ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኢድ የሆዋ ርኢናያ ኢና

ኢድ የሆዋ ርኢናያ ኢና

ታሪኽ ህይወት

ኢድ የሆዋ ርኢናያ ኢና

ፖል ስክሪብነር ዘዘንተዎ

“ከመይ ሓዲርኪ ሚስስ ስታክሃውዝ። ሎሚ ንግሆ ንበዓል ትንሳኤ ዝኸውን ምቁር ሕብስቲ ትእዛዝ እቕበል ኣለኹ: ንስድራኺ ኽትእዝዚ ኸም እትደልዪ ፍሉጥ ኢዩ።” ከምዚ ኢለ እተዛረብኩ ኣብ መጀመርታ ጽድያ ናይ 1938 ኣብ ኣትኮ: ኒው ጀርሲ: ሕ.መ.ኣ.: ናይ እንዳ ባኒ ሰራሕተኛ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ኢዩ ነይሩ፣ እናዘርኩ ኣብ ዝሸጠሉ ዝነበርኩ እዋን ምስ ሓንቲ ኻብቶም ቀንዲ ዓማዊለይ ዝገበርክዎ ዝርርብ ከኣ ኢዩ። እቲ ዘገርም ግን ሚስስ ስታክሃውዝ ክትእዝዝ ኣይደለየትን።

 “በዓል ትንሳኤ ስለ ዘይነብዕል ኣይደልን ኢየ” በለትኒ።

ድሕርዚ ዝብሎ ጠፍኣኒ። ‘በዓል ትንሳኤ ኣይነብዕልን ኢና’ ድያ ዝበለት ኢለ ተገረምኩ። ልክዕ ኢዩ ቀዳመይቲ ሕጊ ሸቀጥቲ ‘ዓሚል ወትሩ ትኽክል ኢዩ’ እትብል ኢያ። ስለዚ እንታይ ደኣ ኢየ ዝገብሮ፧ ብትብዓት ከምዚ በልክዋ:- “ብጽቡቕ እተሰንከተ ምቁር ሕብስቲ ኢዩ ዘሎና: ኣሰራርሓ ሕብስትና ኸም እትፈትውዮ ድማ እፈልጥ ኢየ። ዋላ እውን ብስድራኹም በዓል ትንሳኤ ዘይተብዕሉ እንተ ዀንኩም: ነዚ ምቁር ሕብስቲ ኣይትደልይዎንዶ ኢኹም፧”

ንሳ ግን “ኣይንደልን ኢና: እንተ​ዀነ ግን ሚስተር ስክሪብነር ብዛዕባ ሓደ ነገር ከዘራርበካ እደሊ ኢየ: እዚ ኸኣ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ክዀነና ይኽእል ኢዩ” ኢላ መለሰትለይ። ሽዑ እተዘራረብናዮ ነገራት ንህይወተይ ምሉእ ብምሉእ ለወጦ! እታ ኣባል ናይታ ኣብ በርሊን: ኒው ጀርሲ: እትርከብ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረት ሚስስ ስታክሃውዝ በዓል ትንሳኤ ኻበይ ከም ዝመነጨ ነገረትኒ: ሰለስተ ንኣሽቱ መጻሕፍቲ ድማ ሃበትኒ። ኣርእስቲ ናይተን ጽሑፋት ሴፍቲ: ኣንካቨርድ: ከምኡውን ፕሮቴክሽን (እንግሊዝኛ) ዝብል ነበረ። ነተን መጻሕፍቲ ሒዘ ናብ ቤተይ ክምለስ ከለኹ ብሓደ ወገን ህንጥዮት በቲ ኻልእ ኸኣ ቁሩብ ፍርሂ ነበረኒ። እቲ ሚስስ ስታክሃውዝ ዝነገረትኒ ነገር ኣብ ግዜ ቝልዕነተይ ዝፈልጦ ዀይኑ ተሰምዓኒ።

ንመጀመርታ ምስ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እተራኸብክሉ እዋን

ብ31 ጥሪ 1907 ተወለድኩ: ብ1915 ወዲ ሸሞንተ ዓመት ከለኹ ድማ ኣቦይ ብሕማም መንሽሮ ሞተ። ስለዚ ኣነን ኣደይን ምስ ስድራኣ ኣብቲ ኣብ ማልደን: ማሳቹ​ሰትስ: ዝነበረ ዓቢ ህንጻ ኽንነብር ከድና። እቲ በንጃሚን ራንሰም ዝበሃል ኣኮይን ሰበይቱን እውን ኣብቲ ገዛ ኣብ ሳልሳይ ደርቢ ይነብሩ ነበሩ። እዚ ኣኮይ በን እዚ መበል 20 ዘመን ቅድሚ ምእታዉ ኣትሒዙ ምስቶም ሽዑ ኣህጉራዊ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ሕጂ ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝበሃሉ ይሓብር ነበረ። እቶም ዝተረፉ ኣዝማድ ኣደይ ሜቶዲስት ስለ ዝነበሩ ስግንጢር ኰይኑ ይስምዖም እኳ እንተ ነበረ: ኣነ ግን ኣጸቢቐ እፈትዎ ነበርኩ። ድሕሪ ገለ ዓመታት: በዓልቲ ቤቱ ገና ኸይፈትሓቶ ኸላ: ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነቱ ንእተወሰነ እዋን ናይ ኣእምሮ ሕሙማት ኣብ ዝዕቈቡሉ ቦታ ከም ዝኣቱ ገበረት! እቶም ሓኻይም ነዊሕ ከይጸንሑ ኣእምሮኡ ጥዑይ ምዃኑ ምስ ኣረጋገጹ ግን ይቕረታ ሓቲቶም ኣውጽእዎ።

ኣኮይ በን ኣብቲ ኣብ ቦስተን ዝግበር ዝነበረ ናይ ኣህጉራዊ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣኼባታት: ብፍላይ ከኣ ገያሺ ተዛራባይ ክመጽእ ከሎ ወይ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኽህሉ ኸሎ ምስኡ ይማልኣኒ ነበረ። ሓደ እዋን እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ንዝግበር ዕዮ ስብከት ዝኣሊ ዝነበረ ቻርለስ ቴዝ ራስል ዝርርብ ክህበና መጸ። ኣብ ካልእ እዋን ድማ ነታ “ፎቶ⁠-​ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን” ርእየያ ኢየ። ነታ ድራማ ዝረኣኽዋ ብ1915 እኳ እንተ ነበረ: ነቲ ኣብርሃም ንይስሃቅ ክስውኦ ኢሉ ናብቲ ኸረን ሒዝዎ ክኸይድ ከሎ ዘርኢ ኽፋል ኣጸቢቐ እዝክሮ ኢየ። (ዘፍጥረት ምዕራፍ 22) ይስሃቅ ዕንጨይቲ ተሰኪሙ ምስ ኣብርሃም ቀስ እናበሉ ናብቲ ኸረን ክድይቡ ኸለዉ: ኣብርሃም ድማ ኣብ የሆዋ ዘለዎ ትውክልቲ ኽገልጽ ከሎ ኽሳዕ ሕጂ ይረኣየኒ። ኣቦኡ ዝሞቶ ቘልዓ ስለ ዝነበርኩ: እዚ ኣጸቢቑ መሲጡኒ ኢዩ።

ድሕርዚ: ኣኮይ በን ምስ በዓልቲ ቤቱ ናብ ማይን ገዓዙ: ኣደይ ድማ ንኻልእ ሰብኣይ ተመርዓወት እሞ ናብ ኒው ጀርሲ ኸድና። ስለዚ ንነዊሕ እዋን ምስ ኣኮይ ኣይተራኸብናን። ኰተቴ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ኣብ ኒው ጀርሲ ምስ ማርዮን ነፍ ተራኸብኩ፣ ስድራኣ ሸሞንተ ቘልዑ ዝርከብዎም ኰይኖም ኣባል ፕረስባይተርያዊ ቤተ⁠-​ክርስትያን ኢዮም ነይሮም። ሓያሎ ሰናብቲ ምሸት: ምስታ ስድራ​ቤትን ምስቶም ኣባላት ቤተ⁠-​ክርስትያኖም ዝዀኑ ጕጅለ መንእሰያትን አሕልፎ ስለ ዝነበርኩ ኣብ መወዳእታኡ ኣባል ፕረስባይተርያዊ ቤተ⁠-​ክርስትያን ኰንኩ። እንተ​ዀነ ግን እቲ ኣብ ኣኼባታት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እተማሃርክዎ ነገራት ካብ ኣእምሮይ ኣይተሓከን። ብ1928 ኣነን ማርዮንን ተመርዓና: ብ1935 ንዶሪስ ብ1938 ድማ ንሎይስ ወለድናየን። ኣብቲ ግዜ ነዘን ንኣሽቱ ቘልዑ እዚኣተን ንምዕባይ መንፈሳዊ መምርሒ ደለና።

ኣብተን ንኣሽቱ መጻሕፍቲ ሓቂ ረኸብኩ

ኣነን ማርዮንን ኣባላት ሓንቲ ቤተ⁠-​ክርስትያን ክንከውን ንደሊ ስለ ዝነበርና ሓደ ሜላ መሃዝና። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰንበት በብተራ ሓዴና ነተን ቈልዑ ሒዙ ኣብ ገዛ ኽጸንሕ: ሓዴና ድማ ናብ ሓንቲ እንምርምራ ቤተ⁠-​ክርስትያን ክኸይድ ተሰማማዕና። ሓደ ሰንበት ኣብ ገዛ ናይ ምጽናሕ ተራ ናይ ማርዮን ነበረ: እንተ​ዀነ ግን ነታ ሴፍቲ እትበሃል ካብተን ሚስስ ስታክሃውዝ ዝሃበትኒ ጽሑፋት እታ ናይ መጀመርታ ምእንቲ ኸንብብ ነተን ቈልዑ ኽሕዘልኪ በልክዋ። ነታ ጽሕፍቲ ኸንብባ ምስ ጀመርኩ ግን ከቋርጻ ኣይከኣልኩን! ዝዀነት ትኹን ቤተ⁠-​ክርስትያን ክትምህሮ ዘይትኽእል ነገር ከም ዝረኸብኩ ርግጸኛ ዀንኩ። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ሰሙን እውን ቈልዑ ክሕዝ ኢለ ተረፍኩ እሞ ነታ ኣንካቨርድ ዘርእስታ ካልኣይቲ ጽሕፍቲ ኣንበብኩዋ። እቲ ዘንብቦ ዝነበርኩ ኣቐዲመ ዝፈልጦ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ኣኮይ በን ኣብዚ ትምህርቲ እዚ ድዩ ዝኣምን ነይሩ፧ ስድራ​ቤትና ንሃይማኖቱ ከም ናይ ዕቡዳት ገይሮም ይርእይዎ ነበሩ። ማርዮን እንታይ ክትብለኒ ኢያ፧ በዚ እኳ ክጭነቕ ኣይነበረንን። ከመይሲ ነታ ኣንካቨርድ ዘርእስታ ጽሕፍቲ ድሕሪ ምንባበይ ሒደት መዓልትታት ጸኒሑ ኻብ ስራሕ ናብ ቤት ምስ ተመለስኩ: ማርዮን “ነተን ዘምጻእካየን ንኣሽቱ መጻሕፍቲ ኣንቢበየን። ኣዝየን ዝምስጣ ኢየን” በለትኒ። እፎይ በልኩ!

ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ ናይተን ጽሑፋት ብዛዕባ እታ ኤነሚስ (እንግሊዝኛ) እትበሃል ጉድ ናይ ሓሶት ሃይማኖት እተቃልዕ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸት መጽሓፍ ዝገልጽ ሓበሬታ ነበረ። ነታ መጽሓፍ እቲኣ ኽንዕድጋ ሓሰብና። ትእዛዝ ቅድሚ ምልኣኽና ግን ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ናብ ቤትና መጺኡ ነታ መጽሓፍ ኣበርከተልና። እታ መጽሓፍ እቲኣ ውሳነ ንምግባር ሓገዘትና! ናብ ኣብያተ⁠-​ክርስትያናት ምኻድ ገደፍናዮ እሞ ናብታ ኣብ ካምደን: ኒው ጀርሲ: ዝነበረት ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክንከይድ ጀመርና። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ሓደ ሰንበት ማለት ብ31 ሓምለ 1938 ገለ 50 እንኸውን ሰባት ኣብ ቀጽሪ እንዳ ሓብትና ስታክሃውዝ: ማለት ኣብቲ ንበዓል ትንሳኤ ዝኸውን ምቁር ሕብስቲ ኽሸይጥ ዝፈተንኩሉ ቤት: ተኣኪብና ብኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ተቐዲሑ ዝመጸ ሓው ራዘርፎርድ ዘቕረቦ ናይ ጥምቀት ዝርርብ ሰማዕና። ድሕሪኡ 19 ካብቶም ኣብኡ ተኣኪብና ዝነበርና ኣብቲ ገዛ ኽዳውንትና ቐየርና እሞ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝርከብ ፈለግ ተጠመቕና።

ፓይነር ንምዃን ቈራጽነት ወሰድኩ

ድሕሪ ጥምቀተይ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ሓንቲ ኣብ ጉባኤና እትርከብ ሓብቲ ብዛዕባ እቶም ዕዮ ስብከት ቀንዲ ስርሖም ዝገበሩ ፓይነራት ተባሂሎም ዝጽውዑ ኣገልገልቲ ነገረትኒ። ብኡንብኡ ህንጥዮት ሓደረኒ: ነዊሕ ከይጸናሕኩ ኸኣ ብምሉኦም ፓይነራት ኰይኖም ምስ ዘገልግሉ ኣባላት ሓንቲ ስድራ​ቤት ተፋለጥኩ። እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ሓው ኮኒግ: በዓልቲ ቤቱ: ከምኡውን እታ ጐርዞ ዝነበረት ጓሉ ፓይነራት ኰይኖም ኣብታ ኣብ ጥቓና ዝነበረት ጉባኤ የገልግሉ ነበሩ። ኣቦ ቘልዑ ከም ምዃነይ መጠን: በቲ ስድራ​ቤት ኮኒግ ኣብ ኣገልግሎት ዝረኽብዎ ዝነበሩ ዓሚቝ ሓጐስ ተመሰጥኩ። ብዙሕ ግዜ ነታ ባኒ ዘበጻጽሓላ ማኪናይ ደው ኣቢለ ምስቶም ኣባላት እታ ስድራ​ቤት ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድኩ አገልግል ነበርኩ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ፓይነር ክኸውን ደለኹ። ከመይ ገይረ ኢየ ግን ፓይነር ክኸውን፧ ክልተ ቘልዑ ነዕቢ ነበርና: ስርሐይ ድማ ዕረፍቲ ዝበሃል ኣይነበሮን። አረ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ኣውሮጳ ምስ ተባርዐ እሞ ኸኣ ብዙሓት መንእሰያት ወተሃደራት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክዀኑ ስለ እተኸትቡ: ነቶም ሲቪላዊ ዕዮ ንዓዪ ዝነበርና ስራሕ ጽዒቑና ነበረ። ዝያዳ ባኒ ኸበጻጽሕ ጸቕጢ ይግበረለይ ስለ ዝነበረ ምስዚ ስራሕ እዚ ፓይነር ክኸውን ከም ዘይክእል ፈለጥኩ።

ንሓው ኮኒግ ፓይነር ክኸውን ከም ዝደሊ ምስ ነገርክዎ: “ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኣበርቲዕካ ጥራይ ዕየ: ሸቶኻ ድማ ብጸሎት ንገሮ። ንሱ ድማ ክሕግዘካ ኢዩ” በለኒ። ንልዕሊ ዓመት ከምቲ ዝበለኒ ገበርኩ። ከም ማቴዎስ 6:⁠8 ዝኣመሰለ: የሆዋ ከይለመንናዮ ድሌትና ከም ዝፈልጥ ዝገልጽ ጥቕሲ ብዙሕ ግዜ አስተንትነሉ ነበርኩ። ነቲ ኣብ ማቴዎስ 6:⁠33 ዘሎ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ክንደሊ እተዋህበና ምኽሪ እውን ክስዕብ ጸዓርኩ። እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢና ዝነበረ ሓው ማልቪን ዊንቸስተር እውን ኣተባቢዑኒ ኢዩ።

ንማርዮን ብዛዕባ ሸቶይ ኣዘራረብክዋ። ነቲ ኣብ ሚልክያስ 3:⁠10 ዘሎ የሆዋ በረኸቱ እንተ ዘየፍሲሱልና በዚ ኽንዕዘቦ ዘተባብዕ ሓሳባት እውን ተዘራረብናሉ። ከምዚ ዝስዕብ ኢላ ምስ መለሰትለይ ከኣ ተበራቲዐ ኢየ:- “ፓይነር ክትከውን እንተ ደሊኻ ምእንታይ ክትብል ድሕር ምሕር ኣይትበል። ፓይነር ኴንካ ኣብ እተገልግለሉ እዋን ነዘን ቈልዑ ኽኣልየን እኽእል ኢየ። ብዙሕ ገንዘብ እውን ኣየድልየናን ኢዩ።” ሓዳር ካብ እንምስርት ድሮ 12 ዓመታት ሓሊፉ ስለ ዝነበረ: ማርዮን ቈጣቢትን ጥንቅቕትን ሰበይቲ ምዃና እፈልጥ ነይረ ኢየ። ንሓያሎ ዓመታት እምንቲ መገላግልተይ ኰይናትኒ ኢያ: ን60 ዓመት ዝኸውን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክንጽመድ ዝኸኣልና ድማ ብሒደት ስለ እትዓግብን ከም ዝተኣኻኸል ስለ እትገብርን ኢዩ።

ንነዊሕ ኣዋርሕ ብጸሎት መደብ ምስ ኣውጻእና: ክሳዕ ክረምቲ 1941 ኣብ ዝነበረ እዋን ኣነን ማርዮንን እተወሰነ ገንዘብ ኣዋህለልና እሞ መንበሪ እትዀነና 5.5 ሜትሮ ዝምንዋሓ ተጐታቲት ገዛእና። ኣብ ሓምለ 1941 ስርሐይ ኣቋሪጸ ስርዓታዊ ፓይነር ኰንኩ: ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዘ ድማ ካብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣየቋረጽኩን። ፈለማ እተዋህበኒ ምድብ ኣብቲ ካብ ኒው ጀርሲ ናብ ሰይንት ሎይስ: ሚዙሪ ኣብ ዝወስድ መገዲ ዘሎ ዓሰርተ መዕርፎ ቦታታት ኢዩ ነይሩ: ኣብ መጀመርታ ነሓሰ ድማ ኣብ ሰይንት ሎይስ ዓቢ ኣኼባ ኽንገብር ነበረና። ኣስማትን ኣድራሻን ናይቶም ኣብቲ መገዲ ዝርከቡ ኣሕዋት ምስ ተላእኸለይ መዓስ ከም ዝመጾም ኣቐዲመ ደብዳበ ጸሓፍኩሎም። ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ምስ በጻሕና ናብ ናይ ፓይነራት ደስክ ከይደ ሓድሽ ምድበይ ክቕበል ነበረኒ።

“ኢድ የሆዋ ኽርእያ ኢየ”

ነታ ንእሽቶ ተጐታቲትና ጽሑፋት ጽዒንና ነቶም ኣብ ካድመን ዝነበሩ ኣሕዋት ክንሰናበቶም ናብ ኣኼባ ኸድና። ክልተ ኽንኣልየን ዘሎና ቘልዑ ሒዝና: ድሕሪ እቲ ዓቢ ኣኼባ እውን ናበይ ከም እንምደብ ከይፈለጥና ብምብጋስና: ገሊኣቶም ኣሕዋት ንመደባትና ህሉው ነገራት ኣብ ግምት ዘየእተወ ገይሮም ወሰድዎ: ገለ ኻብኣቶም ድማ “ነዊሕ ከይጸናሕካ ክትምለስ ኢኻ” በሉኒ። ኣነ ድማ “ኣይምለስን ኢየ ኣይብለኩምን ኢየ። ይኹን እምበር: የሆዋ ከም ዝኣልየኒ ቃል ኣትዩ ኢዩ: ሕጂ ኢድ የሆዋ ኽርእያ ኢየ” ኢለ ክምልሰሎም ትዝ ይብለኒ።

ን60 ዓመታት ዝኸውን ካብ ማሳቹሰትስ ክሳብ ሚሲሲፒ ኣብ ዝርከብ 20 ንኣሽቱ ከተማታት ፓይነር ኴንና ድሕሪ ምግልጋልና: የሆዋ መብጽዕኡ ሓልዩ ኢዩ ኢልና ኣፍና መሊእና ኽንዛረብ ንኽእል ኢና። ንዓይ: ንማርዮን: ከምኡውን ንኽልተ ደቅና ዘፍሰሰልና በረኸት ካብቲ ብ1941 ተስፋ ገይረሉ ዝነበርኩ ንላዕሊ ኢዩ። ክልተ ደቅና ኣብ ጥቓና ኣብ ዝርከባ ጉባኤታት እሙናት ፓይነራት ኰይነን የገልግላ ምህላወን ከምኡውን ኣብ ብምሉኡ ምብራቓዊ ገማግም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፋሕ ኢሎም ዝርከቡ (ብድምር) ሚእቲ ኣቢሎም ዝዀኑ መንፈሳውያን ውሉዳት ምፍራይና ገለ ኻብቲ ዝረኸብናዮ በረኸታት ኢዩ። ኣነ ጽንዓት ገይረሎም ህይወቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ዝወፈዩ ሰባት 52 ክዀኑ ኸለዉ ናይ ማርዮን ከኣ 48 ኢዮም።

ኣብ ነሓሰ 1941 ናብ ሰይንት ሎይስ ከድና: ኣብኡ ኸኣ ኣብ ቤትኤል የገልግል ምስ ዝነበረ ቲ. ጀይ. ሱሊቫን ተራኸብኩ። ንሱ ድማ ሃይማኖታዊ መዝነት ከም እተዋህበኒ ዝገልጽ ደብዳበ ሒዙለይ መጸ: እዛ ደብዳበ እዚኣ ኣብቲ እዋን እቲ ውግእ ኣንጸላልዩ ስለ ዝነበረን ንክኽተብ ጻውዒት ምግባሮም ስለ ዘይተርፍን ተድልየኒ ነበረት። በዓልቲ ቤተይ እውን ማዕረይ ግዜኣ ኣብ ኣገልግሎት ከም እተሕልፍን ፓይነር ኰይና ኸተገልግል ከም እትደልን ንሓው ሱሊቫን ነገርክዎ። እቲ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ናይ ፓይነራት ደስክ ገና ስርሑ ዘይጀመረ እኳ እንተ ነበረ: ብኡንብኡ ንማርዮን ፓይነር ንኽትከውን መዝገባ እሞ “ድሕሪ እዚ ዓቢ ኣኼባ ኣበይ ኢኹም ከተገልግሉ፧” ኢሉ ሓተተና። መልሲ ኣይነበረናን። ቀጺሉ ኸምዚ በለና:- “ድሓን ኣይትጨነቑ: ኣብዚ ዓቢ ኣኼባ ፓይነራት ዘድልዩሉ ቦታ ዝሕብረኩም ሰብ ስለ እትረኽቡ እተገልግልሉ ዞባ ኣይክትስእኑን ኢኹም። ኣድራሻኹም ብደብዳበ ጥራይ ስደዱልና እምበር ኣብ ሓደ ቦታ ኽንምድበኩም ኢና።” ከምቲ ዝበለና ድማ ዀነ። ኣቐድም ኣቢሉ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይኑ ዘገልግል ዝነበረ ሓው ጃክ ደዊት ኣብ ኒው ማርኬት: ቨርጂንያ: መንበሪ ፓይነራት ዘለዎም ተወሰኽቲ ፓይነራት ዝደልዩ ኣሕዋት ይፈልጥ ነበረ። ስለዚ ድሕሪ እቲ ዓቢ ኣኼባ ናብ ኒው ማርኬት ገዓዝና።

ኣብ ኒው ማርኬት ዘይተጸበናዮ ነገር ረኸብና። በንጃሚን ራንሰም ፓይነር ኰይኑ ምሳና ኸገልግል ካብ ፊላደልፍያ መጸ! እወ ምስ ኣኮይ በን ተራኸብና። ኣብ ቦስተን ዘርኢ ሓቂ ኣብ ልበይ ካብ ዝዘርኣለይ ልዕሊ 25 ዓመታት ጸኒሐ ምስኡ ኻብ ቤት ናብ ቤት ከገልግልስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ባህ ዝበለኒ! ኣኮይ በን ንነዊሕ ዓመታት ካብ ስድራ​ቤቱ ዘይምግዳስ: ላግጺ: ከምኡውን ስደት እኳ እንተ ኣጋጠሞ: ንየሆዋን ኣገልግሎቱን ዘለዎ ፍቕሪ ግን ኣየጥፍአን።

ኣብታ ኣብ ኒው ማርኬት ዝነበረት መንበሪ ፓይነራት ንሸሞንተ ወርሒ ተሓጒስና ጸናሕና። ኣብቲ ግዜ እቲ ጽሑፋት ብደርሁን እንቋቝሖን ብኸመይ ከም ዝቕየር ተማሂርና ኢና። ድሕርዚ ኣነ: ኣኮይ በን: ማርዮን: ከምኡውን ሰለስተ ካልኦት ሰባት ኣብ ሃኖቨር: ፐንሲልቫንያ: ፍሉያት ፓይነራት ኰይና ኸነገልግል ተመደብና፣ እዚ ድማ ኻብቲ ካብ 1942 ክሳዕ 1945 ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ፐንሲልቫንያ እተዋህበና ሽዱሽተ ምድብ እቲ ቐዳማይ ኢዩ ነይሩ።

ኣብ ግዜ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ፍሉያት ፓይነራት ኴንና ኣገልገልና

ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብሰንኪ ገለልትነትና ምጽራር የጋጥመና ነበረ: የሆዋ ግን ሓገዙ ኻብ ምሃብ ኣየቋረጸን። ሓደ ግዜ ኣብ ፕሮቪንስታውን: ማሳቹሰትስ: እታ ዝኣረገት ማኪናና ተበላሸወትኒ: ንገለ ኪሎ ሜትራት ድማ ተጻረርቲ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ዝርከብዎ ገዛውቲ ሓሊፈ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኽገብር ነበረኒ። ብእግረይ እናኸድኩ ከለኹ ገለ ዓዋሉ ኣለለዩኒ እሞ ዓውዓው ክብሉ ጀመሩ። ደናጕላ ብርእሰይ እናሓለፈ ቕልጥፍ ቅልጥፍ እናበልኩ ኻብኦም ርሓቕኩ: ከይስዕቡኒ ድማ ፈሪሀ ነበርኩ። ገለ ጕድኣት ከይበጽሓኒ ናብ ቤት እቲ ተገዳስነት ዝነበሮ ሰብኣይ በጻሕኩ። እቲ ኣባል ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ኣመሪካ ዝነበረ ሕፉር ሰብኣይ ግን “ናብ ሲነማ ንኽንከይድ መደብ ገይረ ምንባረይ ረሲዐዮ ነይረ: ስለዚ ሎሚ ኸዘራርበካ ኣይክእልን ኢየ” ብምባል ይቕረታ ሓተተኒ። ክምለስ ከለኹ እቶም ደናጕላ ዝደርበዩለይ ዓዋሉ ከም ዝረኽቡኒ ትዝ ስለ ዝበለኒ ልበይ ብፍርሂ መኸኸ። ይኹን እምበር: እቲ ሰብኣይ ቀጺሉ “ንምንታይ ክሳዕ ኣብቲ ሓቢርና ዘይንኸይድ፧ እናተዛራረብና ኽንከይድ ንኽእል ኢና” ምስ በለኒ ተሓጐስኩ። ስለዚ ምስክርነት እናሃብኩ ነታ ሓደገኛ ቦታ ብሰላም ሓለፍክዋ።

ንስድራ​ቤትን ኣገልግሎትን ብሚዛናዊ መገዲ ምሓዝ

ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ቨርጂንያ ኣብ ዝርከብ እተፈላለየ ቦታታት ተመደብና: ሓደ ኻብዚ እቲ ኣብ ቻርሎተስቪል ንሸሞንተ ዓመታት ስርዓታውያን ፓይነራትን ፍሉያት ፓይነራትን ኴንና ዘገልገልናዮ ኢዩ። ክሳዕ 1956 ኣብ ዘሎ እዋን ክልቲአን ደቅና ዓብየን ሓዳረን ወጺአን ነበራ፣ ኣነን ማርዮንን ድማ ኣብ ሃሪሰንበርግ: ቨርጅንያ: ፓይነራት ብምዃን: ኣብ ሊንከልተን: ሰሜን ካሮሊና: ድማ ፍሉያት ፓይነራት ብምዃን እንደገና ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ኽንግዕዝ ጀመርና።

ብ1966 ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይነ ኸገልግል ስለ እተመዘዝኩ: ከምቲ ኣብ 30ታት ኣብ ኒው ጀርሲ ከለኹ ሓው ዊንቸስተር ዘተባብዓኒ ዝነበረ: ካብ ጉባኤ ናብ ጉባኤ እናኸድኩ ንኣሕዋት ከተባብዕ ጀመርኩ። ንኽልተ ዓመታት ኣብተን ኣብ ተነሲ ዝርከባ ጉባኤታት ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይነ ኣገልገልኩ። ድሕርዚ ኣነን ማርዮንን እንደገና እቲ ኣዚና እንፈትዎ ፍሉይ ፓይነር ኴንካ ናይ ምግልጋል ዕዮ ተዋህበና። ካብ 1968 ክሳዕ 1977 ኣብ ደቡባዊ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ኻብ ጆርጅያ ኽሳብ ሚሲሲፒ ኣብ ዝርከብ ቦታታት ፍሉያት ፓይነራት ኴንና ኣገልጊልና ኢና።

ኣብ ኢስትማን: ጆርጅያ: ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይኑ ኣገልጊሉ ዝነበረ ግን ከኣ ጥዕና ዘይነበሮ ፍቑር ሓው ፖወል ኪርክላንድ ተኪአ ናይ ጉባኤ ተዓዛቢ (ሕጂ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ዝበሃል) ኰይነ ኣገልጊለ ኢየ። እዚ ሓው እዚ መማሰውን ተሓባባርን ኢዩ ነይሩ። ኣብታ ጉባኤ ሓድሓደ ምስሕሓብ ስለ ዝነበረ: ሓላፍነት ዘለዎም ገለ ሰባት እውን እዚ ሽግር ስለ ዝነበሮም ሓገዙ የድልየኒ ነበረ። እቲ ጕዳይ ስለ እተወዓውዐ ናብ የሆዋ ብተደጋጋሚ ጸለኹ። ከም ምሳሌ 3:⁠5, 6 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ናብ ኣእምሮይ ይመጸኒ ነበረ: እታ ጥቕሲ ከምዚ ትብል:- “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።” ብዛዕባ እቲ ሽግር ብንጹር ብምዝርራብ ሓድነት ናይታ ጉባኤ ኸነደልድል ከኣልና: እዚ ድማ ንዅሉ ጠቒሙ ኢዩ።

ብ1977 እርጋን ዘምጽኦ ሳዕቤን ክስምዓና ጀመረ: ናብቲ ኽልቲአን ደቅና መምስ ሓዳረን ዝነብራሉ ዝነበራ ኸባቢ ቻርሎተስቪል ድማ ተቐየርና። ኣብ ዝሓለፈ 23 ዓመታት ኣብዚ ኸባቢ እዚ ምግልጋልና: ጉባኤ ረከርስቪል: ቨርጂንያ: ክትምስረት ከላ ምሕጋዝና: ከምኡውን ደቅን ደቂ ደቅን ናይቶም ቀደም ጽንዓታትና ዝነበሩ ሰባት ዓብዮም ሽማግለታት ጉባኤ: ፓይነራት: ቤትኤላውያን ክዀኑ ኸለዉ ምርኣይና ሓጐስ ኣምጺኡልና ኢዩ። ኣነን ማርዮንን ክሳዕ ሕጂ ጽቡቕ መደብ ኣገልግሎት ኣሎና፣ ኣነውን ኣብታ ኣብ ቻርሎተስቪል እትርከብ ጉባኤ ኢስት: ትምህርቲ መጽሓፍ ብምምራሕን ህዝባዊ ዝርርብ ብምሃብን ሽማግለ ዀይነ ናይ ምግልጋል መሰል ረኺበ ኣለኹ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ከም ካልእ ሰብ ጸገማት ኣጋጢሙና ኢዩ። ንኣብነት: ዶሪስ ብዙሕ እኳ ንጽዕረላ እንተ ነበርና: ጐርዞ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ንእተወሰነ እዋን ብመንፈሳዊ ደኺማ ንሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ ሰብ ተመርዓወት። ንየሆዋ ዘለዋ ፍቕሪ ግን ምሉእ ብምሉእ ኣየጥፍአትን: ቢል ወዳ ድማ ን15 ዓመታት ኣብ ዎልኪል: ኒው ዮርክ: ቤትኤላዊ ዀይኑ የገልግል ኣሎ። ሕጂ ዶሪስን ሎይስን መበለታት ኢየን: እንተ​ዀነ ግን ፓይነራት ብምዃን ተሓጒሰን የገልግላ ኣለዋ።

ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝረኸብክዎ ትምህርቲ

ንየሆዋ ኣብ እትገብሮ ኣገልግሎት ዕዉት ንምዃን ገለ ቀለልቲ ስርዓታት ምሕላው ኣድላዪ ምዃኑ ተማሂረ ኢየ። ገለ ኻብዚ እንሆ:- ንናብራኻ ቀሊል ግበሮ። ኣብ ኵሉ ተግባርካ: ዋላ እውን ኣብ ናይ ብሕቲ ህይወትካ ኣብነታዊ ኹን። እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዝህቦ መምርሒ ምሉእ ብምሉእ ሰዓብ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠45

ማርዮን እውን ቈልዑ እናዕበኻ ዕዉት ፓይነር ንምዃን ዝሕግዝ ሓጺር ግን ከኣ ውጽኢታዊ ነጥብታት ኣለዋ:- ክትፍጽሞ እትኽእል መደብ ግበር። ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ናይ ሓቂ ሞያኻ ግበሮ። እተመጣጠነ መግቢ ተመገብ። ብግቡእ ኣዕርፍ። ኣብ መዘናግዒ ኻብ መጠን ንላዕሊ ግዜኻ ኣይተጥፍእ። ንሓቂ ከምኡውን ንዅሉ መዳያት ኣገልግሎት ደቅኻ ከም ዝፈትዉዎ ግበር። ኣገልግሎት ወትሩ ኸም ዘሐጕሶም ግበር።

ሕጂ ኣብ ዕድመ 90ታት ኢና ዘሎና። ኣብ ቀጽሪ እንዳ ስታክሃውዝ ናይ ጥምቀት ዝርርብ ካብ እንሰምዕ 62 ዓመታት ሓሊፉ ኢዩ: 60 ዓመት ድማ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣሕሊፍና ኢና። ኣነን ማርዮንን ብናብራ ህይወትና ምሉእ ብምሉእ ዕጉባት ኢና። ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ንኽህብን ብቐጻሊ ነዚ ንኽዓየሉን መንእሰይ ኣቦ ኸለኹ እተዋህበኒ መተባብዒ ኣዝየ ኢየ ዘማስወሉ፣ ነታ ፍቕርቲ በዓልቲ ቤተይ ማርዮንን ንደቀይን ስለቲ ንብዙሕ ዓመታት ዝገበራለይ ደገፍ አማስወን ኢየ። ብዙሕ ስጋዊ ጥሪት እኳ እንተ ዘይብልና: ከምቲ ኣብ መክብብ 2:⁠25 “ካባይ ኣብሊጹ ዝበልዔን ባህ ዝበሎን መን እዩ፧” ዝብል ኢዩ ዝስምዓኒ።

ብሓቂ የሆዋ ነቲ ኣብ ሚልክያስ 3:⁠10 ዝኣተወልና መብጽዓ ኣኺሉ ኽሳዕ ዝተርፍ ፈጺምዎ ኢዩ። ብርግጽ ‘በረኸት ብዘይ​ ልክዕ ኣፍሲስልና ኢዩ’!

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ተዘክሮታት እዋን እቲ ውግእ

እቲ ውግእ ካብ ዝውዳእ 60 ዓመታት ዝኸውን እኳ እንተ ሓለፈ: ኵሎም ኣባላት እታ ስድራ​ቤት ብዛዕባ እቲ ዓመታት እቲ ንጹር ተዘክሮታት ኣለዎም።

ዶሪስ ከምዚ ብምባል ተዘክሮኣ ትገልጽ:- “ፐንሲልቫንያ ቘራሪ ዝዀነሉ እዋን ኣሎ። ሓደ እዋን ትሕቲ ዜሮ 35 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ በጺሑ ነበረ።” ሎይስ ድማ ቐጺላ “ኣነን ዶሪስን ኣብ ድሕሪት ናይ ማኪናና ዄንና: ኣእጋርና ምእንቲ ኸይቘርር ሓንቲ ኣብ ናይታ ሓንቲ እግሪ ኾፍ ንብል ነበርና” በለት።

ዶሪስ ከኣ ወሲኻ ኸምዚ በለት:- “ድኻታት ወይ ጭቍናት ኴንና ተሰሚዑና ኣይፈልጥን። ካብ ካልኦት ሰባት ንላዕሊ ብተደጋጋሚ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ንግዕዝ ምንባርና ንፈልጥ ነይርና: እንተ​ዀነ ግን እኹል ዝብላዕ ነበረና፣ ኣብ ኦሃዮ ዝነብሩ ኻባና ብቝሩብ ዝዓብያ ደቂ ዘለዋኦም ፈተውትና ዝሃቡና ጽቡቕ ክዳውንቲ እውን ነበረና።”

ሎይስ ድማ ኸምዚ በለት:- “ኣደይን ኣቦይን ወትሩ ፍቕሮም የርእዩናን ተደለይቲ ምዃንና ይገልጹልናን ነበሩ: ኣብ ኣገልግሎት ድማ ብዙሕ ግዜ ምሳታቶም ነሕልፍ ነበርና። እዚ ኸኣ ፍሉይ ስምዒት ፈጠረልና: ብዝያዳ እውን ክንቀርቦም ከኣልና።”

ፖል እውን ከምዚ ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ:- “ናይ 1936 ሞዴል ቡዩክ ስፔሻል እትበሃል ማኪና ነበረትኒ: ናይዘን ማካይን ጎማ ዝሕዝ ዘንጊ ወትሩ ኢዩ ዝስበር ነይሩ። እቲ ሞተር ነታ ማኪና ይሕይላ ነይሩ መስለኒ። መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ኣብታ ቘራሪት ምሸት ኢዩ እዚ ዘጋጥም: ድሕሪኡ ናብቲ ዝኣረጋ ማካይን ዝጓሓፋሉ ቦታ ኸይደ ኻልእ ዘንጊ አናዲ። በዚ ኸምዚ ዘንጊ ናይ ምቕያር ክእለት ድማ ኣጥረኹ።”

ማርዮን ከኣ ከምዚ ትብል:- “ብዛዕባ እቲ ኩፖንከ ይዝከረኩምዶ፧ ኵሉ ነገር ማለት ከም ስጋ: ነዳዲ: ናይ ማኪና ጎማ: ብኹፖን ኢዩ ዝወሃብ ነይሩ። ናብ ሓድሽ ቦታ ምስ ተመደብና ናብቶም ናይቲ ዓዲ ሰበ⁠-​ስልጣን ኬድና ኩፖን ክወሃበና ንሓትት ነበርና። ሓንቲ ኩፖን ንኽትረክብ ኣዋርሕ ይወስድ ነበረ: ኩፖን ምስ ተዋህበና ድማ ነዊሕ ከይጸናሕና ናብ ካልእ ቦታ ንምደብ: ስለዚ እንደገና ኸም ብሓድሽ ነቲ መስርሕ ንጅምሮ። የሆዋ ግን ወትሩ ይከናኸነና ነበረ።”

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ብ1918 ወዲ 11 ዓመት ከለኹ ምስ ኣደይ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ብ1948 ደቅና ኣብ እተጠመቓሉ እዋን ምስ ሎይስን ማርዮንን ዶሪስን

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ጥቅምቲ 1928 እተሰኣልናዮ ናይ መርዓና ስእሊ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ብ1955 ኣነን ደቀይን (ጸጋማይ ጫፍን የማናይ ጫፍን ) ኣብ ስታድዩም ያንኪ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ዓመት 2000 ኣነ: ማርዮን: ዶሪስ (ጸጋም ): ከምኡውን ሎይስ