሪጹ ዝነበረ ሰብ እውን መንፈሳዊ ሸውሃቱ ንኽኽፈት ብዙሕ ሓገዝን ምትብባዕን የድልዮ ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እንተ​ድኣ ሃሊኻ ዄንካ ሓገዝ ድለ: መንፈሳዊ ጥዕናኻን ሓይልኻን ንምምላስ ዝግበር ዝዀነ ይኹን ደገፍ ድማ ባህ ኢሉካ ተቐበሎ።​—⁠ያእቆብ 5:⁠14, 15

‘ብዘይ​ምእማን ኣይትወላወሉ’

ገለ ሰባት ንዅነታት ናይቲ ሓደ ካብ ርእሲ ኣቦታት ዝነበረ ኣብርሃም ኣብ ግምት ብምእታው: ንኽጠራጠር እኹል ምኽንያት ነይርዎ ኢዩ ዝብል ስምዒት ክሓድሮም ይኽእል ኢዩ። ዋላ እኳ ኣምላኽ እንተ ተመባጽዓሉ ‘ኣቦ ብዙሓት ንምዃን ተስፋ ኣብ ዘይብሉ’ ደረጃ ኢዩ ነይሩ ምባል ርትዓዊ ኢዩ ዝመስል። ስለምንታይ፧ ብዓይኒ ሰብ ክትርእዮ ኸሎኻ እቲ ዝነበረ ዅነታት ተስፋ ዝህብ ኣይመስልን ኢዩ ነይሩ። ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ሙማት ስጋኡን ሙማት ማሕጸን ሳራን ረኣየ’ ኢዩ ዝብለና። እንተ​ዀነ ግን ብዛዕባ ኣምላኽን መብጽዓታቱን ዝምልከት ምጥርጣር ኣብ ኣእምሮኡን ልቡን ሱር ክሰድድ ፈጺሙ ኣይፈቐደን። ሃዋርያ ጳውሎስ “ንምእማን ኣይደኸመን” ወይ “ብዘይ​ምእማኑ ኣይተወላወለን” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። ኣብርሃም “[ኣምላኽ] ነታ ዝሀቦ ተስፋ ኺገብራውን ክእለት ከም ዘለዎ: ኣጸቢቑ ተረዲኡ ነበረ።” (ሮሜ 4:⁠18-21) ኣብቲ ነዊሕ ዓመታት ምስ የሆዋ ድልዱል: ብሕታዊ: ትውክልቲ ዝግበሮ ርክብ መስሪቱ ኢዩ። ነዚ ርክብ እዚ ከላሕልሕ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ምጥርጣር ኣወጊዱ ኢዩ።

ንስኻ እውን ‘ነቲ ጥዑይ ቃል ንምሳሌ ምስ እትሕዞ’ ማለት ብግቡእ ብመንፈስ ምስ እትምገብ ከምኡ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። (2 ጢሞቴዎስ 1:⁠13) ምጥርጣር ሓደገኛ ምዃኑ ኣርዚንካ ርኣዮ። ሰይጣን ኣብ ሓደ ተህዋስያን ከም ኣጽዋር ዝዝውተርሉ ዓይነት ኲናት ኢዩ ኣትዩ ዘሎ። ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባርን ስርዓታዊ ዄንካ ኣኼባታት ብምክፋልን ግቡእ ዝዀነ መንፈሳዊ መግቢ ምውሳድ ዕሽሽ ምስ እትብሎ ንገዛእ ርእስኻ ንኸምዚ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ መጥቃዕቲ ኣጸቢቕካ እተቓልዐት ኢኻ እትገብራ። ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዘዳልዎ ዘሎ ብዙሕን እዋናውን መንፈሳዊ መግቢ ጽቡቕ ገይርካ ተጠቐመሉ። (ማቴዎስ 24:⁠45) ብቐጻሊ ነቲ ‘ጥዑይ ቃል ብምሓዝ’ ‘ብእምነት ጥዑይ ኩን።’ (1 ጢሞቴዎስ 6:⁠3፣ ቲቶስ 2:⁠2) ምጥርጣር ንእምነትካ ከማስና ኣይትፍቀድ።

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ክሳዕ ክንደይ ኢኻ መንፈሳዊ መግቢ እትምገብ፧