ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንነዊሕ እዋን ጸኒዑ ዝነብር ኣእዋም

ንነዊሕ እዋን ጸኒዑ ዝነብር ኣእዋም

ንነዊሕ እዋን ጸኒዑ ዝነብር ኣእዋም

ኣጻድፍ ዘለዎ ዓቢ ኸረን ቤት እትሰርሓሉ ግቡእ ቦታ ኣይኰነን። ሰብ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታታት ክነብር ዘይክእል እኳ እንተ​ዀነ: እቲ ኣብ ናይ ኣልፕስ ኣኽራን ዝበቍል ኣእዋም ግን ኣብቲ ኣኻውሕ ኣደልዲሉ ብምሓዝ ንቐዝሒ ኽረምትን ደርቂ ሓጋይን ይጻወር ኢዩ።

 ዝበዝሕ ግዜ እዚ ተረርቲ ኣእዋም እዚ ከምቲ ኣብ ቆላ ዝርከብ ዘርኡ ገዚፍ ኣይኰነን። ኣጕናዱ እተተተዐን እተጠዋወየን ኢዩ: ብዙሕ ዕቤት ከኣ ኣየርእን ኢዩ። አረ ገሊኡስ በቲ ሕማቕ ዝዀነ ዅነታት ኣየርን ስሑው ሓመድን ስለ ዝቘንጸበ: ፈሊጥካ ኣሕጺርካ ዝቘረጽካዮ ኢዩ ዝመስል።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ኵነታት ኣየር ዘለዎ ከባቢ ምድሪ ስለ ዝነብር: ነዊሕ ክጸንሕ ኣይክእልን ኢዩ ዝብል ሓሳብ ይህልወካ ይኸውን። እቲ ሓቂ ግን ኣንጻሩ ኢዩ። ገለ ሰባት እቲ ኣብ ካሊፎርንያ ኣብ ዝርከብ 3,000 ሜትሮ ዝንውሓቱ ጻዕዳ ኸረን ዘሎ ማቱሳላ: ብሪስትልኮን ፓይን እተባህለ ገረብ 4,700 ዓመታት ከም ዝገበረ ኢዮም ዝዛረቡ። እቲ ዘ ጊነስ ቡክ ኦቭ ሪከርድስ 1997 ዝበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ፕላኔትና ካብ ዘሎ እቲ ዝነውሐ ዕድመ ዝጸንሐ ገረብ ገይሩ ጠቒስዎ ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ጥንታዊ ኣእዋም መጽናዕቲ ዝገበረ ኤድመንድ ሹልማን ከምዚ ኢሉ ገለጸ:- “ብሪስትልኮን ፓይን . . . ብሳላ እቲ ሕማቕ ኵነታት ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ኢዩ ዝመስል። ኵሎም እቶም ኣብ ጻዕዳ ኸረን ዘለዉ ነዊሕ ዓመታት ዝገበሩ [ዓሌት ፓይን ኣእዋም] ኣብቲ 3,000 ሜትሮ ዝስፍሓቱ: ንቑጽን ከውሒ ዝመልኦን በረኻ ኢዮም ዝርከቡ።” ነዊሕ ዓመታት ዝጸንሑ ካልኦት ካብ ዘርኢ ፓይን ዝዀኑ ኣእዋም እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ኣየር ከም ዝበቝሉ ሹልማን ገሊጹ ኣሎ።

እዚ ዓይነት ኣእዋም እዚ ነቲ ሕማቕ ኵነታት ክጻወሮ እኳ እንተ ኣለዎ: ብምጽማም ዝመጸ ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝኸኣለ ግን ነቲ ዘለዎ ክልተ ብልጫታት ብግቡእ ስለ ዝጥቀመሉ ኢዩ። ብዙሕ እጽዋት ኣብ ዘይርከበሉ ቦታ ስለ ዘሎ: ሓደ ካብቲ ንዓበይቲ ኣግራብ ኣዝዩ ዘሸግር ባርዕ ሓዊ ይድሕን ኢዩ። ሰራውሩ ኸኣ ነቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እንተ ዘይኰይኑ ካልእ ዘየነቓንቖ ኣኻውሕ ኣጽኒዑ ዝሓዘ ኢዩ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብኣእዋም ተመሲሎም ኣለዉ። (መዝሙር 1:⁠1-3፣ ኤርምያስ 17:⁠7, 8) ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ብምኽንያት እቲ ዘለዎም ኵነታት ሽግር የጋጥሞም ኢዩ። መስጐጕቲ: ጥዕና ምስኣን: ሕሱም ድኽነት ንእምነቶም ኣጸቢቑ ክፍትና ይኽእል ኢዩ: ብፍላይ ድማ እዚ ዓመት ዓመት ዘጋጥሞም ምስ ዝኸውን ዝያዳ ከቢድ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: እቲ ንኣእዋም ሕማቕ ኵነታት ከም ዝጻወሩ ገይሩ ዝፈጠሮም ኣምላኾም ከም ዝድግፎም የረጋግጸሎም ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም እሙናት ኰይኖም ደው ዝብሉ “ኬጽንዓኩም: ኬበርትዓኩም . . . እዩ” ይብል።​—⁠1 ጴጥሮስ 5:9, 10

እታ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ምጽማም” ተባሂላ እትትርጐም ናይ ግሪኽ ግሲ ‘ጸኒዕካ ደው ምባል: ጽኑዕ ኴንካ ምቕጻል: ወይ ምኽኣል’ ዝብል ሓሳብ ኢዩ ዘለዋ። ልክዕ ከምዚ ኣብ ኣኽራን ኣልፕስ ዝበቍል ኣእዋም: ጽቡቕ መሰረት ምህላው ቀንዲ መፍትሕ ናይ ምጽማም ኢዩ። ክርስትያናት ጸኒዖም ደው ምእንቲ ኽብሉ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ኣጸቢቖም ክስረቱ ኣለዎም። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ከምቲ ንጐይታና ክርስቶስ የሱስ እተቐበልኩምዎ: ከምኡ ኢልኩም ብእኡ ተመላለሱ። ኣብኡ ተሰሪትኩምን ተሀኒጽኩምን ብምስጋና መሊእኩም: ከምቲ እተመሀርኩምዎ ዄንኩም ብእምነት ጽንዑ።”​—⁠ቈሎሴ 2:6, 7

ድልዱል መንፈሳዊ ሰራውር ኣድላዪ ምዃኑ ጳውሎስ ተገንዚብዎ ነይሩ ኢዩ። ንሱ ባዕሉ ምስቲ ‘ኣብ ስጋኡ ዝነበሮ ግራጭ’ ይቃለስ: ኣብ ኣገልግሎቱ ድማ ስደት የሕልፍ ነይሩ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 11:​23-​27፣ 12:⁠7) ብሓይሊ ኣምላኽ ክቕጽል ከም ዝኽእል ግን ተገንዚቡ ኢዩ። “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” በለ።​—⁠ፊልጲ 4:13

ካብቲ ናይ ጳውሎስ ኣብነት ክንርእዮ ከም እንኽእል: ክርስትያናዊ ምጽማም ንኸተርኢ ኵሉ ግዜ ጽቡቕ ኵነታት ጥራይ ከጋጥመካ ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ልክዕ ከምቲ ኣብ ኣኽራን ኣልፕስ ዝርከብ ኣእዋም ንዘመናት ዝኣክል ብርቱዕ ንፋስ እተጻወረ: ንሕና እውን ኣብ ክርስቶስ እንተ​ድኣ ተሰሪትና ከምኡውን ኣብቲ ኣምላኽ ዝህበና ሓይሊ እንተ​ድኣ ተመርኲስና ጸኒዕና ደው ክንብል ንኽእል ኢና። ኣብ ርእሲ እዚ: ክሳዕ መወዳእታ እንተ​ድኣ ተጸሚምና ፍጻሜ ናይቲ “ዕድመ ህዝበይ ከም ዕድመ ኦም ኪኸውን [ኢዩ]” ዝብል መለኮታዊ ተስፋ ጋህዲ ዀይኑ ክንርእዮ ኢና።​—⁠ኢሳይያስ 65:22፣ ማቴዎስ 24:⁠13