ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ባህ ዘብል ተዘክሮታት ብምሕላፈይ አማሱ ኢየ!

ባህ ዘብል ተዘክሮታት ብምሕላፈይ አማሱ ኢየ!

ታሪኽ ህይወት

ባህ ዘብል ተዘክሮታት ብምሕላፈይ አማሱ ኢየ!

ድሩሲላ ኬንዘዘንተወቶ

እዋኑ 1933 ኢዩ ነይሩ: ነቲ ኸማይ ኮልፖርተር ማለት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዝነበረ ዛኖኣ ኬን ካብ ዝምርዓዎ ነዊሕ ኣይገበርኩን። ኣዝየ ስለ እተሓጐስኩ ምስ በዓል ቤተይ ኰይነ ንኸገልግል መደብ ገበርኩ። ከምዚ ንምግባር ግን ብሽክለታ ተድልየኒ ነበረት። ኣብቲ ቝጠባዊ ቕልውላው ዘጋጠመሉ እዋን ስለ ዝነበረ ግን ብሽክለታ ንምዕዳግ ዓቕሚ ኣይነበረንን። እንታይ ደኣ ኢየ ዝገብሮ፧

 ኣሕሞትሙተይ ዝነበረኒ ሽግር ስለ እተረድኡ ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዝርከብ እንዳ ጐሓፍ እተደርበየ ክፍልታት ብሽክለታ ብምድላይ ገጣጢሞም ብሽክለታ ኽሰርሑለይ ደለዩ። ከምቲ ዝሓሰብዎ ድማ ገበሩ! ብሽክለታ ምዝዋር ምስ ከኣልኩ: ኣነን ዛኖኣን ኣብ ዎስተር ከምኡውን ሄርፈርድ ዝበሃል ገጠራት ዓዲ እንግሊዝ እናተጓዓዝና ንዝረኸብናዮ ሰብ ኵሉ ንምስክረሉ ነበርና።

እዚ ዝወሰድክዎ ንእሽቶ ናይ እምነት ስጕምቲ: ባህ ዘብል ተዘክሮታት ናብ ዘለዎ ህይወት ክመርሓኒ ኢዩ ኢለ ኣይሓሰብኩን ነይረ። ኣብ ህይወተይ መንፈሳዊ መሰረት ዘንበሩለይ ግን ፍቑራት ወለደይ ኢዮም ነይሮም።

ኣብ እዋን እቲ ዓቢ ውግእ ዝነበረ ጽንኩር ዓመታት

ኣብ ታሕሳስ 1909 ኢየ ተወሊደ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣደይ ዘ ዲቫይን ፕላን ኦቭ ዘ ኤጅስ እትበሃል ጽሕፍቲ (እንግሊዝኛ) ተዋህባ: ብ1914 ድማ ነታ “ፎቶ⁠-​ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን” ምእንቲ ኽርኢ ወለደይ ናብ ኦልደም: ላንካሺር: ወሰዱኒ። (ክልቲኡ በዞም ሕጂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂሎም ዝፍለጡ እተዳለወ ኢዩ።) ቈልዓ እኳ እንተ ነበርኩ: በቲ ዝረኣኽዎ ተሓጒሰ እናተሰራሰርኩ ገዛይ ክምለስ ይዝከረኒ! ድሕርዚ ፍራንክ ሂሊ ኣብታ ንነብረላ ዝነበርና ራችዴል እትበሃል ከተማ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ እትገብር ጕጅለ ጀመረ። ኣብዚ ኣኼባ እዚ ምክፋልና ከም ስድራ​ቤት መጠን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ምርዳእ ንኽንድልብ ሓጊዙና ኢዩ።

እቲ ህድኣት ዝመልኦ ናብራና በቲ ዓቢ ውግእ: ማለት በቲ ሕጂ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ተባሂሉ ዝፍለጥ: ተዘርገ። ኣቦይ ንክኽተብ ተጸውዐ: ንሱ ግን ገለልተኛ ኣቕዋም ሓዘ። ኣብ ቤት ፍርዲ “ጭዋ” ኸም እተባህለ ከምኡውን “ኣጽዋር ከም ዘየልዕል ምግላጹ ኻብ ቅንዕና ተበጊሱ ምዃኑ ውርዙያት ሰባት” ኣብ ዝጸሓፍዎ ብዙሕ ደብዳበታት ምግላጾም ሓንቲ ኣብቲ ኸባቢ እትሕተም ጋዜጣ ሓበረት።

ይኹን እምበር: ምሉእ ብምሉእ ናጻ ኣይገበርዎን: የግዳስ “ከም ተዋጋኢ ዄንካ ኻብ ዝወሃብ ኣገልግሎት” ናጻ ምዃኑ ኣብ ዝገልጽ ምድብ ኢዮም ኣእትዮሞ። ብኡንብኡ ብዙሓት ከላግጽሉ ጀመሩ: ኣነን ኣደይን እውን ካብዚ ኣየምለጥናን። ኣብ መወዳእታኡ: ኣብ ምንታይ ክምደብ ከም ዘለዎ ዳግመ⁠-​ግምት ተገብረሉ እሞ ኣብ ናይ ሕርሻ ዕዮ ተመደበ: እንተ​ዀነ ግን ገለ ሓረስቶት ነቲ ዅነታት ብምጥቃም ሒደት ወይ ዋላ ሓንቲ ኣይከፍልዎን ነበሩ። ኣደይ ንስድራ​ቤትና ንምእላይ ብሒደት ደሞዝ ኣብ ሓደ ብብሕቲ ዝውነን ቤት ሕጽቦ ኸቢድ ስራሕ ትሰርሕ ነበረት። እንተ​ዀነ ግን: ኣብ ንእስነተይ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ምሕላፈይ ክሳዕ ክንደይ ብርትዕቲ ኸም ዝገበረኒ ሕጂ አስተውዕሎ ኢየ፣ ነቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ መንፈሳዊ ነገራት ንኸማስወሉ እውን ሓጊዙኒ ኢዩ።

ካብ ንእሽቶ ምጅማር

ነዊሕ ከይጸንሐ ምስቲ ንጡፍ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ዳንየል ሂዩዝ ክንቀራረብ ጀመርና። ካብታ እንነብረላ ዝነበርና ኣዝወስትሪ 20 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ሩበን እትበሃል ቍሸት ዝሰርሕ ዓዳን ከሰል ኢዩ ነይሩ። ኣያ ዳን ኢለ ኢየ ዝጽውዖ ነይረ: ወትሩ ድማ ይበጽሓና ነበረ። ክበጽሓና ኽመጽእ ከሎ ድማ ወትሩ ብዛዕባ ቕዱስ ጽሑፋዊ ነገራት ኢዩ ዘዕልለና ነይሩ። ቀንጠ መንጢ ነገራት ኣየዕልልን ኢዩ ነይሩ። ብ1920 ኣብ ኣዝወስትሪ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ጕጅለ ቘመት: ኣያ ዳን ድማ ብ1921 ቕዳሕ ናይታ ዘ ሃርፕ ኦቭ ጎድ እትበሃል ጽሕፍቲ (እንግሊዝኛ) ሃበኒ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽርድኦ ኣዝዩ ቐሊል ከም ዝዀነለይ ስለ ዝገበረት ኣኽቢረ ኢየ ዝርእያ።

እቲ ደሓር ኣወሃሃዲ ናይቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀነ ፒርስ ሂዩዝ a እውን ነይሩ ኢዩ። ምስ ስድራ​ቤቱ ኣብታ ኣብ ጥቓና ዝነበረት ኣብ ዶብ ዌልስ እትርከብ ብሮንይጋርዝ ይነብር ነበረ: ሲሲ ሓብቱ ድማ ናይ ቀረባ መሓዛ ኣደይ ነበረት።

ብ1922 ‘ብዛዕባ እቲ ንጉስን መንግስቱን ኣውጁ’ ዝብል ጻውዒት ምስ ቀረበ እተሰምዓኒ ሓጐስ እዝክሮ ኢየ። ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ዓመታት: ገና ተማሃሪት እኳ እንተ ነበርኩ: ፍሉያት ትራክትታት ብሕልፊ ኸኣ እታ ብ1924 ዝወጸት ኤክለስያስቲክስ ኢንዳይትድ እትበሃል ትራክት (እንግሊዝኛ) ኣብ ምዕዳል ብውዕዉዕ ስምዒት ተኻፊለ ኢየ። ነቲ እዋን እቲ ኽዝክሮ ኸለኹ: ምስ ከም እኒ ሞድ ክላርክን b መገላግልታ ሜሪ ግራንትን#: ኤድጋር ክለይ#: ሮበርት ሃድሊንግተን: ካቲ ሮበርትስ: ኤድዊን ስኪነር#: ከምኡውን ምስቶም ኣብ ኣገልግሎት ንምሕጋዝ ኢሎም ናብ ካናዳ ዝኸዱ ፐርሲ ቻፕማንን ጃክ ናታንን# ዝኣመሰሉ እሙናት ኣሕዋትን ኣሓትን ሓቢረ ብምግልጋለይ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዓቢ መሰል ኰን ኢዩ!

እቲ “ሚልዮናት ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ፈጺሞም ኣይክሞቱን ኢዮም” ዘርእስቱ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርርብ ኣብቲ ሰፊሕ ዞባና እዋናዊ ምስክርነት ኢዩ ነይሩ። ብ14 ግንቦት 1922 ስታንሊ ሮጀርስ ዝበሃል ዘመድ ፒርስ ሂዩዝ ነዚ ዝርርብ እዚ ንምሃብ ካብ ሊቨርፑል ናብታ ካባና ብወገን ሰሜን እትርከብ ቸርክ መጸ: ብድሕሪኡውን በታ ምሸት እቲኣ ኣብቲ ኣብ ኣዝወስትሪ ዝርከብ ሲነማ ቤት ነዚ ዝርርብ እዚ ኣቕረበ። ክሳዕ ሕጂ ቕዳሕ ናይቲ ነቲ ኣጋጣሚ እቲ እተሓትመ ናይ ዕድመ ወረቐት ኣሎኒ። ኣብ ኵሉ እዚ ግዜያት እዚ እታ ንእሽቶ ጕጅለና ሰለስተ ኻብቶም ፒልግሪም ኢልና እንጽውዖም ዝነበርና ገየሽቲ ተዓዘብቲ ብዝገብሩልና ዝነበሩ ምብጻሕ ትበራታዕ ነበረት፣ ንሳቶም ድማ ሀርበርት ሲንየር: ኣልበርት ሎይድ: ከምኡውን ጆን ብለይኒ ነበሩ።

ውሳነ ዝገበርክሉ እዋን

ብ1929 ንኽጥመቕ ወሰንኩ። ጓል 19 ዓመት ኢየ ነይረ: ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ናይ መጀመርታ ኸቢድ ፈተና ኣጋጠመኒ። ምስ ሓደ ኣቦኡ ፖለቲከኛ ዝዀነ ወዲ ተፋሊጠ ነበርኩ። ንፋቶ ስለ ዝነበርና ኽምርዓዎ ሓተተኒ። ኣብታ ቕድሚኣ ዝነበረት ዓመት እታ ጋቨር​ንመንት እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ወጺኣ ስለ ዝነበረት ሓንቲ ቕዳሕ ሂበዮ ነበርኩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ብዛዕባ እታ ቐንዲ ጕዳይ ናይታ መጽሓፍ ዝዀነት ሰማያዊት መንግስቲ ዋላ ሓንቲ ተገዳስነት ከም ዘይብሉ ንጹር ኰነ። ካብቲ ዝገብሮ ዝነበርኩ መጽናዕቲ ጥንቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን ንዘይኣመንቲ ኸይምርዓዉ ከም እተኣዘዙን እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ኣብ ክርስትያናት ከም ዝዓዪን እፈልጥ ነበርኩ። ስለዚ: ከቢድ እኳ እንተ ነበረ: ንኽምርዓዎ ዘቕረበለይ ሕቶ ግን ነጸግክዎ።​—⁠ዘዳግም 7:⁠3፣ 2 ቈረንቶስ 6:⁠14

እቲ “እንተ ዘይተጸልኣናስ: ብጊዜኡ ኽንዐጽድ ኢና እሞ: ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ” ዝብል ቃላት ጳውሎስ እውን ምትብባዕ ኰይኑኒ ኢዩ። (ገላትያ 6:⁠9) እቲ ዝፈትዎ ኣያ ዳን ድማ “ንእሽቶ ይኹን ዓቢ ፈተና ምስ ዘጋጥመኪ: ሮሜ 8 ቍጽሪ 28 ዘክርያ” ኢሉ ደብዳበ ብምጽሓፍ ኣተባቢዑኒ ኢዩ፣ እታ ጥቕሲ ድማ ከምዚ ትብል:- “ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ: ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናይ ከም ዚድግፎም: ንፈልጥ ኢና።” ቀሊል እኳ እንተ ዘይነበረ: ቅኑዕ ውሳነ ምግባረይ ግን እፈልጥ ነበርኩ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ኮልፖርተር ኰይነ ኸገልግል ተመዝገብኩ።

ነቲ ብድሆ ምግጣሙ

ብ1931 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ሓድሽ ስም ተቐበልና: ኣብታ ዓመት እቲኣ ኸኣ ነታ ዘ ኪንግደም: ዘ ሆፕ ኦቭ ዘ ዎርልድ ዘርእስታ ንእሽቶ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ንምዕዳል ሰፊሕ ወፈራ ገበርና። ንዅሎም ፖለቲከኛታት: ኣቕሽሽቲ: ከምኡውን ነጋዶ ቅዳሕ ናይዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ተዋህበቶም። ዞባይ ካብ ኣዝወስተሪ ክሳብ እቲ ብወገን ሰሜን 25 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዝርከብ ረክስሃም ዘጠቓልል ነበረ። ንብምሉኡ እዚ ዞባ እዚ ምሽፋን በዳሂ ኢዩ ነይሩ።

ኣብቲ ንዓመታኡ ኣብ በርሚንግሃም እተገብረ ዓቢ ኣኼባ: 24 ወለንተኛታት ከም ዘድልዩ ጻውዒት ቀረበ። እንታይ ዓይነት ኣገልግሎት ምዃኑ ኸይፈለጥና 24 ሰባት ኣብቲ ዕዮ ንምስታፍ ፍቓደኛታት ኰንና። በብኽልተ ገይሮም ነታ ዘ ኪንግደም: ዘ ሆፕ ኦቭ ዘ ዎርልድ ዘርእስታ ንእሽቶ መጽሓፍ ክንዕድል ከምኡውን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝእውጅ ከቢድ ፖስተራት ክንስከም ምስ ተመደብና እተሰምዓና ምግራም እሞ ሕስብ ኣብልዎ።

ኣብ ቀጽሪ ሓደ ካቴድራል ከገልግል ክኸይድ ከለኹ ኣዝየ ሓፊረ ነበርኩ: እንተ​ዀነ ግን ኣብዚ ኸተማ ዝፈልጠኒ የለን ኢለ ንርእሰይ ኣጸናናዕኩዋ። እታ መጀመርታ ዝረኸብኩዋ ግን ቀደም መማህርተይ ዝነበረት ኢያ: ኣተኲራ ድሕሪ ምጥማት ድማ ብምግራም “ነዚ ተሰኪምኪ እንታይ ትገብሪ ኣሎኺ፧” በለትኒ። እዛ ተመክሮ እዚኣ ኸኣ ንዝዀነ ይኹን ብድሕሪኡ ዘጋጥመኒ ፍርሂ ሰብ ንኽዋጽኣሉ ሓጊዛትኒ ኢያ!

ካብቲ ዝዓበኹሉ ዓዲ ኣርሒቐ ከድኩ

ብ1933 ካባይ ብ25 ዓመት ንዝዓቢ ሰበይቱ ዝሞተቶ ዛኖኣ ዝበሃል ሰብኣይ ተመርዓኹ። ቀዳመይቲ ሰበይቱ ቀናእ ተማሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ ኢያ ነይራ: ዛኖኣ እውን ሰበይቱ ምስ ሞተት ኣብ ኣገልግሎቱ ብተኣማንነት ጸኒዑ ይቕጽል ነበረ። ነዊሕ ከይጸናሕና ካብ ዓዲ እንግሊዝ ናብቲ 150 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ዝርሕቕ ሓድሽ እተመደብናዮ ዞባ ማለት ናብ ሰሜን ዌልስ ከድና። ካርቶናትን ሳንጣታትን ካልእ ዘድልየና ንብረትን ኣብቲ ናይ ብሽክለታታትና ማኖብርዮ: ኣብቲ መጐራበቲ: ከምኡውን ኣብቲ ናይ ድሕሪት መጽዓኒ ጽዒንና ሓደጋ ኸየጋጥመና እናፈራሕና ኢና ተወጢሕናየን ኬድና፣ እንተ​ዀነ ግን ብዘይ​ገለ ሓደጋ ኣብቲ ዝደለናዮ ቦታ በጻሕና! ኣብቲ ሓድሽ እተዋህበና ምድብ እተን ብሽክለታታትና ልዑል ተራ ኢዩ ነይሩወን: ብእአን ገይርና ዘይከድናዮ ቦታ ኣይነበረን: አረ ናብቲ ኣብ ጥቓ እቲ 900 ሜትሮ ብራኸ ዘለዎ ኣብ ዌልስ ዝርከብ ጐቦ ዝርከብ ካደር ኢድሪስ ዝበሃል ቦታ እውን ከይድናለን ኢና። ‘ነቲ ወንጌል መንግስቲ’ ኽሰምዑ ሃንቀው ዝብሉ ሰባት ምርካብና ዓስቢ ዘለዎ ኢዩ ነይሩ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠14

ኣብቲ ቦታ እቲ ነዊሕ ከይጸናሕና እቶም ሰባት: ቶም ፒርስ ዝበሃል ሰብኣይ ልክዕ ከም ናትና ዓይነት መልእኽቲ ኸም ዝሰበኸሎም ነገሩና። ቶም ኣብ ጥቓ ዌልሽፑል ኣብ ዝርከብ ሎንግ ማውንተይን ይነብር ነበረ: ድሕሪ ገለ ግዜ ድማ ኣብኡ ምስ ረኸብናዮ: ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እተገረምና! መጀመርታ ኣገልግሎት ኣብ ዝጀመርኩሉ እዋን ሪኮንሲሌሽን እትበሃል መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እትሕግዝ ጽሕፍቲ (እንግሊዝኛ) ኣበርኪተሉ ነይረ። ነታ ጽሕፍቲ ብብሕቱ ድሕሪ ምጽናዕ: ዝያዳ ጽሑፋት ንኽለኣኸሉ ናብ ለንደን ደብዳበ ሰደደ: ካብቲ ግዜ ኣትሒዙ ድማ ነዚ ሓድሽ እምነቱ ብቕንኢ ንኻልኦት ክነግር ጀመረ። ሰለስቴና ንነዊሕ ሰዓታት ብሓባር ኴንና እናጽናዕናን ንሓድሕድና እናተተባባዕናን ዘሐጕስ እዋን ኣሕሊፍና ኢና።

ሓደ ዓቢ ሓደጋ ናብ በረኸት መርሐ

ኣብ 1934 ኵሎም እቶም ኣብ ከባቢ ሰሜን ዌልስ ዝነበሩ ኮልፖርተር ናብታ ረክስሃም እትበሃል ንእሽቶ ኸተማ ብምኻድ ነታ ራይቸስ ሩለር ዘርእስታ ንእሽቶ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ክዕድሉ ጻውዒት ቀረበሎም። እዚ ፍሉይ ወፈራ ቕድሚ ምጅማርና: ኣብታ ንእሽቶ ኸተማ ዓቢ ሓደጋ ኣጋጢሙ ነበረ። ካብ ረክስሃም ብወገን ሰሜን ሰለስተ ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ መዐደኒ ከሰል ገረስፎርድ ብዘጋጠመ ምንታጕ 266 ዓደንቲ ሞቱ። ልዕሊ 200 ቈልዑ ኣቦ ዘይብሎም ኰይኖም ተረፉ: 160 ኣንስቲ ድማ መበለታት ኰና።

ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ኣባል ስድራ​ቤቶም ዝሞቱዎም ሒዝና ንበጽሖምን ሓሓንቲ ንእሽቶ መጽሓፍ ንገድፈሎምን ነበርና። ሓደ ኻብቲ ንዓይ እተዋህበኒ ኣስማት 19 ዓመት ዝዕድሜኡ ወዳ ዝሞታ ሚስስ ቻድዊክ ኢያ ነይራ። ናብ ገዝኣ ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን ጃክ ዝበሃል ዓቢ ወዳ ንኸጸናንዓ መጺኡ ነበረ። እዚ መንእሰይ እዚ መን ምዃነይ ኣለለየኒ: እንተ​ዀነ ግን ስቕ በለ። ቀጺሉ ነታ ንእሽቶ መጽሓፍ ድሕሪ ምንባብ: ነታ ቕድሚ ገለ ዓመታት ዝሃብኩዎ ዘ ፋይናል ዎር ዘርእስታ ኻልእ ንእሽቶ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ክደልያ ጀመረ።

ጃክን መይ እትበሃል በዓልቲ ቤቱን ዝያዳ ጽሑፋት ደልዮም ኣጣዪቖም ገዛና መጹ። ብ1936 ኣብቲ ኣብ ረክስሃም ዝርከብ ገዝኦም ኣኼባታት ክግበር ፍቓደኛታት ኰኑ። ሽዱሽተ ወርሒ ጸኒሑ ኣልበርት ሎይድ ምስ በጽሓና: ጃክ ቻድዊክ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ዀይኑ ዘገልግለላ ጉባኤ ቘመት። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ረክስሃም ሰለስተ ጉባኤታት ኣለዋ።

ህይወት ኣብ ተጐታቲት ቤት ጂፕሲ

ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ: ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተንቀሳቐስና ኣብ ዝዀነ ይኹን መንበሪ ንነብር ነበርና: ዛኖኣ ግን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኽንቀሳቐስ ዝኽእል ናይ ገዛእ ርእስና ቤት ክህልወና ደለየ። በዓል ቤተይ ካብ ዘርኢ ጂፕሲ ስለ ዝነበረ ክኢላ ጸራባይ ኢዩ ነይሩ: ስለዚ ተጐታቲት ቤት ጂፕሲ ሰርሐ። ነታ ተጐታቲት ኤሊዛቤት ማለት “ሕልፍን ትርፍን ዝህብ ኣምላኽ” ዝትርጕማ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስም ሃብናያ።

ብፍላይ ኣብ ጥቓ ፈረይቲ ኣእዋም ዘለዎ ፈለግ ዝነበርናሉ እዋን ኣይርስዓንን ኢዩ። ልክዕ ገነት ኰይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ ነይሩ! እታ ተጐታቲት ቤት ጸባብ እኳ እንተ ነበረት: ነቲ ብሓባር ኣብዚ ቦታ እዚ ዘሕለፍናዮ ዘሐጕስ ዓመታት ግን ኣይጸለዎን። ኣብ ቈራሪ ወርሓት እቲ ኾቦርታ ዛሕሊ ይሕዝ: ምስ መንደቕ ናይታ ቤት ይጣበቕ: ካብቲ ናሕሲ ድማ ወትሩ ማይ ይነጥብ ነበረ። ሓድሓደ ግዜ ኻብ ርሕቕ ዝበለ ቦታ ማይ ክንወርድ ነበረና: እንተ​ዀነ ግን ነዚ ጸገማት እዚ ሰጊርናዮ ኢና።

ኣብ ሓደ ቘራሪ ወቕቲ ሓሚመ ነበርኩ: ኣብ ርእሲ እዚ ሒደት መግቢ ደኣ እምበር ገንዘብ ኣይነበረናን። ዛኖኣ ኣብቲ ዓራት ኮፍ ኢሉ ብኢደይ ሓዘኒ እሞ ነታ ኸምዚ ዝስዕብ እትብል መዝሙር 37:⁠25 ኣንበበለይ:- “ንእሽቶ ነበርኩ: አሪገ ኸኣ እኔኹ: ግናኸ ጻድቕ ተሐዲጉን: ዘርኡ እንጌራ ኺልምኑን ከቶ ኣይርኤኹን።” ናባይ ኣተኲሩ እናጠመተ ኸኣ “ገለ ነገር እንተ ዘይረኺብና ኽንልምን ክንጅምር ኢና: ኣምላኽ ግን ክንልምን ኣየፍቅድን ኢዩ!” በለ። ድሕርዚ ንጐረባብትና ኽምስክረሎም ከደ።

ዛኖኣ ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ ገለ ዝስተ ኽገብረለይ ምስ ተመልሰ: ሓንቲ ቡስጣ ጸንሓቶ። ካብ ኣቦኡ እተላእከ 50 ፓውንድ ሒዛ ነበረት። ቅድሚ ገለ ዓመታት ዛኖኣ ብምጥፍፋእ ተኸሲሱ ነበረ: እንተ​ዀነ ግን ንጹህ ምዃኑ ኣብዚ እዋን እዚ ተረጋገጸ። እዚ ውህበት እዚ ኸም ካሕሳ ክዀኖ ተባሂሉ ኢዩ ተዋሂብዎ። ኣብቲ ኣድላዪ ዝዀነሉ እዋን ኢዩ መጺኡ!

ጠቓሚ ትምህርቲ

ሓድሓደ ግዜ ብዙሕ ዓመታት ምስ ሓለፈ እንረኽቦ ትምህርቲ ነይሩ ኢዩ። ንኣብነት: ብ1927 ትምህርቲ ቕድሚ ምቍራጸይ: ንዅሎም ደቂ ኽፍለይን መምህራነይን መስከርኩሎም: ላቪንያ ፈይርክሎ ንእትበሃል ግን ኣይመስከርኩላን። ብዛዕባ እቲ ዝገበርክዎ መደባት ዋላ ሓደ ዝግደስ ስለ ዘይነበረን ምስ ሚስ ፈይርክሎ ብዙሕ ዘይንሰማማዕ ስለ ዝነበርናን ኣይመስከርኩላን። ድሕሪ 20 ዓመታት ኣቢሉ እዛ መምህር እዚኣ ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዝዀነት ንዅሎም ናይ ቀደም ፈተውታን ተማሃሮኣን ከም ዝነገረት ኣደይ ከተዘንትወለይ ከላ እተገረምክዎ ምግራምን እተሰምዓኒ ሓጐስን እሞ ሕስብ ኣብልዎ!

ምስ ተራኸብና እምነተይን ኣብ ህይወተይ ዝነበረኒ መደብን ስለምንታይ ከም ዘይነገርክዋ ገለጽኩላ። ጽን ኢላ ድሕሪ ምስማዕ “ወትሩ ንሓቂ እደሊ ነበርኩ። ኣብ ህይወተይ ዘናድዮ ዝነበርኩ ነገር ኢዩ ነይሩ!” በለትኒ። ካብዚ ተመክሮ እዚ ጠቓሚ ትምህርቲ ረኺበ፣ እዚ ድማ ንዅሎም ዝረኽቦም ሰባት ክምስክረሎምን ንዋላ ሓደ ኣቐዲመ ብሕማቕ ከይፈርድን ኢዩ።

ኻልእ ውግእን ብድሕሪኡን

ናብ ምውዳእ 1930ታት እናተገማገምና ኽንከይድ ከሎና ውግእ ከንጸላሉ ጀመረ። ካባይ ብዓሰርተ ዓመት ዝንእስ ደኒስ ዝበሃል ሓወይ ዓለማዊ ስራሕ ስለ ዝነበሮ: ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ናጻ ዀነ። ንሓቂ ምንም ተገዳስነት ኣይነበሮን: ስለዚ ነቶም ኣብቲ ንሱ ዝነበሮ ኸባቢ ዝነበሩ ፓይነራት ማለት ንሩፕርት በራድበሪን ንሓዉ ዴቪድን ክበጽሕዎ ሓተትናዮም። ንሳቶም እውን በጽሕዎ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ጀመሩሉ። ደኒስ ብ1942 ተጠምቀ: ጸኒሑ ፓይነር ኰይኑ ኸገልግል ጀመረ: ብ1957 ድማ ገያሺ ተዓዛቢ ዀይኑ ተመዘዘ።

ኤሊዛቤት ጓልና ብ1938 ተወልደት: ስለዚ ዛኖኣ ነታ ተጐታቲት ቤትና ኣስፋሓ። ብ1942 እታ ዩኒስ እትበሃል ካልኣይቲ ጓልና ምስ ተወልደት: ናብ ቀዋሚ ቤት ክንቅይር ጥበባዊ ዀይኑ ተራእየና። በዚ ምኽንያት እዚ ዛኖኣ ንሒደት ዓመታት ፓይነር ኰይኑ ኻብ ምግልጋል ኣቋረጸ: ኣብ ጥቓ ረክስሃም ናብ እትርከብ ንእሽቶ ቤት ድማ ገዓዝና። ጸኒሑ: ኣብ ጥቓ ኣውራጃ ቸሺር ኣብ እትርከብ ሚድሊጅ ክንነብር ጀመርና። ኣብኡ ድማ በዓል ቤተይ ብ1956 ሞተ።

ክልቲአን ደቅና ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኢየን: ጽቡቕ ሓዳር ድማ ኣለወን። ዩኒስን ሽማግለ ዀይኑ ዘገልግል በዓል ቤታን ክሳዕ ሕጂ ኣብ ለንደን ፍሉያት ፓይነራት ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ። በዓል ቤታ ንኤሊዛቤት እውን ናይ ጉባኤ ሽማግለ ኢዩ: ንሳቶምን ደቆምን ከምኡውን ኣርባዕተ ደቆም ንደቂ ደቀይ ኣብ ጥቓይ ኣብ ዘላ ፕረስተን: ላንካሺር: ይነብሩ ብምህላዎም ሕጕስቲ ኢየ።

ካብ ገዛይ ናብ ስግር እቲ ጽርግያ ዝርከብ ኣደራሽ መንግስቲ ብእግረይ ክኸይድ ምኽኣለይ ሕጕስቲ ኢየ። ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብቲ ኣደራሽና ምስ ዝእከቡ ጕጅለ ቋንቋ ጉጃራቲ ኽእከብ ጀሚረ ኢየ። ኣብዚ ሕጂ እዋን እዝነይ ስለ ዝጻንዓኒ: ነቲ ቛንቋ ኽማሃሮ የጸግመኒ ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ነቲ እተሓላለኸ ደሃይ ንኽርድኦ: ከም መንእሰያት ቀሊል ኣይኰነለይን ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ባህ ዘብል ብድሆ ኢዩ።

ክሳዕ ሕጂ: ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድኩ እሰብኽን ኣብ ቤተይ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እመርሕን ኣለኹ። ፈተውተይ ክበጽሑኒ ኽመጹ ኸለዉ: ኵሉ ሳዕ ነቲ ናይ ቀደም ተመክሮታተይ ተሓጒሰ ኢየ ዝነግሮም። ምስ ህዝቢ የሆዋ ዳርጋ ን90 ዝኸውን ዓመታት ሓቢረ ኣብ ዝጸናሕኩሉ እዋን በረኸት ዝመልኦ ባህ ዘብል ተዘክሮታት ብምሕላፈይ አማስወሉ ኢየ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ታሪኽ ህይወት ፒርስ ሂዩዝ ኣብ ናይ 1 ሚያዝያ 1963 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) “ምስታ እምንቲ ማሕበር ምስጓም” ብዝብል ኣርእስቲ ወጺኡ ኣሎ።

b ታሪኽ ህይወት ናይዞም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ እዚኣቶም: ኣቐዲሙ ኣብ ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ይርከብ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ነቲ ብ14 ግንቦት 1922 ዝሰማዕክዎ “ሚልዮናት ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ፈጺሞም ኣይክሞቱን ኢዮም ” ዘርእስቱ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርርብ ንምፍላጥ እተዳለወ ናይ ዕድመ ወረቐት

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ብ1933 ምስ ተመርዓና ነዊሕ ከይጸናሕና ምስ ዛኖኣ እተሰኣልናዮ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ጥቓ እታ “ኤሊዛቤት” ኢልና ዝሰመናያ በዓል ቤተይ ዝሰርሓ ተጐታቲት ቤትና ደው ኢልና ኸሎና