ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብርሃም—ናይ እምነት ኣብነት

ኣብርሃም—ናይ እምነት ኣብነት

ኣብርሃም—⁠ናይ እምነት ኣብነት

‘[ኣብርሃም ] ንዝኣምኑ ዅሎም ኣቦኦም ኰነ።’​—⁠ሮሜ 4:⁠11

1, 2. (ሀ) ኣብርሃም ሎሚ ኣብ ሓቀኛታት ክርስትያናት ብምንታይ ኢዩ ዝዝከር፧ (ለ) ኣብርሃም ‘ንዝኣምኑ ዅሎም ኣቦኦም’ እተባህለ ስለምንታይ ኢዩ፧

 ኣቦ ሓያል ህዝቢ: ነብዪ: በዓል ዋኒን: ከምኡውን መራሒ ኢዩ ነይሩ። እንተ​ዀነ ግን: ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት በታ ነቕ ዘይትብል እምነቱ ኢዮም ዝዝክርዎ: የሆዋ ኣምላኽ ድማ በዚ ባህርይ እዚ ተደሪኹ ኢዩ ከም ፈታዊኡ ገይሩ ዝረኣዮ። (ኢሳይያስ 41:⁠8፣ ያእቆብ 2:⁠23) ስሙ ኣብርሃም ኢዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ‘ንዝኣምኑ ዅሎም ኣቦኦም’ ኢሉ ኢዩ ዝጽውዖ።​—⁠ሮሜ 4:⁠11

2 ቅድሚ ኣብርሃም ዝነበሩ ከም ኣቤል: ሄኖክ: ኖህ ዝኣመሰሉ ሰባት እምነትዶ ኣየርኣዩን ኢዮም፧ ኣይፋልን ኣርእዮም ኢዮም: ህዝብታት ኵላ ምድሪ ንምብራኽ ኪዳን እተኣትወ ግን ምስ ኣብርሃም ኢዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 22:⁠18) ስለዚ: ብምሳልያዊ መገዲ ኣቦ ዅሎም እቶም ኣብቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ዝኣምኑ ዀነ። (ገላትያ 3:⁠8, 9) ኣብርሃም ዘርኣዮ እምነት ክንቀድሖ ዝግባእ ኣብነት ስለ ዝዀነ: ብእተወሰነ ደረጃ ከም ኣቦና ገይርካ ክቝጸር ይከኣል ኢዩ። ብዙሕ ፈተናታት ስለ ዘሕለፈ: ምሉእ ህይወቱ ኸም ናይ እምነት ነጸብራቕ ገይርካ ኽርአ ይከኣል ኢዩ። ነቲ ኣብ ህይወቱ ዘጋጠሞ ዝኸበደ ፈተና ማለት ንይስሃቅ ወዱ ንኽስውእ ትእዛዝ ከይመጾ ኸሎ ቕድሚ ነዊሕ እዋን ካብዚ ዝቐለለ ብዙሕ ፈተናታት ኣሕሊፉ ኢዩ። (ዘፍጥረት 22:⁠1, 2) ንገለ ኻብቲ መጀመርታ ዘጋጠሞ ፈተናታት ንመርምር እሞ እንታይ ትምህርቲ ኸም ዝህበና ንርአ።

ካብ ኡር ንኽወጽእ እተዋህቦ ትእዛዝ

3. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መበቈል ኣብራም እንታይ ኢዩ ዝነግረና፧

3 መጽሓፍ ቅዱስ ንኣብራም (ድሓር ኣብርሃም እተባህለ) ኣብ ዘፍጥረት 11:⁠26 ኢዩ ዘፋልጠና: እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትብል:- “ታራ ድማ ሰብዓ ዓመት ገበረ: ንኣብራምን ንናሆርን ንሃራን ወለደ።” ኣብራም ካብ ዘርኢ እቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ሴም ኢዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 11:⁠10-24) ብመሰረት ዘፍጥረት 11:⁠31: ኣብራም ምስ ስድራ​ቤቱ ኣብታ ብወገን ምብራቕ ፈለግ ኤፍራጥስ ዝነበረት ብልጽግቲ ኸተማ “ኡር ናይ ከለዳውያን” ይነብር ነበረ። a ስለዚ ከም ሰበኽ ሳግም ኣብ ድንኳን ዘይኰነስ ብዙሕ ምቾት ኣብ ዝነበራ ኸተማ ኢዩ ዓብዩ። ካብ ካልእ ቦታታት ዝመጸ ኣቝሑ ኣብ ዕዳጋታት ኡር ይርከብ ነበረ። ብኖራ እተለቕለቐ ኣብ ውሽጡ ዓይኒ⁠-​ምድርን ናይ ማይ ቀረብን ዘለዎ ነፍሲ ወከፉ ኽሳዕ 14 ክፍልታት ዝሓዘ ኣባይቲ ኣብ ጐደናታት እታ ኸተማ ተር ኢሉ ነበረ።

4. (ሀ) ኡር ንኣምለኽቲ ሓቀኛ ኣምላኽ እንታይ ብድሆ ኢያ እተምጽኣሎም ዝነበረት፧ (ለ) ኣብራም ኣብ የሆዋ እምነት ክገብር ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ፧

4 ኡር ስጋዊ ረብሓታት እኳ እንተ ነበራ: ንሓቀኛ ኣምላኽ ከገልግል ንዝደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ ግን ከቢድ ብድሆ ተምጽኣሉ ነበረት። ኣብ ኣምልኾ ጣኦትን ሓተታ መናፍስትን ዝጠሓለት ከተማ ኢያ ነይራ። እቲ ኣብታ ኸተማ ዝነበረ ዓቢ ቤት መቕደስ ናይታ ናና እትበሃል ናይ ወርሒ ኣምላኽ ጐሊሑ ይርአ ነበረ። ኣብራም ኣብዚ ሕሱር ኣምልኾ እዚ ንኽካፈል ብዙሕ ጸቕጢ ይግበረሉ ከም ዝነበረ: ምናልባት እውን ካብ ኣዝማዱ ኸይተረፈ ጸቕጢ ይወርዶ ምንባሩ: ኣየጠራጥርን ኢዩ። ብመሰረት ኣፈ⁠-​ታሪኽ ኣይሁድ: ታራ ኣቦ ኣብራም ሰራሕ ጣኦት ኢዩ ነይሩ። (እያሱ 24:⁠2, 14, 15) እቲ ጕዳይ ብዘየገድስ: ኣብራም ብፍንፉን ናይ ሓሶት ኣምልኾ ዝመላለስ ሰብ ኣይነበረን። እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ኣባሓጎኡ: ሴም: ገና ብህይወት ነይሩ ኢዩ: ብዛዕባ እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝነበሮ ፍልጠት ከም ዘካፈሎ ድማ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ከም ውጽኢት ናይዚ: ኣብራም ንናና ዘይኰነስ ንየሆዋ ኣመኖ።​—⁠ገላትያ 3:⁠6

ናይ እምነት ፈተና

5. ኣብራም ገና ኣብ ኡር ከሎ ኣምላኽ እንታይ ትእዛዝ ሃቦ: እንታይ መብጽዓኸ ኣተወሉ፧

5 እምነት ኣብራም ተፈተነት። ኣምላኽ ተገልጸሉ እሞ: ከምዚ ኢሉ ኣዘዞ:- “ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ እንዳ ኣቦኻን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ ውጻእ። ንዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን ከኣ እየ: ንስምካውን ከዕብዮ እየ: ንበረኸት ድማ ክትከውን ኢኻ። ንዚባርኹኻ ክባርኾም: ንዚረግመካ ድማ ክረግሞ እየ። ዓሌታት ኵላ ምድሪ ብኣኻ ኪባረኹ እዮም።”​—⁠ዘፍጥረት 12:⁠1-3፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:⁠2, 3

6. ኣብራም ካብ ኡር ንኽወጽእ ናይ ሓቂ እምነት ዘድለዮ ስለምንታይ ኢዩ፧

6 ኣብራም ብዕድመ ደፊኡ ነበረ: ውላድ ድማ ኣይነበሮን። ብኸመይ ኢዩ “ዓብዪ ህዝቢ” ዝኸውን፧ እታ ክኸዳ እተባህለላ ምድሪኸ ብልክዕ ኣበይ ኢያ እትርከብ፧ ኣምላኽ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣይነገሮን። ኣብራም ነታ ብልጽግቲ ኡርን ኣብኣ ዝነበረ ኵሉ ምቾትን ገዲፉ ንኽወጽእ ናይ ሓቂ እምነት ተድልዮ ነበረት። እታ ፋሚሊ: ላቭ ኤንድ ዘ ባይብል ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ብዛዕባ ግዜ ጥንቲ ኸምዚ ትብል:- “ንሓደ ኸቢድ ገበን ዝፈጸመ ኣባል ስድራ​ቤት ዝወሃብ ዝነበረ ዝኸበደ መቕጻዕቲ: ካብቲ ስድራ​ቤት ‘ኣባልነቱ’ ብምሕካኽ ምስጓጕ ኢዩ ነይሩ። . . . ስለዚ ኸኣ ኢዩ ኣብርሃም ንመለኮታዊ ትእዛዝ ኣኽቢሩ ሃገሩ ጥራይ ዘይኰነስ ኣዝማዱ እውን ገዲፉ ምውጽኡ: ሓለፍ ዝበለ መርኣያ ናይቲ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ ነቕ ዘይብል ተኣዛዝነትን ትውክልትን ዝዀነ።”

7. ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ከምቲ ንኣብራም ዘጋጠሞ ፈተናታት ዘጋጥሞም ብኸመይ ኢዩ፧

7 ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ከምኡ ዝኣመሰለ ፈተናታት ከጋጥሞም ይኽእል ኢዩ። ልክዕ ከም ኣብራም: ስጋዊ ረብሓታት ካብ ቲኦክራሲያዊ ነገራት ንላዕሊ ቐዳምነት ንኽንህብ ጸቕጢ ኽወርደና ይኽእል ኢዩ። (1 ዮሃንስ 2:⁠16) ካብቶም ሕማቕ ዕርክነት ንኽህልወና ኸስድዑና ዝፍትኑ ዘይኣምኑ ኣባላት ስድራ​ቤትና ዀነ ኻብ እተወገዱ ኣዝማድ ምጽራር ከጋጥመና ይኽእል ኢዩ። (ማቴዎስ 10:⁠34-36፣ 1 ቈረንቶስ 5:⁠11-13፣ 15:⁠33) ስለዚ: ኣብራም ሰናይ ኣብነት ገዲፉልና ኣሎ። ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ነገር​—⁠ልዕሊ ስድራ​ቤቱ እውን ከይተረፈ​—⁠ገይሩ ኢዩ ዝርእዮ ነይሩ። መብጽዓታት ኣምላኽ ብኸመይ: መዓስ: ወይ ኣበይ ከም ዝፍጸም ብልክዕ ኣይፈልጥን ኢዩ ነይሩ። እንተ​ዀነ ግን: ኣብዚ መብጽዓታት እዚ ተኣሚኑ ንኽመላለስ ፍቓደኛ ነበረ። እዝስ: ኣብ ህይወትና ቕድም መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንደሊ ኣየ ኸመይ ዝበለ መተባብዒ ዀን ኢዩ ዝዀነና!​—⁠ማቴዎስ 6:⁠33

8. እምነት ኣብራም ንቐረባ ቤተሰቡ ብኸመይ ጸለወቶም: ክርስትያናትከ ኻብዚ እንታይ ክማሃሩ ይኽእሉ፧

8 ቀረባ ቤተሰብ ኣብራምከ እንታይ ኣቕዋም ሓዙ፧ እምነት ኣብራም ዓቢ ጽልዋ ከም ዝነበራ ኣየጠራጥርን ኢዩ: ከመይሲ ሰበይቱ ሳራይን ሎጥ ዝበሃል ዝዘኽተመ ወዲ ሓዉን ንትእዛዝ ኣምላኽ ብምኽባር ካብ ኡር ወጺኦም ኢዮም። ጸኒሖም ናሆር ሓዊ ኣብራምን ገለ ኻብ ዘርኡን ካብ ኡር ወጹ: ኣብ ካራን ተቐሚጦም ከኣ ንየሆዋ የምልኹ ነበሩ። (ዘፍጥረት 24:⁠1-4, 10, 31፣ 27:⁠43፣ 29:⁠4, 5) ታራ ኣቦ ኣብራም እውን ከይተረፈ ምስ ወዱ ክኸይድ ፍቓደኛ ዀነ! ስለዚ ኸኣ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ከነኣን ገጹ እተጓዕዘ ርእሲ ስድራ​ቤት ገይሩ ዝገልጾ። (ዘፍጥረት 11:⁠31) ንሕና እውን ብሜላ ንኣዝማድና ምስ እንሰብከሎም ኣሳልጦ ኽንረክብ ኣይምኸኣልናንዶ፧

9. ኣብራም ንጕዕዞኡ እንታይ ምድላው ኢዩ ኽገብር ነይርዎ: እዚ መስዋእቲ ኽገብር ኣድልይዎ ክኸውን ዝኽእልከ ስለምንታይ ኢዩ፧

9 ኣብራም ቅድሚ ምብጋሱ ብዙሕ ነገራት ክገብር ነበሮ። ንብረቱን ኣቝሑቱን ሸይጡ ድንኳን: ኣግማል: መግቢ: ከምኡውን ዘድሊ ነገራት ኽዕድግ ነበሮ። ከምዚ ዝኣመሰለ ብህጹጽ ዝግበር ምድላው ክገብር ከሎ ብቝጠባዊ መዳይ ከሲሩ ክኸውን ኣለዎ: እንተ​ዀነ ግን ተሓጒሱ ኢዩ ንየሆዋ ተኣዚዝዎ። እቲ ምድላዋት ተወዲኡ ናይ ኣብራም ቃፍላይ ኣብ ወጻኢ ኡር ደው ኢለን ንጕዕዞ እተዳለዋላ መዓልትስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲት ኰን ኢያ! ድሕርዚ ብገማግም ርባ ኤፍራጥስ ኣቢሎም ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ ገጾም ተጓዕዙ። ንሰሙናት 1,000 ኪሎ ሜተር ኣቢሎም ድሕሪ ምጕዓዞም ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ መሶጶታምያ እትርከብ ኣገዳሲት መዕረፊት ሰብ ቃፍላይ ዝዀነት ካራን በጽሑ።

10, 11. (ሀ) ኣብራም ኣብ ካራን ንእተወሰነ እዋን ዝጸንሐ ንምንታይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፧ (ለ) ነቶም ብዕድመ ንዝደፍኡ ወለዶም ዝኣልዩ ክርስትያናት እንታይ ምትብባዕ ኢዩ ኽወሃቦም ዝኽእል፧

10 ኣብራም ኣብ ካራን ንእተወሰነ እዋን ተቐመጠ: ከምዚ ዝገበረ ኸኣ ነቲ ብዕድመ ዝደፍአ ኣቦኡ ታራ ኢሉ ኢዩ ዝኸውን። (ዘሌዋውያን 19:⁠32) ሎሚ ብዙሓት ክርስትያናት ብዕድመ ንዝደፍኡ ወይ ንዝሓመሙ ወለዶም ናይ ምእላይ ሓላፍነት ኣለዎም: አረ ገሊኣቶምስ ምትዕርራይ እውን ክገብሩ የድልዮም ኢዩ። እዚ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን: እዞም ክርስትያናት እዚኣቶም ዝገብርዎ ፍቕራዊ መስዋእቲ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል” ምዃኑ ርግጸኛታት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 5:⁠4

11 ግዜ ሓለፈ። “ዕድመ ታራ ድማ ክልተ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ኰነ። ታራ ኸኣ ኣብ ካራን ሞተ።” ኣብራም ኣቦኡ ስለ ዝሞቶ ኸም ዝሓዘነ ፍሉጥ ኢዩ: እተን መዓልትታት ሓዘን ምስ ሓለፋ ግን ብኡንብኡ ነቐለ። “ኣብራም ካብ ካራን ኪወጽእ ከሎ ኸኣ ወዲ ሰብዓን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብራም ድማ ንሳራይ ሰበይቱን ንሎጥ ወዲ ሓዉን: ነቲ ዘጥረይዎ ዅሉ ጥሪቶምን ነቶም ኣብ ካራን ዘጥረይዎም ነፍሳትን ወሲዱ: ንምድሪ ኸነኣን ኪኸዱ ወጹ።”​—⁠ዘፍጥረት 11:⁠32፣ 12:⁠4, 5

12. ኣብራም ኣብ ካራን ከሎ እንታይ ኢዩ ዝገበረ፧

12 ኣብራም ኣብ ካራን ከሎ ብዙሕ ‘ጥሪት ምጥራዩ’ ዘገርም ኢዩ። ካብ ኡር ንኽወጽእ ስጋዊ ረብሓታቱ እኳ እንተ ሰውአ: ካብ ካራን ክወጽእ ከሎ ግን ሃብቲሙ ኢዩ ነይሩ። እዚ በረኸት ኣምላኽ ምንባሩ ንጹር ኢዩ። (መክብብ 5:⁠19) ኣምላኽ ሎሚ ንህዝቡ ኸሀብትሞም መብጽዓ እኳ እንተ ዘይኣተወ: ነቶም ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኢሎም ‘ኣባይቲ: ኣሕዋት: ወይ ኣሓት ዝሓደጉ’ ዘድልዮም ነገራት ከማልኣሎም ምዃኑ ዝኣተዎ መብጽዓ ግን ይሕልዎ ኢዩ። (ማርቆስ 10:⁠29, 30) ኣብራም ‘ነፍሳት ኣጥርዩ’ ማለት ብዙሓት ባሮት ገይሩ ነበረ። እቲ ናይ የሩሳሌም ናይ ኣረማይስጢ ትርጉም ከምኡውን እቲ ናይ ከለዳውያን ለውጠ⁠-​ሓረግ ኣብራም ‘እምነቶም ኣቐየሮም’ ኢዩ ዝብል። (ዘፍጥረት 18:⁠19) እምነትካ ንጐረባብትኻ: መሳርሕትኻ: ወይ መማህርትኻ ንኽትሰብከሎም ትድርኸካዶ ኢያ፧ ኣብራም ኣብ ካራን ኣብ ክንዲ ዝቕመጥን ንትእዛዛት ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዝርስዕን: ንግዜኡ ብግቡእ ተጠቒምሉ ኢዩ። ይኹን እምበር ዝነቕለሉ ግዜ ኣኸለ። “ኣብራም ከኣ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸደ።”​—⁠ዘፍጥረት 12:⁠4

ስግር ኤፍራጥስ

13. ኣብራም ንርባ ኤፍራጥስ ዝሰገረ መዓስ ኢዩ: እዚኸ እንታይ ኣገዳስነት ነበሮ፧

13 ኣብራም እንደገና ኽጓዓዝ ነበሮ። ካብ ካራን ወጺኡ: ምስ ቃፍላዩ ናብ ምዕራብ ገጹ 90 ኪሎ ሜተር ዝኸውን ተጓዕዘ። ኣብታ ኣብ ስግር ኤፍራጥስ እትርከብ ናይ ጥንቲ ማእከል ንግዲ ዝነበረት ከርከሚሽ ኣዕሪፉ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዛ ቦታ እዚኣ: ሰብ ቃፍላይ ዘዕርፍሉ ዝበለጸት ቦታ ኢያ ነይራ። b ቃፍላይ ኣብራም ነቲ ርባ ዝሰገረላ መዓልቲ በየናይ ዕለት ኢያ ነይራ፧ እስራኤላውያን ብ14 ኒሳን 1513 ቅ.ኣ.ዘ. ካብ ግብጺ ኻብ ዝወጹላ ዕለት 430 ዓመታት ኣቐዲሙ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረና ኢዩ። ዘጸኣት 12:⁠41 ከምዚ ትብል:- “ኰነ ኸኣ: ኣብ መወዳእታ እተን ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት: በታ መዓልቲ እቲኣ ዀነ: ኵሎም ሰራዊት እግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ግብጺ ወጹ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ስለዚ: ምስ ኣብርሃም እተገብረ ኪዳን ዝጸንዐ: ኣብራም ንርባ ኤፍራጥስ ብተኣዛዝነት ኣብ ዝሰገረሉ እዋን ማለት ብ14 ኒሳን 1943 ቅ.ኣ.ዘ. ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

14. (ሀ) ኣብራም ብእምነት እንታይ ኢዩ ኽርኢ ዝኽእል ዝነበረ፧ (ለ) ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ኣብራም ንላዕሊ ተባሪኾም ክበሃሉ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

14 ኣብራም ብልጽግቲ ኸተማ ገዲፉ ኢዩ ወጺኡ። እንተ​ዀነ ግን: ነታ ናይ ሓቂ “መሰረት ዘለዋ ኸተማ” ማለት ንሰባት እተመሓድር ጻድቕ መንግስቲ ይጽበ ነበረ። (እብራውያን 11:⁠10) እወ: ኣብራም ብዙሕ ሓበሬታ እኳ እንተ ዘይነበሮ: ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንመወትቲ ደቅሰብ ንምብጃው ዘለዎ መሰረታዊ ዕላማ ተገንዘበ። ሎሚ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ካብ ናይ ኣብራም ዝሰፍሕ ምርዳእ ኣሎና። (ምሳሌ 4:⁠18) እታ ኣብራም ብተስፋ እተጸበያ “ኸተማ” ወይ መንግስቲ: ሕጂ ኻብ 1914 ኣትሒዛ ኣብ ሰማይ ቈይማ ኣላ። ስለዚ: ኣብ የሆዋ ዘሎና እምነትን ትውክልትን ብግብሪ ኽንገልጾዶ ኣይግባእን፧

ኣብታ ምድሪ ተስፋ እናዞረ ኽነብር ጀመረ

15, 16. (ሀ) ኣብራም ንየሆዋ መሰውኢ ንኽሰርሕ ትብዓት ዘድልዮ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ከም ኣብራም ተባዓት ክዀኑ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

15 ዘፍጥረት 12:⁠5, 6 ከምዚ ትብል:- “ናብ ምድሪ ኸነኣን ከኣ መጹ። ኣብራም ድማ በታ ምድሪ ኽሳዕ ቦታ ሴኬም ክሳዕ ድዋታት ሞሬ ሐለፈ።” ሴኬም ካብ የሩሳሌም ብወገን ሰሜን 50 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ኰይና ኣብቲ “ገነት ናይታ ቕድስቲ ሃገር” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፍርያም ሽንጭሮ ኢያ እትርከብ ነይራ። ይኹን እምበር: “በቲ ዘበንቲ . . . ከነኣናውያን ኣብታ ምድሪ እቲኣ ነበሩ።” ከነኣናውያን ብስነ⁠-​ምግባር ነውራማት ስለ ዝነበሩ: ኣብራም ንስድራ​ቤቱ ኻብቲ ሕማቕ ጽልዋታት ንምክልኻል ብርቱዕ ጥንቃቐ ኽገብር ነበሮ።​—⁠ዘጸኣት 34:⁠11-16

16 “እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም [ካልኣይ ሳዕ] ተራእዮ: እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ክህቦ እየ: ከኣ በሎ።” ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ! ልክዕ ኢዩ: ኣብራም ኣብ መጻኢ ዘርኡ ብዝረኽብዎ በረኸት ንኽሕጐስ እምነት ክህልዎ ነበሮ። ይኹን እምበር: ኣብራም “ኣብኡ . . . ነቲ እተራእዮ እግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሓሉ።” (ዘፍጥረት 12:⁠7) ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር “ኣብታ ሃገር መሰውኢ ምስርሑ ኣብቲ ዘርኣዮ እምነት ተመርኲሱ ነታ ሃገር ከም ዝወረሳ ዝሕብር ኢዩ ነይሩ” ብምባል ሓሳብ ይህብ። መሰውኢ ምስራሕ ትብዓት ዝሓትት ኢዩ ነይሩ። እዚ መሰውኢ እዚ ኸምቲ ድሓር ኣብ ሕጊ ኪዳን እተገልጸ ብዘይ​ተወቐረ ኣእማን እተሰርሐ ምንባሩ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ዘጸኣት 20:⁠24, 25) ካብቲ ከነኣናውያን ዝሰርሕዎ ዓይነት መሰውኢታት ኣጸቢቑ እተፈልየ ኢዩ ነይሩ። በዚ ኸምዚ: ኣብራም ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ: የሆዋ: ዘምልኽ ከም ምዃኑ መጠን ንጽልእን ሓደጋን ክቃላዕ ዝኽእል እኳ እንተ ነበረ ትብዓት ዝመልኦ ኣቕዋም ኢዩ ወሲዱ። ንሕናኸ፧ ገሌና ብፍላይ ከኣ እቶም መንእሰያት ዘበልና ንጐረባብትና ወይ መማህርትና ንየሆዋ ኸም እነምልኽ ካብ ምንጋር ድሕር ንብልዶ ኢና፧ ኣብራም ዝወሰዶ ትብዓት ዝመልኦ ኣቕዋም: ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብምዃንና ንኽንሕበን ንዅላትና ዘተባብዓና ይግበሮ!

17. ኣብራም ስም ኣምላኽ ዝሰብኽ ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ: እዚኸ ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያናት እንታይ ኢዩ ዘዘኻኽሮም፧

17 ኣብራም ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ንየሆዋ ዘቕርቦ ኣምልኾ ወትሩ ቐዳምነት ይህቦ ነበረ። “ካብኡ ናብቲ ኣብ ምብራቕ ቤት⁠-​ኤል ዘሎ ኸረን ተጓዒዙ ድማ: ኣብኡ ድንኳን ተኸለ: እሞ ቤት⁠-​ኤል ብሸነኽ ምዕራቡ: ዓይ ከኣ ብምብራቑ ዀና። ኣብኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ: ብስም እግዚኣብሄርውን ተማህለለ።” (ዘፍጥረት 12:⁠8) እታ ኣብዚ “ብስም . . . ተማህለለ” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ እብራይስጢ ሓረግ “ነቲ ስም ምእዋጅ (ምስባኽ)” ማለት እውን ኢያ። ኣብራም ነቶም ከነኣናውያን ጐረባብቱ ብትብዓት ስም የሆዋ ኸም ዝነገሮም ዘጠራጥር ኣይኰነን። (ዘፍጥረት 14:⁠22-24) እዚ ድማ ኣብቲ ሎሚ እነቕርቦ “ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር” ብእተኻእለና መጠን ምሉእ ብምሉእ ንኽንካፈል ዘሎና ሓላፍነት ዘዘኻኽረና ኢዩ።​—⁠እብራውያን 13:⁠15፣ ሮሜ 10:⁠10

18. ኣብራም ምስቶም ኣብ ከነኣን ዝነበሩ ህዝቢ ከመይ ዝበለ ርክብ ነበሮ፧

18 ኣብራም ኣብ ኵሉ እዚ ቦታታት እዚ ንነዊሕ እዋን ኣይተቐመጠን። “ኣብራም ድማ ተላዒሉ እናገዐዘ ናብ ደቡብ ኣቢሉ ኸደ” ማለት ናብቲ ብሸነኽ ደቡብ ኣኽራናት ይሁዳ ዝርከብ ብዙሕ ማይ ዘይዘንቦ ቦታ ገዓዘ። (ዘፍጥረት 12:⁠9) እንተ​ዀነ ግን: ወትሩ ይጓዓዝ ስለ ዝነበረን ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ንየሆዋ ዘምልኽ ምዃኑ የርኢ ብምንባሩን: ንሱን ስድራ​ቤቱን ‘ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም ተኣመኑ።’ (እብራውያን 11:⁠13) ምስቶም ኣረማውያን ዝነበሩ ጐረባብቶም ብዙሕ ምቅርራብ ከይህልዎም ኵሉ ሳዕ ይጥንቀቑ ነበሩ። ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ብተመሳሳሊ: ‘ካብ ዓለም ክዀኑ የብሎምን።’ (ዮሃንስ 17:⁠16) ንጐረባብትናን መሳርሕትናን ሕያዎት ከምኡውን ምቕሉላት እኳ እንተዀንና: መንፈስ ናይዛ ኻብ ኣምላኽ ርሒቓ ዘላ ዓለም ብዘንጸባርቕ ባህርያት ከይንጽሎ ግን ክንጥንቀቕ ኣሎና።​—⁠ኤፌሶን 2:⁠2, 3

19. (ሀ) ናብራ ሰበኽ ሳግም ንኣብራምን ሳራይን ብድሆ ዝዀኖም ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ንኣብራም ካልእ እንታይ ብድሆታት ይጽበዮ ነበረ፧

19 ኣብራምን ሳራይን ነቲ ኸቢድ ዝነበረ ናብራ ሰበኽ ሳግም ንኽለምድዎ ቐሊል ከም ዘይነበረ ኣይንረስዕ። ካብቲ እተፈላለየ ነገራት ዝርከቦ ዕዳጋ ኡር እተዓደገ መግቢ ዘይኰነስ ካብ ፍርያት መጓሰኦም ይምገቡ ነበሩ: ብግቡእ ኣብ እተሃንጸ ቤት ዘይኰነስ ኣብ ድንኳን ይነብሩ ነበሩ። (እብራውያን 11:⁠9) ኣብራም ንመጓሰኡን ባሮቱን ኣብ ምምሕዳር ብዙሕ ስራሕ ነበሮ። ሳራይ ኣብቲ ግዜ እቲ ደቂ ኣንስትዮ ብልምዲ ዝገብርኦ ዝነበራ ከም ምልዋስ: ቅጫ ምስንካት: ምፍታል: ክዳን ምስፋይ ዝኣመሰለ ዕዮ ትዓዪ ምንባራ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ዘፍጥረት 18:⁠6, 7፣ 2 ነገስት 23:⁠7፣ ምሳሌ 31:⁠19፣ ህዝቅኤል 13:⁠18) እንተ​ዀነ ግን: ገና ፈተናታት ይመጽእ ነበረ። ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብራምን ስድራ​ቤቱን ንህይወቶም እውን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ፈተና ኽገጥሞም ኢዩ! እታ ኣብራም ዝነበረቶ እምነት ነቲ ብድሆ ንኽዋጽኣሉ ተኽእሎዶ ዀን ትኸውን፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ሕጂ ኤፍራጥስ ካብቲ ኡር ዝነበረቶ ቦታ ንወገን ምብራቕ 16 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ይውሕዝ እኳ እንተሎ: ጥንቲ ግን ብወገን ምዕራብ ናይታ ኸተማ ይውሕዝ ምንባሩ መርትዖ ኣሎ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ጸኒሑ ኣብራም ካብ “ክንየው ርባ [ኤፍራጥስ]” ከም ዝመጸ ገይርካ እተገልጸ።​—⁠እያሱ 24:⁠3

b ዘመናት ጸኒሑ ኣሹርናሲርፓል ካልኣይ ንጉስ ኣሶር ነቲ ኣብ ጥቓ ከርከሚሽ ዘሎ ርባ ኤፍራጥስ ንምስጋር ታንኳ ተጠቕመ። ኣብራም ብታንኳ ድዩ ተጠቒሙ ወይ ምስ ቃፍላያቱ ነቲ ርባ ብእግሩ ሰጊርዎ: መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጽን ኢዩ።

ኣስተብሂልካሉዶ፧

• ኣብራም ‘ንዝኣምኑ ዅሎም ኣቦኦም’ እተባህለ ስለምንታይ ኢዩ፧

• ኣብራም ካብ ኡር ናይ ከለዳውያን ንኽወጽእ እምነት ተድልዮ ዝነበረት ስለምንታይ ኢዩ፧

• ኣብራም ንኣምልኾ የሆዋ ቀዳምነት ከም ዝሃበ ብኸመይ ኣርኣየ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ጕዕዞ ኣብራም

ኡር

ካራን

ከርከሚሽ

ከነኣን

ዓብዪ ባሕሪ

[ምንጪ ስእሊ]

Based on a map copyrighted by Pictorial Archive (Near Eastern History) Est. and Survey of Israel

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኣብራም ነቲ ኣብ ኡር ዝነበሮ ምቾት ገዲፉ ንኽወጽእ እምነት ተድልዮ ነበረት

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ኣብራምን ስድራ​ቤቱን ኣብ ድንኳን ብምንባር ‘ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም ተኣመኑ’