ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
እዮብ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ኢዩ ተሳቕዩ፧
ገሊኣቶም ሰባት ንእዮብ ዘጋጠሞ ፈተና ንብዙሕ ዓመታት ዝጸንሐ ይመስሎም: መጽሓፍ እዮብ ግን ክንድኡ ዝኣክል ነዊሕ እዋን ስቓይ ከም ዘጋጠሞ ኣይትገልጽን ኢያ።
እቲ ንእዮብ ኣብ መጀመርታ ዘጋጠሞ ፈተና: ማለት ሞት ኣባላት ስድራቤቱን ምብራስ ንብረቱን: ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ዘጋጠመ ኢዩ ዝመስል። “ኰነ ድማ: ሓደ መዓልቲ እቶም ኣወዳቱን ኣዋልዱን ኣብ ቤት እቲ ዓብዪ ሓዎም ኪበልዑን ወይኒ ኺሰትዩን ከለዉ” ዝብል ኢና እነንብብ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እዮብ ብተኸታታሊ ከብቱ: ኣእዱጉ: ኣባጊዑ: ኣግማሉ: ከምኡውን ነተን እንስሳታት ዝጓስዩ ዝነበሩ ባሮቱ ኸም ዝጸነቱ ተነግሮ። ብድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ እቶም ‘ኣብ ቤት እቲ ዓብዪ ሓዎም ዝበልዑን ወይኒ ዝሰትዩን’ ዝነበሩ ኣወዳቱን ኣዋልዱን ከም ዝሞቱ መርድእ መጾ። እዚ ዅሉ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ እተፈጸመ ኢዩ ዝመስል።—እዮብ 1:13-19
እቲ ቐጺሉ ንእዮብ ዘጋጠሞ ፈተናታት ዝያዳ ግዜ ወሲዱ ክኸውን ኣለዎ። ሰይጣን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቀረበ እሞ እቲ ስቓይ ንእዮብ ብቐጥታ እንተ ተንኪፍዎ ማለት ኣብ ኣካላቱ እንተድኣ በጺሕዎ ንጽህናኡ ኸም ዘይሕሉ ገይሩ ኸሰሶ። ድሕርዚ እዮብ “ካብ ሸዀና እግሩ ሒዙ ኽሳዕ ቅርቅርቱ ብብርቱዕ ቍስለት ስጋ” ተወቕዐ። እቲ ቚስሊ ኣብ ምሉእ ኣካላቱ ንኽልሕም ግዜ ወሲዱ ክኸውን ኣለዎ። እቶም መጸናናዕቲ መሲሎም ዝመጹ ነቲ ዝወረዶ “መከራ” ክሳዕ ዝሰምዑን ናብኡ ኽሳዕ ዝመጹን ግዜ ኸም ዘድሊ ፍሉጥ ኢዩ።—እዮብ 2:3-11
ኤሊፋዝ ኣብ ቴማን ናይ ምድሪ ኤዶም: ሶፋር ከኣ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዓረብ ይነብር ስለ ዝነበረ: ካብቲ ኡጽ ዝበሃል እዮብ ዝነብረሉ ዝነበረ ኣብ ሰሜናዊ ዓረብ ዝርከብ ተባሂሉ ዝግመት ከባቢ ብዙሕ ኣይርሕቑን ኢዮም ነይሮም። ቢልዳድ ግን ሹዋዊ ኢዩ ነይሩ: ዓዱ ድማ ኣብ ከባቢ ኤፍራጥስ ምንባሩ ኢዩ ዝፍለጥ። ኣብቲ ግዜ እቲ ቢልዳድ ኣብ ዓዱ እንተድኣ ነይሩ ዀይኑ: ንእዮብ ዝወረዶ መከራ ሰሚዑ ናብ ኡጽ ንኽኸይድ ሰሙናት ወይ ኣዋርሕ ክወስደሉ ይኽእል ነይሩ። ልክዕ ኢዩ: ንእዮብ መከራ ኽወርዶ ኽጅምር ከሎ: ሰለስቲኦም ኣብቲ ኸባቢ ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ዝዀነ ዀይኑ: እዞም ሰለስተ ፈተውቲ እዮብ ናብኡ ምስ መጹ: ዋላ ሓንቲ ኸይተዛረቡ “ሾብዓተ መዓልትን ሾብዓተ ለይትን ምስኡ ኣብ ምድሪ ተቐመጡ።”—እዮብ 2:12, 13
ድሕርዚ ንእዮብ እቲ ናይ መወዳእታ ፈተናታት ኣጋጠሞ: መብዛሕትኡ ምዕራፋት ናይታ መጽሓፍ ድማ እቲ ፈተና ኸመይ ከም ዝነበረ ብዝርዝር ይገልጽ ኢዩ። እቶም ከጸናንዑ ዝመጹ ብተኸታታሊ ተዛረቡ: እዮብ ድማ ይምልሰሎም ነበረ። ድሕርዚ: እቲ መንእሰይ ኤሊሁ ገሰጾም: የሆዋ እውን ካብ ሰማይ ንእዮብ ኣረሞ።—እዮብ 32:1-6፣ 38:1፣ 40:1-6፣ 42:1
ስለዚ: ንእዮብ ዘጋጠሞ ስቓይ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ: ምናልባት እውን ዓመት ኣብ ዘይመልእ እዋን ኢዩ ተፈጺሙ ክኸውን ዝኽእል። ከቢድ ፈተናታት ከጋጥመካ ኸሎ መወዳእታ ዘይብሉ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። እንተዀነ ግን: ከምቲ ንእዮብ ዘጋጠሞ ፈተናታት መወዳእታ ዝነበሮ: ዘጋጥመና ፈተናታት እውን ኽሓልፍ ኢዩ። ይኹን እምበር: ዘጋጥመና ፈተና ንነዊሕ እዋን እንተድኣ ቐጺሉ: ከምቲ ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት “እቲ ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዜብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ” ብዝብል ተገሊጹ ዘሎ: ናይ ኣምላኽ ደገፍ ከም ዘሎና ኣይንረስዕ። (2 ቈረንቶስ 4:17) ሃዋርያ ጴጥሮስ “እቲ ብክርስቶስ የሱስ ናብ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ዝጸውዓኩም ኣምላኽ ኵሉ ጸጋ: ቅሩብ ጊዜ ሓሳረ መከራ ምስ ጸገብኩም: ንሱ ኺፍጽመኩም: ኬጽንዓኩም: ኬበርትዓኩም ኪስርተኩምውን እዩ” ብምባል ጸሓፈ።—1 ጴጥሮስ 5:10