ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብቲ ብምሃብ ዝርከብ ሓጐስ ተኻፈል!

ኣብቲ ብምሃብ ዝርከብ ሓጐስ ተኻፈል!

ኣብቲ ብምሃብ ዝርከብ ሓጐስ ተኻፈል!

“ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ [“የሐጕስ። ” NW ]”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠35

1. የሆዋ ብምሃብ ሓጐስ ከም ዝርከብ ብኸመይ ኣርኣየ፧

 ሓቂ ኻብ ምፍላጥ ዝርከብ ሓጐስን ረብሓታትን ኣምላኽ ዝሃበና ኽቡር ህያብ ኢዩ። እቶም ንየሆዋ ዝፈልጥዎ ንኽሕጐሱ ብዙሕ ምኽንያታት ኣለዎም። እንተ​ዀነ ግን: ከምቲ ውህበት ብምቕባል ሓጐስ ዝርከብ: ብምሃብ እውን ሓጐስ ይርከብ ኢዩ። የሆዋ ወሃብ “ጽቡቕ ውህ​በትን ምሉእ ውህበትን” ከምኡውን “ሕጉስ ኣምላኽ” ኢዩ። (ያእቆብ 1:​17፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:​11 NW  ) ልክዕ ከምቲ ውሉዳቶም ነቲ ፍቕራዊ መምርሒታቶም ክቕበልዎ ኸለዉ ወለዲ ዝሕጐሱ: የሆዋ እውን ንዅሎም እቶም ዝሰምዕዎ ጠቓሚ ትምህርቲ ይምህሮም ክእዘዝዎ ኸለዉ ኸኣ ባህ ይብሎ ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 27:⁠11

2. (ሀ) የሱስ ብዛዕባ ምሃብ እንታይ ኢዩ ዝበለ፧ (ለ) ንኻልኦት ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምስ እንምህሮም ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኢና እንረክብ፧

2 ብተመሳሳሊ የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሰባት ንትምህርትታቱ ኽቕበልዎ ኽርኢ ኸሎ ይሕጐስ ነበረ። ሃዋርያ ጳውሎስ: የሱስ ባዕሉ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ [“የሐጕስ:” NW ]” ከም ዝበለ ጠቒሱ ኣሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠35) እቲ ንኻልኦት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኽንምህሮም ከሎና እንረኽቦ ሓጐስ: ካብቲ ገሊኣቶም ሰባት ምስ ሃይማኖታዊ እምነትካ ዝሰማምዑ ብምዃኖም ጥራይ እትረኽቦ ሓጐስ እተፈልየ ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ ናይ ሓቅን ነባርን ዋጋ ዘለዎ ነገር ከም ዝሃብናዮም ብምፍላጥና ኢዩ ሓጐስ ዝስምዓና። ንኻልኦት መንፈሳዊ ጥቕሚ ዘለዎ ነገር ብምሃብ ንሕጅን ንዘለኣለምን ዝጠቕሞም ነገር ንኽረኽቡ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 4:⁠8

ምሃብ ሓጐስ የምጽእ

3. (ሀ) ሃዋርያ ጳውሎስን ዮሃንስን ንኻልኦት ብመንፈሳዊ ኻብ ምሕጋዝ ዝረኸብዎ ሓጐስ ብኸመይ ገለጽዎ፧ (ለ) ንደቅና ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምስ እንሰርጸሎም መግለጺ ፍቕርና ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

3 እወ: ከምቲ የሆዋን የሱስን መንፈሳዊ ውህበታት ብምሃቦም ዝሕጐሱ: ክርስትያናት እውን ከምኡ ኢዮም ዝገብሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ሓቂ ንኻልኦት ብምምሃሩ ተሓጒሱ ኢዩ። ነታ ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበረት ጉባኤ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈላ:- “ክብርናን ሓጐስናን ንስኻትኩም ኢኹም እሞ: ኣብ ቅድሚ ጐይታና የሱስ ብምጽኣቱኸ ተስፋና: ወይ ሓጐስና: ወይስ ኣኽሊል ትምክሕትና መን እዩ፧ ንስኻትኩም ደይኰንኩምን፧” (1 ተሰሎንቄ 2:⁠19, 20) ብተመሳሳሊውን ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ መንፈሳውያን ደቁ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣነ እቶም ደቀይ ብሓቂ ኸም ዚመላለሱ ኻብ ምስማዕ ዚዐቢ ሓጐስ የብለይን።” (3 ዮሃንስ 4) ውሉዳትና መንፈሳውያን ደቅና ንኽዀኑ ብምሕጋዝ እንረኽቦ ሓጐስ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ንውሉዳት “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን” ምዕባይ: ወለዲ ዘርእይዎ መግለጺ ፍቕሪ ኢዩ። (ኤፌሶን 6:⁠4) በዚ ኸምዚ ወለዲ ብዛዕባ ናይ ደቆም ዘለኣለማዊ ድሕንነት ከም ዝሓልዩ የርእዩ። ወሉዳት ነቲ ምዕዶ ኽቕበልዎ ኸለዉ: ወለዲ ብዙሕ ሓጐስን ዕግበትን ኢዮም ዝረኽቡ።

4. እንታይ ተመክሮ ኢዩ ብመንፈሳዊ ጠቓሚ ነገር ምሃብ ዘምጽኦ ሓጐስ ዘርኢ፧

4 ሓንቲ ደል እትበሃል ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እተጸምደት ፓይነርን ኣደ ሓሙሽተ ቘልዑን ከምዚ በለት:- “ኣርባዕተ ደቀይ ‘ኣብ ሓቂ ይመላለሱ’ ስለ ዘለዉ: እቲ ሃዋርያ ዮሃንስ እተዛረቦ ቓላት ኣጸቢቑ ኽርድኣኒ ይኽእል ኢዩ። ስድራ​ቤታት ኣብ ሓቀኛ ኣምልኾ ምስ ዝሓብራ ንየሆዋ ኽብርን ሞገስን ከም ዘምጽኣሉ እፈልጥ ኢየ: ስለዚ ንደቀይ ሓቂ ንኽሰርጸሎም ኣብ ዝገበርክዎ ጻዕሪ በረኸት የሆዋ ኽርኢ ኸለኹ ዓሚቝ ዕግበት ኢዩ ዝስምዓኒ። እቲ ምስ ስድራ​ቤተይ ዝረኽቦ ዘደንቕ ዘለኣለማዊ ህይወት: ንልበይ ብተስፋ ይመልኦ ከምኡውን ጸገማትን ዕንቅፋታትን እኳ እንተ ኣጋጠመኒ ንኽጽመም ይድርኸኒ።” እቲ ዘሕዝን ግን: ሓንቲ ኻብተን ደቃ ዘይክርስትያናዊ ኣካይዳ ብምስዓባ ኻብ ጉባኤ ተወገደት። ገና ግን ደል ዝነበራ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኸይጠፍእ ትጽዕር ኣላ። ከምዚ ድማ በለት:- “ተስፋ እገብር: ጓለይ ብትሕትናን ብቕንዕናን ናብ የሆዋ ትምለስ ትኸውን። እንተ​ዀነ ግን ዝበዝሑ ደቀይ ንየሆዋ ብተኣማንነት የገልግልዎ ስለ ዘለዉ ንኣምላኽ አመስግኖ ኢየ። እቲ ዝረኸብክዎ ሓጐስ ምንጪ ናይ ሓቂ ብርታዐ ዀይኑለይ ኣሎ።”​—⁠ነህምያ 8:⁠10

ዘለኣለማውያን ኣዕሩኽ ምጥራይ

5. ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ ኽንካፈል ከሎና: እንታይ ምፍላጥና ኢዩ ዕግበት ዘምጽኣልና፧

5 የሱስ ንሰዓብቱ ክርስትያን ደቀ መዛሙርቲ ኽገብሩ: ብዛዕባ የሆዋን ብቕዓታቱን ከኣ ክምህርዎም ኣዚዝዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 28:⁠19, 20) የሆዋን የሱስን: ሰባት መገዲ ሓቂ ንኽፈልጡ ብልግሲ ምሂሮምዎም ኢዮም። ስለዚ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ ኽንካፈል ከሎና: ከምቲ ቐዳሞት ክርስትያናት ዝገብርዎ ኣብነት የሆዋን የሱስን ንስዕብ ከም ዘሎና ምፍላጥና ዕግበት የምጽኣልና ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 11:⁠1) ስለዚ ምስቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽን ምስቲ ፍቑር ወዱን ሓቢርና ብምዕያይና ህይወትና ናይ ሓቂ ትርጕም ይህልዋ። ሓደ ኻብቶም “መዓይይቲ” ኣምላኽ ክትቍጸርስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ ዘምጽእ! (1 ቈረንቶስ 3:⁠9) መላእኽቲ እውን ኣብዚ ብስራት ናይ ምስባኽ ዕዮ ኸም ዝካፈሉ ምፍላጥናስ ኣየሐጕሰናንዶ ኢዩ፧​—⁠ራእይ 14:⁠6, 7

6. ንኻልኦት ብመንፈሳዊ ዝጠቕሞም ነገር ብምሃብና ኣዕሩኽ መን ኢና እንኸውን፧

6 እኳ ድኣስ ንኻልኦት ብመንፈሳዊ ዝጠቕሞም ነገር ክንህብ ከሎና: ንኣምላኽ መዓይይቱ ንኸውን ጥራይ ዘይኰነስ: ካብዚ ሓሊፍና እውን ምስኡ ዘለኣለማዊ ዕርክነት ከነጥሪ ንኽእል ኢና። ኣብርሃም ሳላ እምነቱ ዓርኪ የሆዋ ተባሂሉ ኢዩ። (ያእቆብ 2:⁠23) ንሕና እውን ፍቓድ ኣምላኽ ክንገብር ምስ እንጽዕር ኣዕሩኽቱ ኽንከውን ንኽእል ኢና። ከምዚ እንተ​ድኣ ገይርና ኣዕሩኽ የሱስ እውን ክንከውን ኢና። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “እቲ ኻብ አቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም እየ ኣዕሩኸይ ዝበልኩኹም” በሎም። (ዮሃንስ 15:⁠15) ብዙሓት ሰባት ምስ ሓያል ጽልዋ ዘለዎም ሰባት ወይ ላዕለዎት ሰበ⁠-​ስልጣን ዕርክነት ብምግባሮም ይሕጐሱ ኢዮም: ንሕና ግን ኣዕሩኽ እቶም ካብ ምሉእ ኣድማስ ዝለዓለ ቦታ ዘለዎም ክልተ ኣካላት ናይ ምዃን መሰል ኣሎና!

7. (ሀ) ሓንቲ ሰበይቲ ናይ ሓቂ መሓዛ ዘጥረየት ብኸመይ ኢያ፧ (ለ) ከምኡ ዝኣመሰለ ተመክሮ ኣሎካዶ፧

7 ሰባት ንኣምላኽ ክፈልጡ ምስ እንሕግዞም: ፈተውትና ይዀኑ ኢዮም፣ እዚ ድማ ፍሉይ ሓጐስ የምጽኣልና። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትነብር ጁዋን ንሓንቲ ተልማ እትበሃል ሰበይቲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብረላ ጀመረት። ተልማ ኸተጽንዕ ከላ ኻብ ስድራኣ ተቓውሞ እኳ እንተ ኣጋጠማ: ጸኒዓ ቐጸለት ዓመት ጸኒሓ ድማ ተጠምቀት። ድሕርዚ ብዛዕባ ዝዀነ ነገር ጁዋን ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “ኣብቲ ግዜ እቲ ምሕዝነትና ኣየቋረጸን፣ ኣብ ክንድኡስ ክሳዕ ሕጂ ን35 ዓመታት እናደልደለ ኢዩ ኸይዱ። ብተደጋጋሚ ናብ ኣገልግሎትን ዓበይቲ ኣኼባታትን ብሓባር ንኸይድ ነበርና። ድሕሪ ግዜ ናብቲ 800 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዝርከብ ሓድሽ ገዛይ ገዓዝኩ። ተልማ ግን ካብ ኵሉ ንላዕሊ ባህ ዘብልን ዘነቓቕሕን ደብዳበታት ካብ ምስዳድ ኣየቋረጸትን፣ ኣብቲ ደብዳበታታ ድማ ከም እትፈትወኒ ትገልጸለይ: መሓዝኣ ስለ ዝዀንኩን ኣብነት ስለ ዝዀንክዋን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ስለ ዝመሃርክዋን ከኣ ተመስግነኒ ኢያ። ከምዚኣ ዝኣመሰለት ፈቃር ናይ ቀረባ መሓዛ ምርካብ ዘደንቕ ዓስቢ ናይቲ ብዛዕባ የሆዋ ንኽትፈልጥ ዝገበርኩላ ጻዕሪ ኢዩ።”

8. እንታይ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ምስ እንሕዝ ኢዩ ኣብ ኣገልግሎት ዝጠቕመና፧

8 ብዙሓት ሰባት ኣብ ቃል የሆዋ ብዙሕ ተገዳስነት ዘይብሎም ወይ ፈጺሞም ዘይግደሱ እኳ እንተዀኑ: ሓቂ ኽማሃር ዝደሊ ውልቀ⁠-​ሰብ ንምርካብ ዘሎና ተስፋ ንኽንጽመም ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ተገዳስነት ዘይምህላው ንእምነትናን ትዕግስትናን ክፍትኖ ይኽእል ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ኣወንታዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ይድግፈና ኢዩ። ወዲ ጓቲማላ ዝዀነ ፋውስቶ ኸምዚ በለ:- “ንኻልኦት ክምስክረሎም ከለኹ እቲ ዝዛረቦ ዘሎኹ ሰብ መንፈሳዊ ሓው ወይ ሓብቲ ምስ ዝኸውን ክንደይ ሰናይ ምዃኑ እሓስብ። ካብቶም ዝረኽቦም ሰባት እንተወሓደ ሓደ ሰብ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ሓቂ ኽቕበል ኢዩ ኢለ እሓስብ። እዚ ኣረኣእያ እዚ ምስክርነተይ ንኸየቋርጽ ይሕግዘኒ: ናይ ሓቂ ሓጐስ እውን የምጽኣለይ።”

ኣብ ሰማይ መዝገብ ምግባር

9. የሱስ ብዛዕባ ኣብ ሰማይ መዝገብ ምግባር ዝመጸ እንታይ በለ: ካብዚኸ እንታይ ክንማሃር ንኽእል፧

9 ንውሉዳትና ዀነ ንኻልኦት ውልቀ⁠-​ሰባት ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ኵሉ ሳዕ ቀሊል ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ግዜ: ዓቕሊ: ከምኡውን ጽንዓት ክሓትት ይኽእል ኢዩ። ብዙሓት ሰባት ነቲ ሓጐስ ዘየምጽኣሎምን ነባሪ ዘይኰነን ስጋዊ ጥሪት ንምድላብ ኣበርቲዖም ከም ዝዓዩ ኣይትረስዕ። የሱስ ንሰማዕቱ መንፈሳዊ ነገራት ንምድላብ ምጽዓር ዝሓሸ ምዃኑ ነገሮም። ከምዚ ኸኣ በለ:- “ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ: ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ: ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ: ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር: ብልዒ ኣብ ዚበልዖ: ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ: ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ።” (ማቴዎስ 6:⁠19, 20) ነቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ኣገዳሲ ኣብ ዝዀነ ዕዮ ምክፋል ዘጠቓልል መንፈሳዊ ሸቶታት ምስዓብና: ፍቓድ ኣምላኽ ንገብር ከም ዘሎናን ንሱ ዓስብና ኸም ዝህበናን ብምፍላጥና ዕግበት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣምላኽ ነቲ . . . ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን” ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠እብራውያን 6:⁠10

10. (ሀ) የሱስ መንፈሳዊ መዝገብ ዝገበረ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሱስ ገዛእ ርእሱ ዝሃበ ብኸመይ ኢዩ: እዚኸ ንኻልኦት እንታይ ዓቢ ረብሓ ኣምጽኣሎም፧

10 ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ኣበርቲዕና እንተ ዓዪና: ምስቲ የሱስ ዝበሎ ብምስምማዕ ‘ኣብ ሰማይ መዝገብ’ ንገብር። እዚ ድማ እቲ ኻብ ምሃብ ዝርከብ ሓጐስ የምጽኣልና። ብልግሲ ምስ እንህብ: ገዛእ ርእስና ኢና እነሀብትም። የሱስ ማእለያ ንዘይብሉ ዓመታት ንየሆዋ ኣገልጊልዎ ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰማይ ኣኪብዎ ዘሎ መዝገብ እሞ ሕስብ ኣብል! እንተ​ዀነ ግን: የሱስ ጥቕሚ ርእሱ ኣይኰነን ዝደሊ ነይሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ‘የሱስ ከም ፍቓድ ኣቦና ኣምላኽ: ካብዛ ሕጂ ዘላ እክይቲ ዓለም ምእንቲ ኸድሕነና ኢሉ: ብሰሪ ሓጢኣትና ነፍሱ ሃበ’ ብምባል ጽሒፉ ኣሎ። (ገላትያ 1:⁠4) የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ጥራይ ኣይኰነን ውፉይ ነይሩ: የግዳስ ካልኦት ኣብ ሰማይ መዝገብ ንኽገብሩ ኣጋጣሚ ምእንቲ ክኸፍተሎም ኢሉ ህይወቱ እውን ከይተረፈ በጃ ኣሕሊፉ ኢዩ።

11. መንፈሳዊ ውህበት ካብ ስጋዊ ውህበት ዝበልጽ ስለምንታይ ኢዩ፧

11 ንሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ብምምሃር: ንሳቶም እውን ከመይ ገይሮም ዘይጠፍእ መንፈሳዊ መዝገብ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ንሕግዞም ኢና። ካብዚ ዝዓቢ እንታይ ክትህብ ትኽእል፧ ንሓደ ፈታዊኻ ክብርቲ ሰዓት: ማኪና: ወይ ክቡር ገዛ እንተ ሂብካዮ: እቲ ፈታዊኻ ከም ዘመስግነካን ከም ዝሕጐስን ፍሉጥ ኢዩ: ንስኻውን ብምሃብካ ሓጐስ ትረክብ ኢኻ። ድሕሪ 20 ዓመት ግን እቲ ውህበት እቲ እንታይ ዋጋ ኢዩ ዝህልዎ፧ ድሕሪ 200 ዓመትከ፧ ወይ ድሕሪ 2,000 ዓመትከ፧ በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ሓደ ሰብ ንየሆዋ ኸገልግል እንተ ሓጊዝካዮ: ንዘለኣለም ክጥቀም ይኽእል ኢዩ።

ነቶም ንሓቂ ዝደልዩ ምንዳይ

12. ብዙሓት ሰባት ንኻልኦት ብመንፈሳዊ ንምሕጋዝ ጻዕሪ ዝገበሩ ብኸመይ ኢዮም፧

12 ህዝቢ የሆዋ ብመንፈሳዊ ዝጠቅም ነገር ብምሃብ ሓጐስ ንኽረኽቡ ኢሎም ክሳዕ ወሰን ምድሪ ንምብጻሕ ጻዕሪ ገይሮም ኢዮም። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዓዶምን ስድርኦምን ገዲፎም ሚስዮናውያን ኰይኖም ናብ ካልኦት ሃገራት ብምኻድ ሓድሽ ቋንቋን ባህልን ተማሂሮም ኢዮም። ካልኦት ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ዝያዳ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ዝድለዩሉ ቦታ ግዒዞም ኢዮም። ገሊኦም ከኣ ኣብ ከባቢኦም ንዝርከቡ ስደተኛታት ምእንቲ ኽሰብኩሎም ዘይቋንቍኦም ተማሂሮም ኢዮም። ንኣብነት: ኣብ ኒው ጀርሲ: ሕ.መ.ኣ.: ዝነብሩ ሰብ ሓዳር: ሕጂ ኣብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘገልግሉ ዘለዉ ኽልተ ደቂ ድሕሪ ምዕባዮም: ፓይነራት ኰይኖም ከገልግሉ ጀመሩ: ቋንቋ ቻይና እውን ተማህሩ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝርከብ ኮለጅ ንዝማሃሩ 74 ቋንቋ ቻይና ዝዛረቡ ሰባት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ገበሩሎም። ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ ሓጐስ ምእንቲ ኽትረክብ ኣገልግሎትካ ኸተስፍሕ ትኽእልዶ፧

13. ኣገልግሎትካ ዝያዳ ፍረ ዘለዎ ንኽኸውን እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

13 ምናልባት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትረክብ ሃንቀው እናበልካ ኽነስኻ ኣይረኸብካን ትኸውን። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ምርካብ ቀሊል ኣይኰነን። ምናልባት እቶም እትረኽቦም ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዋላ ሓንቲ ተገዳስነት ኣየርእዩን ይዀኑ። ከምዚ እንተ ኣጋጢሙካ: የሆዋን የሱስ ክርስቶስን ነዚ ዕዮ እዚ ኣጸቢቖም ስለ ዝግደሱሉ ናብ ኣባጊዕ መሰል ሰባት ንኽመርሑኻ ድሌትካ ብተደጋጋሚ ብጸሎት ክትጠቕሶ ትኽእል ኢኻ። ካብቶም ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ዝያዳ ተመክሮ ዘለዎምን ኣብ ኣገልግሎቶም ዝያዳ ፍረ ዝረኽቡን ሰባት ምኽሪ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዝወሃብ ስልጠናን ሓሳባትን ተጠቐመሉ። ነቲ ገያሺ ተዓዛብን በዓልቲ ቤቱን ዝህቡኻ ምኽሪ እውን ተጠቐመሉ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ተስፋ ኣይትቝረጽ። እቲ ጥበበኛ ሰብኣይ “ኣየናዩ ኸም ዚበቍል: . . . ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ: ዘርእኻ ኣንጊህካ ዝራእ: ንምሸቱውን ኢድካ ኣይተብኵር” ኢሉ ጸሓፈ። (መክብብ 11:⁠6) ኣብ ኣገልግሎትካ ንኸም ብዓል ኖህን ኤርምያስን ዝኣመሰሉ እሙናት ሰባት ዘክሮም። ነቲ ዝሰብክዎ ዝነበሩ መልእኽቲ እተቐበልዎ ሰባት ኣዝዮም ሒደት እኳ እንተ ነበሩ: ኣገልግሎቶም ግን ዕዉት ኢዩ ነይሩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ የሆዋ ባህ ኢልዎ ኢዩ።

ዝከኣለካ ዅሉ ምግባር

14. የሆዋ ነቶም ኣብ ኣገልግሎቱ ዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ብኸመይ ኢዩ ዝርእዮም፧

14 ኵነታትካ ከምቲ እትደልዮ ኣብ ኣገልግሎት ክትካፈል ኣይፈቕደልካን ይኸውን። ንኣብነት: ብዕድመ እንተ ደፊእካ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እትገብሮ ንጥፈታት ይድርቶ ኢዩ። እቲ ጥበበኛ ሰብኣይ ዝጸሓፎ ግን ኣይትረስዕ:- “ሸያብ ጸጕሪ ናይ ክብረት ዘውዲ እዩ: እዚ ኸኣ ኣብ መገዲ ጽድቂ እዩ ዚርከብ።” (ምሳሌ 16:⁠31) የሆዋ ዕድሚኦም ምሉእ ኣብ ኣገልግሎቱ ዘሕለፉ ሰባት የሐጕስዎ ኢዮም። ብተወሳኺውን: ቅዱሳት ጽሑፋት ከምዚ ይብል ኢዩ:- “ክሳዕ እርግናኹም ኣነ [የሆዋ] እየ: ክሳዕ ትሽይቡ ድማ ክጾረኩም: ኣነ ገበርኩ ኣነውን ክድግፍ እየ: ክጸውርን ከድሕንን እየ።” (ኢሳይያስ 46:⁠4) እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ንእሙናቱ ከናብሮምን ክድግፎምን ምዃኑ ተመባጺዑ ኢዩ።

15. የሆዋ ንዅነታትካ ኸም ዝርድኦ ትኣምንዶ ኢኻ፧ ስለምንታይ፧

15 ምናልባት ሕማም: ካብ ዘይኣማኒ ናይ መርዓ ብጻይ ዘጋጥም ምጽራር: ከቢድ ናይ ስድራ​ቤት ሓላፍነት: ወይ ካልእ ጸገማት ትጻወር ትህሉ። የሆዋ ዓቕምናን ኵነታትናን ይፈልጦ ኢዩ: ስለቲ ንዕኡ ንምግልጋል እንገብሮ ልባዊ ጻዕሪ ድማ የፍቅረና ኢዩ። እቲ እንገብሮ ኣገልግሎት ካብ ናይ ካልኦት ዝንእስ እውን እንተ​ዀነ ኣባና ዘለዎ ኣረኣእያ ኣይቅየርን ኢዩ። (ገላትያ 6:⁠4) ዘይፍጹማት ምዃንና ይፈልጥ: ዘይዓቕምና ኽንገብር ድማ ኣይጽበየናን ኢዩ። (መዝሙር 147:⁠11) ዝከኣለና ዅሉ እንተ​ድኣ ገይርና: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ክቡራት ምዃንናን ነቲ ብእምነት እንገብሮ ተግባር ከም ዘይርስዖን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።​—⁠ሉቃስ 21:⁠1-4

16. ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ ምልእቲ ጉባኤ ብኸመይ ክትካፈል ትኽእል፧

16 ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ: ሓባራዊ ዕዮ ምዃኑ ኣይትረስዕ። ከምቲ ሓንቲ ነጥቢ ማይ ንተኽሊ ዘይትኣኽላ: ሓደ ውልቀ⁠-​ሰብ በይኑ ድማ ወደ መዝሙር ኣይገብርን ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ ክረክብን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብረሉን ይኽእል ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: እቲ ሰብ እቲ ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ኽመጽእ ምስ ጀመረ: ብምሉኦም ኣባላት እታ ጉባኤ ኢዮም ንሓቂ ኣጸቢቑ ንኽፈልጣ ዝሕግዝዎ። እቲ ምዉቕ ሕውነታዊ ስምዒት: መንፈስ ኣምላኽ ዘለዎ ጽልዋ የርኢ። (1 ቈረንቶስ 14:⁠24, 25) ቈልዑን ኰተቴታትን ዘነቓቕሕ ሓሳባት ክህቡ ኸለዉ: እቲ ሓድሽ ሰብ መንእሰያትና ኻብ መንእሰያት ዓለም እተፈልዩ ምዃኖም ይግንዘብ። እቶም ኣብ ጉባኤ ዝርከቡ ዝሓመሙን ዝደኸሙን ብዕድመ ዝደፍኡን ሰባት ነቶም ሓደስቲ ምጽማም ክበሃል ከሎ እንታይ ከም ዘጠቓልል ይምህርዎም ኢዮም። ዕድመናን ዓቕምናን ብዘየገድስ: ሓደስቲ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ፍልጠት ንኽዓምቝን ናብ ጥምቀት ንኽበጽሑን ኵላትና ኣገዳሲ ተራ ኣሎና። ኣብ ግራት ኣገልግሎት እነሕልፋ ነፍሲ ወከፍ ሰዓት: እንገብራ ነፍሲ ወከፍ ተመላሊስካ ምብጻሕ: ከምኡውን ኣብ ኣደራሽ መንግስትና ተገዳስነት ምስ ዘለዎ ሰብ እንገብሮ ዕላል ዘይረብሕ ክመስለና ይኽእል ኢዩ፣ እንተ​ዀነ ግን ክፍሊ ናይቲ የሆዋ ዝፍጽሞ ዘሎ ዓቢ ዕዮ ኢዩ።

17, 18. (ሀ) ኣብ ርእሲ እቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ: ብኸመይ ኢና ኣብቲ ብምሃብ ዝርከብ ሓጐስ ግደ ኽህልወና ዝኽእል፧ (ለ) ኣብቲ ብምሃብ ዝርከብ ሓጐስ ምስ እንካፈል ንመን ኢና እንመስሎ፧

17 ልክዕ ኢዩ: ከም ክርስትያናት መጠን ኣብ ርእሲ እቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ: ብኻልእ መገድታት እውን ኣብቲ ብምሃብ ዝርከብ ሓጐስ ክንካፈል ንኽእል ኢና። ነቲ ጽሩይ ኣምልኾ ንምድጋፍ ከምኡውን ነቶም ስኡናት ንምሕጋዝ ናይ ገንዘብ ወፈያ ኽንገብር ንኽእል ኢና። (ሉቃስ 16:⁠9፣ 1 ቈረንቶስ 16:⁠1, 2) ጋሻ ንምቕባል ክንቀዳደም ንኽእል ኢና። (ሮሜ 12:⁠13) ‘ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ​ቤት ሰናይ ንምግባር’ ክንጽዕር ንኽእል ኢና። (ገላትያ 6:⁠10) ከም ደብዳበ ምልኣኽ: ቴለፎን ምድዋል: ውህበት ምሃብ: ምሕጋዝ: ከምኡውን ምጽንናዕ ዝኣመሰለ ንእሽቶ ዝመስል ግን ከኣ ኣገዳሲ ደገፍ ክንገብር ንኽእል ኢና።

18 ወሃብቲ ምስ እንኸውን: ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ኸም ዝመሰልናዮ ነርኢ። ነታ መለለዪት ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዝዀነት ሕውነታዊት ፍቕሪ እውን ነንጸባርቕ። (ዮሃንስ 13:⁠35) ነዚ ነገራት እዚ ምስ እንዝክር ኣብቲ ብምሃብ ዝርከብ ሓጐስ ንኽንካፈል ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• የሆዋን የሱስን መንፈሳዊ ነገራት ብምሃብ ዝመጸ ብኸመይ ኢዮም ኣብነት ዝገደፉልና፧

• ዘለኣለማውያን ኣዕሩኽ ከነጥሪ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ኣገልግሎትና ዝያዳ ዕዉት ንኽኸውን እንታይ ስጕምትታት ክንወስድ ንኽእል፧

• ኵሎም ኣብ ጉባኤ ዝርከቡ ሰባት ኣብቲ ብምሃብ ዝርከብ ሓጐስ ክካፈሉ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ወለዲ ነቲ ዝህብዎ ስልጠና ውሉዳቶም ኽዓዩሉ ኸለዉ: ዓቢ ሓጐስን ዕግበትን ይረኽቡ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ ምስ እንካፈል ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ከነጥሪ ንኽእል ኢና

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ብዕድመ ምስ እንደፍእ ይጾረና ኢዩ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ንእሽቶ ዝመስል ግን ከኣ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት ብምሃብ ሓጐስ ንረክብ ኢና