ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድሕሪ ሞት ህይወት ኣሎ ድዩ፧

ድሕሪ ሞት ህይወት ኣሎ ድዩ፧

ድሕሪ ሞት ህይወት ኣሎ ድዩ፧

 ቅድሚ 3,500 ዓመታት ኣቢሉ: ሓደ ኻብቶም ርእሲ ኣቦታት ዝዀነ እዮብ “ሰብ ድሕሪ ሞይቱ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። (እዮብ 14:⁠14) ደቅሰብ መልሲ ናይዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ ንኣሽሓት ዓመታት ክጽዕሩ ጸኒሖም ኢዮም። እተፈላለየ ዓይነት ባህሊ ዘለዎም ሰባት ነዚ ጕዳይ እዚ ሓሲቦምሉ ኢዮም: እተፈላለየ መልሲ ድማ ክህብሉ ጸኒሖም ኢዮም።

ብዙሓት ስመ⁠-​ክርስትያን ናብ ሰማይ ወይ ገሃነም ከም ዝኸዱ ይኣምኑ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ሰዓብቲ እምነት ሂንዱዝም ኣብ ሪኢንካርነሽን ኢዮም ዝኣምኑ። ኣብ ናይ እስላም ሃይማኖታዊ ማእከል ተሓጋጋዚ ዀይኑ ዝዓዪ ኣሚር ሙኣዊያህ ብዛዕባ ናይ ኣመንቲ ምስልምና ኣረኣእያ “ድሕሪ ሞት ልክዕ ከም ኣብ መጋባእያ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ማለት ኣላህ እትቐርበላ መዓልቲ ፍርዲ ኸም ዘላ ንኣምን ኢና” ብምባል ገለጸ። ብመሰረት እምነት ምስልምና: ኣብቲ ግዜ እቲ ኣላህ ንናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናብራ ህይወት ብምግምጋም ናብ ገነት ወይ ናብ ገሃነም እሳት ይሰዶ።

ኣብ ስሪ ላንካ ዝርከቡ ቡድሂስትን ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክን ኣብ ቤቶም ዝነብር ሰብ ምስ ዝመውት: ማዕጾኦምን መሳዅቶምን ጋህ ኣቢሎም ይኸፍትዎ። ብዘይ​ቲ እትበርህ ኩራዝ ትውላዕ እሞ እቲ ናይ ሬሳ ሳንዱቕ ኣእጋሩ ናብቲ ኣፍደገ ገጹ ከም ዝኸውን ገይርካ ይቕመጥ። ከምዚ ብምግባሮም መንፈስ ናይቲ ዝሞተ ሰብ ንኽወጽእ የቀላጥፎ ኢሎም ይሓስቡ።

እቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦቭ ዌስተርን ኣውስትራልያ ዝዓዪ ሮናልድ ኤም. በርንት ከም ዝገለጾ ኣውስትራልያውያን ኣቦርጅን “ደቅሰብ ዘይትጠፍእ መንፈሳዊት ኣካል ኣላቶም” ኢሎም ከም ዝኣምኑ ገለጸ። ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ቐቢላታት: ተራ ሰባት ምስ ሞቱ እኩያት መናፍስቲ ክዀኑ ኸለዉ: ውሩያት ውልቀ⁠-​ሰባት ግን ክብሪ ዝዋሃቦምን ልማኖ ዝቐርበሎምን ናይ ኣባሓጐታት መናፍስቲ ማለት ዘይረኣዩ መራሕቲ ናይቲ ሕብረተሰብ ይዀኑ ኢሎም ይኣምኑ።

ኣብ ገሊኡ ሃገራት: ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት ዝገልጽ ናይቲ ኸባቢ ባህልን ኣብ ስመ⁠-​ክርስትያን ዘሎ እምነትን ተሓናፊጹ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘለዉ ብዙሓት ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክን ፕሮተስታንትን: ሓደ ሰብ እንተ ሞይቱ መስትያት ናይ ምሽፋን ልምዲ ኣለዎም፣ እዚ ዝገብሩ ድማ መንፈስ ናይቲ ዝሞተ ሰብ ንኸይርአ ተባሂሉ ኢዩ።

ሰባት ነታ ‘ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧’ እትብል ሕቶ ዝህብዎ መልሲ እተፈላለየ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ኣብ ውሽጢ ሰብ ዝርከብ ገለ ዘይመውት ነገር ኣሎ ዝብል መሰረታዊ ሓሳብ ይሰማምዕሉ ኢዮም። ገሊኣቶም ሰባት እቲ “ገለ ነገር” ተባሂሉ ዘሎ መንፈስ ኢዩ ኢሎም ይኣምኑ። ንኣብነት: ኣብ ገሊኡ ኽፋላት ኣፍሪቃ: እስያ: ከምኡውን ኣብተን ክፍሊ ሰላማዊ ውቅያኖስ ዝዀና ፖሊነዥያን መለነዥያን ማይክሮነዥያን ዝርከቡ ብዙሓት ሰባት ነፍሲ ዘይኰነትስ መንፈስ ኢዩ ዘይመውት ኢሎም ኢዮም ዝኣምኑ። አረ ገሊኡ ቛንቋታትስ እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል እውን የብሉን።

ኣብ ውሽጢ ህያው ሰብ መንፈስ ኣሎ ድዩ፧ እቲ ሰብ ክመውት ከሎ እቲ መንፈስ ብሓቂ ኻብኡ ይወጽእ ድዩ፧ ዝወጽእ እንተ ዀይኑ እቲ መንፈስ እንታይ ኢዩ ዝኸውን፧ ንምዉታትከ እንታይ ተስፋ ኢዩ ዘለዎም፧ እዚ ሕቶታት እዚ ዕሽሽ ክበሃል የብሉን። ዝዓበኻሉ ባህሊ ወይ ሃይማኖትካ ብዘየገድስ ሞት ዘይተርፍ ኢዩ። ስለዚ: እዚ ጕዳይ እዚ ብብሕቲ እውን ዝምልከተካ ኢዩ። ነዚ ጕዳይ እዚ ኽትምርምሮ ንዕድመካ።