ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብቲ ናይ ምእካብ ዕዮ ጸኒዕኩም ቀጽሉ!

ኣብቲ ናይ ምእካብ ዕዮ ጸኒዕኩም ቀጽሉ!

ኣብቲ ናይ ምእካብ ዕዮ ጸኒዕኩም ቀጽሉ!

“ብንብዓት ዚዘርኡ ብእልልታ ይዐጽዱ።”​—⁠መዝሙር 126:5

1. ኣብዚ እዋን እዚ ‘ነቲ ጐይታ እኽሊ ዓየይቲ ኽልእኽ ምልማኑ’ ዘድሊ ስለምንታይ ኢዩ፧

 የሱስ ኣብ ገሊላ ሳልሳይ ናይ ስብከት ጕዕዞ ምስ ገበረ ንደቀ መዛሙርቱ “እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ: ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም” በሎም። (ማቴዎስ 9:37) ኣብ ይሁዳ እውን እንተ​ዀነ እቲ ዅነታት ተመሳሳሊ ኢዩ ነይሩ። (ሉቃስ 10:⁠2) እዚ ኸኣ ዳርጋ ቅድሚ 2,000 ዓመታት ሓቂ ኢዩ ነይሩ: ኣብዚ እዋን እዚኸ እቲ ዅነታት ከመይ ኢዩ ዘሎ፧ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ኣገልግሎት ዓመት ካብ መንጎ እቶም 6,000,000,000 ዝዀኑ እሞ ኸኣ መብዛሕትኦም “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን” ህዝቢ ዓለም 6,000,000 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ምሳልያዊ ናይ ምእካብ ዕዮ ጸኒዖም ቀጺሎም ኢዮም። ስለዚ እቲ የሱስ “ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ” ብምባል ዝሃቦ ምሕጽንታ ሕጂ እውን ኣገዳሲ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 9:36, 38

2. ኣቓልቦ ህዝቢ ከም እንረክብ ዝገብረና እንታይ ኢዩ፧

2 የሆዋ ኣምላኽ: ጐይታ እቲ እኽሊ ነቲ ዓየይቲ ንኽልእኽ ዝቐረበሉ ልመና መሊስሉ ኢዩ። ኣብዚ ኣምላኽ ዝመርሖ ናይ ምእካብ ዕዮ ምክፋልሲ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ዘሐጕስ ኢዩ! ምስ ካልኦት ህዝብታት ክንወዳደር ከሎና ቝጽርና ውሑድ እኳ እንተ​ዀነ: ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ቅንኢ እተሓወሶ ኣበርክቶ ስለ እንገብር ኣቓልቦ ዓለም ስሒብና ኢና። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ብተደጋጋሚ ኢና እንጥቀስ። ኣብ ተሌቭዥን ኣብ ዝርአ ድራማ ናይ ማዕጾ ደወል ምስ ዝድወል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም ዝብል ሓሳብ ኢዩ ዝቐርብ። እወ: እቲ ምሳልያዊ ናይ ምእካብ ዕዮና ኣብዚ መበል 21 ዘመን እውን ኣዝዩ ፍሉጥ ኢዩ።

3. (ሀ) እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣቓልቦ ኻልኦት ከም ዝሰሓበ ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ለ) መላእኽቲ ንኣገልግሎትና ይድግፍዎ ኢዮም ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

3 ዓለም ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣስተብሂላትሉ: ነቶም ኣወጅቲ እቲ ብስራት ከኣ መስጐጕቲ ኣውሪዳትሎም ኢያ። ስለዚ ኸኣ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣምላኽ ንኣና ሃዋርያት: ድሕሪ ዅላቶም ኴንና: ከምቶም ሞት እተፈርዶም ከም ዝገበረና: ይመስለኒ። ስለዚ ንዓለምን ንመላእኽትን ንሰብን ትርኢት መስሓቒ ዄንና አሎና።” (1 ቈረንቶስ 4:9) ብተመሳሳሊ መስጐጕቲ እውን እናሃለወ እቲ ከም ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን እነርእዮ ምጽማም ኣቓልቦ ዓለም ከም እንስሕብ ዝገብረና ኢዩ: ንመላእኽቲ ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ራእይ 14:⁠6 ከምዚ ትብል:- “ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ኪሰብከሎም ድማ: ናይ ዘለኣለም ወንጌል ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ኸሎ [ኣነ ዮሃንስ] ርኤኹ።” እወ: ኣብ ኣገልግሎትና ማለት ኣብቲ ናይ ምእካብ ዕዮና ናይ መላእኽቲ ደገፍ ኣሎና!​—⁠እብራውያን 1:⁠13, 14

‘ክትጽልኡ ኢኹም’

4, 5. (ሀ) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ መጠንቀቕታ ኢዩ ዝሃቦም፧ (ለ) ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ‘ጽሉኣት’ ዝዀኑ ስለምንታይ ኢዮም፧

4 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ከም ዓየይቲ እቲ እኽሊ ዀይኖም ክለኣኹ ኸለዉ ነቲ “ጠቢባን ከም ተመን: ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኹኑ” ዝብል መምርሒ የሱስ ስዒቦምዎ ኢዮም። የሱስ ወሲኹ ከምዚ በለ:- “ናብ ዋዕላ ኺወስዱኹም: ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኪገርፉኹም እዮም . . . ምእንታይ ናብ መኳንንትን ናብ ነገስታትን ክትውሰዱ ኢኹም እሞ: ካብ ሰብ ተጠንቀቑ። ኣሕሊፎም ኪህቡኹም . . . ስለ ስመይ ከኣ ኵሉ ሰብ ኪጸልኣኩም እዩ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና: ንሱ ኺድሕን እዩ።”​—⁠ማቴዎስ 10:16-22

5 ‘ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ’ ማለት በቲ ቐንዲ ጸላኢ ኣምላኽን ህዝቡን ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ተታሒዛ ስለ ዘላ ‘ጽሉኣት ኢና።’ (1 ዮሃንስ 5:⁠19) ጸላእትና መንፈሳዊ ብልጽግናና ይርእይዎ እኳ እንተዀኑ ንየሆዋ ኣፍልጦ ኽህብሉ ግን ኣይደልዩን ኢዮም። ኣብቲ ናይ ምእካብ ዕዮ ባህ ኢሉና ኽንካፈል ከሎና ሕጕሳት: ፍሽሑው ገጽ ዘለዎም ምዃንና ይዕዘቡ ኢዮም። በቲ ዘሎና ሓድነት ይድነቑ ኢዮም! አረ ኣብ ካልእ ዓዲ ኸይዶም ኣብኡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክረኽቡ ኸለዉስ ኣብ ዓዶም እውን ተመሳሳሊ ዕዮ ዝፍጽሙ ሰባት ከም ዘለዉ ብምዝራብ ከይፈተዉ ኣፍልጦ ይህብሉ ኢዮም። ልክዕ ኢዩ ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ እቲ ዝድግፈናን ምንጪ ሓድነትናን ዝዀነ የሆዋ ኣብ ቅድሚ ጸላእትና እውን ከይተረፈ ዝያዳ ፍሉጥ ክኸውን ኢዩ።​—⁠ህዝቅኤል 38:⁠10-12, 23

6. ኣብቲ ናይ ምእካብ ዕዮ ክንካፈል ከሎና እንታይ መረጋገጺ ኢዩ እተዋህበና: እንተ​ዀነ ግን እንታይ ሕቶታት ኢዩ ዝለዓል፧

6 ጐይታ እቲ እኽሊ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን [ሂብዎ]” ኢዩ። (ማቴዎስ 28:⁠18) ስለዚ ኸኣ የሆዋ ንየሱስ ነቲ ዕዮ በቶም ሰማያውያን መላእኽትን በቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ቅቡእ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያን” ኣቢሉ ንኽመርሖ ሓላፍነት ሂብዎ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:45-​47፣ ራእይ 14:​6, 7) እንተ​ዀነ ግን: ኣብዚ ናይ ምእካብ ዕዮ ጽኑዓት ኴንና ክንቅጽል ከሎና ጸላእቲ ንዘምጽእዎ ምጽራር ብዓወት እናመከትና ሓጐስና ክንዕቅብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

7. ምጽራር ወይ መስጐጕቲ ኸጋጥመና ኸሎ እንታይ ኣረኣእያ ንምሓዝ ኢና ክንጽዕር ዘሎና፧

7 ምጽራር ወይ እውን ቃልዕ ዝዀነ መስጐጕቲ ኸጋጥመና ኸሎ ከምቲ ናይ ጳውሎስ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ምእንቲ ኽህልወና ሓገዝ ኣምላኽ ንድለ። ንሱ “እናጸረፉና ንምርቕ: እናሰጐጉና ንዕገስ: እናተሐሜና ንምዕድ አሎና” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 4:12, 13) እዚ ኣረኣእያ እዚ ምስቲ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎትና እነርእዮ ሜላ ተደሚሩ ሓድሓደ ግዜ ንኣመለኻኽታ ተጻረርትና ክቕይሮ ይኽእል ኢዩ።

8. ካብቲ ኣብ ማቴዎስ 10:⁠28 ተመዝጊቡ ዘሎ ቃላት የሱስ እንታይ ምጽንናዕ ኢኻ እትረክብ፧

8 ናይ ሞት ምፍርራህ እውን ይኹን ነቲ ከም ዓየይቲ እቲ እኽሊ መጠን ዘሎና ቅንኢ ኣየዝሕሎን ኢዩ። ብእተኻእለና መጠን ብቓልዕ ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከይፈራህና ንሰብኮ ኢና። ካብ ቃላት የሱስ ድማ ብርታዐ ንረክብ ኢና። ከምዚ በለ:- “ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከአሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር: ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ: ንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይከአሎም ኣይትፍርህዎም።” (ማቴዎስ 10:28) ሰማያዊ ኣቦና ወሃብ ህይወት ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ነቶም ንጽህናኦም ሓልዮም ኣብቲ ናይ ምእካብ ዕዮ ብተኣማንነት ጸኒዖም ዝቕጽሉ ኣብዚሑ ይባርኾም ኢዩ።

ህይወት ዘድሕን መልእኽቲ

9. ገሊኦም ነቲ ህዝቅኤል ዝሰብኮ ዝነበረ መልእኽቲ ብኸመይ መለስሉ: ኣብዚ እዋን እዚ ተመሳሳሊ ነገር ዘጋጥም ዘሎኸ ብኸመይ ኢዩ፧

9 ነብዪ ህዝቅኤል ነቶም “ዓለወኛታት ህዝብታት” ማለት መንግስታት እስራኤልን ይሁዳን መልእኽቲ የሆዋ ብትብዓት ክእውጀሎም ከሎ ገለ ሰባት ነቲ ዝብሎ ባህ ኢልዎም ይሰምዕዎ ነይሮም ኢዮም። (ህዝቅኤል 2:⁠3) የሆዋ “ንስኻ ኸም ቅኔ ፍቕሪ: ከምቲ ጥዑም ድምጺ ዘለዎ: ምህራም መሰንቆ ኸኣ ዚኽእል ኰንካዮም” በሎ። (ህዝቅኤል 33:32) ነቲ ህዝቅኤል ዝብሎ ዝነበረ ነገራት እንተ ፈተውዎ እኳ ስጕምቲ ኽወስዱ ግን ኣይከኣሉን። ኣብዚ እዋን እዚኸ ከመይ ኢዩ ዘሎ፧ እቶም ቅቡኣት ተረፍን ብጾቶምን ብትብዓት መልእኽቲ የሆዋ ክእውጁ ኸለዉ ገለ ሰባት እታ መንግስቲ ንእተምጽኦ በረኸታት ክሰምዕዎ ይደልዩ ኢዮም: ይኹን እምበር ሞሳ ኣርእዮም: ደቂ መዛሙርቲ ዀይኖም: ኣብቲ ናይ ምእካብ ዕዮ ንምሕባር ስጕምቲ ኣይወስዱን ኢዮም።

10, 11. ኣብቲ ቀዳማይ መፋርቕ ናይ መበል 20 ዘመን ነቲ ህይወት ዘድሕን መልእኽትና ንምእዋጅ እንታይ ኢዩ እተገብረ: ምስ ከመይ ዝበለ ፍረኸ፧

10 በቲ ኻልእ ሸነኽ ብዙሓት ነቲ ናይ ምእካብ ዕዮ ብጽቡቕ ተቐቢሎም: መልእኽቲ ኣምላኽ ኣብ ምእዋጅ እውን ተኻፊሎም ኢዮም። ንኣብነት: ኣብቲ ካብ 1922 ክሳዕ 1928 ኣብ እተገብረ ዓበይቲ ኣኼባታት ኣብ ልዕሊ ናይ ሰይጣን እኩይ ኣገባብ ንጹር ናይ ፍርዲ መልእኽቲ ተቓሊሑ ኢዩ። ናይ ራድዮ መደብራት ኣብቲ ኣኼባታት ንዝቐረበ ናይ ኵነኔ መልእኽትታት ኣቃልሓኦ። ድሕሪኡ ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ መልእኽቲ ብሚልዮናት ዝቝጸር ጽሑፋት ገይሮም ዘርግሕዎ።

11 ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ናይ 1930ታት ካልእ ዓይነት ኣወሃህባ ምስክርነት ማለት መልእኽቲ ዝሓዘ ፖስተራት ተሰኪምካ ምዛር ተጀመረ። ኣብ መጀመርታ ህዝቢ ኣምላኽ ኣርእስቲ ህዝባዊ ዝርርብ ዝገልጽ ፖስተራት ተሰኪሞም ይዞሩ ነበሩ። ጸኒሖም “ሃይማኖት መፈንጠራን መታለልን ኢዩ” ከምኡውን “ንኣምላኽን ንክርስቶስ እቲ ንጉስን ኣገልግሉ” ዝብል ጭርሖታት ሒዞም ክንቀሳቐሱ ጀመሩ። ብጐደናታት ክሓልፉ ኸለዉ ኣቓልቦ ሰባት ይስሕቡ ነበሩ። ኣብቲ ብዝሒ ሰብ ዝነበሮ ጐደናታት ለንደን: እንግሊዝ: ብዘይ​ ምቍራጽ ኣብዚ ዕዮ እዚ ዝካፈል ዝነበረ ሓደ ሓው ‘እዚ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ተጠመቲ ዝገበሮምን ዘበራተዖምን ኢዩ ነይሩ’ ብምባል ሓሳብ ሃበ።

12. ኣብ ኣገልግሎትና: ኣብ ርእሲ እቲ ናይ ኣምላኽ መልእኽቲ ፍርዲ ካልእ እንታይ ኢና እነጕልሕ: ነቲ ብስራት ኣብ ምስባኽ ዝሓብሩ ዘለዉኸ መን ኢዮም፧

12 ፍርዲ መልእኽቲ ኣምላኽ ክንእውጅ ከሎና ነቲ ኣወንታዊ መልእኽቲ እታ መንግስቲ እውን ነጕልሕ ኢና። ኣብ መድረኽ ዓለም ብትብዓት ብምምስካርና ነቶም ብቑዓት ንኽንረኽቦም ይሕግዘና ኢዩ። (ማቴዎስ 10:⁠11) ዝበዝሑ ካብቶም ናይ መወዳእታ ኣባላት ቅቡኣት ክፍሊ ነቲ ኣብ 1920ታትን 1930ታትን ዝግበር ዝነበረ ንጹር ጻውዒት ተቐቢሎም ስጕምቲ ወሲዶም ኢዮም። ድሕሪኡ ኣብቲ ብ1935 እተገብረ ዓቢ ኣኼባ እቶም “ዓቢ ጭፍራ” ናይተን “ካልኦት ኣባጊዕ” ኣብ ገነታዊት ምድሪ መጻኢ በረኸት ከም ዝረኽቡ ድንቂ ዝዀነ ብስራት ተነግረ። (ራእይ 7:⁠9 NW፣ ዮሃንስ 10:⁠16) ነቲ ናይ ኣምላኽ ናይ ፍርዲ መልእኽቲ ኣቕሊቦምሉ: ነቲ ህይወት ዝህብ ብስራት ኣብ ምስባኽ ድማ ምስቶም ቅቡኣት ሓቢሮም ኢዮም።

13, 14. (ሀ) ካብ መዝሙር 126:⁠5, 6 እንታይ ምጽንናዕ ኢና ክንረክብ እንኽእል፧ (ለ) ምዝራእን ማይ ምስታይን እንተ​ድኣ ቐጺልና እንታይ ኢዩ ዝፈሪ፧

13 ነቶም ዓየይቲ እቲ እኽሊ: ብፍላይ ነቶም መስጐጕቲ ዝጽመሙ ዘለዉ ሰባት እቲ ኣብ መዝሙር 126:⁠5, 6 ዘሎ ቃላት ብዙሕ ምጽንናዕ ዝህቦም ኢዩ። ከምዚ ይብል:- “ብንብዓት ዚዘርኡ ብእልልታ ይዐጽዱ። ዘርኢ ተሰኪሙ ብብኽያት ይወፍር: እንዳእቱ ተሰኪሙ ብእልልታ ይምለስ።” እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ ምዝራእን ምእካብን ሂብዎ ዘሎ ሓሳብ ነቲ የሆዋ ነቶም ካብ ምርኮ ጥንታዊት ባቢሎን እተመልሱ ተረፍ ዝገብረሎም ዝነበረ ሓልዮትን ዝሃቦም በረኸትን ዘርኢ ኢዩ። ናጻ ምስ ኰኑ ኣዝዮም ተሓጒሶም ኢዮም: እንተ​ዀነ ግን ነቲ ን70 ዓመታት ኣብ ምርኮ ዝነበርሉ ግዜ ዝባደመ መሬቶም ክዘርኡ ኸለዉ በኽዮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። እቶም ነቲ ናይ ምዝራእን ምህናጽን ንጥፈታት ዝቐጸሉ ግን ካብ ጻዕሮም ፍረን ዕግበትን ረኺቦም ኢዮም።

14 ፈተና ኸጋጥመና ኸሎ ወይ ንሕና ንኹን ኣመንቲ ብጾትና ምእንቲ ጽድቂ ክሳቐዩ ኸለዉ ንነብዕ ንኸውን። (1 ጴጥሮስ 3:⁠14) ኣብቲ ናይ ምእካብ ዕዮና እውን ኣብ መጀመርታ ኣብ ኣገልግሎትና ነስልጥ ከም ዘሎና ዘርኢ ዋላ ሓንቲ መረጋገጺ ኣይንረክብን ንኸውን። ምዝራእን ማይ ምስታይን እንተ​ድኣ ቐጺልና ግን ኣምላኽ ዝበዝሕ ግዜ ካብቲ እተጸበናዮ ንላዕሊ ገይሩ የብቍሎ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 3:⁠6) እዚ በቲ እነበርክቶ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመርኰሰ ጽሑፋትን ክርአ ይከኣል ኢዩ።

15. ክርስትያናዊ ጽሑፋት ኣብቲ ናይ ምእካብ ዕዮና ዘለዎ ኣበርክቶ ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ ኣብነት ሃብ።

15 ናይ ሓደ ጂም ዝበሃል ሰብኣይ ኣብነት ርአ። ኣዴኡ ምስ ሞተት ምስቲ ዝነበራ ንብረት ቅዳሕ ናይታ ላይፍ​—⁠ሃው ዲድ ኢት ጌት ሂር፧ ባይ ኢቮሉሽን ኦር ክርኤሽን፧  a እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ረኸበ። ተገዲሱ ኸኣ ኣንበባ። ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ መገዲ ምስ ኣዘራረበቶ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክግበረሉ ተሰማምዐ: እዚ ድማ ናብ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣምርሐ። ጂም ቅልጡፍ መንፈሳዊ ዕቤት ገበረ: ህይወቱ ንየሆዋ ወፍዩ ድማ ተጠምቀ። ብዛዕባ እቲ እተማህሮ ንኻልኦት ኣባላት ስድራኡ ነገሮም። ስለዚ ኸኣ ሓብቱን ሓዉን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ: ጂም ከኣ ጸኒሑ ኣብቲ ኣብ ለንደን ዘሎ ቤትኤል ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ናይ ምዃን መሰል ረኸበ።

እንተ ተሰጐጉ እኳ ሕጉሳት ኢዮም

16. (ሀ) ኣብቲ ናይ ምእካብ ዕዮ ኣሳልጦ ዝርከብ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ብስራት ብዛዕባ ዘስዕቦ ነገር የሱስ እንታይ መጠንቀቕታ ኢዩ ዝሃበ: እንተ​ዀነ ግን ንሰባት እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ሒዝና ኢና እንቐርቦም፧

16 ኣብቲ ናይ ምእካብ ዕዮ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓወት ዘሎ ግን ስለምንታይ ኢዩ፧ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናትን ብጾቶምን ነቲ የሱስ “ኣብ ጸልማት ዝነገርኩኹም ብብርሃን ተዛረብዎ: ኣብ እዝንኹም ዝሰማዕኩምዎ ኸኣ ኣብ ናሕሲ ዄንኩም ስበኽዎ” ኢሉ ዝሃቦ መምርሒ ስለ ዘቕለብሉ ኢዩ። (ማቴዎስ 10:27) እንተ​ዀነ ግን: የሱስ “ሓው ንሓዉ: ኣቦ ኸኣ ንውሉዱ ኣሕሊፉ ንሞት ኪህብ እዩ: ውሉድ ናብ ወለዶም ኪትንስኡን ኪቐትልዎምን እዮም” እውን ኢሉ ስለ ዘሎ ከቢድ ኵነታት ከጋጥመና ንጽበ ኢና። ኣብ ርእሲ እዚ የሱስ “ናብ ምድሪ ዕርቂ ኸምጽእ ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም። ሰይፊ ደኣ እምበር: ዕርቂ ኸምጽእ ኣይመጻእኩን” ኢሉ ኣሎ። (ማቴዎስ 10:21, 34) የሱስ ኰነ ኢሉ ንኣባላት ስድራ​ቤታት ክፈላሊ ኣይመጸን። እቲ ብስራት ግን ሓድሓደ ግዜ ከምዚ ዝኣመሰለ ውጽኢት ኢዩ ዝህልዎ። ኣብዚ እዋን እዚ እውን ንህዝቢ ኣምላኽ ከምኡ ኢዩ ዘጋጥሞም። ስድራ​ቤታት ክንበጽሕ ከሎና ዝፈላልዮም ረቛሒ ኽንገድፈሎም ኢልና ኣይንኸይድን ኢና። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብስራት ክቕበል ኢዩ ድሌትና። ስለዚ ኸኣ እቶም “ንህይወት ዘለኣለም እተመደቡ” ሰባት ንመልእኽትና ደስ ኢልዎም ምእንቲ ኽቕበልዎ ንዅሎም ኣባላት ስድራ​ቤት ሕያውነትን ሓልዮትን ብዘለዎ መገዲ ኽንቀርቦም ኢና እንደሊ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 13:⁠48

17. እቶም ሉዓላውነት ኣምላኽ ክብ ኣቢሎም ዝሕዙ ሰባት ፍሉያት ዝዀኑ ብኸመይ ኢዮም: ሓደ ኣብነት ናይዚኸ እንታይ ኢዩ፧

17 ነቶም ንሉዓላውነት ኣምላኽ ክብ ዘብሉ ሰባት መልእኽቲ እታ መንግስቲ ፍሉያት ኢዩ ዝገብሮም። ንኣብነት: ኣብቲ ኣብ ጀርመን ሃገራዊ ሶሻሊዝም ነጊስሉ ዝነበረ እዋን እቶም ንየሆዋ ዘምልኹ ብጾትና ‘ናይ ቄሳር ንቄሳር: እቲ ናይ ኣምላኽ ከኣ ንኣምላኽ ስለ ዝሃቡ’ ጐሊሖም ይረኣዩ ነይሮም ኢዮም። (ሉቃስ 20:⁠25) ኣገልገልቲ የሆዋ ምስቶም ሃይማኖታውያን መራሕትን ህዝበ⁠-​ክርስትያንን ስመ⁠-​ክርስትያንን ክነጻጸሩ ኸለዉ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከይጥሕሱ ብምእባይ ጸኒዖም ደው ኢሎም ኢዮም። (ኢሳይያስ 2:⁠4፣ ማቴዎስ 4:⁠10፣ ዮሃንስ 17:⁠16) ደራሲት ናይታ ዘ ናዚ ስተይት ኤንድ ዘ ኒው ረሊጅንስ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ፕሮፌሰር ክርስቲን ኪንግ ከምዚ ትብል:- “[ናዚ] ኣብ ልዕሊ እቶም መሰኻኽር ዝፈነዎ መጥቃዕቲ ጥራይ ኢዩ ዘይተዓወተ: ከመይሲ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ እኳ እንተ ተቐትሉ ስርሖም ግን ቀጺሉ ኢዩ፣ ኣብ ግንቦት 1945 እቲ ሃገራዊ ሶሻሊዝም ክጠፍእ ከሎ ምንቅስቓስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ገና ነይሩ ኢዩ።”

18. መስጐጕቲ እኳ እንተ ኣለዎም ህዝቢ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ኣረኣእያ ኢዮም ዘንጸባርቑ፧

18 ህዝቢ የሆዋ መስጐጕቲ ኸጋጥሞም ከሎ ዘንጸባረቕዎ ኣረኣእያ ብሓቂ ጐሊሑ ዝርአ ኢዩ። ዓለማውያን ሰበ⁠-​ስልጣን በቲ እነርእዮ እምነት ዝድነቑ እኳ እንተዀኑ: ልዕሊ ዅሉ ግን ቂም ወይ ቅርሕንቲ ዘይንሕዝ ብምዃንና ኢዮም ዝግረሙ። ንኣብነት: ካብ ሆለካስት ዝደሓኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ እቲ ዘሕለፍዎ ተመክሮታት ክዝክሩ ኸለዉ ብተደጋጋሚ ሓጐስን ዕግበትን ኢዩ ኣብ ገጾም ዝንጸባረቕ። የሆዋ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ከም ዝሃቦም ይፈልጡ ኢዮም። (2 ቈረንቶስ 4:7) ኣብ መንጎና ዘለዉ ቅቡኣት ክርስትያናት ‘ስሞም ኣብ ሰማይ ከም እተጻሕፈ’ ርግጸኛታት ኢዮም። (ሉቃስ 10:20) እቲ ምጽማሞም ናብ ተስፋ ምቝራጽ ዘይትመርሕ ተስፋ ኢዩ ኣፍርዩሎም: እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም እሙናት ዓየይቲ እውን ተመሳሳሊ እምነት ኢዩ ዘለዎም።​—⁠ሮሜ 5:4, 5

ኣብቲ ናይ ምእካብ ዕዮ ጸኒዕኩም ቀጽሉ

19. ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ከመይ ዝበለ ኣስላጢ መገድታት ኢዩ ኣብ ግብሪ ዝወዓለ፧

19 የሆዋ ኣብቲ ምሳልያዊ ናይ ምእካብ ዕዮ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ክንጸንሕ ከም ዘፍቅደልና ብሕጂ እንርእዮ ነገር ኢዩ። ክሳዕ ሽዑ ግን እቶም ዓየይቲ ዕዮኦም ንምስላጥ ዝጥቀምሉ ፍሉይ ኣገባባት ከም ዘለዎም ኣይንረስዕ። ብተመሳሳሊ ነቲ እተፈተነን ኣስላጢ ምዃኑ እተረጋገጸሉን ኣገባብ ብዘይ​ምቍራጽ ምስ እንጥቀመሉ ስብከትና ፍረ ዘለዎ ከም ዝኸውን ርግጽ ኢዩ። ጳውሎስ ንክርስትያን ብጾቱ “ሰዓብተይ ኩኑ: ኢለ እምዕደኩም አሎኹ” በሎም። (1 ቈረንቶስ 4:16) ጳውሎስ ምስቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ሽማግለታት ኣብ ሚሊጦስ ምስ ተራኸበ ‘ኣብ ዋዕላ ዀነ ኣብ ቤት ካብ ምምሃሮም’ ዓዲ ከም ዘይውዓለ ኣዘኻኸሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:20, 21) ጢሞቴዎስ መጋይሽቲ ጳውሎስ ስለ ዝነበረ ንዅሉ እቲ ጳውሎስ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኣገባብ ይፈልጦ ብምንባሩ ንሰብ ቈረንቶስ ምስቲ ኣገባብ ከፋልጦም ይኽእል ነይሩ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 4:⁠17) ኣምላኽ ነቲ ጳውሎስ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ናይ ኣመሃህራ ኣገባብ ባሪኽዎ ኢዩ። ንሕና እውን ካብ ቤት ናብ ቤት ብምኻድ: ተመላሊስካ ምብጻሕ ብምግባር: ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብምምራሕ: ከምኡውን ሰባት ኣብ ዝርከብሉ ዘበለ ካልእ ቦታታት ጸኒዕና ምስባኽ ምስ እንቕጽል ክባርኸና ኢዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠17

20. የሱስ ብዙሕ መንፈሳዊ ዓጺድ ከም ዝህሉ ብኸመይ ኢዩ ዝሓበረ: እዚ ሓቂ ምዃኑኸ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ብኸመይ ኢዩ እተረጋገጸ፧

20 የሱስ ብ30 ከ.ኣ.ዘ. ነታ ኣብ ጥቓ ሲካር ዝረኸባ ሳምራዊት ሰበይቲ ምስ መስከረላ ብዛዕባ መንፈሳዊ ምእካብ ተዛረበ። ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዚ በሎም:- “ኣዒንትኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ ምድሪ ድሮ ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወት ርአዩ . . . እቲ ዚዐጽድ ውዕለቱ ይቕበል: እቲ ዘራእን እቲ ዓጻድን ብሓንሳእ ምእንቲ ኺሕጐሱ ኸኣ: ንዘለኣለም ህይወት ፍረ ይእክብ።” (ዮሃንስ 4:34-37) ምናልባት የሱስ ምስታ ሳምራዊት ሰበይቲ ዝገበሮ ዝርርብ ክሳዕ ክንደይ ውጽኢት ከም ዝነበሮ ርእዩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ከመይሲ በቲ ንሳ ዝሃበቶ ምስክርነት ብዙሓት ብየሱስ ኣሚኖም ኢዮም። (ዮሃንስ 4:⁠39) ኣብዚ ዝሓለፈ ቐረባ ዓመታት ብዙሓት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገይረንኦ ዝነበራ እገዳ ስለ ዘልዓለኦ ወይ ሕጋዊ ተፈላጥነት ስለ ዝሃብኦም ክንዓየሉ እንኽእል ሓድሽ ግራት ተኸፊቱ ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ኣኽል⁠-​ታርፍ መንፈሳዊ እቶት ይርከብ ኣሎ። አረ ኣብ መላእ ዓለምሲ ኣብቲ መንፈሳዊ ዕዮ ተሓጒስና ክንካፈል ከሎና ብዙሕ በረኸታት ኢዩ ዝርከብ ዘሎ።

21. ከም ሕጉሳት ዓየይቲ ዄንና ንቕድሚት ክንስጕም ምኽንያት ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧

21 እኽሊ ጻዕድዩ ንዓጺድ ክበጽሕ ከሎ: ዓየይቲ ህጹጽ ስጕምቲ ንምውሳድ ቅሩባት ክዀኑ ኣለዎም። ወዓል ሕደር ከይበሉ ክዓዩ ኣለዎም። ኣብዚ እዋን እዚ እውን “ኣብ ዘመን መወዳእታ” ስለ ዘሎና ተጊህናን ብናይ ህጹጽነት ስምዒትን ክንዓዪ ኣሎና። (ዳንኤል 12:4) ፈተናታት ከም ዘጋጥመና ሓቂ ኢዩ: እንተ​ዀነ ግን ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ብዙሓት ንየሆዋ ዘምልኹ ሰባት ይመጹ ኣለዉ። ስለዚ እምበኣር እዋኑ ግዜ ሓጐስ ኢዩ። (ኢሳይያስ 9:⁠3) ኣብቲ ናይ ምእካብ ዕዮ ተሓጒስና ንቕድሚት ንቐጽል!

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሓተምዋን ዝዘርግሕዋን መጽሓፍ

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

ጐይታ እቲ እኽሊ ብዙሓት ዓየይቲ ንኽልእኽ ንዝቐረበሉ ልመና ብኸመይ መለሰሉ፧

‘ጽሉኣት’ እኳ እንተዀንና እንታይ ኣረኣእያ ኢና እንዕቅብ፧

ንስጐግ እኳ እንተዀንና እንሕጐስ ስለምንታይ ኢና፧

ነቲ ዘሎና ናይ ህጹጽነት ስምዒት ዓቂብና ኣብቲ ናይ ምእካብ ዕዮ ጸኒዕና ኽንቅጽል ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ኣብቲ መንፈሳዊ ናይ ምእካብ ዕዮ ዝካፈሉ ዘለዉ ናይ መላእኽቲ ደገፍ ኣለዎም

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ፖስተራት ሒዝካ ኣብ ጐደናታት ምዛር: ኣቓልቦ ብዙሓት ናብ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝኸውን ገይሩ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ንሕና ንተክልን ነስትን: ኣምላኽ ከኣ የብቍል