ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

 ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ብምንባብ ተሓጒስካዶ ኢኻ፧ እምበኣር እስከ ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ:-

• ኣብ እዮብ ምዕራፍ 38 ዘሎ ሕቶታት ሎሚ እውን ክንሓስበሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧

ኣምላኽ ዝጠቐሶ እተፈላለየ ተኣምራት ዘመናውያን ሊቃውንቲ እውን እንተዀኑ ምሉእ ብምሉእ ክርድእዎ ኣይክእሉን ኢዮም። ገለ ኻብዚ ተኣምራት ድማ ስሕበት ንመሬት ብኸመይ ኣብ ቅናት⁠-​ዙረት እትዘውር ከም ዝገብራ: ብርሃን ብልክዕ እንታይ ምዃኑ: ስለምንታይ ማእለያ ዘይብሉ እተፈላለየ ሓቒቕ ውርጪ ኸም ዘሎ: ነጠብጣብ ዝናም ብኸመይ ከም ዝፍጠር: ከምኡውን ነጐዳ ምስ ጸዓት ብኸመይ ከም ዝተሓሓዝ ኢዩ።​—⁠15/4 ገጽ 4-11

እንታይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነታት ኢዩ ንኣሉታዊ ስምዒታት ክንዋጽኣሉ ዝሕግዘና፧

ኣሳፍ: ባሩኽ: ከምኡውን ናእሚ ተስፋ ዝቘረጹሉ ወይ ካልእ ኣሉታዊ ስምዒት እተሰምዖም እዋን ነይሩ ኢዩ። እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተመዝጊቡ ዘሎ ነዚ ዅነታት እዚ ብኸመይ ከም እተዋጽኡሉ ዝገልጽ ሓሳባት ድማ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።​—⁠15/4 ገጽ 22-4

ክርስትያናት መበለታት ብምንታይ ተግባራዊ መገድታት ሓገዝ ክግበረለን ይከኣል፧

ፈተውቲ እንታይ ከም ዝደልያ ብሕያውነትን ብንጹርን ክሓትወን ይኽእሉ ኢዮም። ኣድላዪ እንተ​ድኣ ዀይኑ ኣባላት ስድራ​ቤት ወይ ካልኦት ሰባት ገንዘባዊ ወይ ስጋዊ ሓገዝ ክህቡ ይኽእሉ ኢዮም። ክርስትያናት ብጾት እውን መንፈሳዊ ደገፍን ምጽንናዕን ብምግባር ፍቕራዊ ምሕዝነቶም ከርእዩ ይኽእሉ ኢዮም።​—⁠1/5 ገጽ 5-7

ከምቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 7:⁠39 ዝርከብ ምኽሪ “ብእግዚኣብሄር ጥራይ” ምምርዓው ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

ዘይኣማኒ ምምርዓው መብዛሕትኡ ግዜ ጕድኣት ኣለዎ። ኣብ ርእሲ እዚውን ነዚ መለኮታዊ ምኽሪ ምስዓብ ንየሆዋ ኣምላኽ እሙን ምዃንካ ዘርኢ ኢዩ። ምስ ቃል ኣምላኽ ተሰማሚዕና ምስ እንኸይድ ልብና ኣይነቕፈናን ኢዩ። (1 ዮሃንስ 3:⁠21, 22)​—⁠15/5 ገጽ 20-1

ሓጢኣት ይቕረ ዝብል የሆዋ ኻብ ኰነ: ክርስትያናት ከቢድ ሓጢኣቶም ኣብ ጉባኤ ንዝርከቡ ሽማግለታት ዝናዘዙ ስለምንታይ ኢዮም፧

እወ: ክርስትያናት ከቢድ ሓጢኣት ምስ ዝፍጽሙ የሆዋ ይቕረ ንኽብለሎም ኢዮም ክጽዕሩ ዘለዎም። (2 ሳሙኤል 12:⁠13) እንተ​ዀነ ግን: ከምቲ ነብዪ ናታን ንዳዊት ዝሓገዞ: ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ብሱላት ሽማግለታት እውን ነቶም እተናስሑ ሓጢኣተኛታት ክሕግዝዎም ይኽእሉ ኢዮም። ናብ ሽማግለታት ምቕራብ ምስቲ ኣብ ያእቆብ 5:⁠14, 15 ዘሎ መምርሒ ዝሰማማዕ ኢዩ።​—⁠1/6 ገጽ 31

ንእተሸገሩ ዘኽታማትን መበለታትን ክንሕግዞም ከም ዝግባእ እንታይ መርትዖ ኣሎና፧

ከምዚ ዓይነት ሓልዮት ምርኣይ ኣብ ጥንታዎት እብራውያን ኰነ ኣብ ቀዳሞት ክርስትያናት መለለዪ ሓቀኛ ኣምልኾ ምንባሩ ታሪኻዊ ጸብጻብ ይሕብር ኢዩ። (ዘጸኣት 22:⁠22, 23፣ ገላትያ 2:⁠9, 10፣ ያእቆብ 1:⁠27) ክርስትያናት ንእተሸገራ መበለታት ክሓልዩለን ከም ዘለዎም: ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንጹር መምርሒ ሂቡ ኣሎ። (1 ጢሞቴዎስ 5:⁠3-16)​—⁠15/6 ገጽ 9-11

ዘሐጕስን ትርጕም ዘለዎን ህይወት ንምርካብ እቲ ቐንዲ ረቛሒ እንታይ ኢዩ፧

ምስ ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ተቐባልነት ዘለዎ ርክብ ክህልወና ኣለዎ። ከምዚ ንምግባር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲ ሓገዝ ይህበና ኢዩ።​—⁠1/7 ገጽ 4-5

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ድሕሪ ሞት ብህይወት ዝቕጽል ዘይመውት መንፈስ ኣለዎ ድዩ፧

ገሊኣቶም ሰባት እቲ ዘይመውት ነገር ነፍሲ ዘይኰነትስ መንፈስ ኢዩ ኢሎም ዝኣምኑ እኳ እንተዀኑ: መጽሓፍ ቅዱስ ግን ነዚ ሓሳብ እዚ ኣይድግፎን ኢዩ። ሓደ ሰብ ምስ ሞተ: ናብ መሬት ከም ዝምለስን ህላወኡ ከም ዘቋርጽን ኢዩ ዝገልጽ። ኣምላኽ ግን እንደገና ህያው ናይ ምግባር ክእለት ኣለዎ: ስለዚ ዝዀነ ይኹን ኣብ መጻኢ ብትንሳኤ ኣቢሉ ዝህሉ ተስፋ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ኢዩ ዘሎ። (መክብብ 12:⁠7)​—⁠15/7 ገጽ 3-6

እቶም ሰለስተ እብራውያን ኣብ ጐልጐል ዱራ ኽፍተኑ ኸለዉ ዳንኤል ኣበይ ኢዩ ነይሩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ዋላ ሓንቲ ኣይብልን ኢዩ። ዳንኤል ዝነበሮ ስልጣን ፍልይ ዝበለ ስለ ዝነበረ ናብቲ ቦታ ክኸይድ ኣይተገደደን ይኸውን: ወይ ብመንግስታዊ ዕዮ ናብ ካልእ ቦታ ኸይዱ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ከይተለማመጠ ተኣማንነቱ ኸም ዝሓለወ ግን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።​—⁠1/8 ገጽ 31