ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ እተዀልዐ ወርቂ ንላዕሊ ነባሪ ኢዩ

ካብ እተዀልዐ ወርቂ ንላዕሊ ነባሪ ኢዩ

ካብ እተዀልዐ ወርቂ ንላዕሊ ነባሪ ኢዩ

 ወርቂ ብጽባቔኡን ነባሪ ብምዃኑን ብዙሕ ተደላይነት ኣለዎ። ከምኡ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ ወትሩ ስለ ዘብለጭልጭን ዳርጋ ፈጺሙ ስለ ዘይድብንን ኢዩ። ከምዚ ክኸውን ዝኸኣለ ማይ: ኦክስጅን: ሳልፈር: ከምኡውን ዳርጋ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ማዕድን ስለ ዘየመርቶ ኢዩ። ኣብ ዝጠሓላ መራኽብ ወይ ኣብ ካልእ ቦታታት ዝርከብ ብወርቂ እተሰርሐ ነገራት ንኣማእታት ዓመታት ተዓቚሩ ድሕሪ ምጽናሕ ኣይድብንን ኢዩ።

እቲ ዝገርም ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ‘ብሓዊ ኻብ ዝዅላዕ ሓላፊ ወርቂ ኣዝዩ ዝኸበረን’ ነባሪ ዝዀነን ነገር ከም ዘሎ ይገልጽ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 1:⁠7) ብሓውን ብኻልእ መስርሓትን ‘እተዀልዐ’ ወይ ዝሓለፈ ወርቂ 99.9 ሚእታዊት ጽሩይ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: እተዀልዐ ወርቂ እውን ከይተረፈ ኣብ ኣኳራጃ (ሮያል ዋተር ) ዝበሃል ሕውስዋስ ሰለስተ ኢድ ሃይድሮክሎሪክ ኣሲድን ሓደ ኢድ ኒትሪክ ኣሲድን ምስ ዝእለኽ ይሓልፍ ወይ ይበርስ ኢዩ። ስለዚ: መጽሓፍ ቅዱስ “ሓላፊ ወርቂ” ኽብል ከሎ ብስነ⁠-​ፍልጠታዊ መዳይ ቅኑዕ ኢዩ ነይሩ።

ብኣንጻሩ ግን እምነት ሓቀኛ ክርስትና ‘ንነፍሲ ተድሕን ኢያ።’ (እብራውያን 10:⁠39) ሰባት ከምቲ ንየሱስ ክርስቶስ ዝገበርዎ: ድልድልቲ እምነት ንዘላቶ ሰብ ክቐትልዎ ይኽእሉ ኢዮም። እንተ​ዀነ ግን: እቶም ሓቀኛ እምነት ዘላቶም ሰባት “ክሳዕ ሞት እሙን ኩን: ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ” ዝብል መብጽዓ ተገይሩሎም ኣሎ። (ራእይ 2:⁠10) እቶም እምነቶም ሓልዮም ዝሞቱ ሰባት ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ኣለዉ: ንሱውን ከተንስኦም ኢዩ። (ዮሃንስ 5:⁠28, 29) ኣዝዩ ብዙሕ ወርቂ: ነዚ ንኽትረክብ ኣየኽእለካን ኢዩ። ስለዚ ኸኣ: እምነት ብሓቂ ኻብ ወርቂ ንላዕሊ ኣዝያ ኽብርቲ ኢያ። እምነት ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ብሉጽ ዋጋ ንኽህልዋ ግን እተዀልዐት ወይ እተፈተነት ክትከውን ኣለዋ። አረ: ጴጥሮስሲ እታ ‘እተፈተነት እምነት’ ካብ ወርቂ ንላዕሊ ዝኸበረት ምዃና ኢዩ ገሊጹ። ኣብቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ድልድልቲ እምነት ምእንቲ ኽህልወካ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጽንዕ ክሕግዙኻ ሕጉሳት ኢዮም። እዚ ድማ ከምቲ የሱስ ዝበሎ ‘ናይ ዘለኣለም ህይወት ኢዩ።’​—⁠ዮሃንስ 17:⁠3