ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወረቐት ምስክር መርኣያ ሰናይ ተግባር

ወረቐት ምስክር መርኣያ ሰናይ ተግባር

ወረቐት ምስክር መርኣያ ሰናይ ተግባር

 እቲ ኣብ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝርከብ “ማሕበር ኮንጎኣውያንን ንምዕባለ ዝዓዩ ጋዜጠኛታት ኣፍሪቃን” (ኤ.ጀይ.ኦ.ሲ.ኤ.ዲ.): “ንምዕባለ [ኮንጎ] ብዝገበርዎ ኣበርክቶ ኣድናቖት ንዝረኸቡ ውልቀ⁠-​ሰባት ወይ ማሕበራዊ ትካላት ንምሽላም” ከምዚ ዝኣመሰለ ወረቐት ምስክር ይህብ ኢዩ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር “በቲ ኣብ ጽሑፋቶም ዘሎ ትምህርቲ ገይሮም ንምዕባለ ኮንጎኣውያን ውልቀ⁠-​ሰባት ብዝገበርዎ ኣበርክቶ” ብ17 ሕዳር 2000 መርኣያ ሰናይ ተግባሮም ወረቐት ምስክር ተዋህቦም።

እታ ኣብ ኪንሻሳ እትሕተም ለ ፋር እትበሃል ጋዜጣ ብዛዕባ እቲ ሽልማት ከምዚ በለት:- “መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ወይ ካልእ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዳሎ ጽሑፋት ዘይበጽሖ ኮንጎኣዊ ዳርጋ የለን። እዚ መጽሔታት እዚ ብዛዕባ ዅሉ መዳያት ህይወት [ዝገልጽ] ኢዩ።” እዚ ጽሑፋት “ሎሚ ንዘለዉ ሽግራት ብኸመይ ብዓወት ከም እትዋጽኣሎም” ከም ዘርእን “ናይ ሓቂ ትርጕሙ እንታይ ምዃኑ” ከም ዝሕብርን እታ ዓንቀጽ ጠቒሳ ኢያ። ነፍሲ ወከፍ ሕታም ንቕሑ! “ካብ ፖለቲካ ገለልተኛ ከምኡውን ንሓደ ዓሌት ካብ ካልእ ዓሌት ኣብሊጹ ኣይርእን ኢዩ።” ብተወሳኺውን: እዚ ጽሑፋት እዚ “ኣብቲ ነዚ ሕጂ ዘሎ እኩይን ዓመጸኛን ኣገባብ ብምልጋስ: ሰላም ዝመልኣን ውሕስነት ዘለዋን ዓለም ከምጽእ ምዃኑ ዝገልጽ መብጽዓ ናይ ፈጣሪ ዘሎና እምንቶ የደልድለልና።”

ኤ.ጀይ.ኦ.ሲ.ኤ.ዲ. ከም ዝገለጾ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘዳልዉዎ ጽሑፋት ንመብዛሕትኦም ኮንጎኣውያን ጠቒምዎም ኢዩ። ብኣማእታት ብዝቝጸር ቋንቋታት ስለ ዝሕተም: እቲ ሒዝዎ ዘሎ ተስፋ ዘሕድር መልእኽቲ ንዓኻውን ክጠቕመካ ይኽእል ኢዩ።

ካብዚ ጽሑፋት እዚ ብኸመይ ክትጥቀም ከም እትኽእል ንምፍላጥ በጃኻ ነዚ ቐጺሉ ዘሎ ሓበሬታ ኣንብቦ።