ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብሓቂዶ ጸዋር ኢኻ፧

ብሓቂዶ ጸዋር ኢኻ፧

ብሓቂዶ ጸዋር ኢኻ፧

 ሓደ ሰብ ዘይእሩም ጠባይ ስለ ዘርኣየ ተቘጢዕካዶ ትፈልጥ፧ ነቶም ምሳኻ ጥብቂ ርክብ ዘለዎም ሰባት ክፉእ ባህርይ ኣጸቢቑ ክጸልዎም ምስ እትርኢ ቀልጢፍካዶ ስጕምቲ ትወስድ ኢኻ፧

ሓድሓደ ግዜ ኸቢድ ሓጢኣት ንኸየስፋሕፍሕ ቅልጡፍን ተሪርን ስጕምቲ ምውሳድ ኣድላዪ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ መበል 15 ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. እስራኤላውያን ብርኡይ ኣበሳ ኽረኽሱ ምስ ጀመሩ: እቲ ወዲ ወዱ ንኣሮን ዝዀነ ፊንሃስ ነቲ ርኽሰት ንምጽራይ ዘየላቡ ስጕምቲ ወሰደ። የሆዋ ኣምላኽ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ነቲ ፊንሃስ ዝገበሮ ነገር ከም ዝሰመሮ ገለጸ:- “ፊንሃስ . . . ኣብ መንጎኦም ብምቕናኤይ ስለ ዝቐንኤ: ንዅራይ ካብ ደቂ እስራኤል መለሶ።”​—⁠ዘሁልቍ 25:⁠1-11

ፊንሃስ ነቲ ርኽሰት ንኸየስፋሕፍሕ ግቡእ ስጕምቲ ኢዩ ወሲዱ። ብናይ ካልኦት ሰብኣዊ ጕድለታት ጥራይ ካብ መጠን ንላዕሊ ምቝጣዕ ግን ግቡእ ድዩ፧ ብሃወኽ ወይ ብቑዕ ምኽንያት ከይረኸብካ ስጕምቲ ምውሳድ: ተጣበቕቲ ጽድቂ ዘይኰነስ ዘይንጻወር ማለት ንናይ ካልኦት ዘይፍጽምና ኣብ ግምት ዘይነእቱ ሰባት ኢዩ ዝገብረና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መፈንጠራ ኸይንወድቕ ዝሕግዘና እንታይ ኢዩ፧

‘እግዚኣብሄር ንዅሉ ኣበሳ ዝሓድግ ኢዩ’

የሆዋ “ቀናእ ኣምላኽ፣ ዝወዳደሮ ዘይጻወር ኣምላኽ ኢዩ።” (ዘጸኣት 20:⁠5 NW እግረ⁠-​­ጽሑፍ) ፈጣሪ ስለ ዝዀነ ምሉእ ተወፋይነት ናይ ምሕታት መሰል ኣለዎ። (ራእይ 4:⁠11) እንተ​­ዀነ ግን: የሆዋ ንድኻም ደቅሰብ ይጻወሮ ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝዀነ ዳዊት ብዛዕባኡ ኸምዚ ኢሉ ዘመረ:- “እግዚኣብሄር ርሕሩሕን መሓርን እዩ: ንዅራ ደንጓዪ: ብሳህሊ ድማ ምሉእ እዩ። ኵሉ ጊዜ ኣይገንሕን: [“በደል ኣይኣርን:” NW  ] . . . እዩ። ከም መጠን ሓጢኣትና ኣይገብረናን: ከም መጠን ኣበሳና ድማ ኣይፈድየናን እዩ።” እወ: ነስሓ እንተ​­ድኣ ኣርኢና: ኣምላኽ ‘ንዅሉ ኣበሳና ኽሓድገልና ኢዩ።’​—⁠መዝሙር 103:⁠3, 8-10

የሆዋ ነቲ ሓጥእ ዝንባለ ደቅሰብ ስለ ዝፈልጥ: ነቶም ዝናስሑ ኣበሰኛታት ‘ኵሉ ግዜ በደል ኣይኣርየሎምን’ ኢዩ። (መዝሙር 51:⁠5፣ ሮሜ 5:⁠12) አረ: ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ንምጥፋእ እውን ዕላማ ኣለዎ። እዚ ምሉእ ብምሉእ ክሳዕ ዝፍጸም: ኣምላኽ “ከም መጠን ኣበሳና” ኣብ ክንዲ ዝፈድየና ብመሰረት በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ: ብጸጋ ምሕረቱ ለጊሱልና ኣሎ። የሆዋ ኣብቲ ግቡእ ዝዀነሉ እዋን ምሕረት እንተ ዘየርኢ ነይሩ: ዋላ ሓደ ኻባና እኳ ብህይወት ንምንባር ዝበቅዕ ኣይምሃለወን። (መዝሙር 130:⁠3) እቲ ምሉእ ተወፋይነት ክሓትት መሰል ዘለዎ ሰማያዊ ኣቦና: መሓሪ ኣምላኽ ብምዃኑስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ኸነማስወሉ እንኽእል!

ሚዛናዊ ምዃን ኣድላዪ ኢዩ

እቲ ልዑል ጐይታ ናይ ኣድማስ ምስ ዘይፍጹማት ሰባት ኣብ ዘለዎ ርክብ ተጻዋርነት ካብ ኣርኣየ: ንሕና እውን ተመሳሳሊ ክንገብርዶ ኣይግብኣናን ኢዩ፧ ተጻዋርነት ክበሃል ከሎ ንናይ ካልኦት ኣረኣእያታት ወይ ተግባራት ብዓቕሊ ናይ ምሕላፍ ዝንባለ ማለት ኢዩ። ካልኦት ሰባት ብዘረባኦም ወይ ብተግባሮም ዘይግቡእ ግን ከኣ ጕሉሕ ዘይኰነ በደል ምስ ዝፍጽሙ ዓቃላትን ጸዋራትን ብምዃን ከምዚ ዝኣመሰለ ሰናይ ዝንባለ ነርኢዶ ኢና፧

ልክዕ ኢዩ: ካብ መጠን ንላዕሊ ጸዋራት ክንከውን የብልናን። ንኣብነት: ሃይማኖታውያን መራሕቲ ነቶም ንነኣሽቱ ኣወዳትን ኣዋልድን ብጾታዊ ርክብ ደጋጊሞም ዝዕምጹ ኣቕሽሽቲ ስቕ ኢሎም ብምርኣዮም ዓቢ ጕድኣት ኣምጺኡ ኢዩ። ሓደ ኣብ ኣየርላንድ ዝነብር ሪፖርተር ከምዚ ብምባል ሓሳብ ሃበ:- “እቶም መራሕቲ ቤተ⁠-​­ክርስትያን ነቲ ኣብቶም ቈልዑ እተፈጸመ ነገር ከም ብኣጋጣሚ ዝፍጸም ቀሊል ሓጢኣት ገይሮም ብምርኣዮም ነቶም ገበነኛታት ኣቕሽሽቲ [ናብ ካልእ ቦታ] ጥራይ ኢዮም ቀይረሞም።”

ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ናብ ካልእ ቦታ ምቕያር ጥራይ ግቡእ ተጻዋርነት ድዩ፧ ፈጺሙ ኣይኰነን! ሓደ ሓላፍነት ዘይስምዖ ናይ መጥባሕቲ ሓኪም ንሕሙማት ይቐትልን ኣካለ ጐደሎ ይገብርን እኳ እንተሎ: እቲ ናይ ሕክምና ቦርድ ናብ ካልእ ሆስፒታል ብምቕያር ስርሑ ክቕጽል ፈቒድሉ ንበል። ኣብ መንጎ እቶም ናይ ሕክምና ክኢላታት ዘሎ ሓድነት ንፋስ ከይኣትዎ ብዝብል ግጉይ ኣረኣእያ ኸምዚ ዝኣመሰለ “ተጻዋርነት” ከፍሪ ይኽእል ኢዩ። እንተ​­ዀነ ግን እቶም ብሰንኪ ሸለልትነት ወይ እውን ገበን ስለ እተፈጸሞም ህይወቶም ዝሰኣኑ ወይ ከቢድ ጕድኣት ዝበጽሖም ግዳያትከ እንታይ ይኹኑ፧

ብኣንጻሩ ኽርአ ኸሎ ተጻዋርነት ዘይብልካ ምዃን እውን ሓደገኛ ኢዩ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ: ገለ ዚሎታውያን ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣይሁድ ነቲ ንጥፈታቶም ቅኑዕ ንምምሳል ብግጉይ መገዲ ንኣብነት ፊንሃስ ክስዕቡ ጸዓሩ። ሓደ ኻብቲ ዚሎታውያን ዝገብርዎ ዝነበሩ ሕሉፍ ተግባር “ኣብ የሩሳሌም በዓልን ከምኡ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታትን ክህሉ ኸሎ ኣብ መንጎ ህዝቢ ተሓዊሶም ነቶም ዝጸልእዎም ሰባት ኣዳህሊሎም ኻራ ይጀቕቱሎም ነበሩ።”

ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን ከምቶም ዚሎታውያን ነቶም ዘሕርቑና ሰባት ኣካላዊ መጥቃዕቲ ኽሳዕ ምውራድ ኣይንበጽሕን ኢና። እንተ​­ዀነ ግን: ነቶም ባህ ዘየብሉና ሰባት ክንጻወሮም ብዘይ​­ምኽኣልና ብኻልእ መገድታት​—⁠ምናልባት እውን ብዛዕባኦም ክፉእ ብምዝራብ​—⁠ነጥቅዖምዶ ኢና፧ ብሓቂ ጸዋራት እንተ​­ድኣ ዄንና: ከምዚ ዝኣመሰለ ጐዳኢ ቃላት ኣይንጥቀምን ኢና።

እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ፈሪሳውያን: ተጻዋርነት ዘይነበሮም ካልእ ጕጅለ ኢዮም። ንኻልኦት ብቐጻሊ ዝዅንኑን ንሰብኣዊ ዘይፍጽምና ኣብ ግምት ዘየእትዉን ኢዮም ነይሮም። እቶም ዕቡያት ፈሪሳውያን ነቲ ተራ ህዝቢ ብንዕቐት ይርእይዎን “ርጉም” ብምባል የካፍእዎን ነበሩ። (ዮሃንስ 7:⁠49) የሱስ ነዞም ከምዚ ዝኣመሰሉ ርእሶም ዘጽድቑ ሰባት ከምዚ ዝስዕብ ክብሎም ሓቁ ኢዩ:- “ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን: ካብ ጨና ኣዳም: ካብ ሽላን: ካብ ካሙን ዕሽር ተውጽኡ: እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፤ ፍርዲ: ምሕረት: እምነት ግና ትሐድጉ አሎኹም እሞ: ወይለኹም። እዚ ምግባር እቲውን ዘይምሕዳግ ይግባእ።”​—⁠ማቴዎስ 23:⁠23

የሱስ ከምዚ ክብል ከሎ ንኣገዳስነት ምእዛዝ ሕጊ ሙሴ ኣትሒቱ ኣይኰነን ዝርኢ ነይሩ። “ኣውራ” ወይ ኣገዳሲ መዳይ ናይቲ ሕጊ ምኽንያታዊ ብምዃንን ምሕረት ብምግባርን ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ኢዩ ዝሕብር ነይሩ። የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ካብቶም ተጻዋርነት ዘይነበሮም ፈሪሳውያንን ዚሎታውያንን ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ፍሉያት ዝነበሩ!

የሆዋ ኣምላኽ ኰነ የሱስ ክርስቶስ ንኽፉእ ነገር ሸለል ኣይብሉን ኢዮም። ድሕሪ ሓጺር እዋን ‘እቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን ሕነ ኽፍደዩ ኢዮም።’ (2 ተሰሎንቄ 1:⁠6-10) ይኹን እምበር: የሱስ በቲ ንጽድቂ ዝነበሮ ቕንኢ ተደሪኹ ንዅሎም እቶም ቅኑዕ ክገብሩ ዝደልዩ ሰባት ከም ናይ ሰማያዊ ኣቦና ዓቕሊ: ምሕረት: ከምኡውን ፍቕራዊ ሓልዮት ካብ ምርኣይ ዓዲ ኣይወዓለን። (ኢሳይያስ 42:⁠1-3፣ ማቴዎስ 11:⁠28-30፣ 12:⁠18-21) ኣየ ኸመይ ዝበለ ኣብነት ኰን ኢዩ የሱስ ዝገደፈልና!

ብዓቕሊ ንሓድሕድኩም ተጸዋወሩ

ንቕኑዕ ዝዀነ ነገራት ብርቱዕ ቅንኢ እኳ እንተ ሃለወና: ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ዝሃበና ምኽሪ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ:- “ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም: እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ: ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ . . . [“የሆዋ:” NW  ] ይቕረ ዝበለልኩም: ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ።” (ቈሎሴ 3:⁠13፣ ማቴዎስ 6:⁠14, 15) ተጻዋርነት ምስ ዝህልወና ኣብዛ ፍጽምና ዘይብላ ዓለም ናይ ሓድሕድና ኣበርን ጌጋታትን ይቕረ ኽንብል የኽእለና። ኣብቲ ኣብ ካልኦት ዘሎና ትጽቢት ምኽንያታውያን ክንከውን ኣሎና።​—⁠ፊልጲ 4:⁠5 NW

ጸዋር ምዃን ክበሃል ከሎ ንኣበሳ ከም ዝሰመርካዮ ወይ ጌጋ ኸም ዘይትርኢ ፈጺሙ ኣየመልክትን ኢዩ። ናይ ኣማኒ ብጻይና ኣተሓሳስባ ወይ ጠባይ ቁሩብ ካብ ስርዓታት የሆዋ ዝወጸ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዚ ግጉይ ኣካይዳ ስምረት ኣምላኽ ከም ዝስእን ዝገብሮ ከቢድ ሓጢኣት እኳ እንተ ዘይኰነ: ገለ ምትዕርራይ ከም ዘድሊ ዝሕብር መጠንቀቕታ ኽህብ ይኽእል ኢዩ። (ዘፍጥረት 4:⁠6, 7) እቶም መንፈሳውያን ነቲ ዝበደለ ብህዱእ መንፈስ ከቕንዕዎ ምስ ዝፍትኑ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ፍቕራዊ ኰን ኢዩ! (ገላትያ 6:⁠1) ኣብዚ መዳይ እዚ ዕዉት ንምዃን ግን ኣብ ክንዲ ብናይ ነቐፋ መንፈስ: ብሓልዮት ምዕያይ ኣድላዪ ኢዩ።

“ብዓቕልን ብፍርሃትን”

ነቶም ካብ ናትና እተፈልየ ሃይማኖት ዘለዎም ሰባት ዓቕሊ ብምርኣይ ዝመጸኸ እንታይ ክበሃል ይከኣል፧ ኣብቲ 1831 ኣብ ኵለን እተን ኣብ ኣየርላንድ ዝርከባ ናይ መንግስቲ ኣብያተ⁠-​­ትምህርቲ እተኣታተወ “ሓፈሻዊ ትምህርቲ” ከምዚ ይብል:- “የሱስ ክርስቶስ ንሃይማኖቱ ብሓይሊ ኣብ ሰባት ከስርጽ ኣይሓለነን። . . . ንሕና ቅኑዕ ጐረባብትና ኸኣ ጌጋ መገዲ ሒዞም ከም ዘለዉ እነረድኦም ብምብኣስን ብጐነጽን ኣይኰነን። ከምዚ ምስ እንገብር ብዝያዳ መንፈስ ናይ ክርስትያን ከም ዘይብልና ኢዩ ዘርኢ።”

የሱስ: ሰባት ናብ ቃል ኣምላኽ ከም ዝሰሓቡ ገይሩ ኢዩ ምሂሩን ተመላሊሱን: ንሕናውን ከምኡ ክንገብር ኣሎና። (ማርቆስ 6:⁠34፣ ሉቃስ 4:⁠22, 32፣ 1 ጴጥሮስ 2:⁠21) ከም ፍጹም ሰብ መጠን ብኣምላኽ ፍሉይ ምስትውዓል ስለ እተዋህቦ ኣብ ኣልባብ ሰባት ዘሎ ክፈልጥ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ስለዚ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን የሱስ ነቶም ጸላእቲ የሆዋ ብተሪር ቃላት ይዅንኖም ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 23:⁠13-33) ከምዚ ብምግባሩ ዘይጻወር ነይሩ ማለት ኣይኰነን።

ንሕና ግን ከም የሱስ ኣብ ኣልባብ ሰባት ዘሎ ክንፈልጥ ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ: ነቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ዝሃበና ምኽሪ ኽንስዕብ ኣሎና:- “ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር: ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ: ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን።” (1 ጴጥሮስ 3:⁠15) ከም ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን እቲ እንኣምኖ ነገር ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ ስለ ዝዀነ ኽንጣበቐሉ ኣሎና። ነዚ ግን ንኻልኦትን ነቲ ኻብ ልቦም ዝኣምኑሉ ነገራትን ኣኽብሮት ብዘርኢ መገዲ ኢና ኽንገብሮ ዘሎና። ጳውሎስ “ንነፍሲ ወከፍ ከም ዚግባእ ከመይ ጌርኩም ክትመልሱ ምእንቲ ኽትፈልጡ: ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን” ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠ቈሎሴ 4:⁠6

የሱስ ኣብቲ ውሩይ ናይ ከረን ስብከቱ “ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም” በለ። (ማቴዎስ 7:⁠12) ስለዚ ንሓድሕድና ንጸዋወር: ነቶም ብስራት እንሰብከሎም ከኣ ኣኽብሮት ነርእዮም። ነቲ ንጽድቂ ዘሎና ቕንእን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተጻዋርነትን ሚዛኑ ብምሕላው ንየሆዋ ኸነሐጕሶ ከምኡውን ብሓቂ ጸዋራት ክንከውን ኢና።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ነቲ ፈሪሳውያን ዝነበሮም ናይ ዘይምጽዋር መንፈስ ኣወግዶ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ነቲ ናይ ኣቦኡ ናይ ተጻዋርነት መንፈስ ኣንጸባሪቑ ኢዩ። ንስኻኸ፧