ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ክሳዕ መወዳእታ ተጸሚሙ ኢዩ’

‘ክሳዕ መወዳእታ ተጸሚሙ ኢዩ’

‘ክሳዕ መወዳእታ ተጸሚሙ ኢዩ’

 ኣብታ ሓደስቲ ኣባላት ስድራ ቤትኤል ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክርእይዋ ተባሂላ ብ1993 እተዳለወት ቪድዮ ካሴት ሊማን ኣሌክሳንደር ስዊንግል ንየሆዋ ንምግልጋል ዝነበሮ ባህጊ ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “ምስ ኣስካርባኹም ከለኹም ሙቱ!” a

እቲ ወዲ 90 ዓመት ዝነበረ ሓው ስዊንግል ልክዕ ከምቲ ንኻልኦት ክገብርዎ ዘተባብዖም ዝነበረ ገይሩ ኢዩ ሞይቱ። ‘ክሳዕ መወዳእታ ተዓጊሱ [“ተጸሚሙ:” NW ] ኢዩ።’ (ማቴዎስ 24:⁠13) ሓሚሙ እኳ እንተ ነበረ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምዃኑ ኣብቲ ብረቡዕ 7 መጋቢት ዝገበርዎ ኣኼባ ተኻፊሉ ኢዩ። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ሰሉስ ኵነታት ጥዕናኡ ዝያዳ እናኸፍአ መጸ: 14 መጋቢት ሰዓት 4:26 ድሕሪ ቐትሪ ድማ ከም ዝሞተ ሓኪሙ ኣፍለጠ።

ሊማን ስዊንግል ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ: ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብ5 ሚያዝያ 1930 ኢዩ ክሰርሕ ጀሚሩ። ኣብኡ ድማ ዳርጋ ን71 ዓመታት ኣገልገለ። ሓው ስዊንግል መጀመርታ ኣብቲ መጻሕፍቲ ዝጥረዘሉ ዝነበረ ቦታ ምስ ሰርሐ ቀጺሉ ኣብ ቤት ማሕተም: ብድሕሪኡ ኸኣ ኣብቲ ቐለም ዝዳለወሉ ቦታ ተመዲቡ ኣገልገለ። ኣብቲ ቀለም ዝዳለወሉ ቦታ ኸኣ ን25 ዓመታት ኣገልጊሉ ኢዩ። ከም ኣባል ክፍሊ ጽሕፈት ኰይኑ እውን ን20 ዓመታት ኣገልጊሉ ኢዩ። ኣብተን ናይ መወዳእታ 17 ዓመታት ህይወቱ ድማ ኣብ ቤት ጽሕፈት መዝገብ ሰሪሑ ኢዩ።

ሓው ስዊንግል መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምእዋጅ ተባዕ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ መጀመርታ ብሩክሊን ዝኣተወሉ ግዜ: ንሱን መዳቕስቱ ዝነበረ ኣርተር ዎርስለይን ሓንቲ ካብተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጀላቡ ሒዞም ንሩባ ሃድሰን ይኸዱ ነበሩ። መጕልሒ ድምጺ ተጠቒሞም ድማ ነቶም ኣብ ገማግም እቲ ርባ ዝነብሩ ሰባት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩሎም ነበሩ።

ሓው ስዊንግል ብ6 ሕዳር 1910 ኣብ ሊንኮልን: ነብራስካ: እኳ እንተ ተወልደ ነዊሕ ከይጸንሑ ስድራኡ ናብ ሶልት ሌክ ሲቲ: ኡታ: ገዓዙ። ኣብኡ ድማ ወለዱ ብ1913 ኣባላት እቶም ሽዑ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ። ኣብቲ ብድሕሪኡ ዝነበረ ዓመታት እንዳ ስዊንግል ነቶም ካብቲ ኣብ ብሩክሊን ዝነበረ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጺኦም ህዝባዊ ዝርርብ ዝህቡ ዝነበሩ ኣሕዋት ኣብ ገዝኦም ይቕበልዎም ነበሩ: እዚ ድማ ንሓው ስዊንግል ሊማን ብርቱዕ ጽልዋ ኣሕደረሉ። ብ1923 ወዲ 12 ዓመት ምስ ኰነ ብማይ ብምጥማቕ ህይወቱ ንኣምላኽ ከም ዝወፈየ ኣርኣየ።

ኣብ ብሩክሊን ን26 ዓመታት ንጽል ዀይኑ ድሕሪ ምግልጋሉ ብ8 ሰነ 1956 ንክሪስታል ዘርቸር ምስ ተመርዓወ ህይወቱ ዝያዳ ትርጕም ዘለዎ ዀነ። ክሳዕ እቲ ክሪስታል ብ1998 ዝሞተትሉ ዕለት ሓቢሮም ኣብ ኣገልግሎት ብምውፋር ፈጺሞም ኣይፈላለዩን ኢዮም ነይሮም። ክሪስታል ቅድሚ ሙማታ ሰለስተ ዓመት ወቕዒ ኣጋጢምዋ ስለ ዝነበረ ስንክልቲ ዀነት። እቲ ሓው ስዊንግል ንዓኣ ንምእላይ ዘርኣዮ ተወፋይነት ንዝፈልጥዎም ኵሎም ዓሚቝ ጦብላሕታ ገዲፍሎም ኢዩ። ብፍላይ እቶም በዓልቲ ቤቱ ንሓለፍቲ መገዲ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ምእንቲ ኸተበርክት ኣብ ብሽክለታ ስንኩላን ገይሩ በቲ መገዲ ኣጋር ደፊእዋ ክኸይድ ከሎ ዝርእይዎ ዝነበሩ ብሓቂ ኢዮም ዘድንቕዎ።

ሓው ስዊንግል ገርሂ: ብዅሎም እቶም ዝፈልጥዎ ሰባት ድማ ዝፍቀር ሰብ ኢዩ ነይሩ። ልክዕ ከም ኣቦኡን ኣዴኡን ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምስ የሱስ ክርስቶስ ሰማያዊት መንግስቲ ናይ ምውራስ ተስፋ ኢዩ ነይርዎ። ነዚ ተስፋ እዚ ከም ዝረኸቦ ድማ ርግጸኛታት ኢና።​—1 ተሰሎንቄ 4:​15-​18፣ ራእይ 14:13

[እግረ-ጽሑፍ]

a እዚ ኣብ ዕዮኻ ንጡፍ ከሎኻ ሙማት ዝብል ሓሳብ ዘመሓላልፍ ናይ እንግሊዝኛ ብሂል ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ሓው ስዊንግል ኣብቲ ቀለም ዝዳለወሉ ቦታ ን25 ዓመታት ዝኣክል ኣገልጊሉ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ስዊንግልን ክሪስታልን ኣይፈላለዩን ኢዮም ነይሮም