ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከም ናይ ኣብርሃም ዝዓይነታ እምነት ትሃልኻ!

ከም ናይ ኣብርሃም ዝዓይነታ እምነት ትሃልኻ!

ከም ናይ ኣብርሃም ዝዓይነታ እምነት ትሃልኻ!

“እቶም ካብ እምነት ዘበሉ: ንሳቶም ደቂ ኣብርሃም ምዃኖም ፍለጡ።”​—⁠ገላትያ 3:7

1. ኣብራም ኣብ ከነኣን ንዘጋጠሞ ሓድሽ ፈተና እተዋጽኣሉ ብኸመይ ኢዩ፧

 ኣብራም ትእዛዝ የሆዋ ብምኽባር ነቲ ኣብ ኡር ዝነበሮ ምቹእ ናብራ ጠንጢንዎ ኢዩ። እቲ ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ዓመታት ዘጋጠሞ ጸገማት ነቲ ኣብ ግብጺ ዘጋጥሞ ናይ እምነት ፈተና ዘዳልዎ ኢዩ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብታ ሃገር ከኣ ጥሜት ኰነ” ይብል። ኣብራም ብዛዕባ እዚ ዅነታት እዚ ኸማርር ምቐለሎ ነይሩ! ንሱ ግን: ንስድራ​ቤቱ ዘድልዮም ንምምላእ ተግባራዊ ስጕምትታት ወሰደ። “ኣብታ ሃገር ጥሜት ስለ ዝበርትዔ ድማ: ኣብራም ብስደት: ኣብኣ ኪቕመጥ: ናብ ግብጺ ወረደ።” ዓቢ ስድራ​ቤት ስለ ዝነበሮ ኣብ ግብጺ ኸይተፈልጠ ክንቀሳቐስ ኣይክእልን ኢዩ። የሆዋ ንመብጽዕኡ ብምሕላው ንኣብራም ካብ ጕድኣት ይሕልዎዶ ዀን ይኸውን፧​—⁠ዘፍጥረት 12:⁠10፣ ዘጸኣት 16:⁠2, 3

2, 3. (ሀ ኣብራም ንሓቀኛ መንነት ሰበይቱ ዝሓብአ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብቲ ዅነታት እቲ ኣብራም ንሰበይቱ ብኸመይ ኢዩ ዘዘራረባ፧

2 ኣብ ዘፍጥረት 12:⁠11-13 ከምዚ ዝብል ነንብብ:- “ኰነ ኸኣ ናብ ግብጺ ኺአቱ ምስ ቀረበ: ንሰበይቱ ሳራይ: እንሆ: መልክዔኛ ሰበይቲ ምዃንኪ ፈሊጠ አሎኹ እሞ: ኪኸውን ድማ እዩ: ግብጻውያን ምስ ዚርእዩኺ: ሰበይቱ እያ ኺብሉ እዮም: ንኣይ ቀቲሎም ንኣኺ ብህይወት ይሐድጉኺ። እምበኣር በጃኺ: ብሳላኺ ምእንቲ ንኣይ ኪጥዕም: ነፍሰይ ድማ ብኣኺ ክትድሕንሲ: ሓብቱ እየ ደኣ በሊ: በላ።” ሳራይ ዕድሜኣ ልዕሊ 65 ዓመት እኳ እንተ ነበረ: ኣዝያ መልክዐኛ ኢያ ነይራ። እዚ ድማ ንህይወት ኣብራም ኣብ ሓደጋ ዘእትዎ ኢዩ ነይሩ። a (ዘፍጥረት 12:⁠4, 5፣ 17:⁠17) ልዕሊ ዅሉ ድማ: የሆዋ ብዘርኢ ኣብራም ህዝብታት ኵላ ምድሪ ኽባረኹ ምዃኖም ስለ ዝገለጸ ዕላማኡ ኣብ ሕቶ ኣትዩ ነበረ። (ዘፍጥረት 12:⁠2, 3, 7) ኣብራም ውሉድ ስለ ዘይነበሮ: የግዲ ብህይወት ክጸንሕ ነይርዎ።

3 ኣብራም ንሰበይቱ ነቲ ኣቐዲሞም እተሰማምዑሉ ሜላ ኽትጥቀም ማለት ሓብቱ ኢየ ኽትብል ኢዩ ነጊሩዋ። ርእሲ ስድራ ከም ምዃኑ መጠን ስልጣን እኳ እንተ ነበሮ: ንርእስነቱ ብዘይ​ግቡእ ኣይተጠቕመሉን: የግዳስ ክትተሓባበሮን ክትድግፎን ከም ዝሓተታ ኣስተብህለሉ። (ዘፍጥረት 12:⁠11-13፣ 20:⁠13) ከምዚ ብምግባሩ: ሰብኡት ርእስነቶም ብፍቕራዊ መዳይ ንኽጥቀምሉ ሰናይ ኣብነት ገዲፍሎም ኢዩ፣ ሳራይ ድማ ተኣዛዝነት ብምርኣያ ሎሚ ንዘለዋ ኣንስቲ ኣብነት ትዀነን ኢያ።​—⁠ኤፌሶን 5:⁠23-28፣ ቈሎሴ 4:⁠6

4. ሎሚ ዘለዉ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ህይወት ኣሕዋቶም ኣብ ሓደጋ እንተ ኣትዩ ብኸመይ ኢዮም ክመላለሱ ዘለዎም፧

4 ሳራይ ንኣብራም ጓል ኣቦኡ ስለ ዝነበረት ሓብቱ ኢየ ኽትብል ትኽእል ነይራ። (ዘፍጥረት 20:⁠12) ብተወሳኺውን: ኣብራም ንዘይምልከቶም ሰባት ሓበሬታ ኽህብ ኣይግደድን ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 7:⁠6) ዘመናውያን እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቅነት ንኽመላለሱ ዝሃቦም ትእዛዝ የቕልቡሉ ኢዮም። (እብራውያን 13:⁠18 NW ) ንኣብነት: ኣብ ቤት ፍርዲ ማሕላ ድሕሪ ምግባር ፈጺሞም ኣይሕስዉን ኢዮም። ኣብ ከም ስደት ወይ ናዕቢ ዝኣመሰለ ንህይወት ኣሕዋቶም ብስጋዊ ዀነ ብመንፈሳዊ መዳይ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዅነታት ግን: ነቲ የሱስ “ጠቢባን ከም ተመን: ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ” ክዀኑ ዝሃቦም ምኽሪ ይስዕቡ ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 10:⁠16፣ ናይ 1 ሕዳር 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 18 ቍጽሪ 19 ርአ።

5. ሳራይ ነቲ ኣብራም ዘቕረበላ ሕቶ ኽትእዘዝ ፍቓደኛ ዝዀነት ስለምንታይ ኢያ፧

5 ሳራይ ነቲ ኣብራም ዘቕረቦ ሕቶ ብኸመይ ምላሽ ሃበትሉ፧ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንኸምኣ ዝኣመሰላ ኣንስቲ “ተስፋኤን ናብ ኣምላኽ ዝገበራ” ብምባል ገሊጽወን ኣሎ። ስለዚ ሳራይ ምስዚ ዅነታት እዚ እተተሓሓዘ መንፈሳዊ ጕዳይ ተገንዚባቶ ነበረት። ኣብ ርእሲ እዚውን ንሰብኣያ ተፍቅሮን ተኽብሮን ነበረት። ‘ንትእዛዝ ሰብኣያ’ ብምኽባር ሰበይቱ ምዃና ኣይገለጸትን። (1 ጴጥሮስ 3:⁠5) ልክዕ ኢዩ: ከምዚ ምግባራ ኣብ ሓደጋ ዘእትዋ ኢዩ ነይሩ። “ኣብራም ኣብ ግብጺ ምስ አተወ: ግብጻውያን እታ ሰበይቲ ብዙሕ መልክዔኛ ምዃና ረአዩ። እቶም ሹማምቲ ፈርኦን ድማ ረአይዋ: ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ከኣ ነአድዋ። ነታ ሰበይቲውን ናብ ቤት ፈርኦን ወሰድዋ።”​—⁠ዘፍጥረት 12:⁠14, 15

ድሕነት ካብ የሆዋ

6, 7. ኣብራምን ሳራይን ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ዘጨንቕ ኵነታት ኢዮም ዝኣተዉ: የሆዋ ንሳራይ ዘድሓናኸ ብኸመይ ኢዩ፧

6 እዚ ንኣብራምን ሳራይን ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኣጨኒቕዎም ክኸውን ኣለዎ! ሳራይ ናብ ምዕማጽ ገጻ ዝቐረበት ኢዩ ዝመስል ነይሩ። ብተወሳኺውን: ፈርኦን ሳራይ በዓልቲ ሰብኣይ ምዃና ስለ ዘይፈለጠ ንኣብራም ብዙሕ ህያብ ሃቦ: በዚ ድማ ኣብራም “ኣባጊዕን ኣብዑርን ኣውዳልን ገላውን ኣግራድን ኣንስትዮ ኣእዱግን ኣግማልን ነበርዎ።” b (ዘፍጥረት 12:⁠16) ኣብራም ነዚ ህያባት እዝስ ኣየ ኽንደይ ኰን ኢዩ ጸሊእዎ ዝኸውን! እዚ ዅነታት ተስፋ ዘይብሉ እኳ እንተ መሰለ: የሆዋ ግን ንኣብራም ኣይሓደጎን።

7 “እግዚኣብሄር ግና ብምኽንያት ሳራይ ሰበይቲ ኣብራም: ንፈርኦንን ንቤቱን ብርቱዕ ቅጽዓት ቀጽዖ።” (ዘፍጥረት 12:⁠17) ንምንታይ እዚ “ቅጽዓት” እዚ ኸም ዝወረዶ ብዘይ​ተፈልጠ መገዲ ንፈርኦን ተገልጸሉ። ፈርኦን ድማ ብኡንብኡ እዚ ዝስዕብ ስጕምቲ ወሰደ:- “ፈርኦን ድማ ንኣብራም ናብኡ ጸዊዑ፤ እንታይ እዩ እዚ ዝገበርካኒ፧ ስለምንታይከ ኢኻ ሰበይትኻ ምዃና ዘየፍለጥካኒ፧ ስለምንታይሲ ሓብተይ እያ: በልካ፧ ሰበይተይ ክትከውን ምወሰድክዋ ነይረ። ሕጂ ኸኣ እንሃትልካ: ሰበይትኻ ሒዝካ ኺድ: በሎ። ፈርኦን ድማ ብዛዕብኡ ንሰቡ: ንእኡን ንሰበይቱን ንዘለዎ ዅሉን ኬሰንይዎም: አዘዘ።”​—⁠ዘፍጥረት 12:⁠18-20፣ መዝሙር 105:⁠14, 15

8. የሆዋ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እንታይ ዕቝባ ኽገብረሎም ምዃኑ ኢዩ መብጽዓ ዝኣተወ፧

8 ሎሚ የሆዋ ካብ ሞት: ዓመጽ: ጥሜት: ወይ ባህርያዊ ሓደጋታት ንኸዕቍበና ውሕስነት ኣይኣተወልናን። ንመንፈሳውነትና ኣብ ሓደጋ ኸእቱ ኻብ ዝኽእል ነገራት የሆዋ ኵሉ ሳዕ ከም ዘዕቝበና መብጽዓ ተገይሩልና ኣሎ። (መዝሙር 91:⁠1-4) ነዚ ዝገብሮ ኸኣ ብቐዳምነት ብቓሉን በቲ ‘እሙን ኣስተውዓሊ ባርያን’ ገይሩ እዋናዊ መጠንቀቕታ ብምሃብ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠45) ስደት ኣብ ዝወርደና እዋን ህይወትና ኣብ ሓደጋ እንተ ኣትያኸ፧ ገለ ሰባት ክሞቱ ዝፈቅድ እኳ እንተ​ዀነ: ህዝቡ ብጠቕላላ ኽጸንቱ ግን ፈጺሙ ኣየፍቅድን ኢዩ። (መዝሙር 116:⁠15) እሙናት ሰባት እንተ ሞይቶም ከኣ ከም ዝትንስኡ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።​—⁠ዮሃንስ 5:⁠28, 29

ብሰላም ንምንባር መስዋእቲ ገበረ

9. ኣብራም ኣብ ከነኣን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይንቀሳቐስ ምንባሩ ዝሕብረና እንታይ ኢዩ፧

9 እቲ ኣብ ከነኣን ተላዒሉ ዝነበረ እዋን ጥሜት ብዘይ​ጥርጥር ብምሕላፉ “ኣብራም . . . ንሱን ሰበይቱን ምስ ዘለዎ ዅሉን: ሎጥ ድማ ምስኡ: ካብ ግብጺ ናብ ደቡብ [ኣብ ደቡብ ኣኽራናት ይሁዳ ናብ ዝርከብ ብዙሕ ዝናም ዘይረክብ ቦታ] ኣቢሉ ደየበ። ኣብራም ከኣ ብኸብትን ብብሩርን ብወርቅን ብዙሕ ሀብቲሙ ነበረ።” (ዘፍጥረት 13:⁠1, 2) ስለዚ: እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝቕመጡ ዝነበሩ ሰባት ከም ሓያል ሓለቓ ገይሮም ይርእይዎ ነበሩ። (ዘፍጥረት 23:⁠6) ኣብራም ኣብ ሓደ ቦታ ንምንባርን ኣብቲ ናይ ከነኣናውያን ፖለቲካ ንምክፋልን ድሌት ኣይነበሮን። ኣብ ክንድኡስ “ካብ ደቡብ እናተጓዕዘ ድማ ክሳዕ ቤት⁠-​ኤል: ናብታ ቕድም ኣብ መንጎ ቤት⁠-​ኤልን ዓይን ድንኳኑ ተኺሉላ ዝነበረ ቦታ . . . ኸደ።” ከም ልማዱ ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ንኣምልኾ የሆዋ ቀዳምነት ይህብ ነበረ።​—⁠ዘፍጥረት 13:⁠3, 4

10. ኣብ መንጎ ጓሶት ኣብራምን ጓሶት ሎጥን እንታይ ጸገም ኢዩ እተፈጥረ: እቲ ጕዳይ ብቕልጡፍ ክፍታሕ ዘድሊ ዝነበረኸ ስለምንታይ ኢዩ፧

10 “እቲ ምስ ኣብራም ዝኸደ ሎጥ ድማ ኣባጊዕን ኣብዑርን ድንኳውንትን ነበሮ። እታ ምድሪ ኸኣ ብሓደ ኺነብሩ ኽትጾሮም አይከአለትን። ጥሪቶም ብዙሕ ነበረ እሞ: ብሓደ ኺነብሩ ኣይከአሉን። ኣብ መንጎ ጓሶት ከብቲ ኣብራምን ጓሶት ከብቲ ሎጥን ከኣ ባእሲ ዀነ። በቲ ዘበን እቲ ድማ ከነኣናውያንን ፈረዛውያንን ኣብታ ምድሪ ይቕመጡ ነበሩ።” (ዘፍጥረት 13:⁠5-7) እታ ምድሪ ንመጓሰ ኣብራምን ሎጥን ዝኣክል ማይን መገሃጫን ኣይነበራን። ስለዚ ኣብ መንጎ እቶም ጓሶት ምቅሕሓርን ምቅይያምን ተፈጥረ። ከምዚ ዝኣመሰለ ባእሲ ኣብ መንጎ ኣምለኽቲ እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ክህሉ ዘይብሉ ዘይእሩም ጠባይ ኢዩ። እቲ ባእሲ እንተ ቐጺሉ ነባሪ ጋግ ክፍጠር ይኽእል ኢዩ። ስለዚ: ኣብራም ነቲ ጕዳይ ብኸመይ ኢዩ ኽፈትሖ፧ ንሎጥ ኣቦኡ ምስ ሞቶ: ኣብራም ምስኡ የንብሮ ነበረ: ምናልባት እውን ከም ሓደ ኣባል ስድራ​ቤቱ ገይሩ ኣዕብይዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብራም ብዕድመ ዝዓበየ ብምዃኑ ዝበለጸ ክወስድዶ ኣይምተገብኦን፧

11, 12. ኣብራም ንሎጥ እንታይ ኣጋጣሚ ኢዩ ብልግሲ ዝሃቦ: ሎጥ ዝገበሮ ምርጫ ጥበባዊ ዘይነበረኸ ስለምንታይ ኢዩ፧

11 “ኣብራም ከኣ ንሎጥ: ንሕና ኣሕዋት ኢና እሞ: በጃኻ: ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን: ኣብ መንጎ ጓሶተይን ጓሶትካን ከኣ ባእሲ ኣይኹን። ኵላ እዛ ምድሪዶ ኣብ ቅድሜኻ ኣየላን፧ ሕድርኻ: ካባይ ተፈለ። ናብ ጸጋም እንተ ኣበልካ: ኣነ ድማ ናብ የማን ኤብል: ናብ የማን እንተ ኣበልካ ኸኣ: ኣነ ድማ ናብ ጸጋም ኤብል: በሎ።” ኣብ ጥቓ ቤትኤል “ሓደ ኻብቲ ንጳለስጢና ንምርኣይ ዘኽእል ዝበረኸ ነቝጣታት” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ ኣሎ። ካብዚ ኸኣ ኢዩ ዝኸውን “ሎጥ . . . ዓይኑ ቋሕ ኣቢሉ: ብዘሎ እቲ ጐልጐል ዮርዳኖስ ኵሉ ማይ መሊእዎ ኸም ዘሎ [ዝ]ረአየ። እግዚኣብሄር ንሶዶምን ጎሞራን ከየጥፍኤን ከሎ: እቲ ንዞዓር እትአትወሉ ኸም ገነት እግዚኣብሄር: ከም ምድሪ ግብጺ ነበረ።”​—⁠ዘፍጥረት 13:⁠8-10

12 መጽሓፍ ቅዱስ ንሎጥ “ጻድቕ” ዝብሎ እኳ እንተ​ዀነ: ኣብዚ ጕዳይ እዚ ግን ንኣብራም ዘኽብር ስጕምቲ ኣይወሰደን: ካብኡ ምኽሪ ክረክብ ዝደለየውን ኣይመስልን ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 2:⁠7) “ሎጥ ንዅሉ ጐልጐል ዮርዳኖስ ሐረየ። ሎጥ ከኣ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ተጓዕዘ እሞ ንሓድሕዶም ተፋላለዩ። ኣብራም ኣብ ምድሪ ኸነኣን ተቐመጠ። ሎጥ ድማ ኣብተን ኣብቲ ጐልጐል ዘለዋ ኸተማታት ተቐመጠ: ድንኳኑ ኸኣ ኽሳዕ ሶዶም ተኸለ።” (ዘፍጥረት 13:⁠11, 12) ሶዶም ብልጽግቲ ስለ ዝነበረት ብዙሕ ስጋዊ ረብሓታት ነይርዋ ኢዩ። (ህዝቅኤል 16:⁠49, 50) ሎጥ ዝገበሮ ምርጫ ብስጋዊ ዓይኒ ኽርአ ኸሎ ጽቡቕ እኳ ዝመስል እንተ​ዀነ: ብመንፈሳዊ ዓይኒ ግን ጥበባዊ ምርጫ ኣይነበረን። ስለምንታይ፧ ከመይሲ ዘፍጥረት 13:⁠13 “ሰብ ሶዶም ግና ሕሱማት: ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ኣዝዮም ሓጥኣን ነበሩ” ኢያ ትብል። ሎጥ ናብቲ ቦታ እቲ ኽግዕዝ ብምውሳኑ ኣብ መወዳእትኡ ንስድራ​ቤቱ ብዙሕ ጓሂ ኣስዒብሉ ኢዩ።

13. ኣብራም ዝገደፎ ኣብነት ነቶም ብገንዘብ ዝበኣሱ ክርስትያናት ጠቓሚ ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

13 ኣብራም ግን ነቲ ዘርኡ ኣብ መወዳእታ ነታ ምድሪ ኽወርስዋ ምዃኖም የሆዋ ዝኣተወሉ መብጽዓ ኣመነ፣ ብገለ ኽፋል እታ ምድሪ ድማ ኣይተባእሰን። ምስቲ ጸኒሑ ኣብ 1 ቈረንቶስ 10:⁠24 ተመዝጊቡ ዘሎ “ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብጻዩ ደኣ እምበር: ሓደ እኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ” ዝብል ስርዓት ተሰማሚዑ ኸደ። እዚ ነቶም ምስ ኣመንቲ ብጾቶም ብገንዘብ ዝበኣሱ ኣሕዋት ጽቡቕ መዘኻኸሪ ኢዩ። ገሊኣቶም ኣብ ማቴዎስ 18:⁠15-17 ዘሎ ምኽሪ ኣብ ክንዲ ዝስዕቡ: ነሕዋቶም ከሲሶም ኣብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪቦምዎም ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 6:⁠1, 7) ኣብ ስም የሆዋ ጸርፊ ኻብ ምምጻእ ወይ ንሰላም ክርስትያናዊት ጉባኤ ኻብ ምዝራግ: ገንዘብካ እንተ ጠፍአ ኸም ዝሓይሽ ካብቲ ኣብራም ዝገደፎ ኣብነት ክንርኢ ንኽእል ኢና።​—⁠ያእቆብ 3:⁠18

14. ኣብራም በቲ ዘርኣዮ ልግሲ ብኸመይ ኢዩ እተባረኸ፧

14 ኣብራም በቲ ዘርኣዮ ልግሲ ተባሪኹ ኢዩ። ኣምላኽ ከምዚ በለ:- “ንዘርእኻ ድማ ከም ሓመድ ምድሪ ኽገብሮ እየ። ሰብ ሓመድ ምድሪ ኪቘጽር ዚኽእል እንተ ዀይኑ: ዘርእኻ ኸኣ ይቝጸር።” እዚ ራእይ እዚ ነቲ ውላድ ዘይነበሮ ኣብራም ክሳዕ ክንደይ ኣበራቲዕዎ ዀን ክኸውን ኣለዎ! ቀጺሉ ኣምላኽ “ንኣኻ ክህበካ እየ እሞ: ተንስእ ነዛ ምድሪ ብምንዋሓን ብምግፋሓን ኪድ” ኢሉ ኣዘዞ። (ዘፍጥረት 13:⁠16, 17) ኣብራም ኣብ ከተማ ብምቾት ክነብር ኣይተፈቕደሉን። ካብ ከነኣናውያን ተፈልዩ ኽነብር ነበሮ። ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ብተመሳሳሊ ኻብ ዓለም ተፈልዮም ክነብሩ ኣለዎም። ካብ ካልኦት ዝበለጹ ከም ዝዀኑ ገይሮም ኣይሓስቡን ኢዮም: እንተ​ዀነ ግን ምስ ዝዀነ ይኹን ብዘይ​ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣካይዳ ንኽመላለሱ ኸስድዖም ዝፍትን ሰብ ጥብቂ ዕርክነት ኣይገብሩን ኢዮም።​—⁠1 ጴጥሮስ 4:⁠3, 4

15. (ሀ) ኣብራም ዝገበሮ ጕዕዞ እንታይ ኣገዳስነት ነበሮ፧ (ለ) ኣብራም ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያን ስድራ​ቤታት እንታይ ኣብነት ኢዩ ዝገደፈ፧

15 ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ: ሓደ ሰብ ንምድሪ ቕድሚ ምውራሱ: ነታ ምድሪ ንኽምርምራ መሰል ነበሮ። ስለዚ: ኣብራም ነታ ምድሪ ምዛሩ: ሓደ መዓልቲ ዘርኡ ኽወርስዋ ምዃኖም ወትሩ ይዘኻኸር ነበረ። ንእተዋህቦ ትእዛዝ ብምኽባር: “ኣብራም . . . ድንኳኑ ኣልዐለ: ናብቲ ኣብ ኬብሮን ዘሎ ድዋታት መምሬ መጺኡ ኸኣ ተቐመጠ: ኣብኡ ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ።” (ዘፍጥረት 13:⁠18) ኣብራም ንኣምልኾኡ ቐዳምነት ከም ዝህቦ እንደገና ኣርእዩ ኢዩ። ኣብ ስድራ​ቤትካ ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕቲ: ብስድራ​ቤት እትገብርዎ ጸሎት: ከምኡውን ኣብ ኣኼባ ምክፋል ቀዳምነት ትህብዎ ዲኹም፧

ጸላኢ መጥቃዕቲ ፈነወ

16. (ሀ) እተን መኽፈቲ ቃላት ናይ ዘፍጥረት 14:⁠1 ዘፍርህ ነገር ከም ዝመጽእ መልእኽቲ ዘመሓላልፋ ብኸመይ ኢየን፧ (ለ) እቶም ኣርባዕተ ነገስታት ምብራቕ ወራር ዝገበሩ ስለምንታይ ኢዮም፧

16 “ኰነ ድማ ብዘበን ኣምራፌል ንጉስ ሲነኣር: ኣርዮክ ንጉስ ኤልሳር: ክዳርላኦመር ንጉስ ዔላም: c ቲደዓል ድማ ንጉስ ጎይም: . . . ውግእ ኣልዐሉ።” ኣብቲ በዅሪ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ: እዘን መኽፈቲ ቓላት እዚኣተን (“ኰነ ድማ ብዘበን . . .”) ናብቲ “ብበረኸት ዝዛዘም ናይ ፈተና እዋን” ብምምልካት ዘፍርህ ነገር ኸም ዝመጽእ ኢየን መልእኽቲ ዘመሓላልፋ። (ዘፍጥረት 14:⁠1, 2 NW እግረ-ጽሑፍ) እቶም ኣርባዕተ ነገስታት ምብራቕን ሰራዊቶምን ንከነኣን ምስ ወረርዋ ኢዩ እቲ ፈተና ዝጀመረ። ዕላማኦም እንታይ ነበረ፧ እተን ሓሙሽተ ኸተማታት ማለት ሶዶም: ጎሞራ: ኣድማ: ጾቦኢም: ከምኡውን ቤላዕ ስለ ዝዓለዋ ንምጭፍላቐን ኢዩ። ንዘጋጠሞም ተቓውሞ እናደርዓሙ “ኵሎም ሐቢሮም ናብ ለሰ ሲዲም: ንሱ ኸኣ ባሕሪ ጨው: ተአከቡ።” ሎጥን ስድራ​ቤቱን ድማ ኣብቲ ኸባቢ ይነብሩ ነበሩ።​—⁠ዘፍጥረት 14:⁠3-7

17. ሎጥ ተማሪኹ ምኻዱ ንእምነት ኣብራም ፈተና ዝዀኖ ስለምንታይ ኢዩ፧

17 እቶም ነገስታት ከነኣን ነቶም ወረርቲ ኣበርቲዖም ተኸላኸልዎም: እንተ​ዀነ ግን ከቢድ ስዕረት ኣጋጠሞም። “እቲኣቶም ከኣ ናይ ሶዶምን ጎሞራን ኵሉ ገንዘብን ኵሉ ዚብላዕን ወሰዱ እሞ ኸዱ። ሎጥ: ወዲ ሓዉ ንኣብራም ድማ: ንሱ ኣብ ሶዶም ይነብር ነበረ እሞ: ምስናይ ገንዘቡ ሒዞምዎ ኸዱ።” እዚ ሕማቕ ወረ እዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ንኣብራም በጽሖ:- “ሓደ ዘምለጠ ኸኣ ናብ ኣብራም: እቲ እብራዊ: መጺኡ እዚ ነገሮ። ንሱ ድማ ኣብ ድዋታት መምሬ: እቲ ኣሞራዊ: ሓው ኤሽኮልን ሓው ዓኔርን: ይቕመጥ ነበረ። ንሳቶም ከኣ ምስ ኣብራም ኪዳን ተኣታትዮም ነበሩ። ኣብራም ድማ ሓዉ ከም እተማረኸ . . . ሰምዔ።” (ዘፍጥረት 14:⁠8-14) ኣየ ኸመይ ዝበለ ናይ እምነት ፈተና ዀን ኢዩ ኣጋጢምዎ! ወዲ ሓዉ እቲ ዝበለጸ ኽፋል ናይቲ መሬት ስለ ዝወሰደ ቒም ሒዙዶ ነይሩ ይኸውን፧ እቶም ወረርቲ ኻብ ዓዱ ካብ ሲነኣር ምንባሮም ድማ ኣይትረስዕ። ምሳታቶም ምውጋእ ማለት ናብ ዓዱ ንምምላስ ዘለዎ ኣጋጣሚ ምጥፋእ ማለት ኢዩ። ድሓር ከኣ ነዞም ሰራዊት እዚኣቶም ከነኣናውያን እኳ ሓቢሮም ዘይከኣልዎምሲ: ኣብራም ከመይ ገይሩ ኽገጥመሎም ይኽእል፧

18, 19. (ሀ) ኣብራም ንሎጥ ከድሕኖ ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) በቲ እተረኽበ ዓወት ክብሪ እተዋህቦ መን ኢዩ፧

18 እንደገና ኣብራም ኣብ የሆዋ ነቕ ዘይብል ትውክልቲ ገበረ። “ሰለስተ ሚእትን ዓሰርተው ሾሞንተን ኣብ ቤቱ እተወልዱ ፍቱናት ሰብ ኣዕጢቑ ክሳዕ ዳን ደድሕሪኦም ሰዐበ። ንሱን ግዙኣቱን ተመቒሎም ከኣ: ብለይቲ ወቕዕዎም: ክሳዕ ሆባ: ጸጋም ደማስቆ ድማ ሰጐጕዎም። ኵሉ ገንዘብ ከኣ ኣምለሰ። ንሎጥ ሓዉን ገንዘቡን ከምኡ ኸኣ ነተን ኣንስትን ነቲ ህዝብን ኣምለሰ።” (ዘፍጥረት 14:⁠14-16) ኣብራም ኣብ የሆዋ ድልድልቲ እምነት ስለ ዝነበረቶ: ነቶም ብቝጽሪ ሒደት ዝነበሩ ሰራዊቱ ዓወት ከም ዝረኽቡን ንሎጥን ስድራ​ቤቱን ከም ዘድሕንዎምን ገበረ። ድሕርዚ ኣብራም ምስ መልከጼዴቅ ንጉስ ሳሌም ተራኸበ። “መልከጼዴቅ: ንጉስ ሳሌም ድማ: ንሱ ኸኣ ካህን ልዑል ኣምላኽ: እንጌራን ወይንን ኣምጽኤ። ንሱ ድማ: ኣብራም በቲ ልዑል ኣምላኽ: ጐይታ ሰማይን ምድርን: ብሩኽ ይኹን: እቲ ንጸላእትኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ዝሀበካ ልዑል ኣምላኽ ከኣ ብሩኽ ይኹን: ኢሉ ባረኾ። ኣብራም ድማ ካብ ኵሉ ዕሽር ሀቦ።”​—⁠ዘፍጥረት 14:⁠18-20

19 እወ: ዓወት ናይ የሆዋ ኢዩ። ኣብራም እምነት ስለ ዘርኣየ: እንደገና የሆዋ ኣድሓኖ። ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ስጋዊ ውግእ ኣይካፈሉን ኢዮም: ብዙሕ ፈተናታትን ብድሆታትን ግን የጋጥሞም ኢዩ። እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ጸገማትና ንኽንዋጽኣሉ ኣብራም ዝገደፈልና ኣብነት ብኸመይ ከም ዝሕግዘና ክትገልጸልና ኢያ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብመሰረት ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ (ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ) “ፈርኦን ንወተሃደራቱ ጽብቕቲ ሰበይቲ እንተ ርእዮም ንሰብኣያ ቐቲሎም ክወስድዋ ኸም ዝኣዘዞም ሓደ ጥንታዊ ፓፒረስ ይገልጽ ኢዩ።” ስለዚ: ኣብራም ክሳዕ ክንድዚ ዝፈርሀ ብዘይ​ ምኽንያት ኣይነበረን።

b እታ ድሓር ንኣብራም ሰበይቲ ወሰኑ ዝዀነት ኣጋር: ኣብቲ ግዜ እቲ ንኣብራም ካብ እተዋህቡ ባሮት ነይራ ኽትከውን ትኽእል ኢያ።​—⁠ዘፍጥረት 16:⁠1

c ሓያስያን: ዔላም ኣብ ልዕሊ ሲነኣር ከምዚ ዓይነት ጽልዋ ኣይነበራን: ስለዚ ክዳርላኦመር ዝገበሮ መጥቃዕቲ ሓሶት ኢዩ ይብሉ ነይሮም ኢዮም። ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ዝድግፍ ስነ⁠-​ጥንታዊ መርትዖ እንተ​ድኣ ደሊኻ: ናይ 1 ሓምለ 1989 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 4-7 ርአ።

ኣስተብሂልካሉዶ፧

• ኣብ ምድሪ ከነኣን እተላዕለ ጥሜት ንእምነት ኣብራም ፈተና ዝዀኖ ብኸመይ ኢዩ፧

• ኣብራምን ሳራይን ሎሚ ንዘለዉ ሰብኣይን ሰበይትን ሰናይ ኣብነት ዝገደፉሎም ብኸመይ ኢዮም፧

• ካብቲ ኣብራም ነቲ ኣብ መንጎ ባሮቱን ባሮት ሎጥን ተፈጢሩ ዝነበረ ባእሲ ዝፈትሓሉ መገዲ እንታይ ትምህርቲ ኽንወስድ ንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ኣብራም መሰለይ ኢዩ ኸይበለ: ካብ ጥቕሚ ርእሱ ንጥቕሚ ሎጥ ኢዩ ቐዳምነት ሂቡ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ኣብራም ንሎጥ ወዲ ሓዉ ኸድሕን ከሎ ኣብ የሆዋ ትውክልቲ ኸም ዘለዎ ኣርእዩ ኢዩ