ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ንብዓታ ደሪዙላ ኢዩ

ኣምላኽ ንብዓታ ደሪዙላ ኢዩ

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ

ኣምላኽ ንብዓታ ደሪዙላ ኢዩ

 ምስ ሕግታትን ስርዓታትን የሆዋ ተሰማሚዖም ንምኻድ ኣነባብራኦም ዝቐየሩ ሰባት ብዙሕ በረኸታት ይረኽቡ ኢዮም። ዘድሊ ለውጢ ምግባር ኵሉ ሳዕ ቀሊል እኳ እንተ ዘይኰነ: ሓገዝን ምትብባዕን ግን ብቐሊሉ ኽርከብ ይከኣል ኢዩ። (መዝሙር 84:⁠11) እዚ ዝስዕብ ካብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ እተረኽበ ተመክሮ ብዛዕባ እዚ ዝገልጽ ኢዩ።

ሓንቲ ኣብ ፈረንሳ እትነብር ናይ የሆዋ ምስክር ንዕረፍቲ ናብ ካልእ ቦታ ምስ ከደት ንሓንቲ ኪም a እትበሃል ወናኒት ድኳን ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ነገረታ። ነታ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ እትበሃል መጽሓፍ ድማ ሃበታ። ኪም ነታ መጽሓፍ ሕልፍ ሕልፍ እናበለት ክትሪኣ ኸላ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ” ዝብል ቃላት ረኸበት። (ራእይ 21:⁠4) ኪም ከምዚ ብምባል ተዘክሮኣ ትገልጽ:- “እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብሓቂ ተንኪፋትኒ ኢያ። ኣብቲ ድኳን ብፍሽሑው ገጽ ከዕልል ስለ ዝውዕል: መን ኢዩ እሞ ምሸት ኣብ ቤተይ ክድቅስ ከለኹ ከም ዝበኪ ዝግምት፧” እንታይ የጕህያ ኸም ዝነበረ ኽትገልጽ ከላ ኸኣ ከምዚ በለት:- “ን18 ዓመታት ምስ ሓደ ሰብኣይ እነብር ነበርኩ: ክምርዓወኒ ፍቓደኛ ስለ ዘይነበረ ግን ኣዝየ ጕህይቲ ኢየ ነይረ። ካብዚ ናብራ እዚ ኽናገፍ እደሊ ነይረ: እንተ​ዀነ ግን ምስኡ ንነዊሕ ዓመታት ስለ ዝነበርኩ ሓይሊ ኣይነበረንን።”

ነዊሕ ከይጸንሐት ኪም ምስ ሊን እትበሃል ናይ የሆዋ ምስክር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምር ፍቓደኛ ዀነት። ከምዚ ድማ በለት:- “ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ኸውዕሎ ተሃንጥየ ነበርኩ። ንኣብነት: ካብ ስድራ​ቤተይ ምጽራር እኳ እንተ ኣጋጠመኒ ንኣቦሓጎታት ምምላኽ ገደፍክዎ። ኣብ ርእሲ እዚውን ምስቲ መጻምድተይ ብሕጋዊ መገዲ ንኽንምርዖ እኳ እንተ ጸዓርኩ: ንሱ ግን ኣበየ። ኣብቲ ጽንኩር እዋን እቲ: እታ ኣብ ፈረንሳ እትነብር ናይ የሆዋ ምስክር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ምስዳድ ኣየቋረጸትን: ሊን እውን ብዙሕ ተተባብዓኒ ነበረት። እቲ እዘን ኣሓት እዚኣተን ዘርኣያኦ ትዕግስትን ፍቕራዊ ደገፍን መጻምድተይ እንታይ ዓይነት ሰብ ምዃኑ ንኽርዳእ ሓገዘኒ። ሓሙሽተ ‘ኣንስትን’ 25 ውሉዳትን ከም ዝነበርዎ ፈለጥኩ! እዚ ድማ ንኽገድፎ ሓይሊ ዀነኒ።

“ዓብይን ምቹእን ቤት ገዲፈ ናብ ንእሽቶ ኣፓርታማ ምእታው ቀሊል ኣይነበረን። ብተወሳኺውን: እቲ መጻምድተይ ዝነበረ ተመሊሰ ምስኡ ኽነብር ጸቕጢ ገበረለይ: እንተ ኣብየ ብኣሲድ ገይሩ ገጸይ ከበላሽወኒ ምዃኑ ኣፈራርሃኒ። ብሓገዝ የሆዋ ግን እቲ ቕኑዕ ነገር ክገብር ከኣልኩ።” ኪም መንፈሳዊ ዕቤት ምግባር ቀጸለት: ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ኣብ ሚያዝያ 1998 ተጠምቀት። ኣብ ርእሲ እዚውን ክልተ ኣሓታን ኣብ ዕድመ ኰተቴ ዝርከብ ወዳን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ጀመሩ።

ኪም ከምዚ ትብል:- “ወትሩ ህይወተይ ተስፋ ዘይብሉ ዀይኑ ዝቕጽል ኢዩ ዝመስለኒ ነይሩ። ሎሚ ግን ሕጉስቲ ኢየ: ምሸት ምሸት እውን ኣይበክን ኢየ። የሆዋ ድሮ ንብዓት ካብ ኣዒንተይ ደሪዙለይ ኢዩ።”

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣስማት ተቐይሩ ኢዩ።