ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብፍልጠት የሆዋ ተሓጐስ

ብፍልጠት የሆዋ ተሓጐስ

ብፍልጠት የሆዋ ተሓጐስ

“ብጹኣንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚሕልውዎን ደኣ እዮም።”—⁠ሉቃስ 11:⁠28

1. የሆዋ ንደቅ​ሰብ መልእኽቲ ኸመሓላልፈሎም ዝጀመረ መዓስ ኢዩ፧

 የሆዋ ንደቅሰብ የፍቅሮምን ብድሕንነቶም ኣጸቢቑ ይግደስን ኢዩ። ስለዚ መልእኽቲ እንተ ኣመሓላለፈሎም ኣየገርምን ኢዩ። ንመጀመርታ ግዜ መልእኽቲ ዘመሓላለፈሎም ኣብ ገነት ኤደን ኢዩ። ብመሰረት ዘፍጥረት 3:⁠8 ሓደ እዋን “ምድሪ ምስ ወልወለ:” ኣዳምን ሄዋንን “ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽ” ሰምዑ። ገሊኦም እዚ ሓሳብ እዚ የሆዋ ንኣዳም ኣብቲ ሰዓታት እቲ መልእኽቲ ናይ ምትሕልላፍ ልምዲ ኸም ዝነበሮ ዝሕብር ምዃኑ: እዚውን ምናልባት ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ይገብሮ ከም ዝነበረ ይገልጹ። እዚ ዀይኑ እቲ: ኣምላኽ ነቲ ቐዳማይ ሰብ መምርሒታት ንምሃብ ጥራይ ዘይኰነስ ሓላፍነታቱ ንኽስከም እንታይ ክፈልጥ ከም ዘድልዮ ንኽምህሮ እውን ግዜ መዲብሉ ከም ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይገልጽ ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 1:⁠28-30

2. እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ካብ መሪሕነት የሆዋ እተፈልዩ ብኸመይ ኢዮም: እዚኸ እንታይ ኣስዓበሎም፧

2 የሆዋ ንኣዳምን ሄዋንን ህይወት ከምኡውን ንእንስሳታትን ምልእቲ ምድርን ክቈጻጸሩ ስልጣን ሂብዎም ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን ሓንቲ ነገር ተኸልኪሎም ነበሩ፣ እዚ ድማ ኻብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ከይበልዑ ኢዩ። ኣዳምን ሄዋንን ብሰይጣን ተደፋፊኦም ትእዛዝ ኣምላኽ ኣፍረሱ። (ዘፍጥረት 2:⁠16, 17፣ 3:⁠1-6) ባዕሎም ቅኑዕን ጌጋን እናወሰኑ ኻብ ኣምላኽ ተፈልዮም ክነብሩ መረጹ። ከምዚ ብምግባሮም ካብ መሪሕነት ናይቲ ፈቃር ፈጣሪኦም ተፈልዩ። እዚ ንዖኦምን ነቶም ገና ዘይተወልዱ ዝነበሩ ዘርኦምን ዓቢ ጕድኣት ኣምጺኡ ኢዩ። ኣዳምን ሄዋንን ኣሪጎም ሞቱ: ተስፋ ትንሳኤ እውን ኣይነበሮምን። ዘርኦም ከኣ ሓጢኣትን ብሰሩ ዝመጸ ሞትን ወረሱ።​—⁠ሮሜ 5:⁠12

3. የሆዋ ንቃየል እተዛረቦ ስለምንታይ ኢዩ: ቃየልከ እንታይ ምላሽ ኢዩ ዝሃበ፧

3 ኣብ ኤደን ዕልዋ እኳ እንተ ተፈጸመ: የሆዋ ግን ንሰባት መልእኽቲ ኻብ ምትሕልላፍ ኣየቋረጸን። ነቲ ቦኽሪ ወዲ ኣዳምን ሄዋንን ዝዀነ ቃየል ሓጢኣት ትቃጸዎ ነበረት። የሆዋ ናብ ሽግር ገጹ ይጓዓዝ ከም ዘሎ ኣጠንቀቖ: ‘ጽቡቕ ክገብር’ ድማ መዓዶ። ቃየል ነዚ ፍቕራዊ ማዕዳ ነጺጉ ንሓዉ ቐተሎ። (ዘፍጥረት 4:⁠3-8) ስለዚ እቶም ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ሰለስተ ቐዳሞት ሰባት ኻብቲ ንህዝቡ ዝጠቅም መምርሒ ዝህብ ወሃብ ህይወቶም ዝዀነ ኣምላኽ ዝመጸ ንጹር መምርሒ ነጸግዎ። (ኢሳይያስ 48:⁠17) እዚ ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኣጕህይዎ ክኸውን ኣለዎ!

የሆዋ ነቶም ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ሰብኡት ተገልጸሎም

4. የሆዋ ብዛዕባ ዘርኢ ኣዳም ርግጸኛ ዝዀነሉ ነገር እንታይ ኢዩ: ነዚ ኣብ ግምት ብምእታውከ እንታይ ተስፋ ኢዩ ዝሃበ፧

4 የሆዋ ምስ ደቅሰብ ዘለዎ ርክብ ንምቍራጽ እኹል ምኽንያት እኳ እንተ ነበሮ: ከምኡ ግን ኣይገበረን። ገለ ኻብ ዘርኢ ኣዳም መስተውዓልቲ ብምዃን መምርሒኡ ኸም ዝስዕቡ ርግጸኛ ነበረ። ንኣብነት: ንኣዳምን ሄዋንን ክፈርዶም ከሎ ነቲ ተመን ማለት ሰይጣን ድያብሎስ ዝጻረር ‘ዘርኢ’ ኽመጽእ ምዃኑ ተነብዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታኡ ሰይጣን ርእሱ ተጨፍሊቑ ክመውት ኢዩ። (ዘፍጥረት 3:⁠15) እዚ ትንቢት እዚ ነቶም “ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚሕልውዎን” ዘሐጕስ ተስፋ ዝህብ መልእኽቲ ኢዩ ነይሩ።​—⁠ሉቃስ 11:⁠28

5, 6. የሆዋ ቅድሚ ቐዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. በየናይ መገድታት ኢዩ ንህዝቡ መልእኽቲ ዘመሓላልፈሎም ዝነበረ: እዚኸ ብኸመይ ጠቐሞም፧

5 የሆዋ ነቶም ከም ኖህ: ኣብርሃም: ይስሃቅ: ያእቆብ: ከምኡውን እዮብ ዝኣመሰሉ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ርእሲ ኣቦታት ፍቓዱ ገሊጽሎም ኢዩ። (ዘፍጥረት 6:⁠13፣ ዘጸኣት 33:⁠1፣ እዮብ 38:⁠1-3) ጸኒሑ ብሙሴ ኣቢሉ ንህዝቢ እስራኤል ምሉእ ዘይጕዱል ሕግታት ሃቦም። ሕጊ ሙሴ ብብዙሕ መገድታት ጠቒምዎም ኢዩ። እስራኤላውያን ነቲ ሕጊ ክእዘዝዎ ኸለዉ ካብ ኵሎም ካልኦት ህዝብታት እተፈለዩ ህዝቢ ኣምላኽ ይገብሮም ነበረ። ነቲ ሕጊ እንተ​ድኣ ተኣዚዞም: ብስጋዊ ጥራይ ዘይኰነስ መንግስቲ ኻህናትን ቅዱስ ህዝብን ብምግባር ብመንፈሳዊ እውን ከም ዝባርኾም የሆዋ ኣረጋጊጽሎም ነበረ። እቲ ሕጊ ንጥዕና ኣበርክቶ ዝገብር ስርዓት ኣመጋግባን ሓለዋ ጽሬትን ነይርዎ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: የሆዋ እንተ ዘይተኣዚዞሞ ሕማቕ ከም ዝስዕቦም እውን ኣጠንቂቕዎም ነበረ።​—⁠ዘጸኣት 19:⁠5, 6፣ ዘዳግም 28:⁠1-68

6 ድሕሪ ግዜ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ካልእ መንፈስ ዝነፈሶ መጻሕፍቲ ተወሰኸ። እዚ ድማ የሆዋ ኣብ ህዝብታት ብዛዕባ ዝፈጸሞ ግብርታት ዝገልጽ ታሪኻዊ ጸብጻብ ኢዩ። ግጥሚ ዝሓዘ መጻሕፍቲ ንባህርያት የሆዋ ጽቡቕ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። ትንቢታዊ መጻሕፍቲ ኸኣ ፍቓድ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝፍጸም ተነበየ። ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ሰባት ነዚ መንፈስ ዝነፈሶ ጽሑፋት ብጥንቃቐ ኣጽኒዖሞን ተጠቒሞምሉን ኢዮም። ሓደ ኻባታቶም “ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ: ንመገደይ ብርሃን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 119:⁠105) የሆዋ ነቶም ክሰምዑ ፍቓደኛታት ዝነበሩ ትምህርትን መንፈሳዊ ምስትውዓልን ሂብዎም ኢዩ።

እቲ ብርሃን እናበርሀ ይኸይድ

7. የሱስ ተኣምራት ይፍጽም እኳ እንተ ነበረ: ብቐዳምነት ግን ብምንታይ ኢዩ ዝፍለጥ ዝነበረ: ስለምንታይከ፧

7 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ነቲ ሕጊ ናይ ሰብ ስርዓታት ወሲኾምሉ ነበሩ። ነቲ ሕጊ ብጌጋ ይጥቀምሉ ስለ ዝነበሩ ኣብ ክንዲ ምንጪ መንፈሳዊ ምስትውዓል ዝኸውን: ብሰንኪ ስርዓታት ሰብ ጾር ኰይኑ ነበረ። (ማቴዎስ 23:⁠2-4) ይኹን እምበር: ብ29 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ መሲሕ ኰይኑ መጸ። ህይወቱ በጃ ደቅሰብ ንኸሕልፍ ጥራይ ዘይኰነስ “ንሓቂ ኽምስክር” እውን ኢዩ መጺኡ። ተኣምራት ይፍጽም እኳ እንተ ነበረ: ብቐዳምነት ግን “መምህር” ተባሂሉ ኢዩ ዝፍለጥ ነይሩ። ትምህርትታቱ ኣብቲ መንፈሳዊ ጸልማት ወሪስዎ ዝነበረ ኣእምሮ ሰባት ከም ዝበርህ ብርሃን ነበረ። የሱስ “ኣነ ብርሃን ዓለም እየ” ኢሉ ምዝራቡ ሓቁ ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 8:⁠12፣ 11:⁠28፣ 18:⁠37

8. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. እንታይ መንፈስ ዝነፈሶ መጻሕፍቲ ኢዩ እተጻሕፈ: እዚ ንቐዳሞት ክርስትያናት ዝጠቐሞምከ ብኸመይ ኢዩ፧

8 ጸኒሑ እተን ብዛዕባ ታሪኽ ህይወት የሱስ ዝገልጻ ወንጌላት ዝበሃላ ኣርባዕተ ጸብጻባት ከምኡውን የሱስ ምስ ሞተ ክርስትና ብኸመይ ከም ዘስፋሕፍሐ እትገልጽ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ተወሰኻ። እተን ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝጸሓፍወን መንፈስ ዝነፈሰን መልእኽትታት ከምኡውን ትንቢታዊት መጽሓፍ ራእይ ተጻሕፋ። እዘን ጽሑፋት እዚኣተንን ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጥን ብሓባር ኰይነን ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቘማ። ክርስትያናት ብሓገዝ ናይዚ መንፈስ ዝነፈሶ እኩባት መጻሕፍቲ ንሓቂ “ምስ ኵሎም ቅዱሳን ምግፋሑን ምንዋሑን ምዕማቑን ቍመቱን እንታይ ምዃኑ ምስትውዓል” ይኽእሉ ኢዮም። (ኤፌሶን 3:⁠14-18) “ሓሳብ ክርስቶስ” እውን ክህልዎም ይኽእል ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 2:⁠16) ይኹን እምበር: እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ንዅሉ ዕላማታት የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ኣይተረድእዎን። ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣመንቲ ብጾት “ሕጅስ ብመረጸን ዋግዋጎ ንርኢ አሎና” ኢሉ ጸሓፈሎም። (1 ቈረንቶስ 13:⁠12) እዚ ዓይነት መረጸን: ዋግዋጎ ድኣ እምበር ብንጹር ኣየርእን ኢዩ። ምሉእ ምርዳእ ቃል ኣምላኽ ገና ብድሕሪኡ ኽመጽእ ነበሮ።

9. ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” እንታይ መንፈሳዊ ምስትውዓል ኢዩ እተረኽበ፧

9 ሎሚ: ኣብቲ “ክፉእ ዘመን” ተባሂሉ ዝፍለጥ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢና እንነብር ዘሎና። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1) ነብዪ ዳንኤል ኣብዚ ግዜና “ምስትውዓል . . . እናወሰኸ ኪኸይድ” ምዃኑ ተነብዩ ነበረ። (ዳንኤል 12:⁠4) ስለዚ: እቲ መልእኽቲ ብምትሕልላፍ መወዳድርቲ ዘይብሉ የሆዋ ትርጕም ቃሉ እንታይ ምዃኑ ንኽርድእዎ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ሓጊዝዎም ኢዩ። ሎሚ: ክርስቶስ የሱስ ኣብቲ ብዓይኒ ዘይርአ ሰማያት ብ1914 ንጉስ ከም ዝዀነ ብዙሓት ሰባት ተረዲኦሞ ኢዮም። ድሕሪ ሓጺር እዋን ንዅሉ እከይ መወዳእታ ኽገብረሉን ንምድርና ናብ ገነት ክቕይራን ምዃኑ እውን ይፈልጡ ኢዮም። እዚ ኣገዳሲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ዓለም ይስበኽ ኣሎ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠14

10. ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ብምሉኡ ሰባት ነቲ የሆዋ ዝህቦም ምኽሪ ብኸመይ ኢዮም ምላሽ ሂቦምሉ፧

10 እወ: ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ወድሰብ የሆዋ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ሰባት ፍቓዱን ዕላምኡን ገሊጽሎም ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ኣምላኻዊ ጥበብ ብምስማዕ ኣብ ግብሪ ዘውዓሉ በዚ ድማ በረኸት ዝረኸቡ ሰባት መዝጊብዎም ኣሎ። ብዛዕባ እቶም ንፍቕራዊ ምኽሪ ኣምላኽ ዝነጸጉ ማለት ነቲ ጐዳኢ መገዲ ኣዳምን ሄዋንን ዝሰዓቡ ሰባት እውን ይገልጽ ኢዩ። የሱስ ብዛዕባ ኽልተ ምሳልያውያን መገድታት ክዛረብ ከሎ ነዚ ገሊጽዎ ኣሎ። እታ ቐዳመይቲ ናብ ጥፍኣት እትመርሕ ኢያ። ርሕብትን ገፋሕን ስለ ዝዀነት ብዙሓት ንቓል ኣምላኽ ዝነጸጉ ሰባት ብእኣ ኢዮም ዝመላለሱ። እታ ኻልኣይቲ ድማ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትመርሕ ኢያ። ቀጣን እኳ እንተ​ዀነት: ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ቃል ኣምላኽ ዝቕበልዎን ምስኡ ተሰማሚዖም ዝነብሩን ሒደት ሰባት ዝመላለሱላ መገዲ ኢያ።​—⁠ማቴዎስ 7:⁠13, 14

ነቲ ረኺብናዮ ዘሎና ነማስወሉ

11. ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ፍልጠትን ኣብኡ ዘሎና እምነትን እንታይ ዘርኢ ኢዩ፧

11 ካብቶም መገዲ ህይወት ዝመረጹ ዲኻ፧ ሓደ ኻባታቶም እንተ​ድኣ ዄንካ ኻብታ መገዲ ኽትወጽእ ከም ዘይትደሊ ፍሉጥ ኢዩ። ከመይ ገይርካ ኢኻ ኸምዚ ኽትገብር እትኽእል፧ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዘምጽኣልካ ረብሓታት ብቐጻሊ ኣስተንትነሉን ኣማስወሉን። ነቲ ብስራት ምቕባልካ ኣምላኽ ከም ዝባረኸካ ዘርኢ መረጋገጺ ኢዩ። የሱስ ናብ ኣቦኡ ኸምዚ ኢሉ ኽጽሊ ኸሎ ብዛዕባ እዚ ተዛሪቡ ነይሩ:- “ዎ ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን: እዚ ኻብ ብልህታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሐባእካዮ: ንሕጻናት ግና ስለ ዝገለጽካዮ: ኤመስግነካ አሎኹ።” (ማቴዎስ 11:⁠25) እቶም ልዑል ትምህርቲ ዝነበሮም መራሕቲ ሃይማኖት ትምህርቲ የሱስ ምርዳእ ክኣብዮም ከሎ: ገፈፍቲ ዓሳን ተገውትን ግን ክርድእዎ ኸኣሉ። የሱስ ወሲኹ ከምዚ በለ:- “እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ: ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን።” (ዮሃንስ 6:⁠44) ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትፈልጦ: ንትምህርትታቱ ድማ ኽትርድኦን ክትስዕቦን እንተ​ድኣ ጀሚርካ: የሆዋ ናብኡ ከም ዝሰሓበካ ዘርኢ መርትዖ ኢዩ። ንኽትሕጐስ እውን ምኽንያት ክዀነካ ይኽእል ኢዩ።

12. መጽሓፍ ቅዱስ መንፈሳዊ ምስትውዓል ዝህበና ብኸመይ ኢዩ፧

12 ቃል ኣምላኽ ሓራ ዘውጽእ ሓቂ ዝሓዘ ኢዩ: መንፈሳዊ ምስትውዓል ድማ ይህብ ኢዩ። ነቶም ብፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ዝመላለሱ ሰባት ካብ ማሪታዊ ፍርሂ: ናይ ሓሶት ትምህርትታት: ከምኡውን ካብቲ ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ሰባት ወሪስዎም ዘሎ ድንቍርና ሓራ የውጽኦም ኢዩ። ንኣብነት: ብዛዕባ ነፍሲ እቲ ሓቂ ምፍላጥና ኻብቲ ምዉታት ክጐድኡና ይኽእሉ ኢዮም: ወይ ከኣ ሞይቶም ዘለዉ እነፍቅሮም ሰባት ይሳቐዩ ኢዮም ዝብል ፍርሂ ሓራ ይገብረና ኢዩ። (ህዝቅኤል 18:⁠4) ብዛዕባ እኩያት መላእኽቲ እቲ ሓቂ ምፍላጥና ኸኣ ኻብ መፈንጠራ ናይ ሓተታ መናፍስቲ ንኽንሃድም ይሕግዘና። ትምህርቲ ትንሳኤ ነቶም ዘፍቅርዎ ሰብ ዝሞቶም የጸናንዖም ኢዩ። (ዮሃንስ 11:⁠25) ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣበየናይ ግዜ በጺሕና ከም ዘሎና ይሕብረና: ብዛዕባ መጻኢ ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ እምንቶ ንኸነሕድር ድማ ይድግፈና። ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋና እውን የደልድለልና።

13. ንቓል ኣምላኽ ምስ እነቕልበሉ ብስጋዊ መገዲ ዝጠቕመና ብኸመይ ኢዩ፧

13 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ኣምላኻዊ ስርዓታት ብስጋዊ መገዲ ንኽንጥቀም ኢዩ ዝምህረና። ንኣብነት: ካብቲ ኸም ትንባኾ ምትካኽ ኰነ ሓሽሽ ምጥቃም ዝኣመሰለ ንመንፈስ ዘርክስ ነገራት ርእስና ኸነንጽህ ተማሂርና ኢና። ኣልኮላዊ መስተ ኻብ መጠን ንላዕሊ ኣይንሰትን ኢና። (2 ቈረንቶስ 7:⁠1) ንስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት ኣምላኽ ምቕላብ ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማት የዕቍበና። (1 ቈረንቶስ 6:⁠18) ፍቕሪ ገንዘብ ከይነሕድር ኣምላኽ ዝህበና ምኽሪ ምስ እንእዘዝ: ከምቲ ብዙሓት ዝገብርዎ ደድሕሪ ሃብቲ ኽንጐዪ ኽንብል ንናይ ኣእምሮና ሰላም ኣይነጥፍእን ኢና። (1 ጢሞቴዎስ 6:⁠10) ንቓል ኣምላኽ ኣብ ናብራኻ ስለ ዝዓየኻሉ ብስጋዊ መገዲ ብኸመይ ተጠቒምካ፧

14. መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወትና እንታይ ጽልዋ ኣለዎ፧

14 በቲ ቓል ኣምላኽ ዝብለና እንተ​ድኣ ተመላሊስና የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ይህበና። ከም ምሕረትን ድንጋጽን ዝኣመሰለ ኣብ ክርስቶስ እተንጸባረቐ ዝምስጥ ባህርያት ንዅስኵስ። (ኤፌሶን 4:⁠24, 32) ብተወሳኺውን መንፈስ ኣምላኽ ዘፍርዮ ፍረ ማለት ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ: ዓቕሊ: ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ከምኡውን ይኣኽለኒ ምባል ከም እነፍሪ ይገብረና። (ገላትያ 5:⁠22, 23) እዚ ባህርያት እዚ ምስ ካልኦትን ምስ ኣባላት ስድራ​ቤትናን ዘሐጕስን ትርጕም ዘለዎን ርክብ ከም ዝህልወና ይገብር። ንዘጋጥመና ጸገማት ብትብዓት ንምስጋር ዘኽእለና ውሽጣዊ ብርታዐ ነጥሪ ኢና። መንፈስ ቅዱስ ንህይወትካ ብኸመይ ከም ዘመሓየሾ ተስተውዕል ዲኻ፧

15. ኣነባብራና ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዝሰማማዕ ምስ እንገብሮ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧

15 ኣነባብራና ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዝሰማማዕ ምስ እንገብሮ: ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ይድልድል። ከም ዝርድኣናን ዘፍቅረናን ብዝያዳ እምነት ይሓድረና። ኣብ ጽንኩር እዋን ከም ዝድግፈና ኻብ ተመክሮ ርኢናዮ ኢና። (መዝሙር 18:⁠18) ንጸሎትና ብሓቂ ኸም ዝሰምዖ ንፈልጥ ኢና። (መዝሙር 65:⁠2) መምርሒታቱ ከም ዝጠቕመና ስለ እንተኣማመን: ንጽግዖ ኢና። ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ ንእሙናቱ ናብ ፍጽምና ከም ዘብጽሖምን ዘለኣለማዊ ህይወት ከም ዝህቦምን ዝገልጽ ዘደንቕ ተስፋ ኣሎና። (ሮሜ 6:⁠23) ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር “ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእቆብ 4:⁠8) ናብ የሆዋ ብዝቐረብካ መጠን ምስኡ ዘሎካ ርክብ ይድልድል ምህላዉ ይስምዓካዶ ኣሎ፧

መወዳድርቲ ዘይብሉ መዝገብ

16. ገለ ኻብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ለውጥታት ኢዮም ዝገበሩ፧

16 ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት: ገሊኣቶም ኣመንዝራታት: ዘመውቲ: ግብረ⁠-​ሰዶም ዝገብሩ: ሰረቕቲ: ስሱዓት: ሰካራት: ተጻረፍቲ: ከምኡውን ዘረፍቲ ከም ዝነበሩ ኣዘኻኺርዎም ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 6:⁠9-11) ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ግን ዓቢ ለውጢ ንኽገብሩ ደረኾም፣ እወ: ‘ተሓጺቦም’ ኢዮም። ነታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ሓራ እተውጽእ ሓቂ እንተ ዘይትማሃራ ነይርካ ህይወትካ እንታይ ከም ዝመስል እሞ ሕስብ ኣብሎ። ብርግጽ ሓቂ መወዳድርቲ ዘይብሉ መዝገብ ኢዩ። የሆዋ መልእኽቲ ስለ ዘመሓላልፈልናስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዘሐጕሰና!

17. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብኸመይ ኢዮም ብመንፈሳዊ እተመገቡ፧

17 ኣብ ርእሲ እዚውን ካብቲ እተፈላለየ ዓሌት ብዘለዎም ሰባት ዝቘመ ሕውነትና እንረኽቦ ሓጐስ እሞ ሕስብ ኣብሎ። እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” በብግዜኡ መንፈሳዊ መግቢ የዳልወልና ኢዩ፣ እዚ ድማ ብእተፈላለየ ቋንቋ ንዝዳሎ መጽሓፍ ቅዱስ: መጽሔታት: ከምኡውን ካልእ ጽሑፋት ዘጠቓልል ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠45-47) እቶም ኣብ ገሊኡ ሃገራት ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዓመት 2000 ኣብ ዝገበርዎ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ካብ ሸሞንተ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዝርከባ መጻሕፍቲ ዝጐልሕ ሓሳባት ወሲዶም ኢዮም። ንብምልእታ መፍትሕ ሓጐስ ስድራ​ቤት እትበሃል መጽሓፍ: ዳርጋ ሓደ ሲሶ ናይታ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ እትበሃል መጽሓፍ: ከምኡውን ንገለ ኽፋል ናይታ ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! እትበሃል መጽሓፍን ምዝርራብ ብዛዕባ ኣርእስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘርእስታ ጽሕፍትን ተማሂሮም ኢዮም። ካብ ግምቢ ዘብዐኛ እውን ኣብ ርእሲ እቲ 52 ናይ መጽናዕቲ ዓንቀጻት 36 ዓንቀጻት ወሲዶም ኢዮም። ብተወሳኺ: ህዝቢ የሆዋ በተን 12 ሕታማት ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ከምኡውን በቲ ኣብ እተፈላለየ ኣርእስትታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲሱ ዝቐርበሎም ሰሙናዊ ህዝባዊ ዝርርብ ተዓንጊሎም ኢዮም። ኣየ ከመይ ዝበለ ኣኽል⁠-​ታርፍ መንፈሳዊ ፍልጠት ኰን ኢዩ ዘሎ!

18. ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ በየናይ መገድታት ኢና ሓገዝ እንረክብ፧

18 ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ልዕሊ 91,000 ጉባኤታት ብኣኼባታትን በቲ ዘለወን ሕብረትን ኣቢለን ደገፍን ብርታዐን ይህባ ኣለዋ። መንፈሳዊ ሓገዝ ንምሃብ ድሉዋት ዝዀኑ ብሱላት ኣመንቲ ክርስትያናት እውን ኣለዉና። (ኤፌሶን 4:⁠11-13) እወ: ፍልጠት ሓቂ ብምጥራይና ብዙሕ ረብሓታት ረኺብና ኢና። ንየሆዋ ምፍላጡን ምግልጋሉን ሓጐስ የምጽእ ኢዩ። እተን “እግዚኣብሄር ዝኣምላኹ ህዝቢ ብጹእ እዩ” ዝብላ ቃላት ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ሓቂ ኢየን!​—⁠መዝሙር 144:⁠15

ትዝክሮዶ፧

• ቅድሚ ክርስትና የሆዋ ንመነመን ኢዩ መልእኽቲ ዘመሓላለፈሎም፧

• ኣብ ቀዳማይ ዘመን መንፈሳዊ ብርሃን እናበርሀ ዝኸደ ብኸመይ ኢዩ፧ ኣብዚ ዘመንናኸ፧

• ምስ ፍልጠት የሆዋ ተሰማሚዕና ብምንባር እንታይ ረብሓታት ኢና እንረክብ፧

• ፍልጠት ኣምላኽ ብምርካብና ስለምንታይ ኢና እንሕጐስ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ንሙሴን ኖህን ኣብርሃምን ፍቓዱ ገለጸሎም

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ኣብዚ ግዜና የሆዋ ኣብ ቃሉ ብርሃን ኣብሪሁ ኣሎ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

እቲ እተፈላለየ ዓሌት ብዘለዎም ሰባት ዝቘመ ሕውነትና ዘምጽኦ በረኸት እሞ ሕስብ ኣብሎ