ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘በረኸት ንጻድቕ ኢዩ’

‘በረኸት ንጻድቕ ኢዩ’

‘በረኸት ንጻድቕ ኢዩ’

 ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር: ዕድመ ምስ ደፍአ “ንእሽቶ ነበርኩ: አሪገ ኸኣ እኔኹ: ግናኸ ጻድቕ ተሐዲጉን: ዘርኡ እንጌራ ኺልምኑን ከቶ ኣይርኤኹን” በለ። (መዝሙር 37:⁠25) የሆዋ ኣምላኽ ንጻድቃን የፍቅሮምን ይሕብሕቦምን ኢዩ። ኣብ ቃሉ: መጽሓፍ ቅዱስ: ንሓቀኛ ኣምለኽቱ ጽድቂ ኽደልዩ ተማሕጺንዎም ኣሎ።​—⁠ጸፎንያስ 2:⁠3

ጽድቂ ኽበሃል ከሎ ምስቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ጽቡቕን ክፉእን ዘውጽኦ ስርዓታቱ ተሰማሚዕካ ብቕንዕና ምምልላስ ማለት ኢዩ። እታ 10ይቲ ምዕራፍ ናይታ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ምሳሌ: ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዕና ንኽንመላለስ ብምትብባዕ: እቶም ከምዚ ዝገብሩ ዝረኽብዎ ብዙሕ መንፈሳዊ በረኸት ትሕብረና። ገለ ኻብዚ በረኸታት እዚ: እኹል መንፈሳዊ መግቢ ምርካብ: ዓስቢ ዘለዎን ዘዕግብን ዕዮ ምዕያይ: ከምኡውን ምስ ኣምላኽን ሰብን ጽቡቕ ርክብ ምምስራት ኢዩ። እምበኣር ንምሳሌ 10:⁠1-14 እስከ ንመርምራ።

ብሉጽ መተባብዒ

እቲ መኽፈቲ ቓላት ናይዛ ምዕራፍ እዚኣ: ጸሓፊ ናይዚ ቐጺሉ ዝርከብ ክፋል መጽሓፍ ምሳሌ መን ምዃኑ ብንጹር ይገልጽ ኢዩ። “ምስላታት ሰሎሞን ” ብምባል ከኣ ኢዩ ዝጅምር። ንጉስ ናይ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን: ነቲ ቕኑዕ መገዲ ንኽትስዕብ ዝሕግዝ ብሉጽ መተባብዒ ኽጠቅስ ከሎ “ጥበበኛ ወዲ ነቦኡ የሐጕስ: ዓሻ ወዲ ግና መጕሃይ ኣዲኡ እዩ” በለ።​—⁠ምሳሌ 10:⁠1

ወለዲ ሓደ ኻብ ውሉዳቶም ነቲ ሓቀኛን ህያውን ኣምላኽ ምግልጋል ምስ ዝገድፎ: ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ብጓሂ ሕርር ኵምትር ዝብሉ! እቲ ጥበበኛ ንጉስ ንጓሂ ኣደ ፈልዩ ዝጠቐሰ: ዝያዳ ኸም እትጕሂ ንምሕባር ኢዩ ዝኸውን። ንዶሪስ እውን ከምዚ ኢዩ ኣጋጢምዋ። a ንሳ ኸምዚ በለት:- “እቲ ወዲ 21 ዓመት ወድና ንሓቂ ምስ ገደፎ: ኣነን ፍራንክ ሰብኣየይን ኣዚና ጐሃና። እቲ ጓሂ ኻብ ንፍራንክ ንዓይ ከቢዱኒ ነበረ። ኣብ ዝሓለፈ 12 ዓመታት እዚ ዝገደፈለይ በሰላ ገና ኣይሓወየን።”

ቈልዑ ንሓጐስ ኣቦኦም ክትንክፉ: ነዲኦም እውን ጓሂ ልቢ ክዀኑዋ ይኽእሉ ኢዮም። ጥበበኛታት ብምዃን ንወለድና እነሐጕስ ንኹን። ልዕሊ ዅሉ ድማ ንልቢ እቲ ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ነሐጕስ።

‘ነፍሲ ጻድቕ ክትጸግብ ኢያ’

እቲ ንጉስ “መዝገብ ረሲእነት ገለ እኳ ኣይጠቅምን: ጽድቂ ግና ካብ ሞት የናግፍ” በለ። (ምሳሌ 10:⁠2) እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ምጽንቃቕ ናይዚ ዘመን መወዳእታ ንዝነብሩ ክርስትያናት ዓቢ ትርጕም ኣለወን። (ዳንኤል 12:⁠4) ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ሰባት ዝጠፍኡሉ ግዜ ቐሪቡ ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ብሰብ ዝቘመ ድሕንነት የምጽእ ኢዩ ዝበሃል ነገራት​—⁠ከም ንብረት: ገንዘብ: ወይ ሰራዊት​—⁠ካብቲ ዝመጽእ ዘሎ “ብርቱዕ ጸበባ” ኣየድሕንን ኢዩ። (ራእይ 7:⁠9, 10, 13, 14) “እቶም ቅኑዓት [ጥራይ] ኣብ ምድሪ እዮም ዚነብሩ: እቶም ፍጹማት ከኣ ኣብኣ እዮም ዚተርፉ።” (ምሳሌ 2:⁠21) እምበኣር ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ንድለ።’​—⁠ማቴዎስ 6:⁠33

ኣገልገልቲ የሆዋ እታ መብጽዓ እተገብረላ ሓዳስ ዓለም ከይመጸት ከላ እውን በረኸት ይረኽቡ ኢዮም። “እግዚኣብሄር ንነፍሲ ጻድቕ ክትጠሚ ኣይሐድጋን: ንህርፋን ረሲኣን ግና የንኰላልፎ።” (ምሳሌ 10:⁠3) የሆዋ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ገይሩ ኣኽል⁠-​ታርፍ መንፈሳዊ መግቢ የቕርብ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:⁠45) ብርግጽ: ጻድቕ ‘ብሓጐስ ልቢ እልል ንኽብል’ እኹል ምኽንያት ኣለዎ። (ኢሳይያስ 65:⁠14) ፍልጠት ንነፍሱ ባህ የብላ ኢዩ። ንመንፈሳዊ መዝገብ ምንዳይ የሐጕሶ ኢዩ። ረሲእ ግን ከምዚ ዓይነት ሓጐስ የብሉን።

‘ትግሃት የሀብትም’

ጻድቕ ብኻልእ መገዲ እውን ተባሪኹ ኢዩ። “ብህክይቲ ኢድ ዚዐዪ ይደኪ: ኢድ ትጉሃት ግና ተሀብትም። እቲ ብሓጋይ ዚእክብ ጥበበኛ ወዲ እዩ: እቲ ብቐውዒ ዚድቅስ ግና ዜሕስር ወዲ እዩ።”​—⁠ምሳሌ 10:⁠4, 5

እዘን ቃላት ናይቲ ንጉስ ብፍላይ ነቶም ኣብ እዋን ቀውዒ ዝሰርሑ ዓየይቲ ትርጕም ኣለወን። ቀውዒ እትድቅሰሉ ዘይኰነስ ብትግሃት ንነዊሕ ሰዓታት እትዓየሉ እዋን ኢዩ። እወ: ህጹጽ ስራሕ ዝስርሓሉ እዋን ኢዩ።

የሱስ ቀውዒ እኽሊ ዘይኰነስ ቀውዒ ሰባት ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ ንደቀ መዛሙርቱ “እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ: ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ [ንየሆዋ ኣምላኽ] ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ” በሎም። (ማቴዎስ 9:⁠35-38) ኣብ ዓመት 2000 ልዕሊ 14 ሚልዮን ሰባት ኣብ ዝኽሪ በዓል ሞት የሱስ ተረኺቦም ነይሮም፣ እዚ ቝጽሪ እዚ ምስ ብዝሒ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክነጻጸር ከሎ ልዕሊ ዕጽፊ ኢዩ። ስለዚ: መን እሞ ኢዩ “ምድሪ . . . ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወት” ዘይሰማምዓሉ፧ (ዮሃንስ 4:⁠35) ሓቀኛታት ኣምለኽቲ: እቲ ጐይታ ዝያዳ ዓየይቲ ኽልእከሎም እናለመኑ ምስ ጸሎቶም ብምስምማዕ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ ብትግሃት ይዓዩ ኢዮም። (ማቴዎስ 28:⁠19, 20) የሆዋ እውን ነቲ ጻዕርታቶም ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኣብዚሑ ዀን ኢዩ ዝባረኾ! ኣብ ናይ 2000 ዓመት ኣገልግሎት: ልዕሊ 280,000 ሓደስቲ ሰባት ተጠሚቖም ኢዮም። እዚኣቶም እውን መምህራን ቃል ኣምላኽ ንምዃን ይጽዕሩ ኢዮም። ኣብዚ ቐውዒ እዚ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ ምሉእ ብምሉእ ብምክፋል ሓጐስን ዕግበትን ይሃልወና።

‘በረኸት ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኢዩ’

ሰሎሞን ቀጺሉ “በረኸት ኣብ ልዕሊ ርእሲ ጻድቕ እዩ: ኣፍ ረሲኣን ግና ዓመጽ ይኽውል” በለ።​—⁠ምሳሌ 10:⁠6

ልቡ ንጹህን ጻድቕን ዝዀነ ሰብ ንጽድቁ እኹል መርትዖ የርኢ ኢዩ። ዘረብኡ ሕያውነት ዝመልኦን ሃናጽን ክኸውን ከሎ ተግባራቱ እውን ኣወንታውን ልግሲ ዝመልኦን ኢዩ። ካልኦት ሓንጐፋይ ኢሎም ኢዮም ዝቕበልዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ብኻልኦት ክብሪ ይወሃቦ ወይ ይባረኽ ኢዩ: ብዛዕባኡ ድማ ጽቡቕ ኢዮም ዝዛረቡ።

ብኻልእ ሸነኽ ግን ረሲእ ጽልኢ ዝመልኦ ወይ ተንኰለኛ ኢዩ: ንኻልኦት ክጐድእ ከኣ ኢዩ ዝሕልን። ዘረብኡ ልዙብ ክኸውንን ኣብ ልቡ ዘሎ ‘ዓመጽ ክኽውልን’ ይኽእል ኢዩ: ኣብ መወዳእታኡ ግን ናብ ምትህርራምን ምጽራፍን ኢዩ ዘምርሕ። (ማቴዎስ 12:⁠34, 35) ወይ ብኻልእ ኣበሃህላ “ዓመጽ ንኣፍ ረሲኣን ይሽፍን [ወይ ይዓጹ]።” (ምሳሌ 10:⁠6 NW እግረ⁠-​ጽሑፍ) እዚ ድማ ረሲእ ከምታ ኢዱ ኸም እትጸንሖ: ማለት ብኻልኦት ከም ዝጽላእ ኢዩ ዝሕብር። ብኻልእ ኣበሃህላ: ብምሳልያዊ መገዲ ንኣፉ ይሽፍኖ ወይ ይዓጽዎ ከምኡውን ስቕ የብሎ። ከምዚ ዓይነት ሰብ ብሓቂዶ ኻብ ካልኦት ሰባት በረኸት ክጽበ የምሕረሉ ኢዩ፧

እቲ ንጉስ እስራኤል “መዘከርታ ጻድቕ ንበረኸት እዩ: ስም ረሲኣን ግና ይምሽምሽ” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳሌ 10:⁠7) ጻድቕ ብኻልኦት ሰባት ልዕሊ ዅሉ ድማ ብየሆዋ ኣምላኽ ብጽቡቕ ኢዩ ዝዝከር። የሱስ ክሳዕ ሞት እሙን ብምዃን ካብ መላእኽቲ ‘ብዙሕ ዝበልጽ ስም ወረሰ።’ (እብራውያን 1:⁠3, 4) እቶም ሎሚ ዘለዉ ሓቀኛታት ክርስትያናት ነቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ክቕድሑ ዝግብኦም ኣብነት ገይሮም ኢዮም ዝዝክርዎም። (እብራውያን 12:⁠1, 2) እዝስ ካብቲ ዝፍንፈንን ዝጽላእን ስም ረሲእ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዝፍለ! እወ: “ጽቡቕ ስም ካብ ብዙሕ ሃብቲ ይሕረ: ሞገስ ከኣ ካብ ብሩርን ወርቅን ይበልጽ።” (ምሳሌ 22:⁠1) ኣብ የሆዋን ብጾትናን ጽቡቕ ስም ይሃልወና።

“ብንጽህና ዚመላለስ ሀዲኡ ይኸይድ”

ሰሎሞን ኣብ መንጎ ጥበበኛን ዓሻን ዘሎ ፍልልይ ክገልጽ ከሎ “ጠቢብ ዝልቡ ትእዛዛት ይቕበል: ዓሻ ዝኸናፍሩ ግና ይወድቕ” በለ። (ምሳሌ 10:⁠8) ጥበበኛ ሰብ “እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ” ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ። (ኤርምያስ 10:⁠23) ካብ የሆዋ መምርሒ ኸም ዘድልዮ ይፈልጥ: ትእዛዛት ኣምላኽ ከኣ ተሓጒሱ ይቕበል። ዓሻ ዝኸናፍሩ ግን ነዚ መሰረታዊ ሓቂ እዚ ኣይግንዘቦን ኢዩ። እቲ ዓጃው ዘረባኡ ናብ ጥፍኣት ኢዩ ዝመርሖ።

ብተወሳኺውን ጻድቕ ሰብ: ረሲእ ዘይረኽቦ ድሕንነት ይረክብ ኢዩ። “ብንጽህና ዚመላለስ ሀዲኡ ይኸይድ: ብጥውጥዋይ መገዲ ዚኸይድ ግና ይቕላዕ። ብዓይኑ ዚጠቅስ መከራ የምጽእ: ዓሻ ዝኸናፍሩ ግና ይወድቕ።”​—⁠ምሳሌ 10:⁠9, 10

ንጹህ ሰብ ብሓቅነት ኢዩ ተግባራቱ ዝፍጽም። ካልኦት የኽብርዎን ይኣምንዎን ኢዮም። ሓቀኛ ሰብ ዝኽበር ሰራሕተኛ ኢዩ: መብዛሕትኡ እዋን ከኣ ዝዓበየ ሓላፍነት ይወሃቦ። ስራሕ ብቐሊሉ ኣብ ዘይርከበሉ ግዜ እውን ብሓቅነቱ ጽቡቕ ስም ስለ ዘለዎ ስራሕ ኣይስእንን ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ሓቅነቱ ኣብ ቤቱ ሓጐስን ሰላምን ንኽህልዎ ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ። (መዝሙር 34:⁠13, 14) ምስ ኣባላት ስድራ​ቤቱ ኣብ ዘለዎ ርክብ ህድኣት ኣለዎ። ድሕንነት ብርግጽ ፍረ ንጽህና ኢያ።

ሓደ ሰብ ክብለጽ ክብል ዘይቅኑዕ ተግባራት ዝገብር እንተ​ድኣ ዀይኑ ግን እቲ ዅነታት ይቕየር ኢዩ። መታለሊ ሰብ ነቲ ሓቅነት ዘይብሉ ተግባራቱ ብውስልትና ኣፉ ወይ ኣብ ኣካላቱ ብዝገብሮ ምንቅስቓስ ክሽፍኖ ይጽዕር ይኸውን። (ምሳሌ 6:⁠12-14) ብተንኰል ተመሊኡ ወይ ንኸታልል ኢሉ ዝገብሮ ዓይኒ ምጥቃስ ነቲ ዝታለል ሰብ ብዙሕ ኣእምሮኣዊ ስቓይ ከምጽኣሉ ይኽእል ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ይውዓል ይሕደር ውስልትና ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ይቃላዕ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሓጢኣት ገሊኦም ሰባት ግሁድ እዩ: ናብ ፍርዲ ኸኣ ይቕድሞም። ናይ ገሊኦም ግና ይስዕቦም እዩ። ከምኡ ኸኣ እቲ ሰናይ ግብሪ ግሉጽ እዩ: እቲ ዘይግሉጽውን ኪስወር ኣይከአሎን እዩ።” (1 ጢሞቴዎስ 5:⁠24, 25) ኣብቲ ቔናን ተግባር እተኻፈለ ሰብ: ወላዲ: ብጻይ: ናይ መርዓ ብጻይ: እትፈልጦ ሰብ ወይ ዝዀነ ኻልእ ሰብ እውን ይኹን ብዘየገድስ: ኣብ መወዳእታ እቲ ተግባር ከይተቐልዐ ኣይተርፍን ኢዩ። ንመታለሊ ሰብ መን ክኣምኖ ይኽእል፧

‘ኣፉ ናይ ህይወት ፈልፋሊ ኢዩ’

ሰሎሞን “ኣፍ ጻድቕ ናይ ህይወት ፈልፋሊ እዩ: ኣፍ ረሲኣን ግና ዓመጽ ይኽውል” በለ። (ምሳሌ 10:⁠11) ካብ ኣፍ ዝወጽእ ቃላት ክፍውስ ወይ ክጐድእ ይኽእል ኢዩ። ንኻልእ ሰብ ከሐድሶን ከነቓቕሖን ወይ ድማ ክድህሎ ይኽእል ኢዩ።

እቲ ንጉስ እስራኤል ካብ ኣፍ ዝወጽእ ቃላት ብምንታይ ተደሪኹ ኸም ዝወጽእ ክገልጽ ከሎ “ጽልኢ ቈየቛ የልዕል: ፍቕሪ ግና ንዅሉ ኣበሳ ትኽውሎ” በለ። (ምሳሌ 10:⁠12) ኣብ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ጽልኢ ምስ ዝህሉ ቈየቛ ኢዩ ዝስዕብ: እዚ ድማ ናብ ባእሲ ኢዩ ዝመርሕ። ንየሆዋ ዘፍቅሩ ሰባት ጽልኢ ኻብ ልቦም ክሓክዎ ኣለዎም። ብኸመይ፧ ብፍቕሪ ብምትካእ ኢዮም ነዚ ዝገብሩዎ። “ፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ።” (1 ጴጥሮስ 4:⁠8) ፍቕሪ “ኵሉ ትጸውር” ማለት “ንዅሉ ትኸድን” (ኪንግደም ኢንተርሊንያር [እንግሊዝኛ]) ኢያ። (1 ቈረንቶስ 13:⁠7) ኣምላኻዊት ፍቕሪ ካብ ዘይፍጹማት ሰባት ፍጽምና ኣይትጽበን ኢያ። እዛ ዓይነት ፍቕሪ እዚኣ ንናይ ካልኦት ጌጋ ኣብ ክንዲ እነውሪ: ዝፈጸምዎ ጌጋ ኸቢድ በደል እንተ ዘይኰይኑ ሸለል ብምባል ንኽንሓልፎ ትሕግዘና ኢያ። ፍቕሪ ነቲ ኣብ ግራት ኣገልግሎት: ኣብ ስራሕ: ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጥመና ግፍዒ እውን ትጻወሮ ኢያ።

እቲ ጥበበኛ ንጉስ ቀጺሉ “ኣብ ከናፍር ለባም ሰብ ጥበብ ትርከብ: በትሪ ግና ንዝባን እቲ ልቢ ዜብሉ እዩ” በለ። (ምሳሌ 10:⁠13) ለባም ሰብ ንስጕምትታቱ ብጥበብ ኢዩ ዝመርሐን። ካብ ከናፍሩ ዝወጽእ ሃናጺ ቓላት ንኻልኦት ብመገዲ ጽድቂ ንኽመላለሱ ይድግፎም ኢዩ። ንሱ ዀነ እቶም ዝሰምዕዎ ሰባት በቲ ቕኑዕ መገዲ ንምምልላስ ሓይሊ ማለት በትሪ ኣየድልዮምን ኢዩ።

“ፍልጠት ይእርንቡ”

ቃላትና ናይ ጢጥ ቅሚጥ ፈለግ ዘይኰነስ ‘ናይ ጥበብ ወሓዚ ርባ’ ንክኸውን ዘኽእለና እንታይ ኢዩ፧ (ምሳሌ 18:⁠4) ሰሎሞን “ጠቢባንሲ ፍልጠት ይእርንቡ: ኣፍ ዓሻ ግና ናብ ጥፍኣት ቀረባ እዩ” ኢሉ መለሰ።​—⁠ምሳሌ 10:⁠14

ብቐዳምነት ኣእምሮና በቲ ሃናጺ ፍልጠት ኣምላኽ ክምላእ ኣለዎ። ከምዚ ዓይነት ፍልጠት ንምርካብ ዘኽእለና ሓደ ምንጪ ጥራይ ኢዩ ዘሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ: ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ: መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።” (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16, 17) ፍልጠት ክንእርንብ: ንቓል ኣምላኽ እውን ከም ንሕቡእ መዝገብ ገይርና ኽንኵዕት ኣሎና። እዚ ምንዳይ እዚ ኽሳዕ ክንደይ ዘሐጕስን ዓስቢ ዘለዎን ኰን ኢዩ!

ኣብ ከናፍርና ጥበብ ንኽርከብ: እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝርከብ ፍልጠት ንልብና ኽትንክፎ ኣለዎ። የሱስ ንሰማዕቱ ኸምዚ በሎም:- “ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚዛረብ እሞ: እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። እቲ ኽፉእ ድማ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእ።” (ሉቃስ 6:⁠45) ስለዚ: ነቲ እንማሃሮ ዅሉ ግዜ ኸነስተንትነሉ ኣሎና። ልክዕ ኢዩ: መጽናዕትን ምስትንታንን ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ: እንተ​ዀነ ግን ከምዚ ዝኣመሰለ መጽናዕቲ ብመንፈሳዊ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ዘሀብትም ኢዩ! ነቲ ኸይሓሰበ ዝዛረብ ሰብ ዝመላለሰሉ መገዲ ጥፍኣት እንስዕበሉ ምኽንያት የብልናን።

እወ: ጥበበኛ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ዝዀነ ነገር ኢዩ ዝገብር: ኣብ ካልኦት ድማ ኣወንታዊ ጽልዋ ኣለዎ። ኣኽል⁠-​ታርፍ መንፈሳዊ መግቢ ይረክብ: ኣብቲ ዓስቢ ዘለዎ ዕዮ ጐይታ እውን ዕዙዝ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 15:⁠58) ንጹህ ስለ ዝዀነ ሃዲኡ ይመላለስ: ስምረት ኣምላኽ ድማ ይረክብ። ብርግጽ ጻድቕ ዝረኽቦ በረኸት ብዙሕ ኢዩ። ምስቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ጽቡቕን ክፉእን ዘውጽኦ ስርዓታት ተሰማሚዕና ብምኻድ ጽድቂ ንድለ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ስም ተለዊጡ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ቅንዕና ዘሐጕስ ናብራ ስድራ​ቤት ንኽህልወካ ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

“ጠቢባንሲ ፍልጠት ይእርንቡ”