ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ባህ ዝበለካ ንኽትኣምን ዘሎካ መሰል

ባህ ዝበለካ ንኽትኣምን ዘሎካ መሰል

ባህ ዝበለካ ንኽትኣምን ዘሎካ መሰል

ባህ ዝበለካ ንኽትኣምን ዘሎካ መሰል ኣኽቢርካ ትርእዮ ትኸውን ኢኻ። ዳርጋ ዅሉ ሰብ እውን ከምኡ ኢዩ ዝስምዖ። ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ሽዱሽተ ቢልዮን ዝዀኑ ሰባት ነዚ መሰል እዚ ስለ ዝጥቀሙሉ ማእለያ ዘይብሉ እተፈላለየ ዓይነት እምነት ኣምጺኡ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ፍጥረት እተፈላለየ ሕብሪ: ቅርጺ: ኣቃውማ: መቐረት: ሽታ: ከምኡውን ደሃይ ዘሎ: እተፈላለየ እምነት እውን መብዛሕትኡ ግዜ ንህይወት ዝያዳ ኣገዳሲ: ዘሐጕስ: ከምኡውን ባህ ዘብል ይገብሮ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ነንበይኑ ዓይነት ምህላዉ ንህይወት ብርግጽ መቐረት ይውስኸሉ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 104:⁠24

 እንተዀነ ግን: ጥንቃቐ ምግባር የድሊ። ገሊኡ እምነት ፍልይ ዝበለ ጥራይ ዘይኰነስ ሓደገኛ እውን ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን ገለ ሰባት: ኣይሁድን ፍሪማሶንስ ዝበሃሉ ምስጢራዊ ጕጅለን “ንክርስትያናዊ ስልጣነ ንኽዘርጉን ብሓባር ኰይኖም ዓለምለኻዊ መንግስቲ ንኸቝሙን” መደብ ኣለዎም ዝብል እምነት ነበሮም። ሓደ ኻብቲ ኸምዚ ዝበለ እምነት ከም ዝህሉ ዝገበረ ነገራት እታ ስምምዕ ምሁራት ሽማግለታት ጽዮን ዘርእስታ ጸረ⁠-​ሴማዊ ትራክት (እንግሊዝኛ) ኢያ። እታ ትራክት ገለ ኻብቲ እተገብረ መደባት ክትገልጽ ከላ: ካብ መጠን ንላዕሊ ግብሪ ከም ዝኽፈል ምግባር: ምፍራይ ኣጽዋር ምትብባዕ: ከምኡውን ዓበይቲ ሞኖፖል ኣተባቢዕካ ‘ኣህዛብ ዘጥረይዎ ሃብቲ ብሓንሳእ ከም ዝጠፍእ ምግባር’ ምዃኑ ሓበረት። እቲ ጭቡጥ መረጋገጺ ዘይነበሮ ሓሳባት ንትምህርቲ ተቘጻጺርካ ‘ኣህዛብ ናብ ዘይሓስቡ እንስሳታት ምቕያር:’ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ሽማግለታት ኣይሁድ ‘ንዝዀነ ይኹን ተጻራሪ ምእንቲ ኸጥፍእዎ’ ነተን ርእሲ ኸተማታት ብትሕቲ መሬት ዘራኽብ መገዲ ባቡር ምህናጽ ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ።

ልክዕ ኢዩ: እዚ ጸረ⁠-​ሴማዊ ስምዒት ንምልዕዓል ኢልካ እተገብረ ሓሶት ኢዩ። እቲ ኣብ ናይ ብሪጣንያ ቤተ⁠-​መዘክር ዝዓዪ ማርክ ጆንስ ‘እዚ ዘይርትዓዊ ፈጠራ: ካብ ሩስያ ሓሊፉ ኣብ ካልእ እውን ኣስፋሕፊሑ ኢዩ’ በለ፣ እዚ ሓሳብ እዚ ንመጀመርታ ግዜ ብ1903 ኣብ ሩስያ ኣብ እትሕተም ጋዜጣ ኢዩ ወጺኡ። ብ8 ግንቦት 1920 ከኣ ኣብታ ኣብ ለንደን እትሕተም ዘ ታይምስ (እንግሊዝኛ) ወጸ። ልዕሊ ሓደ ዓመት ዝኸውን ጸኒሑ: ዘ ታይምስ እቲ ሰነድ ሓሶት ምዃኑ ገለጸት። እዚ ኽሳዕ ዝኸውን ግን ብዙሕ ጕድኣት ወረደ። ከምቲ ጆንስ ዝበሎ ‘ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሶት ምዕጋት ከቢድ ኢዩ።’ ሰባት ሓንሳእ እንተ ተቐቢሎሞ: ጽልኢ ዝመልኦ: መርዛም: ከምኡውን ሓደገኛ እምነት ኢዩ ዝሓድሮም፣ እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ናይ መበል 20 ዘመን ከም እተራእየ መብዛሕትኡ እዋን ሕማቕ ሳዕቤን ኢዩ ዘለዎ።​—⁠ምሳሌ 6:⁠16-19

እምነት ምስ ሓቂ ኽነጻጸር ከሎ

ልክዕ ኢዩ: ግጉይ እምነት ደይ መደይ ኢልካ ብዝዝረብ ሓሶት ጥራይ ኣይኰነን ዝመጽእ። ሓድሓደ ግዜ ጌጋ ምርዳእ ብምውሳድ ንኣምን ኢና። ቅኑዕ ኢሎም ዝኣመኑሉ ነገር ክገብሩ ብዘይ​መዓልቶም ዝሞቱ ሰባት ቝጽሮም ውሑድ ድዩ፧ ብተወሳኺውን: ንሓደ ነገር ክንኣምነሉ ስለ ዝደለና ጥራይ ንኣምነሉ ኢና። ሓደ ፕሮፌሰር: ሊቃውንቲ እውን ከይተረፉ “ብዙሕ ግዜ ምስቲ ዝመሃዝዎ ሓሳባት ፍቕሪ ይሕዞም ኢዩ” በለ። እምነቶም ንናይ ምምዝዛን ክእለቶም ይደፍኖ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ: ንግጉይ እምነታቶም ደገፍ ንምርካብ ህይወቶም ምሉእ ብኸንቱ የሕልፍዎ።​—⁠ኤርምያስ 17:⁠9

ኣብ ሃይማኖታዊ እምነት እውን ማእለያ ዘይብሉ ዝጋጮ ሓሳባት ስለ ዘሎ ተመሳሳሊ ነገራት ተፈጺሙ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:⁠1፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:⁠3, 4) ሓደ ሰብ ኣብ ኣምላኽ ዓሚቝ እምነት ይህልዎ። ካልእ ግን ነዚ ሰብ እዚ “መሰረት ዘይብሉ እምነት ኢዩ ዘለዎ” ይብሎ ይኸውን። ገሊኡ ሰብ ድሕሪ ሞት ብህይወት እትቕጽል ዘይትመውት ነፍሲ ኸም ዘላ ይኣምን። ካልእ ድማ ምስ ሞትካ ምሉእ ብምሉእ ካብ ህላወ ኸም እተቋርጽ ኢዩ ዝኣምን። ከምዚ ዝኣመሰለ ዝጋጮ እምነት ብምሉኡ ሓቂ ክኸውን ከም ዘይክእል ፍሉጥ ኢዩ። ስለዚ: ንሓደ ነገር እትኣምነሉ: ክትኣምነሉ ስለ ዝደለኻ ጥራይ ዘይኰነስ ሓቂ ኸም ዝዀነ ምርግጋጽ ጥበብዶ ኸይኰነ፧ (ምሳሌ 1:⁠5) ብኸመይ ከምዚ ኽትገብር ትኽእል፧ እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ነዚ ጕዳይ እዚ ኽትምርምሮ ኢያ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ነቲ “ስምምዕ ምሁራት ሽማግለታት ጽዮን ” እተቃልዕ ብ1921 ዝወጸት ዓንቀጽ