ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሰናይ ግብሪ ኣይትሰልኪ

ንሰናይ ግብሪ ኣይትሰልኪ

ንሰናይ ግብሪ ኣይትሰልኪ

“እንተ ዘይተጸልኣናስ: ብጊዜኡ ኽንዐጽድ ኢና እሞ: ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ።”​—⁠ገላትያ 6:⁠9

1, 2. (ሀ) ንኣምላኽ ንኸነገልግል ምጽማም ዘድልየና ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብርሃም ምጽማም ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ: ኸምዚ ንኽገብርከ እንታይ ሓገዞ፧

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ምዃንና መጠን ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ባህ ይብለና ኢዩ። ደቀ መዛሙርቲ ዝስከምዎ ‘ኣርዑት’ ብምጻርና እውን ዕረፍቲ ንረክብ ኢና። (ማቴዎስ 11:⁠29) እንተ​ዀነ ግን: ምስ ክርስቶስ ተጸሚድካ ንየሆዋ ምግልጋል ኵሉ ሳዕ ቀሊል ኣይኰነን። ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣመንቲ ብጾት “ፍቓድ ኣምላኽ እናገበርኩም: ነታ ተስፋ ምእንቲ ኽትረኽብዋስ: ትዕግስቲ [“ምጽማም:” NW ] የድልየኩም እዩ” ኢሉ ኽምሕጸኖም ከሎ ነዚ ንጹር ገይርዎ ኢዩ። (እብራውያን 10:⁠36) ንኣምላኽ ምግልጋል በዳሂ ክኸውን ስለ ዝኽእል ክንጽመም የድልየና።

2 ህይወት ኣብርሃም ብዘይ​ጥርጥር ነዚ ዘረጋግጽ ኢዩ ነይሩ። ኣጸጋሚ ምርጫታትን ዘጨንቕ ኵነታትን ብተደጋጋሚ ኣጋጢምዎ ኢዩ። ካብቲ ምቹእ ናብራ ኡር ክወጽእ ክእዘዝ ከሎ: እቲ ፈተና ገና ይጅምር ኢዩ ነይሩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ጥሜት: ካብ ጐረባብቱ ጽልኢ: ሰበይቱ ዳርጋ ምስኣን: ካብ ገሊኦም ኣዝማዱ ዝመጾ ጽልኢ: ከምኡውን ሕማቕ ሳዕቤን ናይ ውግእ ኣጋጠሞ። ዝዓበየ ፈተና ግን ገና ይመጽእ ኢዩ ነይሩ። ኣብርሃም ግን ንሰናይ ግብሪ ኣይሰልከየን። ነዚ ሕጂ ንሕና ዘሎና ምሉእ ቃል ኣምላኽ ከም ዘይነበሮ ኣብ ግምት ምስ እነእቱ ኸኣ እዚ ዝወሰዶ ኣቕዋም ዘደንቕ ኢዩ። ይኹን እምበር: ነቲ ኣምላኽ “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን: ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ” ብምባል እተዛረቦ ናይ መጀመርታ ትንቢት ይፈልጦ ምንባሩ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ዘፍጥረት 3:⁠15) ኣብርሃም እቲ ዘርኢ ዝወጸሉ ስለ ዝዀነ: ሰይጣን ዒላማ መጥቃዕቱ እንተ ገበሮ ኣየገርምን ኢዩ። ነዚ ነገር እዚ ምግንዛቡ ኸኣ ብዘይ​ጥርጥር ነቲ ፈተናታት ብሓጐስ ንኽጽመሞ ሓጊዝዎ ኢዩ።

3. (ሀ) ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ መከራ ኽወርዶም ክጽበዩ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዮም፧ (ለ) ገላትያ 6:⁠9 እንታይ መተባብዒ ኢያ እትህብ፧

3 ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ መከራ ኽወርዶም ክጽበዩ ኣለዎም። (1 ጴጥሮስ 1:⁠6, 7) ከመይሲ: ራእይ 12:⁠17 ሰይጣን ምስቶም ቅቡኣት ተረፍ ‘ይዋጋእ’ ከም ዘሎ ተጠንቅቐና ኢያ። እቶም “ኻልኦት ኣባጊዕውን” ምስቶም ቅቡኣት ተረፍ ሕብረት ስለ ዘለዎም: ካብ ቍጥዓ ሰይጣን ኣየምለጡን። (ዮሃንስ 10:⁠16) ክርስትያናት ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎቶም ዘጋጥሞም ምጽራር: ኣብ ብሕታዊ ህይወቶም እውን ጸቕጥታት ከጋጥሞም ይኽእል ኢዩ። ጳውሎስ “እንተ ዘይተጸልኣናስ: ብጊዜኡ ኽንዐጽድ ኢና እሞ: ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ” ብምባል ይምዕደና። (ገላትያ 6:⁠9) እወ: ሰይጣን ንእምነትና ኸጥፍእ ዝጽዕር እኳ እንተ​ዀነ: ኣብ እምነትና ጸኒዕና ኽንቃወሞ ኣሎና። (1 ጴጥሮስ 5:⁠8, 9) ብተኣማንነት ካብ ምምልላስ እንታይ ፍረ ኽርከብ ይከኣል፧ ያእቆብ 1:⁠2, 3 ‘ኣሕዋተየ: እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዝገብር ፈሊጥኩም: በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም: ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ’ ብምባል ትገልጽ።

ቀጥታዊ መጥቃዕቲ

4. ሰይጣን ንጽህና ህዝቢ ኣምላኽ ንምብልሻው ቀጥታዊ መጥቃዕቲ እተጠቕመ ብኸመይ ኢዩ፧

4 ህይወት ኣብርሃም ብርግጽ ምስዚ ሎሚ ንሓደ ክርስትያን ከጋጥሞ ዝኽእል “በበይኑ ዝዀነ ፈተና” ዝመሳሰል ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት: ምስቶም ካብ ሲነኣር ዝመጹ ወረርቲ ኽገጥም ነበሮ። (ዘፍጥረት 14:⁠11-16) ሕጂውን ሰይጣን መስጐጕቲ ብምምጻእ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ኻብ ምግባር ኣየቋረጸን። ካልኣይ ውግእ ዓለም ካብ ዝውዳእ ኣትሒዙ: ብዙሓት ሃገራት ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝፍጽምዎ ናይ ክርስትያን ትምህርታዊ ዕዮ እገዳ ገይረን ኢየን። ናይ 2001 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር (እንግሊዝኛ) ኣብ ኣንጎላ ዝርከቡ ክርስትያናት ብምጽማም ዘሕለፍዎ ካብ ጸላእቶም ዝወረዶም ግፍዒ ትትርኽ ኢያ። ኣብ ከምዚኣተን ዝኣመሰላ ሃገራት ዝርከቡ ኣሕዋትና ኣብ የሆዋ ብምውካል ጸኒዖም ነቲ ዕዮ ኻብ ምቍራጽ ኣብዮም ኢዮም! ዓመጽ ወይ ዕልዋ ብምግባር ዘይኰነስ: ብጥበባዊ መገዲ ዕዮ ስብከት ብምቕጻል ኢዮም መልሰ⁠-​ግብሪ ሂቦም።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠14

5. ክርስትያን መንእሰያት ኣብ ቤት ትምህርቶም መስጐጕቲ ኽወርዶም ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

5 ይኹን እምበር: መስጐጕቲ የግዲ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ኣብርሃም ድሕሪ ግዜ እስማኤልን ይስሃቅን ዝበሃሉ ኽልተ ውሉዳት ወለደ። ዘፍጥረት 21:⁠8-12 ሓደ እዋን እስማኤል ንይስሃቅ ከም ‘ዘላገጸሉ’ ትገልጸልና ኢያ። ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ: እስማኤል ንይስሃቅ ከም ዝሰጐጎ ብምሕባር: እቲ ጕዳይ ናይ ቈልዑ ጸወታ ጥራይ ዘይምንባሩ ገለጸ! (ገላትያ 4:⁠29) ስለዚ: ናይ መማህርቲ ላግጽን ካብ ተጻረርቲ ዝመጽእ ጸርፍን መስጐጕቲ ተባሂሉ ኽጽዋዕ ይከኣል ኢዩ። ራያን ዝበሃል መንእሰይ ክርስትያን መማህርቱ ዘውረዱሉ ስቓይ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ኣብተን ብኣውቶቡስ ናብ ትምህርቲ ክኸይድን ክምለስን ዝነበራ 15 ደቓይቕ የላግጹለይ ስለ ዝነበሩ: ሰዓታት ኰይነን ኢየን ዝስምዓኒ ነይረን። ንመቐርቀር ወረቐት ብመወልዒ ሽጋራ ገይሮም ኣርሲኖም የንድዱኒ ነበሩ።” ንምንታይ ኢዮም ዘጋፍዕዎ ዝነበሩ፧ ምኽንያቱ “እተዋህበኒ ቲኦክራሲያዊ ስልጠና ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ኻብ ዝነበሩ ኻልኦት መንእሰያት ፍሉይ ይገብረኒ ነበረ” ብምባል ይገልጽ። እንተ​ዀነ ግን: ብሓገዝ ወለዱ ብተኣማንነት ክጽመሞ ኽኢሉ ኢዩ። ኣቱም መንእሰያት: መዛኑኹም ስለ ዘባጭዉልኩም ትሕለሉ ዲኹም፧ ተስፋ ኣይትቝረጹ! ብተኣማንነት ብምጽማም ንፍጻሜ ናይተን “እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን: ብጹኣን ኢኹም” ዝብላ ቓላት የሱስ ኣብ ናብራኹም ክትርእይወን ኢኹም።​—⁠ማቴዎስ 5:⁠11

መዓልታዊ ጭንቀት

6. ሎሚ ንዘለዉ ኣመንቲ ብጾት ርክቦም ከበላሽወሎም ዝኽእል ነገራት እንታይ ኢዩ፧

6 መብዛሕትኡ ሎሚ ዘጋጥመና ፈተናታት ኣብ መዓልታዊ ናብራ ዘጓንፈና ጭንቀት ኢዩ። ኣብርሃም እውን ነቲ ኣብ መንጎ ጓሶቱን ጓሶት ሎጥ ወዲ ሓዉን እተፈጥረ ወጥሪ ኽጽመሞ ነበሮ። (ዘፍጥረት 13:⁠5-7) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ ናይ ባህርይ ፍልልይን ቅንእን ንርክባትና ኸበላሽዎ: ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ንሰላም ናይ ጉባኤ ዘስግእ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። “ኣብቲ ቕንእን ሻራን ዘለዎ: ኣብኡ ምፍራስ ስርዓትን ኵሉ እኩይ ግብርን አሎ።” (ያእቆብ 3:⁠16) ከምቲ ኣብርሃም ዝገበሮ: ትዕቢት ንሰላምና ኽዘርጎ ብዘይ​ምፍቃድ ንጥቕሚ ካልኦት ክንሓልስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን ኢዩ!​—⁠1 ቈረንቶስ 13:⁠5፣ ያእቆብ 3:⁠17

7. (ሀ) ሓደ ሰብ ብኣማኒ ብጻዩ እንተ ተጐዲኡ እንታይ ኢዩ ኽገብር ዘለዎ፧ (ለ) ምስ ካልኦት ጽቡቕ ርክብ ኣብ ምዕቃብ ዝመጸ ኣብርሃም ሰናይ ኣብነት ዝገደፈልና ብኸመይ ኢዩ፧

7 ኣመንቲ ብጾት ከም ዝጐድኡና ዀይኑ ኣብ ዝስምዓና እዋን: ብሰላም ምምልላስ በዳሂ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ምሳሌ 12:⁠18 “ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ አሎ” ትብል። ከይሓሰብካ ዝዝረብ ዘረባ: ዋላ እውን ብቕንዕና እንተ​ዀነ: ንሰባት ኣጸቢቑ ኽጐድኦም ይኽእል ኢዩ። ካልእ ሰብ ከም ዘጸለመና ወይ ዝሓመየና ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና ዝያዳ ኢና እንጕዳእ። (መዝሙር 6:⁠6, 7) እንተ​ዀነ ግን: ሓደ ክርስትያን ስለ እተጐድአ: ተስፋ ንኽቘርጽ ምኽንያት ኣይኰኖን ኢዩ! ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ከጋጥመካ ኸሎ: ነቲ ዘጕሃየካ ሰብ ብሕያውነት ብምዝርራብ ነቲ ነገር ንምፍታሕ ተበግሶ ውሰድ። (ማቴዎስ 5:⁠23, 24፣ ኤፌሶን 4:⁠26) ይቕረ በለሉ። (ቈሎሴ 3:⁠13) ቂም ብዘይ​ምሓዝ ነቲ እተሃሰናሉ ነጥቢ ኽንርስዕን ምስ ሓውና ዘሎና ርክብ ከነዐርን ንኽእል ኢና። ኣብርሃም ንሎጥ ቂም ኣይሓዘሉን። እኳ ድኣስ: ንሎጥን ስድራ​ቤቱን ንምድሓን ተጓየየ!​—⁠ዘፍጥረት 14:⁠12-16

ባዕልና እነምጽኦ ፈተናታት

8. (ሀ) ክርስትያናት ‘ናብ ርእሶም ብዙሕ ስቓይ ከምጽኡ’ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብርሃም ኣብ ስጋዊ ነገራት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ዝነበሮ ስለምንታይ ኢዩ፧

8 ገሊኡ ፈተናታት ግን ባዕልና ኢና እነምጽኦ። ንኣብነት: የሱስ ንሰዓብቱ “ብልዒ ኣብ ዚበልዖ: ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ: ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ” ብምባል ኣዘዞም። (ማቴዎስ 6:⁠19) ገና ግን: ገሊኣቶም ኣሕዋት ንስጋዊ ነገራት ካብ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንላዕሊ ቀዳምነት ብምሃብ ‘ናብ ርእሶም ብዙሕ ስቓይ ኣምጺኦም’ ኢዮም። (1 ጢሞቴዎስ 6:⁠9, 10) ኣብርሃም ንኣምላኽ ንምሕጓስ ስጋዊ ምቾት መስዋእቲ ንምግባር ፍቓደኛ ኢዩ ነይሩ። “ነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣን: መሰረት ዘለዋ ኸተማ ይጽበ ስለ ዝነበረ: ብእምነት ኣብታ ምድሪ ተስፋ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ዀይኑ ተቐመጠ እሞ ምስቶም ነዛ ተስፋ እዚኣ መዋርስቱ ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ።” (እብራውያን 11:⁠9, 10) ኣብርሃም ኣብታ ናይ መጻኢት “ኸተማ” ወይ መንግስቲ ኣምላኽ ዝነበሮ እምነት: ኣብ ሃብቲ ንኸይውከል ሓጊዝዎ ኢዩ። ንሕናኸ ከምዚ ምስ እንገብር ጥበበኛታትዶ ኣይምዀንናን፧

9, 10. (ሀ) ተፈላጥነት ክትረክብ ምድላይ ፈተና ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ሎሚ ሓደ ሓው ‘ዝነኣሰ’ ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧

9 ካልእ መዳይ እስከ ንርአ። መጽሓፍ ቅዱስ “ሓደ ገለ ዘይኰነስ ገለ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ: ንርእሱ ይጥብር አሎ” ብምባል ሓያል መምርሒ ይህበና ኢዩ። (ገላትያ 6:⁠3) ብተወሳኺውን: “ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዐመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ” ኸይንገብር ምሕጽንታ ተዋሂቡና ኣሎ። (ፊልጲ 2:⁠3) ገሊኣቶም ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ስለ ዘየውዕልዎ ባዕሎም ኣብ ፈተና ይኣትዉ። ኣብ ክንዲ “ሰናይ ግብሪ” ንምግባር ባህጊ ዝሓድሮም: ተፈላጥነት ክረኽቡ ብምድላዮም: ኣብ ጉባኤ መሰላት ምስ ዘይውሃቦም ይጕህዩን ይሓርቁን ኢዮም።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 3:⁠1

10 ‘ካብቲ ዝግባእ ኣዕዚዝካ ብዛዕባ ዘይምሕሳብ’ ዝመጸ ኣብርሃም ሰናይ ኣብነት ገዲፉ ኢዩ። (ሮሜ 12:⁠3) ኣብርሃም ምስ መልከጼዴቅ ምስ ተራኸበ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞገስ ስለ ዝነበሮ ኣነ እዓቢ ኣይበለን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣስ: ንመልከጼዴቅ ዕሽር ብምሃብ ከም ካህን መጠን ዝለዓለ ቦታ ኸም ዘለዎ ኣፍልጦ ሃበ። (እብራውያን 7:⁠4-7) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ ክርስትያናት ‘ዝነኣሱ’ ንኽዀኑን ጐሊሑ ዝርአ ቦታ ንኸይደልዩን ፍቓደኛታት ክዀኑ ኣለዎም። (ሉቃስ 9:⁠48) ኣብ ጉባኤ መሪሕነት ዝወስዱ ሰባት ገለ መሰላት ዝኸልኡኻ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ: ኣብ ባህርያትካ ወይ ኣተሓሕዛኻ እንታይ ምምሕያሽ ከም ዘድልየካ ብቕንዕና ንርእስኻ መርምር። ኣብ ክንዲ እዚ መሰል እዚ ዘይረኸብኩ ኢልካ እትምረር: ነቲ ዘሎካ መሰል: ማለት ካልኦት ንየሆዋ ክፈልጡ ናይ ምሕጋዝ መሰል: ብግቡእ ዕየየሉ። እወ: ‘ንሱ ልዕል ምእንቲ ኸብለካ: ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በል።’​—⁠1 ጴጥሮስ 5:⁠6

ኣብ ዘይርአ ነገራት እምነት ምሕዳር

11, 12. (ሀ) ገለ ኣብ ጉባኤታት ዘለዉ ኣሕዋት ናይ ህጹጽነት ስምዒት ዘጥፍኡ ስለምንታይ ኢዮም፧ (ለ) ኣብርሃም ኣብ ምሉእ ህይወቱ ንመብጽዓታት ኣምላኽ ኣሚኑ ብምምልላስ ሰናይ ኣብነት ዝሰርዓልና ብኸመይ ኢዩ፧

11 መወዳእታ ናይዚ እኩይ ኣረጊት ኣገባብ ዝደንጐየ ምምሳሉ እውን ካልእ ፈተና ኢዩ። ብመሰረት 2 ጴጥሮስ 3:⁠12 ክርስትያናት ‘ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸበዩን እናኣቐልጠፍዎን’ ክጸንሑ ኸም ዘለዎም ኢዩ ተነጊርዎም። እንተ​ዀነ ግን: ብዙሓት ሰባት ነዛ “መዓልቲ” እዚኣ ንዓመታት: ገሊኦም ከኣ ንዓሰርተታት ዓመታት ተጸብዮማ ኢዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ገሊኦም ተስፋ ኽቘርጹን ናይ ህጹጽነት ስምዒቶም ከጥፍኡን ይኽእሉ ኢዮም።

12 ኣብዚ እውን ናይ ኣብርሃም ኣብነት እስከ ንርአ። እቲ እተኣትወሉ መብጽዓታት ብምሉኡ: ብህይወቱ ኸሎ ዝፍጸም ከም ዘይኰነ ርዱእ እኳ እንተ ነበረ: ምሉእ ህይወቱ ንመብጽዓታት ኣምላኽ ኣሚኑ ተመላሊሱ ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: ይስሃቅ ወዱ ኽሳዕ ዝዓቢ ብህይወት ጸኒሑ ኢዩ። ዘርኢ ኣብርሃም “ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን” ንኽዀኑ ግን ዘመናት ወሲዱ ኢዩ። (ዘፍጥረት 22:⁠17) ይኹን እምበር: ኣብርሃም ኣይተመረረን ወይ ኣይተሓለለን። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ኣብርሃምን ካልኦት ርእሲ ኣቦታትን ከምዚ በለ:- “እዚኦም ኵላቶም ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን: ግናኸ ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን እሞ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተአመኑ: ብእምነት ሞቱ።”​—⁠እብራውያን 11:⁠13

13. (ሀ) ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ከም “ስደተኛታት” ዝዀኑ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) የሆዋ ነዚ ኣገባብ እዚ መወዳእታ ዝገብረሉ ስለምንታይ ኢዩ፧

13 ኣብርሃም ህይወቱ ኣብ ፍጻሜ ናይቲ “ርሑቕ” ዝነበረ መብጽዓታት ከም እተተኵር ገይሩ ኽመላለስ ካብ ከኣለ: እዞም ፍጻሜ ናይቲ መብጽዓታት ቀሪቡሉ ኣብ ዘሎ እዋን እንነብር ዘሎና ድኣኸ ዝያዳ ጸኒዕና ክንመላለስ ዝግብኣናዶ ኸይኰነ! ንሕና እውን ልክዕ ከም ኣብርሃም: ካብዚ ብቓሕ ዝበለካ ዓይነት ኣነባብራ እትመላለሰሉ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ርሒቕና: ንገዛእ ርእስና ከም “ስደተኛታት” ገይርና ኽንርኢ ኣሎና። ብባህርይና: “መወዳእታ ዅሉ ነገር” ክመጽእ ድኣ እምበር ቀሪቡ ጥራይ ክበሃል ኣይንደልን ኢና። (1 ጴጥሮስ 4:⁠7) ምናልባት ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገማት የጓንፈና ይህሉ። ወይ ሓያል ቍጠባዊ ጸቕጢ ይህልወና ይኸውን። እንተ​ዀነ ግን: የሆዋ ንመወዳእታ ዘምጽኦ: ካብ ዘጋጥመና ስቓይ ንኸናግፈና ኢሉ ጥራይ ዘይኰነስ: ንስሙ ንምቕዳስ ምዃኑ እውን ክንዝክር ኣሎና። (ህዝቅኤል 36:⁠23፣ ማቴዎስ 6:⁠9, 10) መወዳእታ የግዲ ኣብ ዝጥዕመና እዋን ዘይኰነስ: ዕላማታት የሆዋ ንምፍጻም ዝበለጸ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ኢዩ ዝመጽእ።

14. ትዕግስቲ ኣምላኽ ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያናት ዝጠቐሞም ብኸመይ ኢዩ፧

14 ነዚ ዝስዕብ ቃላት እውን ኣይትረስዓዮ:- “ጐይታስ: ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር: ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ: ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር: ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም: ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ።” (2 ጴጥሮስ 3:⁠9) ነተን ኣምላኽ “ምእንታኻትኩም [ምእንቲ ኣባላት እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ] ይዕገስ አሎ” ዝብላ ቓላት ኣስተብህለለን። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ገሌና ‘ብዘይ​ ነውርን ብዘይ​ መንቅብን ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ ንኽንርከብ’ ለውጥን ምትዕርራይን ንምግባር ዝያዳ ግዜ ኸም ዘድልየና ፍሉጥ ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:⁠14) እምበኣር ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ትዕግስቲ ስለ ዘርኣየና መማሰውቲ ኽንከውን ኣይግብኣናንዶ፧

ዕንቅፋታት እኳ እንተ ኣጋጠመ ሓጐስ ምርካብ

15. የሱስ ፈተናታት እናኣጋጠሞ ኽነሱ ሓጐሱ ኽዕቅብ ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ: ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ንእኡ ብምምሳሎምከ እንታይ ረብሓ የምጽኣሎም፧

15 ህይወት ኣብርሃም ነዞም ሎሚ ዘሎና ክርስትያናት ብዙሕ ትምህርቲ ይምህረና ኢዩ። እምነት ጥራይ ዘይኰነስ ትዕግስቲ: ጥበብ: ትብዓት: ከምኡውን ስስዐ ዘይብላ ፍቕሪ ኣርእዩ ኢዩ። ንኣምልኾ የሆዋ ኣብ ህይወቱ ቐዳምነት ሂብዎ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ክንመስሎ ዘሎና ዝበለጸ ኣብነትና የሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ኣይንረስዕ። ንሱ እውን ብዙሕ ፈተናታት እኳ እንተ ኣሕለፈ: ሓጐሱ ግን ኣየጥፍአን። ስለምንታይ፧ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ተስፋ ስለ ዘተኰረ ኢዩ። (እብራውያን 12:⁠2, 3) ስለዚ ጳውሎስ “እቲ ናይ ትዕግስትን ምጽንናዕን ኣምላኽ ኣብ ንሓድሕድኩም: ከምቲ ናይ ክርስቶስ የሱስ ጌርኩም: ሓደ ሓሳብ ክትሐስቡ ይሀብኩም” ኢሉ ጸለየ። (ሮሜ 15:⁠5) ቅኑዕ ኣተሓሳስባ እንተ​ድኣ ሃልዩና: ሰይጣን ፈተና እኳ እንተ ኣምጽኣልና ሓጐስ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።

16. ዘጋጥመና ጸገማት ኣዝዩ ኸቢድ ኰይኑ እንተ​ድኣ ተሰሚዑና እንታይ ኽንገብር ንኽእል፧

16 ዘጋጥመካ ጸገማት ኣዝዩ ኸቢድ ኰይኑ እንተ​ድኣ ተሰሚዑካ: የሆዋ ከምቲ ንኣብርሃም ዘፍቀሮ ንዓኻውን ከም ዘፍቅረካ ኣይትረስዕ። ብዓወት ክትዋጽኣሉ ኢዩ ዝደልየካ። (ፊልጲ 1:⁠6) ‘ንፈተናኻ ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሎስ: መውጽኢ ገይሩልካ ኣሎ እምበር: ካብ ዓቕምኻ ንንየው ንኽትፍተን ከም ዘይሓድገካ’ ብምትእምማን ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ተወከል። (1 ቈረንቶስ 10:⁠13) መዓልቲ መዓልቲ ቓል ኣምላኽ ናይ ምንባብ ልምዲ ይሃሉኻ። (መዝሙር 1:⁠2) የሆዋ ንኽትጽመም ምእንቲ ኽሕግዘካ: ከየባተኽካ ጸሊ። (ፊልጲ 4:⁠6) ‘ንዝልምንዎ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ይህቦም ኢዩ።’ (ሉቃስ 11:⁠13) ነቲ የሆዋ ብመንፈሳዊ ንኸጽንዓካ ዝገበሮ ከም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ዝኣመሰለ እተፈላለየ ምድላዋት ተጠቐመሉ። ኣሕዋት ደገፍ ክገብሩልካ ሕተቶም። (1 ጴጥሮስ 2:⁠17) ካብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንኽትጽመም ዘኽእለካ መተባብዒ ክትረክብ ስለ እትኽእል ስርዓታዊ ዄንካ ኣብኡ ተኻፈል። (እብራውያን 10:⁠24, 25) ምጽማም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ንኽትረክብ መገዲ ዝኸፍት ምዃኑን ተኣማንነትካ ንልቡ ባህ ከም ዘብሎን ብምፍላጥ ተሓጐስ!​—⁠ምሳሌ 27:⁠11፣ ሮሜ 5:⁠3-5 NW

17. ክርስትያናት ዘይሕለሉ ስለምንታይ ኢዮም፧

17 ኣምላኽ ንኣብርሃም ከም ‘ዓርኩ’ ገይሩ ይፈትዎ ነበረ። (ያእቆብ 2:⁠23 NW ) ይኹን እምበር: ኣብርሃም ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ፈተናታትን መከራታትን ኣጋጢምዎ ኢዩ። ስለዚ: ክርስትያናት ኣብዘን ክፉኣት “ዳሕሮት መዓልትታት” ካብዚ ዝሓይሽ ኣይጽበዩን ኢዮም። አረ መጽሓፍ ቅዱስሲ: “እቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን . . . ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም” ብምባል ኢዩ ዘጠንቅቐና። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1, 13) ጸቕጥታት ከጋጥመና ኸሎ ኣብ ክንዲ እንሕለል: ናይ ሰይጣን ኣገባብ መወዳእታኡ ኸም ዝቐረበ ነስተውዕል። የሱስ “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን” ምዃኑ መዘኻኸሪ ሂቡና ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠13) ስለዚ: ‘ንሰናይ ግብሪ ኣይትሰልኪ!’ ንኣብርሃም ምሰሎ: ካብ መንጎ እቶም “ብእምነትን ብትዕግስትን ነታ ተስፋ ዚወርስዋ” ድማ ኹን።​—⁠እብራውያን 6:⁠12

ኣስተብሂልካሉዶ፧

• ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ ፈተናታትን መከራን ክጽበዩ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዮም፧

• ሰይጣን በየናይ መገድታት ኣቢሉ ኢዩ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ዝፍኑ፧

• ኣብ መንጎ ክርስትያናት ዝፍጠር ብሕታዊ ግጭት ብኸመይ ክፍታሕ ይከኣል፧

• ትዕቢትን ከንቱ ውዳሴ ምድላይን ፈተና ዝዀነና ብኸመይ ኢዩ፧

• ኣብርሃም ንፍጻሜ መብጽዓታት ኣምላኽ ብምጽባይ ዝመጸ ሰናይ ኣብነት ዝገደፈልና ብኸመይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ብዙሓት ክርስትያን መንእሰያት መዛኑኦም ስለ ዘላግጹሎም መስጐጕቲ ይወርዶም ኢዩ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ኣብርሃም ብህይወት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ፍጻሜ መብጽዓታት ኣምላኽ “ርሑቕ” እኳ እንተ ነበረ: ንሱ ግን ኣብቲ መብጽዓታት እምነት ብምሕዳር ተመላለሰ