ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ብሓቂዶ ኣምላኽ ንሰባት ኣብ ሲኦል ንኽነዱ ይፈርዶም ኢዩ፧”

“ብሓቂዶ ኣምላኽ ንሰባት ኣብ ሲኦል ንኽነዱ ይፈርዶም ኢዩ፧”

“ብሓቂዶ ኣምላኽ ንሰባት ኣብ ሲኦል ንኽነዱ ይፈርዶም ኢዩ፧”

“ስነ⁠-​ሃይማኖትዶ ትማሃሩ ኢኹም፧”

 እዛ ሕቶ እዚኣ ንጆኤልን ካርልን ብሃንደበት ዝቐረበትሎም ሕቶ ኢያ። እዞም ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘገልግሉ ኽልተ መንእሰያት: ኣብ ጥቕኦም ኣብ ዝርከብ መጻሕፍቲ ዝሽየጠሉ ቦታ ኸይዶም ይርእዩ ነበሩ። ጆኤል ብተርታ ፊደላት እተቐመጠ መሐበሪ ጥቕስታት ክምርምር ከሎ: ካርል ኣብ ኣገልግሎት ዘጋጠሞ ምይይጥ ይነግሮ ነበረ። ሓደ ኣብ ጥቕኦም ደው ኢሉ ዝነበረ ሰብኣይ ከዕልሉ ኸለዉ ስለ ዝሰምዖም ብኡንብኡ ቀሪቡ ኣዘራረቦም።

እቲ ሰብኣይ ግን ስነ⁠-​ሃይማኖት ዝማሃሩ እንተ ዀይኖም ወይ እንተ ዘይኰይኖም ዘይኰነስ ካልእ ብብሕቱ ዘጨንቖ ጕዳይ ስለ ዝነበሮ ኢዩ ዘዘራረቦም። ከምዚ ብምባል ከኣ ገለጸሎም:- “ኣነ ኣይሁዳዊ ኢየ: ገለ ፈተውተይ ኣመንቲ ክርስትና: ኣይሁድ ንየሱስ ስለ ዝነጸግዎ ኣብ ሲኦል ክነድድ ምዃነይ ነጊሮምኒ። እዚ ብዙሕ ኢዩ ዘጨንቐኒ። ካብ ፈቃር ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ መቕጻዕቲ ይወርድ ኢዩ ምባል ፍትሓዊ ኣይመስለንን። ብሓቂዶ ኣምላኽ ንሰባት ኣብ ሲኦል ንኽነዱ ይፈርዶም ኢዩ፧”

ጆኤልን ካርልን ነዚ ቕኑዕ ሰብኣይ እዚ ንትምህርቶም ኣርዚኖም ዝርእዩ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ምዃኖም ገለጹሉ። ምዉታት ገለ እኳ ኸም ዘይፈልጡን ትንሳኤ እናተጸበዩ ብሞት ደቂሶም ከም ዘለዉን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣርኣይዎ። ስለዚ ስቓይ የብሎምን ወይ ኣብ ሲኦል እውን ኣይነዱን ኢዮም። (መዝሙር 146:⁠3, 4፣ መክብብ 9:⁠5, 10፣ ዳንኤል 12:⁠13፣ ዮሃንስ 11:⁠11-14, 23-26) ድሕሪ እቲ ን45 ደቓይቕ ዝወሰደ ምይይጥ: እቲ ሰብኣይ ንጆኤልን ካርልን ኣድራሽኡ ሃቦም: ኣብዚ ጕዳይ እዚ ድማ ዝያዳ ሓበሬታ ኽወሃቦ ሓተተ።

ሲኦል መሳቐዪ ሓዊ ዝርከቦ ቦታ ነይሩ እንተ ዝኸውን: ናብኡ ኽስደድ ዝሓትት ሰብ ምሃለወዶ ነይሩ፧ እንተ​ዀነ ግን: ሓደ ኻብቶም ርእሲ ኣቦታት ዝዀነ እዮብ ካብቲ ዝነበሮ መግደራ ምእንቲ ኽስወር “ኣየ: ቍጥዓኻ ኽሳዕ ዚሐልፍሲ: እንተ ትስውረኒ: ኣብ ሲኦል እንተ ትሐብአኒ” ኢሉ ለመነ። (እዮብ 14:⁠13) እዮብ: ሲኦል መሳቐዪ ቦታ ኢዩ ኢሉ ይኣምን ከም ዘይነበረ ንጹር ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ ኣብኡ ኽሕባእ ኢዩ ደልዩ። ሞት ካብ ህላወ እተቋርጸሉ ዅነት ኢዩ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ንሲኦል ከም ተራ መቓብር ደቅሰብ ገይሩ ኢዩ ዝገልጾ።

ምስ ሞትና እንታይ ከም እንኸውንን ድሕሪ ሞት እንታይ ተስፋ ኸም ዘሎን ዝገልጽ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ​ድኣ ደሊኻ: ነዚ ዝስዕብ ዕድመ ምላሽ ክትህበሉ ነተባብዓካ።