ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንእስነትካ ብግቡእ ተጠቐመሉ

ንእስነትካ ብግቡእ ተጠቐመሉ

ንእስነትካ ብግቡእ ተጠቐመሉ

 ተቐማጦ ሓንቲ ኣብ ኣውሮጳ እትርከብ ሃገር: ካብ ሰለስተ ነገራት ማለት ካብ ጽባቐ: ሃብቲ: ወይ ንእስነት: ሓዲኡ ኽመርጹ ተሓተቱ። እታ ቐዳመይቲ ምርጭኦም ንእስነት ነበረት። እወ: ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመ ዝርከቡ ሰባት ንናይ ኰተቴ ዓመታትን መጀመርታ 20ታትን ከም ፍሉይ እዋን ናይ ህይወቶም ገይሮም ኢዮም ዝርእይወን። ኵሉ ሰብ ድማ መንእሰያት ዕዉታት ኰይኖም ናብ ብጽሕነት ክሰግሩ ኢዩ ዝደሊ። ብኸመይ ግን ኢዮም ከምዚ ኽገብሩ ዝኽእሉ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ክሕግዞም ይኽእል ድዩ፧ ብርግጽ ክሕግዞም ይኽእል ኢዩ። ቃል ኣምላኽ ንመንእሰያት ብፍላይ ክሕግዘሉ ዝኽእል ክልተ መዳያት እስከ ንርአ፣ ምናልባት እውን ኣብ ካልእ ክሊ ዕድመ ኻብ ዝርከቡ ሰባት ንላዕሊ ኢዩ ንመንእሰያት ክሕግዞም ዝኽእል።

ምስ ካልኦት ተሳኒኻ ምንባር

ዩገንት 2000 ልዕሊ 5,000 ዝዀኑ ኣብ ጀርመን ዝርከቡ መንእሰያት ብዛዕባ ዘለዎም ኣረኣእያን ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታትን ባህርያትን እተገብረ ሰፊሕ መጽናዕቲ ዝሓዘ ጸብጻብ ኢዩ። መንእሰያት ሙዚቃ ብምስማዕ: ኣብ ስፖርታዊ ንጥፈታት ብምክፋል: ወዘንዘን ብምባል: ወይ ብኻልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ክዘናግዑ ኸለዉ ዳርጋ ዅሉ ግዜ ካልኦት ሰባት ኣብ ጐኖም ከም እትርኢ እቲ መጽናዕቲ ይሕብር። ኣብ ካልእ ክሊ ዕድመ ካብ ዝርከቡ ሰባት ንላዕሊ ምስ መዛኑኦም ናይ ምዃን ድሌት ዘለዎም መንእሰያት ከይኰኑ ኣይተርፉን ኢዮም። ስለዚ: ሓደ ኻብቲ ኣብ ግዜ ንእስነትካ ዕዉት ዝገብረካ ቐንዲ ረቛሒታት ምስ ካልኦት ተሳኒኻ ምንባር ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ።

እንተ​ዀነ ግን: ምስ ካልኦት ተሳኒኻ ምንባር ወትሩ ቐሊል ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ደቂ ተባዕትዮ ይኹኑ ደቂ ኣንስትዮ መንእሰያት መብዛሕትኡ እዋን ኣጸጋሚ ኸም ዝዀኖም ካብ ዝገልጽሉ መዳያት ሓደ ሰብኣዊ ርክባት ኢዩ። ኣብዚ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓቂ ሓገዝ ክህብ ይኽእል ኢዩ። ቃል ኣምላኽ: መንእሰያት ሚዛናዊ ርክብ ምእንቲ ኽህልዎም መሰረታዊ መምርሒታት ይህብ ኢዩ። እንታይ ኢዩኸ ዝብል፧

ሓንቲ ኻብቲ ኣብ ሰብኣዊ ርክባት ኣዝዩ ኣድላዪ ዝበሃል ስርዓት እታ “ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም” እትብል ወርቃዊት ሕጊ ኢያ። ንኻልኦት ክብሮም ምስ እትሕልወሎምን ብሕያውነት ምስ እትሕዞምን: ንሳቶም እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ኢዮም ዝሕዙኻ። ሕያውነት ንዝነበረ ምስሕሓብን ወጥርን ከወግዶ ይኽእል ኢዩ። ብሓልዮትካ ትፍለጥ እንተ​ድኣ ዄንካ: ካልኦት እውን ክሓልዩልካን ክቐርቡኻን ኢዮም። ካልኦት ክቐርቡኻስ ባህ ዘብልዶ ኸይኰነ፧​—⁠ማቴዎስ 7:⁠12

መጽሓፍ ቅዱስ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ብምባል ይምዕደካ ኢዩ። ንነፍስኻ ምፍቃር ክበሃል ከሎ: ንርእስኻ ኽትከናኸን ከምኡውን ብዛዕባ ርእስኻ ጽቡቕ ግምት ክህልወካ ማለት ከየብዛሕካን ከየውሓድካን ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ማለት ኢዩ። እዚ ንምንታይ ኢዩ ሓጋዚ ዝኸውን፧ ብዛዕባ ርእስኻ ጽቡቕ ኣረኣእያ ዘይብልካ እንተ​ድኣ ዄንካ: ንኻልኦት ወትሩ እትነቅፍ ክትከውን ትኽእል ኢኻ: እዚ ኸኣ ጽቡቕ ርክብ ንኸይህልወካ ዕንቅፋት ይኸውን። ብዛዕባ ርእስኻ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ግን ድልዱል ምሕዝነት ንኽትሃንጽ መሰረት ክዀነካ ይኽእል ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 22:⁠39

ምሕዝነት ሓንሳእ ምስ ተሰረተ: ብኽልቲኡ ወገን ብዝግበር ጻዕርታት ክድልድል ኣለዎ። ‘ካብ ምቕባል ምሃብ ኣዝዩ ስለ ዝባረኽ [‘ዘሐጕስ:’ NW ]’ ንምሕዝነትካ ኽትብል እተጥፍኦ ግዜ ኸሐጕሰካ ኢዩ ዘለዎ። ይቕረ ምባል: ሓደ ዓይነት ምሃብ ኢዩ: እዚ ድማ ንኣሽቱ ጌጋታት ዕሽሽ ምባልን ካብ ካልኦት ፍጽምና ዘይምጽባይን ዘጠቓልል ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ለውሃትኩም [“ምኽንያታውነትኩም:” NW ] ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ” ይብለና። እወ: ‘ብኣኻ ዝመጸ: ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበር።’ ፈታዊኻ ድኽመት ከም ዘሎካ ምስ ዝሕብረካ: ከመይ ኢዩ ዝስምዓካ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ናይ ፈታዊ መውቃዕቲ ንደሓንካ ኢዩ” እሞ “ብመንፈስካ ንዅራ ኣይትተሀወኽ” ብምባል ተግባራዊ ምኽሪ ይህበና። ፈተውትና ንኣተሓሳስባና: ኣዘራርባና: ከምኡውን ባህርይና ይጸልዉዎዶ ኸይኰኑ፧ ስለዚ: መጽሓፍ ቅዱስ “ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ” ብምባል የጠንቅቕ። ብኻልእ ሸነኽ ድማ: “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን” ይብለና።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠35፣ ፊልጲ 4:⁠5፣ ሮሜ 12:⁠17, 18፣ ምሳሌ 13:⁠20፣ 27:⁠6 ሪቫይዝድ ኢንግሊሽ ባይብል፣ መክብብ 7:⁠9፣ 1 ቈረንቶስ 15:⁠33

ብዙሓት መንእሰያት ከምቲ ኸምዚ ዝስዕብ ዝበለ ማርኮ እተሰምዖ ዓይነት ስምዒት ኢዩ ዘለዎም:- “ምስ ካልኦት ሰባት ተሳኒኻ ንምንባር ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ይሕግዝ ኢዩ። ገሊኦም ዝፈልጦም ሰባት ፈተውቲ ርእሶምን ንጥቕሞም ጥራይ ዝሓስቡን ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኻልኦት ድኣ እምበር ብዛዕባ ርእስና ኣዕዚዝና ከይንሓስብ ኢዩ ዝምህረና። ከም ዝመስለኒ: ጽቡቕ ሰብኣዊ ርክባት ንምግባር እቲ ዝበለጸ መገዲ እዚ ኢዩ።”

ከም ማርኮ ዝኣመሰሉ መንእሰያት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተማሃርዎ ነገራት ኣብ ግዜ ንእስነቶም ጥራይ ዘይኰነስ ንመጻኢ እውን ይጠቕሞም ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ንመንእሰይ ወለዶ ፍሉይ ሓገዝ ክህብ ይኽእል ኢዩ።

ብዛዕባ መጻኢ ዘሎ ጭንቀት

ብዙሓት መንእሰያት ብዙሕ ሕቶታት ይመጾም ኢዩ። ምናልባት ኣብ ካልእ ክሊ ዕድመ ኻብ ዝርከቡ ሰባት ንላዕሊ ብዛዕባ ዝፍጸም ነገራትን ንምንታይ ይፍጸም ከም ዘሎን ክፈልጡ ዝደልዩ መንእሰያት ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ካብ ካልኦት መጻሕፍቲ ንላዕሊ ነዚ ኣብ ዓለም ዘሎ ዅነታት ጠንቂ ዀይንዎ ዘሎን ኣብ መጻኢ እንታይ ክንጽበ ኸም ዘሎናን ይገልጽ ኢዩ። መንእሰይ ወለዶ ኸኣ ነዚ ኢዩ ኽፈልጥ ዝደሊ። ከምኡ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

መንእሰያት ኣርሒቖም ኣይሓስቡን ኢዮም ዝብል ኣረኣእያ ኣብ ኵሉ ሰብ እኳ እንተሎ: ገለ እተገብረ መጽናዕትታት ግን ካብዚ ቁሩብ ፍልይ ዝበለ ሓሳብ ኢዩ ዝህበና። መንእሰያት ኣብ ከባቢኦም ብዛዕባ ዝግበር ነገራት ኣጸቢቖም ከም ዘስተብህሉን ኣብ መጻኢ ናብራ ህይወቶም ከመይ ክኸውን ከም ዝኽእል ናይ ገዛእ ርእሶም መደምደምታ ኸም ዝህቡን እቲ መጽናዕቲ ሓቢሩ ኢዩ። ነዚ ኸም መርትዖ ዝኸውን ከኣ: ካብ 4 መንእሰያት እቶም 3 ብዛዕባ መጻኢ “ብዙሕ ግዜ” ወይ “ኣዘውቲሮም” ኢዮም ዝሓስቡ። ብሓፈሽኡ ኽርአ ኸሎ መንእሰያት ኣወንታዊ ኣረኣእያ እኳ እንተለዎም: መብዛሕትኦም ግን ብዛዕባ መጻኢ ብመጠኑ ይጭነቑ ኢዮም።

ስለምንታይ ኢዮም ዝጭነቑ፧ መብዛሕትኦም ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት ገበንን ዓመጽን ይፍጽሙ: ሓሽሽ እውን ይወስዱ ኢዮም። ኣብዚ ብርቱዕ ውድድር ዘለዎ ሕብረተሰብ ቀዋሚ ስራሕ ክረኽቡ ዝኽእሉ እንተ ዀይኖም ይጭነቑ ኢዮም። ኣብ ትምህርቲ ጽቡቕ ነጥቢ ንምርካብ ወይ ኣብ ስራሕ ዝበለጹ ሰራሕተኛታት ንምዃን ብዙሕ ጸቕጢ ይወርዶም ኢዩ። ሓንቲ ጓል 17 ዓመት መንእሰይ ከምዚ ብምባል መረረኣ ትገልጽ:- “ንሓድሕዱ ኣብ ዝመናጨት ሕብረተሰብ ኢና ንነብር ዘሎና። ዅሉ ሰብ ባህ ዝበሎ ኢዩ ኽገብር ዝጽዕር። ወትሩ ክእለት ከም ዘሎካ ኸተርኢ ኣሎካ: እዚ ድማ ኣዝዩ ኢዩ ዘበሳጭወኒ።” ሓደ ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ከኣ ኸምዚ በለ:- “እቶም ዕዉታት ኣብ ህይወቶም ኣሳልጦ ይረኽቡ: ምቾት ዘለዎ ናብራ ድማ ይነብሩ። ብእተፈላለየ ምኽንያት ከምቶም መዛንኦም ዕዉታት ክዀኑ ዘይከኣሉ ጸገም ዘለዎም ሰባት ግን ተደርብዮም ይተርፉ።” ህይወት ክሳዕ ክንድዚ ውድድር ዝመልኦ ስለምንታይ ኢዩ፧ ወትሩ ኸምዚ ዀይኑ ድዩ ኽቕጽል፧

ርትዓዊ መግለጺ

መንእሰያት ብዛዕባ ሕብረተሰብና ስግኣት ወይ ጭንቀት ክስምዖም ከሎ: እንተ ብፍላጥ ወይ ብዘይ​ ፍላጥ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም ዝሰማምዑ ዘለዉ። ቃል ኣምላኽ እዚ ሎሚ ዘሎ “ንሓድሕዱ ዝመናጨት ሕብረተሰብ” ምልክት ግዜና ምዃኑ ይገልጽ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ መንእሰይ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ብዛዕባ ግዜና ኽጽሕፈሉ ኸሎ “ንኽትዋጽኣሉ ዘጸግም ጽንኩር ግዜ” (NW ) ምዃኑ ገሊጹሉ ኣሎ። ንምንታይ ኢዩ ጽንኩር ግዜ እተባህለ: ንምንታይ ኢዩኸ ንኽትዋጽኣሉ ዘጸግም ዝዀነ፧ ምኽንያቱ: ከምቲ ጳውሎስ ቀጺሉ ዝጸሓፎ: ሰባት “ፈተውቲ ርእሶም: . . . ፈተውቲ ገንዘብ: ተጀሃርቲ: ዕቡያት: . . . ዘየማስዉ: ርኹሳት: . . . ጨካናት” ስለ ዝዀኑ ኢዩ። ብዙሓት ሰባት ከምዚ ዓይነት ጠባይዶ ኸይኰነ ዘለዎም፧​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-3

መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ጽንኩር ግዜ እዚ: ኣብ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዓቢ ለውጢ ቕድሚ ምምጽኡ ኣብ ዝህልዋ “ዳሕሮት መዓልትታት” ክኸውን ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። እዚ ለውጢ እዚ ንመንእሰያት ይኹኑ ንዓበይቲ ኽትንክፎም ኢዩ። እንታይ ለውጢ ኢዩ ኽመጽእ፧ ሰማያዊት መንግስቲ ንደቅ​ሰብ ከተመሓድሮም ኢያ: እቶም ተገዛእታ ድማ ኣብ ኵላ ምድሪ ብዝህሉ “ብዝሒ ሰላም” ደስ ክብሎም ኢዩ። “ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።” ጭንቀትን ስግኣትን ነበረ ክኸውን ኢዩ።​—⁠መዝሙር 37:⁠11, 29

መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኢዩ ብዛዕባ መጻኢ ዘተኣማምን ፍልጠት ዝህብ። ሓደ መንእሰይ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት እንታይ ከም ዝኸውን ምስ ዝፈልጥ: ነቲ ምዕባለታት ይዳሎ: ድሕንነት ይስምዖ: ንህይወቱ እውን ኣይሰግእን ኢዩ። እዚ ስምዒት እዚ ንዝነበሮ ጭንቀት ይቕንሰሉ ኢዩ። በዚ ኸምዚ: እቲ መንእሰይ ወለዶ ብፍላይ ዝደልዮ ነገራት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክረኽቦ ይኽእል ኢዩ: ማለት ኣብቲ ሕብረተ​ሰብ ብዛዕባ ዝፍጸም ነገራት ክርዳእን ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዝፍጸም ክፈልጥን ይኽእል ኢዩ።

ኣብ ግዜ ንእስነት ዕዉት ምዃን

ኣብ ግዜ ንእስነት ዕዉት ምዃንካ ብምንታይ ኢዩ ዝምዘን፧ ዝለዓለ ትምህርቲ ብምርካብ: ሃብቲ ብምድላብ: ከምኡውን ብዙሓት ኣዕሩኽ ብምጥራይ ድዩ፧ ብዙሓት ከምዚ ይመስሎም ኢዩ። ኰተቴ ዄንካ እተሕልፈን ዓመታትን ናይ መጀመርታ 20ታትን ንዳሕረዋይ ህይወትካ ጽቡቕ መጀመርታ ክዀነካ ኣለዎ። ብኻልእ ኣበሃህላ: ኣብ ግዜ ንእስነትካ ዕዉት ምስ እትኸውን ኣብ ዝቕጽል ዓመታት ኣብ ምንታይ ከም እትበጽሕ ክሕብር ይኽእል ኢዩ።

ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ: መጽሓፍ ቅዱስ ንመንእሰያት ንእስነቶም ብግቡእ ንኽጥቀሙሉ ኽሕግዞም ይኽእል ኢዩ። ብዙሓት መንእሰያት ነዚ ኣብ ህይወቶም ተመኪሮሞ ኢዮም። ቃል ኣምላኽ መዓልቲ መዓልቲ የንብቡ: ነቲ እተማህርዎ ድማ ኣብ ግብሪ የውዕልዎ። (ነቲ ኣብ ገጽ 6 ዘሎ “ሓደ መንእሰይ ኣገልጋሊ የሆዋ ዝሃቦ ጠቓሚ ሓሳብ” ዘርእስቱ ዓንቀጽ ርአ።) ብርግጽ: መጽሓፍ ቅዱስ ሎሚ ንዘለዉ መንእሰያት ዝኸውን መጽሓፍ ኢዩ: ከመይሲ ‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሞም እተዳለዉ: ፍጹማት ምእንቲ ክዀኑ’ ኽሕግዞም ይኽእል ኢዩ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16, 17

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ ኻብቲ ኣብ ግዜ ንእስነትካ ዕዉት ዝገብረካ ቐንዲ ረቛሒታት ምስ ካልኦት ተሳኒኻ ምንባር ኢዩ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ምናልባት ኣብ ካልእ ክሊ ዕድመ ኻብ ዝርከቡ ሰባት ንላዕሊ ብዛዕባ ዝፍጸም ነገራትን ንምንታይ ይፍጸም ከም ዘሎን ክፈልጡ ዝደልዩ መንእሰያት ኢዮም

[ኣብ ገጽ 6, 7 ዘሎ ሳጹን]

ሓደ መንእሰይ ኣገልጋሊ የሆዋ ዝሃቦ ጠቓሚ ሓሳብ

ኣለክሳንደር ወዲ 19 ዓመት ኢዩ። ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስድራ​ቤት ኢዩ ዓብዩ: ንእምነቱ ብምሉእ ልቡ ክስዕብ ኢዩ ዝደሊ። እንተ​ዀነ ግን: ካብ ቀደሙ ኸምዚ ኣይነበረን። ከምዚ ብምባል ድማ ይገልጽ:-

“መንእሰይ ከለኹ ንሸውዓተ ዓመት ከይተጠመቕኩ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እሓብር ምንባረይ ይገርመኩም ይኸውን። ኣብቲ ግዜ እቲ: ዘቕርቦ ዝነበርኩ ኣምልኾ ብፍርቂ ልበይ ኢዩ ነይሩ: ንማለቱ ጥራይ ኢየ ድማ ዝፍጽሞ ነይረ። ንገዛእ ርእሰይ ብቕንዕና ኽግምግማ ትብዓት ዝነበረኒ ኣይመስለንን።”

ኣረኣእያ ኣለክሳንደር ግን ተቐየረ። ቀጺሉ ከምዚ በለ:-

“ወለደይን ኣብ ጉባኤ ዝርከቡ ፈተውተይን ንየ​ሆዋ ብብሕቲ ምእንቲ ኽፈልጦ ንመጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ኸንብብ ብቐጻሊ የተባብዑኒ ነበሩ። ኣብ መወዳእታኡ: ከምቲ ዝበሉኒ ኽፍትን ወሰንኩ። ስለዚ: ተሌቪዥን ዝርእየሉ ግዜ ብምቕናስ ኣንጊሀ እናተሳእኩ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ ልማድ ኣጥረኹ። ኣብ መወዳእታ: መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኸም ዘሎ ኽርድኣኒ ጀመረ። ብኸመይ ክሕግዘኒ ኸም ዝኽእል ድማ ተገንዘብኩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ የሆዋ ኽፈልጦ ኸም ዝደልየኒ ተረዳእኩ። ነዚ ኽግንዘቦ ምስ ጀመርኩ: ምስኡ ዘሎኒ ብሕታዊ ርክብ ክዓቢ ጀመረ: ኣብ ጉባኤ ዘሎኒ ዕርክነት ድማ ተመሓየሸ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወተይ ኽሳዕ ክንደይ ዓቢ ለውጢ ዀን ኢዩ ዝገበረ! ንዅሎም መንእሰያት ኣገልገልቲ የሆዋ መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብቡ ኢየ ዝምሕጸኖም።”

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ መንእሰያት ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይሓብሩ ኢዮም። ሓደ ኻባታቶም ዲኻ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታዊ ዄንካ ብምንባብ ክትጥቀምዶ ትደሊ ኢኻ፧ ኣብነት ናይ ኣለክሳንደር ንምንታይ ዘይትስዕብ፧ ዝያዳ ኣገዳስነት ዘይብሉ ንጥፈታትካ ቐኒስካ ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍሊ መዓልታዊ ንጥፈታትካ ግበሮ። ከምዚ እንተ​ድኣ ገይርካ ብርግጽ ክትጥቀም ኢኻ።