ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም ዓየይቲ ተሓጐሱ!

ኣቱም ዓየይቲ ተሓጐሱ!

ኣቱም ዓየይቲ ተሓጐሱ!

“እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ: ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ።”—⁠ማቴዎስ 9:37, 38

1. ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባር ዝመጸ ንቕድሚት ንምቕጻል እንታይ ኢዩ ክሕግዘና ዝኽእል፧

 ከም ናይ የሆዋ ምስክር ኴንና እተጠመቕናላ መዓልቲ ኽንዝክር ከሎና ቅድሚ ቐረባ ይኹን ነዊሕ ዓመታት ብዘየገድስ ከምዛ ትማሊ ዀይና ኢያ እትስምዓና። ህይወትና ንየሆዋ ስለ ዝወፈና ንዕኡ ምውዳስ ቀንዲ ኣትኵሮና ዀነ። ካልኦት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ሰሚዖም ክቕበልዎ ዝኽእልሉ ኣጋጣሚታት ክንደሊ ኸሎና እቲ ሓጐስ ዘምጽእ ኣገልግሎት የሆዋ ኣብ ህይወትና እቲ ቐንዲ እነተኵረሉ ጕዳይ ኢዩ ዝኸውን። (ኤፌሶን 5:⁠15, 16) ሕጂ እውን እንተ​ዀነ ‘ኣብ ዕዮ ጐይታ ዕዙዛት’ ብምዃንና ግዜ ከመይ ኢሉ ከም ዝሓልፍ ኣይፍለጠናን ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 15:58) ግድላት ዘጋጥመና እኳ እንተ​ዀነ: እቲ ካብ ዕዮ የሆዋ እንረኽቦ ሓጐስ ንቕድሚት ንኽንቅጽል ይድርኸና ኢዩ።​—⁠ነህምያ 8:⁠10

2. ካብቲ ምሳልያዊ ናይ ምእካብ ዕዮ ንእንረኽቦ ሓጐስ ኣበርክቶ ዝገብር እንታይ ኢዩ፧

2 ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን ኣብ ሓደ ምሳልያዊ እኽሊ ናይ ምእካብ ዕዮ ኢና ተጸሚድና ዘሎና። የሱስ ክርስቶስ ነቲ ውልቀ⁠-​ሰባት ህይወት ንኽረኽቡ ዝግበር ምእካብ ምስ ቀውዒ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (ዮሃንስ 4:⁠35-38) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕዮ ንካፈል ስለ ዘሎና: ነቲ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ዓየይቲ ዝረኽብዎ ዝነበሩ ሓጐስ ምምርማር ከተባብዓና ይኽእል ኢዩ። ቀጺልና ኣብቲ ኣብዚ እዋን እዚ እንገብሮ ዘሎና ናይ ምእካብ ዕዮ ሓጐስ ንምርካብ ኣበርክቶ ዝገብር ሰለስተ ረቛሒታት ክንርኢ ኢና። እዚ ኸኣ (1) እንሰብኮ ተስፋ ዝህብ መልእኽቲ (2) ኣብ ምድላይ እንረኽቦ ዘሎና ዓወት (3) ከም ዓየይቲ መጠን ዘሎና ሰላማዊ ኣረኣእያ ኢዩ።

ከም ዓየይቲ ዀይኖም ተላኢኾም

3. እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰዓብቲ የሱስ በየናይ መዳይ ኢዮም ሓጐስ ዝረኽቡ ዝነበሩ፧

3 እቶም ቀዳሞት ዓየይቲ: ብፍላይ ድማ እቶም 11 እሙናት ሃዋርያት: ኣብቲ ድሕሪ 33 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ግዜ ነቲ ካብ ሞት ዝተንስአ ክርስቶስ ክረኽቡ ናብ ከረን ገሊላ ምስ ከዱ ህይወቶም ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ እተለወጠ! (ማቴዎስ 28:⁠16) ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ‘ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ዝበዝሑ ኣሕዋት’ ተረኺቦም ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 15:6) እቲ የሱስ ዝሃቦም ትእዛዝ ኣብ እዝኖም ቃጨለ። ከምዚ በሎም:- “ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም።” (ማቴዎስ 28:19, 20) ዋላ እኳ ከቢድ መስጐጕቲ ይወርዶም እንተ ነበረ: ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ብሰዓብቲ ክርስቶስ ዝቘማ ጉባኤታት ክርእዩ ኸለዉ ብዙሕ ሓጐስ ይረኽቡ ነበሩ። ጸኒሑ ‘እቲ ወንጌል ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር ተሰቢኹ’ ኢዩ።​—⁠ቈሎሴ 1:​23፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:8፣ 16:5

4. ደቀ መዛሙርቱ የሱስ ኣብ ትሕቲ ኸመይ ዝበለ ዅነታት ኢዮም እተላእኩ፧

4 ኣብቲ ኣብ ገሊላ ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ኣገልግሎቱ የሱስ ነቶም 12 ሃዋርያት ጸዊዑ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ” ኢሎም ክእውጁ ለኣኾም። (ማቴዎስ 10:1-7) የሱስ ባዕሉ እውን “ኣብ ኵሉ ኸተማታትን ኣብ ኵሉ ዓድታትን [ገሊላ] ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሀረ: ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ: ኵሉ ሕማምን ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ።” እቶም ብዙሓት ህዝቢ “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ: ደንገጸሎም።” (ማቴዎስ 9:35, 36) ኣጸቢቑ ስለ ዝደንገጸሎም ንደቀ መዛሙርቱ “እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ: ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ [የሆዋ ኣምላኽ] ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ” በሎም። (ማቴዎስ 9:37, 38) የሱስ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ንኽውድእ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣብ ይሁዳ እውን ብተመሳሳሊ ብዙሓት ዓየይቲ ኸም ዘድልዩ ኣመተ። (ሉቃስ 10:⁠2) ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚታት ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ዓየይቲ ገይሩ ለኣኾም።​—⁠ማቴዎስ 10:⁠5፣ ሉቃስ 10:⁠3

እንሰብኮ ተስፋ ዝህብ መልእኽቲ

5. እንታይ ዓይነት መልእኽቲ ኢና እንእውጅ፧

5 ዘመናውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ምዃንና መጠን ነቲ ዓየይቲ ከም ዘድልዩ እተገብረ ጻውዒት ተሓጒስና ኢና እንቕበሎ። ሓደ ኻብቲ ብዙሕ ሓጐስ ከም እንረክብ ዝገብረና ምኽንያት ነቶም ሕልንኦም ዝዓረቦምን እተጨነቑን ተስፋ ዝህብ መልእኽቲ ስለ እነብጽሓሎም ኢዩ። ልክዕ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ: ነቲ ናይ ሓቂ ተስፋ ዝህብ መልእኽቲ ነቶም “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን” ሰባት ክንእውጅሲ ኣየ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ!

6. እቶም ሃዋርያት ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ከመይ ዝበለ ንጥፈት ኢዮም ዝካፈሉ ዝነበሩ፧

6 ኣብ መፋርቕ ናይ ቀዳማይ ዘመን ሃዋርያ ጳውሎስ ብስራት ኣብ ምስባኽ ትሑዝ ኢዩ ነይሩ። ዕዮኡ ኸኣ ብርግጽ ኣስላጢ ኢዩ ነይሩ: ከመይሲ ኣብ 55 ከ.ኣ.ዘ. ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ክጽሕፈሎም ከሎ ከምዚ ኢልዎም ኣሎ:- “ኣሕዋተየ . . . እቲ ዝሰበኽኩልኩምን እተቐበልኩምዎን ኣብኡ ጸኒዕኩም ዘሎኹም . . . ወንጌል ኤፍልጠኩም አሎኹ።” (1 ቈረንቶስ 15:1) እቶም ሃዋርያትን ካልኦት ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናትን ጻዕራማት ዓየይቲ ኢዮም ነይሮም። ኣብቲ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ብጥፍኣት የሩሳሌም እተዛዘመ ጽንኩር እዋን ክንደይ ሃዋርያት ተሪፎም ምንባሮም መጽሓፍ ቅዱስ ዘይገልጽ እኳ እንተ​ዀነ: ሃዋርያ ዮሃንስ 25 ዓመታት ጸኒሑ እውን ይሰብኽ ምንባሩ ግን ንፈልጥ ኢና።​—⁠ራእይ 1:⁠9

7, 8. ኣገልገልቲ የሆዋ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ብናይ ህጹጽነት ስምዒት ዝሰብክዎ ዘለዉ መልእኽቲ እንታይ ኢዩ፧

7 ድሕርዚ እቲ ካህናት ህዝበ⁠-​ክርስትያን ማለት “ሰብኣይ ዓመጻ” ዓብሊልሉ ዝነበረ እዋን ሰዓበ። (2 ተሰሎንቄ 2:⁠3) ኣብ መወዳእታ መበል 19 ዘመን ግን እቶም ብመሰረት እቲ ናይ መጀመርታ ክርስትና ክነብሩ ዝደልዩ ዝነበሩ ነቲ ተስፋ ዝህብ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብክዎ ጀመሩ። ካብታ ናይ መጀመርታ ሕታም (ሓምለ 1879) ኣትሒዙ ኣርእስቲ ናይዚ መጽሔት እዚ “ህላወ ክርስቶስ ዝእውጅ:” “መንግስቲ ክርስቶስ ዝእውጅ” ወይ “መንግስቲ የሆዋ ዝእውጅ” ዝብል ቃላት ክሕዝ ጸኒሑ ኢዩ።

8 ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ የሱስ ክርስቶስ ብ1914 ኢያ ቘይማ: ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ነዚ ተስፋ ዝህብ መልእኽቲ እዚ ብናይ ህጹጽነት ስምዒት ንእውጆ ኣሎና። ስለምንታይ፧ ከመይሲ ሓደ ካብቲ እዛ መንግስቲ እዚኣ እተምጽኦ በረኸት መወዳእታ ናይዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ኢዩ። (ዳንኤል 2:⁠44) ካብዚ ዝሓይሽ መልእኽቲ እሞ እንታይ ኢዩ ክህሉ ዝኽእል፧ “ዓቢ ጸበባ” ቅድሚ ምጅማሩ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ምእዋጅ ሓሊፉ ካልእ ዝዓበየ ሓጐስ ከምጽኣልና ዝኽእል እሞ እንታይ ኣሎ፧​—⁠ማቴዎስ 24:⁠21 NW ፣ ማርቆስ 13:⁠10

ዕዉት ዝዀነ ምድላይ

9. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ መምርሒ ኢዩ ዝሃቦም: ሰባትከ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ምላሽ ሃብሉ፧

9 ከም ዓየይቲ መጠን ሓጐስ ከም እንረክብ ዝገብረና ካልእ ረቛሒ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ዀይኖም ኣብቲ ዕዮ ክሕግዙ ዝኽእሉ ሰባት ደሊኻ ኣብ ምርካብ ዕዉታት ምዃንና ኢዩ። ኣብ 31-32 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ኣብ ዝዀነ ኸተማ ወይስ ዓዲ አቲኹም: ኣብኡ እቲ ብቑዕ መን ምዃኑ ሕተቱ” ብምባል መምርሒ ሃቦም። (ማቴዎስ 10:11) ኵሎም ሰባት ብቑዓት ኢዮም ማለት ኣይኰነን: ከመይሲ ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክቕበልዎ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ዅሎም ኣይኰኑን። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ግን ንዝረኸብዎ ዘበለ ነቲ ብስራት ይሰብክሉ ነበሩ።

10. ጳውሎስ ነቲ ብቑዓት ንምድላይ ዝገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ ብኸመይ ይፍጽሞ ነበረ፧

10 ድሕሪ ሞትን ትንሳኤን የሱስ ነቶም ብቑዓት ንምድላይ ዝግበር ዝነበረ ጻዕሪ ዝያዳ ጻዕቒ ወሰኸ። ጳውሎስ ምስቶም ኣብ ቤት ጸሎቶም ዝነበሩ ኣይሁድን ኣብ ዕዳጋታት ኣቴንስ ምስ ዝረኽቦም ሰባትን ይዘራረብ ነበረ። ኣብዛ ከተማ ግሪኽ እዚኣ ኣብ ኣርዮስፋጎስ ምስክርነት ምስ ሃበ “ሓያሎ ሰብኡት . . . ሰዐብዎ እሞ አመኑ: ካባታቶም ድማ እቲ ናይ ኣርዮስፋጎስ መኰነን: ድዮኒስዮስን ደማሪስ እትብሀል ሰበይትን: ከምኡውን ካልኦት ምሳታቶም ነበሩ።” ጳውሎስ ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ‘ኣብ ዋዕላ ዀነ ኣብ ቤት ብምምሃር’ ኣብነት ኢዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 17:17, 34፣ 20:20

11. ዓመታት ይገብር ነቲ ኣገልግሎት ንምፍጻም እንታይ ኣገባብ ኣብ ግብሪ ይውዕል ነበረ፧

11 ኣብ መወዳእታ ዓሰርተታት ዓመታት ናይ መበል 19 ዘመን እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ነቶም ብቑዓት ኣብ ምድላይ ብትብዓት ተጸሚዶም ነበሩ። እታ ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) እትበሃል ኣብ ናይ ሓምለ/​ነሓሰ 1881 ሕታም ኣብ ትሕቲ “ንኽሰብኩ እተቐብኡ” ዝብል ኣርእስቲ ከምዚ በለት:- “እቲ ስብከት ብስራት መንግስቲ . . . ካብቶም ‘ትሑታት’ ምስ ክርስቶስ ሓቢሮም ዝነግሱ ኣካሉ ምእንቲ ኽምስረቱ ነቶም ክሰምዑ ዝኽእሉን ፍቓደኛታትን ይበጽሖም ኣሎ።” እቶም ዓየይቲ ኣምላኽ ዝበዝሕ ግዜ ንሰባት ቅዳሴ ሰሚዖም ካብ ኣብያተ⁠-​ክርስትያን ክወጹ ኸለዉ ይረኽብዎም ነበሩ: ነቶም ብቑዓት ነቲ መልእኽቲ ንኽቕበልዎ ዘነቓቕሖም ቅዱስ ጽሑፋዊ መልእኽቲ ዝሓዘ ትራክትታት ድማ ይዕድልዎም ነበሩ። እዚ ኣገባብ ምስክርነት እዚ ክሳዕ ክንደይ ኣስላጢ ምዃኑ ብጥንቃቐ ምስ ተመርመረ: እታ ናይ 15 ግንቦት 1903 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ነቶም ዓየይቲ “ሰንበት ቅድሚ ቐትሪ ካብ ቤት ናብ ቤት ” ብምኻድ ትራክትታት ክዕድሉ ተማሕጸነት።

12. ንኣሳልጦ ዕዮ ስብከትና ብኸመይ ኢና እንውስኸሉ፧ ኣብርሃዮ።

12 ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ንሰባት ኣብ ገዝኦም ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ካልእ ቦታታት እውን ብምርካብ ኣገልግሎትና ኣስፊሕናዮ ኢና። እዚ ኸኣ ነቶም ብሰንኪ ቝጠባዊ ዅነታትን መዘናግዒታትን ኣብ ገዝኦም ክንረኽቦም ዘይንኽእል ሰባት ንምርካብ ኣስላጢ ዀይኑ ኢዩ። ሓንቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዘላ ናይ የሆዋ ምስክርን መገላግልታን: ሰባት ኣብቲ ገማግም ባሕሪ ውዒሎም ብኣውቶቡስ ከም ዝምለሱ ምስ ተዓዘባ ኣብተን ኣውቶቡሳት ኣትየን ቅዳሓት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት ከበርክታሎም ብትብዓት ወሰና። ኣብ ሓደ ወርሒ 229 ቅዳሓት ኣበርከታ። ከምዚ ኢለን ከኣ ጸብጻብ ሃባ:- “የሆዋ ዅሉ ግዜ ምሳና ምዃኑ ስለ እንፈልጥ ኣብ ገማግም ባሕሪ: ናይ ንግዲ ቦታታት: ወይ ኣብ ካልእ በዳሂ ዝመስል ቦታታት ኬድና ምስባኽ ኣይንፈርህን ኢና።” ስርዓታውያን ኰይነን መጽሔት ዘብጽሓሎምን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብራሎምን ሰባት ረኸባ: ክልቴአን ከኣ ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይነን ኣገልገላ።

13. ኣብ ገለ ቦታታት ኣብ ኣገልግሎትና ከመይ ዝበለ ምትዕርራይ ምግባር ኢዩ ዘድሊ፧

13 ነቶም ቅኑዓት ሰባት ምድላይ ክንቅጽል ከሎና ኣብ ገለ ቦታታት ኣገልግሎትና ክሳዕ ክንደይ ኣስላጢ ምዃኑ ተጠንቂቕና ምምርማር የድልየና ይኸውን። ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰንበት ቅድሚ ቐትሪ ካብ ቤት ናብ ቤት ብምኻድ ናይ ምስባኽ ልምዲ እኳ እንተ ኣለዎም: ኣብ ገለ ቦታታት ግን እቶም ሰብ ገዛ ከዕርፉ ስለ ዝደልዩ ብንግሆኡ ናብ ኣባይቶም ምኻድ ኣስላጢ ኸይከውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር መደባቶም ብምትዕርራይ ኣጸቢቑ ምስ ረፈደ: ምናልባት እውን ድሕሪ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ይኸዱ ኢዮም። እዚ ድማ ብሓቂ ፍረ ዘለዎ ዀይኑ ተረኺቡ ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቍጽሪ ናይቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብ2.3 ሚእታዊት ወሲኹ ኢዩ። እዚ ኸኣ ንጐይታ እቲ እኽሊ ዘኽብሮ: ንዓና ኸኣ ሓጐስ ዘምጽእ ኢዩ።

ኣብቲ ናይ ምእካብ ዕዮ ሰላማዊ ምዃን

14. ንመልእኽትና ምስ ከመይ ዝበለ ኣረኣእያ ኢና እነቕርቦ: ስለምንታይከ፧

14 ነቶም ብቑዓት ክንደሊ ኸሎና ሰላማዊ ኣረኣእያ ስለ እንሕዝ እውን ካልእ ንሓጐስና ኣበርክቶ ዝገብር ረቛሒ ኢዩ። የሱስ “ናብ ቤት ምስ አቶኹም: ሰላም በሉ። እታ ቤት ነዚ እትበቅዕ እንተ ዀይና: ሰላምኩም ይሕደራ” በለ። (ማቴዎስ 10:12, 13) እታ ንሰላምታ እትውዕል ናይ እብራይስጢ ቓልን ምስኣ እትሰማማዕ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣትያ ዘላ ናይ ግሪኽ ስያመን ‘ጥዕና ሃበለይ’ ዝብል ሓሳብ ኢዩ ዘለወን። ንሰባት ብስራት ክንሰብከሎም ከሎና ነዚ ኣረኣእያ እዚ ከም መምርሒ ገይርና ክንሕዞ ኣሎና። ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብጽቡቕ ክምልስሉ ኢዩ ተስፋና። እቶም ዝቕበልዎ ካብ ሓጢኣቶም ተናሲሖም: ተመሊሶም ፍቓዱ ኽገብሩ ኸለዉ ምስ ኣምላኽ ክተዓረቑ ይኽእሉ ኢዮም። ምስ ኣምላኽ ሰላም ምግባር ከኣ ብግዴኡ ዘለኣለማዊ ህይወት ዘውህብ ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 17:⁠3፣ ግብሪ ሃዋርያት 3:⁠19፣ 13:⁠38, 48፣ 2 ቈረንቶስ 5:⁠18-20

15. ኣብ ዕዮ ስብከትና ምጽራር ከጋጥመና ኸሎ ብኸመይ ኢና ነቲ ዘሎና ሰላማዊ ኣረኣእያ ክንዕቅቦ እንኽእል፧

15 እቲ ዘጋጥመና መልሲ ጽቡቕ ምስ ዘይከውን ብኸመይ ኢና ሰላምና ክንዕቅብ እንኽእል፧ የሱስ እታ ቤት “ዘይትበቅዕ እንተ ዀነት ግና: ሰላምኩም ናባኻትኩም ይመለስ” ኢሉ ኣሎ። (ማቴዎስ 10:13) የሱስ ነቶም 70 ደቀ መዛሙርቱ ብኸመይ ከም ዝለኣኾም ሉቃስ ጸብጻብ ክህብ ከሎ ኸምዚ ዝስዕብ ዝብል ሓሳብ ጠቒሱ ኣሎ:- “ኣብኣ ወዲ ሰላም እንተሎ: ሰላምኩም ኣብኡ ኺሐድር እዩ: እንተ ዜልቦ ግና: ሰላምኩም ኪምለሰኩም እዩ።” (ሉቃስ 10:6) ንሰባት ብስራት ሒዝና ክንቀርቦም ከሎና ባህ ብዘብልን ሰላማዊ ብዝዀነ ኣገባብን ኢና እንገብሮ። እቲ በዓል ቤት ሸለልትነት ምስ ዘርኢ: ምስ ዘንጸርጽር ወይ ሕማቕ ዘረባታት ምስ ዝምልስ እቲ ናይ ሰላም መልእኽትና ከም ‘ዝምለሰልና’ ዝገብር ጥራይ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ግን ነቲ ሓደ ካብ ፍረ መንፈስ የሆዋ ዝዀነ ሰላምና ኣይሰርቆን ኢዩ።​—⁠ገላትያ 5:⁠22, 23

እቶም ዓየይቲ ዘለዎም ጽቡቕ ሸቶ

16, 17. (ሀ) ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብር ከሎና ሸቶና እንታይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፧ (ለ) ነቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶታት ዘለዎም ብኸመይ ኢና ክንሕግዞም እንኽእል፧

16 ዓየይቲ ከም ምዃንና መጠን ዘለኣለማዊ ህይወት ዝረኽቡ ሰባት ኣብ ምእካብ ግደ ስለ ዘሎና ንሕጐስ ኢና። ዝመስከርናሉ ሰብ መልእኽትና ብምቕባል ክማሃር ድሌት ብምሕዳር “ወዲ ሰላም” ምዃኑ ከረጋግጽ ከሎ ኣየ ከመይ ዝኣመሰለ ሓጐስ ኰን ኢዩ ዝስምዓና! ምናልባት ብዙሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶታት ይህልዎ እሞ ዅሉ ሕቶታቱ ኣብ ሓደ እዋን ክንምልሰሉ ኣይንኽእልን ንኸውን። ኣብታ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ ነዊሕ ክንጸንሕ ስለ ዘይንኽእል እንታይ ኢና ክንገብር እንኽእል፧ ከምቲ 60 ዓመታት ይገብር ተባሂሉ ዝነበረ ሸቶ ኽንገብር ንኽእል ኢና።

17 “ኵሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኻልኦት መጽሓፍ ቅዱስ ንኸጽንዑ ንምሕጋዝ ድሉዋት ክዀኑ ኣለዎም።” እዚ ኣብተን ካብ 1937 ክሳብ 1941 ብተኸታታሊ እተሓትማ ሞዴል ስታዲ ዘርእስተን ንኣሽቱ መጻሕፍቲ (እንግሊዝኛ) ኣብታ ሳልሰይቲ ዝወጸ ሓሳብ ኢዩ። ቀጺላ ከምዚ ትብል:- “ኵሎም ኣስፋሕቲ [መንግስቲ] ነቶም ኣብ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ብዝዀነ ይኹን መገዲ ንምሕጋዞም ህርኩታት ክዀኑ ኣለዎም። ንዘለዎም እተፈላለየ ሕቶታት ንምምላስ ካልእ ግዜ ምብጽሖም [ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባር] የድሊ። . . . ድሕርዚ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ . . . ጽንዓት ምጅማር ይከኣል ኢዩ።” እወ: ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብር ከሎና ቀንዲ ዕላማና ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማርን ንምምራሕን ኢዩ። a ምቕሉላት ምዃንን ፍቕራዊ ሓልዮት ምንጽብራቕን ጽቡቕ ገይርና ንኽንዳሎን ነቲ መጽናዕቲ ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ንኽንመርሖን ክድርኸና ኢዩ።

18. ሓደስቲ ሰባት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ንኽዀኑ ብኸመይ ኢና ክንሕግዞም እንኽእል፧

18 ብሓገዝ ናይታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ከምኡውን ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ ዘርእስታ ብሮሹር ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብምምራሕ ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሓደስቲ ሰባት ደቀ መዛሙርቲ ንኽዀኑ ኣብ ምሕጋዝ ክንካፈል ንኽእል ኢና። ኣብነት ናይቲ ዓቢ መምህር: የሱስ ክርስቶስ: ንምቕዳሕ ክንጽዕር ከሎና እቶም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም ሰባት እውን ካብቲ ሰላማውን ሓጐስ ዘለዎን ኣገባብና: ቅንዕናና ከምኡውን ንስርዓታትን መምርሒታትን የሆዋ ዘሎና ኣኽብሮት ብዙሕ ክማሃሩ ይኽእሉ ኢዮም። ንሓደስቲ ሰባት ዘለዎም ሕቶታት ብምምላስ ክንሕግዞም ከሎና: ነቶም ዝሓትዎም እውን ከመይ ገይሮም ክምልስሎም ከም ዘለዎም ንኸነርእዮም ዝከኣለና ዅሉ ንግበር። (2 ጢሞቴዎስ 2:⁠1, 2፣ 1 ጴጥሮስ 2:⁠21) ምሳልያውያን ዓየይቲ እኽሊ ከም ምዃንና መጠን: ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መላእ ዓለም ብገምጋም 4,766,631 ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብምምራሕና ብርግጽ ክንሕጐስ ንኽእል ኢና። ብብሕትና ካብ መንጎ እቶም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝመርሑ ዓየይቲ ምስ እንኸውን ብፍላይ ሓጐስ ኣሎና።

በቲ ዕዮ ምእካብ ብቐጻሊ ተሓጐሱ

19. ኣብቲ የሱስ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ዝገብረሉ ዝነበረ ግዜን ብድሕሪኡን በቲ ናይ ምእካብ ዕዮ ንምሕጓስ እንታይ ምኽንያታት ነበረ፧

19 ኣብቲ የሱስ ዘገልግለሉ ዝነበረ እዋንን ብድሕሪኡ ኣብ ዝነበረ ግዜን ኣብቲ ናይ ምእካብ ዕዮ ንሓጐስ ዝኸውን ብዙሕ ምኽንያታት ነይሩ ኢዩ። ሽዑ ብዙሓት ነቲ ብስራት ብጽቡቕ ተቐበልዎ። ብፍላይ ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. 3,000 ዝዀኑ ሰባት መምርሒ ጴጥሮስ ተቐቢሎም ካብ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ምስ ወረዶም ከምኡውን ክፍሊ ናይቶም ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበሩ መንፈሳውያን እስራኤል ምስ ኰኑ ብዙሕ ሓጐስ ነበረ። “እግዚኣብሄር . . . ዚድሕኑ ኣብ ጸጽባሕ ናብታ ማሕበር ይውስኽ ነበረ:” እዚ ኸኣ ቍጽሮም ክብ ከም ዝብልን ሓጐሶም ከም ዝጅርብብን ገይሩ ኢዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 2:​37-​41, 46, 47፣ ገላትያ 6:​16፣ 1 ጴጥሮስ 2:⁠9

20. ኣብቲ ናይ ምእካብ ዕዮና ሓጐስና ከም ዝጅርብብ ዝገብር እንታይ ኢዩ፧

20 ኣብቲ ግዜ እቲ ትንቢት ኢሳይያስ ሓቂ ምዃኑ ተረጋገጸ። ከምዚ ይብል:- “[የሆዋ] ነቲ ህዝቢ ኣብዛሕካዮ: ንሓጐሶም ከኣ ኣዕቤኻዮ: ከምቲ ሓጐስ ቀውዕን ከምቲ ምርኮ ኺማቐሉ ኸለዉ ዚሕጐሱን: ከምኡ ኣብ ቅድሜኻ ይሕጐሱ።” (ኢሳይያስ 9:3) ሕጂ እቲ ‘ብዙሕ ህዝቢ’ ናይቶም ቅቡኣት እንተ ተወድአ እኳ: ካልኦት ዓየይቲ እቲ እኽሊ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ክበዝሕ ክንርእዮ ኸሎና ግን ሓጐስና ይጅርብብ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 4:⁠7፣ ዘካርያስ 8:⁠23፣ ዮሃንስ 10:⁠16

21. ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ክንመያየጥ፧

21 ኣብቲ ናይ ምእካብ ዕዮ ብቐጻሊ ንኽንሕጐስ ብርግጽ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና። እቲ እንሰብኮ ተስፋ ዝህብ መልእኽቲ: ነቶም ዝበቕዑ ሰባት ምድላይና: ከምኡውን ሰላማዊ ኣረኣእያ ስለ ዘሎና ከም ዓየይቲ እቲ እኽሊ መጠን ዘሐጕሰና ረቛሒታት ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ብዙሓት እውን ይጻረሩና ኢዮም። ሃዋርያ ዮሃንስ ነዚ ተመኲርዎ ኢዩ። ‘ቃል ኣምላኽን ብዛዕባ የሱስን ብምምስካሩ’ ኣብ ደሴት ጳጥሞስ ተኣሲሩ ነበረ። (ራእይ 1:⁠9) ይኹን እምበር: መስጐጕትን ምጽራርን ከጋጥመና ኸሎ ብኸመይ ኢና ሓጐስና ኽንዕቅብ እንኽእል፧ እቶም ቃል ኣምላኽ እንሰብከሎም ሰባት ዘርእይዎ ትሪ ብኸመይ ኢና ክንጽመሞ እንኽእል፧ እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ነዚ ሕቶታት እዚ ኣብ ምምላስ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓገዝ ክትህበና ኢያ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መጽናዕቲ መጀመርታ ኣብቲ ተገዳስነት ዘለዎም ጕጅለ ሰባት ዝርከብዎ ቦታ ኢዩ ዝግበር ነይሩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግን እቲ መጽናዕቲ ንውልቀ⁠-​ሰባትን ስድራ​ቤታትን እውን ክግበረሎም ጀመረ።​—⁠ኣብታ ጂሆቫስ ዊትነስስ —⁠ፕሮክለይመርስ ኦቭ ጎድስ ኪንግዶም እትበሃል ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 574 ርአ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• እቲ ምሳልያዊ ናይ ምእካብ ዕዮ እን​ታይ ኢዩ፧

• እንታይ ዓይነት መልእኽቲ ኢና እንእውጅ፧

• እቲ ደቀ መዛሙርቲ ንምርካብ እንገብሮ ምድላይ ዕዉት ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

• ኣብቲ ናይ ምእካብ ዕዮ ሰላምና ክንዕቅብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ኣብቲ ናይ ምእካብ ዕዮ ብቐጻሊ ኽንሕጐስ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ቀዳማይን መበል 20 ዘመንን ብስራት ምስባኽ

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ዓየይቲ ልክዕ ከም ጳውሎስ ንሰባት ንምርካብ ኣብ ኵሉ ቦታ ኢዮም ዝኸዱ

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ባህ ዘብል መንፈስ ሒዝካ ነቲ ብስራት ስበኽ