ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዘይመውት መንፈስ ኣሎካ ድዩ፧

ዘይመውት መንፈስ ኣሎካ ድዩ፧

ዘይመውት መንፈስ ኣሎካ ድዩ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16) እወ: መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ዝሃበና መጽሓፍ ሓቂ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 83:⁠18 NW

የሆዋ ንዅሉ ነገራት: ዋላ እውን ንደቅ​ሰብ: ስለ ዝፈጠረ ምስ ሞትና እንታይ ከም እንኸውን ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ። (እብራውያን 3:⁠4፣ ራእይ 4:⁠11) ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓሉ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወት ሓቀኛን ዘዕግብን መልሲ ሂቡና ኣሎ።

መንፈስ እንታይ ኢዩ፧

እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “መንፈስ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ በዅሪ ቓል ብመሰረቱ “እስትንፋስ” ማለት ኢያ። እዛ ቓል እዚኣ ግን ካብ ምስትንፋስ ንላዕሊ ዘጠቓለለት ኢያ። ንኣብነት: ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ያእቆብ “ስጋ ብዘይ​ መንፈስ ምዉት” ምዃኑ ገለጸ። (ያእቆብ 2:⁠26) ስለዚ: መንፈስ ክበሃል ከሎ ንኣካል ህያው ዝገብሮ ነገር ማለት ኢዩ።

እዚ ህይወት ዝህብ ሓይሊ ኣብ ሰናቡእ ዝንቀሳቐስ እስትንፋስ ወይ ኣየር ጥራይ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ምስትንፋስ ምስ ተቛረጸ እውን ዋህዮታት ንእተወሰነ ግዜ ህያዋን ኰይኖም ይቕጽሉ ኢዮም፣ ብመሰረት ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ (እንግሊዝኛ) “ንገለ ደቓይቕ” ኢዩ ህይወት ዝህልዎም። በዚ ምኽንያት እዚ ምስትንፋስ ኣቋሪጹ ዝነበረ ሰብ ናብ ህይወት ምምላስ ይከኣል ኢዩ። እቲ ዘይርአ ሓይሊ ህይወት ካብ ዋህዮታት ናይቲ ኣካል ምስ ዝጠፍእ ግን እንደገና ህያው ንምግባር ዝግበር ጻዕሪ ኸንቱ ኢዩ። ኣብ ዓለም ዘሎ እስትንፋስ ወይ ኣየር ብምሉኡ እኳ እንተ ዝእከብ: ንሓንቲ ዋህዮ እውን ትኹን እንደገና ህያው ክገብራ ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ: መንፈስ ንዋህዮታትን ንሰብን ህያው ዝገብር ዘይርአ ሓይሊ ህይወት ኢዩ። እዚ ሓይሊ ህይወት እዚ ኸኣ ብምስትንፋስ ኢዩ ዝቕጽል።​—⁠እዮብ 34:⁠14, 15

እዚ መንፈስ እዚ ኣብ ደቅሰብ ጥራይ ድዩ ዝርከብ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ መዳይ እዚ: ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ንኽንበጽሕ ይሕግዘና ኢዩ። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን ንሰባትን እንስሳታትን “ንዅሎም ሓንቲ እስትንፋስ [“መንፈስ:” NW ] አላቶም” ብምባል ገሊጹ ኢዩ: ከምዚ ኢሉ እውን ሓተተ:- “እስትንፋስ [“መንፈስ:” NW ] ደቂ ሰብ ንላዕሊ ኸም እትድይብ: እስትንፋስ [“መንፈስ:” NW ] እንስሳ ኸኣ ናብ ትሕቲ ምድሪ ኸም እትወርድከ መን ይፈልጥ፧” (መክብብ 3:⁠19-21) ስለዚ ደቅሰብ ኰኑ እንስሳታት መንፈስ ኣለዎም። እዚ ብኸመይ ክኸውን ይኽእል፧

መንፈስ ወይ ሓይሊ ህይወት ምስ ናብ ማሽን ወይ መሳርሒ ዝውሕዝ ኤለክትሪክ ክመሳሰል ይኽእል ኢዩ። እቲ ዘይርአ ኤለክትሪክ ከከም እቲ ዘንቀሳቕሶ መሳርሒ እተፈላለየ ነገራት ክፍጽም ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ብኤለክትሪክ ንእትሰርሕ ምድጃ ሙቐት ከም እተመንጩ: ንኮምፕዩተር ሓበሬታ ኸም እትህብን እትምዝግብን: ንቴለቪዥን ከኣ ምስሊ ኸም እተርእን ድምጺ ኸም እተውጽእን ክገብር ይኽእል ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: እቲ ዋሕዚ ኤለክትሪክ ፈጺሙ ባህርይ ናይቲ መሳርሒ ኣይሕዝን ኢዩ። ሓይሊ ኻብ ምዃን ሓሊፉ ዝገብሮ የለን። ብተመሳሳሊ እውን ሓይሊ ህይወት ባህርይ ናይቲ ህያው ዝገብሮ ፍጥረት ኣይሕዝን ኢዩ። መለለዪ ባህርይ ኰነ ናይ ምሕሳብ ክእለት የብሉን። ደቅ​ሰብን እንስሳታትን “ሓንቲ እስትንፋስ [“መንፈስ:” NW ] አላቶም።” (መክብብ 3:⁠19) ስለዚ: ሓደ ሰብ ክመውት ከሎ መንፈሱ መንፈሳዊ ፍጥረት ብምዃን ኣብ ካልእ ዓለም ኣይነብርን ኢዩ።

ምዉታት ደኣ እሞ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት ኢዮም ዘለዉ፧ ሓደ ሰብ ክመውት ከሎ መንፈሱ እንታይ ኢዩ ዝኸውን፧

“ናብ መሬት . . . ትምለስ”

እቲ ቐዳማይ ሰብኣይ ኣዳም ደይ መደይ ኢሉ ትእዛዝ ኣምላኽ ምስ ጠሓሰ: ኣምላኽ “ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ: እንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻ እሞ: ናብ መሬት ድማ ትምለስ” በሎ። (ዘፍጥረት 3:⁠19) የሆዋ ንኣዳም ካብ ሓመድ ምድሪ ኸይፈጠሮ ኸሎ: ኣዳም ኣበይ ነበረ፧ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ኣይነበረን! ብሓጺሩ ህላወ ኣይነበሮን። ስለዚ የሆዋ ኣምላኽ: ኣዳም ‘ናብ መሬት ክምለስ’ ምዃኑ ኽዛረብ ከሎ: ሞይቱ ኣብ መሬት ናብ ዝርከብ ባእታታት ክምለስ ምዃኑ ኢዩ ዝገልጽ ነይሩ። ኣዳም ናብ መንፈሳዊ ዓለም ኣይኰነን ዝሰግር። ምስ ሞተ እንደገና ኻብ ህላወ ወጻኢ ኢዩ ዝኸውን። እተዋህቦ መቕጻዕቲ ሞት ማለት ህያው ዘይምዃን ደኣ ኢዩ እምበር ናብ ካልእ ዓለም ምስጋር ኣይኰነን።​—⁠ሮሜ 6:⁠23

ካልኦት ዝሞቱ ሰባት ደኣኸ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት ኢዮም ዘለዉ፧ ኣብ መክብብ 9:⁠5, 10 ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ኵነታት ምዉታት ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ:- “ምዉታት . . . ገለ እኳ ኣይፈልጡን። . . . ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን።” ስለዚ እምበኣር ሞት ካብ ህላወ እተቋርጸሉ ዅነት ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር: ሓደ ሰብ ምስ ዝመውት “ትንፋሱ [“መንፈሱ:” NW ] ይወጽእ: ናብ መሬቱ ይምለስ: በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ ይጠፍእ” ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠መዝሙር 146:⁠4

ምዉታት ህላወ ኸም ዘይብሎም ንጹር ኢዩ። ዋላ ሓንቲ ኣይፈልጡን ኢዮም። ክርእዩኻ: ክሰምዑኻ: ወይ ክዛረቡኻ ኣይክእሉን ኢዮም። ክሕግዙኻ ዀነ ኽጐድኡኻ እውን ኣይክእሉን ኢዮም። ንምዉታት ክትፈርሆም የብልካን። እንተ​ዀነ ግን: ሓደ ሰብ ክመውት ከሎ መንፈሱ ‘ዝወጽእ’ ብኸመይ ኢዩ፧

መንፈስ ‘ናብ ኣምላኽ ይምለስ’

ሰብ ክመውት ከሎ ‘መንፈሱ ናብ ወሃቢኡ ኣምላኽ ከም ዝምለስ’ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ ኢዩ። (መክብብ 12:⁠7) ከምዚ ኽበሃል ከሎ እቲ መንፈስ ቃል ብቓሉ ንጠፈር ሰጊሩ ናብቲ ኣምላኽ ዘለዎ ቦታ ይምለስ ማለት ድዩ፧ ፈጺሙ ኸምኡ ኣይኰነን! መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ምምላስ” እትብል ቃል ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ምንቅስቓስ ከም እተመልክት ገይሩ ጥራይ ኣይኰነን ዝጥቀመላ። ንኣብነት: እቶም ዘይእሙናት እስራኤላውያን “ናባይ ተመለሱ: ኣነውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት” ተባሂሎም ነይሮም። (ሚልክያስ 3:⁠7) እስራኤላውያን ናብ የሆዋ ‘ክምለሱ’ ክበሃል ከሎ: ካብቲ ግጉይ መገድታቶም ኣልጊሶም ከም ብሓድሽ በቲ ጽድቃዊ መገዲ ኣምላኽ ክመላለሱ ማለት ኢዩ። የሆዋ ናብ እስራኤላውያን “ክምለስ” ክበሃል ከሎ ኸኣ እንደገና ስምረቱ ኸርእዮም ማለት ኢዩ። ኣብ ክልቲኡ መዳይ እታ “ምምላስ” እትብል ቃል ናይ ኣረኣእያ ለውጢ ደኣ እምበር ቃል ብቓሉ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምንቅስቓስ እተመልክት ኣይኰነትን።

ብተመሳሳሊ እውን ሰብ ምስ ሞተ እቲ መንፈስ ናብ ኣምላኽ “ክምለስ” ከሎ: ካብ መሬት ናብ ሰማይ ዝግበር ምንቅስቓስ የለን። ሓይሊ ህይወት ሓንሳእ ካብ ሓደ ሰብ ምስ ወጸ: ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ እንደገና ሓይሊ ህይወት ክህብ ዝኽእል። ስለዚ: መንፈስ ‘ናብ ኣምላኽ ክምለስ’ ክበሃል ከሎ: እቲ ሰብ ኣብ መጻኢ ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋኡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ኣትዩ ማለት ኢዩ።

ንኣብነት: ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ሞት የሱስ ክርስቶስ ዝብሎ እስከ ርአ። እቲ ጸሓፍ ወንጌል ዝዀነ ሉቃስ ከምዚ ብምባል የዘንቱ:- “የሱስ ብዓብዪ ድምጺ ‘ኣቦይ: ንመንፈሰይ ኣብ ኢድካ አማዕቍባ ኣሎኹ’ ኢሉ ጨርሐ። እዚ ምስ በለ ሞተ።” (ሉቃስ 23:⁠46 NW ) የሱስ መንፈሱ ምስ ወጸ: ቃል ብቓሉ ናብ ሰማይ ጕዕዞ ኣይጀመረን። ካብ ሞት ዝተንስአ ድሕሪ ሰለስተ መዓልትታት ኢዩ: ናብ ሰማይ ዝዓረገ ድማ ድሕሪ 40 መዓልትታት ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠3, 9) የሱስ ክመውት ከሎ የሆዋ እንደገና ህያው ክገብሮ ከም ዝኽእል ምሉእ ትውክልቲ ብምሕዳር: ንመንፈሱ ብምትእምማን ኣብ ኢድ ኣቦኡ ገደፎ።

እወ: ኣምላኽ እንደገና ህያው ክገብር ይኽእል ኢዩ። (መዝሙር 104:⁠30) እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዓቢ ተስፋ ዀን ኢዩ!

ርግጽ ተስፋ

መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብ [“ዝኽሪ:” NW ] መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ [ድምጺ የሱስ] ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ: . . . ኺወጹ [እውን] እዮም።” (ዮሃንስ 5:⁠28, 29) እወ: የሱስ ክርስቶስ ኵሎም እቶም ኣብ ዝኽሪ የሆዋ ዘለዉ ምዉታት ከም ዝትንስኡ ወይ እንደገና ህያዋን ከም ዝዀኑ መብጽዓ ኣትዩ ኢዩ። ካባታቶም ኣገልገልቲ የሆዋ ብምዃን ጽድቃዊ መገዱ ዝሰዓቡ ሰባት ከም ዝህልዉ እተረጋገጸ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኻልኦት ሰባት ምስ ጽድቃዊ ስርዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዖም ዝመላለሱ እንተ ዀይኖም ወይ እንተ ዘይኰይኖም ከየርኣዩ ኢዮም ሞይቶም። እዚኣቶም ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝሓቶ ብቕዓታት ዘይፈለጡ ወይ ድማ ዘድሊ ለውጢ ንምግባር እኹል ግዜ ዘይረኸቡ ኢዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ውልቀ⁠-​ሰባት እውን ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ኣለዉ: ትንሳኤ እውን ክረኽቡ ኢዮም፣ ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን” ምዃኑ ይገልጽ ኢዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 24:⁠15

ሎሚ ምድሪ ብጽልኢ: ናዕቢ: ዓመጽ: ምፍሳስ ደም: ብከላ: ከምኡውን ብሕማም መሊኣ ኣላ። ምዉታት ኣብ ከምዚኣ ዝኣመሰለት ምድሪ ኽትንስኡ እንተ​ድኣ ዀይኖም: በዚ ዝርከብ ሓጐስ ነዊሕ ኣይክጸንሕን ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ፈጣሪ ነዚ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ምቍጽጻር ሰይጣን ድያብሎስ ዘሎ ዓለማዊ ሕብረተሰብ መወዳእታ ኽገብረሉ ምዃኑ ተመባጺዑ ኣሎ። (ምሳሌ 2:⁠21, 22፣ ዳንኤል 2:⁠44፣ 1 ዮሃንስ 5:⁠19) ሽዑ ጻድቕ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ማለት ‘ሓድሽ ምድሪ’ ክቐውም ኢዩ።​—⁠2 ጴጥሮስ 3:⁠13

ኣብቲ ግዜ እቲ “ሓደ እኳ: ሕማቕ እየ: ኣይብልን።” (ኢሳይያስ 33:⁠24) ሞት ዘስዕቦ ሓዘን እውን ኣይክህሉን ኢዩ: ከመይሲ ኣምላኽ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።” (ራእይ 21:⁠4) እዝስ ነቶም ኣብ “ዝኽሪ መቓብር” ዘለዉ ኸመይ ዝበለ ዘደንቕ ተስፋ ዀን ኢዩ!

የሆዋ ንእከይ ካብ ገጽ ምድሪ ኸጥፍኦ ኸሎ: ንጻድቕ ምስቲ እኩይ ለኪሙ ኣይከጥፍኦን ኢዩ። (መዝሙር 37:⁠10, 11፣ 145:⁠20) እኳ ድኣስ “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተአከቡ . . . ብዙሓት ሰብ” ካብቲ ነዛ ሕጂ ዘላ እክይቲ ዓለም ዝድምስስ “ብርቱዕ ጸበባ” ክድሕኑ ኢዮም። (ራእይ 7:⁠9-14) ስለዚ: ነቶም ምዉታት ዝቕበሉ ብዙሓት ሰብ ክህልዉ ኢዮም።

ነቶም እተፍቅሮም ሰባት እንደገና ኽትርእዮምዶ ሃረር ትብል ኢኻ፧ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ክትነብርዶ ትደሊ ኢኻ፧ ነዚ ኽትረክብ እንተ​ድኣ ደሊኻ ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽን ዕላማታቱን ርጡብ ፍልጠት ከተጥሪ ኣሎካ። (ዮሃንስ 17:⁠3) የሆዋ “ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” ኢዩ ዝደሊ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 2:⁠3, 4

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

“መሬት ኢኻ እሞ: ናብ መሬት ድማ ትምለስ”

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

መንፈስ ምስ ኤለክትሪክ ክመሳሰል ይኽእል ኢዩ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ትንሳኤ ነባሪ ሓጐስ ከምጽእ ኢዩ