ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኦሪጀን ትምህር ትታቱ ንቤተ ክርስትያን ብኸመይ ጸለዋ፧

ኦሪጀን ትምህር ትታቱ ንቤተ ክርስትያን ብኸመይ ጸለዋ፧

ኦሪጀን ትምህር ትታቱ ንቤተ ክርስትያን ብኸመይ ጸለዋ፧

እቲ ናይ ላቲን ቩልጌት መጽሓፍ ቅዱስ ዝተርጐመ ጀሮም ነቲ ኣብ ሳልሳይ ዘመን ዝነበረ ናይ ሃይማኖት ምሁር ኦሪጀን “ድሕሪ ሃዋርያት እቲ ዝዓበየ መምህር ቤተ⁠-​­ክርስትያን” ኢሉ ወደሶ። እንተ​­ዀነ ግን: ንኦሪጀን ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ኽብሪ ዝህቦ ዅሉ ሰብ ኣይኰነን። ገሊኣቶም ከም መበቈል መናፍቕነት ዝዀነ እኩይ ሱር ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ሓደ ኣብ መበል 17 ዘመን ዝነብር ዝነበረ ጸሓፊ ንኦሪጀን ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ነቐፎ:- “እቲ ናብ ዓለም ዝተፍኦ ሰረተ⁠-​­እምነቱ ብሓፈሻ ኽርአ ኸሎ ትርጕም ኣልቦ: ጐዳኢ: ከም መርዚ ተመን ዝቐትል ኢዩ።” ድሕሪ ሞቱ ሰለስተ ዝኸውን ዘመናት ጸኒሑ: ኦሪጀን መናፍቕ ተባሂሉ ብወግዒ ተወገዘ።

 ኦሪጀን ክነኣድን ጸላእቲ ኸፍርን ዝኸኣለ ስለምንታይ ኢዩ፧ ኣብቲ ናይ ቤተ⁠-​­ክርስትያን ሰረተ⁠-​­እምነት እንታይ ጽልዋ ኢዩ ኣሕዲሩ፧

ንቤተ⁠-​­ክርስትያን ቀናእ

ኦሪጀን ብ185 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ግብጺ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣሌክሳንደርያ ተወልደ። ብዛዕባ ጽሑፋት ግሪኽ ጽዑቕ ትምህርቲ ወሲዱ ኢዩ፣ ኣቦኡ ሊዮኒዲስ ግን ቅዱሳት ጽሑፋት ንምጽናዕ ክንድኡ ጻዕሪ ኽገብር ገደዶ። ኦሪጀን ወዲ 17 ዓመት ከሎ ዝነበረ ናይ ሮማ ሃጸይ: ሃይማኖት ምቕያር ገበን ምዃኑ ዝገልጽ ኣዋጅ ኣውጽአ። ኣቦ ኦሪጀን ክርስትያን ስለ ዝነበረ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣተወ። ኦሪጀን ከም መንእሰይ መጠን ውዕዉዕ ስምዒት ስለ ዝነበሮ ምስ ኣቦኡ ኽእሰርን ሰማእት ክኸውንን ቈረጸ። ኣደ ኦሪጀን ነዚ ብምርኣይ ካብ ገዛ ምእንቲ ኸይወጽእ ክዳውንቱ ሓብአቶ። ኦሪጀን ንኣቦኡ ብደብዳበ ገይሩ “ንዓና ኽትብል ሓሳብካ ኸይትቕይር ተጠንቀቕ” ብምባል ተማሕጸኖ። ሊዮኒዲስ ጸኒዑ ስለ ዝቐጸለ ንስድራ​­ቤቱ ኣብ ድኽነት ገዲፍዋ ተቐትለ። ኦሪጀን ግን ድሮ ኣብ መጽናዕቱ ብዙሕ ሰጒሙ ስለ ዝነበረ ጽሑፋት ግሪኽ ብምምሃር ንኣዲኡን ንሽዱሽተ ንኣሽቱ ኣሕዋቱን ክኣሊ ኸኣለ።

ውጥን ናይቲ ሃጸይ ነቲ ዘስፋሕፍሕ ዝነበረ ክርስትና ንምዕጋት ኢዩ ነይሩ። እቲ ኣዋጅ ነቶም ተማሃሮ ጥራይ ዘይኰነስ ንመምህራን እውን ዝትንክፍ ስለ ዝነበረ: ኵሎም ክርስትያናት መምህራን ሃዲሞም ካብ ኣሌክሳንደርያ ወጹ። ክርስትያናት ዘይኰኑ ሰባት ቅዱስ ጽሑፋዊ መምርሒ ደልዮም ናብቲ መንእሰይ ዝነበረ ኦሪጀን ምስ ቀረቡ: ነዚ ዕዮ እዚ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝመጸ መዝነት ገይሩ ብሓጐስ ተቐበሎ። ብዙሓት ካብቶም ተማሃሮኡ: አረ ገሊኦምስ ገና ትምህርቶም ከይወድኡ ሰማእታት ኰኑ። ኦሪጀን ንህይወቱ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ዅነታት ብምእታው ንተማሃሮኡ ኣብ ቅድሚ ዳኛ: ኣብ ቤት ማእሰርቲ: ወይ ክቕተሉ ክኸዱ ኸለዉ ብግሁድ የተባብዖም ነበረ። ኣብ ራብዓይ ዘመን ዝነበረ ዩሲቤስ እተባህለ ጸሓፍ ታሪኽ: ኦሪጀን ተማሃሮኡ ክቕተሉ ክኸዱ ኸለዉ “ብድፍረት ሓቚፉ ይስዕሞም” ምንባሩ ይገልጽ።

ብዙሓት ክርስትያናት ዘይኰኑ ሰባት ብናይ ፈተውቶም ሃይማኖት ምቕያርን ሞትን ንኦሪጀን ተሓታቲ ገይሮም ይርእይዎ ስለ ዝነበሩ ጸልእዎ። ኦሪጀን እውን ብተደጋጋሚ ኻብ እምባጋሮን ክፉእ ኣቀታትላን ንስክላ ይወጽእ ነበረ። ካብቶም ሃደንቱ ንምምላጥ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኽሃድም እኳ እንተ ነበሮ: ትምህርትታቱ ግን ኣይገደፈን። ከምዚ ዝኣመሰለ ትብዓትን ተወፋይነትን ነቲ ናይ ኣሌክሳንደርያ ኣቡን ዝነበረ ዲሚትሪዩስ መሰጦ። ስለዚ: ኦሪጀን ገና ወዲ 18 ዓመት ከሎ: ዲሚትሪዩስ ናይቲ ኣብ ኣሌክሳንደርያ ዝርከብ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ ርእሰ⁠-​­መምህር ገይሩ ሸሞ።

ድሕሪ ግዜ: ኦሪጀን ፍሉጥ ምሁርን ብዙሕ ጽሑፋት ዘበርከተ ጸሓፍን ኰነ። ገሊኣቶም 6,000 ዝኸውን መጻሕፍቲ ጽሒፉ ይብሉ: እዚ ግን ምግናን ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ። በቲ ሄክሳፕላ ዝበሃል ኣዝዩ ዓቢ ጽሑፍ: 50 ጥራዛት ዘለዎ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ሕታም ኣጸቢቑ ይፍለጥ ኢዩ። ኦሪጀን ነቲ ሄክሳፕላ ኣብ ሽዱሽተ ዓምድታት ሰርዖ:- (1) ናይ እብራይስጥን ኣረማይስጥን ጽሑፍ: (2) ግሪኽኛ ስግረ⁠-​­ፊደል ናይቲ ጽሑፍ: (3) ናይ ኣኪላ ናይ ግሪኽ ትርጕም: (4) ናይ ሲመከስ ናይ ግሪኽ ትርጕም: (5) ምስ ናይ እብራይስጢ ቕዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቑ ምእንቲ ኽቀራረብ ኦሪጀን ኣሪሙ ዘቕረቦ ናይ ግሪኽ ሰፕቱጀንት: (6) ናይ ቲዮዶቲዮን ናይ ግሪኽ ትርጕም። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ጆን ሆርት ከምዚ በለ:- “ኦሪጀን ነዚ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምትእኽኻብ ነቲ ሓደ ግሪኻዊ ኣንባቢ ሰፕቱጀንት ጥራይ እንተ ዝቐርበሉ ኸይርድኦ ወይ ከደናግሮ ዝኽእል ብዙሕ ክፋላት ኣብ ምንጻር ክሕግዞ ተስፋ ገይሩ ኢዩ።”

‘ክንየው እቲ ጽሑፍ ምሕሳብ’

ይኹን እምበር: እቲ ኣብ ሳልሳይ ዘመን ዝነበረ እተሓናፈጸ ሃይማኖታዊ ሃዋሁ ነቲ ኦሪጀን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንዝርከብ ትምህርትታት ዝነበሮ ኣቀራርባ ብዙሕ ጸልይዎ ኢዩ። ህዝበ⁠-​­ክርስትና ገና ዘይዓበየ እኳ እንተ ነበረ: በቲ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ እምነታት ግን ድሮ ተበሪዙ ኢዩ ነይሩ: እተን ፋሕ ኢለን ዝነበራ ኣብያተ⁠-​­ክርስትያን ህዝበ⁠-​­ክርስትና ኸኣ እተፈላለየ ሰረተ⁠-​­እምነታት ኢየን ዝምህራ ነይረን።

ኦሪጀን ንገለ ኻብዚ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ሰረተ⁠-​­እምነታት ሃዋርያት ዝማሃርዎ ትምህርቲ ብምባል ተቐቢልዎ ኢዩ። እንተ​­ዀነ ግን ንገሊኡ ሕቶታት ካብ ምምርማር ድሕር ኣይብልን ኢዩ ነይሩ። ብዙሓት ተማሃሮኡ ምስቲ ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረ ፍልስፍናታት ይቃለሱ ኢዮም ነይሮም። ኦሪጀን ነቶም መንእሰያት ተማሃሮኡ ንኽሕግዝ ኢሉ ነቲ ንኣእምሮኦም ዝቐርጽ ዝነበረ እተፈላለየ ፍልስፍናታት ጽቡቕ ገይሩ ኣጽንዖ። ተማሃሮኡ ንዝሓትዎ ኣብ ፍልስፍና እተመስረተ ሕቶ ዘዕግብ መልሲ ኽህቦም ወሰነ።

ኦሪጀን ንመጽሓፍ ቅዱስ ምስ ፍልስፍና ኸሰማምዕ ክጽዕር ከሎ: ቅዱሳት ጽሑፋት ስዉር መንፈሳዊ ትርጕም ኣለዎ ኣብ ዝብል ኣረኣእያ ዝያዳ ተመርኰሰ። ቅዱሳት ጽሑፋት ኵሉ ሳዕ መንፈሳዊ ትርጕም ከም ዘለዎ: ወትሩ ግን ቃል ብቓሉ ዝዀነ ትርጕም ኣለዎ ማለት ከም ዘይኰነ ኢዩ ዝኣምን ነይሩ። እዚ ኸኣ: ሓደ ምሁር ከም ዝበሎ: ኦሪጀን “ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓሳባት ብልክዕ ዝትርጕምን ውዕዉዕ ተገዳስነት ዘለዎን ሰብ ኣነ ኢየ ኢሉ ይዛረብ እኳ እንተ ነበረ: (ብዘይ​­ጥርጥር ከኣ ከምኡ ኸም ዝዀነ ብቕንዕና ይሓስብ ነይሩ ኢዩ) ንመጽሓፍ ቅዱስ ምስ ዝዀነ ይኹን ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳብ ኣሰማሚዑ ኸምቲ ንሱ ዝስዕቦ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ገይሩ ንኽትርጕሞ” መገዲ ኸፊትሉ ኢዩ።

እታ ኦሪጀን ንሓደ ተማሃራዩ ዝጸሓፋ ደብዳበ ነዚ ኣተሓሳስባኡ ንኽንግንዘቦ ተኽእለና ኢያ። እስራኤላውያን ንናይ የሆዋ ቤት መቕደስ ዝኸውን ኣቝሑ ኻብ ግብጺ ብዝወሰድዎ ወርቂ ኸም ዝሰርሑ ሓበረ። በዚ ኸምዚ ክርስትና ንምምሃር ናይ ግሪኽ ፍልስፍና ንኽጥቀም ደገፍ ዝዀኖ ስዉር መንፈሳዊ ትርጕም ከም ዝረኸበ ገለጸ። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ጸሓፈ:- “እቲ ግብጻውያን ብግቡእ ዘይጥቀመሉ ዝነበሩ: እብራውያን ግን ብጥበብ ኣምላኽ ተመሪሖም ንኣገልግሎት ኣምላኽ ዘውዓልዎ ኻብ ግብጺ ሒዞሞ ዝደየቡ ነገራት ንደቂ እስራኤል ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ጠቒምዎም።” በዚ ኸምዚ ኦሪጀን ንተማሃሮኡ “ካብ ናይ ግሪኽ ፍልስፍና: ንክርስትና ንኸተጽንዕ ወይ እተዳለኻ ንኽትከውን ዘኽእል ዝዀነ ይኹን ሓሳብ ክወስዱ” ኣተባብዖም።

እዚ ቐይዲ ዘይነበሮ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝወሃብ ትርጕም ንሰረተ⁠-​­እምነት ክርስትና ካብ ፍልስፍና ግሪኽ ንምፍላይ ዘጸገም ከም ዝኸውን ገበሮ። ንኣብነት: ኦሪጀን ኣብታ ናይ መጀመርታ ስርዓታት ዘርእስታ መጽሓፉ (ላቲን) ንየሱስ ‘ከም ሓደ በይኑ ውሉድ: ግን ከኣ መጀመርታ ዘይብሉ’ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። ወሲኹ ድማ ‘ወለዶኡ ዘለኣለማውን ነባርን ኢዩ። ውሉድ ዝዀነ ብሓደ ደጋዊ ተግባር ማለት እስትንፋስ ህይወት ብምቕባል ዘይኰነስ ብባህርይ ኣምላኽ ኢዩ’ በለ።

ኦሪጀን ነዚ ሓሳብ እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይረኸቦን: ከመይሲ ቅዱሳት ጽሑፋት እቲ ሓደ ወዲ የሆዋ ‘በዅሪ ዅሉ ፍጥረት’ ከምኡውን “መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ” ከም ዝዀነ ኢዩ ዝምህር። (ቈሎሴ 1:⁠15፣ ራእይ 3:⁠14) ብመሰረት ሃይማኖታዊ ጸሓፍ ታሪኽ ኣጉስተስ ኒያንደር ዝበሎ: ኦሪጀን ኣብዚ “ዘለኣለማዊ ወለዶ” ዝብል ኣተሓሳስባ ዝበጽሐ በቲ “ኣብ ናይ ፕላቶ ቤት ትምህርቲ እተማህሮ ፍልስፍና ኢዩ።” ስለዚ: ኦሪጀን ነቲ ‘ክንየው እቲ ጽሑፍ ኣይትሕሰቡ’ ዝብል መሰረታዊ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓት ጥሒሱ ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 4:⁠6

መናፍቕ ተባሂሉ ተወገዘ

ኦሪጀን መምህር ምስ ኰነ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ዓመታት: ናይ ኣሌክሳንደርያ ሲኖዶስ መዓርግ ቅሽነቱ ቀንጠጦ። እዚ ዝዀነ ምናልባት ኣቡን ዲሚትሪዩስ: ተፈላጥነት ኦሪጀን እናዓበየ ብምኻዱ ስለ ዝቐንአ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኦሪጀን ናብቲ ኸም ውሩይ ተጣባቒ ሰረተ⁠-​­እምነት ክርስትና ዀይኑ ብኣድናቖት ዝረኣየሉ ዝነበረ ጳለስጢና ገዓዘ እሞ ኣብኡ ቀሺ ዀይኑ ቐጸለ። አረ ኣብ ምብራቕ “መናፍቕነት” ምስ ገንፈለ: ነቶም እተጋገዩ ኣቡናት ናብቲ ዝጸንሐ እምነት ንኽምለሱ ምእንቲ ኸእምኖም ሓገዝ ክህብ ተሓቲቱ ኢዩ። ብ254 ከ.ኣ.ዘ. ምስ ሞተ ግን ስሙ ኣዝዩ ሓሰረ። ስለምንታይ፧

ስመ⁠-​­ክርስትያን ዓብላሊት ሃይማኖት ምስ ኰነት: እታ ቤተ⁠-​­ክርስትያን ዝጸንሓና ኢዩ ኢላ እተቐበለቶ ትምህርትታት ጸቢብ ትርጕም ተዋህቦ። ስለዚ: እቶም ብድሕሪኡ ዝመጹ ናይ ሃይማኖት ምሁራት መብዛሕትኡ ነቲ ናይ ኦሪጀን ግምታውን ዘይቅኑዕን ፍልስፍናዊ ኣረኣእያታት ኣይተቐበልዎን። በዚ ምኽንያት እዚ ትምህርትታቱ ኣብ ውሽጢ ቤተ⁠-​­ክርስትያን ብርቱዕ ክትዕ ኣበገሰ። እታ ቤተ⁠-​­ክርስትያን ነዚ ክትዕ እዚ መዕለቢ ንምግባርን ሓድነት ንምሕላውን ብወግዒ ኦሪጀን መናፍቕ ምዃኑ ኣወጀት።

ኦሪጀን ጥራይ ኣይኰነን ከምዚ ዝኣመሰለ ጌጋ ዝፈጸመ። መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ ንጹህ ትምህርትታት ክርስቶስ ዘላግሱ ኸም ዘለዉ ሓቢሩ ኢዩ። እዚ ኽሕደት እዚ ሃዋርያት የሱስ ምስ ሞቱ ኣብ መወዳእታ ቀዳማይ ዘመን ክዓቢ ጀመረ። (2 ተሰሎንቄ 2:⁠6, 7) ድሕሪ ግዜ ገለ ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ንገዛእ ርእሶም “ሰዓብቲ ዝጸንሐ እምነት” ኢሎም ብምስያም ንዅሎም ካልኦት “መናፍቓን” በልዎም። ብሓቂ ኽርአ ኸሎ ግን ህዝበ⁠-​­ክርስትያን ካብ ሓቀኛ ክርስትና ኣጸቢቓ ርሒቓ ኢያ ነይራ።

‘ብሓሶት ፍልጠት እተባህለ’

ነቲ ኦሪጀን ዝገበሮ ኣብ ግምት እተመርኰሰ ምርምራት ገዲፍካ ስርሑ ጠቓሚ ነገራት ይርከቦ ኢዩ። ንኣብነት: እተን ንስም ኣምላኽ ዝውክላ ቴትራግራማተን ዝበሃላ ኣርባዕተ ጥንታውያን ናይ እብራይስጢ ፊደላት ኣብቲ ሄክሳፕላ ሰፊረን ይርከባ። እዚ ኸኣ ጥንታዎት ክርስትያናት ነቲ የሆዋ ዝብል ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ይፈልጥዎን ይጥቀምሉን ምንባሮም ኣገዳሲ መርትዖ ይዀነና ኢዩ። እንተ​­ዀነ ግን: እቲ ቲዮፈለስ ዝበሃል ኣብ ሓሙሻይ ዘመን ዝነበረ ናይ ቤተ⁠-​­ክርስትያን ፓትርያርክ ከምዚ ብምባል ኣጠንቂቑ ኣሎ:- “ኦሪጀን ዘዳለዎ ጽሑፋት ከም እተፈላለየ ዕምባባታት ዝርከቦ ሸኻ ኢዩ። ጽብቕቲ ዕምባባ እንተ ረኺበ እወስዳ፣ ኣሻዅ ኰይና እንተ ተራእያትኒ ግን ከምቲ ኻብ እሾኽ ዝርሕቕ ነዚኣውን ኣይቀርባን ኢየ።”

ኦሪጀን ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ፍልስፍና ግሪኽ ስለ ዝሓዋወሶ እቲ ዘቘሞ ትምህርቲ ሃይማኖት ብጌጋታት ተመልአ: ከም ሳዕቤን ናይዚ ኸኣ ንህዝበ⁠-​­ክርስትያን ብዙሕ ጕድኣት ኣምጸኣላ። ንኣብነት: መብዛሕትኡ ኦሪጀን ዘበገሶ መሰረት ዘይብሉ ምርምራት ደሓር እንተ ተነጽገ እኳ: ብዛዕባ “ዘለኣለማዊ ወለዶ” ክርስቶስ ዝነበሮ ኣረኣእያ ግን ነቲ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዘይኰነ ሰረተ⁠-​­እምነት ስላሴ መሰረት ኣንቢሩ ኢዩ። እታ ዘ ቸርች ኦቭ ዘ ፈርስት ስሪ ሰንችሪስ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) “[እቲ ብኦሪጀን እተኣታተወ] ፍልስፍና ናይ ምጥቃም ምርጫ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ኢዩ” በለት። እንታይከ ኣፍረየ፧ “እቲ ቕኑዕ ዝነበረ እምነት ክርስትና ተበከለ: ማእለያ ዘይብሉ ጌጋታት ከኣ ናብታ ቤተ⁠-​­ክርስትያን ክኣቱ ጀመረ።”

ኦሪጀን ካብቲ ‘ብሓሶትሲ ፍልጠት ተብሂሉ ዘሎ ርኹስ ሃተውተውን ክትዕን ርሒቑ’ ንኽሕደት ኣበርክቶ ኻብ ምግባር ብምቝጣብ: ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃቦ ማዕዳ ከቕልብ ይኽእል ነይሩ። እንተ​­ዀነ ግን: ትምህርትታቱ ኣብቲ ብሓሶት “ፍልጠት” ተባሂሉ ዘሎ ብዝያዳ ኸም ዝምርኰስ ብምግባሩ: ‘ካብ እምነት ዘምቢሉ’ ኢዩ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 6:⁠20, 21፣ ቈሎሴ 2:⁠8

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ኦሪጀን ዝጸሓፎ “ሄክሳፕላ:” ኣብ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ስም ኣምላኽ ከም ዝነበረ የርኢ

[ምንጪ ስእሊ]

Published by permission of the Syndics of Cambridge University Library, T-S 12.182

[ምንጪ ስእሊ]

Culver Pictures