ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓመታዊ ኣኼባ 6 ጥቅምቲ 2001

ዓመታዊ ኣኼባ 6 ጥቅምቲ 2001

ዓመታዊ ኣኼባ 6 ጥቅምቲ 2001

 ዓመታዊ ኣኼባ ኣባላት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ 6 ጥቅምቲ 2001 ኣብቲ ኣብ ጀርሲ ሲቲ: ኒው ጀርሲ 2932 ኬነዲ ቡልቫርድ ዝርከብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሽ ክግበር ኢዩ። እቶም ኣባላት ጥራይ ዝገብርዎ ናይ መጀመርታ ኣኼባ ሰዓት 9:15 ቅ.ቐ. ክግበር ኢዩ: ስዒቡ ሰዓት 10:00 ቅ.ቐ. ድማ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ኣኼባ ክግበር ኢዩ።

ኣባላት ናይቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝዀነ ይኹን ናይ ኣድራሻታት ለውጢ ዝገበርዎ እንተ​ድኣ ኣሎ ዀይኑ: እቲ ናይ ምልክታ ደብዳበን ናይ ውክልና ወረቐትን ኣብ ሓምለ ምእንቲ ኽበጽሖም ነቲ ጸሓፊ ሕጂ ኸፍልጥዎ ይግባእ።

እቲ ነቶም ኣባላት ምስቲ ናይ ዓመታዊ ኣኼባ ምልክታ ዝስደደሎም ናይ ውክልና ወረቐት: ነቲ ናይ ማሕበር ጸሓፊ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኸይደንጐየ ቅድሚ 1 ነሓሰ ምእንቲ ኽበጽሖ ክምለስ ኣለዎ። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ብኣካል ኣብቲ ኣኼባ ክህሉ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብምጥቃስ ነቲ ናይ ውክልና ወረቐት ቀልጢፉ ብምምላእ ክመልሶ ኣለዎ። እቲ ናይ ውክልና ወረቐት ብኣካል መን ኣብቲ ኣኼባ ከም ዝርከብ ንምውሳን ዝጠቅም ስለ ዝዀነ: ብዛዕባ እዚ ነጥቢ እዚ ነፍሲ ወከፍ ኣብኡ ተዋሂቡ ዘሎ ሓበሬታ ንጹር ክኸውን ኣለዎ።

እቲ ፕሮግራም ብምሉኡ: ነቲ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ኣኼባን ጸብጻብን ሓዊስካ: ሰዓት 1:00 ድ.ቐ. ወይ ድሕሪኡ ቁሩብ ጸኒሑ ኽውዳእ ትጽቢት ይግበር። ናይ ድሕሪ ቐትሪ ፕሮግራም ኣይክህሉን ኢዩ። ብምኽንያት እቲ ዘሎና ውሱን ቦታ: መእተዊ ብወረቐት ጥራይ ኢዩ ክኸውን። ነቲ ዓመታዊ ኣኼባ ናብ ካልኦት ኣደራሻት ብተሌፎን ናይ ምትሕልላፍ መደብ የለን።