ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዕቤት ኣብ ምግባር ንዘጋጥመካ ዕንቅፋት ስገሮ!

ዕቤት ኣብ ምግባር ንዘጋጥመካ ዕንቅፋት ስገሮ!

ዕቤት ኣብ ምግባር ንዘጋጥመካ ዕንቅፋት ስገሮ!

 ናይ ማኪናኻ ማርሻ ኣትዩ ኣሎ: እቲ ሞተር እውን ተሲኡ ኢዩ: እንተ​ዀነ ግን ማኪናኻ ንቕድሚት ምኻድ ትኣቢ። እታ ማኪና ድያ ተበላሽያ፧ ኣይፋሉን: ዓቢ ደንጐላ ኣብ ቅድሚ ሓደ ጎማ ማኪናኻ ስለ ዘሎ ኢዩ። እታ ማኪና ኽትከይድ እንተ​ድኣ ዀይና: እቲ ደንጐላ ኽእለ ኣለዎ።

ብተመሳሳሊ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት ዝገብሩሎም ገለ ሰባት መንፈሳዊ ዕቤቶም ኽዓግት ዝኽእል ዕንቅፋታት የጋጥሞም ኢዩ። ንኣብነት: የሱስ ከም “ጓሂ እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሻው ሃብትን” ዝኣመሰለ ነገራት ‘ነቲ ቓል ክሓንቆ’ ከምኡውን ዕቤት ንኸይትገብር ክዓግተካ ከም ዝኽእል ገለጸ።​—⁠ማቴዎስ 13:⁠22

ንገሊኣቶም: ሱር ዝሰደደ ወልፍታት ወይ ድኽመታት ንዕቤቶም ክዓግቶ ይኽእል ኢዩ። ሓደ ዩታካ ዝበሃል ጃፓናዊ ሰብኣይ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መልእኽቲ ባህ ኢልዎ እንተ ተቐበሎ እኳ ወልፊ ምጥላዕ ግን ነበሮ። ነዚ ሕማቕ ወልፊ ኽገድፎ ብተደጋጋሚ ጸዓረ: እንተ​ዀነ ግን ኣይኰነሉን። ብሰንኪ እዚ ወልፊ እዚ ብዙሕ ገንዘብን ሰለስተ ኣባይትን ኣጥፍአ: ስድራ​ቤቱ እውን ነዓቕዎ: ድርቡይ ኰይኑ ድማ ተረፈ። ነዚ መዐንቀፊ እዚ ኣልዩ ክርስትያን ክኸውን ይኽእልዶ ዀን ይኸውን፧

ንከይኮ ዘጋጠማ ዕንቅፋት እውን ንርአ። ብሓገዝ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ኣምልኾ ጣኦት: ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራት: ከምኡውን ጥንቆላ ዝኣመሰለ ሕማቕ ተግባራት ገዲፋቶ ኢያ። ይኹን እምበር: ከይኮ “እቲ ዝዓበየ ዕንቅፋት ኰይኑኒ ዝነበረ ሽጋራ ምትካኽ ኢዩ። ብተደጋጋሚ ኽገድፎ እኳ እንተ ጸዓርኩ: ኣይከኣልኩን” በለት።

ንስኻውን ከተወግዶ ዘይትኽእል ዝመስል ንዕቤትካ ዝዓግት ተመሳሳሊ ዕንቅፋት ክህልወካ ይኽእል ኢዩ። እቲ ዕንቅፋት ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ ብሓገዝ ኣምላኽ ክትሰግሮ ኸም እትኽእል ርግጸኛ ኹን።

ኻብቲ ሕማም ባርያ ዝነበሮ ሰብኣይ ጋኔን ምውጻእ ምስ ኣበዮም የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሃቦም ምኽሪ ዘክሮ። ነቲ ደቀ መዛሙርቱ ምውጻእ ዝኣበዮም ጋኔን ምስ ኣውጽኦ ከምዚ በሎም:- “ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትአክል እምነት እንተ አልያትኩም: ነዚ ኸረን ድማ፤ ካብዚ ናብቲ ኣግልስ: ትብልዎ: ንሱ ኸኣ የግልስ: ዚሰአነኩምውን የልቦን።” (ማቴዎስ 17:⁠14-20፣ ማርቆስ 9:⁠17-29) እወ: ንዓና ኽንዲ ዓቢ ኸረን መሲሉ ዝርኣየና ጸገም ነቲ ዅሉ ዝኽእል ፈጣሪና ኣዝዩ ደቂቕን ኣብ ግምት ዘይኣቱን ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 18:⁠14፣ ማርቆስ 10:⁠27

ንዕቤትካ ዕንቅፋት ዝዀነካ ነገራት ምፍላጡ

ቅድሚ ነቲ ዘጋጠመካ ዕንቅፋታት ምስጋርካ: እቲ ዕንቅፋት እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥ ኣሎካ። ነዚ ብኸመይ ክትገብሮ ትኽእል፧ ሓድሓደ ግዜ ኸም ሽማግለ ወይ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝመርሓልካ ዝኣመሰለ ኣባል ጉባኤ ኸተዐርዮ ዘድልየካ ነገር ይሕብረካ ይኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቕራዊ ምኽሪ ኽወሃበካ ከሎ ኣብ ክንዲ ቕር ዝብለካ: ብትሕትና ‘ነቲ ተግሳጽ ስምዓዮ: ጥበበኛ እውን ኩን።’ (ምሳሌ 8:⁠33) መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ከሎኻ እውን ንድኽመታትካ ኽትፈልጦ ትኽእል ኢኻ። ቃል ኣምላኽ “ህያውን መስለጥን እዩ።” (እብራውያን 4:⁠12) መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ምንባብ ንውሽጣዊ ሓሳባትካን ስምዒትካን ድራኸታትካን ክሕብረካ ይኽእል ኢዩ። ንገዛእ ርእስኻ በቲ ልዑል ስርዓታት ኣምላኽ ንኽትዕቅን ይሕግዘካ ከምኡውን ንመንፈሳዊ ዕቤትካ ኽዓግት ዝኽእል ነገራት ይገልጸልካን ይሕብረካን ኢዩ።​—⁠ያእቆብ 1:⁠23-25

ንኣብነት: ሓደ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኵሉ ሳዕ ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ነገራት ይሓስብ ይኸውን። ነቲ ግጉይ ተግባር ይፍጽሞ ስለ ዘየለ: ከምዚ ምግባር ጕድኣት ዘምጽኣሉ ኣይመስሎን ይኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ እናኣጽንዐ ኸሎ ግን ነቲ ኸምዚ ዝስዕብ ዝብል ኣብ ያእቆብ 1:⁠14, 15 ዝርከብ ቃላት የንብብ:- “ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን። ድሓር: ትምኒት ምስ ጠነሰት: ንሓጢኣት ትወልዶ: ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ: ንሞት ይወልዶ።” ድሕርዚ ግን በዚ ዘለዎ ኣካይዳ ምምልላስ ንዕቤቱ ኽሳዕ ክንደይ ሃሳዪ ምዃኑ ይግንዘብ! ነዚ ዕንቅፋት እዚ ብኸመይ ክሰግሮ ይኽእል፧​—⁠ማርቆስ 7:⁠21-23

ንዘጋጥመካ ዕንቅፋታት ምስጋር

እቲ ተማሃራይ ምናልባት ሓደ ብሱል ክርስትያን እናሓገዞ በቲ ዎች ታወር ፓብሊኬሽን ኢንደክስ  a ገይሩ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተወሳኺ ምርምር ይገብር ይኸውን። ንኣብነት: ኣብ ትሕቲ እቲ “ቶውትስ” ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ: ንኣንባቢ ንጐዳኢ ሓሳባት ብኸመይ ከም እተሰንፎ ዝገልጽ እተፈላለየ ዓንቀጻት ኣበይ ከም ዝርከብ ይሕብሮ ኢዩ። እዚ ዓንቀጻት እዚ ኸም ፊልጲ 4:⁠8 ዝኣመሰለ ሓጋዚ ጥቕስታት ኢዩ ዘጕልሕ፣ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኸምዚ ትብል:- “ሓቂ ዘበለ: ርዝነት ዘለዎ ዘበለ: ቅኑዕ ዘበለ: ንጹህ ዘበለ: ተፈታዊ ዘበለ: ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ: ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ: ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ: ብእኡ ሕሰቡ።” እወ: ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ሓሳብ ብንጹህን ሃናጽን ሓሳብ ክትካእ ኣለዎ!

እቲ ተማሃራይ ምርምር ኣብ ዝገብረሉ እዋን ዘለዎ ጸገም ንኸይጋደድ ዝሕግዞ ኻልእ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝረክብ እተረጋገጸ ኢዩ። ንኣብነት: ምሳሌ 6:⁠27 ከምኡውን ማቴዎስ 5:⁠28 ንኣእምሮና ጾታዊ ስምዒት ብዘለዓዕል ነገር ኸይንምግቦ ኢዩ ዘጠንቅቐና። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ነዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን” ኢሉ ጸለየ። (መዝሙር 119:⁠37) ልክዕ ኢዩ: ነዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ምንባብ ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። እቲ ጥበበኛ ሰብኣይ “ልቢ ጻድቕ . . . ይሐስብ [“የስተንትን:” NW ]” በለ። (ምሳሌ 15:⁠28) እቲ ተማሃራይ: ኣምላኽ እንታይ ኢሉ ኸም ዝኣዘዘና ጥራይ ዘይኰነስ: ስለምንታይ ከምኡ ኢሉ ኸም ዝኣዘዘና ብምስትንታን: መገድታት የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ መገዲ ጥበብን ርትዓውን ምዃኑ ዓሚቝ ምርዳእ ከጥሪ ይኽእል ኢዩ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ ዘለዎ ዕንቅፋት ንምስጋር ዝጽዕር ዘሎ ሰብ ፍቓደኛ ልቢ ሒዙ ኻብ የሆዋ ሓገዝ ክደሊ ኣለዎ። ከመይሲ: ኣምላኽ ፍጥረትና ይፈልጥ ኢዩ: ዘይፍጹማትን ሓመድን ምዃንና ይዝክር ኢዩ። (መዝሙር 103:⁠14) ኣምላኽ ንኽሕግዘካ ኸየባተኽካ ብምጽላይ ከምኡውን ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ነገራት ንኸይትሓስብ ሓያል ጻዕሪ ብምግባር: ኣብ መወዳእታኡ እቲ ዝድለ ፍረ ማለት ንጹህን ሕርኽርኽ ዘይብልን ሕልና ክርከብ ይከኣል ኢዩ።​—⁠እብራውያን 9:⁠14

ተስፋ ኣይትቝረጽ

ጸገማትካ ንምስጋር ኣብ እትገብሮ ዝዀነ ይኹን ቃልሲ ሓድሓደ ግዜ እቲ ኣመል ክደግሰካ ከም ዝኽእል ኣይትረስዕ። ከምዚ ኸጋጥመካ ኸሎ ተስፋ ኽትቈርጽን ክትጕህን ዘሎ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ገላትያ 6:⁠9 ተመዝጊቡ ዘሎ “እንተ ዘይተጸልኣናስ: ብጊዜኡ ኽንዐጽድ ኢና እሞ: ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ” ዝብል ቃላት ኣይትረስዕ። ከም ዳዊትን ጴጥሮስን ዝኣመሰሉ ውፉያት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሕማቕ ተግባር ገይሮም ኢዮም። እንተ​ዀነ ግን: ወዲቖም ኣይተረፉን። ነቲ እተዋህቦም ምኽሪ ብትሕትና ተቐበሉ: ዘድሊ ለውጢ ገበሩ: ሓለፍ ዝበሉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ድማ ዀኑ። (ምሳሌ 24:⁠16) ዳዊት ኣበሳ እኳ እንተ ፈጸመ: የሆዋ ግን “ኵሉ ፍቓደይ ዚገብር ሰብኣይ ዝኸም ልበይ” ኢልዎ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:⁠22) ጴጥሮስ እውን ብተመሳሳሊ ጌጋኡ ኣሪሙ: ዓንዲ ናይታ ክርስትያናዊ ጉባኤ ዀይኑ ኢዩ።

ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት እውን ዕንቅፋታቶም ኣብ ምስጋር ብተመሳሳሊ ዕዉታት ኰይኖም ኢዮም። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ዩታካ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረሉ ፍቓደኛ ዀነ። ከምዚ ብምባል ድማ ይገልጽ:- “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝገበርክዎ ስጕምቲ ናይ የሆዋ ሓገዝን በረኸትን ብምርካበይ: ነቲ ዝነበረኒ ወልፊ ምጥላዕ ንኸወግዶ ሓጊዙኒ ኢዩ። ነቲ የሱስ እምነት እንተልዩና ‘ኣኽራን’ እውን ከይተረፈ ኸነግዕዝ ከም እንኽእል እተዛረቦ ነገር ኣብ ህይወተይ ኽርእዮ ብምኽኣለይ ኣዝየ ሕጉስ ኢየ።” ጸኒሑ ዩታካ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀነ።

እታ ወልፊ ሽጋራ ዝነበራ ከይኮኸ፧ እታ ጽንዓት እትገብረላ ሓብቲ ብዛዕባ ወልፊ ሽጋራ ዝምልከት እተፈላለየ ኣብ ንቕሑ! ዝወጽእ ዓንቀጻት ንኸተንብብ ሓሳብ ሃበታ። ከይኮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጽህቲ ምእንቲ ኽትከውን ን2 ቈረንቶስ 7:⁠1 ጽሒፋ ኣብ ማኪናኣ ለጠፈታ። እንተ​ዀነ ግን: ሽጋራ ምትካኽ ክትገድፎ ኣይከኣለትን። ከምዚ ብምባል ድማ ትገልጽ:- “ኣዝየ ተስፋ ቘሪጸ ነበርኩ። ስለዚ ‘ብሓቂ ንየሆዋ ድየ ኸገልግል ዝደሊ ወይስ ንሰይጣን፧’ ኢለ ንርእሰይ ሓተትኩ።” ንየሆዋ ኸተገልግል ከም እትደሊ ምስ ወሰነት: ንኽሕግዛ ልባዊ ጸሎት ገበረት። ድሕሪኡ ብዛዕባ ዝዀነ ነገር ከምዚ በለት:- “እቲ ዝገረመኒ: ብዙሕ ከይተሸገርኩ ሽጋራ ምትካኽ ገደፍክዎ። ኣቐዲመ ኸምኡ ብዘይ​ምግባረይ ጥራይ ኢየ ዝጠዓስ።”

ንስኻ እውን ኣብ መንፈሳዊ ዕቤትካ ንዘጋጥመካ ዕንቅፋት ክትሰግሮ ትኽእል ኢኻ። ንሓሳባትካ: ባህግኻ: ዘረባኻ: ከምኡውን ተግባራትካ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ብዘሰማማዕካዮ መጠን: ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ዝሓሸ ግምትን ዝያዳ ምትእምማንን ክሓድረካ ይጅምር። መንፈሳውያን ኣሕዋትካን ኣሓትካን ከምኡውን ኣባላት ስድራ​ቤትካ ምሳኻ ክዀኑ ኸለዉ ባህ ክብሎምን ክተባብዑን ኢዮም። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብ ተደልድሎ። ካብ ምቍጽጻር ሰይጣን ኣብ እንሃድመሉ እዋን ዝዀነ ይኹን ‘መዐንቀፊ ካብ መገዲ ህዝቡ ከርሕቕ’ ምዃኑ የሆዋ ቃል ኣትዩ ኢዩ። (ኢሳይያስ 57:⁠14) ንስኻ እውን ንመንፈሳዊ ዕቤትካ ዝዓግት ዕንቅፋታት ንምውጋድን ንምስጋርን ጻዕሪ እንተ​ድኣ ገይርካ: የሆዋ ኣብዚሑ ኸም ዝባርኸካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብእተፈላለየ ቛንቋታት ዝርከብ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሕተም መሓበሪ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

እምነት እንተ ኣልያትና ከም ከረን ዝኣመሰለ ዕንቅፋት ክንሰግሮ ኸም እንኽእል የሱስ ተመባጺዑ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

መንፈሳዊ ጕድለታትና ንኽንዋጽኣሉ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ የሐይለና ኢዩ